Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምበራቕ ዝበረቐ፡ ብምዕራብ ይዓርብ

ድሃይ ቀርንና ከመይ ቀንዩ ክቡራት ተኸታተልቲ? ልብናስ ብውረ ኵናትዶ ሃንደበት ተሓዚላትና ሓቀይ! ከምኡ ኢዩ ነገር ፖለቲካ። ኣብቲ ሕሉፍ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዱቦላ ወዲቓታ ተባሂሉስ ንምሽምጋሉ ድማ ኣ   መሪካን ርዋንዳን ቅሩብነተን ገሊጸን። ሎሚ ከኣ

ድሃይ ቀርንና ከመይ ቀንዩ ክቡራት ተኸታተልቲ? ልብናስ ብውረ ኵናትዶ ሃንደበት ተሓዚላትና ሓቀይ! ከምኡ ኢዩ ነገር ፖለቲካ። ኣብቲ ሕሉፍ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዱቦላ ወዲቓታ ተባሂሉስ ንምሽምጋሉ ድማ ኣ   መሪካን ርዋንዳን ቅሩብነተን ገሊጸን። ሎሚ ከኣ ኢትዮጵአያ ወድቂ ወዲቓ ኣመሪካን ፈረንሳን ድማ ባሌህታአን ኣቕ ሪበን ንሰምዕ። ቁሩብ ቀንየን ነገር እንተኣንበድቢደንኦ ድማ ኩናት ክረጋገጽ ብምዃኑ ኩነታት ከባቢናስ ብሓቂዶ ን ሕና ንቕልሶ ንህሉ? ከብለና ኢዩ። ከመይሲ ኵናት ነዘን በቢናይገዛእ ውሻጠአን ሕሰም ዝፈሓሳ ዘለዋ ክልተ ድኻታት ሃገራት የዋጽአንዶ? ዝብል ስክፍታ ስለዘሎ። እዋእ፡ ንሕና’ዃ ክልቲኦም መንግስታት ተዋጊኦም፡ ብሓፈሻኡ ድማ ተባኢሶም ኣይበልናን። ምኽንያቱ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዘሎ ጥበብ ኣገሓሓጥ መኽሰብ ደኺምናሉ ስለዝኾንና።

“መዓስከራት ኣጥቂዕና፡ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ግን ኣይነበረን“ ማለትሲ እንታይ ትብልዎ? ናህና ገዲዱ “ ሃሪምኒስ ቀዲምኒ በኽዩ“ ማለትከ ኣርእስቲ ድዩ ተሳኢኑ ነቲ ዝምረጽ ኣርእስቲ ዝኸውን ፍረነገር ተጸንቂቑ? ፈነወ ኣስመራ ብነብሱ ተዘባሪቕዋ ኢዩ። በጃኡ ኣንባባይ እምበር እቲ ብሑት ኣዳላዊስኒ ክኢለዮ እንድዩ ያኢ፡ ደጋጊማ “ህድማ ንቕድሚት“ ክትብል ከኣ ተሰሚዓ ኢያ። ኣንፈት ኢዩ ዝግለጽ እምበር ትርፎ ንቅድሜኻስ ንድሕሬኻኸ ይጉየ ድዩ? ዘይተባህለ ከይመስላ ገለ እንተተመሰለላ ፎርቶ ሃገርና። ብዛዕባ ኵናት ዝመጸ ድራማታት ከኣ እናረኣናዮን መን ኢዩ ቀላሲ ኵናትን ሰላምን ኣብከባቢና እናፈለጥናዮ ንምምላስ ግን ኣይንተባተበሉን ኢና። እንተኾነ ኵናትን ዕግርግርን ፍቱን መድሃኒት ናይ ብውሽጣዊ ቅልውላው ዝተሓመሰ መንግስቲ ኢዩ ተባሂሉ ይእመን። ኢትዮጵያውያን ከኣ ብደ ምና ሰላሞም ክዕቅቡ ከምዘይክእሉ እንተዘይኣሚኖም ክኸስሩ ጥራይ ኢዮም’ሞ ኢዶም እንተሓዙ ይሓይሽ። ህግደ ፍ’ዃ ብኸምዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ህልቂት ተጠቃሚ ንምዃን ኣብ ግንቦት 1998 ኵናት እንተዘይገብር ክሳብ ለይቲ  ሎሚ’ውን ኣይምጸንሐን። ከምዝዝከር ሽዑ ነቲ ኩናት ብክልተ መልክዕ ኢዩ ክጥቀመሉ ክኢሉ።

1, እቲ ኩናት እንተዘይገብሮ እቲ ውሽጣዊ ናዕቢ ናብ ኩናት ሓድሕድ ከየምርሐ ኣይምተረፈን።

2, ህግደፍ ነቲ ንረባሓኡ ዝወልዖ ኵናት ብዘይ’ቲ ተቓዋሚኡ ሓይልን መሪሕነትን ክወጾ ኣይምከኣለን።

ንተቓወምቱ ተጠቒሙ ስለዘብረሰ ከኣ ንግዚኡስ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ጨራሩ ዝዓይነቱ ነበረ ዓወታቱ። ጥልመትን ሰልበጣ ን ዝጥበቡ ህግደፍ ኣብቅድሚ ህዝቡን ዓለምን እምነት ስለዘጥፍአ ከኣ ግደፍ ዝናን ባህታንሲ ከምስርዓት’ዃ ምስ ተፈንፈነን ተናዕቐን ንኣደዳ ኮንትሮባንዳ ፖለቲካን ቆጠባን ተጋሊጹ ኢዩ። ዜጋታቱ ድማ ከመጤለ-በጊዕ ክንሽየጥን ክንጥባሕን ኮይኑ ዕድልና። እንሆ በሉ ሃገርና ክቱር ምስተናዕቀትን ተነጸለትን፡ እቲ ውጥም ቅልቅል ክብል ዝጸንሐ ድጉል ኩናት ረጽሚነቱ ይገሃድ ኣሎ። ህግደፍ ከኣ ከምልማዱ ብብዙሕ መገዲ ክጥቀመሉ ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት  ብውሽጢ ውሽጢ ታቱላ ኵናት ተነፊሑ ኩሉ ወተሃደራዊ ባህርያት ተነጣጢፉ ይርከብ። ኣብቲ ግሁድ ጥራይ ክን ዛረብ እቲ ሕጹይ ናይ ጽባሕ ፕረሲደንትና ኣቶ የማነ ህበይ’ውን ከምቲ ቀደሙ ረጋጽ ሕድሪ ሓፋሽ ብምዃኑ፡ ደሞ ዝ ክውስኽ ንዝተኣተወ መብጽዓ ከምዘይትግበር ገሊጹ ኣሎ። ኩሉ ክሳብ ወዲ ስሳ ዓመት ዘሎ ዜጋ ከኣ ኣብ ተጠን ቀቕ ተደርጊሙ። እንኮላይ ዝተጣየሰን ዝደስከለን። ብተወሳኺ ጉዳይ ናይቲ ናይ ሬሳ ፖለቲካ ብዜና ኵናት ክውንዘ ፍ ተፈቲኑ ኣሎ። መዓስ’ሞ ይከኣል ምዉት’ኮ ዝያዳ ይዛረብ። እምበር ብምቕታል ዝሃጥም ታሪኽ፡ ዝጀጁ ህዝቢ እንተዝኸውን ህዝብና ድኣ ንሳ እንድያ ህልሚ ገዛእትና ዝነበረት። ብምኻኑ ድማ ከምዝዝከር እቲ ህግደፍ ክጥቀመ ሉ ዝሓሰበ ክሲ ነፍሲ-ሄር ተገልቢጡ ኣዋጢርዎ ከምዘሎ ኢዩ። ሓይሊ ናይዝጊ ምስተኸወለ ከምዝበርትዐ መጠን ኩሎም ኣባላት ህግደፍ በታ ትጽበዮም ዘላ ዕጫ ተረቢጾም ኣለዉ። ንኩላህና እቶም “ምዉት ኣይክሰስን“ ኢልና እ ንሓስብ ዜጋታት ድማ ጎብየ ስለምንታይ ከምዝነኸሰ ከረድኣና ይከውን። ዝጠቕምኦ እንተኾይነን ክልተ ምኽንያታት ቀሪብልና ይህሉ ኢዩ። እታ ሓንቲ፡ ነፍሲሄር ከምቲ ኩላህና ኣብቲ ቃልሲ ዝነበርና ምእንቲ ሃገር ክንብል ዝኣበስ ናዮ፡ ንሱ ከኣ ንዝውቀሰሉ ጉዳይ ምእንቲ ሃገር ከምዝወዓሎ እናኣመነ፡ እንተኾነ  ህዝብና ንሃገራዊ ዕርቂ ቅሩብ እና  ሃለወ ፕረሲደንት ኢሰይያስ መገዱ ስሒቱ ናብ ባርነት ብምምርሑ፡ ናይዝጊ ድማ ብዝተሰርቀ ዕላማ ሓፋሽ ሓዚኑ ናይ ጣዕሳን ይቕሬታን ዛንታታት ከዘውትር ከምዝጀመረ፡ ኢሰይያስ’ውን መቐጸልታ’ቲ ዝነበረ ናይ ምግባርን ምድ ቓቕን ነድርታቱ ተደሪኹ “ እዚ ከዳዕ ከዲዕኒ“ ብማለት ነታ ኣደጎ ነፍሲ ክልሕጻ ይህቅን ይህሉ። እዚ ድማ ወዮ ድኣ ረሳዕትን ሕያዎትን/ፈራሃት/ ኮይንና እምበር፡ ብዛዕባ ጭካነ መራሒና ዝመጸ ድኣሞ እንታይሲ ሒዝና ተሪፍና ዲና? ጥራሕና ኢናኮ ዘለና። ገለ ኢድ ህግደፍ ብነዋሓ ከምዘላ ዝፈልጡ’ውን እኮ ቁንቁኛ ናይቲ ክሳብ ክንድኡ ናይ ሬሳ ቁርቁስ ምስሓርበቶም ኣብ ሞት ናይዝጊ ተወንጃሊ ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኾነ ክትንትኑ ጀሚሮም ነይ ሮም ኢዮም። እንታይ ከይሰኣኖ ዓለም ኩሉ ይከኣላ እንድዩ፡፡ ዝተጸገመ ድማ ኩሉ እንተበለ እንታይ የኽፈኣሉ! ነቲ ንውሪ ዝርዕም ባህልን ሕልናን ስለዘይተፈጥረና እምበር ተራ ናይ መለኽቲ ባህርያት ክጋለጽ እንከሎ እንታይ ዘይስ ማዕ። እታ ካልኣይቲ፡  ክቡር ፕረሲደንት ገዛእ ዕምሩ ተንጠልጢላ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፡ ንሱ’ውን ክራታዕ ጀሚሩ ይኸውን። ሂወት ብምዕራባዊ ወገን ናይ ዕድሜና ኮይንና እንክንሪኣ ክንደይ ዝእረም እንድዩ ዘናዝዘና። ጋኔንነት ክቡር ፕረሲደንትና ከኣ ንሕና ኢና ብዓንተቦኡ ተመሊኽናሉ እምበር፡ መዓስ ክንድኡ ምሸደነ። እሞ ንሱ’ውን ከምሓቅስ ተራ ፈራሲት ነፍሲ ጥራይ ኢዩ ሒዙ። ከምቲ ኣብቲ ቃለ-መሕትቱ ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ ኵናት ክግምግም እንከሎ ዘስቖርቖረ ዝመሰለ፡ መን ድኣ ከይኣምኖ እምበር ዓሚል ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ መቖምያኡ ብምጭባጥ ኣብ ቅድሚ ኣባት ነብሱን ኣብቲ መንደቕ ንዝረኣዮ ምስልን ምሕረቶም እናለመነ “ኣነ ናይዝጊ እንተዘየጋግየኒ፡ ብእዋ ኑ ባሌህ እንተዝብለኒ ምዓስ ህዝቢ ምበደልኩ“ ክብል ይኸውን። ይረኣየኩምዶ ኣሎ ንሱ ልዕሊሰብ ጸብሊሉ ምስ ኣ ምላኹ ክመሻኸንን ምዉት ክኸስስን? በሉ ዋላ እንተዘይደለዮ ኣይክተርፍን ኢዩ። ዝኮነ ኮይኑ ነፍሲሄርስኒ  ንግዚኡ ጥራይ ኢዩ ዓዱ ዘይኣቱ። እቶም ዝኹልስ እምበር ንነውሪ ዘይምልስ፡ ኣብ ሓቂ ዝዕበስ ኣፍ ዝውንኑ ናብ ልቦም ዘ ይምለሱ ህግደፋውያን ግን ሓደ ነገር ኣይተረድኦምን ዘሎ። ሬሳ ናይዝጊ ዓዱ ክኣቱ እንከሎ ሬሳኦም ካብ ዝዓረፈሉ ተዃዒቱ ከም ዝወጽእ ዝድርኽ ተግባር ይገብሩ ከምዘለዉ!…….

እዋን ይቕየር ኣሎ፡ ሕጂ ሂወት ሳላ ሰግለለት ኩናት ኩላ ተወንዚፋ እንድያ ካብዚኣ ትጥዕም መድረኽ የላን ን ዓቕሉ ዘጽበበ። እንኮላይ ንነጋዶ ኵናት። ንሕና ዜጋታት ከኣ ክፉእነት ኩናት ልዕሌና ዝፈልጦ ስለዘየለ “ሕጂኸ እን ታይና ኢዩ ክሽረፍ“ ብማለት ተሻቂልናን ተሸቑሪርናን ኢና። ኣብዚ ንከይብጻሕ ናይ ኣይፋልኩም ምሕጽንታታት ኣ ቃሊሕና። ክሳብ ብዋናታት ሰልፍን ተቓወምቲ ኢለን ንነብሰን ዝጥምቓ ውድባትን ከይተረፈ ተኻዒብና ኢና።ዝኾነ

ኮይኑ ሓቒ ኩሉ ግዜ መንነታ ስለዘይትዕበጥ ገና’ውን ብገዛእ ወናም መራሕ ሃገርና ተቐፊድና ኣለና’ሞ፡ ደለናዮ ኣይ ደለናዮ ካብ ናይ ኵናት ግዳይነት ኣይተናገፍናን ኣይክንናገፍን ኢና’ውን። ምዃኑ ካብዘይተርፎ እምበኣር፡ መንእሰይ ሕጂኸ ትሕተቶ ዘለኻ ነገር ተገሊጽልካዶ ኣሎ? ከምርኢቶይ ኣብ ዝኸበደ ሓላፍነት ተጸሚድካ ኣለኻ። በቲ ሓደ ጸላ እትኻ ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣብ ስንፈትካ ከምዘሽካዕልሉ መጠን ስዉኣትካ ዘረከቡኻ ሃገር ከይተድፍር፡ በቲካልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ግዕዙይ ስርዓት ካብ እንግድዓኻ ምውራድ። እሞ ድማ ኩሉ ውንዙፍ ጉዳይ ኣብዛጸባብ ግዜ !  በሉ ኩሉ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎ ዜጋ ንነገር ዕበጦ ዕበጦ ዘይኮነ፡ ነቲ ሕማቕ ገጽ ኵናት እንተድኣ ብግቡእ ቀሊስናዮ ኣንጻር ረብሓ ሃንደስቱ ነቲ ዝበዝሐ ውጹዕ ልዑል ቁምነገር ከየምጽአ ኣይክተርፍን ኢዩ። “ከምቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወሰደኽን“ ስለዝኾነ ነገራቱ። እንተ’ቲ ኣተዓራራብ’ሞ ነታ ብምብራቕ ዝኣተወት ነጻነትናን ባድመናን ዝል ክም ኣይኮነን። ንሱስ ወዮ ድኣ ኣፍና ኣትሒዙ ኣብ መንበስበስታና ሸይንልና’ምበር ዕርበትሲ ነቲ ቆጽሊ ዘየውደቕና ሉን ዘይወካሊናን ሰልፊ ህግደፍ ዝምልከት ኢዩ።

ክሳብ ደጊመ ዝምለሰኩም መንእሰያት ከኣ ድሕሪ ፍርሰት ጊላዊ ስርዓት እንታይ ከምእትገብሩ ምስ ዕዮ ገዛኹም

ድሓን ቀንዩ።

ሰላምን ራህዋን ንሃገርናን ህዝብናን!!

ጎደፋ፡

21-03-12

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Zemenu March 22, 2012

    Finally UN is serious about implimenting sanctions against the regime in Eritrea stay tuned more to come.

Post a Reply to Zemenu Cancel Reply