Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”

ማሕሙድ ሳልሕ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ

ማሕሙድ ሳልሕ

“ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ እውን ሓጋዚ ይኸውን መስለኒ። ተ/ታደሰ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከምዝነበረ ውልቃዊ ትዕዝብቱ እና ተወከሰ ከካፍለና ጸኒሑ። ኣብቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ትዕዝብትታቱ ሕጽረታት ይረኣየኒ ስለዘሎ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክጽሕፍ እግደድ ኣለኹ። ዕላማይ፡ ነንባባይን ጸሓፋይን ሓጋዚ ሓሳብ ይኸውን ካብ ዝብል ድሌት ዝነቐለ እዩ።

ብጻይ ታደሰ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፍትን ኣሎ።

ሀ- ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ

ለ- እዚ ኣውራጃዊ ፖለቲካ እዚ በሰላታት ሓዲጉ ( በሰላታቱ ገና ከምዘሎ እዩ ዘስምዕ)

ሕጽረታት ናይዚ ሓሳብ

ብመጀመርታ ቅድሚ ሕጽረታት ብጻይ ታደሰ ምጥቃስ ሕጽረታተይ ክሕብር እፈቱ፤ ምኽንያቱ ነቲ ከለልዮ ዝኽእል ሕጽረታተይ ተረዲእካ/ኪ ምንባብ ሓጋዚ ‘ዩ እብል። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበኹ ብምዃነይ ቅሩብ ናይ ይብጸሓኒ ስምዒት ክህልወኒ ይኽእል ( ኣብዚኣ ምስ ታደሰ ሓደ ኢና)። እታ ካልኣይቲ፡ ንኣንባቢ ክሕግዝ ዝኽእል ክረአ ወይ ክድህሰስ ዝኽእል ከም ኣሃዛት ዘመሰለ ሓበሬታ(data) የብለይን። ስለ’ዚ  መንጪ ጽሑፈይ ኣብ ኣቀራርባ ታደሰን ናተይ ትዕዝብትን ዝተመርኮሰ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ከም መልሲ ናይቲ ታደሰ ከስምረሉ ዝደሊ ዘሎ ማእከላዊ ሓሳብ ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ እደሊ።  ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ወይ ኣይነበረን ንምባል ዘኽእል ሓበሬታ የብለይን። ከም ኣንባባይ ጽሑፉ መጠን ግን፡ “እዚ እንተዝማላእስ ጽሑፉ ንዘንብቡ ሚዛናዊ መረዳእታ ምረኸቡ” ከም ማለት ክውሰደለይ እደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ንታደሰ፡ ስለ እቲ ልስሉስን ወሓዝን ትረከኡ ከድንቖ እፈቱ።

ታደሰ፡ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ንምባል ኣብ በራጊድ 51ን 58ን ክ/ትምህርትን ዝነበረ ኣወዛዝዓ ሓላፍነት ጠቒሱ ኣሎ። እቲ በሰላታት ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ “ኣውራጃዊ ፖለቲካ” ድሕሪ ናጽነት እውን ከም ዝቐጸለ ንምርኣይ ኣብ ሚ/ትምህርትን ምክልኻልን ዝተገብረ ኣወሃህባ ሓላፍነታትን ወተሃደራዊ መዓርግን ከም ኣብነት ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብዘይካ ምእራም ብሄር ሮመዳን ኣውልያይ፡ ብወገነይ ኣብ ኣስማትን ቁጽርን ናይቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ዝብሎ የብለይን። ኣውልያይ ወዲ ብሄረ ትግረ እዩ መስለኒ። ብዝኾነ፡ ሕጽረት ትረካ ታደሰ፡ ናይቲ ዘቕርቦ ቁጽሪ ዘይኮነስ እቲ ቁጽሪ ንባዕሉ ብከመይ ከምዝመጸ ከርኢ ዘይምኽኣሉ እዩ። ታደሰ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው መደምደምታታቱ ቅሩብ ዲሲፕሊን እንተዝህልዎ ጽቡቕ ምኾነ።

1-      መደምደምታታትካ ካብቲ ኣብተን ሰለስተ ኣሃዱታት ዝረኣካዮ ኣመዳድባ ሓለፍቲ ዝብገስን ኣብኡ ዝምርኮስን ስለዝኾነ፡ እቲ መደምደምታታት ሓቂ ክኸውን እንተኮይኑ፡ እተን ሰለስተ ኣሃዱታት፡ ማለት ብ51ን 58ን ክ/ትምህርትን ብልክዕ ንኣቃውማ ናይ ኩለን ኣሃዱታት ናይቲ ውድብ ይውክላ ከምዝነበራ ንኣንባባይ ክተረጋግጽ ኣሎካ። እዚ ባውራጃን ሃይማኖትን ጥራይ ዘይኮነ ብግድምና እውን ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበርካሉ ግዜ  ኣስታት 10 ብራጊድን ዳርጋ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ ብዙሕ ክፍልታትን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብተን ዝጠቐስካየን ኣሃዱታት ዝነበረ ኣቃውማ ሓለፍቲ ንኩለን እተን ብርጌዳትን ክፍልታትን ዝውክል ከምዝነበረ እንተዘየነጸርካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዓማሚ ሓሳባት ክትስንዝር ትኽእል?

2-     እንተደኣ ንሳተን ንኩሉ ውድብ ዝውክል ኣቃውማ ነይሮመን ኮይነን፡ ካብቶም ዝተሸሙ ንላዕሊ ብቅዓት ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ወይ ዝተሃሰዩ ሰባት ክተቕርብ ኣሎካ።

3-     እዚ ንምግባር ድማ ቅጥዒ ኣወዛዝዓን ኣሽያይማን ናይቲ ግዜ እንታይ ከምዝነበረ ክተርኢ ኣሎካ። ኣብ ህ.ግ. እታ ሓንቲ ዝዝክራ “ከም ኣድላይነት” ትብል እያ ነይራ። ስለ’ዚ፡ በጋጣሚ ዝበዝሑ ሓካይም ካብ ሓደ ከባቢ ዝመጽኡ እንተነይሮም ንምንታይ ኣብ ክ/ሕ ጽዒቖም ክንብል ንኽእል ‘ዶ? ወይ ብገለ ተክኒካዊ ብቕዓታት ሓንቲ ኣውራጃ ኣብ ሓደ ክፍሊ ጽዕቕ ዝበለ ውክልና ሓለፍቲ እንተነይሮማ፡ ኣውራጃዊ ምኽንያት ነይርዎ ክንብል ንኽእል ዲና? ስለ’ዚ ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ጌርካ ተሰላስሎ ዘለኻ ኣብ ግምት ክኣቱ እንተኾይኑ፡ብውሑዱ ኣብተን ዝነበርካየን ኣሃዱታት ነቶም ትብሎም ዘለኻ ሓለፍቲ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ሰባት ከምዝነበሩ ክትሕብር ኣሎካ።

ጸገም ታደሰ፡ ብትዕዝብቲ ጀሚሩ ኣብ ትዝብቲ ዘይምሕጻሩ እዩ። ነቲ ውሱን ትዕዝብቱ ናብ ሓፈሻዊ ትርጉምን ፍርድን ይመጦ ኣሎ። ንኣብነት፡ ካብ ዓስርተ ኣጣል እተን ሽዱሽ ጸዓዱ እየን ምባልትዕዝብቲ እዩ። እተን ሽዱሽተ ኣጣል ጸዓዱ ስለዝኾና እየን ህጣራታት ኮይነን እንተኢልካ ግን ናብ መደምደምታን ፍርድን ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ናብዚ መደምደምታ ክትበጽሕ ካልእ ኩሉ ከህጥረን ዝኽእል ተኽእሎታት ፈሊኻ ክትውግን ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ክንድዚኦም ሓለፍቲ ካብዚ ከባቢ ነይሮም ምባልን እቶም ሰባት ደቂ  እቲ ውሱን ከባቢ ብምዃኖም ሓለፋ ብሻርነት ረኺቦም ምባልን በበይኑ እዩ። እቶም ሰባት ሽመቶም ብወገነይ-ወገንካ ከምዝረኸብዎ ክተረጋግጽ እንተኾይኑ፡ እንተወሓደ እተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ክምለሳ ኣለወን።

ብካልእ ወገን ዴሞግራፍያዊ ኣቃውማ  ህዝቢ ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ ምንጻር ነንባቢ ሓጋዚ ምኾነ። ህ.ሓ. ኣብ ሰምሃርን ከባቢ ካርነሽምን እዩ ዓብዩ። ደሓር ኣብ ሳሕል ሰሪቱ። ዝበዝሐ ቁጽሪ ቀዳሞት ተጋደልቱ ከብዚ ከባቢ ክኽውን እትጽበዮ ነገር እንተኾይኑ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቱ ‘ውን ከብዚ ውሱን ቦታታት  ክነብሩ ከም ከምዝኽእሉ ዘካትዕ ኣይከውንን ‘ዩ። ትዕዝብቲ ታደሰ ንጂኦግራፍያዊ ውሱንነት ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ እዩ ዘንጸባርቕ ‘ምበር እቶም ሓለፍቲ ብኣውራጃዊ ፖለቲካ ስልጣን ከምዝተዋህቦም ዘርኢ ጭብጢ የብሉን። ህ.ሓ. ኣብ ቆላታት ሰራየ ተሓጺሩ ዓብዩ ነይሩ እንተዝኸውን ተመሳሳሊ ግድል መጓነፎ። ጻዕቒ ሓለፍቲ ደቂ ሰራየ ምሃለዎ። ካብቲ ታደሰ ኣተኲሩሉ ዘሎ ክርስታያናዊ ህዝቢ ከይወጻእና ንኣብነት፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብብዝሒ ተወላዶ ሰራየን ዓንሰባን እንኮላይ ሰንሒት ነይሩ ይበሃል። ናይ ጀኦግራፍ ረቋሒ ኢለ እየ ዝሓልፎ። ተመክሮይ እንተደኣ ክኣምን ክኢለ፡ ህ.ግ. ብካልኩሌሽን ኣሃዱ ኣከለ ክንድዚ ድቂ ሰራየ ኣለዋ ‘ሞ ክንድዚ ደቂ ሰምሃር ንወስኸላ … ዝበሃል ዝነበሮ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ቦታ ቁጽጽር ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዘይነበርኩ ክሕብር እፈቱ። እቲ ጸገም ምብዛሕ ሓለፍቲ ካብ ውሱን ከባቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም፡ እዞም ሓለፍቲ እዚኦም ንሓላፍነቶም ተጠቒሞም ነቲ ወገነይ ዝብልዎ ከባቢ ምስ ዘሻርዉ እዩ።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ርኡይ ደሞግራፍያዊ መቐይሮታት ዝነበርወን መድረኻት ነይረን እየን። ኣብ መጀመርያ ሱሳታት ተ.ሓ.ኤ. ብደቂ ባርካ ተዓብሊሉ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣበይ ድዩ እቲ ሰውራ ተጀሚሩ? ኣብ 1970፡ ደቂ ከበሳን ቀይሕ ባሕርን ማርያን ዝበዝሕዎም ተጋደልቲ ንመሪሕነት ተሓ.ኤ. በውራጅነት ከሲሶም ተፈንጪሎም። ገሊኦም ግን ተጸሚሞም ነቲ ውድብ ከዕርዩ መሪጾም። ኣብ 1972፡ ኣቦ ወንበር ተ.ሓ.ኤ. ክኸውን ዝተመርጸ ወዲከበሳ (ክርስትያን) እዩ ነይሩ። ኣብ ሰብዓታትን ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ተ.ሓ.ኤ. ደቂ ከበሳ በዚሖሞ ከምዝነበሩ እውን ይፍለጥ። እዚ ዘርእዮ እንተሎ፡ ህዝብና ፕሮፓጋንዳ ክልቲኡ ውድባት ዝምክት ኣእምሮ ከምዝነበሮ እዩ። ደቁ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይኮነስ ነናብ ዝቀረበቶም ውድብ ይስለፉ ምንባሮም ‘ዩ። ብኡ መጠን ኣብ ሓደ ውድብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ በዚሖም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ክስለፍ ከለኹ መጠን ብዝሒ ደቂ ከበሳን መታሕትን ተመጣጣናይ ነይሩ። ደቂ መታሕት ብብዝሒ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ክፍለዩ ከለዉ ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ናብ ህ.ግ. ይስለፉ ነይሮም። ስለ’ዚ ኣብዚ ንስኻ ትትርኸሉ ዘለኻ ግዜ ህ.ግ. ብደቂ ከበሳ ተዓብሊሉ ነይሩ። ምኽንያት ናይዚ፡ መሪሕነት ህ.ግ. ወይ መስመር ህ.ግ. ኣበር ስለዝነበሮ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ህ.ግ. ቁጽሪ ኣስላምን ክርስትያንን ሓለፍቲ ማዕረ ከምዘይነበረ እናፈለጥኩ ሓደ መዓልቲ ሕማቕ ከይተሰመዓኒ ተጋዲለ። ወደሓንካ ታደሰ።

ሓውኻን ብጻይካን

ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
85 COMMENTS
  • luna December 5, 2013

    Let us discuss current issues which is of significance to the struggle which is now going on at hand. Let us leave history to historians. For readers which are not astute it is confusing.

  • hawika December 5, 2013

    mahmud saleh
    You remind me of the ostrich who was tring to hide by buring her head under a sand…. shaebya was is and will be awarajaweet hayamnotaweet and all the rest taweetat you can think of. there was no/ and is not equal distrubuation of power/resources/individual rights in eritrea, and i think the sooner you accept that the better.

  • ኣይበልናን'ዶ December 5, 2013

    ዝኸበርካ ማሕሙድ።ብዛዕባ ጽሑፍ ታደሰ ንስካ ክትፈርዶ ኣይትኽእልን።ብዛዕባ ዝረኣዮ ከይዛረብ ኣፉ ክተትሕዞ ኣይግባእን፡ኣዜን ኣዜን ትምልስ እንተኾንካ ኢልካ ክትቆጻጸር ከኣ መልክዕ ኣይህበካን’ዩ።ኢሳያስ ንሰባት ክድህል፡መኣስ፡ኣበይ፡ብከመይ፡ኣንታይ፡ስለምንታይ፡……ዝብሉ ስርዕ የብሎ።ንስካ ከኣ ነዚ ትምልስ እንተኾንካ፡እቲ ከምዚ።እንታይ፡ከመይ ትርጉም የብሉን ኮለል’ዩ።ንሱ ንኹሉ ወቐሳታትን ስኽፍታን ጥሒሱ’ዩ ጽሒፉ።እዚ ከኣ ኣብተን ዚረኣየንን ዝነበረሉ ቦታን’ዩ።ንሱ ኣብቲ ግዜቲ ዓዱ ኣበይ’ዩ እናበለ መጽናዕቲ ኣየካየደን።ንስካ ኣብካልእ ከም ኡ ኣይነበረን ትብል እንተኾንካ፡ከምዚ ናይ ታደሰ ኩሕል ኣቢልካ ንገረና።ንሱ ግን ሓደ ኣብ ገድሊ ካብዝረኣዮ ምስክርነት ሂቡ።ኣብ ከባቢ ካርነሽም ትንቀሳቀስስለዝነበረት ህግ ካብዚ’ዩ ….ትብሎ ቅቡል ኣይኮነን።ኣብቲ ግዜ’ቲ ነቲ ዝጎደለ ቦታ ክሕዙ ይኽእሉ ምስ ብዝሕን ምዕባለን ግን ነቲ ክ ኣሊ ዝኽእል’ምበር ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቃለሰ ኣይኮነን።ኣብ ሃላፍነት ምህብ፡ኣውራጃ ክትሕሉ ኣሎካ፡ሃይማኖት’ውን ከም ኡ ።ስለዚ ኣዘናትዋ ታደሰ ኣይኮነን ዝኸፍ አ፡ነቲ ዚነበረ ካምዘይነበረ ክሃብእ ዝደሊ’ዩ።ነቲ ታሪኽ ከምዘይነበረ ከይቅለዖ ዝሰከፈ ኣካል’ዩ ከኣ ንኤርትራ ጸገም ኮይኑዋ ዘሎ።ሎሚ ደቂ ኣከለ ጉዛይ ኣብ ጸጥታ፡ደቂ ሓማሴን ኣብ ሰራዊት….ገለ ይበሃል።እዚ’ውን ጽቡቕ ኣይኮነን።ነዚ ትልሚዚ ይኹን ነቲ ታደሰ ዝወርዮ ዘሎ ፈጻሚኡ ኢሳያስ ኢዩ።ስለዚ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንሱ ዝቆጻጸሮ ምንባሩ ዘረደአና ከኣ ብውሱናት ሰባት ዚተማእከለ ውዱብ ስለዝነበረ’ዩ።ስለዚ እቲ ቀዳማይ ሰራሗን ሃንዳሲኡን ኢሳያስ እዚ ዳሕራይ ኢሳያስ’ምበር ባዕላቶም ኣይኮኑን መሪጾሞ።ስለዚ ንውድብ ህግ ካብቲ ዚነበሮን እቲ በሰላ’ቲ ኣብጺሑዎ ካብ ዘሎ ከተናግፍ ክተቆናጁ ምፍታን ሎሚ ሰማዒ ኣይትረክብን ኢኻ።

  • MightyEmbasoyra December 5, 2013

    Ato Mahmud,
    Some of your comments are Valid. However, you intend to forget some of the main points. Ala was one of the main (if not the main) source of Shaebia. People from around there were killed long time ago. Can you at least put in to your analysis?

    • mahmud saleh December 5, 2013

      Dear MightyEmbassoyra,
      well taken, but i hope you understand what I’m trying to underline.

      • MightyEmbasoyra December 5, 2013

        Ato Mahmud,
        If you are telling me that there were no such thing (since you were one of the old timer fighters), you know better than me and I can’t challenge you (someone who was there like you could but not me).
        What you have requested is reasonable. I don’t see anything wrong with that and you have, like everyone else, the right to say so. We are fighting to have a democratic country and we need to listen to each other. Actually, I admire your questions.
        However, those questions may not be as simple as they seem to answer in our situation. Most of those decisions were hidden(secret) from any Tegadalay (remember that mistirawit party?). We should let Taddesse answer them (since your questions are to Ato Taddesse).
        Keep challenging us because we all will learn from reasonable questions like yours.

  • Tes December 5, 2013

    Mehamed Salih,

    I would like to extend my appreciation the to brother Taddess for the effort and dedication he made to carry out this demanding task to highlight the core problem we have in Eritrea. This tireless hero was innocent at gedly era and he is still innocent after independence. He is trying to solve the man made illness examine and bisecting in to prospective. Back to you Mr Mehamed.

    – You said your observation isn’t supported by data as it is only based on three battalion or Departments. We were about 10 battalions at that time.

    My friend have ever heard auditing. I bet not because EPLF or PFDJ did/do not take responsibility to any decision they took. Auditors give opinion based on samples they don’t check all transactions. Teddesse took three of the 10 you mentioned which is 30% that is more than enough to draw conclusion. He stressed this is his own observation. If you have anything to show well here is the plain field here is the ball. Otherwise just to write for sake of writing you better do other constrictive thing.

    About theses who are purged after independence let alone Taddesse I can list you many frozen individuals who were commander of battalions. I don’t think you do not know those but you just trying to get it from innocent man.

    About those rose to power you said “Based on demand or requirement” people assigned authority and responsibility. So that is what Taddesse tried to elaborate. What was behind that so called requirement to suit Isseyas and Co.

    My fried come next time with some constrictive criticism. Don’t try to shut up anyone he courageous enough to criticize EPLF who was part of it himself. That is the sickness of wicked organization syndrome.Don’t reveal any thing wrong about EPLF and its out shoot PFDJ.

    • mahmud saleh December 5, 2013

      Dear Tes
      The following is Mart’s reply which answers your bad science, cheer!
      “I strongly agree with Mahmud Salah point on these two facts: First of all, Tadesse is so biased in his conclusions. In statistics, sampling bias is a bias in which a sample is collected in such a way that some members of the intended population are less likely to be included than others. I know you don’t have complete data so you can’t generalize by specifying only these few occasions like Brigade 51, 58. He committed fallacy since draws a conclusion based on an example that is biased or prejudiced.
      Besides, I think it is advisable to see mater on broad view or globally rather than seeing things barely. Tadesse is not considering any demographic factors, which is the creation and growth of EPLF.”
      Mart.

  • Mahta December 5, 2013

    Mohammed, thank you for your logical argument, the thing is, if a white man kills a black man it is a race, but when a black man kills a white man it is Race…in my opinion, Mr Tadesse, can be one of those black people who always think, if a black man killed by a white man it always got to be a race….

    • Tes December 5, 2013

      Aye Mahta you will be twinkling forever from afar without purpose if you are that idiot. Where is the logic of Mr Mohammed? Did he come with different argument to counter Tadesse? big NO. May be your uncle is one of those beneficial of the mess created by the dictator Isseyas. Don’t you dare insult a hero he gave everything for justice but cheated by the monster.

      • Mahta December 5, 2013

        Tes, “don`t you dare insult a hero he gave everything for justice but cheated by the monster…” don`t you know that, a hero can be a zero…you miss another logic! It is your right to defend his ideas(for whatever reason)…20 years ago I used to think like you, I used to consider every tegadlay as hero! But time teach me to think twice… I suggest you to do so. you sound like, salana, beana, nehena, aytetenkufuna, abbey zeneberka ika….we tired of this words for the last 23 years, it is shame, you are trying to repeat again here, in this free world, this is not tegadlties world, so don’t dare try to threat me!

  • birhane December 5, 2013

    Mr. Mohammed Saleh
    Tadessie wrote twelve parts of his personal account, why dont you write your personal accounts lets us we the common people be the judge cuz we got all the time in the world to analize our hidden and dark history …yours one of those who’s tired and sick of the one minded biased Eritv tagadeltis propoganda history.

  • berhane December 5, 2013

    haw mahmud,

    injera alem blaE. Anew’n temesasali skftatat aloni. Nai hade seb temkron tEzbvtn ksAb kindzi demdami/conclusive zkone dfret kerE anynebron. Iti tEzbti kabten Ahadutat segiru darga kem nubur terEyo hiji wn itekone kemzelo iyu zEmt. Izi dma bwegenai zmBue/mileading akerarba iyu.

    bzkone abza hatzar tzhufka ksab kndzi nTzur hasab mKrabka yemesgneka.

    It concise and to the point.

  • abab December 5, 2013

    Tarik nay kedamot enda semaena abinas knarg delikumna. Ygerm tarikna ke nmras kon ykewn. Beka meneseyat trgum yeblkumn nay kedem nhna hji wn nhna konu beka. Meas ena knkales meas ena knsmae tarikna ke men eyu ksemo. Wey gud.

    • samuel December 5, 2013

      ኩሎም፡ ዳርጋ ኩሎም፡ ብረት ዓጢቖም፡ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮታት እምባታትን ምድረ-በዳን ምእንቲ ገለ ምኽንያት ዝካራፈሱ ዝነበሩ፡ ሰላም ምስ ነገሰ፡ ንሲቪላዊ ናብራ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብዛዕባ’ቲ ተመኩሮኦም ከዕልሉ፡ ብጽሑፍ መልክዕ ከቕርቡ ምርኣይ ልሙድ እዩ። “ኣብ ውግእ ዘይወዓለ በሊሕ!” ክብሉ ሰሚዕካ ትፈልጥ? እቶም ኣብ ውግእ ውዒልና በሃልቲ፡ “ንሕና ንፈልጥ” ዝብል ርእይቶ ስለ ዘለዎም እዩ። ንሊብያ ትሪፖሊ ወፊሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን ዓሳኽር-ጥልያን እውን፡ ብዛዕባ ተመኩሮኦም ከዕልሉ ምስማዕ ልሙድ እዩ ነይሩ። አነ እውን ባዕለይ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፈ ናይ ጥምጥም ታሪኽ ምዕልላ ደስ’ዩ ዝብለኒ። ምኽንያቱ፡ ከምኡ እንተዘይ ጌረ፡ ነቲ ዝረኤኹዎ ሕሰም፡ ጸበባ፡ ግፍዒ፡ ብምንታይ ጌረ ደኣ ከውጻኦ። ሲቪል ንምዃን ዝግበር ቃልሲ እዩ። ብካልእ ወገን ኸኣ፡ ታደሰ ይኹን ዚሓውና ዘዕልሉዎ ዘለዉ፡ ንነንነብሶም፡ ኣብ ኣእምሮታቶም ንዝተረፈ ይኽፋእ ይጸብቕ በሰላ ንምሕዋይ ዝግበር ፈተነ ይኹን ደኣምበር፡ ክእረም ዝግብኦ ኩሉ ምእንቲ ክእረም፡ ብድሕር ሕጂ ከይድገም ከዘኻኽር ዝደለየ መግለጺ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብነብሱ ኣካል ዚ ዝካየድ መሰልከዪ ቃልሲ እዩ።
      ሰላም

  • ኣይበልናን'ዶ December 5, 2013

    ናይዚ ኣርእስት’ዚ ጸሃፊ ቅድሚ ሕጂ ማሕታን ባውላይ ክፍላይ እናበለ ሰብ ተኸኽ ዘበለ መላሲ ሃዊ’ዩ።ካብተን ኣብ ቅዱም ንጽሑፍ ታደሰ ርእይቶ ክህብ ከም ቅንዕቲ ዝሰርዓ “ህግ ኣብ ከባቢ ካርነሽም ብብዝሒ ትንቀሳቀስ ስለዝነበረት’ዩ ” ነዚ ዘረባ’ዚ ክርዳእ ዘይክእል ዘሎ ስለዝመስሎ ከኣ፡…” ከምቲ ጀብሓ ኣብ ሰራየን ኣከለ ጉዛይን ብብዝሒ ትንቀሳቀስ ስለዝነበረት ኣባላታ መብዛሕቶም ደቂ ኣከለን ሰራየን ዝኾኑ ይብል “…ብናቱ ኣረኣእያ፡ህግ ነጻነት ዘመጸአት ውድብ ደቂ ካርነሽም ስለዝበዝሑ’ዮም፡ደቂ ኣከለን ሰራየን ዝበዝሕዎ ውድብ ከኣ ንብላሽ ኮይኑ …..ክብል ዝደለየ ኣኼስ ሰብ’ዩ።ሎሚ ከኣ ሽሙ ቀይሩ ክጽህፍ እተን ቅድም ዝተጠቀመለን ወጋእቲ ቃላት ኣይቅየረን።

1 2 3 5

POST A COMMENT