Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተሳትፎ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ኣብ ቦሎኛ

ተሳትፎ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ኣብ ቦሎኛ ህግደፍ፡ ኣዝዩ ግፍዐኛ ጕጅለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ቀንዲ ጸገሙ ብዘይካይ ብዛዕባ ጕዳይ ሃገር ዝምልከቶ ሰብ የሎን ብምባል፡ ምሕደራ ሃገር ንበይኑ ክብሕት ምድላዩ እዩ። ንሱ ከይኣኽሎ፡ ነዚ ነገር’ዚ ብሕጋዊ ኣገባብ ዘይኮነ

ተሳትፎ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ኣብ ቦሎኛ

ህግደፍ፡ ኣዝዩ ግፍዐኛ ጕጅለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ቀንዲ ጸገሙ ብዘይካይ ብዛዕባ ጕዳይ ሃገር ዝምልከቶ ሰብ የሎን ብምባል፡ ምሕደራ ሃገር ንበይኑ ክብሕት ምድላዩ እዩ። ንሱ ከይኣኽሎ፡ ነዚ ነገር’ዚ ብሕጋዊ ኣገባብ ዘይኮነ ብደረጃ ውልቀምልኪ የካይዶ። ስለዚ፡ ደለይቲ ለውጢ ነዚ ጋሕማጥ ጕጅለ’ዚ ካብ ገጽ ምድሪ ሓግሒግና ክንኣልዮ እንተዄንና ብቅኑዕ መትከል ክንምራሕን እዚ ዓመጸኛ ጕጅለ’ዚ ዝገብሮ ጌጋታት ክንደግምን የብልናን። ፍትሒ ክነምጽእ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ኩላትናተቓለስቲፍልልያትናሃብትናምዃኑኣሚንናብሓባርኣንጻርጭፍራ ህግደፍክንምክትይግብኣና።ፍልልያትናብምንጻርንብምክብባርንንናይጽባሕዲሞክራሲያዊትኤርትራውሕስነት’ዩ ካብዝብልመሰረታዊእምነትተበጊስናድማኣብሞንጎናፍቕርንሰላምንምትሕብባርንከነስፍንክንክእል ግድነት ይኸውን።ልዕሊ ዅሉ ድማ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ፡ ፍልልያቱ ዝበየገድስ በብዝጥዕሞ ኣገባብ  ክውደብን ኣንጻር ውልቀምልኪ ክቃለስን መሰል ከም ዘለዎ ክንፈልጥ የድሊ። ካብዚ መትከላት’ዚ ብምብጋስ’ዩ ድማ ምምስራት ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ኣድላዪ ኮይኑ ዝተረኽበ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ መራኸቡ ብዙሓን ከም ዝተገልጸ፡ ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ካብ ዝምስረት ድሮ ክልተ ዓመት ቀሪቡዎ ኣሎ። ርግጽ’ዩ ብመጠን’ቲ ንምነዮን ንብህጎን ኣድሚዑ ክንብል’ኳ እንተ ዘይደፈርና፡ ብዓቕሙ ዓበይቲ ዓወታት ከም ዝተጐናጸፈ ይትረፍ ንሕና ኣብቲ ቃልሲ ዘለና፡ ህግደፍ ይኹን ደገፍቱ ዝምስክሩዎ ሓቂ ኮይኑ’ሎ። ናይ ዝኾነ ቃልሲ ሓይሊ ካብ ውሽጣዊ ኵነታት ስለ ዝብገስ ድማ እቲ ዝዓበየ ዓወት ጽላል፡ ሓድነት ኣባላቱ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ኣቢሉን ተወሃሂዱን ክሰርሕ ምኽኣሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ባይታ’ውን ኣደልዲሉ ክረግጽ ምኽኣሉ እዩ። ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ናብራኻ ኣጣጢሕካ፡ ጥዑም እናበላዕካን ጥዑም እናሰተኻን፡ ቀዳምነት ንውልቃዊ ህይወትካ እናሃብካን ዝቕይደካ ድሲፕሊን ኣብ ዘይብሉን ክተካይዶ ኣብ ትፍትነሉ ግዜ፡ እቲ ዘጋጥም ጸገማት ዝተዓጻጸፈ ይኸውን። ነዚ ካብ ውሽጣዊ ኵነታት ሃገር ርሒቕካ ኣብ ስደት ምህላው ክውሰኾ ከሎ ድማ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ይተሓላለኽ። ስለዚ፡ ነዚ ዅሉ ኣወሃሂድካ ነቲ ቃልሲ ክትኣልን ክትመርሕን ምፍታን ቀሊል ብድሆ ከም ዘይኮነ ርዱእ ይመስል።

ጽላል ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ድማ ካብ ህሉው ኵነታት ቃልሲ ተወሊዱ። ካብ ጌጋታቱ እናተማህረ ክምዕብልን፡ በብቝሩብ ክድልድልን ክትርንዕን ብምጅማር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድሮ ዓዅኹስ ኣንጻር ህግደፍ ኣድማዒ ዝኾነ ዕማማት ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣሎ። እቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወት ንዝርከቡ፡ ጸረ ህግደፍ ዝኾኑ ማሕበራት፡ ውድባትን ውልቀሰባትን ዝጥርንፍን ዘወሃህድን እዩ። ህግደፍ፡ ኣጻፍሩ ኣብ መላእ ዓለም ብምዝርጋሕ ህይወት ክዘርእ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ግዜ ድማ እቲ ቃልሲ ብደረጃ ዓለም ክወሃሃድ ግድነት እዩ። እዚ ዕማም’ዚ ወላ’ኳ ኣብ ዕሸልነት እንተ’ሎ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ ኣብ መወዳእታ 2012 ኣብ ጀነቫ ብደረጃ ኤውሮጳ ዝተኻየደ ደርማስ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ቦሎኛ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንናይ ህግደፍ ፌስቲቫል ቦሎኛን ክጥቀስ ይከኣል።

ካብዚ ነጥብ’ዚ ብምብጋስ፡ ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ስታቫንገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባኡ፡ ህግደፍ ደም ግዳያት ላምፔዱሳ ከይነቐጸ ኣብ ቦሎኛ ከካይዶ ንዝሓሰበ ፌስቲቫል ንምቅዋም ዝብገሱ ኣባላት ተዳሉ ኮሚቴ መዚዙ። ወላ’ኳ እቲ ግዜ ሓጺር እንተነበረ፡ ልዑል ድሌት ደለይቲ ለውጢ ስለ ዝነበረ፡ ንመግዝኢ ቲኬት 70 ሽሕ ክሮነር ክዋጻእ ከሎ፡ ኣብ ቦሎኛ ንኣባላት ዝኸውን መንቀሳቐሲ ድማ 13,000 ሽሕ ክሮነር (1460 ኤውሮ) ተዋጺኡ። እዚ ገንዘብ’ዚ ዝበዝሕ ካብኡ ብደረጃ ማሕበራት፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ኣስማቶም ብዝገለጹን ዘይገለጹን ኣባላት ዝተዋጽአ እዩ። ኣብ ቦሎኛ ካብ ኖርወይ ዝተሳተፉ ኣባላት ጽላል ብቝጽሮም ኣስታት 40 ምዃኖም ይፍለጥ። ብወገንና፡ እቲ ኣብ ቦሎኛ ኣንጻር ፌስቲቫል ህግደፍ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሸቶኡ ከም ዝወቕዐን፡ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ መድረኽ ብምስጋር ንህግደፍ ኣብ ናይ ምክልኻል መድረኽ ከም ዘእተዉዎን ተገንዚብና ኣለና። መርኣያ ናይዚ ድማ እቶም ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ዝተኸፍሎም፡ ምሉእ ዕጥቂ ናይ መበተኒ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነበሮም ፖሊስ ኢጣልያ ምእካል ስኢኖሞ፡ “ጠፋእኩየ! ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ስደዱየ!” ክሳብ ዝብል ከም ዝገበሩዎ ኣብቲ ውዕሎ ዝተሳተፉ ደለይቲ ለውጢ ዝምስክሩዎ ሓቂ እዩ። እዚ ጽፉፍ ውዳቤ ዝነበሮ ኣብነታዊ ስርሒት’ዚ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝካየድ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ክድገም ናይ ወትሩ ትጽቢትና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ነቶም ነዚ ስርሒት’ዚ ዕዉት ኣብ ንክኸውን ብደረጃ ዝነብሩሉ ሃገር ይኹን ብደረጃ ኤውሮጳ ዝወደቡን ዝጸዓሩን ደለይቲ ለውጢ፡ ምስጋናና ወሰን ከም ዘይብሉ ክንሕብር ንፈቱ።

ቃልስና ክዕወት እዩ!

ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Medber July 23, 2014

    Good job, nudist,Ajokum keribna ena idey edka nebal degem hatsir gizie eu terfu.
    Ajokum Ajona.
    Hegdf Mendfu ab gemgem tsedfi eu zelo.
    Viva Nerway.

  • Medber July 23, 2014

    Please. correct nudist for nufuat and Mendfu for Mandef.

  • TwoWayStreet July 23, 2014

    Well put.
    As you have mentioned “FLLYATNA HABTNA”(OUR DIFFERENCE IS OUR TREASURE), We should not expect every Eritrean to have the same stand on every issue. That would equal PFDJ’s “HADE LIBI” way of leading. If so dictatorship will reign, because we will hate people with different views than that of ours, we will insult them, mock them, and if we have the power we will put them in jail, torture them and kill them. So the base of our unity should be the respect for our diverse views and ideas.

    • Tes July 24, 2014

      get real! trying to distinguish b/w diversity and flirting with murderous group. HGDEF is not a party with ideology nor a group obey the law. They are a group of gangs with one chief he can whatever he like to do. To make matter worse he is mentally unstable which by some measures clinically mad. The thing is that people like you with little knowledge of right and democracy try to bend and exploited our ignorance to your wicked advantage. Advocating for protraction of the status-qua. Yes there are few they get rich by associating with the junta and may be you are one of them and get lost.

      • TwoWayStreet July 24, 2014

        Exactly Tes. Thanks for calling me names, because unknowingly you proved my point. Now let’s say you are in power, can you imagine what you are going to do to me? Insults and name callings will not satisfy you. You will go a step further.
        On the other hand you treated my comment as a support for PFDJ. Can you please tell me which of my statement(s) does that. And if there is any, it is unintentional.

        • ahmed saleh July 24, 2014

          Tes and Two way Street
          Since both of you associate with justice seekers group , to respect different point of view respectfully
          open the road to create civilized society .
          I thought to respond for TwoWAYStreet comment but after re-read and analyzed his intention for forgiveness
          and to give priority for a fresh look at our people’s broken Unity , I prefer to respect his outlook .
          Sometimes we have to agree to disagree because the common pain comes from same source which is injustice .
          Again disregard those responsible wrong doers but the majority need each other to survive under rule of law .

  • Wedihagher July 23, 2014

    “ፍልልያትና ብምንጻርን ብምክብባርን ንናይጽባሕ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ውሕስነት’ዩ ካብ ዝብል መሰረታዊ እምነት ተበጊስና ድማ ኣብ ሞንጎና ፍቕርን ሰላምን ምትሕብባርን ከነስፍን ክንክእል ግድነት ይኸውን።”

    A properly managed diversity that accommodates the basic rights of every group, is a huge resource, and a solid ground for genuine national unity. The best way to fight tyranny is to first work very hard on these issues, so as to mitigate the mutual mistrust the regime has create among us. Only then we will be able to act in unison, and bring about change that gives hope for a better future for our kids.

    • abe July 24, 2014

      That is the lesson 101 for Mr. Amanuel who is not in a position to include or exclude who wants to express his opinion just a hint

      • ahmed saleh July 24, 2014

        You said what ? A lesson to who ?
        After all the destructive comments behind democracy as a shield and unnecessary insults now
        to blame Amaniel does not hold water .
        Ziakhlen tihinensi baele Mariam yibla , goes in Tigrigna sayings .

  • Tesfu Kbrom July 24, 2014

    ኤርትራውያን ኖርወጃውያን ሒዝኩሞ ዘለኹም ጐደና ንኹላቶም ተቓለስቲ ሰናይ ኣብነት፡ ንህግደፋውያን ድማ ሕልናኦም ዝወቅስ ኮይኑ ከም ዘሎ ብዙሕ ምልክታት ኣሎ። ኣብ ኦስሎ ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኣዕሩኽተይ ከም ዝሓበሩኒ፡ ‘ደለይቲ ለውጢ ከም ቀደም ዘይኮነ ሎሚ ከም ሓደ ሰብ ደው ኢሎም ኣንጻር ህግደፍ ይገጥሙ ኣለዉ። ማራ ነፊዖም ኣለዉ” ክብሉ ገሊጾምለይ። እዚ ኣዝዩ ዘሕጕስን ብኹላትና ነበርቲ ኤውሮጳ ደለይቲ ለውጢ ክሰዓብ ዘለዎ ሰናይ ኣብነት እዩ እብል። ስለዚ፡ ኣጆኹም! በርትዑ ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ጻማኹም ክትረኽቡ ኢኹም እብለኩም። ሎሚ ዓመት ህግደፍ ዓመቱ ኣይኮነትን ኣሕዋት። ምህዳም ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ሞት ብዙሓት ጀነራላትን ሃለፍቲ ሰራዊትን፡ ምህዳም ጅግና ደጀን፡ ኣንጻር ኢሰያስ ክሲ ክምስረት ብሽወደን፡ ምቛም መርማሪ ኮሚሽን ብሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ክሳብ ምዕጻው ዝበጽሕ መጠንቀቕታ መንግስቲ ካናዳ ንቤት ጽሕፈት ቆንስል ህግደፍ፡ ፍሽለት ቦሎኛ ወዘተ። ህግደፍ ሎምዝበን እንታይ ግድኹም ኣይቀንዖን።

  • ahmed saleh July 24, 2014

    ” FILILYATNA HABTNA ” very true if we respect others point of view for common cause . Singing the
    same songs like HGDF is good example to drive listeners close their ears . I hope our politicians
    take time to think about the importance of its meaning instead tiring cat-mouse play of hide and
    run stupid games .

  • Tes July 24, 2014

    Great stuff. Viva Norway. It is really exemplary. The opposition will learn a lot from you and well done guys. those who moaning and criticizing opposition without involving are wast of time and ignore them. They feel unease with good news and will come to distract you in different color. We are wining God bless you guys.

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply