ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ! – 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል
ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ
ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ ሓማሴን ኣብ ዝዳወባ ዓድታት ሰራየ ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ኣብ ጎደቦኡ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሓማሴን ንዝርከብ ዜጋ ሕቖኡ ሂቡ ኣብ ቋሓይን ምስ ዝርከብ ወዲ ሰራየ ዘራኸቦ ዝተፈልየ ፖለቲካ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ወዲ ካርኔሽም ካብ ወዲ ሰንዓፈ ንላዕሊ ዝረኸቦ ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ኣይረኣየንን። እዚ ዕሽነት’ዚ፣ ክልተ እሱራት፣ ሓቢሮም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ዝወጽኡሉ ብልሓት ኣብ ክንዲ ዝምህዙ ኣብ ውሽጢ ናይ ማሕዩር ሸላኦም “መንጸፍካ ካብ ናተይ ዝያዳ ኣላታ” ተበሃሂሎም ብምትህልላኾም፣ ዋርድያኦም ነቶም ባዕሎም ዝተሓላለዉ ዘለዉ እሱራት ገዲፉ ካልኦት እሱራት ክምእርር ክወፍር ዕድል ከም ምሃብ እዩ ዝቝጸር። ተወሰኽቲ ግዳያት ምስ ዝርከቡ ድማ፣ ዝጸልኣሎም እሱራት ሸላኦም ትጸቦም! ንርእሶም ይገዶም። ሓርነት ከመይ ኣቢልካ ከም እትርከብ ዘይኮነስ ኣብ ባርነት ከመይ ኢልካ ከምዝንበር ዘገድሶ ዝጸልኣሉ እሱር ደኣ ‘ሞ መን ይድንግጸሉ፣ ባዕሉ ዶ ይኮነን ንሕልፈት ተኾኒኑ! እዚ ድኹም ኤርትራዊ ኣእምሮ ወዲቑሉ ዘሎ ደረጃ ኣውራጃዊ ምትፍናንን ካብዚ ናይ እሱራት ህልኽ’ዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ኢዋኣኻ ነዚ ዝረኣኻ!
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዘመን፣ ኣብ ወረን ሕሜታን ዝተመስረተ ኣውራጃዊ ክልሰሓሳብ ክፈልስ፣ ኣብቲ ዘይጽኑዕ ክልሰሓሳብ ዝተመስረተ ስምዒታዊ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ከምዘድሊ ከይተረፈ ብድፍረት ክስማዕ ከሎ፣ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ ከይኮነና” ሸለል ክብሃል ስለዘይብሉ፣ ዘርኢ መርዚ ከይተተኽለ ክንቀል ከምዘልዎ ንምዝኽካር ከኣ ‘የ ርእይቶይ ወስ ዘብል ዘለኹ።
በዚ መሰረት፣ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፣ እቲ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ኣብ ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ተመርኵሶም ዝብጽሑ ክልሰሓሳባዊ መደምደምታታት ስነፍልጠታዊ ምርኩስ የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት ክጠቅስ፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ለውጢ ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ኣዳኺሙ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዝራግ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ከረድእ ምዃነይ ኣሚተ ስለዝነበርኩ ብቐጥታ ናብ መብጽዓይ ክሰግር።
ሓው ታደሰ ኣብ ልዕልና ሕጊ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ ኣሎ። እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ መበቆል ዓዶም ተገዲሱ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቦ ክሲ፣ ምስቲ ንሳቶም ዝተወልዱሉ ከባቢ ሓናፊጹ፣ ክሳብ ሕጂ ሓደ ከባቢ ንኻልኦት ከባቢታት ወጺዑ፣ ሓደ ከባቢ ካብ ካልኦት ከባቢታት ረቢሑ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ፣ ዘጋለብካዮ ፈረስ ጎልጎል ወዲኡ ቀዳሞት ኣእጋሩ ናብ ጸድፊ ወስ ምስ በላ ልጓም ከምምሓዝ ዝዓይነቱ ኣቀራርባኡ ምእራም ዘድልዮ እዩ። ቁስሊ ምንባሩ ዘረጋገጽ ጭብጢ ከይሓዝካ በሰላ ምህላዉ ውሁብ ዘምስል ኣመት ምሃብ ኣብቲ ኩሉ ፖለቲካዊ ጸወታ ንዘይወዓለ ህዝቢ ዝያዳ ከምዝጠራጠርን ከምዘይተኣማመንን ስለዝገብር፣ ንታሪኽ ብጎቦ ዓይንኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ብኽልተ ኣዒንትኻ ንመጻኢ ብምጥማት፣ ኣብ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ምርግጋጽ መትከል ብዘይ ነግፈረግ ክትኮረሉ ኣለዎ።
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሓው ታደሰ ከቕርቦ ዝቐነየ ተኸታታሊ ዓንቀጽ ንኣብነት፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ብምባል፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣታተወ ምምዳራዊ ቅርጺ፣ ነዞም ወገናት እዚኣቶም ብሓለፋ ንምርባሕ ከምዝተኣታተወ ከረድእ ዝገበሮ ፈተነ ቅኑዕ ኣይኮነን።
ኣብ ቀዳማይ ክፋል “ቀንዲ ቁጠባዊ ማእከል (ጸጋታት ሃገር) ብጉልባብ ዞባዊ ምምሕዳር፣ ብኸመይ ኣብ ውሱን ከባቢታት ከምዝጸዓቐን ብኡ ኣቢሉ ድማ ከባቢታት ዝማእከሉ፣ ኣብ ህዝብና ዝተኣልመ ነባሪ ቁጠባዊ ምዝንባል ዝፈጥር ውዲት ክንርኢ ኢና” ብምባል ነቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት ተገይሩሎም ኢሉ ኣብ 2ይ ክፋል ዘቕረቦ ኣብነታት ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።
ሀ – ኣብቲ ፈለማ ዘምጽኦ ኣብነት፣ “እቲ ኣብ ዞባ ማእከል ንሰሜን ክሳብ ከባቢ ወኪ (34 ኪ.ሜ)፣ ብደቡባዊ ምዕራብ ክሳብ ከባቢታት ሕምብርቲ (34 ኪ.ሜ) ዝዝርጋሕ፣ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝርከብ ገጠራት ዞባ ማእከል፣ ብኸፊል ብኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ከምዝምወል ተገይሩ፣ ኣብ ከባቢ ወኪን ሕምብርትን ዝርከብ ሓረስታይ በተን ንኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝተዳለዋ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ብውሑድ ወጻኢ፣ ኣስመራ ስራሕ ውዒሉ ገዝኡ ክሓድር ዕድል ይወሃቦ፣ እቲ 20 ኪሎሜተር ንደቡብ (ከባቢ ሽከቲ) ዝነበር ሓረስታይ ግን፣ እዚ ዕድል ‘ዚ የብሉን” ክብል ይጠቅስ።
ቅድሚ ኹሉ፣ ተቐማጦ ናይዞም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት፣ መጠኑ ደኣ ይትሕት እምበር ንሳቶም ‘ውን ግብሪ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝነበር ድኻ ብሰንኪ እቶቶም ካብ ግብሪ ነጻ እንተኾይኖም ከኣ፣ ካብ “ሃብታማት” ከፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝጥቀሙ ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን። እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኩርናዓት ኤርትራ መጺኡ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ህዝቢ ‘ውን ተጠቃሚ ናይዚ ዕድል ‘ዚ እዩ። ብቐንዱ ግን፣ ካብ ወኪ ይኹን ካብ ሕምብርቲ ናብ ኣስመራ ክወፍሩ ከለዉ፣ ንሳቶም ከም ሸቃሎ ቀረብ ጉልበት፣ ወይ ከኣ ደርሆ-እንቋቍሖ፣ ድንሽ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ሒዞም እዮም ንኣስመራ ዝገሹዋ ዘለው። ኣብ ኣስመራ ምሉእ መዓልቲ ክውዕሉ ኸለዉ ‘ውን ብውሑዱ እንተ ስዋ እንተ ፋታ ምሕሻሾም ኣይተርፍን። ስለዚ ብድጎማ ኣውቶቡስ ከተማ ካብ ዝረኽቡዎ መኽሰብ፣ ንኣስመራ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ።
ብዓቢኡ ካብዚ ንኣውራጃዊ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ኣድልዎ ንምግላጽ ዘይበቅዕ ጽልቓ ኣብነት’ዚ ክብ ኢልና ክንርእዮ ዘለና፣ ምናልባት እቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ዓቢ ከተማ ብምድኳኖም ወጽዓ ከምዝህልዎም ‘ውን በቲ ሓደ ገጽ ምርኣዩ የድሊ። ጎዶቦ ከተማ ምዃን መኽሰብን ክሳራን እዩ ዘለዎ። ብዘይካ ተጠቃሚነት ኣገልግሎታት ከተማ፣ ዕድል ስራሕን፣ ካብ ክብሪ መሬት ዝርከብ መኽሰብን፣ ከከም ርሕቀቱ፣ እተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት፣ ምስ ምስፋሕ ከተማ፣ ግራውተን ኣብ ክንዲ እኽሊ ገዛውቲ ኣብቍሉ፣ ብኸተማ ተዋሒጠን መንነተን የጥፍኣ እየን። ብመስረት ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ ካብቲ ንጤሳ ተባሂሉ ንስድራቤታተን ዝግደፈለን ቃጽዖ ሓሊፈን ካብ መሬት ዝረኽባኦ ሓለፋ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ። ካብ ከተማ ርሒቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ካብ መሬት ቀጻልነት ዘለዎ ድርብ ኣገልግሎት ክረኽባ ከለዋ፣ ናይ ከባቢ ከተማ ዓድታት ረብሓ እናጸበበ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዝርከባ ዓድታት ህዝቢ ምስቲ ስርዓት ብቐጥታ ክጋጮን ክኸራኸርን፣ ክእሰርን ክፍታሕን ዝተራእየ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ናይተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ዓድታት ዝወረደ ወጽዓ፣ እቲ ስርዓት፣ “ጤሳኹም ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት እንተዘየስሪሕኩሞ መንግስቲ ከሕድገኩም እዩ” ኢሉ ስለዘፈራርሖም፣ እቶም ገንዘብ ዘይብሎም ዝበዝሑ ድኻታት ነቲ 500 ትርብዒት ሜትሮ ጤሳኦም፣ ብታህዋኽ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ምስ ዝመጸ ብዓል ገንዘብ ንፍርቂ ተዋዓዒሎም ከምዘስራሕ ብምግባር ኣብ 250 ትርብዒት ሜትሮ ዝተሃንጸ ቤት ሒዞም ምትራፎም እዩ።
ንመሬት ኣባይቲ (ጤሳ) ብዝምልከት፣ ነበርቲ ኣስመራ ዝጸንሑዎ ዓመታት ብዘየገድስ ተቐማጦ ደኣምበር ደቂ ዓዲ ክብሃሉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ብገንዘቦም ክካረዩ፣ መሬት ወይ ገዛ ክገዝኡ ደኣ እዮም ዝኽእሉ እምበር ከምቶም ዓዶም ብኣስመራ ዝተዋሕጠ (ከም ብዓል ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ጎዳይፍ፣ ወይ ድማ ናብ ኣስመራ ጠቢቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ከም ቁሸት፣ ዓዲ ኣቤቶን ጻዕዳ ክርስትያንን) ደቂ ዓዲ ተባሂሎም ጤሳ ክወሃቦም ክጽበዩ ኣይክእሉን። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝተዓደለ ኣባይትን ተጠቅምትን ዝገልጽ ጭቡጥ ኣሃዛዊ ሓበሬታ (Statstics) ክሳብ ዘይተረኽበ ብፖለቲካዊ መልክዕ ዝግለጽ ወገናዊ ኣተዓዳድላ ነይሩዎ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ብብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ተዓዲሉ ዝብሃል ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ብዝምልከት፣ ንናይ ህግደፍ ጽምኢ ዶላር ዘርውዩ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፍሉ፣ ተደናገጽቲ ወይ ደገፍቲ ህግደፍ ኮነ ንህግደፍ ዘይቃወሙዎ ካብ ኩሉ ኣውራጃታት ዝውለዱ ውልቀሰባት ኣብቲ ጉጅለ ከምዘለዉ ኩሉ ሰብ በብወገኑ ዝፈልጦ እዩ። ሌላ ምስ ሓለፍቲ ኮነ ግቦ ኣብዚ ኣባይቲ ይኹን ትካላት ናይ ምርካብ ቅድድም ግደ ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ብልሽውና እቶም ፍሉያት ከባቢ ኣይኮኑን ዝሕመዩ። ብልሽውና ናይ ኩሉ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወገን ሕማም እዩ።
ካልእ ንእግረ መንገድና ክንጠቕሶ ዘድሊ ተገራጫውነት ናይቲ ሓው ታደሰ ወስ ዘበሎ ሓሳብ ዝእምት ጭቡጥ ነጥቢ፣ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ብዙሓት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከቡዎ ከባቢታት ሓማሴን ብጉልባብ ምሕደራዊ ቅርጺ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ ተጠቃሚ ስልጣኔን ረብሓታትን ኣስመራ ክኸውን ከምዝተገብረ እዩ ዘረድእ። እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከብ ሕብርቲ ኸ ደኣ ስለምንታይ እዩ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ?
ህግደፍ ነቶም ካብ ኣስመራ ንሰሜን ዘለዉ ዓድታት ሓማሴን ብሓለፋ ናይ ምርብሖም ውዲት እንተደኣ ሃልዩዎ፣ ነቲ ንቡር ባሕሪ ናይ ምውራድ ልማዶም ስለምንታይ ኣጊዱዎም? ምምሕዳሮም ምስ ኣስመራ ካብ ምዃን ንላዕሊ ባሕሪ ምውራድ ዶ ኣይምበለጾምን? ዞባዊ ወይ ኣውራጃዊ ዶባተን ብዘየገድስ ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ናይተን ዓድታት ስለዘይቅየር፣ ካብ ቅርበት ከተማ ኣስመራ ዝረኽባኦ ሓለፋ ኣይምሰኣነኦን።
ብሓጺሩ፣ እተን ብተዛማዲ ብዓሰርተታት ኪሎሜተራት ካብ ኣስመራ ርሒቐን ዘለዋ ዓዲ ዃላ ወይ ሰንዓፈ ማዕረ ወክን ሕምብርትን ካብ ኣስመራ ዘይረብሓ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ቅርበት ናብ ዓቢ ከተማ ዘለዎ ረብሓን ክሳራን፣ ርሕቀት ካብ ዓቢ ከተማ ‘ውን ረብሓን ክሳራን ከምዘለዎ ኣድማሳዊ ሓቅነቱ ክንቅበሎ እምበር ከነማርረሉ ኣይግባእን።
ለ – ንዞባ ጋሽ ባርካ ብዝምልከት “ብቐዳማይ ደረጃ ናይ ወፍሪ ዕድል ዝወሃቦም እቶም ዝሓሸ ቁጠባን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝውንኑ፣ ናብዚ ዞባ’ዚ ዝተጸንበሩ ደቂ ኸበሳ፣ (ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን) እዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትሑት ማሕበራዊ ምዕባለ ዘለዎ ህዝቢ ኩናማ ኣብ ገዛእ ዓዱን መረበቱን ወሪዱዎ ዘሎ በደል ድማ ናይዚ ዘይምዕሩይ ፖሊሲ ህግደፍ ንጹር መርኣያ እዩ። ኩናማ፣ ‘ናይ ኤርትራ ኣቦርጁንስ እዮም’ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን” ይብል ሓው ታደሰ።
ናይ ብሄረ ኩናማ ሕቶ ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ፍታሕ ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ናይ ሓው ታደሰ ዓንቀጽ ከም ተወሳኺ ናይ ሓደ ካልእ ዝዓበየ ዕላማ ዝቐርብ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ወጽዓኦም ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ ናብ ዞባዊ ምስ ተቐየረ ዝጀመረ ኣይኮነን።
ምስ ዋሕዲ ቁጽሮምን ጽበት ዝነበሩሉ ከባብን ብሄረ ኩናማ፣ ዓምጽን ጭፍለቓን ህግደፍ ዝያዳ ካልእ ኤርትራዊ ክፍለጦምን ክውጽዖምን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ ጸቕጥን ዓመጽን ህግደፍ 1000 ደቂ ከበሳን 1000 ኣባላት ብሄረ ኩናማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ፣ ሃስያኡ ኣብ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ውሑዳን መጠን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ምድንጋጽን ኣቓልቦን የድልዮም። ይኹን’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኣቦርጁንስ ኮይኑ ይጸንት ስለዘሎ፣ እዚ ዝጠቐስናዮ ኣቓልቦን ደገፍን ክረኽቡ ዝኽእሉ ሽግር ኩሉ ኤርትራዊ ምስ ዝፍታሕ እዩ። ጠንቂ ምድኻምን ወጽዓን ብሄረ ኩናማ ምስ’ዚ ናይ ምክፍፋል ዞባታት ሓናፊጽካ ምግላጹ እምብኣር ነቲ ኣውራጃዊ ምጕት ንምምቃር ተባሂሉ ይቐርብ ምህላዉ እዩ ዘርኢ።
ብጂኦግራፍ ጥራይ ዘይኮነ ብህዝቢ ‘ውን እንተርኢናዮ፣ ብፍላይ እቲ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝነበር ህዝቢ፣ ድሕሪ እዚ ሓዱሽ ምክፍፋል ዞባታት ኣይኮነን ኣብ ጋሽ ባርካ ክጣይስ ጀሚሩ። ብዕድመ ክርአ ኸሎ እተን ኣብ ዞባ ጋሽ ዝርከባ ዝበዝሑ ካብ ከበሳ፣ ብሕልፊ ድማ ካብ ምዕራብ ሓማሴን ዝፈለሱ ህዝቢ ዝርከቡወን ዓድታት ካብ ህዝባዊ ግንባር ኣጸቢቐን ይዓብያ። ህዝቢ ምዕራብ ሓማሴን በዚ ሓዱሽ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ዞባ ጋሽ ስለዝተጸንበረ ሓዱሽ ዋሕዚ ኣይተፈጥረን። ግደ ሓቂ፣ በቲ ግዱድ ናይ ሰፈራ ፕሮግራም ህግደፍ፣ ብዙሓት ተቐማጦ ዞባ ደቡብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሰፈሩ ይፍለጥ። ልክዕ ከምቲ ኣስመራ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ተጎቢኣ ዘላ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ ‘ውን ብተመሳሳሊ ካብ መላእ ከባቢታት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ወይ ኣውፋሪ መሊኣ ‘ላ። እቲ ምርጫ መነባብሮ (Lifestyle) ውልቀሰባት ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ክሓርስ፣ ክነግድ ዝደለየ ናብ ጋሽ ባርካ ይወፍር፣ ናብራ ከተማ ዘብህጎ ከኣ ኣስመራ ይእከብ።
ኣባላት ብሄረ ኩናማ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝውለድ ህዝቢ ጤሳ ክረክብ ዝግብኦ፣ ንሳቶም ‘ውን ኣብ ዓድታቶም ጤሳ ክወሃቦም፣ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ጸጋታት ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ፣ ያታዊ ኣገባብ መነባብሮኦም ኣመሓይሾም ህይወቶም ብዝበለጸ ክመርሑ ትምህርትን ስልጠናን ክረኽቡ ትዅረት ክወሃቦም ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ነዚ ናይ ማዕርነት ፍታሕ ዘጽንዖ ኸኣ ግዝኣተ ሕጊ ምትካል እዩ።
ተወሳኺ ተገራጫውነት ምጕት ሓው ታደሰ፣ ኣብ ህዝባዊ ግምባር…ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”…ዝበሎ፣ ኣብዚ ክፋል’ዚ ዘይሰርሕ ምዃኑ እዩ። ከምዝርድኣኒ፣ እቶም ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከቡ ከባቢታት ሓማሴን፣ ከም ባርካን ዝበዝሐ ክፋላት ሰራየን ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ቅዱም ሌላኦምን ተሳታፍነቶምን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለዝነበረ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግደፍ ብዙሓት የለዉን። ስለምንታይ ደኣ’ዮም ከም ኣበሃህላ ሓው ታደሰ ላህመት ቁጠባዊ ረብሓታት ጋሽ ባርካ ክገፉ ሓለፋ ተዋሂቡዎም?
ምስዚ ጥቕስ ዘበልናዮ ሕጡበጽሑፍ ንኣውራጃ ብዝምልከት ኣብ ዝልዓል ምጕት ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሕጂ ኸኣ ኣብ ህግደፍ ካብ ከባቢ ካርኔሽም ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ብሕልፊ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምህላዎም እዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ግን ንበይኑ ከም መበገሲ ኣውራጃዊ ፍልልይን ፖለቲካዊ ዕብለላን ክቐውም ዝኽእል ኣይኮነን።
ፈለማ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ዕብየትን ምንቅስቓስን ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ መጀመርያን መፋርቕን ሰብዓታት ህዝባዊ ግንባር ንሰሜናዊ ባሕሪ ከም መበገሲ ገይሩ ዝተቐልቀለሎምን ብጻዕቂ ዝተንቀሳቐሰሎምን ከባቢታት ካርኔሽም፣ ኣብቲ ንባሕርን ከበሳን ዳርጋ ብማዕረ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ህዝቢ ‘ቲ ከባቢ ርኡይ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክገድፍን ብዝሒ ተሳታፍነት ክዕድምን ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዘይኮነ፣ ግድምና (ቅዱም ተሳታፍነትን ተመክሮን) ቀንዲ ረቛሒ መምዘንን መምዘዝንን ሓላፍነት ዝነበረሉ መድረኽ ቃልሲ፣ ዝመጸአ ክኸውን ይኽእል። ብተመሳሳሊ ንዓላ መበገሲ ብምግባር ናብ ከበሳታት ኣከለጉዛይ (ብፍላይ ከባቢ ሰገነይትን ድግሳን ጽንዓደግለን) ዝቀላቀል ዝነበረ ምንቅስቓስን ውደባን ህዝባዊ ግንባር ‘ውን ብመጠን ጻዕቂ ናይቲ ንጥፈታት ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ሰምሃርን ሳሕልን ‘ውን ከምኡ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ‘ውን ኣብቲ ቀንዲ መስረታ ዝነበረ ባርካ፣ ካብ ባርካ ተበጊሳ ትበጽሖ ዝነበረት ከባቢታት ሰንሒት፣ ብቖላ ሰራየ ዝኣተወቶ ዝሰፍሐ ከባቢታት ሰራየ፣ ከምኡ ‘ውን ክፋላት ዓንሰባ ናይ ሓማሴን፣ ከከም ጽልዋኡን መጠኑን ጻዕቂ ተጋደልትን ላዕለዎት ሓለፍትን ከምዝነበራ ይፍለጥ።
ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፉ (ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን) ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፣ ሓው ማሕሙድ ሳልሕ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ኣቕሪቡዎ ምስ ዝነበረ መረዳእታ እሰማማዕ እየ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓው ታደሰ፣ ንምጕቱ ዘገልግል ምሩጽ ኣብነታት ጥራይ እዩ ጠቒሱ ሓሊፉ። ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሎት ዘለዉ ካብ ሓማሴን ዝበዝሑዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክረቍሕ ከሎ፣ ነቶም ብዙሓት ደቂ ኣከለጉዛይ ዝርከቡዎም ነቲ ስርዓት ኣብ ስለያን ጸጥታን ዘገልግሉዎ ዘለዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሸለል ኢሉዎም እዩ ሓሊፉ። (ብዝኾነ፣ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይቲ ጉዳይ፣ እቶም ዝወዓሉዎ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ጭቡጥ ተመክሮ ዝተመርኮሰ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ክህቡ ዝኽእሉ ይመስለኒ)።
ዋላ ኳ ታሪኻዊ ድሕረባይታ እንተለዎ፣ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምዝንባል፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ማለት ድሕሪ ናጽነት (ወዮ ደኣ ንቡር ኣይተረኽበን እምበር) ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተወከሉ ዜጋታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ከምዝሳተፉ ብምግባር፣ ነቲ ኣብ ግድምና ዝምርኮስ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ዝተመስረተ ከምዝኸውን ብምግባር ንጸጥታ ሃገር ብዘይጎድእ መንገዲ በብቑሩብ እናመዛዘንካ ምቕያሩ ኣገዳሲ እዩ።
ነዚ ከም ድሕረ ባይታ ጥቕስ ኣቢለ፣ ብኣውርኡ ከተኵረሉ ዝደሊ ቀንዲ ጉዳይ ውጽኢት ናይቲ ዞባዊ ምክፍፋል እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ብሰፊሑ ዝረኣናዮ፣ በዚ ሓዱሽ ቅርጺ’ዚ ህዝቢ ካርነሽም ከም ህዝቡ ካብ ምጕዳእ ሓሊፉ ካብ ህዝቡ ንላዕሊ ዝረኸቦ ፍሉይ ቁጠባዊ ሓለፋ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ ኣይረኣየንን። እቶም ካብቲ ከባቢ ዝውለዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኢሳይያስ ክሕልዉዎ መታን ብዝሃቦም ሓለፋታትን፣ ከከም ውልቃዊ ባህርያቶምን ሕልናኦምን ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዝገብሩዎ ሽምጠጣን ብልሽውናን፣ ከም ኩሎም ‘ቶም ካልኦት ሓለፍቲ፣ ንነብሶምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ይጠቕሙ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብሕታዊ ረብሓ ናይዞም ውልቀሰባት ናይ ህዝቢ ረብሓ ተመሲሉ፣ መበገሲ ኣልማማዊ ወቐሳ ክኸውን ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ውጹዕ ንውጹዕ ክካሰስ ከሎ ዝርሳዕ እቲ ቀንዲ ወጻዒ እዩ።
ካብቶም ሰበስልጣን ብቐጥታ ዝጥቀሙ፣ ገለ ናይ ቀረባ ቤተሰብ፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ከም ናቶም ርእዮም ረብሓኦምን ምንጪ በለጽ ንዝኾኑዎም ቤተሰቦምን ክከላኸሉሎም ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ፣ ገለ ደቂ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን፣ እቲ ህዝቢ ከም ሃገሩ ይጕዳእ ከምዘሎ ርኡይ ክንሱ፣ በቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተገሪዞም፣ “መንግስትና” እናበሉ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምድጋፍ ሆይሆይታ ከስምዑ ከለዉ ‘ውን ዘደንጹ እዩ። እዚ ንረብሓን ተጠቃምነትን ህዝቢ መዐቀኒ ፖለቲካዊ መርገጺ ካብ ምግባር ዘይኮነ፣ ከም ተጻራሪ ግብረመልሲ ናይቲ ንሓደ ውሱን ከባቢ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ካልእ ከኣ ተቓዋሚ እናተበልካ ዝዝርጋሕ ሕሜታ ዝመጽእ ህልኽ እዩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ወገናዊ ፖለቲካ።
እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ነቲ ስርዓት ሓደ ወገን ስለዝደገፎ ወይ ስለዝተቓወሞ ዝመጸ ዘይኮነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብሕትውና ስልጣን ንምርግጋጽ ብዝተኸተሎ ገባቲ ፖሊሲ ዝሰዓበ ውድቀት እዩ። እምበር ህዝቢ ሓማሴን ብምሉኡ እንተዝድግፎ ክንድዚ ኣይምወደቐን፣ እቲ ኻልእ ህዝቢ ብምሉኡ እንተዝቃለሶ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ኣይምጸንሐን። ስለዝኾነ፣ ኣተኵሮና፣ ኣብ ነንሕድሕድና ዘይኮነ ኣንጻር እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ክኸውን ኣለዎ።
ነዚ ኣብነታት ከም መበገሲ ወሲድና፣ ነቲ ጉዳይ ዕብይ ብዝበለ ስእሊ ክንምልከቶ ምስ እንፍትን፣ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ፣ ነዊሕ እዋን ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ፣ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዙ ዝነበረ ክንሱ፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ ተኣፋፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣለዓዒሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒት ካብ ምምዕባል ኮነ ንሃገራዊ ናጽነቱ ብቐዳምነት ሰሪዑ ካብ ምቅላስ ዘይምዕጋቱ ብሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ከኣ፣ “ርእስና ዝኸኣልና ሃገር እምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ኣይኮነን” ኢልና ምእንቲ ሃገር ተቓሊስና ምስ ተዓወትና ዝኽሰት ዘሎ ንድሕሪት ናብ ኣውራጃ ገጽካ ናይ ምጥማት ተርእዮ መርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።
ብመንጽር’ቲ ኣብቲ ዝቐደመ ዓንቀጽ ዝጠቐስኩዎ ኣምራት ንቡር ህላወ ኣውራጃን ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጠንቂ ፍልልይ ኮይኖም ዘለዉ ምኽንያታት ንግዚኡ ክልተ ረቛሕቲ ምጥቃስ ይከኣል።
1ይ – ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት
ሳላ’ቲ ምጽውዋርን ልቦናን ሕብረተሰብና፣ ንኣውራጃዊ ፍልልይ ባዕዳውያን ሓይልታት ብፍላይ ድማ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ‘ኳ እንተዘይከኣሉ፣ ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ ጠንቂ ናይዚ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ዝንባለ’ዚ ኮይኑ ፈኸም ከብሉዎ ካብ ዝጸንሑ ረቛሒታት ሓደ፣ ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት (Political Elites) ሃገርና እዩ።
ኣብ 60ታትን መጀመርያ 70ታትን ኣብቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝዕብለል ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንመራሕቲ ጀብሃ ብዝያዳ ሃይማኖትን ቀቢላን መከራኸሪ ዕብለላ ስልጣን ኮይኑ ዘገልግሎም እንተነይሩ፣ ኣብቲ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄርን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ (ከበሳ) ኣሃዛዊ ዓብላልነቱ እናተራእየ ዝኸደሉ ዝነበረ ሻዕብያ ብፍላይ ንኢሳይያስ ስልጣኑ ክዕቅብ ዝተረፎ እንኮ መጣልዒ ካርታ ኣውራጃ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ነዚ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ‘ዚ ብግሁድ ናብ ሓፋሽ ተጋዳላይ ከስርጾ እንተፈቲኑ ኩሉ ገዲፉዎ ምኻዱ ስለዘይተርፎ ኣብ መወዳእትኡ ዝምራሕ ‘ውን ክረክብ ስለዘይኮነ ብጠበብ እዩ ኣካይዱዎ። ኣብ ስልጣኑ ስግኣት ከጋጥሞ ኸሎ ካብ መጻብቦ መውጽኢ ዝኾኑዎ ደገፍቲ ንኽኸስብ ወይ ንተቓወምቱ ንኽንጽል ተጠቒሙሉ። ኢሳይያስ ኮነ እቶም ብቐጥታን ተዘዋዋርን ዝተሓባበሩዎ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ድሮ ብናይ ስልጣን ህልኽን ውድድርን ላድዮም ስለዝነበሩ፣ ነቲ ሽዑ ካብ’ቲ ያታዊ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ዝስለፍ ዝነበረ ጋሻ ተጋዳላይ ከደናግሩዎ፣ ነቲ ዝፈለጦም ሒደት ከኣ ከፈራርሑዎ ዝቐለለ እዩ ነይሩ።
ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥሙሕ ዝነበሮም ኢሳይያስን መሻርኽቱን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሕቶ ዲሞክራስን ሕጋውነትን ክለዓል ከሎ፣ ነቲ ኣብ ስልጣኖም ስግኣት ዝፈጥረሎም ሕቶ ንምቅላልን ንምድኻምን ምስቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ ዘፍርሖ ከም ኣውራጃዊ ምፍልላይ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣተኣሳሲሮም ብምግላጽ ነቲ ናይ መትከል ሕቶ ብፕሮፖጋንዳ ይሰብሩዎ፣ ስልጣኖም ድማ የድሕኑ ከምዝነበሩ ኢና እንርዳእ። ምኽንያቱ ነዚ ኣመል’ዚ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሉዎ ስለዘለዉ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ግብረመልሲ ናይቲ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ሕቶታት ዘልዓለ ወገን ወሳኒ እዩ። ፕሮፖጋንዳዊ ማሺንን ሓይልን ዘይምህላው ክፈጥረሎም ዝኽእል ብድሆ ቀሊል ኳ እንተዘይኮነ፣ እቶም ዓቀብቲ ስልጣን “ደቂ ‘ዚ ኣውራጃ’ዚ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ነዚ ሕቶ’ዚ ዘልዕሉ፣ ዝቃወሙና ዘለዉ” ክብሉ ከለዉ፣ እቶም ሓተቲ ብወገኖም፣ “ደቂ እቲ ኣውራጃ ‘ቲ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ንሕቶና ዝነጽጉዎ፣ ዝከላኸሉ ዘለዉ” ክብሉ እንተመሊሶምሎም፣ ወዮ ፖለቲካዊ ጉዳይ ካብቲ ቀንዲ መትከላዊ ሕቶታት ወጺኡ ማለት እዩ። ካብዚ ምዝባል’ዚ ዝኸስብ ከኣ እቲ ከፋፋሊ ስልቲ ብምዝውታር ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ውዲት ዝኣለመ እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ከኣ ሜላ ምዃኑ እዩ።
ነዚ ኩነታት’ዚ ምስ’ቲ ብወረወረ እንሰምዖ ናይ 73 ምንቅስቓስ ኣተኣሳሲርና እንተተመልከትናዮ፣ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፣ ሓደ ኣውራጃ (ሓማሴን) ቀንጻሊ ሓደ ካልእ ኣውራጃ (ኣከለጉዛይ) ተቐንጻሊ ከምዝነበረ ዘስምዕ ዛንታ ክደጋገም ይስማዕ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ 40 ዓመታት ናይቲ ፍጻሜ፣ ብፍላይ ንሕቶ ኣውራጃ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስዚ ዛንታ’ዚ ተኣሳሲሮም ክረኣዩ ‘ውን ትዕዘብ።
ፈለማ ኣብቲ ኢሳይያስን ደገፍቱን “መንካዕ” ኢሎም ዝጠቐሱዎ ምንቅስቓስ፣ ናይ ዝኣሰሩን ዝተኣስሩን፣ ዝቐንጸሉን ዝተቐንጸሉን፣ ኣፋዊ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ፣ ምሉእ ቁጽርን መንነትን ኣውራጃዊ ዝንባለን ዝገልጽ፣ ጭቡጥ መወከሲ ዘለዎ ውዱዕ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ፣ ኣብ 1976 ‘ውን (እዚ ኸኣ ብተመሳሳሊ ብዘይውዱዕ ሓበሬታ) ብዛንታ እንሰምዖ፣ ደቂ ሓማሴን ዝበዝሑዎ፣ ናይ “የሚን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ግዳይ ከምዝነበረ ይዝረብ እዩ። ብዓቢኡ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ ‘ጉጅለ 15’ ኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይፍለየሉ ዘመተ ማእሰርቲ ምንባሩ ኩላትና ዝረኣናዮ እዩ። ነቶም ፖለቲካዊ ሕቶ ዘልዓሉ ተንቀሳቐስቲ፣ ዋላ ኢሳይያስ ነቲ ኣረጊት ኣውራጃዊ ሜላ ምፍልላይ ምጥቃም ስለዘጸገሞ፣ “ተምበርከኽቲ፣ መሳርሒ ወያነ ሲ ኣይ ኤ” ብምባል እዩ ከጸልሞም ፈቲኑ። ካብዚ ውሩይ ተርእዮታት ወጻኢ፣ ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን በብውልቂ ይኹን በብጉጅለ ተኣሲሮም ኣብ ምቑሕ ዝበልዩን ዝሓቁን ብዙሓት ኤርትራዉያን ምህላዎም ‘ውን ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንኻልኦት ዛንታታት ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ሓደ ዝተመርጸ ዛንታ (Selcted Naration) ብምትኳር ናብ መደምደምታታት ምብጻሕ ‘ውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ካብዚ ተረእዮታት’ዚ ክንግንዘቦ እንኽእል ነገር፣ ኢሳይያስ፣ ነቲ ስልጣን ናይ ምግባት ጥሙሑ ንምርዋይ፣ ካብ ኣየናይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ብስልጣን ዝቕሸሹ ምእዙዛት ኣገልገልቲ እናኣለለየ፣ ኩሉ ዓይነት ሜላታት፣ እንተላይ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳን ሓይልን ዝጥቀም፣ ኣብ ድሕረትና ዞሪቝ ን40 ዓመታት ዝተጻወተልና መራሒ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ብዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ተጸይኑ፣ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ስግኣቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓብዩሉ ዘሎ እዋን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ክስቀልን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ሓጊዞምኒ ዝብሎም ኣረግቶት ሜላታት ብዝለዓለ ይጥቀመሎም ምህላዉ ኸኣ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
እቶም ደለይቲ ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን እምብኣር፣ ከም’ቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ንኢሳይያስ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ ምክፍፋል ኣውራጃ ኸኣ ሜላ ካብ ኮነ፣ ካብዚ ሓቂ ‘ዚ ሸተት ኢልና፣ ኣብቲ ዘዳለወልና መጻወድያ ብምውዳቕ ንኣውራጃ ከም ዕላማ ርኢና ከይነዛንዮ ክንጎርሓሉ ይግባእ። ተገሪህና ወይ ጎሪሕና ኣብ’ዚ ፈላላዪ ጸወታ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ተሳተፍቲ እንተዄንና፣ ተጻወቲ ዘይኮና ኵዕሶ ኢና እንኸውን። ኣብራኹ ተሰይሩ ካብ ሜዳ ክወጽእ ኣብ ቃሬዛ ብዝተሰቕለ ስዑር ተጻዋታይ ከም ኩዕሶ እንቕላዕ ተጻወቲ። ንሱ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ልዳታት ዝኣትዋ ጎላት ዝሕሰባውሉ ካብ ሜዳ ወጻኢ ኮይኑ ዝስዕር ዕድለኛ ተጻዋታይ።
ብሓጺር ኣዘራርባ፣ እዚ ዝንቡዕ መንገዲ’ዚ፣ ቀንዲ ጸላኢና ኣብ ምልላይን ዕላማና ኣብ ምንጻርን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዝጸንሐ ድኻም መሊሱ ዘዕቢ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ተመሳሳሊ ምድንጋር (Confusion) ‘ውን ብዝያዳ ዘጋድድ እዩ።
ኢሳይያስ ብሓደ ክገጥሞ ንዝኽእል ሓይሊ ብኣውራጃዊ ሜላ ከፋፊሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ ክፍትን ከሎ፣ ንሕና በንጻሩ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘፍርሖ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ምሕያል፣ ናብቲ ዝፈጥረልና ዘሎ ጓል መንገዲ ተኣሊና፣ ካብ ቀንዲ ዕላማ ለውጢ ተገሪዝና ክንተርፍ ከለና ንዝህብና ውርደት ጥራይ ኢና ንውስኸሉ፣ ብተዘዋዋሪ ንዕላምኡ ኢና ነገልግል ዘለና። ስለዚ፣ ዕላማና ንመኸተ ውልቀምልኪ ኣጽኒዕና ብምሓዝ፣ ካብቲ ቀንዲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝሕመረቱ ስትራተጂ ለውጢ ከይንወጽእ ናይ ቃልሲ ኣሳእንና መሳምር ክንሸኽለሉ ይግባእ።
ከምቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ዘውካእኩዎ፣ ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቍስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ቀጻላታት ብመትከል ክሰዓሩ ኸለዉ፣ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ተዓቝሩ ዝጸንሕ ዝንባለታት (ንኣብነት ኣውራጃዊ ፍልልይ) ናብ ኣእምሮ ህዝቢ ኣፍሊሶም እንተኾይኑሎም ሓይሎም ኣጽኒዖም ስልጣን ክዕቅቡ፣ እንተዘይኮይኑሎም ከኣ ዕግርግር ፈጢሮም ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ክፍትኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቶም በዅቢኾም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ መስቀላዊ መንገዲ እዮም ዝርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልይ ምእንጋድ ከኣ ድዅዕን ማይን ምዃኖም እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸስተ ግጭት ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬርን ሪክ ማሻርን ናይ ስልጣን ቁርቍስ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ ምስ ኣብጽሖም፣ ነቲ ግጭት ናይ ዲንቃን ንውየርን ዓሌታዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዙ ዳርጋ ተዓዊቶም ክብሃል ይከኣል። እቲ ዝሞተን ዝተመዛበለን ኣሽሓት ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ውጹዕ ህዝቢ እዩ። ናይ ስልጣን ክርክሮም ብዝወልዖ ሕድሕድ ውግእ ህዝቢ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዓሌታዊ ግንባራት ሒዙ እናተጣፍአ፣ እቶም መንቀኛታት መራሕቲ፣ ኣብ ርእሰ ከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ሰላምታ ዝለዋወጡ ኸኣ፣ እቲ ዓሌታዊ ስምዒት ወገናቶም ፍታሕ ስለዝረኸበ ዘይኮነስ ናይ ስልጣንን ስስዐኦም ብምምቕራሕ ስልጣን እንተ ብኸፊል እንተ ብምሉእ ረውዩ ልቦም ምስ ረግአ እዩ። እቲ “ጠፋእካ፣ ንርእስኻን ወገንካን ተኸላኸል” ተባሂሉ ዝተለዓዓለ ምስኪናይ ምልሻ ኸኣ፣ ቡቝሊ ጸልኢ ኣብ ርእሱ ኣቐሚጡ፣ ከይተኣማመነ ብረቱ ኣውሪዱ ከም ቀደሙ ድኽነቱን ወጽዕኡን ይቕጽል።
2ይ – ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ሞራላዊ ውድቀትን ሕብረተሰብና
እቲ ካልኣይ ነዚ ኣውራጃዊ ስምዒትን (ከም ብሄራውን ሃይማኖታውን ዝኣመሰሉ ፍልልያትን) ዘጓሃህር ዘሎ ኩነታት፣ ሞራላዊ ወድቀት ሕበረተሰብናን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይ ኣማራጺ ባዶሽ ተፈጢሩ ምህላዉን እዩ። እቲ ብዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተወጺዑ ዘሎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ናይ ሓባር ራእይ ኣማዕቢሉን ንጹር ስትራተጂ ስኢሉን ነቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ክምክት ዘኽእሎ መሪሕነት ስለዘይረኸበ፣ ኣብ ድንግርግር (Confusion) ይርከብ ምህላዉ እዩ እቲ ጸገም።
ሰለ’ዚ፣ እቲ ብተስፋ ምቝራጽ ተሰኒፉ ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ፊትንፊት ናይ ምግጣም ርእሰምትእምማን ዘጥፍአ ክፋል ሕብረተሰብና፣ ኣብ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት ወሪዱ ካልኦት ናእሽቱ ሓሳባዊ ጸላእቲ (Imaginary Foes) ይፈጥር ‘ሞ፣ ከይተፈለጦ ሰራዊት ምልኪ ኮይኑ ክንሱ “ይቃለስ ኣለኹ” እናበለ ነብሱ የደዓዓስ፣ ብግብሪ ግን ኣብ ዕንወት ይጽመድ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ከለኻ ብሕልሚ ትኸይድ ዘለኻ ዝመስለካ፣ ኣካይዳ ሕልሚ እዩ። እቲ ፍልልይ፣ ብሕልሚ ዓራት ዘይስበር ምዃኑ፣ እንተ በዚ ዓያሹ ክተኽሉዎ ዝፍትኑ ፍልልይ ግን፣ ንሓዋሩ ሃገር ናይ ምዕናው ግደ ዘለዎ ስምብራት ክተርፍ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፣ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ “እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ዓገብ ካብ ምባል ስለዘድሓርሕር፣ ውሑዳት ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ስምዒታውያን ጥሩፋት ነቲ ባዶሽ ክመልኡዎ ይቀላቐሉ። ኣብ መንጎ’ቲ ሓቀኛ ናይ ለውጢ መስርሕን ዕላማን፣ ጥሙሕ ውልቀምልካዊ ስርዓትን ዘሎ ጋግ መሊሱ ይርሕብ። እዚ ፖለቲካዊ ምንቍልቋል’ዚ ተመሊሱ ነቲ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ቅብጸት የውርዶ። ነቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣን ይልቅበሉ። ስቓይ ህዝቢ ድማ ይናዋሕ።
ምስ ሓፈሻዊ ባህርይ ደቂ ሰብ ብምንጽጻር ዝያዳ ንምርድኡ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምዕራብ ዓለም ከይተረፈ ብሰንኪ ውድቀት ቁጠባዊ ስርዓት እቲ ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ዝርከብ ህዝቢ፣ ገንዘብ ክሓጽሮ፣ መነባብሮ ክጽግሞ፣ ስራሕ ክስእን ከሎ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቶም ኣብ ዝተሓተ ቀጸላ ዝርከቡ ስደተኛታት ክዅንን ክጻባእን እዩ ዝስማዕ። እቶም ስደተኛታት ካብቲ ዝተሰደዱሉ ሃገር ካብ ዝወስዱዎ ነቲ ሃገር ዝህቡዎን ዘገልግሉዎን ከምዝዓቢ ኣሃዛት እናምስከሩ ኸለዉ ከይተረፈ፣ ግዳይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኮይኖም ይሳቐዩ። ነቲ ሓቂ ክገጥሙዎ ዝጸገሞም ውጹዓት ጽውጽዋይ ፈጢሮም ኣንጻር ካልኦት ከምኣቶም ውጹዓት ይሕንሕኑ። ነቲ ካብ መንግስታዊ ጸገማት ዝብገስ ወቐሳታት ናብቶም ዘይጓድኡ ግዳያት (ስደተኛታት) የዝብሉዎ። እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ንቡር ግዜ ዋጋ ዘይህቦም፣ ነዚ ሃዋህው ‘ዚ ዝጥቀሙሉ ጣቋ ዘይብሎም ጥሩፋት ጉጅለታት ከኣ ዕድል ረኺቦም የሽካዕልሉ።
እቶም ክብል ኢልና ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ቀጸላታት ‘ውን፣ ነቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ውድቀቶም ዝተፈጥረ ቅልውላው መዝሚዞም እዮም ነቲ ኣውራጃዊ ኮነ ካልእ ስምዒታት ናይ ስልጣን ቍርቍሶም ብዘርብሕ መንገዲ ዝጥቀሙሉ። ዓማጽን ተዓማጽን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሓደ መንገዲ ጥፍኣት ይራኸቡ። ምስኪናይ፣ እቲ ግዳይ ምልኪ ዝኾነ ህዝቢ፣ ዱዅዒ ምልኪ ይኸውን ማለት እዩ።
ናብቲ ዘልዓልናዮ ዛዕባ ኣውራጃ ምስ እንምለስ፣ ልዕሊ ኹሉ፣ ከምቲ እቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ ምምሕዳር ኣውራጃታት ብስርዓት ህግደፍ ተቐይሩ ብዞባዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዝተተክአ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ምሕዳራዊ ዞባታት፣ ጽባሕ ብኻልእ ክቕየር ወይ ‘ውን ናብቲ ናይ ቀደም ኣውራጃዊ ኣከፋፍላ ክምለስ ከምዝኽእል እንኣምን እንተደኣዄና ኸ እንታይ ኮለል ዘብል ኣለና፣ ናብቲ ዝኸበደ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ብምምጻእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ዕማም ዘይነተኵር። ሕጂ ‘ውን እምብኣር ክብ ኢለ ከምዝጠቐስኩዎ፣ ከምቲ ምስቲ ዝዓበየ ተጻባኢ (ውልቀምልኪ) ክንገጥም ርእሰምትእምማን ስለዘጥፋእና ናእሽቱ ጸላእቲ ኣብ ምንዳይ ዝወደቕና፣ ነዚ ዝዓበየ ዕላማ ለውጢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ጌርና ስለዝረኣናዮ፣ ነቲ ዝዓበየ ጸገምና ኣብ ምፍታሕ ትርጉም ዘይብሎም (እኳ ደኣ መሊሶም ዝሓላልኹዎን ዘናውሑዎን) ናእሽቱ ዕላማታት ሃሰስ ምባል እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብዚ ንእግረ መንገድና ካብቲ ህግደፍ ንኣውራጃዊ ብዞባዊ ምሕደራ ኣብ ምትካእ ዝወዓሎ ጌጋ ክንቀስሞ ዝግባእ ተመክሮ ከምዘሎ ምጥቃስ የድሊ። ንሱ ኸኣ፣ ከም ኩሉ ፖሊሲታቱ፣ ነቲ ሓዱሽ ምሕዳራዊ ቅርጺ ምስ ህዝቢ ከይተላዘበን ንህዝቢ ከየእምነን ብሓይሊ ምትእትታዉ ኣዕናዊ ከምዝነበረ እዩ።
ማይ ክዖ ከም ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምውሳዱ ሓቂ እንተኾይኑ መስሓቕ እዩ። ምምሕዳር ህዝቢ ብማይ ክዖ ዝውሰነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ርዱእ ኣይኮነን። ሰብ ከም ማይ ዓቐበት ምውጻእ የጸግሞ እዩ ዝበለ መን እዩ? ቁልቁለት ኣብ ምሕደራ ማይ ትርጉም ይህልዎ ይኸውን፣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ከም ምርኩስ ምጥቃሱ ግን መዕጸዊ ኣፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትርጉም የብሉን። እቲ ብህግደፍን ደገፍቱን ብወረወረ ዝነፈሰ፣ “ኣውራጃዊ ፍልልያት ንምህሳስ” ዝብል ምኽንያት ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልያት መሊሱ ከምዝበኣሰ ብግብሪ ንርእዮ ኣለና። ካርታ ኣብ መሬት ስለዝደምሰስካ ስምዒታት ካብ ኣእምሮ ይሃስስ ማለት ኣይኮነን።
ማዕረ ማዕረ’ቲ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ኣተኣሳሲርና ዝረኣናዮ ፍሽለት ፍልስፍና ሓይሊ ህግደፍ እንግንዘቦ ካልእ ሓቂ ‘ውን ኣሎ። ፍተዎ ጽልኣዮ፣ ሓደ ካብቶም ምስ ንጡፍ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ስልጣኔን ተኣሳሲሩ ዝኽሰት ተርእዮ፣ ምጽባብ ሕብረተሰባዊ ፍልልያት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕብረተሰብና ሕድሕዳዊ ምትእምማን እናጥፍአ ሰበይ ሰብካ ክብል ምርኣዩ ኸኣ፣ ጎኒጎኒ ‘ቲ ፖለቲካዊ ጥፍሽናኡ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባዊ ምዕባለ ይኹን ደረጃ ንቕሓቱ ካብቲ እዋን ናጽነት ንዝበዝሐ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱዎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ድማ፣ ናብ ጓል መንገዲ ካብ ምእላይ ተጠንቂቕና ኣብ ኣደ መንገዲ ጸኒዕና፣ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ፍሽለት ሃገርን ፍልልያትን ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓባር ናይ ምቕያር ጻዕሪ ብህጹጽ ክንትግብሮ ተወሳኺ ምኽንያት ይኾነና።
ኣብዚ ኣሽንባይ ዶ ብኣውራጃታት ተኸፋፊልና፣ ከም ሃገር ደው ምባል ጸጊሙና ረይረይ እንብለሉ ዘለና እዋን፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምሕሳብ ዕንወት ጥራይ እዩ ትርፉ። ውልቀምልካዊ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎን፣ ተስፋና እናጎደለ ብዝኸደን ‘ውን ፣ ፍልልይና ኣብ ኣውራጃ ደው ከብል ከምዘይኮነ ክንግንዘብ ይግባእ። ከከም ምጽዕጻዕ ሽግርናን ስንፍናናን፣ ከምቲ ካብ ሃገር ናብ ኣውራጃ ወሪድና ክንዛረብ ጀሚርና ዘለና፣ ካብ ኣውራጃ ናብ ወረዳ፣ ካብ ወረዳ ናብ ዓዲ፣ ካብ ዓዲ ናብ ማይቤት ወሪድና ክንፈላለ፣ ፍልልይና ድማ ፍልሖ ኮይኑ ክበልዓና ክነበር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።
እምብኣር፣ ነታ ቆለ ስልጣን ፖለቲካውያን መራሕቲ ዝፈጠራ ናይ ህልቂት ማሽን ዘየአንግድ፣ በዚ ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ዝፈጠሮ ሕንፍሽፍሽ መኣዝኑ ዘየጠፍእ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ይምጻእ፣ ብኣውራጃውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ፕሮፖጋንዳታት ከይተታለለ፣ ስምዒቱ ተቖጻጺሩ ነንሕድሕዱ ምጽውዋርን ምክብባርን ከምዘዋጽኦ ዝፈልጥ፣ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝኣምን፣ ነዚ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ናይ ምጕናጽፍ ቃልሱ ካብዚ ወገናዊ ጽልዋታት ሓራ ገይሩ ሃገራዊ መትከላት ዘቐድምን ዘጽንዕን ንቑሕ ሕብረተሰብ ምህናጽ ኣድማሳዊ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ኣብ ክንዲ ወገን ክኾኑና እዮም እንብሎም ውልቀሰባት ምንዳይ፣ ንመላእ ህዝቢ ብማዕረ ክናቢ ዝኽእል ልዕልና ሕጊ ዘሳሲ ስርዓት ምትካል ዓንዲ ማእከል ምዃኑ ተገንዚብና፣ ክሳድ ንምሓዝ ናብ መጻኢ ኣተኵርና ክንሰርሕ ይግባእ። ንታሪኽ ክንመሃረሉ እምበር ክንቅምቅሞ (Edit ክንገብሮ) ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፣ እንተስ መሲሉና እንተስ ክዉን ኮይኑ ንዝሓለፈ ፍጻሜታት ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ኣውንታዊ ኣገልግሎት ብዘለዎ ሃናጺ መንገዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ።
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!
ኣማኑኤል ኢያሱ
12 ሕዳር 2014
Tesfit November 16, 2014
I like to start from part one. Where is it? Pleases send link…
Girma T. November 16, 2014
Throughout these five past decades of revolution and independence, time and again, Eritrean citizen has been asked to give up his aspirations and dreams (be it regional or other), his quest for happiness, his freedom, his legal rights, his economic livelihood, his spirituality, his family and, eventually, whatever attributes to his uniqueness – all in the name of a national cause. Now, if an individual shows a concern for his locality, it could only be by taking away from the love and concern that he should have for the nation : hence the necessity for calling every concern aimed at a local level an act deserving the label “regionalism”.
Tesfit November 16, 2014
Don’t mistake individualism for regionalism. Two different things. While the first one deals with working for yourself and for your family instead of the endless free labor demand of the state (government), the second one is just backwardness dealing with the assumption that one region is superior, or is oppressed more than the others etc….
Efriem November 16, 2014
Amanuel Eyasu: you are the best! i am a big fun of you; keep it up and teach the narrow minded fellow on how to be a good citizen and a good critical thinker. PFDJ has no preference when it comes regionalism; what matters more is staying in power by hiring a running dogs and myopia.
Simon G. November 17, 2014
IMHO, Emmanuel has made three major errors here:
1. Tadesse is an individual citizen and a writer (a good one on that) and he doesn’t represent the whole Akeleguzay. However, as a result of that, you are directly blaming the people of Akeleguzay as regionalist.
2. If you think his articles are neither good for the Eritrean people to read and judge nor their contents are accurate, why won’t you discuss that directly with him before publishing them? If my memory serving me right, you have refused Fitsum’s article because you didn’t agree with the content of his article. So, why did you allow Tadesses’s to begin with? Or initially you thought his articles were worthy of being published but you are now caved in from external pressure?
3. While everyone knows who are the harden majority HGDF supporters, you have slightly touched and minimized it and moved on like it is a minor item. To me, this is very critical. Isayas can’t stand alone without these harden supporters and this is not possible to cover and close it with a one line item. This topic deserves at least an article by itself.
Mahta November 17, 2014
Simon,
The problem is with you not with Amanuel. May be you are one of those people, who thinks if you fight with someone from your region you take it as if you fight with the whole region. You are trying to twist the fact now, you are trying to make it Ema against Akele, and sooner believe me someone stupid like rasta would turn it as if it is Seraye against Akele. Then, Isayas will be forgetting for the next month of two!
By the way The difference between Tadesse and Fitsum is, I think Tadesse has a foot soldiers like you who they think he representing them and keep defending everything what he said (no matter what) but not Fitsum, he is a simple Eritrean individual who represents only himself..so it is better for Ema to deal with him than Tadesse.
Simon G. November 17, 2014
Mahta,
Unlike you, I read articles and I comment on them. You are clouded your brain with that poisonous statements that you have learned from your idol, isayas, for the past many years.
Foot soldier? I thought you are better than that but you do surprising me everytime. I like Fitsum’s articles because they were educational, so does Tadesse’s. For some reason, you have a big problem with Akeleguzay. When Andebrehan was criticised, you jumped in to blame Akeleguzay. Andebrehan was criticized from all direction of the country.
Clear up your mind my friend. Do deep cleaning and then only then you can focus on the subject.
Can I be a regionalist when I am married to a wife from another region? I lead by example, not just bluffing. Take a look on my past comments and you will see comments from an independent person. Just open your mind, don’t be biased, and read them slowly.
bielo November 17, 2014
dear Simon
all the points which you have raised them up here are perfectly explained in the article. that is what they call ”our visual ability is always selective”. you just do not want to see them. hey guys ! Tadese and his likes, the theme of your writings are all uni-colored and monotonous as to my reading and perfectly attributed to individual frustration. Sure, Tadese’s frustration is standing high up in all the forums concerning Eritrea. Usually he manifests it by the poison he is spitting in the Eritrean mind set up. Thanks to Issaias and and Tadesism , we had enough grudges with the Awraja politics. if we have the skill or wisdom let us try to tackle it once for ever. Amanuel has proposed one very critical and relevant point here. do we have a concrete information on who was killed and who was killing in the Gedli era? what were the reasons behind the murder acts which were done by then? is it confirmed by substantive and neutral documents that Akeleguzay were the only people who were been murdered in mieda, as what Tadese’s articles imply between lines? and is what Tadese is trying to saw the only cause for the awrajawinet at present?
in Historiography there two very important points
1.history is the document of its winners
2.untold history is repeatable
let us see at our history from these angles. unless blaming people from hamasien only and attributing all evils of Isaias to them is going to lead us to a worse situation
Berhe November 17, 2014
MHURAT ms abeyti ADI zhaysh zetyu,
whij keymexe megedi whij xregu,
Lilay November 17, 2014
Amanuel where were? You would discuss with him Before publushing it. If some one write about seraye or akeleguzay it is acceptable and no one complaines but as soon as the name of HAMASSIEN comes the majority stand up.
You know 90% of the supporters are from Hammasien. I my slef are from Hamssien and most of my famillies are pure PFDJ and they hate me but I don’t care. I say the truth and live for the truth.
I don’t belive on region ( awaraja) because I don’r understand the meaning of that. PFDJ kils every body eually.!!!!!!!!!!
Ahmedin Salehidin November 17, 2014
To my understanding identities based on region, tribal sentiment and clan affinity is easily manageable provided a sense of equity to address the problem is in place. Regionalism is new phenomenon among the Asmarino and highland people of Eritrea. It is mostly embraced by the ghedli generation but also afflicting the generation born after independence. This primitive sentiment is widely spread among the Diaspora opposing the government and pro government alike. If unchecked regionalism could prove to be regressive in the future to further complicate the already complex Eritrean situation. My major fear and concern is that regionalism can be used to promote the hidden agenda of the elite to further exacerbate the situation in Eritrea. All Eritreans, we should start to think by our brains and NOT by our hearts.
Marta Afwerki November 17, 2014
thank you haw Amanuel Eyasu. Always stand on the right side of history and truth.
Truly Truly i say to you November 17, 2014
ኣንቱም ሰባት! ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ኣውራጃ ዝተጠቀመ ወይ ፍሉይ ኣውራጃ ኮን ኢሉ በዚ ሰርዓት ዝተበደለ የለን። ልክእ እዩ ዝብዝሕ ኩናት በቲ ደቡባዊ ኣኮሎግዛይ ሸነኽ ስልዝተኻየደ፣ ብፍላይ ኣብ ሳልሳይ ወራር ወያኔ ብጾሮናን ዛላምበሳን ሸነኽ ብርቱኡ ኩናት ዝትካየደሉን ብዙሓት ሰራዊት ኮነ ሰላማዊ ሕዝቢ ካብክልቲኡ ወገናት ዝተቀዝፉሉ ከምዃኑ መጠን፣ ልክእ እዩ ቀዳማይ ኣብቲ ከባቢ ዝነብረ ሕዝቢ በቲ ውግእ ብብዝሃት ከምዝተሃሰየን ብዙሕ ሰላማዊ ሕዝቢ ከይተረፈ ክስዋእ ከምዝኽእል ብዙሕ ዘካትእ ጉዳይ ኣይኮነን። ነዚ ብከምዚ ክንረዳዷኣሉ ተኪኢልና፣ እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኣብ ኤርትራ በዚ ስርዓት ፍሉይ ምእባሌ ወይ ሓለፋ ረብሃም ዝረከበት ኣውራጃ ወይ ሕዝቢ ከምዘየሎም ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ኣብ ሰልጣን ቦታ ክንመጽእ ከሎና ግን ልክእ እዩ ብዙሃት ደቂ ሓማሴን ተባሂሎም ዝተሰየሙ ሚኒስትራት ከምዘለውን፣ ናይ ጦር ጄኔራላት ኣምባሳደራት ከምዝበዝሁም ብዙሕ ዘካትእ ጉዳይ ኣይኮነን። ይኩን እንበር ከምቲ ኣማንኤል ብልክእ ዝገለጾ ሃውና ታደሰ ኪዳኔ “ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሎት ዘለዉ ካብ ሓማሴን ዝበዝሑዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክረቍሕ ከሎ፣ ነቶም ብዙሓት ደቂ ኣከለጉዛይ ዝርከቡዎም ነቲ ስርዓት ኣብ ስለያን ጸጥታን ዘገልግሉዎ ዘለዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሸለል ኢሉዎም ምሕላፉ ግን ንኣይውን ቁሩብ ሕቶ ፈጢሩለይ እዩ። በዚ ይኹን በቲ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ከኸውን ዘለዎ እቶም ሰበ ስልጣናት ካብዝኾነ ኣውራጃ ይብዝሑ ንሕዝቢ ኤርትራ ወይ ብፍላይ ነቲ ኣውራጅዖም ሕዝቢ እንታይ ብፍላይ ዝጠቀምዎ ኣሎ? ብጀካ ደቂ ኣውራጃና ስልዝኾኑ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ነቲ ስርዓት ክንድግፎ ኣሎና ንዝብሉ ንውሁዳት ብሃማት ኣጋግዮም ንስልጣኖም ከጣጥሁ ብጀካ ምክኣሎም። ኣነ ናይብልበይ እዬ ዝገልጸልኹም ኣብ ኤርትራ ዝተሃንጹ ፋብሪካታ ይኹን እንዱስትሪታት ተዝርእይ፣ ሃገርና ብኹሉ ዲፕሎማሲያዊ ኣወት ኣምዝጊባ ምስ ጎሮባታ ይኹን ምስ ኃያላን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ፈጢራ እንተዝርእይ፣ ካልእ ይትረፍ ኣስመራ ከም ዋና ከተማን ናይ ኩሉ ኣውራጃ ሕዝብና መቀመጢ ከምዃና መጠን ካብቲ ቀደም ዝነበራ ግርማ ጸቢቃ ብዙሓት ፈብሪካታት ኣባይቲ ተሰሪሆም ተዝ ርእይ፣ ከምቀደሙ እቲ ሕዝቢ መብራህቲ፣ ዝስተይ ጹሩይ ማይ ባኒ ይኹን ሽኮር ረኪቡ እንተዝርእይ፣ ዋላ ብሙሉዖም ካብ ሃደ ኣውራጃ ዝተሃረዮ ለባምትን ኪኢላትን ጥራይ ይኹኑ እንበር ካበይ አውራጃ ይብዝሁ ብዙሕ ኣይምገደሰንን ነሩ። በቲ ናይ ሰራዊት ጉዳይ እንተኾይኑም፣ ሰራዊት ደማሂት ካብ ሰራዊት ኤርትራ ንላእሊ ሃለፋን ተኣማኒንትን ረኺቡ ንሳቶም ከም ቀዳማይ ዜጋ ተቆጽሮም ኣብ ከተማታ ከምድላዮም ብዘይ ሓታቲ ተደልዮም ሻሂ ቡኖም ዊስኪ ሂዞም ምስ ንኣሽቱ ኣውልድ ክጋሰሱን ክዳቀሉን ክምርኣውን እናተፈቀደሎም፣ ሰራዊት ኤርትራ ግን ኣይ ካብ ሃዳር፣ ኣይ ካብ ትምሕርቲ ኣይ ካብ ሥራህ ከምዝቦኲሩ ተጌሩ፣ ካብቲ ኣበረኻ ንክነብሩ ዝተፈረድዎ ድፋእ ብፍቃድ ብክንድይ ግዜ ንወለዶም ንክሃቱ ኣብ ከተማ ምሥዝቅልቀሉ ድማ ብገዛእ ሃገሮም ፖሊስ እንክርእዩ እናሃደሙ እናተኣዘብና፣ ምእንቲ ሕዝብና ክጸንትን ኤርትራዊ ሃገራዊነት ክሓሥሥን ድማ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ከምዝስደድ ይግበር ከምዘሎ እናተኣዘብና ከመይ ገርና ኢና ነዞም ሰብስልጣናት ከም ኤርትራውያን ንቆጽሮም ከምዘለና ንኣይ ኣዝዩ እዩ ግርም ዝብለኒ። ሓማሲናይ ይብዝሁ ኣኮሎግዛውታይ ፣ ኩናማ ይብዙሑ ደቂ ሰንሂት ኩሎም ኤርትራዊ ኮይኖም ተግባራቶም ተወሃደ እንተዝምስክረልና ነሩ፣ንምቅባሉ ብዙህ ኣምበይምጸገመናን ። በዚ ምኽንያት ኣብክንዲ ነንሕሕድና ጹሩይ ኤርትራዊ ደቀባት ኣብዘይወኣለሉ ስልጣንን ብዘይተራእየ ሃለፋ ጠቅምን ስልጣንን ብ ኣውራጃ እናተፋላለና መፍቶ ኢሳያስ ካብንኸውን፣ እቲ ክንሃቶ ዝግባኣና እንበአር ንምዃኑስ ኢሳያስ ይኹን እቶም ዝሓረዮም ኣበይቲ ሰበ ስልጣናት ኤርትራውያን መቦቆል ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብምንታይ ፈሊጥና ኢና ንሕና ከምደቂ ኣድና ብምቀጻር ሕሕድና ንናቆተሎም ዘለና? ሕራይ ተወሊዶም ዋላ ብፍርቂ ዝተውለዱሉ ኣውራጃስ ስልዘለዎም ከም ኤርትራውያን ንቀበሎም፡ ግን ተግባሮም ከምዝምስክሮ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝሓልዮን ነታ ሃገር ረብሓ ጠጠው ዝበሉ ሰባት ድዮም? ንምኳኑስ ስለምንታይ ኢሳያስ ብዛእባ መበቆል ኣዲ ምዝራብ ኣብ ኤርትራ ከምነውሪ ከምዝቁጸር ይገብር ኣሎ ኢልና ንንፍስና ሓቲትና´ዶ ንፈልጥ? ሕሰቡሞ ኣንቱም ሰባት እሞ ከመይ ገርና ኢና ንዝኾነ ሰበስልጣን መበቆሉን ስውር ዕላማኡን ከይፈለጥና ከምደቂ ኣዲ ብምቁጻር ንካታኣሎም?
ናቶምስ ድሃን ንግደፎም። ግናስ እቶም ንፍትሂ ንቃለስ ንብል ሰባት ምእንቲ ከይንሃብር ኣብዝኾነ ኣዄባ ይኹን ዋዕላ፤ ሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ዘተ፣ ኣብሞንጎና ተቃወምቲ ብምምሳል እናኣተዉ ዝዘርጉና ዘለዉ፣ ኣይ ኢስያስ ዝለኣኾም ጃሱሳትን ናይ ወያኔ ኣጀንዳን ዘለዎም ደቂ ትግራይ እንድዮም? ሕራይ እቲ ነንሕሕድካ ንምጽልላምን ንምትፍናናን ዝግበር ኣውራጃዊ ምትእክካብ እንተኮይኑስ ኩላሕና ንኾንኖ። ግናስ እቲ ኣቢ ኣቢ ሕቶ ነቲ ንደልዮ ሕብረትን ምትእምማንን ብከመይ ነምጽኣዮ?ኣብ ዲያስፖራ ዘለና ኣብ ሞንጎና ንዘለዉ ዝዘርጉና ደማሂት ከየለለና፣ ብከመይ እቲ ዝተኣሰረ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕዝብና ንደማሂት ኣለልዮ ክምክቶም ነተሃሳስብ? ነዚ ሕቶይ ክትምሉሱለይ´ዶ ምከኣልኮም? ሕብረትን ምትእምማንን እኮ ስለዝተመነናዮ ጥራይ ኣይመጽእን እዩ። ኣይትሪእዎን ኣይትሰምኡዎን ዲኹም ዘለኹም ኣብ ካልእ መርበብ ሓበሬታታት ንኣብነት ኣብ መስከረም ኔት ብዛእባ ውደባ ዓውራጃዊነት ኣድላይነትን ተቃውሞን እንታይ ይዝረብ ከምዘሎ። ነዚ ጉዳይ ብእቱብ ተሟጊትና ብዛእባ ጠቅሙን ጉድኣቱን ኣለሊና ክንፈልጥ ተዘይኪእልና ወይ ከኣ ካልእ ኣምራጺ ዝሓሸ ናይ መፍትሒ ሃሳብ ክሳብ ከየቕረብና በብመንገድና ንምኻድ ተመሪጽና፣ ነቲ ምፍልላይናን ደይምትእምማንን መመሊሱ የግድዶ እንበር መፍትሔ´ዶ ክኸውን ይክእል ድዩ?
ዘርባዕባዕ November 18, 2014
@ Truly Truly – ኣንታ ዓጋመ ዘይትገድፈና! ስራሕ የብልካን ድዩ ወይስ ኬድካ ኣቛስሎም ኢኻ ተባሂልካ? ንዘይፈልጠካ በሎ ፤ ወይስ ዘፈልጥናካ እዩ መሲሉካ? ካብ ሕጂ ንኤርትራውያን ጥራይ ብዝምልከት ጉዳይ እንተጽሒፍካ ኡዝቢ መታን ክፈልጠካ ሽምካን ሽም ኣቦኻን ዓድኻን ብግልጺ ጽሒፈ ክሰዶ እየ።
Jacob November 17, 2014
ፅልኣት ከም ለበዳ ዝባላዕን ዝባራዕን ሕማም እዩ::ብዙሓት ኤርትራውያን ነቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ተጋሩ ዓጋመ፣ቆንዳፍ ወዘተ እናበሉ ክፃረፉ ከለዉ ግደፉ እዚ ፀባይኩም እዚ ፅባሕ ከናስሐኩም እዩ ምኽንያቱ ፅልኣት እናሰፍሐን እናዓበየን ስለዝኸይድ ነንባዕልኹም እውን ከበላልዐኩም እዩ ንብል ሰባት ብዙሓት ኔርና:: እነሆ ሎሚ እቲ ዝበልናዮ ኮይኑ ኤርትራውያን ብኣውራጃ ተኸፋፊሎም ነንሕድሕዶም መውስቦ እኳ ኣብዘይፍፅሙሉ ደረጃ በፂሖም:: ብኡ የሕልፎ እዩ ዝበሃል፤ ካብኡ ዝበኣሰ እውን ክመፅእ ስለዝኽእል ብሰንኪ እቲ ” ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ”::ፅልኣት ናይ ዕሽነትን ናይ ሽንፈትን ምልክት ምዃኑ ሕጂ እውን ደጊምና ነዘኻኽር::
ሃገር ባሕሪ November 17, 2014
ዝኸበርካ Jacob
እቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ኣንጻር ተጋሩ ዝበልካዮ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ገምጋምካ ኢዩ፡፡ እቲ ገለ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትርውያንን ኣንጻር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደል ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን ኢዩ። እዚ ኣውራጃዊ ስምዓታት ናብ ምፍልላይን ክስብ መውስቦ ምኽልካል በጺሑ ዘብለካ ዘሎ ድማ ኣተሓስባካ ክብ ናብ ኣወንታ ንኣሉትክጥምታ ዝያዳ ስለ ዝቐርበን እምበር ብዛዕባ ሓድነትን ድቕርን ህዝቢ ኤርትራ ናይ ትማሊ ታርኽ ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ብስልጡን ባህሉን ኣነባብራኡን ምበር ኣብተኣላልያ ህግደፍ ኣይኮነን ብስኒት ዝነብር ዘሎ። ብሰንኪ ጂዕግራፍያዊ ኣቀማምጣኡን ታሩኹን ብውሽጥእዊ ምሕደራኡን ሕግታቱን ኢዩ ዝፍለጥ