Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብተደጋጋሚ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ ዝሰከሐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኣኻኺቡ ጋንታ ከቕውም ይሸባሸብ ኣሎ።

ብጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብተደጋጋሚ ዝተዋረደ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ካብ 27 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ናይ ሰካፋ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ

ብጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብተደጋጋሚ ዝተዋረደ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ካብ 27 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ናይ ሰካፋ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኣኻኺቡ ጋንታ ከቕውም ሃታ ሃታ ይብል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ‘ኳ ተሪፉዎ እንተሎ፣ ገለ ካብቶም ህግደፍ ሓይሩዎም ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጻወቲ ዛጊት ናብ ኤርትራ ኣይኣተዉን ዘለዉ። ብሰንኪ ‘ቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ህድማን ዘስዓበሉ ውርደትን፣ ኣይተሳተፍን ተባሂሉ ተወሳኺ ውርደት ከየጋጥሞ ንሽሙ ነይረ ክብል ከኣ’ዩ ብዘይ ብቑዕ ልምምድ ነታ ጋንታ ኣብ ውድድር ክጸምዳ ዝጓየ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ከምኡ ‘ውን ክለብ ኩዕሶ እግሪ ቀይሕ ባሕሪ ብምልእታ ናብ ተመሳሳሊ ውድድር ድሕሪ ምጋሸን ኣይተመልሳኦን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Semere November 8, 2013

    If any of our national soccer team who asked political asylum plays in the name of Eritrean government, then he is an opportunist. We should monitor carefully and expose them. We shall ask the UN High Commissioner of Refugees to revoke their asylum status.

  • simerrr2012 November 8, 2013

    In other countries you play sport for many reasons…health, money, pride etc.In Eritrea Sport is for Pass Port..the Pass Port bring you so far away from Higdef.

  • abel November 18, 2013

    Abe internet kof ilka qalsi koynu ferahat

Post a Reply to Semere Cancel Reply