ብዛዕባ ምስልዩነትና
ምስልዩነት ካብ ገለ መዘክረ ጥንታዊ ቃላት ዝተለቅመ ኦሪታዊ ቃል ይጥዕም። ካብ ርሑቕ ድርብ ሞራልነትን ናይ ሓሶት ቅዱስነትን ንቡር ዝነበረሉ እዋን። ካብ ምምሳል ዝመንጨወ ቃል’ዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዒላማዊ ሓሶት እዩ። ሓሶትን ከም ኵሉ ሓሶት ከኣ
ምስልዩነት ካብ ገለ መዘክረ ጥንታዊ ቃላት ዝተለቅመ ኦሪታዊ ቃል ይጥዕም። ካብ ርሑቕ ድርብ ሞራልነትን ናይ ሓሶት ቅዱስነትን ንቡር ዝነበረሉ እዋን። ካብ ምምሳል ዝመንጨወ ቃል’ዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዒላማዊ ሓሶት እዩ። ሓሶትን ከም ኵሉ ሓሶት ከኣ ቀሻሺን ስለዝኾነ ድማ ኣቘምትን መራሕትን ሃይማኖታትን ሞራላውያንን ኣዓርዮም ይዅንንዎ። ክርስቶስ ንምስልዩነት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣበርቲዑ ከምዝተቛወመ ንፈልጥ። እንተኾነ፡ ምስልዩነት ኣገዳሲ ኣካል ናብራናን ስረትናን፡ ስለ’ዚ ከኣ ኣካል ስነኣእምሮና ስለዝኾነ ካብ ጠባይና ብቐሊሉ ኣይጠፍአን። ቀሺ ዝበለካ ግበር ንሱ ዝገብሮ ኣይትግበር ኢልና ድማ ንግብዝነት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን መምሎቒ ረኺብናሉ። ኣብ ዘመንና ከኣ ምስልዩነት ኣዝዩ ተዘርጊሑን ረቒቑን ኣካል መዓልታዊ ህይወትና ኴይኑ ንረኽቦ።
ምስልዩነት ኣብ ካልኦት ሓደ ዝተወሰነ ስምዒታዊ መልሰተግብሪ ንምፍጣር ዝወጠነ ናይ ሓሶት ስምዒት እዩ። ምምስላይ፡ ንዘይኮንካዮ ምምሳል፡ ንሓደ ዝተወሰነ ረብሓ ንምዕዋት፡ ናብ ሓደ ዝተወሰነ ሸቶ ንምብጻሕ ዝዕላማኡ ብዛዕባኻ ናይ ሓሶት ስእሊ ምፍጣርን ምዝርጋሕን እዩ። ምስልዩነት፡ እትደልዮ ውሱን ስምዒት ኣብ ካልኦት ንምፍጣር ምውሳእ እዩ። ስምዒታዊ ተዋስኦ። ምስልዩነት ምትንኳይን ምቕራጽን ስምዒት እዩ። ጀርመንኛን ግሪኽኛን ንግብዝነት ብተዋስኦነት ይገልጽዎ። ልበወለዳዊ ተዋስኦ ኣብ ክውን ህያው መድረኽ- ዓለም።
ከም’ቲ ተራ ሓሶት ጻዕዳን ጸሊምን ተባሂሉ ዝኽፈል ምስልዩነት እውን ጻዕዳን ጸሊምን ኣሎዎ። ከም’ቲ ንቡር ከኣ እቲ ጸሊም እቲ ጎዳኢ እዩ።
“ድሓንዶ ውዒልካ?”
“ይመስገን። ጽቡቕ”
እቲ መላሲ ሓመዱ ንላዕሊ ተገምጢሉ ካብ ኣድጊ ንላዕሊ ከፊኡዎ ምስ ኣምላኽ ክጻረፍ ዝወዓለ ይኸውን። ሓሚሙ፡ ጠምዩ ተሸጊሩ ውዒሉ ይነብር። ሕማቕ ውዒለ ግን ኣይትወጾን ነቶም ብሕማቕነት ኵነታቱ ክድሰቱ ዝኽእሉ ደስታኦም ኪነፍግ። ንጽባሕ ዝፈላለዩ ተፋቐርቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣዕሩዅቶም ከም’ዛ ከምኣቶም ዝፋቐር ዘየሎ ክለሓሓሱ የምስዩ። ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ወደ’ቦ ኣይርኣዮ ቁንጮ ጻዕዳዊ ምስልዩነትና እዩ። ዘይጓድኡ ጻዕዳ ምስልዩነታት ኢያቶም መግለጺ ማሕበራዊ-ስምዒታዊ ትዅረትና(social-emotional intelligence) እውን። ልበወለድ ንፈቱ ብፊልምታት ንዕዘም ብሓሳባትና ናብ’ቶም ፋንጣዝያዊ ጠባያት ስለንሰሉዅ እዩ። ኣብ ገዛእ ፋንጣዝያኻ ነቲ ትፈትዎ ጅግናኻ ምዃን ዘደስትን ነፍሰ ንቕሓት’ውን ዘዕቢን እዩ። ፋንጣዝያን ክውንነትን ደረቶም ምስዝሰዓር ግን እቲ ጻዕዳ ምስልዩነት ናብ ጸሊም ይልወጥ።
እቲ ማራኺ ፍሽኽታን ትሕትናን ሸቃጣይ፣ እቲ ድንጋጼ ዝመልኦ ዝመስል ኣቀራርባ ኣለይቲ ሕሙማት ልስሉስ ክእለት ((soft skill) ተባሂሉ ኣብ ሞንጎ ነጋድን ዓዳግን፣ ሕሙምን ተኸናኸንትን ቅዱው ናይ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ዝምድና ይፈጥር። ፍሕሽው ገጽ፡ ፍሽኽታ፡ ትሕትና ካብ’ቶም ብዅሉ ቅቡላት ዝኾኑ ምስልዩነታት እዮም። ነቲ ዓጺብዎ ክነሱ ጸጊበ ዝብለኒ ከኣ፡ ጊንጢ ዓይነት ነፍሰ ኵርዓት እኳ እንተኾነ፡ እንትርፎ ከማኻ ይብዝሑ ክብሎ ኣይቅየመሉን። እምበኣር ምስልዩነት ወርትግ ኣሉታዊ ኣይኮነን። እቲ ዝሰፊሐ ዝተዘርግሐ ምስልዩነት እውን ናይ ሓሶት ሕጉስነት እዩ። ናይ ሓሶት’ውን ይኹን ሓጎስ ሓጎስ’ዩ ንዝጎድኦ የብሉን ብዘይካ ነቲ ሓሳዊ። ናይ ሓሶት ድንጋጼን ሓዘንን እውን ኣዝዮም ዝርጉሓት እዮም። ነታ ንነዊሕ እዋን ተገዲስናላ ዘይንፈልጥ እኖ ሓጎና ወይ ሓውቲ’ኖና፡ ዝውረስ እንትሃለዋ፡ ኣብ መቓርቦ ሞታ ብዙሕ ንግደሰላ። ኣብ መቃብራ ድማ ነእዊ ጸጉርና ንነጺ። ሓዘን’ና ተዋስኦ እዩ ንብዓትና’ውን ንብዓት ሓርገጽ። ኣብ ኑዛዜኣ እንተዘይሰፊርና ከኣ “እዛ ርግምቲ ስርኤል ቀትሪ ሞት እኳ ክውሕዳ!” ንጻረፍ።
ደረፍቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ፖለቲካውያን … ኵሎም ኣገደስትን ውሩያትን ኣባላት ማሕበረሰብ ግብረሰናያዊ ፌስታታት ይውድቡ። ንህጻናትን ኣረገውቶትን ስንኩላትን ሕሙማትን ክሳብ ክንደይ ከምዝሓልዩ የርእዩ። ሓቐኛ ሓልዮት ግን የብሎምን። እቲ ድኹም ግድን ሓላዪ ስለ ዘድልዮ፡ ክኣምን ስለዝደሊ ብቐሊሉ ይኣምን- ማለት፡ ይዕሾ። ኪኢላ ምስሉያት ገበርቲ ሰናይ ክሳብ ናብ ‘ነጋውስ ልቢ’፡ ‘እኖታት ድኻ’፡ ‘መልኣኽቲ ሰላም!’ ይስቀሉ። እዚ ድማ ነፍሳቶም ኣብ’ቲ ዘመናዊ ዕዳጋ ኪሸጡ፡ ሞያታቶም ከደንፍዑ፡ ቦርሳታቶም ኪመልኡ የኽእሎም። ተፈታውነት፡ ከም ዝኾነ ኣቕሓ ይሽየጥ እዩ። ኣብ’ቲ ዕዳጋታት ዕቡያት፡ ጃህረኛታት፡ ምኵሓት፡ ታዕናናት፡ ኣባኸንቲ፡ ብላሻት ከኣ ዋጋኡ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ዋግኡ ብልክዕ ኪፈልጥ ዝደለየ ንኣንጀሊና ጆሊ ይወከስ። ሰናይት ገብረህይወት፡ ደራሲት ‘እሳት ልቢ’ (Feurherz): ነቲ ‘ኣውሮጳዊ ስምዒት ንህጻናት ወትሃደራት ኣፍሪቃ’ ዘረጋግጽ ኤርትራዊ ድርሰት ደሪሳ፡ መጽሓፋ ሽዑ ንሽዑ ብሉጽ ተሸያጢ ኴይኑ ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጕሙ ክሳብ ናብ ፊልም እውን ተሰሪሑ። ሰናይት፡ ምናልባት፡ ንክዉል ስምዒት ካልኦት ናይ ምልዕዓልን ናብ ገዛእ ጥቕሚ ናይ ምውዓሉን ኣህጕራዊ ምስኹር ልዑል ክእለት ዝወነት ኤርትራዊት ምስልዪቲ እያ ኣዋልድ ሃገረይ እንኳዕ ደስ በለክን። ንመጠረስትኡ ግዳ ኒሕ ጸረምስሉይነትን ሕግን ስዒሮማ።
ኣብ ዘመንና፡ ወርትግ ዝነበረ እዩ ግና ብፍሉይ ኣብ ዘምን’ና፡ ምስልዩነት መተካታ ጻልጣ ሓይሊ ንስልጣን ኴይኑ መጺኡ እዩ። ሳላ ኤለክትሮኒካዊ ምትእስሳር ምትላልን ሽሕጠትን ውዲትን ካብ ቅልጽም ዝበለጹ ሜላታት ስልጣን ኴይኖም ኣሎዉ። እቲ ምሉእ ጸወታ ስምዒታዊ ትኵርነት (emational intelligence) ኣብ ኵሉ መሳልላት ማሕበረተሰብ ዚሒቑ ንኵሉ የዋስእ። ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ትዅረቱ፡ ምስልዩነት፡ ከም ሰላማዊ ኣገባብ ኣመጻጽኣ ናብ ስልጣን ተባሂሉ’ውን ክግለጽ ይከኣል እዩ። ምስሉያት ፖለቲከኛታት፡ (ከምኡ’ውን ካህናት፡ ሰበኽቲ፡ ለመንቲ … ) ንረብሓኦም ዘገልግል ስምዒት ንምፍጣር ምስሉይ ነፍሰ ስምዒት ይሰርሑን የስርሑን። ኣብ ሞንጎ ሓቀኛ ስምዒትን ምስልዩነትን ክንፈላሊ ኣዝዩ ስለዘጸግም ከኣ እቲ ምስሉይ ስምዒት ዳርጋ ኵል ጊዜ ሸቶኡ ይወቅዕ። ስለ’ዚ ድማ ኢና ብፊልምታት፡ ተዋስኦታት፡ ስእልታት ክሳብ ልብናን ከድናን እንትንከፍ። ሽሕ’ኳ እቲ ንርእዮ ምሉእ ስምዒት ተዋስኦ/ጸወታ ምዃኑ ንፈልጥ እንተኾንና፣ ንነብዕ፡ ንሓዝን፡ ንሓርቕ፡ ንምሰጥ። ብሓጺሩ፡ ንኣምን።
እቲ ቀደም፡ እቲ ብምስልዩነት ዝኽሰስ እቲ ላዕለዋይ ማሕበራዊ ቀጸላታት ጥራሕ ነበረ። ኣብ ዘመን’ና ግን እቲ ሸክስፒር ዝበሎ ግዲ ተፈጺሙ ብምልእታ ዓለም ናብ ዓውደ ተዋስኦ ተለዊጣ። ምስላዊ ዘረባ ኣይኮነን ቃል ብቓል ዓለም ናብ ዓውደ ትያትር ምስልዩነት ተለዊጣ እያ። እቲ ኣነነት መሊኡ ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ እዩ። እቲ መሳርሒ ኢንተርነት ድማ ኣሎ፡ ስለ’ዚ እቲ ተራ ሓፋሽ እውን ንምስልዩነት ከም መሳርሒ መዓልታዊ ስረቱ ክጥቀም ተማሂሩ። ሞያውያን ተጻወቲ ኵዕሶ ከይተተንከፉን ከይተጎድኡን ከመይ ከምዝተተንከፉ ይወድቁን ከምዝተጎዱ ይመስሉን ብወግዒ ይመሃሩዎን ኣብ ታዕሊማቶም ይለማመድዎን እዮም። ፍሪድሪሽ ኒትሸ፡ “እቲ ተራ ለማናይ እውን ንሽግሩ ካብ ንእሽቶይ ስእነት ናብ ኣስካሕካሒ ዓጸባ ይልውጣ” ኢሉ ይግረ,ም’ዩ። ምናልባት እቲ ዘመናዊ ሰብ ካብ‘ቲ ጥንታዊ ሰብ ዚተፈልየ ምስሉይ ኣይከውንን። እንተኾነ ምዕብልና መሳርሒ ርክባትን ዕቡደዕዳጋ ማሕበረሰብን ንምስልዩነት ኣዝዮም የጋንንዎን ይዝርግሕዎን። ምስልዩነት ናብ ሓቀኛ ጥበብ ማዕቢሉ ናይ ‘ማሕበራዊ ርክብ ሞያውያን’ ዝስየሙ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ናብ ዝደለኻዮ ዓይነት ሰብ ክትከውን ዘኽእሉ ሞያውያን ሸሓርቲ እዮም። በዚ መገዲ’ዚ ከኣ ንመንፈሳዊን ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ርእይቶታትናን ኣዝዮም ይጸልዉ።
ዝኾነ ስምዒት ክምስለይ ይከኣል እዩ። ስምዒት ከኣ ካብ ክትሓብኦ ክትምስለዮ ይቐልል። ስለ’ዝዲ ድማ ናብ ልዑል ጥበብን ሞያን ተቐይሩ። ጆርጅ ቡሽ ንኡስ ኣርኣያዊ ውጽኢት ፋብሪካ ምስልዩነት እዩ። ሓደ ካብ ቬትናማዊ ግቡኡ ኣብ ‘ሓለዋ ሃገር’ ዝተሓብአ ሰኽራን ነበር ንኣብ ቬትናም ናይ ጅግነት መዳልያ ዝተሰለመ 000 ስዒሩ። ቡሽ ግሩማት ዓለምትን ነበሩዎ። ግሩማት ምስሉያት ንካልኦት ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ንነፍሳቶም እውን ዘእምኑ እዮም።
እቲ ሽግር ብዛዕባ ምስልዩነት
ካብ’ቲ ዝለዓለ መንፈሳዊ ክሳብ’ቲ ዝነኣሰ ሰራቒ ይምስለይ። ናይ ሓሶት ቅድስንናን ድርብ ሞራልን (ግብዝና) ኣካል ሃይማኖታዊ ትካላትናን ተለኣኽቱን እዮም። ኣነነት ሰብኣዊ እዩ። ኣነኣዊ ከምዘይኮንካ ገቢርካ ነፍስኻ ምቕራብ እውን ሰብኣዊ እዩ። ሓቅን ምስሉዪን ስምዒት ሰብ ብጭብጢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኪረጋገጽ ስለዘይክእል ምስልዩነት ሓጢኣት (ሞራላዊ ገበን) ድኣ’ምበር ሕጋዊ ገበን ኣይኮነን። እቲ ብምስሉይነት ካልኦት ዝታለል፡ እቲ ግዳዪ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ እቲ ገበነኛ። ሕጊ’ቲ ጸወታ ‘ነጋዳይ፡ ኣዕይንትኻ ክፈት!” እዩ። ምስልዩነት ንሓቐኛ ኣነነት ሓቢኡ ናይ ሓሶት ኣነነት ስለዝፈጥር፡ ብተራ ኣዘራርባ ምትላል እዩ’ሞ ኣብ’ቲ ምስሉይ ገበናዊ ስምዒት ኪፈጥር ይኽእል። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ነዚ ስምዒት’ዚ ኣብ ምጥምዛዝን ምሕባእን’ውን ሰልጢኑ እዩ።
ሓደ ለማናይ ታሪኽ ሕሰመታት ህይወቱ ንባሮን ሮትሺልድ የዘንቱ። እቲ ዝሃብተመ ሰብ ናይ እዋኑ ኣብ’ቲ ሽግራት ህይወት’ቲ ለማናይ ጠሊቑ ኣካሉ ተጨበጠ ገጹ ተጨማደደ። እቲ ለማናይ ብጎቦ ዓይኑ ጠሚቱ፡ ድንጋጼ፡ ንሮትሺልድ ክትከድኖ ረኣየ። ክሳብ ተመሲጡ ክብሃል ዝከኣል ከኣ ሽግራቱ ኣጋኒኑ፡ ኣቃሚሙ ቃነየ። ኣዕይንቲ’ቲ ሜጋ ሃብታም ንብዓት ቋጸሩ። ባሮን ሮትሺልድ ንኣፋሪኡ ጸውዐ። ልቢ’ቲ ለማናይ ብትጽቢተ ርህራሄ ክትነቱጕ በለት። “ነዚ ሰብኣይ’ዚ ንልበይ ከይሰባበረ ኣርሕቐለይ!” ኣዘዘ ባሮን። እቲ ኣጋፋሪ ከኣ ነቲ ለማናይ ብክሳዱ ኣንጠልጢሉ ናብ ግዳም ክረምቲ ደርበዮ። ባሮን ሮትሺልድ ወሃቢ እንተዝነብር ባሮን ሮትሺልድ ኣንበይኮነን። ዝኾነ ሕማም፡ እንተላይ ቁጠባውን ንግዳውን ሕማም ከይተሓጕመን ከይደመየን ከምዘይሓውን! ዝበለ ሰብ’ዩ። ብክውን ሽግርን ብተዋስኦን ዝርስርስ ሰብ ኣይነበረን።
ኣብ ሲና ኣካላትና ተጎዝዪ ክሳብ ዝሽየጥ ኢና በጺሕና። ባርነት እቲ ዝተሓተ ማሕበራዊ ውድቐት እዩ። ንነዊሕ እዋን ኣካል ታሪኽናን ባህልናን ስለዝኾነ ከም ገለ ኢልና ንቡር ኴይኑና እዩ። ነብያትናን ብዙሓት ኣርኣያታት መጽሓፍ ቅዱሳትናን ባራዩ ይውንኑ ነቢሮም እዮም። ባርነት ክሳብ ኣምላኽ ባዕሉ ዓይኑ ሰም ዘበለሉ፡ ንሱ ባዕሉ’ውን ከም መቕጻዕቲ ዝጥቀመሉ ዓይነት ዓመጻ እዩ። ባርነት ውጽኢት ፍጹም ስዕረት እዩ።ንባርያኻ ኣካላቱ ጎዛዚኻ ንኽትሽይጥ ኮነ ኢልካ ምቕታሉ ግን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ሓዲስ ሓጢኣት’ዩ። ነቲ ዝለዓለ ጫፍ ሓጢኣት ዝሰንጠቐ ገበን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምሉእ ፡ እኹብ ‘ኣነነት ኤርትራ’ ዝወረደ ኣካላውን መንፈሳውን ሕስረት እዩ። እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝተነፍሐ ‘ኣነነት’ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ ውርደት ከመይ ይውሕጦ? እሞ ኣይሓንቆ ኣይቀርጾ! ወይ’ስ እቲ ውሩይ ኣነነትና ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ ምስልዩነት እዩ ነቢሩ?
ኣይፋልን! ምስልዩነትና እኳ’ስ ክሳብ ክንደይ’ኳ ንጡፍ። ኣነነትና ነቲ ዘይወሓጠሉ ብቐሊሉ ንደገ ኪተፍኦ ጎሪሑ እዩ። ይኽሕዶ። ይጥምዝዞ። ካብ ኵሉ ከኣ ንጎቦ ይጥምት ብዛዕባ ካልእ ይጸዊ። ብዛዕባ መሸጣ ስጋ ኤርትራውያን ባራዩ ኣብ ሲና ኣይተስምዑኒ ልበይ ከይትሰብሩለይ! ይብል። እታ ምኽሕቲ፡ ብድዕቲ፡ ግብዝቲ ልቢ ካብ ትሰባበረኒ ዓይነ ስዉር ምዃን ይበልጸኒ! ይመርጽ። ክሳብ ኣብ ነፍሶም ዝወርዶም፡ እቲ መሸጣ ስጋ ሲና ተቓዉሞ ዝሰርሖ ጸረ-መንግስታዊ ፕሮፓጋንዳ/ተዋስኦ እዩ! ኢሎም ዝኣምኑ ኣሎዉ። ሓቂ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስተገተረት ግን መልሓሶም ኣቐዲማ ተጋግያ እንታይ ከምዝብሉ’ውን ኣይፈልጡን ተዓዚዞም ይተርፉ።
እቲ ንመላእ ህዝቢ ናብ ባሮቱ ዝቐየረ መንግስቲ ሰብኣዊ ጥረ ኣቕሓታቱ ከም ድላዩ ኪሸይጥን ኪልውጥን ባህርያዊ መሰል ዝኾነ ወናኒ እዩ። ነቲ ኣቓሓኡ በታቲኑ ክሸጦ ዝያዳ ዘኽስቦ እንተኾነ’ውን መሰሉ እዩ። እዚ ኣረሜናዊ ተረክቦ’ዚ ብባህሪ መንግስቲ ኤርትራን ስነሞገት ዕዳጋን ድሮ ዝተወሰነ መደምደምታ እዩ። እወ፡ ብጭካኔ ባርባራዊ ‘ራሻይዳ’ ክንሓርቕ ይግብኣና እዩ። እቲ ማእከለ ንጥፈት ናይ’ቲ ስጋዊ መሸጣን ኣስመራ፣ እቲ ቀንዲ ወዳቢ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ነዚ ኵላትና ንፈልጥ። ገዛእ ስጋና ምሻጥ ድኽመትና ኣዘኪሩ ስለዘሕፍረና ነቲ ምሉእ ተግባር ናብ በደው ራሻይዳ ክንድርብዮ ይቐለልና። ዝተገደ ጥራሕ ዓዱ ከም ዝሓድግ ንፈልጥ ኢና። መን ዓዶም ሕደጉ ኢሉ ኣገዲዱዎም!? ኢልና ድማ ንዋሳእ። ራሻይዳ ንእግረ መገዶም ንነዛእ ጥቕሞም እውን ዝሰርሑ መሳርሒ መንግስቲ ኤርትራ እዮም። በዚ ተግባራቱ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ ይቐትል። ካብ መሸጣ ህዝቡ ይኸስብ። ህዝቢ ከኣ ካብ’ታ ኤርትራ ዝተባህለት ቤት ማእሰርቲ ተሓይሩ ክነብር ይግድድ። መኽሰብን ሜላን መቂረሞ ከኣ መንግስቲ ነዚ ንግድ’ዚ ከቋርጾ ኣይኮነን። ደጊም፡ ቈልዑት፡ ካብ ማእከል ኤርትራ፡ ካብ ማእከል ከተማታት ክስረቑ ጀሚሮም ኣሎዉ። ምሻጥ ኣካላት ሰብ ከኣ ፡ ከም’ቲ ኣብ ቺና፡ ብጠለብ ዓደግቲ ክሰላሰል ኪጅምር እዩ። ሓንቲ ኢንዶነዝያዊት ሃብታም ብ50ሽሕ ዶላር ናይ ሓደ ሽጋራን መስተን ሰትዩ ዘይፈልጥ መንእሰይ እሞ ድማ ዓይነት ደሙ ምስ ደማ ዝሰማማዕ ኵሊት ጠሊባ’ስ መንግስቲ ንምሉእ ቤት ማእሰርትታኡ ፈቲሹ ሓደ ተለቪዝዮን ሰሪቑ ዝተኣስረ መንእሰይ ተረኽበ። እቲ መንእሰይ ተለቪዝዮን ስለዝሰረቐ ሽዓ ንሞት ተፈሪዱ ኵላሊቱ ናብ’ታ ሰበይቲ ተሰዅዐ። ድሕሪ ቍሩብ ጊዜ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ውሽጣዊ ኣካላቶም ንመሸጣ ኪቐርብ ዘይክእል ኣረጎውቶትን ሕሙማትን ኪተርፉ ምዃኖም ይስምዓኒ።
ሽሕ’ኳ ኵሉ ዚፈልጦ እንተኾነ፡ ነዚ ዓንጸጽ’ዚ ነቲ ንጉሰ ነገስት ምስልዩነት ኤርትራ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈጨርቂ ከይዘከርኩ ክድምድሞ ኣይደልን። ከም ደራስን ተዋስእን ምስልዩነት ዝለዓለ ኤርትራዊ ክእለት እዩ – እቲ ዝጸለመ ጸሊም ምስልዩነት። ንበዓል ክእለት ብቕዓቱ ክንክሕዶ ኣይግባእን። ኢሳያስ ያኢ ‘ኣግኣዚ’ እዩ። ሳላ’ኡ እንተዘይከውን ኤርትራ ነጻ ኣንበይወጸትን! ኢሳያስ እንተዘይነብር ኤርትራ ድሮ ተፈናጢሓ ምሃለወት! ኢሳያስ ሓላይ ህዝቢ እዩI “ንሱ ድኣ ደላይ ጽቡቕ እንድ’ዩ ደይ ሓገዝቲ ስኢኑ እዩ! ምስኪናይ ኢሳያስ!” ንብለሉ። “ሲ.ኣይ.አይ እያ ዝዒራትና እምበር ዓጋመ ድኣ በየናይ መዓንጣኦምን ክእለቶምን ክስዕሩና!” ነማሳምሰሉ። ነቲ ስንኩፍ ተሃኒጹ ውሒዝ ዝበንቈሮ ሓጽቢ እውን ሲ.ኣይ.አይ እያ ኣፍሪሳቶ! ነቲ ኵሉ ዝፈሸለ መደባት መንግስቲ እውን ሲ.ኣይ.አይ እያ ኣፍሺላቶ! እዞም ኵሎም ምስልዩነታት፡ ኢሳያስ፡ ገና ኣብ ሜዳ እንተሎ ዘበገሶም ናይ ሓሶት ነፍሰ ስእልታት እዮም። ክሳብ ሔዚ ዘይምእራጎም፡ ዘይምፍሻሎም እገርመኒ። እታ ብኢሳያስ ዝተፈትወት ውርይቲ ሜላ ’ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ!’ እያ። ነዛ ሜላ’ዚኣ ዘሰነዩ መግለጺታትን ተግባራትን ክሳብ ኪትኣምኖም ዘሸግሩ ኣደነቕቲ እዮም። ሔዚ እቲ ዝብኢ ደልዪዎ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጋጋኡ ቀርቂሩ ምሕንካስ ሓዲጉዎ። ሔዚ’ስ ነቲ ምምስላይ እኳ ሓዲጉዎ ብግልጺ የላግጽ። ንዓይ ዝትክእ የሎን! ይብል ኣፉ መሊኡ። ንዝመጽእ 40 ዓመታት ኤርትራ ንዲሞክራሲ ብቕዕቲ ኣይኮነትን! ይብል ኣፍ ልቡ ቀሊዑ። እንተደለየ ንኤርትራ ናብ ሶማልያ ክልውጣ ከምዝኽእል ይህድድ። ህዝቢ ኤርትራ ደጊሙ ከምዘይትስእ ጨፍሊቐዮ እዬ! ኢሉ (ብኣምባሳዶራቱ) ይምካሕ። ንሓደ ህዝቢ ካብ’ዚ ዝዓበየ ንዕቀትን ውርደትን ኣይርከብን። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ መዓስ ኢኻ ደገ ኢሳያስ እንዳወሓጥካ ክትነብር? እቲ ጎይታ ምስልዩነት እኳ ምስልዩነቱ ዝቐንጠጠ ንስኻ ክሳብ መዓስ ኢኻ ኣብ ናይ ሓሶት ተዋስኦ ክትለሀ? አረ በይዛኻትኩም ነታ ተሪፋትና ዘላ ጠብታ ነፍሰ ክብረት ነድሕና።
ሓውኹም
ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ
27.06. 2013
ጀርመን
Facts-ain't-Pretenders! June 28, 2013
Dear,
Ato Daniel S. Tesfai,
While wishing you a blissful life in a country, culture, lingua, custom where you don’t belong and had to become a involuntarily sidetgna in a place where people judge you by the color of your skin, where you human dignity is gauged by the color of your skin, where your mental sharpness is NO use to a soceity that disdainfully overlook it—
Your depth of the tigrnga language is second to none.
The sad reality is the fact:
(i) that you cannot use it in a soceity that matters most, your own where it is needed and embraced. Eritrea is NOT only failed in establishing a system that guides its citizens to honor & respect of (a) rule of law (b) peaceful coexistence (c) value of humanity & dignity (d) value of soceital norms
(ii) that the entire Eritrean spectrum (the learned, the un-learned, the elucidated & the not so, the exposed, the oblivion, the Arada, the knucklehead, the old, the young, the diaspora-born, the eritrea born all are in this mess of chewed Eritrea’s 50 years of political analysis. Every Eritrean is an analyst! Every Eritrean is the most “knowledgeable” or pretending to be and wants to listen to no one but to repeat what is said of for 50 years over and over. The end result of all that: Eritrea in its current predicament! WUC in Eritrea on the grrund is WUG in Eritreans in the Diaspora. But what doesn’t cease to amaze me is that even Eritrean learned men & women are indifferent.
Eritrea, in its current circumstance, is NOt ONLY purely defunct in its systems of governance but also totally bankrupted in its citizens’ minds. A total waste of citizens minds.
And thus, what Eritreans ARE not concerned about are:
(a) the total demolition & marginalized minds of citizens and ONLY PFDJ’s breeds are excelling in the minds in current affair of Eritrea and post Isaias will change nothing as they have learned the basics of evil tricks. And they will fight tooth-n-nails for solidifying their parents’ inheritance (the evil system that is now rooted).
And it is ONLY wise if Eritreans Diaspora wake up and start working on educational Blueprints that challenge the PFDJ establishment and involve the wider citizens. Political bickerness, analysis amongst the educated and who write articulately like yourself must Cease! I am just saying!
Let alone adults, even if kids come together they do miracle! for your enjoyment:
http://video.pbs.org/video/2365006100
and you can see how shameful, ignorant the Eritrean diaspora is! we are just saying those who were not born or grew up in eritrea but wated our years thinking our Eritrean diaspora was an enlightened, sensible ones.
Eritrea Super Power June 28, 2013
I have nothing to add to this article .It is a deep psycological research of we the people has been unveiled ,first we take responsibility ,then we look for solution even if that includes the removal of the current eritrea goverment ,like the author said it ,it was the same administering tactics ,either we were willful blind idiots or we were so stupid we thought suddenly the gedli was to change to mother Theresa.
If we put the responsibility fair and square on us ,without our cooperation eritrean goverment would not have gone to war with our neighbours.30 years of misguided criminal activity would have been corrected or we would have looked other better solution.But the beast we created we have to own it.suddenly stupid people realized it was not church or mosque for over 30 years now want eritrea to be dismantled.
what is our formula ? we hate the tiger we raised so we will burn the whole house ? and make our country a park for weyane and cia ?
I can not believe the Chinese goverment did that to that poor prisoner ? well ,what the hell did you think isayas went to china for ?to eat wanton soup ?Yes ,in china you can have a citzens kidney for the right price . it is still goverments do to advance their cause .without that china would be poor .it maybe a necessary evil but it is sad .isaias was doing more awful things in the field worse than selling kidneys. we raised him ,fed him ,gave our life for his vision.are we sad because we never thought it would happen to hizbe tigrinya ? just kunama & ben amir ? whatever
g.tesfay June 29, 2013
A very touching comment. Eine sehr fabelhaftes Schriftstück.
MightyEmbasoyra June 29, 2013
Isayas has a disabled brain. He has some kind of deficiency. A lot of people think our independence was as a result of his great leadership. I said it is a big NO.
I firmly believe the brain for the great leadership is in Eira Ero. Those are the the thinkers, strategist and the hero. As I said, he is disabled (ውሽጣዊ ስንክልና that is).
Eritrea Super Power June 30, 2013
mighty
A hero without brains is just that a hero .eplf was formed shaped and run by him ,i am not sure if that is a compliment to him.
If Isaias was not responsible for the movement, then others should be responsible for the crimes ?
we can not have it both ways.
MightyEmbasoyra June 30, 2013
ESP,
Just to make it clear
the great minds who brought us the much expected independence are/were in Eira Ero
Isayas was doing all planning for the destruction and of course he had some people for the execution of his plan. I hope this is now clear.
Eritrea Super Power July 1, 2013
Then Isaias must be super man that can outsmart all Eritreans.I know you do not mean it ,but you are insulting the people.
until the opposition believes Isaias is a dictator and yet visionary ,determined ,like mao tse tung ,fidel castro ,lenin ,vladamir putin,kimil jung the war against isaias /the nation will not be won.he & the nation have countless supporters.
the oppositions game should be how to separate isaias & nationalism.they are so interwined that is why it is difficult but not impossible to do, but Ghandi style ,not violent revolution that we end up losing our nation, because those who advocate revolution are at Mc Donalds having yellow cab break.
by the way we should denounce weyane for trying to create chaos in egypt against the goverment of Egypt that is our ally.I hear weyanes agents are mingling with egyptian protestors to destabilize the country and control the nile. Rwanda ,south Sudan ,Somalia & now egypt.we say no to weyane intervention !!!
belay nega June 30, 2013
Dear Mighty
The outstanding guys of Eira Ero were only a means to the strategy of the mastermind Esayas.
Us Eritreans, if we are looking for long lasting solution, we have to admit that we raised a question beyond our means, and made it to be possible by a fair contribution of the people whom we dared to be landlocked.
Now Ethiopians are telling us: the fact that we have the might,we have all the right to claim Eritrea.Here we go the president is challenged usefully to maintain Eritrea as a country.
MightyEmbasoyra July 1, 2013
Ato Belay,
We are getting closer to get the solution – at least that’s how I see it.
I really believe, Isayas is laser focus when it comes to evil work and disable to the lowest level when it comes to human kindness. Unless we understand that, this guy is going to make us stateless. Who are we going to blame at that time?
You know what I wish? A mind like yours to be used on finding a way to get rid of these crooked guys and replace it by reasonable people.
By the way, Ethiopian govt is doing huge damage to Eritrea by helping Isayas. They are on the same wavelength with Isayas.
belay nega July 1, 2013
Dear Mighty
Not because we do not like him,but because of the rule of nature the president will pass one day.As far as these 80,000,000 people are in life our problem will be there.
Eritrea Super Power July 1, 2013
brother Belay ,
You are just keeping it real.It is not nice or sweet what you are saying ,but the truth.that is why i distrust weyane ,more than janhoy & dergi .we have 80.000.000 opposiotion ,but we won the american & russians proxy war .i believe we can defend our nation & play our cards right by not taking definite stand on matters that concern the world.
we can win against 80.000.000 ,because we have the potential ,the bravery and the truth on our side. If israel can do it why not we ?
thanks belay
Truly truly i say to you June 29, 2013
Indeed it is very saddened and very touching to see such brilliant citizen unwillingly when living in diaspora like an ordinary person. What a big lost for nation and people! My Goodness! i love the Tigrina language he using and the content of the massage! May God help us all to meet and see in free Eritrea, so that everyone with the talent he has enable to serve freely his citizens with pride and dignity! Much respect!, to Ato Daniel Semere Tesfay.
Eritrea Super Power June 30, 2013
well truly ,
that is why he is alive ,ifhe were in africa ,he would have been dead by now.
Dr Kibrab June 29, 2013
Brilliant article. The language and the content. Well done Semere!
ida June 29, 2013
Waza mis kumneger: Philosophy, drama, a great piece of Eritrean literature. I loved it.
ማሊሻ June 29, 2013
ከመይ ሽምካ ትረኸብ ንስኻ ትመስል ብ ፊደላትና ከምዚ ዝመስል እምሮ ዝኽሕኩሕ ሕልና ዝብርብር ሃያሲስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተሓቢካና ፧ ወይስ ናይ እርጋን ጽልግልግ ስለዝብለኒ ኣየቕለብኩልካን። ከመይ ደሓን እቶ። ማሊሻ
ኣቶ ዳንኤል በለ :
“ኣብ ሲና ኣካላትና ተጎዝዪ ክሳብ ዝሽየጥ ኢና በጺሕና። ባርነት እቲ ዝተሓተ ማሕበራዊ ውድቐት እዩ። ንነዊሕ እዋን ኣካል ታሪኽናን ባህልናን ስለዝኾነ ከም ገለ ኢልና ንቡር ኴይኑና እዩ። ነብያትናን ብዙሓት ኣርኣያታት መጽሓፍ ቅዱሳትናን ባራዩ ይውንኑ ነቢሮም እዮም። ባርነት ክሳብ ኣምላኽ ባዕሉ ዓይኑ ሰም ዘበለሉ፡ ንሱ ባዕሉ’ውን ከም መቕጻዕቲ ዝጥቀመሉ ዓይነት ዓመጻ እዩ። ባርነት ውጽኢት ፍጹም ስዕረት እዩ።ንባርያኻ ኣካላቱ ጎዛዚኻ ንኽትሽይጥ ኮነ ኢልካ ምቕታሉ ግን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ሓዲስ ሓጢኣት’ዩ። ነቲ ዝለዓለ ጫፍ ሓጢኣት ዝሰንጠቐ ገበን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምሉእ ፡ እኹብ ‘ኣነነት ኤርትራ’ ዝወረደ ኣካላውን መንፈሳውን ሕስረት እዩ። እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝተነፍሐ ‘ኣነነት’ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ ውርደት ከመይ ይውሕጦ? እሞ ኣይሓንቆ ኣይቀርጾ! ወይ’ስ እቲ ውሩይ ኣነነትና ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ ምስልዩነት እዩ ነቢሩ?”
Facts-ain't-Pretenders! June 29, 2013
Reading, re-reading this piece reminds me of one of Ethiopia’s finest author, writer, the Oromay book author BeAlu Girma who was liquidated in 1984 for his Oromay book’s content.
There are few Eritreans that I have read who writes beautiful Tigrniga but the magnitude, the intensity, the depth, the philoisophical and direct approach of this piece is what I had expected from my Eritreans folks for so many years. Admitting that Pretension is a cancerous disease in our psychic!
This piece totally reminds me of the “helina Dewel” of BeAlu Girma’s piece that I was absorbed to when I was in high school in the early 80’s as he was our uncompromised hero.
I wonder if Eritrea has many of Ato Daniels calibre who would write this intense and who would think of the future educational correction in Eritrea? Sadly, this writer himself concluded his piece in that mood of imprisoned mind calling for Eritreans (that includes himself) to rescue what is left of Eritrea. Strange but the reality in the Eritrean world is that everybody is waiting for everybody. Even the most articulate ones are waiting for someone to lead the fight!
sad but true how the type of dangerous dependent but sharp minds we Africans are endowed with, when evaluating the mess we are in and the actions or inactions that we take or don’t.
Romay Abraham June 30, 2013
His tgrgna seems from the south of the border . Does any body knows this guy in Germany. He seems like he is meddling in our internal affairs.
samuel June 30, 2013
ኣዬ ሮማይ ኣብራሃም!
ካበየናይ ኣውራጃ ኢኻ? ርግጸኛ እየ፡ መበቆልካ፡ ኣብ ካብ ኣውራጃ፡ መደበር ኣስመራ፡ ምናልባት ካብ ኣውራጃ ገዛ ብርሃኑ፡ ወይ ከኣ፡ ካብ ኣውራጃ ኣባ ሻውል እዩ ክኸውን ዝኽእል። ሰረወታይ ይኹን፡ ሓማሴናይ፡ ወይ ከኣ፡ ኣካለ ጉዘታይ፡ ከም’ዚ ንስኻ እትሓስቦ ኣይምመለሰን። ቀዳሞት ክስሕቁን ከባጭዉን ሰሚዕካ ትፈልጥ’ዶ? ዘረባ ሓማሴን እንተ እትሓርኣሉ፡ ዘረባ ኣካለ ጉዛይ እንተ እትስሕቀሉ፡ ዘረባ ሰራዬ እንተ እትሟገተሉ። ለዛ መልሓስና ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምግላጽ ዝተባህለ ብሂል እዩ። እንተደኣ ኣብ ርእስኻ ዝኣቱ እንተደኣ ኮይኑ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ብርግጽ፡ ትግርኛ ቋንቋ ወለድኻ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብፈረንጂኛ ኣይምጸሓፍካን። ከም’ቲ ዳንኤል፡ ከረድኣና ዝፈተኖ፡ ምናልባር ንስኻ እውን፡ ካብ’ቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ምስሉይ ትኸውን። ቃላተይ ዘይዓጅባኻ እንተደኣ ኮይነን፡ ንዓኻ ከቐይም ብፍጹም ድሌት ኣይነበረንን። እዙይ (እዚ) ወደሓንካ።
ዳኒኤል! ብጣዕሚ ግሩም ጽሑፍን ትሕዝቶን። ደሃይካ ኣይተጥፍእ። ዝፈትዉኻን ዘኽብሩኻን ኣእላፍ እዮም።
ሰላም
Eritrea Super Power July 1, 2013
Samuel,
እቲ እዙይ ኣውዙይ ዝብል ንሰብ ዘሰምብዶን ባዕዲ ኮይኑ ስለ ዝረኽቦን ወያነ ትግርኛና ንኽዕብልል ዝጥቀመሉ ስለ ዝኾና ሓደራ ጥንቅቕ ንበል።ሓሻካ እናበልካ ክትሓርእ ድማ የጸግም´ዩ።እዘን ቃላት ናብ ወያነ ዲፖርት እንተገበርካየን ይምረጽ።ነቲ መልእኽትኻ ከየናኣእስኦ።
samuel July 2, 2013
ስምዓኔ ሓወይ ልእለ-ሓያል!
ንወያነ እትጸልኦም እንተደኣ ዄንካ፡ እዚ ናትካ ጉዳይ እዩ። ክዕብልሉኒ እዮም ኢልካ ተቕዳዲምካ ሸራእራእ ትብል እንተደኣ ዄንካ’ውን፡ ብማንም ሰብ ዘይትንከፍ ሰብኣዊ መሰልካ እዩ። ዳንኤል ዝቕመጠሉ ዓዲ፡ ብዘይካ ውሑዳት (minority)ሶርበን ዝበሃሉን ዴንማርካውያንን፡ ካልኦት ኩሎም ጀርመናውያን እዮም። ንባየርን (Bavaria)እንተደኣ ተጓዒዝካ፡ ለዛ መልሓሶም ዝተፈልየ፡ ንቲዩሪንገን፡ ንሳክሰን፡ ንበርሊን…ወዘተ እንተደኣ ኬድካ፡ ዘዝተፈላለየ ለዛ መልሓዝ ኢኻ እትረክብ። ንስዊዘርላድ እንተደኣ ኣላጊስካ እውን፡ ካልእ ዓይነት ጀርመንኛ ኢኻ እትሰምዕ። ንኣውስትሪያ እንተደኣ ኬድካ እውን፡ ከምኡ። ኤረ! ንሰሜናዊ ጣልያን ገጽካ እንተደኣ ርኢኻ እውን፡ ካልእ ዓይነት ጀርመንኛ ኢኻ እትረክብ። ሽቫበን ዝበሃሉ ብሄረ-ሰብ፡ ኣብ ፌደራላዊት ባደን-ቩርተምበርግ ዝርከቡ፡ ብጻዕረኛ ባህረያቶም ንኡዳት ህዝቢ አልዉ። ብዓል መርሴደስ፡ ብዓል ቦሽ፡ ብዓል ፖርሼ…ወዘተ፡ ኮታስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዕሉላት ስርሓት ኢንጂንየሪንግ ዘተኣታተዉ ህዝቢ እዮም። ለዛ መልሓሶም ግና፡ ንሳቶም ባዕላቶም ዝፈርዱዎ፡ ኣብ እዝንኻ ክትሰምዖ እንከሎኻ፡ ከም’ቲ፡ ንዓንሰባ ወሪድካ እትሰምዖ ትግርኛ፡ ወይ ከኣ፡ ንዛላምበሳ ኬድካ እትሰምዖ ትግርኛ፡ ከምኡ እዩ። እዞም ዝጠቐስኩልካ ሽቫበን ዝባሃሉ ብሄረ-ሰብ እንታይ ይብሉ ይመስለካ፡ “ዘይንኽእሎ የሎን፡ ብዘይካ ጽሩይ ጀርመንኛ!” “Wir koennen Alles, Ausser Hochdeutsch!”
ወያነ ስንጫር ፍንጫል እናበልካ፡ ኣብ ዘይደለኹዎ ኣይተእትወኒ። ቀንዲ ጸላኢየይ፡ ን40 ሽሕ ዝኣኽሉ ተጋደልቲ፡ ምስ ወያነ ኮይኑ፡ ካብ ሃገሮም ሓግሒጉ ዘውጸኤ ሻዕቢያ እዩ። ብባድመ ኣሳቢቡ፡ ክሳብ 40 ሽሕ ዝኣኽሉ፡ ኣብ እቶን ዘጥበሶም ሻዕቢያ እዩ። ኣሽሓት መንእሰያት፡ ብጠያይት እንዳ ተሳሕቱ ዓዶም ክገድፉ ዘገደዶም ሻዕቢያ እዩ።
ሰላም
ida June 30, 2013
Romany, that is the real tigrinia language. He speaks like the ancient people, but he seems young. You have to admire his language. As an English major, and a lover of literature, I admire him. I wish I could speak our language that fluently.
Eritrea Super Power July 1, 2013
romay
His accent/word formation sounds like tigray ,but i believe he is eritrean.
samuel July 2, 2013
ኣብ ምዉቕ ገዛኻ ዄንካ፡ ድሕሪ ኮምፒዩተርካ ኮፍ ኢልካ፡ ባጀላታት መንነት ደኣ ዓድል!
ሰላም