Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: ብምቝሕ ሰንሰለትት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ሓራ ዝወጽአ ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ንፈለማ እዋን ሰፊሕ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ።

ብምቝሕ ሰንሰለት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጽአ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ብምኽንያት መብል 23 ዓመት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ፍሉይ

ብምቝሕ ሰንሰለት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጽአ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ብምኽንያት መብል 23 ዓመት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ፍሉይ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሰና ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምፍንጣስ ካብ ማእሰርቲ ዘካየዶ ተኸታታሊ ቃለመጠየቕ፣ ንድሕረባይትኡ፣ ኣመዓባብላ ሞያኡ ከም ፓይሎት፣ ጸገማት ሓይሊ ኣየር ኤርትራን፣ ተሳታፍነቱን ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣተኣሳስራኡ ብምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ፣ ኩነታት ማእሰርቱን ኣወጻጽኣኡን ዘጠቓልል  ሰፊሕ መርብርሂ ሂቡ ‘ሎ። 

እቲ ወዲ ክልተ ዓመት ከሎ ተሓዚሉ ምስ ስድርኡ ናብ ሳሕል ዝወፈረ ኣብ ጉዕዞ ሳሕልን ቤትትምህርቲ ሰውራን ብነፈርቲ ስርዓት ደርግ ዘጋጥም ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ዝዓበየ ብድሆኡ ከም ዝነበረ ዝዝክር ወዲ ስድራቤት ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ናጽነት ካብተን ዝደብድባኦ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ዝተራቐቓ ሚግ 29 ኣብ ሰማያት ኤርትራ ከብርር ዝበቕዐ ቀዳማይ ኤርትራዊ ፓይሎት ክንሱ፣ ቀዳማይ እሱር ኤርትራዊ ፓይሎት ኮይኑ 15 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ምብላዩ፣ ነቲ “ ሰውራ በላዒት ደቃ ‘ያ” ተባሂሉ ዝምሰል ኣበሃህላ፣ በቲ ጨካንንን ክፉእን መልክዑ ዘረጋግጽ ኣንደበት ምዃኑ ካብ ዛንትኡ ንርዳእ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዜና ኣሰና ከምዝተኻታተልኩሞ ፣ እቲ ፍትሒ ምስ ሰኣነ ነቲ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ባዕሉ ሓርነቱ ዘረጋገጸ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ፣ ነቲ ሎሚ – ሎሚ ኣዝዩ ሳሕቲ ኮይኑ ኣበይ ከምዝኣተወ ንኹላትና ኣጨኒቑና ዘሎ ኤርትራዊ ጅግንነት ዘዘኻኽር፣ ዋላ ኣብቲ ዝኸፍአ ኩነታት ተስፋን ሓቦን ምግባር ዝፈድየካ ናይ ዓወት ጕንዖ ከምዘለዎ ብግብሪ ዘመስክር፣ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍርሕን ራዕድን ናብ ዝኸፍአ ባርነት መሊሱዎ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሞሽሚሹ ከምዘሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ክፍራሕ ዘይግብኦ ጓንጓ ስርዓት ተመሊኹ ይኸይድ ብምህላዉ ዘኪሩ ተባዕ ናይ ለውጢ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግብኦ ዘረጋግጽ ስጉምቲ እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ንዛንታ እቲ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ባዕልኻትኩም ካብቲ ኣፍ ፈረስ ኣብ ድምጺ ኣሰና ርኸቡዎ፣ ካብ ሎሚ ምሸት 17 ግንቦት ኣትሒዝና ብተኸታታሊ ክንፍንዎ ምዃና ነዘኻኽረኩም።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
84 COMMENTS
  • desu May 17, 2014

    enkae brhan raka kale entay keynbleka

  • Asghedom Woldeghiorghis May 17, 2014

    Anta Zerai Deress, you are real eritrean, eritrea kemka zeameselu jeganu yediliwa, entekone kab ezom dikumat eritrawyan gen wala hant equa ai tezebe, kedi iom wey ferihom ndegena keyesurka. Entekielka kab eritrea wezika nezi seram mengesti tekaleso. Erirea lomi niskan kurb kemakan zameselu jegano da a emper sebay zibahsl yeblan kulom jajiom eyom.Eti koboron kirarn na hezbawi gimbar zedenzozo hizibi, hijewen Bologna Bologna yebel allo .
    Eritrawin ab Bologna zimezu zineberu kigebrun kigaborn ember polotica nay hager agediswom komzey kone enho eza hager ab zeygeba shigren zebeban aetyoma zirkobu zelewu ezom kembahadush Bologna Bologna ziblu zelowu kisekrun kishermutun zedelu gualom tkun wodom tikun eyom.
    eritreawian kedatin hasewten mkunow niska tifelet eka, kulom etom geganu eritrawian teasirom ab biet maeserti siga heji belyom thelowo, wala hade eritreawi qua nehaki kumagot kikalekeln ayreanan.
    Slezi hawei Maarei kab eritrawian Tetenq q, .
    Bi zikone koynu Egziabiher zilalu yewredelka, mis deqi kebessa aytmker, kulom kedat eyom seb aykonun.

  • sara gual eritra May 17, 2014

    ane wn
    ellllllll ellllllll ellllllll ebl
    AMLAK ymesgen
    assenna tuumat were aseye asena
    AMLAK aezizu ybarkum
    THANKS

  • Stefeanos Temolso May 17, 2014

    ጅግና ደጀን ናይ ኣቦካ ዓንደ ሕሸል ወሲድካ። ኣደ ወሊዳ ትምከን። ማ ኣቦካ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ተጓዒዘ፡ ነደኻ ለተስላሰውን ጽቡቕ ገይረ እፈልጣ። ኣንበሳ ሰበይቲ፡ ከምኣ’ሞ መን ክርከብ። ድሕረኻ ደሃይካ ንምፍላጥ ኣብየ እሞ ዘይበጽሐት። ወድኺ ሎሚ ኣይወጽእ ጽባሕ ኣይወጽእ፡ ያላ! ትወጽኢ! ዝብል ናይ ኣረሜናት መልሲ ተዋሂቡዋ። ብዝኾነ ግን ደጀን በዓል ስረ ናይ ጀጋኑ ኣያታትካ ባህሊ ስለ ዝሰነቕካ ንህግደፍ ኣምዑቶም ኵምትር ኣቢልካዮም። መሲሉዎም ብሎኮታት ሓጺሮም ሃለው ኢሎም። ዝተረፎም ነገር እንተ ነይሩ፡ ደጀንዶ ርኢኹም ምባል ጥራይ ነይሩ። ኣምሊጡ ድዩ ደጀን ከይበሃሉ ፈሪሖም ናትካ ምምላጥ ክዛረቡሉ ኣይደፈሩን። ሕጂ ደኣሞ እንታይ ክብሉ እዮም እዞም ረሳሓት! ጨካናት! ንሃገር ክትከላከል ንህይወትካ ዘይፈራሕካ ጅግና ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣፅንዮምኻ ነይሮም። ካልእ ሰብ እንተ ትኸውን ኔርካ ብፅንቀትን ሓሳብን ኣደዳ ሕማምን ሞትን ምኾንካ ኔርካ። እቲ ቦታ ስለ ዝነበርኩዎ ኵሉ ይርድኣኒ እዩ። ህግደፍ ሓደ ሲሶ ናይ ሃገርና ንጸላኢ ኣረኪቦም ከብቅዑ ንጀጋኑ ብጾቶም ከዳዓት ኢሎም ብዘይ ፍርዲ ዳጕኖም ኣለዉ። ቃለመሕትትካ ንከታተሎ ኣለና ዳሕድሓዮ ጥራይ ኣጆኻ! ከማኻ ሽሕ ክውለዱ ኣለዎም። ሰላምን ጥዕናን ዘለዎ ግዜ እምነየልካ።

  • Kalighe May 17, 2014

    Congratulations brother …
    Welcome to freedom.

    Expose the brutal regime as much as you can. Join any group you think represents your ideals and never stop fighting for freedom of those who could not escape from Higdef dungeons as you did.

  • Mahtem_Mariam May 17, 2014

    Charismatic man! welcome to freedom and to free your people!

  • gebre1 May 17, 2014

    Big congratulations my brother, thank you assenna. Dejen should be contacted by the UN Human right rapporteur to get the full picture of human right in Eritrea. If there is anything that we need to help him assenna should appeal for help. That is how we could help people to get out of the regime jaw.

  • Sorobeti May 17, 2014

    congratulation Dejen, your action proved that the regime has planted an emotional fear on our people whilst in reality it is lesser than cobweb.

  • Haqi tezareb May 17, 2014

    Congratulations Dejen,

    I can’t wait to hear your candid interview with the esteemed Radio Assenna and all the crimes so far committed and being perpetrated inside the evil regime in the name of Sewra/Ghedli on Eritreans. It is true in the name of “ ሰውራ በላዒት ደቃ ‘ያ ”, “the revolution eats its own children”, many crimes had been committed in Eritrea like yours and tens of thousands of current Eritrean prisoners, as in MenkaE, Falul, Sryet Addis, G-15, the ethnic Kunamas (Ali Abdu Yonous knows more about this), burning of Eritrean languages and the slavery of countless Eritreans that still continues inside and outside of the land.

    When the true history of Eritrea such as Dejen Andhishel’s and countless victims like him is written, we will know the true cost of Eritrea. That is the day many of sleepy hypocrites may open their eyes.

  • kiflemariam May 17, 2014

    enkae dmtsika semaena hero Dejen

    Assenna dma yekenyelna

POST A COMMENT