ቦኽሪ ርክብ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት
22.10.2016 መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝነብሩ ብኣካል ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ክፋለጡን ኢሂን ምሂን ተበሃሂሎም ከኣ ክመያየጡን ንዘኽእሎም ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር ድሕሪ ናይ ሓያሎ እዋን ውረድ ደይብ ሓሳባት እነሆ ከልብን መዓልትን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ተባሂሉ ብኣበው ኣቦታትና
22.10.2016
መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝነብሩ ብኣካል ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ክፋለጡን ኢሂን ምሂን ተበሃሂሎም ከኣ ክመያየጡን ንዘኽእሎም ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር ድሕሪ ናይ ሓያሎ እዋን ውረድ ደይብ ሓሳባት እነሆ ከልብን መዓልትን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ተባሂሉ ብኣበው ኣቦታትና ከምዝተመሰለ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 22.10.2016 ብዘደንቕ ኣገባብ ብቡዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መተዓብይቲ ዝተረኽቡዎ ተሳተፍነት ብዓጀባ ደሚቑን ከቢሩን ውዒሉ።
እቲ ኣኼባ ብዝኽርን ጸሎትን ሰማዕታት ተኸፊቱ ቀጺሉ ተሳተፍቲ ናብ በተን ወዓሮ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ፍራንክፈርት ዝነብራ ዘዳለውኦ ኢድ ዘቆርጥም ሺሻይ መግቢ ካብቲ ቡፌ ቃሕ ዝበሎ መሪጹ ብምውሳድ ከብዲ ምላሽ ተመገበን ተዓንገለን።ዝስተ`ውን እንተኾነ ካብ ስዋ ዓድና ጀሚርካ ወይኒ ደቀምሓረ ከይተረፈ ኲሉ ዝጎደለ የለን።ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ምሁራትን ሰብ ቅያ ተጋደልቲ ከም በዓል ታረቀ በራኺ ብምንባሮም ዝያዳ ሚዛንን መዓርግን ሂቡዎ።ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ወናማት ደረፍትን ተጻወትን ሙዚቃ ብወደባት ደቀምሓረ ነጋሽ መሓመድ ብርሃን ዝእለዩ ክሳዕ ወጋሕ ትበል ለይቲ ነቲ ህዝቢ ብምዝንጋዖም ዓቢ ድምቀትን ግርማን ኣልቢሶምዎ እዮም።እቲ ዳስ ብዝተፈላለዩ ስእልታት ደቀምሓረ ተሰሊሙን ተወቂጡን ኢዩ።ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ብወንን ብርቱዕ ዝኽርን ተደሪኹ ዝሞተ እንተሞተ እቶም ዘለና ንዛተ ክብል ምስቶም ሙዚቀኛታት ተወኃሂዱ“ እንታይሞ `ታይሞ እዛ ዓለምዚኣሞ“ እንዳበለ ብፍላይ ነቶም ሰማዓታት መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ብምዝካር ንኹሎም ተሳተፍቲ ልቦም መሲጡን ተንኪፉን።ቀጺሉ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብ መንጎኦም ንባህልን ልምድን ኣቦታትና ተኸቲሎም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይ ጀርመን ዝቕመጡ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ነዚ ሓድሽ ምጥርናፍ ኣማእኺሎም ክመርሕዎን ከካይድዎን ዝኽእሉ ሰባት መሪጹ ቆጽሊ ኣውዲቑሎም።
ነዚ ቦኽሪ በዓል ርክብ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ንምትብባዕን ንዝያዳ ዕብየቱን ዝተመነዩ ብዙሓት ደቂ ደቀምሓረ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማትን ሃገራትን ብስልኪ ደዊሎም ከምኡ`ውን ብስካይ ተጠቒሞም ኣብቲ ኣደራሽ ሰናይ ትምኒቶምን ሓጎሶምን ገሊጾም።
ናይ ሰነድ ጽሑፍ ኣቕራቢ
ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ
ሉድቪክስቦርግ/ጀርመን
PH October 26, 2016
TEklay.
You sound like old teclay we know in this forum. back word dreamer bahri -negasi .
Hafash October 29, 2016
God bless you Deki Dekemhare Shidenat The Upright People! I wish I was there. Keep up the good work!