ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ – ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን
ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን 24 ጥቅምቲ 2014 ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡ እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር
ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ
ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን
24 ጥቅምቲ 2014
ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡ እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ።
ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡ ኣድላይነቱ ህጹጽ ምዃኑ ፈሊጦምን፡ ንዝወሰኑዎ፡ ዉሳኔ፡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዘይሕለል ድኻም ደኺሞምን፡ ኣብ መፈጸምታ ዘብጽሑን፡ ሽማግለታት፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን፡ ኣባላት ስትራተጂ ዓዲን፡ ቀጺለውን ብስም፡ እቲ ኣፉ ተለጉሙ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊመ ከመስግን ይፈቱ።
ኣብ መግለጺ ብተባዕታይ ቃል ብምጽሓፈይ ኣሕዋተይ ደቂ ኣንስትዮ ረሲዔ ኣይኮንኩን።ይቕረታ ከም ድፍረት ከይውሰድ ሓደራ።
ባይቶ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ቀዳሞት ወለድና፡ ቂምታ ዘልዎ ሰብ ከይህሉ፡ ኣቐዲሞም ይሓቱም! ንዝተቓያየሙ ዓሪቖም፡ እዮም ጉባኤኦም ዝጅምሩ ዝነበሩ።
እምብኣር፡ እዘን ክልተ መጻሕፍቲ “ታሪኽ ወሎዶ ህዝቢ ኤርትራ” ብሃለቅ ብርሃነ ዝተጻሕፈት፡ ከም ኡውን “ሕግታት መርየት ዓደቦ” ምስ እንውከስ፡ ክንደይ ኣሻሓት ዓመት ዝገበረ ህዝቢ፡ ታሪኽን፡ ዛንታን፡ ሕግታትን፡ ባህልን ልምድን፡ ቛንቛታትን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሕጂ ዳኣ እንታይ ረኸቦ? ጠምበር ኢሉ ሽግሩ ክፈትሕ ዘይከል????????ኣብ ጸገም ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ ደቁ መንጠቢ ጨኒቕዎም ፈቐዳኡ ዝጠፉን ዝቕበሩን ዘለዉ????
ኤርትራውያን መን ኢና??፡ ክንደይ ዘብን እዩ ትውልድና? መበቆልናን ዛንታናን፡ ታሪኽናን፡ ወግዕናን ያትናን ንፈልጥ ዲና? መንነትና ብግቡእ ክሳብ ዘይፈልጥና፡ ድማ ወሪድና ዘሎ ጸገም ጸነተ፡ እምበርዶ! ከም ህዝቢ ክነብር ኢና? ዘብል እዋን በጺሕና ኣሎና። ነዚ ከቢድ ሕቶ ክንምልሽ ናይ ግድን እዩ።ህጹጽ ምዃኑ ንኹሉ ክበርህ ኣለዎ።
“መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ቃል ኣቦው እዩ።
ዓድና መሰረትናን፡ መበቆልናን፡ መንነትና፡ መርየትናን ዝገልጽ እዩ። ኣብ ዓዲ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ ህዝቢ፡ መርየት፡ ባይቶ፡ኣምሓደርቲ ሽማግለ፡ ለባማት፡ ትምህርትን፡ ስልጠናን፡ ዛንታን ያታን፡ ምክብባርን፡ ፍቕሪን፡ እምነትን፡ ምትእምማንን፡ ጽንዓትን፡ ጅግንነትን፡ ምቕልሉነትን፡ ተወፋይነትን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ይርከብ።
ወዲ ዓዲ፡ እንታይ ይገብር? ሰብ የኽብር። ኣይዳፈርን መሰል ሰብ ይሕሉ። ዝመጾ ይፈልጥ፡ ስነ ስርዓት ንዘጉደለ፡ ኣይወረጃን ወይ ጓሳ ኢሉ ይጽዋዕ። መነባብራኡ ድማ ኣብ ማሕረስን ኣብ መጓሰን እዩ። ከመኡ ድማ ጋሻ ይቕበል፡ መንገዲ ይመርሕ፡ መን ጓና መን ዘመድ ይፈልጥ፡ ኣከባቢኡ፡ መዳውብቱ ፡ መዋዳድርቱ ዝኾኑ ዓድታት ይፈልጥ፡ ኣብ ዓዲ ዝርከብ ቛቑራን ሽንጭሮን፡ ብዓትን ገደልን ይፈልጥ፡ መህደምን መሕብእን ናይ ዓዲ ይፈልጦ። ኣብ እንታይ እዋን ይጥቀመሎ ም ለሊጡ ድማ ይቕረብ …ወዘተ።
“ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ፡ ሞት ነይትኽልክለልካ” ከም ዝባሃል ሰብ ኣብ ዓዱ ክፈርህ የብሉን።
ንሎሚ ካብ ሰለስተ ሕጊ ዓደቦ ንመምሃሪ ክጠቅስ፡ ፍቐዱለይ? ናይ ዓፈር፡ ናይ ኹናማ፡ ናይ ባዛን፡ ናይ መንዓምር በጃን…ወዘተ ከምዘሎና ንኹሉ ብሩህ እዩ።
ኣብ ዓዲ ሕጊ ኣሎ፡ መረየት ኣሎ፡ ባይቶ ኣሎ፡ ህዝቢ ኣሎ፡ ዜግነት ኣሎ። ኣብ ዓዱ ብሕጊ ኣይነባበር። “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽልን ኣብ ዓውዱ” ይባሃ።
ሓደ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ሕጊ ክህልዎ ኣለዎ።እዚ ካብኮነ፡ እስከ፡ ኣብ ሕጊ ኣድግና ተግልባ፡ ንሕጊ ከመይ ይገልጾ። “ ሕጊ ማለት ንንጉስ፡ ንመኳንንቲ፡ ንሕዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ዘሳማምዕ፡ ንሕዝቢ መሔለዊ፡ ብሰላም መንበሪ ዓቢ ረዲኤት ዘለዎ ነገር ማለት እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣድግና ተገልባ ብዘበናዊ ኣብ ጽሑፍ ንኽሰፍር ሓደ ዓመትን፡ ሽዱሽተ ወርሕን ወሰደ። ኣብ “ምዔም ምሓዝ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተኣወጀ።
“ለባም ተወከስ፡ ባላን ተሞርከስ” ከም ዝባሃል፡ ኣብ ደብተር ሕጊ ስርዓት ዓደቦ፡ ኣብ መቕድም ዝሰፈረ ንመልከት!
“ህዝቢ ኤርትራ ካብ መርየቱ በቑሉ ናብ መርየቱ ዝዓልብ ንባህልንታቱ ዘንጸባርቕን፡ ንኣግባብ መነባብራኡ ዝሰርዕን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓድጊን ስነ መስርዕን ኮይኑ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝተቐርጸ ሕግን ስርዓትን ናይ መረት ዓደቦ ኣለዎ። እዚ ሕጊዚ ካብ 1480 ዓም ኣትሒዙ ኣብ ስነ ጽሑፍ ሰፊሩ ንሕዝብና ኣብ ደረጃ ስልጡን ህዝቢ ዓለም ኣድይቡ ሚዛን ናይ ታሪኻዊ ምዕባለን ቀይዲ ናይ ህዝቢዊ ትካላትን ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ኣገልግለቱ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ከበርክት ይርኤ።
ሕጊ እንዳባ ሽሕኳ ኣገልግሎቱ ካብ ብዙሕ ዘበናት እናተዋራረሰ እንተመጸ ባዕዳውያን ገዛእቲን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን በብ ኢብሪ እናተላዕሉ ጸቕጥን በብዓይነቱ ዕንቅፋትን ፈጢሮም ስለ ዘቛናጽብዎ፡ ከምቲ ግቡእ ክምዕብል ኣይከኣለን። ሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንሕጊ እንዳባ ብምስትንዓቕ “ካብ ባህላዊ ትሕዝቶን ተራ ስርዓት ናይ ባህርያዊ ምንቅስቓስን ሓሊፉ ካልእ ክብሪ ክህልዎ ኣይክእልን” እናበሉ ስል ዝጓዕጸጽዎን፡ ተሓቲሙ ንዝወጸ ፡ብዙሕ ብራናታት፡ ድጓታትን፡ መጸሓፍትን ኣራርዮም ስለ ዘሕረርዎን፡ ንሕጊ እንዳባ ከነስተማቕሮን ብቐዳማይ ደረጃ፡ ሰሪዕና ክንኩስኩሶን ዕድል ኣይረኸብናን። ባዕዳውያን ጸላእቲ ዝፈጠርዎ ጉድኣት ግን በዚ ኣየብቕዔን። እቲ ዝገደደ” ሕግን ስርዓትን ናይ መርየት ዓደቦ ኣድሓርሓርን ንረብሓ መሳፍንቲ ዝቖመን እዩ” እናበሉ ናይ ስነ ኣእምሮ ደገልን፡ ናይ ስነ መንነት ፍርሕን ራዕድን ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ሃገራውያን ስል ዘሰረጹ፡ ኣብ ክንዲ ብሕጊ እንዳባ ምኹራዕን ምሕባንን፡ ንዑኡ እናቆናጸቡን እና ኣነኣኣሱን መተካእታኡ ካልእ ምስ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየሳኒ ናይ ወጻእተኛታት ሕጊ ወይ ክለሰሓሳብ ክስዕቡ ይረኣዩ። እዚ ድማ ኣዕናዊ ምንቅልዋጥ እዩ”።
ዝብል ተመዝጊቡ ንረክብ። ንኣዳለውቲ ደበተር ሕጊ ምስጋና ይብጻሓዮም።
ኣብ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ፡
“ንኹሉ ሕግታት ዓለም ዘጽንዕ መሰረት ድማ ሃይማኖትን ስራሕ ምፍታውን፡ ንንጉስ ምክባርን እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣብ ዝሕገገሉ ግዜ ብእየጋንታ ዝተወልዱ፡ ዓበይትን፡ ለባማትን፡ ተመሪጾም ኣብ ማይ ጊፍ ዝተባህለ ቦታ (ወረዳ ተኸላ) ምስ ቃንዳ መለኸቶም ተኣኪቦም ሰሙን ክልተ ቅነ፡ ንቑጽ እንገራ እናተመገቡ፡ ማይ ሩባ እና ሰተዩ፡ ኣብ ጽላል ሞሞና ኮይኖም እግዚኣብሄር ግለጸልና ኢሎም ሓገግዎ” ይብለና።
ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣብ ጉባኤ ምስ ተኣከቡ፡ “ብቃንዳ መለኸት በርበረ ዝመስል ዘንጊ ሒዞም እናዞሩ፡ ስምዑ ዓደቦና እዚ ሓጊግና፡ እዚን ደንጊግና ኣሎና፡ ኣብ ልብኹም የሕድሮ እናበሉ ብምሳር ዝተጸርበ መልሓሶም ገይሮም የስምዑን የውርሱን ነበሩ፡ ህዝቢ ብወገኑ ይስመርዎ እናበሉ ብደስታ ተቐቢሎም ይሰናበቱ” ነበሩ።
“ንጉስ ኣብ ሰቐላኦም፡ ኣቦታትና ኣብ መሞናኦም ዝሓገጉልና፡ ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ ኢሎም ይምጉቱ ነበሩ”።
ንዳሕረዎት ትውልዲ ምሕጽንታን ወይ ለበዋን!! ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
“እግዚኣብሄር ሕግና ክሕተም ካብ ፈቐደልና፡ ብድሕረና ዝውለዱ ደቅና ክቕጽልዎ ምሉእ ተስፋ ኣለና። ካብ ሓድሽ ሕጊ ክትፈጥር ነቲ ዝነበረ እናጸረብካ ከተስልጥ ይቐልል። ቅድም ኦሪት ነበረ፡ ወንጌል ምስ መጸ ፍጹም ብርሃን ኮነ።ደቅና ሕግና ኣጽኒዕም ከሔድስዎን ከጽርዩዎን ኩልና ንምርቖም። ይብሉና።
እሞ! ንሕና ደቖም ተኸቲልናዮምዶ? ዝብል ሕቶ የቕርብ።
ሕጊ ናይ ሎጎ ጭዋ፡ ኣብ ማይላሓም ሓገግዎ። ኣቦታትና ክልተ ደብተር ሕጊ ገደፉልና። ወድሰብ ተወሳላትን፡ ተታላልን፡ ምናልባሽ፡ ብጉቦ እንተ ተወሳለት፡ ሓንቲ ደብተር ሓላዊት ትኸውን። ዓደቦ ዝመረጾም፡ እሙናት ዝኾኑ ደብተር ዓቀብቲ ብባይቶ ይምረጹ፡ ደብተር ድማ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞረ ይቕመጥ ነበረ።
ሕጊ ዓደቦ ሓደ ካብ ሓደ እንተዘይበሊጹ፡ ማዕረ መሰላት ዜጋን መሰል ዘራእትን፡ መሰል እንስሳታት ብጠቕላላ ዝሕሉ ሕጊ እዩ ነይሩ። መሰል እምነት ብፍቃድነት ዜጋ እዩ ዝውሰን።ዜጋ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖት ናይ ምእማን መሰል ነበሮ።
ስትራተጂ ዓዲ!!!!
ስትራተጂ ዓዲ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ክንምልስ ኣድላዪ ኮይኑ ንረኽቦ። ነዚ ክንምልሽ! ዓዲ ኸ! እንታይ ማለት እዩ?
እምብኣር፡ ዓዲ እንታይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና! ንዓዲ መን ፈጠሮ ወይስ መን ወለዶ? ጥሻ ወይ መርየት ዘለዎም እኩባት ስድራ ቤታት እዮም ዓዲ ዘቑሙ። ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ድማ፡ ሕጂስ ዓዲ ኣኺልና ኢናሞ! ዓዲ ዘድሊ ኣኸለ መሰለ’ን ኣለና ኢሎም ዓዲ እገል ኢና፡ ኢሎም ይስየሙ። ዓዲ እገለ፡ ዝመርሖም ጭቃ፡ ዘካይድዎም ዓበይቲ ዓዲ፡ ሽማግለ ኣመሓደርቲ፡ሽማግለ ገላፎ መርየት፡ ዓቛሮ መርየት፡ ዝእከብሉ ባይቶ፡ ዝጽልዩሉ ቤት ጾሎት፡ ቤት ጸሎት ዘማሓድሩ፡ ሰብ ምስ ወፈረ ዓዲ ዝሕሉ በብታራ ኳደረ ይገብሩ ነበሩ።
ደቂ ዓዲ ኣግባብን ወግዕን ቀዳሞት ኩሉ ዘማልእ እዩ። ኣብ ግዜ ሓጎሶም ኮነ፡ ኣብ ግዜ ሓዘኖም፡ ኣብ እዋን ሽግርን ኮነ ኣብ እዋን ራህዋ፡ ኣብ ግዜ ዓመጽ ኮነ ኣብ ግዜ ወራር ጸላኢ ኣብ ዘጓንፎም፡ ደወል ይድወል እሞ! ዓዲ ይእከብ፡ ከም ህጽጹነቱ፡ በቲ ዘቖሙዎ ምስጢራዊ ምልክታት፡ ተጸዋዊዕም ኣብ ባይቶ ይመኻኸሩ ነበረ።
ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም መን መጺኡ! መንከ ተረፈ! መትረፊኡኸ! እንታይ መትረፊኡ የረጋግጹ። መትረፊኡ ምስተፈልጠ ኣብ ጉዳዮም ጉዳይ ይኣትዉ። መኤከቢኦም ኣብ ባይቶ ኣዳቒቖም ይዘራረቡ፡ ይካትዑ፡ ይሰሓሓቡ፡ ኣብ መጨረሻ ግና፡ ንዘምጽኦም ጉዳይ መፍትሒ ወሲኖም ብሓባር ይሰናበቱ። ጸላኢ መጺኡ! እንተ ኾይኑ ንኩናት ይኸቱ። ኩሉ ነገር ዓዲ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይፍጸም። ደቂ ዓዲ ሓጎሶምን፡ መከራኦምን፡ ብሓደ ምዃኑ ኣሚኖም ቃል ዓዲ፡ ሕጊ ዓዲ ምዃኑ፡ ኩሉተሰማሚዑ ይነብር። ወዲ ዓዲ ዜጋ እዩ። ዜግነት ኣብ ዓዲ ይበቁል። ዓድታት ተኪበን፡ ወረዳ ይኾና።ወረዳታት ተኣኪበን ኣውራጃ ይኾና። ኣውራጃታት ተደማሚረን ድማ ሃገር የቑማ። ወዲ ሃገር ወይስ ወዲ ዓዲ ትርጉሙ ኩሉ ሓደ እዩ።
ካብዚ ተበጊስና ኢና፡ ስትራተጂ ዓዲ እንብል ዘለና። መንነትና ፈሊጥና፡ ክንምህርን፡ ክንቃለስን፡ ዝወሰና። መሰረት ዘይብሉ ፈራሲን፡ ተሰባሪን ስለ ዝኾነ፡ መንነትናን፡ ታሪኽናን፡ ባህልናን እንተድኣ ፈሊጥና ተኣማሚናን፡ ተፋቒርናን ንክንሰርሕ የኽእለና። መሰረት ዘለዎ ቤት ድልዱል እዩ። ዓንዲ ዘለዎ ቤት ኣይፈርስ እዩ። ቀዳሞት ወለዲ ከመይ ገይሮም ሽግራቶም ይፈትሑ ከም ዝነበሩን፡ ይነባበሩን ከምዝነበሩን፡ የፍልጥናሞ፡ ብትዕግስትን፡ ብትብዓትን ንክንምጉት፡ የብቅዓና።
ነዚ ገጢሙና ዘለሎ፡ ሃገራዊ ጸነተ! ከምዘይናትካ ጉዳይ ኣማዕዲኻ ዝርኤ ኣይኮነን። ኣምዕድዩ ንዝርኢ ዜጋ፡ ናይ ጥዕናዶ! ይኸውን? ኢልካ ዘሕትት እዩ። ሓደ ሓደ ምስላታት ቀዳሞት እስከ ንመልከት!
ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ፡
ንርስቲ ይዋጋኣላ፡ ኣንስቲ፡
ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት፡
ትርጉም ናይ እዚ ምስላታት እንተ! ተረዲእና፡ ሽግር ሃገርና ኣማዕዲኻ ዝርኣዮ እዋን ስለ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ስትራተጂ ዓዲ ሽግር ሃገርና ንኽንፈትሕ ምስ ኩሎም ዜጋታትና፡ ሓቢርና ንኽንሰርሕ ቕሩባት ምዃና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንህዝብና ከነፍልጥ ንፈቱ።
ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ፡ መሰረታዊ ዘተን ምትእኽኻብን፡ ጀሚሩ ኣሎሞ! ኣብ ዝላዓለ ደርጃ ንኽበጽሕ፡ ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ ዘይሕለል ጻዕሪ ንኽገብር ንኹሎም ዜጋታትና ጻዋዒትና ነቕርብ።
ስትራተጂ ዓዲ፡ ሽግር ሃገርና፡ መፍትሒኡ፡ ኣብ ስድራ ቤት ኤርትራ፡ ኢሉ ይኣምን።ጉዳይ ሃገሩ ዓው ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ንብል። ፍቓድ ካብ ማንም ክሓትት የብሉን። ብካልእ ሰብ ክፈትሓሉ ድማ ኣይጸበ። ዝርርብ ኣብ ስድራ ቤት እዩ ክጅመር ዘለዎ። ዝከባበር ስድራ ቤት ዝከባበሩ መሓዙትን መማኽርትን ኣለዉዎም። “መንም ምዃንካ ክፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ከም ዝባሃል፡ ኣደታትን ወዘራዝርን ንስድራ ቤተን፡ ድግድጊት ተዓጢቐን ክሙግታን፡ ክምክታን ምስ ዝጅምራ፡ ዓወት ህዝቢ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይውዳእ። ካብ ዓዲ ቀጺሉ፡ ናብ እንዳታትን፡ ናብ ወረዳታትን፡ ናብ ኣውራጃታትን፡ ይበጽሕሞ! መእስሪኡን መዛዘሚኡን ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይፍጸም።
ናይ ዉልቅና ጉዳይ ጸገምና ክንፈትሕ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለኹ ኢልና ንነብስና ቅድም ምስ እንውከስ እዩ መፍቲ ጸገም ዝኸውን መንገዲ ዝርከብ። “ወለድና ፍልስፍና ኣይተማህሮም፡ እንተኾነ ፍላስፋትት እዮም ነይሮም” ነፍሰሄር ካርዲናል ጳውሎስ ጽድዋ ከም ዝበልዎ፡ “ሳእንኻ ማዕረ እግግርኻ” ከም ዝብሉ ወለድና ኣብ እንፈልጦን፡ ብእንኽእሎን ሓቢርና ምስ እንሰርሕ ጸገም ምሓጸረ ንብል። ኣነ መን እየ? ኣበይ ኩነታትከ! ኣለኹ? ናበይ ገጸከ! ጉዕዞይ? ኢልና ምስ እንሓትት ንሰውነትና ነጻ ነውጽእ።
“ስጋ በሊዕካን ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካን ፈጽሚ” ይብሉ ቀዳሞት እሞ! ስትራተጂ ዓዲ ምስ ኩሉ ዜጋ፡ ሲቪካዊ ማሕበርን፡ ዉድባትን፡
ናይ ምስራሕ ዕቕሚ ከምዘለዎ ደጋጊሙ የረጋግጽ።
“ሰብ ኣብ ዓዱ!፡ እኽልከ! ኣብ ዓውዱ!” ኢሎም ወልደና! ኣብ ዓዲ መርየት ኣሎ፡ባይቶ ኣሎ፡ ዜግነት ኣብ ዓዲ ይዋሃብ፡ ወዲ ዓዲ ማለት ዜጋ ማለት እዩ። መሰረት ዓዲ ስለዝኾነ ብዓዲ ንጀምር። ኣብ ስደን ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ዘዘለዎ፡ ዝነብረሉ ዓዱ ስለ ዝኾነ፡ ፍቕሩን ሕውነቱን ከደልድልን፡ ምቅርራቡ ከደልድን፡ “ንኽትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ” ከም ዝባሃለ፡ ኣብ ከባቢኡን፡ ዙርያኡን፡ ዝርከቡ ዜጋታቱ ለሊጡ ምእንቲ መንነቱን፡ ህዝቡን፡ ክብሩን ዝርርብ ጀሚሩ መፍትሒ ሽግር ህዝቡ ከምዝረክብ ጥርጥር የብልናን።
ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ንኹሉም ስዋኣትና!!!
ነዚ ዕዉት ንክኸውን ዘቕረቡን ዝደኸሙን
ምሁራት ኤርትራውያን ደጊምና ነመስግን።
ስትራተጂ ዓዲ!!!
24 ጥቅምቲ 2014
ቭየና፡ ቭርጂንያ
ሰምየን ኣመሪካ
linda November 2, 2014
We need to wake up and do some thing about our country.
And for Those who support esyas why don’t go back and live in ertrea.
Lets stop been ignorant learn from other countries.
ogbai November 3, 2014
ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ከምዝባሃል፡ እቲ ንብዙሕ ዓመታት እትደኽመሉ ጉዕዞ ጉያ ሰውራና፡ \ገድልና\ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ 1991 ዓመተምህረት ድሕሪ ብዓወት ምዝዛሙ፡ ነቲ ሕጂ ዘዝረበሉ ዘሎ ክሳድ ዓዲ ወይ እስትራተጂ ጎስይዎ ዕሽሽ ኢልዎ ከም ዝሓለፈ ኩሉ ሰብ ክፈልጥ ይግባእ። ኣብ ክንዲ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ሕጊ እንዳብ ካብ ዓዲ ዝጅምር ተወኪስካ ተመርኩስካን ነቲ ምሕደራ ካልኣይ ጉዕዞ ምጅማር፡ ምስ ናይ ርሑቕ ማዕዶ ሃገራት ተስሚዑ ዘይፈልጥ፡ ናይ ምዕራብዶ ናይ ምብራቕ ስነ ሓሳብ ክንክተል ኢና ብምባል። ነዚ ኣቦታትና ዘወረሱና፡ ዘማሓየሽ ኣማሓይሽካ ምጅማር ተረጊጹ ስለዝተሓልፈ፡፡ እነሆ ሃገርና ኣይ ክብዚ ኣይ ካብቲ እስትራተጂ \ክሳድ\ እልቦ ኮይና ክውንነት ሲኢና ኣብ ሃዋህው ተንጥልጢላ ትርከብ። ብዓዲ ምዘራብ ወረ ከም ገበን ጌሮም ዝርእዩዎ ነቲ ዋላ ገለ ኣፍልጦን ሌላን ዘይጸንሖ ናይ ምዕራብዶ ናይ ምብራቕ ባህልታት ከተኣታትዉ ህርዲግ ዘብሉውይ ኣይተስእኑን። ቆርበት መዓስ ተባላሽዩ ኣብ ምንፍሑ፡ ኣብ ምንፍሑ ኣይኮነን ኣብ ምጥብሑ ክም ዘባሃል፡ እንቲ ብጉርሒ እንተ ብሽርሒ፡ ነቲ ቅኑዕ ክሳዳዊ መበገሲ ናይ ካልኣይ ምዕራፍ መሰረታዊ ውከሳ፡ ሃገራዊ ልዘብ፡ ባይቶ ዘሊሉ ዝሃለለ ናይ ሸፋቱ ስርዓት በቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ሰኺሩ ሸንኮለል ክብል መስመሩ ስሕቱ ብዘይ ቦስላ \ኮምፓስ\ ንሃገረ ኤርትራ ረሚሱ ኣብ ኮንቱ ፍከራን ክቱር ትምክሕትን ኣብ ጋይላን ዕብዳንን ሸሚምዋ ይርከብ ኣሎ። ሕጂውን ሰማዒ እዝኒ እንተተረኺቡስ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ፡ ዓወት ንተብግሶኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና ንክሳዳዊ ዓወትና ድሕር ኣይንብልን ኢና። የቕንየልይ!
efrem November 3, 2014
Who wrote this article? Transparency- name of author and or organization at the beginning of the document.
Haile G. Tensae November 3, 2014
Eritrean Congress Party or Strtegy Adi
Saba November 3, 2014
ኣብዚ ኣለኻ ዘረባ! የቐንየልና። ከምቲ ባህልና ካብ ህዝቢ ዝወረስኩሞ፡ ብዘይ ንናይ ውልቂ ጥቕሚ ከይሓሰብኩም ንህዝቢ ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ ምልጋስኩም። ኣገናዕ። ደጋጊመ ምስ ኣንበብኩዋ ከምዝግባእ ክጽሕፈልኩም እየ።
Saba November 3, 2014
እዛ ናይ ዶክተር ርእሶም ማሰ ጌረ ከመስግነኩም ፍቐዱለይ።
ኣለዉና፡ ኣለዋና
ንሃገሮም ፡ ንሃገረን ህይወቶም፡ ህይወተን
ዝሕለፉ ዝሕለፋ
ንሃገሮም፡ ንሃገረን ናጽነት ዘትረፉ፡ ዘትረፋ
ንህዝቦም፡ ንህዝበን ዝመርሑ፡ ዝመርሓ
ዝጥርንፉ፡ ዝጥርንፋ
ኣለውና፡ ኣለውና
ንፍትሕን ንፍርድን ዝወናጨፉ፡ ዝወናጨፋ
ሌለላን ጒሌላን ዝጽይፉ፡ ዝጽይፋ
[…]
ዝምህሩ፡ዝምህራ ዝመሃሩ፡ዝመሃራ
ዘንብቡ፡ዘንብባ ዝጽሕፉ፡ዝጽሕፋ
ኣለውና፡ ኣለውና
[…]
Saba November 3, 2014
እዛ ናይ ዶክተር ርእሶም ማሰ ጌረ ከመስግነኩም ፍቐዱለይ።
ኣለዉና፡ ኣለዋና
ንሃገሮም ፡ ንሃገረን ህይወቶም፡ ህይወተን
ዝሕለፉ ዝሕለፋ
ንሃገሮም፡ ንሃገረን ናጽነት ዘትረፉ፡ ዘትረፋ
ንህዝቦም፡ ንህዝበን ዝመርሑ፡ ዝመርሓ
ዝጥርንፉ፡ ዝጥርንፋ
ኣለውና፡ ኣለውና
ንፍትሕን ንፍርድን ዝወናጨፉ፡ ዝወናጨፋ
ሌለላን ጒሌላን ዝጽይፉ፡ ዝጽይፋ
[…]
ዝምህሩ፡ዝምህራ ዝመሃሩ፡ዝመሃራ
ዘንብቡ፡ዘንብባ ዝጽሕፉ፡ዝጽሕፋ
ኣለውና፡ ኣለውና
[…]
Tesfie November 4, 2014
What makes me disappointed is that people who were supposed to have universal attitude are found with very narrow mindset. Can’t we develop a strategy that is equal to all human being. Let’s build universal law. The old law was good at that time only and it served well. but now to create justice equity should be our motto.
Saba November 11, 2014
Micro and macros are interdependent as the regional values and the international one.
mahta November 4, 2014
Asteweel hzbi eritra nklu bflay dma nety kfue hiwet thalfo zeleka gday zkonkan ktkewn wn mkuanka stbah zzengaekan . Isseyasn gujluen kemty ab 1994-1997 hzbi eritra deninu leytn mealtn kuwam kmeyayet hik kbl kolo isseyasn etom bdem ztelkeu gohalalun 3 amet zwessed tujue kfae kemey gerkatsfrso eyom zsterun neyrom hji wn asteweel kufue seb kufue nmmhaz dhr aybln eu eta ftah ab melae hzbi eritra eu zelo . Mechem eten wesenasn kulen aditat eritra kab ras kesar ksab ras dumera entrfo deki 70/80 amet kulu kem ztesedede flut eu hji gn kay tezanekum etom nezi sthuf etembu hagerawyan eritrawyan kemty bkelazin kof srhat rusian kalot geru bhbue secter cheweyty bmftar nlieli 1/2 mengsty ahemilu zeaseromn ab kemzi knbesth jgededo hzbna hji wn kalie wdit key fehase beaka mnkah yedli. Eziom kedem hlnom shetomo eyom kabom gele keytstbeu hadera.
Saba November 4, 2014
ተጠንቀቑስ ዝብሉ ሰባት ከም ማሕታ – ሽሙ ክኸውን ተስፋ ንገብር – ዝቐረብኩሞ ኣማራጺኸ ኣለዎም ዲዮም? እዞም ሰባት ሃገር ጠፊኣ ኢሎም ዝተላዕሉ ብስርሖም ይነቐፉ ይመስገኑ: ብድብድቡ ወቐሳ ዋጋ የብሉን።
ኣርዓዶም November 4, 2014
እዚ ኣጽሓሕፋኹም ጽቡቕ ኣይኮነንን። ብዙሕ ክእረም ዘለዎ ቓላት ኣሎ፡ ካልእይ ድማ እቲ ጽሓፊ ቡዙሕ ናይ ፊደላት ጌጋታት የዘውትር ኣሎ። ን ኣብነት
ሕጊ ኣድግና ዘይኮነስ ሕገ እድግና ኮይኑ እንተዝእረም ጽቡቕ ይመስል። ኣድግና! ኢልካ ክትጽሕፍ ጽቡቕ ኣይኮነን። እድግና በሎ፣ ካልእ ተወሳኺታት ብዙሕ ጌግጋታት ኣለው፡ግን ባዕሉ ጽሓፊ ይርኣዮ ግዜ ስለዝሓጸረኒ።