Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ብመርበብ ደቂኣነስትዮ ኤርትራውያን ዝውጸ መግለጺ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/03/NEW_March_82015.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Zufana A. March 8, 2015

    Have women’s burden lightened since world leaders pledged to address gender inequality? The answer is big NO. We should redouble our efforts because this centuries global challenges – poverty, conflicts, and climate change – can not be tackled and overcome without women’e full and equal participation.

    Mothers, sisters and wives
    blessed with the purest of souls

    raising hope to the hopeless
    lending voice to the voiceless
    source of courage to the victims
    refuse to rest till that the comes

    driven by compassion and wise decision
    simply focused on their mission
    determined to find a solution
    our heroes don’t duel on division.

    Go on my beautiful sisters and mothers, let’s celebrate it in moderate way that is in half black dress and half white dress. The black dress to show that we are still in sad mourning to what has fallen on our kind and hard working poor Eritrean people.

  • ተወልደመድኅን March 8, 2015

    ክቡራት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ።
    ንሃንቲ ጓለ’ነስተይቲ ምምሃርን ምዕብልቲ ክትከውን ምጽዓር ዳርጋ ንኅብረተሰብ ከምዝሰራሕካ’ዩ።ብህጽር ዝበለ ምዕብልቲ ኣደ ዘላቶ ስድራቤት ጽፉፍን ጽኑኦን’ዩ።በዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዝተሃንጸ ስድራቤት ዘለዎ ኅብረተሰብ ከኣ ጽኑዕ፡ጽፉፍ፡ምዕቡል ይኸውን።
    ደቀ’ንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ እጃመን ኣበርኪተን’የን።ኣዚ ኣበርክቶ’ዚ ግን መሰልን ክብርን ዘይብሉ፡ካብቲ ካብ ኅብረተሰበ ዘጋጠመን ክብድ ዝበለን መፍትሕ ኣለዎ ዘይብላሉ ጸገም ኣጋጢሙወን’ዩ ኣብ ቃልሲ።እቲ ቃልሲ ብዙህ ጉድለትን ጸገምን ስለዝነበሮ።ስለዚ ኣብቲ ጸገም’ቲ ተጻዊረን ይኩን ዘይምፍላጥ ሃደ ሃጓፍ ዓጽየን’የን።ኣዚ ተካፋልነት’ዚ፡ኣዚ ኣበርክቶ’ዚ ከኣ ማዕርነትን ሃደን ከይበልና ግዜ ዝጠልቦ ሕቶ ብግቡእ መለሽን ኢየን።ኣዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ፍሉይ ምዕራፍ’ዩ።
    እቲ ብስሚዒትን ግዜ ዝሃቶ ሕቶ መልሽን ዘምጸአኦ ናጽነት ግን ተመሊሱ ንደቂ ኣንስትዮ’ዩ ወጺዑ።ምኽንያቱ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ተጠርኒፍና ኢለን ይስረሃ፡ባጀት ይመደበለን ዓመት ዓመት 8 መጋቢት ብኽብሪ የብዕላ’ምበር፡ናይቲ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣጸቢቀን ኣፍልጦ ስለዘይብለን ማሕበረን ኣኬባኣን ንኅብረተሰበን ንርእሰን ካብ ምውጻዕ ሃሊፈን ተቃውሞ ከስምዓ ኣይከኣላን።
    ኣብ ግዜ ቃልሲ ይኩን ኣብዚ ዒይስራ ኦኣመት ዘመን ናጽነት ንብለሉ ዘሎና ኣዋን ዚያዳ ኩሉ ኣደን ጓለ’ንስተይትን’ያ ውጽዕቲ።ካብቲ ዳህሮት ክጥዕሞም ኢላ ተጻዊራ ዝወጻቶ ኩነታት ዝከፍእ፡ወዳ ኣብ ኩናት፡ድሕሪ ኩናት ከኣ ከም ኣቕሃ ክሽየጥ፡ኣብ ከተማታት ኤውሮፓ ኮለልን ግደ ዝተፈላለዩ ግፍዕታትን ጸገምን ክከውን ብዓይና ሪኢያቶ።እቲ ሃድጊ ስውእ ዝኾነ ውላዳ ፈርዩን ወሊዱን ዘይኮነ ካብ ቅድሚ ዓይና ሪሒቑ ገደ ናፍቖት ኮይና ኣንከላ ብሞት ይፈላለዩ።ገሊአን ከኣ ንሕማቕ ህይወት ተጋሊጸን፡ብሰንኪ ኣረኣኣያአን ከኣ ገለ ኣብ ማእሰርትን ስደትን ይበልያ ኣለዋ።
    ብሓጺሩ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዕንጸይቲ ኣብ ሃዊ እንተዳጎንካዮ ይነድድ፡ይስሕቕ ዝተባህሎ’ዩ ኩነታተን።ነቲ ከቢድ ሃላፍነት ዝሃትት ጉዳይ ፖለቲካ ከም ዋዛ ሒዘነኦ፡እናሰሓቓ ርእሰንን ንኅብረተሰበን ኣብ ውርደት ኣእትየን።
    ሎሚ’ውን ስርዓት ህግደፍ ዝቃወሞ ብርቱዕ ፖለቲካዊ ሓይሊ ረኺቡ ዘይኮነ ባዕሉ ብገዛ ርእሱ ዝፈጸሞ ሕልኽላካት ተኣሲሩ ሰንከልከል ኣብዝብለሉ ግዜ፡ነቲ ፍርቂ ኣካልን ስድራቤትን ኅብረተሰብን ክትጥርፍ ትኽእል ጓለ’ንስተይቲ ንምኽሳብ ብሓዲሽ ውዳበ፡ብሃደስቲ ሰባት ገይሩ ኣብ ከተማታት ኤውሮፓ ስርርዓቱ ንምምሕያሽ፡ሎሚ ኣኬባ ኣብቲ፡ጽባሕ ኣብቲ ሃደ ከተማ ይከናወን ከምዘሎ ንሰምዖን ንርእዮን ኣሎና።
    ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ሎሚ እቲ ዘሎክን ክእለትን ዓቕምን ዕንጸይቲ ኮንክን ኣብ ሃዊ ዳጉና ትስሕቃሉን ትሃራሉን ኩነታት ኣይኮነን።ምሉእ ሕይወትክን ብሓዊ ዝተፈተንክን ስለዝኾንክን ሎሚ፡ከይትደናገርክን ካብቲ ሃውክን ዝኮነ ወዲ ተባዕይታይ ከይተፈለኽን ብምርድዳእ፡ነቲ ኤርትራዊ’የ ዝብል ምስልን ኅብረተሰብን ዘዕኑ ዘሎ ኣካል ንምውዳቕ ትሕተታሉ እዋን’ዩ።ፍቕሪ ዶብን ፍልስፍናን ዘይብሉ እንተኾነ፡ምእንቲ ካብ ጸገማት ንምንጋፍ ዘይቅዱስ መውስቦን ካልእን ዘጋጥመን ዘሎ ውላድክን፡ነቶም ኣብ ስደት ተወሊዶም መንነት ዘይብሎም ኮይኑ ተሰሚዑዎም ምስቲ ቀዳማይ ዝረኸቡዎ ዝከዱ ዘለው ኣጎስማኽን፡ወዲ ሓውክን፡ቤተሰብክን ውላድ ፈታውኽንን ፈላጥኽንን ብሃፈሻ ኤርትራዊ ወለዶ ሪኢኽን ቃልስኽን ምዕርጉን ዝተወሃሃደን ክከውን ትሕተታሉ ግዜ’ዩ።ሎሚ ሃገርን ኅብረተሰብን ኣብ ጫፍ ጥፍ ኣት ዘለወሉ ግዜ ንከብድኻ ክጥዕመካ ወይ ኣንጻር ገለ ኢልካ ትእከበሉን ትምድረሉ ግዜ ስለዘይኮነ ግብሪ ዝተሃወሶ ብርቱዕ ሃላፍነት ይጽበየክን ኣሎ።ነዚ ሃላፍነት’ዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኅብረተሰብካ ኮንካ ዝፍጸም’ምበር ካብ ኅብረተሰብካ ተፈሊኻ ዝግበር ስለዘይኮነ፡ቃልስኽን ምስ ውጹዕ ሃፋሽን ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኣካል ክተስምረኦ እንተኺኢልክን ጥራይ’ዩ ኣብ ኦኣወት ትበጽሓ።እንተ’ዚ ተፈሊካ ዝግበር ምውዳብን ምእካብን ግን ካብቲ ገና ዘይፈለጥክነኦ ፖለቲካ ህግደፍ መስራሒ ካብ ምኳን ሃሊፉ ካልእ ለውጢ ክተምጸኣ ምጽባይ፡ካብ ብዕራይ ጸባ ሃሊብካ ልኻይ ምጽባይ ማለት’ዩ።

  • ghenet March 8, 2015

    NEW,
    well said. I am proud of you. You are indeed inspiration to all Eritrean women and many others. I hope you flourish and be the umbrella many of us need now and post DIA!!!!

    all the best wishes to you.

  • Mesinas March 9, 2015

    ሸሞንተ መጋቢት!

    ናይ መን ኢኺ እስከ ግለጽልና?
    ናይተን ውጹዓትዶ ሰላም ዝሰኣና?
    ወይ ናይተን ሰብ ግዜ፡ ዓለልቲ ኣብ ጥፍኣትና?
    ናይተን ሕዙናትዶ *ከሊ ዝተኸድና? *ጸሊም ክዳን ሓዘን
    ወይ ናይተን ሳዕሳዕቲ ግልብጭ ዝተቖና?
    ናይ መን ከም ዝኾንኪ እስከ ንገርና!

    እወ ተዛረቢ ሸሞንተ መጋቢት
    ፍለይየን ንጭርናዕ ካብ ረጋቢት
    ኣብ ስቓይ እንከላ ኤርትራዊት
    ናብ ጓይላ ዝጎያ ናብ ሳዕስዒት
    ይኣክል በልየን ናይ ጥፍኣት ጣቒዒት!

    ውሑዳት ኣብ ስደት ውላደን ሓቚፈን
    ሕሰምን መከራን ፍጹም ዘይተንከፈን
    ምስ’ዚ ኣጽናቲ ስርዓት ሎሚ ተሰሊፈን
    ህዝቢ ብመላኺ ብራዕዲ ክዕፈን
    ገንዘብ ተተኾባ ካብቲ ዝተረፈን
    ሃገራውያን ዝመስለን ሓለፋ ኣሕዋተን
    ዓገብ’ዩ በልየን ጽዩፍ ተግባራተን!

    ወረ ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት?
    ናይተን ተሰዲደን ብምቾት ዝነብራ
    ውሉደን ሓቊፈን ቀሲነን ዘምህራ
    ኣብ ሬሳ ዕሸላት ጓይላ እናዓንደራ
    ኣብ ውሑስ ሰፊረን ሃገር ዝዝምራ
    ንመክት ዝብላና ፍጹም ከይሓፈራ
    ዝተዃዕተ ዒላ ወትሩ እናቘጸራ
    ‘ማዕቢላ!’ ዝብላና ናይ ህግደፍ ኤርትራ!

    ወይስ ናይተን ብመላኺ ደቀን እንተመንዝዓ
    ክንዲ ዘምስልኦም ብሕጸ ብመርዓ
    ‘ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ሞይቶም’ ዝሰምዓ
    ሓዘነን ዘይዓጸዋ ብተስካር ኣርብዓ
    ብናፍቖት ደቀን ቀጻሊ ዝነብዓ
    ኣብ ጸላም ዝነብራ ብጨለምታ ሽምዓ!

    ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት? እስከ ንገርና!
    ናይተን ሕድሪ ስውእ ዝጠለማ
    ኣእዳው ናይ መላኺ እናሰዓማ
    ወርቅን ጨርቅን ኮይነን እተሰለማ
    ወይስ ናይተን ጸጒሪ ርእሰን ዝደርመማ
    ለይትን ቀትርን ወትሩ እናቘዘማ
    ብጓህን ሓዘንን ልበን ዝሓመማ
    ራህዋ ዝጽበያ መቐረት ናይ *ጣዝማ! *መዓር ጽገናይ

    ሸሞንተ መጋቢት፥

    ብስም ሃማደኤ ኣምሰልቲ ኣጣይሱ
    ምልኪ ንስልጣኑ ብስምኪ ኪሕሱ
    ሸሞንተ መጋቢት ትርጉምኪ ሃሲሱ
    ኤርትራዊት ኣደ ገጻ ተደምሲሱ
    ኣዒንታ ብሓዘን ንብዓት ደም ኣፍሲሱ!

    ኣትን ወዓራሩ ኣደታት ኤርትራ
    ክሳዕ መዓስ ኢኽን ኣብ ሓዘን ክትነብራ
    ምጻሩ ስኢንክን ሓሳረ መከራ
    ጅግና ካብ ተሳእኖ ናይ ምልኪ ምሕደራ
    ንስኻትክን’ንዶ ሓዲኡ ግበራ?

    ሓቂ ተዛሪብና ክንገልጽ ድኽመትና
    ተለጒሙ እንከሎ ብረት ኣብ ቅድሜና
    *እልበት ከይንፈትሕ ናብ መላኺ ኣቕኒዕና *ሓሳረ መከራ
    ትብዓት ካብ ተሳእኖ ፈሲሱ ሓሞትና
    ስረና ዓጢቕክን ጀጋኑ ኣደታትና
    ተኣምር ክትሰርሓ ንምሕጸን ኣለና!

    ትብዓትክን’ዩ ኣደታት፡ ዓጋቲ ዘይብሉ
    ጸላእቱ ዘርዓደ ኣብ ኲናት ዓሊሉ
    ለውሃት ናይ ልብኽን *ደማሒ ኣስተውዒሉ *መላኺ
    *ኣብሊስ ከይሽሕጠክን ከም ወትሩ ኣታሊሉ *ሰይጣን
    ነዚ ምስሉይ *ባልዋ ኣይትዳህለላሉ *ኣርሓ መፍለስ
    ካብ ሃገርና ይጥፋእ ሮዖኡ ጠቕሊሉ
    ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ጠንቂ ናይዚ ኹሉ!

    ዓወት ነተን ሓቀኛ ትርጉም ሸሞንተ መጋቢት ኣብ ኤርትራ ንምትግባር፡ ብጽንዓት ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ኤርትራውያን!

    ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/03/2015

  • Genet-orginal March 9, 2015

    Network of Eritrean women
    Well said!
    Eritrean women remained the number one target of the dictatorial system in Eritrea. The recent demolition of numbers of homes is going to affect women and children primerly and greatly. Yet, we have our sisters and mothers still supporting the dictatorial system in Eritrea. As we all know, diaspora Eritrean women are the back bone of the dictator. Even some of them state, they know what is being done in our country is wrong, but they can’t give up going back to Eritrean to visit their families. What do we do with this kind of mindset? For sure, some of the women who are supporters of the dictatorial systme will be affected by the demolition of family homes in Eritrea. Isayas and his goons are begging his supporters to reject him. Are they getting his message? How do we get our sisters and mothers to come to their people’s side?

    Eritrean women are the number one target of dictator Isayas and his goons.
    Eritrean women have no enough food to feed their young.
    Eritrean women have home to shelter their families.
    Eritrean women have no hope for the future.
    Eritrean women are in the worst and none ending grieving process.
    Eritrean women are forced into single mothershood.
    Eritrean women are grieving their youngs of untimely death.
    Eritrean women are forced into the culturally forbidden act of begging on the street of Asmera.
    Eritean young girls are being denied of respect, care,choice, education and protection of their families.

    Eritrean women in diaspora are being mislead into believing that supporting dicator Isayas is supporting their people in Eritrea. Let us start from ourown family to change their mind and see the writhing on the wall. I do believe without our sisters and mothers who are still supporting dictator Isayas, change for the better is not going to be possible. let us get our sister and mother in that colorful circle.
    God bless the Eritrean women everywhere.
    Genet-O

  • Genet-orginal March 9, 2015

    please read Eritrean women have NO home to shelter their families
    Thanks

Post a Reply to ghenet Cancel Reply