Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ተገቢታ ዘላ ኤርትራ፡ CPJ ኣብ ዘውጽኦ ተርታ ዝኸፍኣ ዓመጽቲ ፕረስ ዝኾና ሃገራት ዓለም 1ዪ ኮይና ተሰሪዓ

ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ተገቢታ ዘላ ኤርትራ፡ ቀዳመይቲ ናይተን CPJ ኣብ ዘውጽኦ፡ ሰሜን ኮርያ እትርከቦ መስርዕ ዝኸፍኣ ዓመጽቲ ፕረስ ተባሂለን ዝተሰርዓ ሃገራት ዓለም ኮይና ከምእተሰርዐት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ኮሚተ ንምክልኻል ናጽነት ጋዜጠኛታት ሎሚ 10 መስከረም

ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ተገቢታ ዘላ ኤርትራ፡ ቀዳመይቲ ናይተን CPJ ኣብ ዘውጽኦ፡ ሰሜን ኮርያ እትርከቦ መስርዕ ዝኸፍኣ ዓመጽቲ ፕረስ ተባሂለን ዝተሰርዓ ሃገራት ዓለም ኮይና ከምእተሰርዐት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ኮሚተ ንምክልኻል ናጽነት ጋዜጠኛታት ሎሚ 10 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እተን ድሕሪ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ዓመጽቲ ሃገራት ተርታ ተሰሪዐን ዝአለዋ ሃገራት ሰሜን ኮርያ፡ ቱርኪስምታን ስዑዲ ዓረብ  ይርከባአን።

CPJ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብታ ብማእሰርቲ ጋዜጠኛታት እተወርየት ኤርትራ፡ መንግስቲ ንመራኸቢ ብዙሃን `ታ ሃገር ብወግዒ ገቢቱዎ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኢንተርነት ከይተረፈ ኣብ ጽኑዕ ቁጽጽር እቲ ስርዓት ከምዝርከብ ኣገንዚቡ።  ኣስዒቡ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮምላ ዝርከቡ ሃገር ምዃና ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ ታህሳስ 2018 ብውሑዱ 16 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ውድብ መብዛሕትኦም እቶም ጋዜጠኛታት ብ 2001 ቅድሚ 18 ዓመታት ዝተኣሰሩ ኮይኖም ሸውዓተ ካብኣቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእምት።

እቲ CPJ ዘርጊሑዎ ዘሎ ተርታ ናይተን ዝኸፍኣ ዓመጽቲ ፕረስ ዝኾና 10 ሃገራት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ንምዕፋን ዝጥቀሙሉ ሜላታት ማእሰርቲ ፡ ምጽንጻን ጋዜጠኛታትን ዓፋኒ ሕግታት ምንዳፍን ብምጽናዕ ዝተዳለወ እዩ።

እታ ብውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ተገቢታ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ንተደጋጋሚ ግዜ ብምዕፋን ናጽነት ፕረስ ምስተ ላዕለዎት ክስራዕ ከላ፡ ብቑጠባዊ ገስጋስን ምምሕያሽ መነባብሮን ድሕሪ ኹሉ  እትስራዕ ሃገር ኮይና ተሪፋ ኣላ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT