Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣትና ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ

  20 ሰነ፡ ንመላእ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን ፍሉይ ዝኽሪ ዘለዋ ዕለት’ያ፡፡ ኣብ መስርሕ ዝተናወሐ ጸረ-ባዕዳዊ ነጻነታዊ ሰውራናን ኣብ ህልው ጸረ-ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ተጋድሎና፡ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ሰማእታትና እንዝክረላ

 

20 ሰነ፡ ንመላእ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን ፍሉይ ዝኽሪ ዘለዋ ዕለት’ያ፡፡ ኣብ መስርሕ ዝተናወሐ ጸረ-ባዕዳዊ ነጻነታዊ ሰውራናን ኣብ ህልው ጸረ-ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ተጋድሎና፡ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ሰማእታትና እንዝክረላ ረዛን ዕለት’ያ፡፡ ሎሚ 20 ሰነ 2017 ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽ ብምህላውና፡ ኪኖ ግዚያዊ ብድሆታትና ንሰማእታትና ዘሎና ሓበን ብዝኽሪ፣ መብጽዓታቶም ንምትግባር ድማ ብግብሪ፡ ከምዝተዓጠቕና ነረጋግጸሉ ታሪኻዊ እዋን’ዩ፡፡

ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ ህልው ደሞክራሲያዊ ተጋድሉኡ፡ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ሕልሚ ክልተ-ወለዶታት ኤርትራ ክውን ንምግባር፡ ካብ ክልቲኡ ጸወታታት ብዘይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ እልፊ ኣእላፍ ፍንጫሕ መሰንገሉ ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ መስዋእቲ ተበጅዮምሉ’ዮም፡፡ እዞም ንህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ሰማእታት፡ ኣብ ዝኣምንሉ ዕላማ ግንባሮም ንዓረር ብምሃብ ክብጀዉ እንከለዉ፡ ብመስዋእቶም ዝርህዎ ህዝብን ሃገርን ብምምዕዳው፡ ንዕሸል ዕድሚኦም ከይበቐቑ፡ ሓለፋ ሰቦም ከይተጸበዩ፡ ሕድሮም ጥራይ ተላብዮም ኢዮም ሓሊፎም፡፡ መርኣያ ናይ’ዚ፡ እቲ ካብ ፍጹም ህዝባውነትን ንቑሕ ፖለቲካዊ ብስለትን ወጻኢ ክሕሰብ ዘይክእል፡ ትእምርቲ ጽንዓትን ቃልስን ዝኾነ ህቡብ ጭርሖ ሰማእታትና “ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ” ዝብል ሰውራዊ መልእኽቶም ምዝካር እኹል’ዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ’ዩ፡ ህዝብታት ኤርትራ ከም ህዝቢ ብሓደ ቃልን ትርግታን 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታቱ ክዝክር እንከሎ ሓበኑ ብዝኽርታቱ፡ ደበሶም ከኣ ብተግባር ንምግላጽ፡ ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃኑ እናማዕደዉ ንዝሓለፉ፡ ሽምዓ ወሊዑ ቃል-መብጽዕኡ ብምሕዳስ ወትሩ ብፍሉ ድምቀት ዝዝከሮም፡፡

ብኣንጻሩ፡ መቓብር ሰማእታትና ተሳጊሩ፣ ኣብ ሕቑፊ ህዝብታት ኤርትራ ተዓቑቡ፣ ብጭርሖ ሃገራዊ ነጻነት ተኸዊሉ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየበ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ፡ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን ንሰማእታቶም ዘለዎም ዓሚቕ ፍቕርን ጽኑዕ ማሕላን ወትሩ ምስ ባህረረ’ዩ፡፡ ኣብ ቦኽሪ 20 ሰነ ፋሽስታዊ ናይ ጥፍኣት ኣዋጁ ብምእዋጅ፡ ንሰማእታትና ዘለዎ ክብሪ ብምርኻስ፡ መብጽዓታቶም ብሰንጣቕ ብምጽራር ጉልባቡ ክቐልዕ ዝጀመረ ገና ኣብ ንእዲ ሕጹኖቱ እናሃለወ’ዩ፡፡ ንውዕለት ሰማእታትና ይኹን ውጉኣት-ሓርነት ከም ተራ ፍጻመ፡ ብገንዘብ ተሚኑ ጋር-ነብሲ ክኸፍል እንከሎ፡ ካብ ባህሪኡ ዝነቅል ናይ ክሕደቱ ጽዑቕ መግለጺ’ዩ፡፡ በዚ ኣቢሉ፡ ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ተጋድሎና ተጸንበሩ ግቡኡ ዝፈጸመ፣ ዝሰንከለ ይኹን ብመስዋእቲ ዝሓለፈ ኣኽብሮት ብምንፋግ ሃገራዊ ሞቆሚያታትናን ዝህነጹሉ ስነ-ኣእሙራዊ ክብርታት ክሃርሞም ኣንቂዱ ተበጊሱ፡፡ ሎሚ ካብ ዝተጋደለ ዘውደልደለ ካብ ዝብል ቄናን ተበላጺ-ሞጎት ክሳብ ንመስተንክራዊ ተጋድሎ ህዝብታትናን ሰውርኡን፤ ክብሪ ሃገራዊ ነጻነትና፣ ውዕለት ሰማእታትናን ዝፈታተን ኣረኣእያተት ክስዕርር ዝጅምር ዘሎ፡ መሰረቱ እዚ ናይ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ማሕበራዊ-ምህንድስና ውጥን’ዩ፡፡ ሓደግኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት፡ ክብርታትናን መቆሚያታትናን ዝብሕጉግ፡ ንብርሰትና ዘቀላጥፍ ስነ-ኣእሙራዊ ኲናት’ዩ፡፡

ሎሚ 20 ሰነ ክነብዕል እንከሎና፡ ከም ሓድሽ ተርእዮ ዝለዓል ዘሎ እዚ ዝንባለ’ዚ፡ ብዘይምሕረት እናቃላዕና ብጽንዓት ተቓሊስና ክንስዕሮ ዝግባእ ምዃኑ ሓደ መዳይ ናይ’ቲ ትኹረት ዘድልዮ ፍሉይነት’ዩ፡፡ ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ከም መቐጸልታ’ቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ሓደጋ ዝርከበሉ ተሃዋሲ ኩነትን፡ ንመኸትኡ ዝግበር ዘሎ ዘይመጣጠን ግብረ-መልስን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ዘየዳግም ምላሽ ንምሃብ ታሪኻዊ ግቡእና ንምፍጻም ድልውነትና ከነረጋግጽ እንጥለበሉ መድረኽ’ዩ፡፡

ህልው መድረኽ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሰንኪ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ተሳጢሖም፤ ሰብኣዊ ክብርታቶምን ደሞክራሲያዊ መሰሎምን ተጋሂሱ፤ ህላዊኦምን ቀጻልነቶምን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ምህላዉ ዓለም-ብዓለማ እትምስክሮ ሓቂ’ዩ፡፡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ብቀስበን ኣብ ዝባኖም ዝተጻዕነ ኣርዑት ጊላዊ ህይወት ካብ ምውቕ ማይቤቶም ኣመዛቢልዎም፣ ብቃፍላይ ናብ ስደት ክውሕዙን ብጅምላ ግዳያት ህልቂት ክኾኑን ዝረአየ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣጀንድኡ ካብ ዝገብሮ ሓግዩ’ዩ፡፡  ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዛ ኣጻራይት ኮሚቴ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ንካልኣይ ግዜ “ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ብመደብ ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት” ምፍጻሞም ብጸብጻብ ኣሰንያ መደምደምታ ብምቕራባ፡ እቲ ጥርዚ ገበናት ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ/ኢሳይያስ ብዘየማትእ ዘመላኽት’ዩ፡፡

ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ማሕበራዊ ሰረቱ እናነሃለ ዝመጸ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ፡ ዕድመ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምውሓስ፡ ንግዳማውያን ሓይልታት ክዕሰብ፣ ካብ ሓደ ጎይታ፡ ናብ ካልእ ጎይትኡ ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ብምሕዳር፡ ብኩቡር መስዋእቲ ንዝተረኽበ ሉኣላዊ መሬታዊ ግዝኣት ኤርትራ ብዶላራት እናሸንሸነ የማስሖም ኣሎ፡፡ እዚ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ዝወለዶ ተገላባጢ መርገጻት፡ ሎሚ’ውን ንዞባና ብሓፈሻ ንሃገርናን ህዝብናን ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ሓድሽ ወጥሪ ክትሽመም ጌርዋ’ዩ፡፡ ሰሪ’ዚ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ቁማር፡ ኣብ ቅድሚ ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ደጉልዎ ዘሎ ሓደጋ፡ ብቀረባ ንኤርትራ ዓውዲ መነሓንሒ ዓረባዊ ልዕልነት ክትከውን ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ብናይ ርሑቕ ድማ ንዙሕነታዊ ክውንነት ህዝብታትናን ሓባራዊ ስሙር ቀጻልነቶምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ድቂ-ጥሩፍ ምንቅስቓሳት ክቋጽር ኣፍደገ ዝኸፍት ኮይኑ’ሎ፡፡ እዚ “ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዝብል እንስሳዊ ሕሳባት ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ፡ ብኣግኡ መግትኢ እንተዘይተጌሩሉ፡ ከምቲ “ዓሻ ዝተኸሎ-ለባም ነይነቕሎ” ዝበሃል ንህላወን ቀጻልነትን ህዝብ ሃገርን ኤርትራ ዝህድድ ሓደጋ ዝሓቖፈ ብምዃኑ፡ ንምዕጻፉ ዝካየድ ምርብራብ ፍሉይ ትኽረትን ህጹጽ ምላሽን ዘድልዮ’ዩ፡፡

ውድብና፡ ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ /ሰደግኤ/ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣትና ዘሕልፎ መልእኽቲ እንተሃሊዩ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ቀንድን ብሕታውን ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ፡፡ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድልኦም ብክቡር ዋጋ መስዋእቲ ዝሃነጽዎ ሃገራዊ ክብርታት ብምህራም፡ ሃገራዊ ሓድነቶም ብዝተፈላለዩ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ስልትታት እናዘረገ፡ ስሙር መኸተኦም ብምልማስ፡ ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ብምስጣሕ፡ ዕድመ-ስልጣኑ ንምንዋሕ በብግዚኡ ዝኣልሞም ውዲታት፡ ብንቕሓት ምምካት፡ ንሰውኣትና ዝኣተናዮ ማሕላ ኣብ ምኽባር ገዛኢ መለለይና ክኸውን ኣጥቢቑ የተሓሳስብ፡፡ ውድብና፡ ንሰማእታትና ዝኣተዎ ቃል፡ በዚ ታሪኻዊ ዕለት ብምሕዳስ፡ ንቡዝሕነታዊ ኣካውና ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ፣ ንተባራዕቲ መድረኻዊ ሕቶታት ብግቡእ ዝምልሽ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ዝተበታተነ ሓፋሽ ኣብ ዙሪኡ ብምዕሳል ኣንጻር ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ ስሙር መኸተ ንምክያድ ዝዓለመ፣ ኣብ ቅኑዕ ናይ ቃልስን ሓድነትን መርሆ ዝስረት ሰፊሕ ሕብረ-ብሄራዊ ግንባር ምምስራት ፖሊሲኡ፡ ንህልው ውሽጣውን ግዳማውን መልክዓት ዘለዎም ሃገራዊ ግድላትና ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ብቕዓት ዳግም ብምርግጋጽ ንምዕዋቱ ብጽንዓት ክቃለስ ምዃኑ የረጋግጽ፡፡

 ቅኑዕ መስመርን ሓፋሽን ሒዝና፡ ንጽንኩር መድረኻት ብምስጋር ክንዕወት ኢና!!

 20 ሰነ፡ እምነ-ኩርናዕ ሃገራዊ ክብርታትን ምንጪ ጽንዓትናን’ያ!!

 ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑና ሰማእታት!!

 

 

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት

ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ /ሰደግኤ/

20 ሰነ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde June 20, 2017

    Yemane Barya honored this day with his iconic song using this powerful words,’ AB KULU GOBOTAT AB KULU SINCHIRO,FAH ZIBELE AAETSIMTI NAY BELAHTI AAEMRRO,MESWAAETI JEGANU LOMS KINZIKIRO….’ First in my play list,singing along in the car on my way to work.I have a black rubber band on my wrist,nobody will know.Have a peaceful and uneventful day folks.

  • amanuel June 21, 2017

    I just heard this name. Is this a new organisation founded yesterday?

  • andom June 25, 2017

    I believe the total number of the members of “sedega” party equal to the number of the founders of the party. That means since its inception the founders succeded to enrol zero person

Post a Reply to andom Cancel Reply