ኤርትራዊት ኣደ፡
ብዳዊት ክፍለዝጊ ትብል ኣላ ኤርትራዊት ኣደ፡ 12 "ከብደይ ወሊደ ብዘይ ምቅሊ ሓደ ሓደ ድሕሪ ሓደ በኹሪ ሕሳስ፡ልደ፡ ጠዋሪ ዘብለይ፡ በይነይ ተዓኒደ፡ ኣብ ዘበነ ገድሊ ጉዑዞ 30'ዓመት ተስፋታት ሰኒቐ ሰጊረዮ ፡ምረት፡
ብዳዊት ክፍለዝጊ
ትብል ኣላ ኤርትራዊት ኣደ፡
12 “ከብደይ ወሊደ ብዘይ ምቅሊ ሓደ
ሓደ ድሕሪ ሓደ በኹሪ ሕሳስ፡ልደ፡
ጠዋሪ ዘብለይ፡ በይነይ ተዓኒደ፡
ኣብ ዘበነ ገድሊ ጉዑዞ 30’ዓመት
ተስፋታት ሰኒቐ ሰጊረዮ ፡ምረት፡
ደቀይ ክምለሱ ክረኽበሉ ክብረት፡
ስክፍታ ኣይ ነበሮን ናይ ልቦናይ እምነት፡
ለይቲ ምስ ማዓልቲ ክምህለል፡ ክጽሊ፡
ጨጓሩ ፡ንውሽጢ ብክለት ብዓቕሊ፡
ዓወቶም ክጽበ ዝወፈሩ ገድሊ ክረኽበሉ ምቅሊ፡
ከምታ ዝጸበበት ከውጋሓ ፈጣሪ ፡
መሬት ሓራ ኾይና ጻሓይና በሪቑ፡
መግዛእቲ ኣብቂዑ ጸላኢ ሪሒቑ፡
ሓንሳብ ንሓዋሩ ከብቅዕ ቲ! ጭንቁ፡
ሰግለለት፡ ኣዝመራ ኣብ ወርሓተ፡ ግንቦት፡
ዕልልታ ናጽነት ሃገር ምስ ተረኽበት፡
እልፊ ” ኣእላፍ ዝተኸፍላ ፡ ሂወት ህያው መስዋእትነት፡
ክራማት ሓሉፉ በጺሕና መስከረም፡
ባሎጓ ሸዊቱ ስርናይ ሸዊት ስገም
ዓፋና፡ ሰጊኑ መሬት ኮይና ለምለም
መሸላ ቛቒቡ ደጊም ዬለን ጸገም፡
እምነተይ ኢዩ ኔሩ ኩሉ ቁምነገሩ፡
ብሕጊ ብፍቲሒ ዓማጺ ዘይቡሉ
ኩሉ ብእምነቱ ብልምዱ ብባህሉ፡
ዕቁል ነጽለሉ መሰላት ዝሕሉ፡ ብማዕረ ንኹሉ፡
ግንከ ኣሰመረለይን ትምኒተይ፡በኒኑ፡
ማንካ ከይተላዕሎ ኑጉሆ ብእዋኑ፡
ሕድሪ፡ ተጠሊሙ ፡ ጎብጺጹ ቀይኑኑ፡
ጭራሽ ተኻሒዱ ማህጸነይ ሓዚኑ፡
ትብል ኣላ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዘይ፡ ኢደይ፡ረኺበ፡
ደቀይ! ኣረኪበ፡ ኩሎም ኣኻኺበ፡
ብዓይነይ ሪኤዮ ሩሑቕ ዝቀረበ፡ሕልናይ ዘዕረበ፡
ትምኒተይ ሰሚሩ ኢለ ኣድራጋ ዓሊለ፡
ኣፍልበይ ሃሪመ ኩሉ ተቀቢለ
ሓጎሱን ፡ሓዘኑን፡ ብሓደ ጠቅሊለ፡
ንብዓተይ፡ኒውሽጢ ኣኹቡዕ ዘሊለ፡
ማዓስ ፡ጠፊእኒ፡ ሂወት ዝተኸፍለ፡
ናይቲ! ዕሸል ወደይ ለይለይ ዝብል ቁመት፡
ናይታ! ጎርዞ ፡ ጋመ ፡ መሊእኻ ዘይት ጥመት፡
ሞባእ ዝሃብኩዎም ምእንቲ ፡ናጽነት ንሰላም ቅሳነት፡
ዜማ ፡ሉቁሰ፡ኔሩ ህያው ፡መስዋእትነት፡
ንመሰል፡ንፍቲሒ፡ ንፉጹም ሓርነት፡
ንልዕልና ሕጊ ንዕቤት ንኽብረት፡
እንተኾነ ግን!
ናይ ዮሃና ዳሳት ዝተሰርሔ ጌና ከይፈረሰ፡
ከይ ነቀጸ ሰቲ ተነስነሰ ፡
ዱኹም ከይ ዓረፈ ጌና ከይ ደቀሰ፡
ሕቡእ ኣጀንዳኦም ተንኮል፡ ዝተፋሕሰ፡
ካብቲ ዝሓለፈ ዕጽፊ ዝባአሰ ሕጊ ዝጣሓሰ፡
ውግእ ወረ ፡ውግእ ጸጋም ዝቕልሱ
ፋሕ ብትን ስድራ ቤተይ ዓሌተይ በሪሱ፡
ሰብ መሰል ዲያብሎስ ብቀንዱ፡ነጊሱ፡
ትብል ኣላ ኤርትራዊት ኣደ፡ ተጸጊመ፡
ከይዛረብ ኣፈይ ተለጉመ፡ ሕማቕ ሂወት ዕጽፊ ዝሓሰመ፡
ብዘይ፡ፍረ፡ ጻማይ ዓዊረ፡ ጸሚመ፡
ኣብ መወዳእታ ጽልግልግ፡ ሂወተይ፡
ደም እንዳ ነባዕኩ ጸንፊፈ ንብዓተይ፡
ተስፋ ኣይቆርጽን ክሪአ ሃረርታ ትምኒተይ፡
ደበስ ክርከቦ ክደርዝ ንብዓተይ፡
እሞ ዞም ደቀ ኩላትኩም ብሓበራ፡
ደቂ ዛለዋህ መሬት ስዴኹም፡ኤርትራ፡
ክስታናይ ኣስላማይ ብጠቕላላ፡
ስምዑዋ ዛሕድረይ ፍቕሪዩ”ድራራ፡
ተሳማሙዑልይ ተሳነዩ፡
ኔው በልዎ ገግናዩ፡
ዉህደትኩም፡ ሲኒትኩም፡ ሰሰናዩ፡
ኣንቱም ዝናአስኩም ኣሰር ዝዓበዩ፡
ወዱኹም ምስ ጓልኩም፡ ሓቢርኩም ጉዮዩ፡
ሓንሳብ፡ ንሓዋሩ፡ ወጽዓኹም እለዩ፡
እወ ልቢ በሉ ዞም ደቀይ ቅድሜኹም ይስጣሓኒ፡
መዊጽካ፡ዝዋሓጥ ከም ደም ሲኒ፡
ንመንኩም ኣሪሒቀ መንኩም ቀሪቡኒ፡
እዝጊ ሎዎ፡ ንሰላም ዝቓኒ፡ ብመንፈስ ብስጋ ንኹሉ ኣማኒ፡
ትብል ኣላ ኣደ ኤርትራና፡
ሂልቂተይ፡ጥፍአተይ ዬቡሉን፡መዘና፡
ደቀይ ዝበልኩዎም ዝጨከኑ ጓና፡
ዘሪኤይ ገለ ክርዳድ ካብቲ ስርናይ ማና፡
ሕማቕ ተዓዲለ እንብዛ ኣመና፡
ክልተ ዘረባይ ዝቐዬረ ቃና፡
ዎ!ረቢ” ዎ! ጌታ፡ምሕረትካ ሃበና፡
ቃል ኤርትራዊት ኣደ!
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን!
ንስለይ ንስለ ህዝቦም፡ዝተበጀዉ
ሰማእታት ኤርትራ!
Dawit kflezghi,
U S A,
kahsai kidane September 6, 2015
It was a good one especially reflect what is going on in our country
AHMED SALEH !!!. September 6, 2015
Indeed very sad cry of many Eritrean mothers to see
betrayal from what they thought safe at the hands of
their own off springs .
“HIMAK TEADILE INBEZA AMENA
WO REBI WO GETTA MIHRET HABENA ”
You voiced for the pain of those forgotten parents
and I commend you for that , brother Dawid .
k.tewolde September 6, 2015
The contemplative mother’s picture says it all. Amoy tmesl. Good job Dawit.
ጀጋንው ይዘከርው። September 7, 2015
ድህሪይ ሰገም ሰበባ ኣሎ ራህዋ ኩቡር ሃው ኣጆካ።
ኤርትራውያን የህዋት ብ ተሞክሮና ንማሃር ሃደነትና ትራይ ኢዮ ስረት ናይዚይ ተላም ጉጅለ።
ogbai September 7, 2015
Kem BegiE tem Elka maserti kab teqebelkayo dea. tem elka tedagon. Nexaa ketwexE entedeliKa ka bert ab Edka alo. Eti mercha ab Edka Eyu. bzeterefe suq Elka tedagon.Amelak Hine kesab zfedyelka. AHwat Pente kem zeblwo.
ogbai September 7, 2015
I will agrre with your comen keep doing it please
Berhe Tenesea September 7, 2015
The only solution is removing the Tembenay mafia leader by any means necessary.