Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብድሕሪ ብጫ መብራህቲ ቀይሕ ዶ ቀጠልያ

ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ዓርቢ ንመዕደኒ ወርቂ ቢሻን ኣብ ማይዕዳጋ ዝነበረ መኽዘን ኣጽዋርን ደብዲበን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረዳ ኣይጋ ፎረምን ትግራይ ኦን ላይን ዝተሰምያ ወብ ሳይታት ገሊጸን:: ቅድሚ ዘን ወብ ሳይታት ግን ረዲዮ ወጋሕታ ነቲ ፍጻሜ ኣብ

ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ዓርቢ ንመዕደኒ ወርቂ ቢሻን ኣብ ማይዕዳጋ ዝነበረ መኽዘን ኣጽዋርን ደብዲበን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረዳ ኣይጋ ፎረምን ትግራይ ኦን ላይን ዝተሰምያ ወብ ሳይታት ገሊጸን:: ቅድሚ ዘን ወብ ሳይታት ግን ረዲዮ ወጋሕታ ነቲ ፍጻሜ ኣብ ትሕቲ ሕጂ ዝመጸና ሓበሬታ  ብ 20 መጋቢት ” መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣካላት ኣብ ማይ ዕዳጋ ዝነበረ ደፖ ተቓጺሉ” ዝብል ሓበሬታ ፈንያ:: ኣስማሪኖ ዝተባህለት ወብ ሳይት ብወገና ንሓንቲ ጋዜጣ ሱዳን ብምጥቃስ ነቲ ሓበሬታ ዘርጊሓ::ማዕከን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ  ብዛዕባዚ ንህዝቢ ዘገድስ ዓቢን ሃንደበታውን መጥቃዕቲ ኣፈን ተዓቢሱ::

ኣይጋ ፎረም ነቲ ዝተጸንዐን ብዝተመርጸ ዕላማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበሎ ዝሃቦ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ኢዩ::

-ሻዕብያ ነታ ብሓደ ካብ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተጨውያ ኣብ ኢዱ ትርከብ ሄሊኮፕተር ክመልሳ ተሓቲቱ ዕጭ ብምሕንፋፉ

-ነቶም ብኢትዮጵያ ግብረሽበራውያን ዝተረቑሑ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተ: ኦነግን ኦብነግን ብምድጋፉ

መዓስከራት ግብረ ሽበራ ብምምስራቱን ዝብል ይርከቦ::

ነዚ ጠንቅታት ምርኩስ ብምግባር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝተጸንዐ ዕላማታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ:: ኣስዒቡ ድማ ኢሳያስ ነታ ዝተጨውየት ሄሊኮፕተር ብቕልጡፍ ክመልስ: ንኣባላት ግንቦት ሸውዓተን ካልኦትን ከረክብን መዓስከራቶም ከዕኑን ኣዚዙ:: ኢሳያስ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት ምስ ዘየማልእ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ራዳር ኢትዮጵያ ዝተኸወለ ከምዘይኮነን መጥቃዕቲ ከምዝቕጽልን ትግራይ ኦን ላይን ገሊጹ:: ነቲ ስርሒት ድማ በታ ዝተጨውየት ሄሊኮፕተር ሰምይዎ: መጥቃዕቲ ኤም ኣይ 35::

መልሲ ኢሳያስ እንታይ ይኸውን:- ኢሳያስ ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣብ ትቐርበሉ ናይ ምምላጥ ተሞክሮ ከምዘለዎ ኣብ ብዙሕ ናይ ውሽጥን ግዳምን ፈተነታት ተራእዩ:: ብፍላይ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ኩናት ድማ: ኣብ ፈለማ ነቲ ብኣሜሪካን ርዋንዳን ዝቐረበ ናይ ሰላም እማም ክቕበል ብሚኒስተር ዜና በራኺ ገብረስላሰን ካልኦትን ዝቐረበ ርእይቶ ነጺጉዎ:: ብሰንኪ ዕንደራኡን ዕብዳኑን ድማ ኣስታት 25 ሽሕ መንእሰይ ኤርትራ ጠፊኡ:ዓሰርተታት ኣሽሓት ተቐማጦ ናይተን ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ተመዛቢሉ: ብዘበናት ዘይጥረ ንብረት ሃገር ዓንዩ::ሰራዊት ኢትዮጵያ ባረንቱን ከባቢኡን ኣብ ዝተቆጻጸረሉ ኢሳያስ ርዖኡ ጠቕሊሉ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ሻባይ መንደር ቤት ጽሕፈቱ ኣዳልዩ ነይሩ ::ብስምምዕ ኣልጀርስ 2001 ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ  መሬት ኤርትራ ወጺኡ

እታ ጠንቂ ኩናት ዝተባህለት ቁሸት ባድመ:ብኩናት ዘይኮነ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ብዝተግብረ ዘተ ብካርታ ናብ ኤርትራ ኣትያ::ኢሳያስ ባዕሉ ንዘበገሶ  ኩናት ብኣጋ ክኣልዩ ዝግበኦ ዝነበረ ኣሳዊርዎ ከይኣክል ድማ:ትርጉም ዘይብሉ ብምባል ኣብ ልዕሊ ስውኣት ኣላጊጹ::

ሰራዊት ዓቃብ ሰላም 25 ኪሎሜተር ናብ ኤርትራ ብምእታው ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሮ ብሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ እማመ ኢሳያስ ተቐቢልዎ:: ብድሕሪዚ እውን ተረጋጊአ ኣብ ዝበለሉ እቲ ምሕንጽጽ ዶብ ቬርቸሊ(virtually) ተተግቢሩ ብምባል ህዝቢ ኣታሊሉ በቲ ሓደ ድማ ኣይሰላም ኣይኩናት ኣሎና ብምባል ነቶም ጠንቂ እቲ ኩናት ክምርመርን ኤርትራ ሓይላ ዓቂባ ትወጽኣሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ብሕጊ ዝሓተተቱ መዓድቱን መቓልስቱን ተሰዓርቲ ተምበርከኽቲ ጠቂኑ ኣሕቂቕዎም::

ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 16 ዓመት መሳርዑ ረቒቑ ጥራይ ዘይኮነስ ብሰንኪ ብልሽው ኣካይዳ ኢሳያስን ሰዓብቱን ንሓድነቱ ዝፈታትን ማሕለኻታት ገጢምዎ ንሃገር ክከላኸል ይትረፍ ነብሱ ከድሕን እውን ኣይከኣለን:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ 2012 ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ብዝፈነዎ መጥቃዕት ኣስታት 90 ማሪኹ::ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሞቱን ዝተማረኹን ደቁ ሓበሬታ: እቶም ጥሜትን  ጸማልያ ዝነበሩ ምሩኻት ምስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዝገበርዎ ሕቶን መልስን በጺሕዎ::ዓመት ድሕሪ እዚ ፍጻመ ብ2013 ድማ ብኮለነል ስዒድ ዓሊ ዝምርሑ ታንክታት ተወጢሖም  ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ጠሊቦም:: እንተኾነ መደቦም ብክድዓት ኣዘዝቲ ፈሺሉ ኣብኡ ዝተሳተፉ ገሊኦም ተቐቲሎም ዝተረፉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለው:: ብሰንኪዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህግደፍ ነቓዕ ገፊሑ :ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብዙሓት ካብቶም ምኩራት ኣዘዝቲ ከቢድ ብረት ከሲሩ::

ስርዓት ኢሳያስ ንዝሓልቀመ  ዳንጋኡ ከሕብጥ ነቶም ኣቐዲሙ ከታትዮም ዝጸንሐ ንኢትዮጵያ ዝቃወሙ ውድባት ከሕይልን መታፈነኒ ክጥቀመሎምን በቲ ሓደ ወገን: በቲ ካልእ ድማ ንሕማቕ ጊዘ ክኾንዎ ብምሕሳብ ብዕጥቅን ስንቅን:ብተዓሊምን ፕሮፕጋንዳን ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ሰሪዕዎም::ካብ ወርቂ ቢሻን ካብ ካልእ ሸማጢጡ ዝረኸቦ ዶላር ንምምዕባል ጸዓትን መሰረታዊ ጠለብ ህዝብን ስለዘይውዓሎ ህዝቢ ኣብ ጸላም ብጥሜት ተደፊኑ ይውዕል ይሓድር ኣሎ::   ግንቦት ሸውዓተ ካብ ኢሳያስ ውሱን ባጀት ተሰሊዑሉ ከምዝንቀሳቐስ ኣቦ መንበሩ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ምግላጹ ይዝከር:: ደምህት እውን ካብ ካልኦት ዝተርነዐ ንክኸውን ዝለዓለ ደገፍ ከምዝግበረሉ ጸብጻባት የመልክቱ::

ኢሳያስ ኣብቲ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዓብለለን ብዕድመ ዝደፍአን ሰራዊት ኤርትር እምነት የብሉን:: ኣብ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ተኣማሚኑ ነቲ ብመንግስት ኢትዮጵያ ቀሪቡሉ ዘሎ ትእዛዝ ማለት ሄሊኮፕተር ክመልስ: ንተቓወምቲ ከባርርን መዓስከራቶም ክድምስስን ዝውዕሎ ኣይመስልን:: ኢትዮጵያ ብወገና ኣብዚ ኣዋንዚ ብፍላይ ንኢሳያስ ንጽመመምሉ ጊዜ ኣኺሉዩ ማርሻ ቐይርና ኢና ብምባል መጥቃዕቲ ከምእትቕጽል ኣጠንቂቓ ኣላ:: እቲ ምኽንያት ካብዚ ብዝተፈልየ ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከም ወረቐት ክትጥቀመሉ ኢያ ይብሉ ናይ ፖለቲካ ተዓዘብቲ::

ርእይቶ ኤርትራውያን ንምፍላጥ ንመን ትሓትት ምፍላጥ የድሊ::ኣብ ሰለስተ ድማ ይኽፈሉ 1.እቲ ዝበዝሐ ብኢሳያስ ኣስዓንደ ጸጊቡ ዘሎ: ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ቤተ ሰቦምን ካልኦትን  ዝኾነ መዕሸጊ ኣብ ጊዘ ማዕበላው ነውጺ ዝብል ምርጫ ከምዝወስዱ ኣየጠራጥርን::

2.ውሑዳት ምስ ቲ ጉጅለ ረብሓ ዘለዎም ድማ እዚ ሃልሃልታ ክሳብ ዘይጸለዎም ኢሳያስ ሰባት ብምቕታል ብምእሳር ብምብስባስ ኣባይቲ ብምዕናው እንተቐጸለ ሕቖኦም ሂቦም ነዚ መጥቃዕቲ ናይ ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ተደፊሩ ብምባል ተቓውሞ ብውሑዱ ብጽሑፍን ዘረባን ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም:: ልኡላውነት ንምኽባር ግን ብሂወቶም ዝስለፉ ኣይኮኑን::3.ኣብ ሰራዊት ዘለው ሓለፍትን ተራን ኣብ ወጻኢ ዘለው ተቓወምቲ ሓዊስካ:ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ዝተቐርቀረ ወገን ድማ እቲ ስርዓት ተኣልዩ መጻኢ ኤርትራ ዝኸፍአ ከይከውን ስግኣት ዘለዎ ኢዩ::ኣብ መንጎ ክልተ መንበር ኮፍ ዝበለ ይመስል::

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከ:- ኢሳያስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጻሕተሮ እሳት ኣይዘሓለን:: ብመንጎኝነት ቐጠር ምስ ጂቡቲ ዝተጀመረ ዘተ መዕለቢ ኣይተገብረሉን ጥራይ ዘይኮነ ኢሳያስ ምሩኻት ጂቡት ከይመልስ ብምሕንጋዱ እቲ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ኣሎ:: ፕረዚደንት እታ ዑመር ገለ  ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ሓድነት ዝምጠጥ ጽኑዕ ርክብ ከምዘለዎ ምግላጹ እውን ኣይርሳዕን:: ሱዳንን ምስርን ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽበን ረብሓ ፈለግ ኒል ስለዘሎ ቀዳምነት ዝህብኦ ሃገራዊ ረብሓአን ክኽወንዩ:: ብዘይካዚ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝኸተመት ሃገር ኢያ::ኬንያን ኡጋንዳን ምስ ኤርትራ ቅርዑይ ዝምድና የብለንን: ብቐንዱ ድማ ኤርትራ ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ድሕሪ ምስሓባ ክትምለስ ዘቕረበቶ ጠለብ መልሲ ኣይተዋህባን::ፕሮቶኮል ጥዒሱ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ኣዲስ ኣበባ ክሳተፈ ዝፈተነ ተልመደን ዲፕሎማሰኛኣ ምብራሩ ኣይርሳዕን::

ስግር ባሕሪ ዘላ የመን ኣብ መንጎ እቲ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዝነበሮ ዓብዱ ረቦ መንሱር ሃዲን ሚልሽያ ሁቲን ብዘሎ ቁርቁስን ኣልቃዒዳን ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ (እስላማዊ ውድብ ዒራቕን ሶርያን) ብዝገበርዎ መጥቃዕቲን ተሓሚሳ ኣላ:: በዚ ድማ ንጉዳይ ኤርትራ ተቕልበሉ ጊዜ የብላን::

ብኻልእ ወገን ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ጉጅለ ኣብዚ ቐረባ ጊዘ ኣብ  ዝሃቦ ጸብጻብ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ቀይሕ መስመር ረጊጹ ከምዘሎ ዘመልክት ኢዩ::ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ እቲ ኮሚተ ጸብጻቡ ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕርብ ተፈሊጡ ኣሎ:: ሃገራት ኤውሮጳ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓቕለን ጸቢብወን ጠንቂ ንምፍላጥን መፍትሒ ንምድላይን ብዝገብርኦ ምንቅስቓስ ንጉጅለ ህግደፍ ቃልዕ ኣወጺእዎ ኢዩ::ስለዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ ጽቡቕ ሽም ኣይጸንሓን ኣብ ክንዲ ኣካይዳ ምቕያር ድማ ናብ ደልሃመት ምምርሓ ቀጺላ:: ዓለም ኣብ ጉዳይ ኑክልየር ኢራን: መጥቃዕት ኣይኤስ ኣይ ኤስ(እስላማዊ ውድብ ዒራቕን ሶርያን): ሓድሕድ ኩናት ሊብያን : ሕንፍሽፍሽ የመንን ተጸሚዳትሉ ኣብ ዘላን ጉዳይ ክረምያ ናይ ኡክረይን መዓልቦ ኣይተረኽበሉን::

በዚ ኾይኑ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ዝፍጠር ኩነታት ብትብዓትን ሓድነትን ንዲሞክራስያዊት ምዕብልትን ኤርትራ ብዘማዕደወ ራእይ ክከታተሎ ሓላፍነት ክስከም ይግባእ::

22.03.15

ደጎል ድራር

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • rezen March 23, 2015

    To ደጎል ድራር
    It is commendable summation of the background. I am impressed. May I suggest something? But first please take my suggestion as a symbol of admiration only, ABSOLUTELY NOT an iota of showing-off for seemingly literary qualification.
    With that warning here is my suggestion.
    a) make research on the subject (be patient);
    b) collect your materials in logical progression;
    c) expand them with your own insight on the subject matter;
    d) at the end — when you have your initial draft material– I suggest you consider having an Editor

    It is not an easy task. By the way, many people think that they are capable of literary Tigrigna just because it is their ‘mother tongue’!! The result is laughable and pathetic too! Tigrigna is a difficult language. Adding to that is the saddest historical fact that the oldest indigenous written language, derivative of ancient Geez, was NEVER taken seriously in the “modern” Eritrean education system that was provided by colonial forces and more devastating by the negative attitude of “modern” educated Eritreans towards their own language …….. sorry, I am drifting, though it is my favourite subject.

    Returning to the subject at hand, if you are successful with your undertaking, it would the greatest gift to future generation of Eritrea — in what ever form it may be!!! And needless to say, it will give you a personal satisfaction.
    Good Luck

    • Halafi March 23, 2015

      rezen,
      Though I like a lot of your frank comments here, this one was not one of them. Given the little time given and the secret nature of the military operation, it is hard to do full research and deeper analysis in a short call, however ato Degol Drar has done a respectable job.
      ato Rezene, your comment may have been intended constructive but it is a bit hurried and counter productive.

  • rezen March 23, 2015

    CORRECTION

    Re: last paragraph, end of first line.
    Please amend the words “it would the” to read “it would be the”
    Thank you.

    • sam March 23, 2015

      Rezen,

      I wish you can use your literacy to ward the Eritrean cause, what it matters to the majority Eritrean people is the big picture wich is what is he trying to say, I am sorry I didn’t think your help was on the right time nor do I think nessesary, as we are dealing our beloved country being attacked beacuse of DIA, the team of the paragraph was what do we do with him. who cares about his level of english language!!

      • rezen March 23, 2015

        The Riddle! How does one “discourage people” by congratulating one for admirable work? My intention basically was to express my admiration for the commendable summation of recent historical background by Mr. De-Gaulle Dirar.

        • dude March 24, 2015

          Rezene, i like your opinion. Unfortunately, you r preaching to a bunch of ‘guasot’ … not to downgrade the age old profession … but sorry that is what i see here. Aboy zblwo zeyfeltu mahayman yom’mo aythazelom

  • Dobch March 23, 2015

    To Mr. Rezen
    With all due respect, are you serious or kidding? People are worried of the present situation in Eritrea. We are not worried about how one should write a composition or grammar. Would you please stop discouraging people and instead play your “intellectual” role in favor of the struggling people of Eritrea? There will be time to exercise your intellectual muscle when Eritrea is free from the brutal hands of Isaya.
    Thanks

  • amsal March 23, 2015

    Please free these innocent from this stupid man

  • Halafi March 23, 2015

    ክንድዚ ተደኪርካ ዶ ከም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተውት ኣንጭዋ ኣጽቕጥ ኣሎ እዩ?
    ኣይተ ኢሳያስ ሕጂ ጽቡቕ መድሃኒት ረኺቡ።
    እዚ ኹሉ ሃለውለው፣ ሰኣን ከምዚኣ ጌርካ ድርዕ ድርዕ ምባል እዩ !?

  • teda March 23, 2015

    The only thing the Ethiopian government didn’t claim responsibility is because it wanted to keep it low key. Do what you do and pretend like nothing happened.but you make sure the message arrives to the other end.this is a war game you have to be care full.specially when you are in the heart of African diplomacy. For Eritrea what difference can it make if it cry,if there is not any one listening.

  • huria March 24, 2015

    it makes a sense ,when every Eritrean seriously follow the scenario to keep the sovereignty of the nation . to be on the safe side if the senario is true ,its 100%sad for any Eritrian as Eritrian wether he/she is puppet or kit cus its our resource second if the bombing is true its bad to Eritria on our independence on the sight of those who dreams to Eritrian ports,stand together in time of national crises what ever the individual diffrences that hurt the enamies of Eritria

  • rezen March 24, 2015

    Dear Halafi,

    I am indebted to you. Let me quote your last line:

    “ato Rezene, your comment may have been intended constructive but it is a bit hurried and counter productive.”

    With that honest, gentle and constructive criticism, it made me go over my commentary repeatedly. For the life of me I didn’t understand the criticism of the other gentle Readers. My intention was to congratulate Mr. DeGaulle Dirar for his remarkable summation of recent historical background[1}. Period! Obviously, it didn’t come out that way. That means, I slipped and fell. Why? No matter what a writer thinks of his/her material the final arbiter is the Reader – not the other way around. If the Reader can’t understand or read it differently, then the Writer, regardless of his/her good intention, has failed in communicating with the ‘people’. That has always been my belief. And yet, I failed. In any case, I understand and accept the criticism.

    For what it is worth, let me explain my intention. In Mr. DeGaulle Dirar’s literary ability, I saw an outcome ‘IN A BOOK FORM’ that would be helpful to understand an aspect of Eritrean history , written by an Eritrean, for the benefit of future generation. I wish I added the four words in caps in my commentary.

    To Mr. DeGaulle Dirar, If you understood my commentary as others did, I apologise from the bottom of my heart.
    —————————
    [1] I was delighted to see his Article at http://www.aigaforum.com. – including my commentary!!! Ouch!!!!

  • Angesom H. March 24, 2015

    A friend who is not honest enough to correct his freind’s mistake is not true to his friend and to himself. Esayas’s freinds should tell him to be more friendly and diplomatic with all the neighbouring countries and to also let Eritreans to live in peace and coperation with all our neighbours.

  • ኣርዓዶም March 24, 2015

    እዋይ ኣንታ ሎምስ እንታይ ኢና ክንሰምዕ፡ ህግደፍ ሃገር ይሕሉ ኣለኹ እዳበለ፡ ዝወረዶ ጸገም ዘየቓልሐሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ !!

    እዚ ኹሉ እንዳ ኣቝሓምዎ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኑ ክክክክኪ ኣይገርመኩምን !

    እንተወሓደ እቶም ንድግፎ ኢና ዝብሉ`ኸ ቑሩብ ከም ሰብ ብሒም ኣይብሉን ክክክክኪ ወይ ጉድ !

    ናይ ሎሚ ወርሕስ ግርም ኢያ ትብለኒ፡

    መርገም ወለድስ እንተዘይቐተለ የዕነኒ ክብሉ ሰሚዕኩም ትፈልጡ፡ ህግደፍ ድማ ገዛ መሳኪን ብኽንደይ ጨቖቕታ ዝተሰርሐ ገዛውቲ መሳኺን የዕንው ወርሒዎ።
    ኣምላኽ ድማ ናይ ኢድካ ኣይትስኣን ግዲ ኢልዎ፡ ሓያል ሰዲዱ ነቲ ቐንዲ ምንጪ ድራሩ ዝነበረ ወርቒ ብሻ፡ ነፈርቲ ሓያላት ድዋዕዋዕ ከብልኦ ከለዋ ብሒም ክብል ኣይክኣለን።
    እወ ነቲ ህዝቢ ገዛኻ ከፍርሶ ከለኹ ብሒም ከይትብል ኢሉ ከምዘይፈከረሉ፡ ንሱ`ውን በቶም ሰብ ስረ ዝኾኑ ወያነ ድዋዕዋዕ ከብልዎ ከለዉ፡ ከም መራሒ ሃገር መጠን ከማን ብሒም ኣይበለን።
    ኣምላኽ ንብዓት ውጹዓት ዘይርኢ ዝመስሎም እንስሳ ዝኾነ ልቢ ባህሪ ዘለዎም ህግደፋውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከም`ኡ ተዘይኮኑ ገዛ መሳኪን ህዝቦም ከፍርሱ ኣምባይ ምደፈሩን። እዚኦም ግን ካብ እንስሳ ንላዕሊ እንስሳዊ ባህሪ ዘለዎም፡ ካብ ኣሸበርቲ ንላዕሊ ኣሸበርቲ፡ ብዘይካ ምፍራስ እምበር ምስራሕ ዘይፈትዉ ስለዝኾኑ ድማ ኢዩም ሕጂ`ውን በቲ ዝወረደ ዕንወት ወርቒ ቢሻ ቑሩብ ብጭቕ ክብሉ ዘይደለዩ።

    ኣምላኽ ምህልላ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ፡ ብገለ ፍታሕ ይፈረሉ እምበር፡ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ፡ ጕህን ጭውያን ቕትለትን ዓመጽን ክህሉ ግድን ኢዩ።
    ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ብሓባር ብሓደ ኢድ ክትንስእ ይግባእ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ

    ኣርዓዶም

    • Fanko March 25, 2015

      ሃየ በል ኣቶ ኣርዓዶም፣ ግርም ዝኾነ ትዕዝብቲ እነሆ፤

      “መርገም ወለድስ እንተዘይቐተለ የዕነኒ ክብሉ ሰሚዕኩም ትፈልጡ፡ ህግደፍ ድማ ገዛ መሳኪን ብኽንደይ ጨቖቕታ ዝተሰርሐ ገዛውቲ መሳኺን የዕንው ወርሒዎ።
      ኣምላኽ ድማ ናይ ኢድካ ኣይትስኣን ግዲ ኢልዎ፡ ሓያል ሰዲዱ ነቲ ቐንዲ ምንጪ ድራሩ ዝነበረ ወርቒ ብሻ፡ ነፈርቲ ሓያላት ድዋዕዋዕ ከብልኦ ከለዋ ብሒም ክብል ኣይክኣለን።
      እወ ነቲ ህዝቢ ገዛኻ ከፍርሶ ከለኹ ብሒም ከይትብል ኢሉ ከምዘይፈከረሉ፡ ንሱ`ውን በቶም ሰብ ስረ ዝኾኑ ወያነ ድዋዕዋዕ ከብልዎ ከለዉ፡ ከም መራሒ ሃገር መጠን ከማን ብሒም ኣይበለን።”

POST A COMMENT