Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ ጽሑፈይ: ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን – ነፍሰ ነቐፌታ

ብዛዕባ ጽሑፈይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ነፍሰ ነቐፌታ ብዕለት 24.07.2014 ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ኮም ኣውጺአ። ሽሕ’ኳ ዘይተጸረፍኩሉ ዓንቀጽ እንተዘየሎ፣ ሽሕ’ኳ ካብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ’ውን ክጽረፍ

ብዛዕባ ጽሑፈይ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን

ነፍሰ ነቐፌታ

ብዕለት 24.07.2014 ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ኮም ኣውጺአ። ሽሕ’ኳ ዘይተጸረፍኩሉ ዓንቀጽ እንተዘየሎ፣ ሽሕ’ኳ ካብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ’ውን ክጽረፍ ምዃነይ እንተተጸበኩ፣  እቲ ብዝሕን ተመሳሳልነትን ኣሉታዊ መልስታትን፡ ብፍላይ ከኣ ብሓደ ‘ትንቢት ኢሳያስ’ን ሓደ ሰመረን እስቲፋኖስ ተመልሶን ዝቐረቡ ትዕዝብትታት ኣብ ገለ’ስ ግድን ተጋግየ ኣሎኹ ኣቢሎሙኒ  ነቲ ኣርባዕተ ኣቡናት ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ደጊመ ኣንቢበዮ። ልክዕ ድማ ጌጋይ ረኺበዮ። ጌጋይ ድማ ታህዋኽን ኣብ’ኡ ዝተመርኮሰ ጉድለተ መጽናዕትን ቅርጺ  ኣቀራርባን ምዃኖም ፈሊጠ። ክልተ ረርእሶም ኪኢሎም ኪቐርቡ ዝግብኦም ዝነበረ ዓንቀጻት ኣጣቢቐ ኣቕሪበ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቤርናርዶስ -ሲታውያን- ኣስመራ እዬ ፈለማዊት  ፊደልን ፈለማዊ ትምህርተ ሃይማኖትን ቀሚሰ። ስለ’ዚ ድማ እታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተገድሰኒ እያ። እታ ዝዓበየት ክርስትያናዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕቱብ ኣባልነታዊ ቅልውላው ኣትያ ከም እትርከን ኣንቢበ ድማ ብዛዕብኡ ከጽንዕን ጭብጥታት ክእክብን ጀመርኩ። እዚ ነዊሕ ቅድሚ’ቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዩ።  እቲ ሓዋርያዊ ጽሑፍ ምስ ወጸ ከኣ ሕዚ ብዛዕባ’ቲ እምነታዊ ቅልውላውን ፍታሑን ክጽሕፍ ጊዜኡ በጺሑ ኢለ ተሃወኽኩ።  ኣብ ምፍታሕ ናይ’ቲ ቅልውላው ዓቕመይ ዘፍቅዶ ኣዎንታዊ ተራ ንምጽዋት ድኣምበር ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድቀት ንምጥቓዕን  ንምሽክዕላልን ዕላማ ኣይነበረንን ሕዚ’ውን የብለይን። እቲ ፈለማ ጉድለተይ ነቲ መእተዊ ናይ’ቲ ጽሑፍ ብቕኑዕ ኣይተገንዘብኩዎን። ነቲ ‘ዓመተ እምነት’ ከም ኣህጉራዊ  ዓመተ ጎስጓስ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድኣ’ምበር ከም ፍሉይ ብኤርትራውያን ኣቡናት ዝተሓተን ዝተፈቕደን ጉስጓሴ እምነት ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ምንባሩ ኣይተገንዘብኩን። እቲ ቀንዲ ቴማኦም ‘ኣህጉራዊ ቅልውላው እምነተ ምእመናን ‘ ኴይኑ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብለ ሸነኹ ከኣ ኣብኡ ተሓንጊጡ  ከም ዝቀረበ ጥብቆ  ገቢረ’ዬ ወሲደዮ። ቅድሚ ሕዚ ዝወጹ ተመሳሰልቲ መልእኽታት ኣይተጓነፉንን። እቲ ዘይተመጣጣኒ ምትሕንጋር ቴማታት ኢለ ዝወስድኩዎ  ከኣ ደስ ኣይበለንን። ስለ’ዚ ከኣ’ዬ ነቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ኢለ ዝሰመኩዎ። እቲ ምሉእ ምድንጋር ናይ’ቲ ጽሑፍ ከኣ ኣብ’ዚ ግጉይ መበገሲ (premise) ዝተመርኮሰ እዩ። “እቲ ጽሑፍ ዝተደናገረ እዩ። ሕድሕዱን ምስ’ቲ መልእኽቲ ኣቡናትን ምትሕሓዙ ስኢን’ና። መልእኽቱ  ኣይተረድኣናን … “ ዝበሉ ስንዘራታት ድማ ቅኑዓት ይኾኑ።

ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝበለ ትሕዝቶ ከም ዝድግፎ ኣብ’ቲ ነዚ ዝምልከት ጽሑፈይ ብሩህ እዩ።  ካብ’ቲ ጽሑፍ  ክጠቅስ “ … ሓወይ ኣበይ ኣሎ? እዋናዊ ሕቶ። ናብ ርእስን ልብን መንፈስን ዝበስዕ ሕቶ። ከይትሰምዖ፡ ከይተኾምስዕ፡ ከይተስተማቕሮ ዘይከኣል ሕቶ። እወ፡ መሪር ሕቶ። ነፍሲ ወከፍና ንነፍሱ ሓቲቱ ክምልሶ ዝግባእ ተረጊጹ ዘይሓልፍ ሕቶ። ኣብ ውሽጡ ሓያሎ ሕቶታት ዝጠቕለለ ሕቶ። ሕቶ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ንርእሱ እቲ መልሲ ዝኾነ ሕቶ። እቲ ሕቶ እንተላይ ወቐሳ እዩ። ፍርዲ እዩ’ውን … “  … “እቲ ንሳቶም ከይበሉ ዝበሉዎ’ስ ‘ሓውኻ ኣብ ትሕቲ እንታይ ዝኣመሰለ ዲያብሎሳዊ ኵነታት ይነብር ከምዘሎ’ስ ያኢ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሓውኻ ክቕተል፡ ክእሰር፡ ክግረፍ፡ ክስደድ፣ ኮታ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ስለምንታይ ኣኽኢልካ? ኣንጻሩ እንታይ ገቢርካ? እንታይ’ከ ክትገብር ኢኻ?’ እዩ።

‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’ ነቲ ናይ ሓባር ጭርሖ ስኢኑ ክታኸስ ዝጸንሐ ተቓዉሞ ናይ ሓባር ጭርሖ ኣበርኪቱ ዓቢዪ ድፍኢትን ሓዲስ ትንፋሰ ንያስትን  ሂቡዎ እዩ። ካብ’ዚ ብዝበለጸ ከኣ ደገፌታይ ነቲ ጭርሖ ክገልጽ ኣይክእልን። ነቐፍቲ ስለምንታይ ነዚ ኣብ ቅድሚ ኣዕንቶም ዝተደቀነ ኪርእይዎ ኣይመረጹን ኣይርድኣንን። እቲ ኣዎንታዊ ዝርኢ ኣዕንትና ካን ኣኺሉዎ ዓዊሩ ድዩ!?  እቲ መልእኽቲ ደንጕዩኒ፡ እቲ መዛዘሚ ከኣ ለቢጡኒ ዝበሉ ዕቃቤታት ኣስፊረ እዬ እንትምንታይ ካብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ልዕል’ቲ ዘቕረብዎ  ስለዝተጸበኹ። እሞ ንዓዲ ኣቲኻ ከም’ቲ ንሳቶም ዝበሉዎ ድኣ ዘይትብል ቈልዓዊ ርእይቶታት ዘቕረቡ ሓያሎ እዮም። ኣነ ድኣ’ሞ መዓስ ምሉእ ቫቲካን ኣብ ድሕረይ ኣቐሚጠ!

ነቲ ኣቡናትና ንክልቲኡ ቴማታት ኣጣቢቆም ኣቕሪቦሞ ኢለ ዝወሰድኩዎ’ሞ ኣነ’ውን ንክልቲኡ ኣጣቢቐ ርእይቶይ ክህብ ዝፈተንኩሉ ጽሑፍ ከም ረርእሱ ዝኸኣለ ክልተ ጽሑፋት ገቢረ እንተዘቕርቦ ነቢረ፣ ካብ ክልቲኡ ጽሑፋት ዝምቐየርኩዎ ቃል’ኳ ኣንበይነበረን።

እገብር፡ እጋገ፡ ካብ ጌጋታተይ ተማሂረ ከኣ እልብም- እዚ መሰረታዊ እምነተይ እዩ። ንኽልብም ኢለ ግን ኮነ ኢለ  ኣይጋገን’ዬ። መድሃኒት ተዋሂቡኒ ከኣ መድሃኒተይ ውሒጠ ኣሎኹ። ከምቲ ሓደ ኣንባቢ ዝተመነየለይ ከኣ ንጥዕና ይግበረለይ። እንተኾነ፡ እቲ ኵሉ ዝተቐረበለይ መድሃኒት ኣይመድሃኒትን እኳ ድኣ እቲ ዝበዝሐ’ስ መርዚ ድኣ።

እቶም ነቲ ጽሑፍ ከም ጉሓፍ ዝገለጽዎ ሓደን ሓደን ደሚሮም ክልተ ክሰርሑ ዘይክእሉ፣ ብገዛእ ተበግሶኦም ሓንቲ’ኳ ክገብሩን ክብሉን ዓቕሚ ዘይብሎም ብድሑር ስምዒታት ዝምርሑ ናይ ባዕሎም ጉሓፋት እዮም። ካብ ጉሓፋት ንዝስንዘረኒ ጉሓፍ ድማ ናብ ጉሓፍ እዬ ዝድርብዮ። ሓደ፡ ብዙሕ ካብ ሓይሉን ጊዜኡን መዊሉ ንዝጸሓፎ ሓሳብ ብሓንቲ ዓማጺት ቃል ከፍርሱ ዝፍትኑ ከም ኵሉ ዓማጺ ዓመጽቲ እዮም። ዕላምኦም ከኣ ንጸሓፊ ናብ ውልቃዊ ኣገልጋሊኦም ንምግዳድ እዩ።

እቶም፡ “ኣማኑኤል፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ከተፍቅድ ኣይነበረካን” ዝብሉ ዕንጭቝሊት ‘ኢሳያሳት’ ስለምንታይ ኣንጻር ኢሳያስ ከም ዝጭርሑ ኣይርድኣንን። መንፈሳዊ ኣቦኦም’ዶ ኣይኮነን!? ዕላምኦም ብሩህ እዩ ሰብ ብሰብ፡ ዲክታቶር ብዲክታቶር ንምትካእ ድኣ’ምበር ንኵሉ ዝጠቅም ለውጢ-ስርዓት ንምትካል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ሕልሚ ደርሆ እዩ።

እቶም ወሸለ ንዝምነይዎን ንዝድግፍዎን ሓሳባት እንተጸሓፍኩ ‘ኣዮኻ ናይና’ ኢሎም ሰማይ ዝሰቕሉንን፣ ንሳቶም ዝጻረርዎ ሓሳባት እንተኣቕረብኩ ከኣ ናብ ዘንቢል ጉሓፍ እህወደግ ዝድርብዩንን፣ ብዘይካ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓሳባት ኣገልጋሊ ናይ ዝኾነ ስነ ሓሳብ፡ ውድብ፡ ኣውራጃ መሳርሒ ከምዘይምዃነይ ከረድኦም እፈቱ። ብሰንኪ ጉድለት መልክዓዊ ኣቀራርባ ጽሑፈይ ሕርሕራይ ተጀሊጠ። እታ ዝመረረት ሓለንጊ ድማ እታ ንዓይ ኣብ ጎኒ እህወደግ ምስርዖም እያ።  ዝኾነ ቃላዊ ሽበራ ድማ፡ ንመጻኢ፡ ከም’ቲ ወርትግ፡ ተዅተዅቲ ኣርእስታት ኣልዒለ ብተዅታዅን፡ ተዋዛዪን፡ ኣላጋጽን  መልክዓት ካብ ምቕራብ ኣይክዕገትን እዬ። እዚ ‘ኣነ’ እዩ። ብዘይካ’ዚ ከኣ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ጀለጥቲ ከኣ ኩርማጅኩም እንዳኣወጣወጥኩም ተጸበዩ።

ንመዛዘሚ፣

  1. ብጹዓትን ክቡራትን  ኣርባዕተ ኣቡናት፣ ካብ ጉጉይ ተገንዝቦ መልእኽትኹም ተበጊሰ ምስ ብቐጥታ ዘየልዓልኩሞ ቴማ ኣሲረ ንጭርሖኹምን ሸቶኡን ዓንቂፈ እኸውን እኽእል እዬ እሞ ካብ ልበይ ዝነቐለ እቕረታ እሓትት። ኣብ’ቲ ኣበጊስኩሞ ዘለኹም ቃልሲ ከኣ ሃየ በርትዑ።
  2. ነቶም ንጽሑፈይ ኣንቢብኩም  ቅጥዕን መልእኽትን ዝሰኣንኩምሉ ከኣ ወርቃዊ ጊዜኹም ንከንቱ ስለዘባኸንኩ እቕረታ እሓትት።
  3. ነፍሰይ’ውን፡ ብምኽንያት ጉድለተይ ኣብ ኣዝየ ዘይፈትዎ ዘይምቹእ ኵነት ስለዘቐመጥኩኺ እቕረታ እሓተኪ። ንኣባላት እህወደግ ድማ እቲ ጽሑፍ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንስርዓቶም ንምድጋፍ ከምዘይተጻሕፈ ከፍልጦም እፈቱ።

የቐንየለይ።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

27.07.2014

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • TwoWayStreet July 28, 2014

    Oh my God,

    Daniel, I haven’t read your previous article, I will try to find it and read it some time. But I would like to tell you that I am impressed by your genuine self criticism. It is very rare to find Eritrean who seek the review of their work analyze it and publicly admit that they made a mistake. This should be the norm, instead it is a rarity. Most of the time you see people not accepting their mistakes, but doubling down; and even if they did, they don’t come out and admit in public.
    Daniel you are very courageous for doing that and hope all of us to follow your example.
    I also share your views on the idea of “YOU ARE WITHER WITH US OR AGAINST US” mentality of the Eritrean political groups. One should take stance based on each and every issue. Each issue is separate; nobody should wait for the direction of the herd to chose his direction. I have seeing name calling and insults for a genuine dissenting view. This is an exact copy of what Issayas is doing, and these guys are using their only available tool, i.e. insult at this time. Imagine they are the ones in power, they will definitely put you in jail, and ban your freedom of speech. We should be fearful of the idea of “HADE LIBI”.

  • ahmed saleh July 28, 2014

    Open minded mature people with innocent intention recognize quickly the mistakes made.
    I admire people who take responsibility for the respect their fellows .
    Dear Daniel , I appreciate your efforts to set positive example .
    In life nobody is perfect but only those who admit and listen can learn .

  • gherima g meskel July 29, 2014

    Daniel
    I appreciate your sincere self criticism,

  • semere July 29, 2014

    n betekrstian hayltat siol ayhylwan eyom elnaka nerna

  • selamawy July 29, 2014

    Daniel, although I still don’t agree with some points of this second article of yours, I too have appreciated your honest self-criticism. I would like to call your attention to only one point: you excuse yourself for not “going to Eritrea and speak out”, because you don’t have the same baking from the Vatican as the Eritrean Catholic Church does. Well, that backing did not prevent the DERG from arresting Abba Agostinos Tedla, who had heroically denounced the harassments perpetrated by the regime against our innocent people. Abba Agostinos remained in prison for seven years, and died shortly thereafter as a result. Several other Catholic priests were imprisoned for more or less the same reasons and for different lengths of time. Was the DERG deterred from such measures by the prestige, the influence or the “power” of the Vatican?

  • Tesfu Kbrom July 29, 2014

    ክቡር ሓው ዳኒኤል፡ ምሁርን መስተውዓልን፡ ለባምን ኣርሒቑ ዝጥምትን፡ ትሑትን ክመሃር ዝደልን ሰብ ምዃንካ ዳግማይ ኣመስኪርካ። ኣብ ዓለም እቲ ለባም ዝብሃል ሰብ ዝያዳ ስልጣን ክሕዝ ከሎ ነፍሱ ዘትሕት፡ ዝያዳ ክመሃር ከሎ ድማ ገና ከም ዘይፈልጥ ኮይኑ ዝቐርብ እዩ። ከም ዝበልካዮ እቶም ንናጻ ፕረስ ዘይድግፉ ንኣማኒኤል ነዚ ጽሑፍ እዚ ከተተኣናግዶ ኣይነበረካን ዝበሉ ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ንህግደፍ ክትክኡ ዝደልዩ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ክቕበሉዎ ኣለዎም፡ እቶም ዳኒኤል ህግደፍ እዩ ዝበሉ ድማ ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ክርእዩን ክሓስቡን ዘይክእሉ፡ ርቡጻትን የዋሃትን ኢልና ንሕለፎም። ወዲሰብ ከዋህልል ደኣምበር ናብ መደምደምታ ክበጽሕን ንከምኡ ደቂሰብ ቅጽላት እናሃበ ክጅልጥን ኣይግብኦን። እቲምንታይ ሕጊ ኣምላኽን ሕጊ ደቂሰብን ስለ ዘየፍቅዶ። ዳኒኤል ማልት መምህሮም ምዃንካ ከይተረድኡ ከምኡ ስለ ዝበሉ ይቕሬታ ክሃቱ ምተገብኦም። ብዝኾነ፡ ክምብል በለምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝተባህለ፡ ነቲ ጽሑፍ ስለ ዘቕረብካ ንስኻ ካብ ጌጋኻ ተማሂርካ ብዙሕ ሰብ ንዓይ ደሚርካ ድማ ብዙሕ ነገር ክነቃልብ ክኢልና። ካብኡ ተረፈ፡ ኣቡናት ካቶሊክ ቫቲካን ክተድሕኖም ኢሎም ዘይኮነ፡ ዘይከምካልኦት ትካላት ሃይማኖት ውላድን ሓዳርን ስለ ዘይብሎም ዝመጽአ ይምጻእ፡ ይኣክል! ብምባል ክሳብ ሞት ቅሩባት ብምዃን ነቲ ጽሑፍ ከም ዘቕረቡዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ህግደፍኮ ብዙሓት ካህናት ካቶሊክ ኣሲሩን ኣፈራሪሑን ሃገር ለቒቖም ከም ዝወጽኡን ገይሩ እዩ። ሕጂ’ውን፡ ምስሉ ተሰዊኑ ኣብ ዓቕሊጽበታዊ ኵነታት ስለ ዝርከብ፡ ንሳቶም ድማ ብሕሽዅሽኹ ዘይኮነ ዓው ኢሎም እሞ ኸኣ ብሰነድ መልክዕ ክምልሶ ዘይክእል ትህዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ስለ ዘቕረቡ፡ ነዚኣቶም ምእሳር ካብ መኽሰቡ ክሳራኡ ይበዝሕ፡ ዘለኹዎ ይኣክል! ኢሉ እዩምበር ኣናሕስዩሎም ወይ ንቫቲካን ፈሪሑ ከይመስለካ። ካብ ቫቲካንን ኣመሪካን መንዶ ይሕይል? ንቫቲካን ምጽራፍ ግን ንህዝቢ ምጽራፍ ስለ ዝኸውን ካብ ህዝቢ እዩ ፈሪሑ። ዲክታተራት ልዕሊ ዅሉ ንህዝቦም ከም ዝፈርሑ ትፈልጥ እንዲኻ ዳኒኤል። በል’ስኪ ሰልማ ቅነ ንኹላትና። ኣብቲ ጀርመንከ ሃሩር በርቲዑዶ ኣሎ? ኣብዚ ስካንዲናቭያስ ምኽኣል ስኢንናዮ በጃኻ።

  • Truly Truly i say to you July 29, 2014

    As it is written, ” If we say that we have no sin, we deceive ourselves, and there is no truth in us. But if we confess our sins to God, he will keep his promise and do what is right: he will forgive us our sins and purify us from all our wrongdoing.”(1st John 1; 8-9) Dear Daniel, your repentance like admit your fault i no doubt both in God and by every healthy mankind your fault as be already forgiven. such sincere heart and confession of self mistakes is we lost in our society. I hope our ignorant hypocrite society learns great lesson from this unusual self criticism. Dear Daniel in simplest God´s way because you able to humiliate and to shut their filthy mouth all your nonsense criticizers, I really appreciate you. I wish the stupid dictator and his followers knows this kind of self criticism and confession of fault, So that our nation wound heal and our people suffer end , even to rescue their own life as well. But only wise people know “repentance,” as the simplest way of to victory and reconciliation it is. This is why despite adultery transgression and murder crime King David has only because he has a repentance heart, God gives him mercy. But King Soul even doesn´t have King David´s like sin, but because he was not loyal to submit God´s order, in contrary by making himself god starts to kill Almighty God´s worshippers and priests we know finally without mercy he and his son in worst form as murdered. ( like Gadafi and Sadam Husien type. So do you think the fate of Isyas will be different? I don´t think so! since continue stubbornness.
    The bible says, “You will never succeed in life if you try to hide your sins. Confess them and give them up, then God will show mercy. (Proverbs 28, 13)

  • Rezene Michael July 29, 2014

    Damaging article to the cause of liberty in Eritrea. “Ziakla Tihanas Beale Mariam Tibl”.
    Your article on how to reform the Catholic church is also not an Eritrean issue but international one. In addition to that know your audiance when u write article in Assena. “Asha zutekelo Nebal Ayneqlo” zibehal koynuna natka.

    • GM July 29, 2014

      Daniel,

      What you have done is a damage beyond repair, worse, your attempt to fix it.

      Indeed “Ziakla Tihanas Beale Mariam Tibl”.

  • Asghedom Woldeghiorghis July 29, 2014

    My reaction was only because I never wait such long letter about the bishobs letter from you. Myself I estimate you wise and intelligent man and good eritrean.
    I was astonished to see your article in that magnitued but the idea of four Bishpbs of eritrea.
    In any case , you are wise and intelligent man by writing you second message. Most of us we wrote an answer to your latter , because we wondered how a wise man can write such a letter, while we have considered you as one of the most intelligent of our country.
    I appriciate your second letter of your observesion , all eritrean people are tyerd of this regime.

  • semere 2 July 29, 2014

    Dear brother Daniel,
    I am Semere, the one who commented with 8 points, (not Semere Estifanos). Actually from now I will sign Semere 2.
    I was impressed by your superficial analysis. But now I am more impressed by your honesty and humility. You deserve more respect. I also withdraw my suspicion that you may be one the HGDEF goons. I am sure the Eritrean Catholic Bishops have already trashed some bitter feelings, if they had any.

1 2 3 4

POST A COMMENT