Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ

ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ ብምትራፋ ዓቕሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣዝዩ ተዳኺሙ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት፣ ብዘይካ ‘ቶም ብደረጃ ሓላፍነት ተመዲቦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ነበር፣ ሓይልታት ምክልኻል ብመሰረቱ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘቕቢቡ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ፣ ብፊንታ ኢሳይያስ ዝተኣታተወ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ዘቝረጾም መንእሰያት መሳርዖም ጠንጢኖም ብቓፍላያት ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ቀንዲ ጠንቂ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ሰብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

በዚ ናይ ሕጂ ኩነታት፣ እታ ብ 9 (ትሽዓተ) ጋንታት እትቐውም ቦጦሎኒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ጋንታ ‘ኳ ክትመልእ ከምዘይትኽእል ብምምልካት፣ “ክፉእ ኣይምጻእ፣ ሃገር ብሰራዊት ዘይኮነ በባጅጎ እያ ትሕሎ ዘላ” ክብሉ፣ እቲ መዕነዊ ፖሊሲ ኢሳይያስ ንሃገርና ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ኣቃሊዑዋ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እቶም ተራ ኣባላት ይኹኑ ታሕተዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ናብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡትንን የመንን በብዝቐረቦም ናብ ስደት ክብተኑ ከለው፣ ነቶም ዝርካቦም ምኩራት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ስልጣኑ ክመጽኦ ንዝኽእል ሓደጋ ንምውሓድን ንምቍጽጻርን ክብል ኢሳይያስ ካብቲ ኣጸቢቖም ዝመልኩዎ ዓውዲ ውትህድርና ናብ ዘይፈልጡዎ ሲቪላዊ ምሕደራ ብምሽካል፣ ንሓይልታት ምክልኻል ብላዕልን ብታሕትን መመሊሱ የዳኽሞ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • msgna April 7, 2014

    mefthi mmhaz deamber mtsraf nnhadhadka trgum albo eu bial sileman nbaelka eritreawi dika kalie men yfelteka txhf aleka yxhfu alewu

  • Bitew Ahferom April 7, 2014

    ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ወለደይን
    ሓንቲ መብጽዓ ክንኣቱ ይላቦ።እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለና ውሕጅ እውን ዓድና እንተዘእትወና መሊስና ካብ ድፋዕ ከም ንምለስ ንማንም ነዔሽወሉ ብሂል ኣይኮነን።
    ሓንቲ ክንገብራ ዘለና ካብዛ ስዓት እዚኣ ኣሕዋትና እንተዘይኮይኑ ደቂ ሓትነታትናን ሓወቦታትናን…..ኤክሰተራ ንወጻኢ ስፖንሰር ጌርና ከይነምጽእ,ኣብኡ ኮይኖም ምእንቲ ሃገር ይሰውኡ እንተዘይኮነ ካብ ሕጂ ዓባይ ትግራይ ዝብል ፓስፖርት ነውጽእ።ነብስና ኣይነዔሹ።ኢጣልያ ውን ምዕብልቲ ሃገር ስለ ዘይኮነት ኩሎም ኣፍሪቃ ማልታን ኢጣልያን ግሪኽን ሕጂ ዝኣትዉ ክምለሱ ንሕቡራት መንግስታት ክንሓትት ኣለና።
    ኣሰናን ዓዋተን ኣዝማሪኖን ኩለን ወትሃደርን ህዝብን ዘይብልና ከም ንተርፍ ዘለና፣እዚ ኣብ ድፋዕ ዘሎ ሰራዊትና ንወያነ ክሳዕ ገዛ ገረህላሰ እምበር ክሳዕ መቐለ ከብጽሖ ኣይክእልን እዩ።ግደፉ ,ካልኤይቲ መሕነኺት መኻልፍ ከይንርኢ።ወይ ካብ ሕጂ ቋንቋና ቋንቋ ህዝበ ትግርኛ ገዲፍና ,,,ውይውይ,ኣይኾንን, ብዓርሱ ,መጽብዓ ,ሃሪሱ ዝብል ቃላት ንጠቐም ።ምኽንያቱ ዓባይ ትግራይ ምስ መጸት ብቛንቋና ኣይክንዛረብን ኢና።
    እዝኒ ዘለኩም ስምዑ,ኣቱም ብሃገር ዘይትግደሱ ኣላግጹን ተዋዘዩን።

    • wedicambobolo April 7, 2014

      ata kiska shimka ygelzh alo bitow elka eritrean yolon

    • Asghedom Woldeghiorghis April 8, 2014

      I don’t I gree with idea of Abay tigrai, but I don’t understand one you say you will loose your language, which language?

    • tekeste April 8, 2014

      full of non sense.

  • Bitew Ahferom April 7, 2014

    ካላሽነይ ተጋጣጢማ ተዋላዊላ
    ንወየንቲ ጠራሮ ትእልሽ ኣላ
    ኣብ ርእሲ ኢሳያስ ዘመዶምውን ተቓባቢላ
    ንኹሎም ጸላእትና በብሓደ ቀንጺላ
    ወደባትና ካብ ቃጣር መንጢላ
    ወርቅናን ፖታሽናን ንልምዓት ኣውዒላ
    ኩናማን ዓፋርን ብብረት ከይተገንጸላ
    ኣዋልድ ጀበርቲ ከይተረፋ ብብረት እናተኻላኸላ
    ብጠበንጃ ድፋዕ ጸላኢ እናፈንቀላ
    ሓዳስ ኤርትራ ተራእየትኒ ኣብ ቅድመይ ተሳኢላ።
    ተመልከቱለይ ክትኩስየ ናብ ባድመ
    ደቂሶም ከለዉ ብለይቲ ሃጂመ
    ምስ ኣጽዋሮም ከውጽኦም ደርዒመ
    14 ዓመታት ብትዕግስቲ ተጸሚመ
    ነዞም ምትኳስ ዝምሃርኩዎም ባዕለይ ዓሊመ
    ኣብ ርእሰይ ደይቦም ሎሚ ዞም ዓጋመ
    ንገርዎም ብርሃኖም ከም ዝጸለመ ።
    ካላሽነይ ዝጾራ ከም ዝሞተ ሬሳ
    ኣነ ግን ዝጓዝም ከም ናቕፋዊ ኣምበሳ
    ከም ንስሪ ዝውርወር ዝሕምብስ ከም ዓሳ
    ከም ከድዓት ዘይእከብ መቐለ፡ሃዋሳ
    ንታንኪ ጸላኢ በፍንጭኣ ዝሕዛ
    ስትራተጅየይ ዝልሄ ከም ኩዳ ዓረዛ
    ኢሳያስን ተምቤንን ብመጅሙዔይ ይናዘዛ
    ይመጽእ ኣለኹ ክገብረን ሳላጣ።

    ስጋ ላም ዝበልዕ ኣይህንዳውን
    ቮድካ ዘይጭልጥ ኣይራሻውን
    ጓል ሓዎቡኡ ዘይምርዖ ኣይስዑዳዊን
    ዘራፍ ገዳይ ኢሉ ዘይፍርጥጥ ኣይኢትዮጵያውን
    ብጅግንነቱ ነጻነት ዘየምጽእ ኣይኤርትራውን
    ንሕና ዝበልናዮ እምበር ኤርትራዊ ኖህ ዝበሎ ነይከውን።

    ኤርትራውያን ኣሕዋተይ እዛ ናይ መጨረሻ ፓራግራፍ ናይ ግጥመይ ነቲ ሴቪንግ ያንግ ኤሪትረያንስ(SYE)ዝጽሓፎ ጸርፊ ኤርትራውያን ንምግጣም እዩ።ብዓይነት ግጥሙ ክንወቕዖ ኢለ እየ።

    • Asghedom Woldeghiorghis April 8, 2014

      Bitew, you can’t compete with Sye , your poem is based on sentiment not on giving proper teaching to the people. Answer the information given about the eritrean force , give suggestion how to give a solution to the situation not vendicate about Sye.
      The difference between you and Sye is the widom. You are nit wise you are sentimentalist.
      Don’t copy if you can creat your stile. You can write a good poem. Peom comes from deep from your hurt.

  • Tezareb April 7, 2014

    እዚ እሞ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣቐዲማ ራድዮ-ኣሰና ዝጸብጸበቶ፣ እቶም ምሩኻት ውግእ ኤርትራውያን ቅድሚ ክልተ ዓመተ ኣብ ከባቢ ሽላሎን ባድመን ዝመስከርዎ እዩ።
    ኤርትራ ናይ ዳግመ መጥቃዕቲ ይትረፍ፣ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ተጸንቂቑ፣ ኣብ ሞትን ህይተን ኮይና ትልኽ ትብል ዘላ ሃገር እያ።

    ገለ ወተሃደራዊ ተሞክሮ ዘለዎም ከምዝብልዎ ድማ፤ “ሓደ እግራ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ፣ ተእውይ ኣላ።” ይብሉ።

  • ahmed saleh April 7, 2014

    Things are getting scary in front our eyes and the scariest part is the silent reaction of our people . Unfortunately they succeded to let cowardice reigned in our atmosphere .

  • sahle April 8, 2014

    Aye be’al Afe’e cholie!! tzarebus alekhum…weyo dea resiekumo ember, weyane goitakhum eun ghiega meredaata ab bikeat mklkhal eritra sle zgheber, inihe higi ab zeiwetzao mehank tehaniku yirkeb…nskhum eun kemu, kem goitakhum ( weyane) ghena ab ajewjew’n ab asfihka zeimrdaa alem theutitu alekum. Mhret yewrdelkum..

  • peace April 8, 2014

    listen all eritreans.
    as we all know eritrea is on the brink of collapsing.but there is one hope.the day your mad dog accepts ethiopia’s long hand for peace,things will start to change over night.which means no fear of GIANT ETHIOPIA.and of course economic cooperation to follow.

  • Solomon April 8, 2014

    Meskerem entay tebil aleka?
    Assena eti zena haki nehzbi selezefletwo deka gerimuka.
    kemti nay hgdf ab bayta zeyelo halewlow zeybelu dika hamimka.
    Haki endyu kulu hzbi Ertran hzbi Alemin zefelto ezi dea.
    Nenebska ent zey aeshoka yehayihs meskerem.
    Emberke meneseyata ab dobat zereshenu bebedawin zesheyetu ab medrebeda zetefu
    ab bahri zemotu ab esribet bechinket zemasenuwa hagersi kemey deldul serawit alewa kebehal
    men ke keamno.
    nereuy negersi kethabi aytfetin meskerem.
    Assenan Awaten dema ajokum eti haki awtsewo dea ketslu ember nay meskerem si renayo alena.

    Solomon

  • Esaw April 8, 2014

    What Weyane do now? Come on give me a break. Eritrean economy is not much realy. Until now he has been feeding you by selling drugs and charging you 2% taxes, once he is gone Alah kerim. infact Eritreans should pray he would stay at least he can be an excuse for asking asylum. You ask asylum in his name and go dance in his name. What a funny country and funny people. I thhink I see Somalia right here and now. This is a cause for Asseye Assena.

  • belay nega April 8, 2014

    “ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።”

    ሓደ ስሉብ ጥርሔን ዝድንሳ ምስራአየ “አትን አጣል አበይዳአ ኔርክን ጠባሖ ከለና?” ከምዝበሎ
    “አንታ ወረ አበይዳአ ኔርካ ሓሞትና ከይተዘርገ” አይበልኩምን?

Post a Reply to open your mind Cancel Reply