Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት’ቲ ኣህጉር ንዝርከቡ ወከልቱን ሰዓብቱን፡ ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ዝዘርግሖ ጸብጻብ ንምቅዋምን ንምጥምዛዙን ፌርማታት ካብ ኤርትራውያን ክእከብ ህጹጽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

ዜና ካብ ሰሜን ኣመሪካ 7 ጥሪ 2016 ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት’ቲ ኣህጉር ንዝርከቡ ወከልቱን ሰዓብቱን፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ንምቅዋምን ንምጥምዛዙን

ዜና ካብ ሰሜን ኣመሪካ 7 ጥሪ 2016

ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት’ቲ ኣህጉር ንዝርከቡ ወከልቱን ሰዓብቱን፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ንምቅዋምን ንምጥምዛዙን ፌርማታት ካብ ኤርትራውያን ክእከብ ህጹጽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት’ቲ ኤምባሲ ህግደፍ ዝዘርግሖ ህጹጽ ዘዋሪ መልእኽቲ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣባላት ህግደፍን ካድረታትን፡ ከተማታትን ዞባታትን ዝተመደበለን ብጽሒት/ምቅሊት (ኮታ) ፌርማታት ህዝቢ ንምምላእ ቅድሚ ጥሪ 15 ናብ ዝተመደበሎም ቦታታት ክልእክዎ የማሕጽን። እቲ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ ካብ ምንቅስቃስ ደለይቲ ፍትሒ ንዝመጽእ ተቃውሞን ምትዕንቃፍን ንምውጋድ ድማ፡ ብዘይ ወግዓዊ ኣኼባታትን ምውዕዋዕን ብተናጸል እሙናቶም ዝብልዎም ሰባት ኣብ ኣብያተ መግብን መስተን ብምዕዳም ንዝተዋህቦም ህጹጽ መደባት ስራሕ ከሳልጥዎ ይጓየዩ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቲ “ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል የለን፡ ጸብጻባት መርማሪ ኮሚሽን ሓቅነት የብሉን’’ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ሓሶት ፌርማታት ናይ ምእካብ መስርሕ፡ ህዝቢ ኣቀዲሙ ስለዝነቅሓሉን ኣብ ወጻኢ ብዝርከባ መራኺ ብዙሓን ስለዝተከሽሐን ድማ፡ ወከልቲ ህግደፍ ዝደልይዎ ፌርማታት ህዝቢ ክረኽቡ ኣይክኣሉን። ይኹን እምበር ልኡኻት ህግደፍ ካብ’ቲ ስርዓት ዝረኽብዎ ረብሓታት ከይጎድሎምን ዝተኣዘዝዎ ቆጽሪ ሰብ ንምምላእን፡ ኣብቲ መፈረሚ ቅጥዒ ናይ ሓሶት ኣስማት ሰባት፡ ኣድራሻታትን ቁጽሪ ተለፎንን ብምምላእ ከደናግሩ ይፍትኑ ከምዘለው ምንቅስቃስ ደለይቲ ንለውጢ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።  ብተወሳኺ ኣብ ክንዲ ነቶም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰዱን ሰብኣዊ መሰላቶም ዝተረግጸን ኤርትራውያን ፌርማታት ዝእክቡ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ንኸይቃላዕን ዝተኣከበ ፌርማታት ሚዛን ከይስእንን፡ ንእሙናት ኣባላት ህግደፍን ስድራቤቶምን ጥራይ ይሓቱ ከምዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ገሊጾም።

ከምዝፍለጥ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታት፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ግደ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ምግሳስ፡ ግዱድ ኦስክርናን ካልእ በደላትን ኮይኖም ከምዘለዉ ዓለም ስለዝፈለጠቶ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያን መዋጥር ትንፋስ ክረክብ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዕምሩ ንምንዋሕን ማእለያ ዘይብሉ ሓሶታትን ጎስጓሳትን የካይድ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል የለን ኢልካ ብፍላጥን ብምድንጋርን ክታምካ ምንባር ድማ፡ ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቀዩ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡ ብግብረ ሽበራ ዝሕረዱ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ፡ ኣብ ኤርትራ ብጥሜትን ሕጽረት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝሳቀዩ ዘለዉን ዜጋታትና ምኽሓድ’ዩ ዝቁጸር። ኣብዚ ክንጸር ዝግባኦ፡ እቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራቅት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ነቲ ንህዝብና ዘይውክል ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘቅርብ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዝዕኑን ዘነውርን ኣይኮነን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ኤፍሬም January 9, 2016

    ሰላም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ሰላም ኣዳለውቲ ኣሰና።
    ነዚ ሕሱር ወፍሪ ምድንጋር ብክልተ ነገር ከነፍሽሎ ንፈትን።
    1) በቲ ብህግደፋውያን ዝውሃብ ዘሎ ኣድራሻታት ጌርና፡ ንሕና እውን ናይ ደገፍ ደብዳቤ ንጽሓፍ። ኩሉ እቲ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ዝዝርግሕኦ ዘሎዋ 3 ገጻት ዘሎዎ መወከሲ፡ ብግልባጥ እቲ ህግደፍ ዝደልይዎ ጌርና ጽሒፍና ናብ መርማሪት ኮምሽን ንስደድ። ንኣብነት፡ ኣነ ካብ ግዳያት ሃገራዊ ኣጎልጉለት፡ ስግረ ዶብ፡ ሃይማኖታዊ ዓመጽ ዝወረደኒ እንተኮይነ፡ መርማሪት ኮምሽን ንዓይ ኣይረኸበትንን። ሕጂ ግና ነቲ ዘቅረበቶ ዘራጉድ ታሪኸይ ክነግራ ድሉው እየ።
    ህግደፋውያን በዛ ጀሚሮማ ዘሎዉ ስርሒት 2 ክሳራ ከነውርደሎም ኣሎና።
    a) ናተይ ደገፍ ደልዮም ዝመጹ፡ ደገፈይ ኣይክረኽብዎን እዮም።
    b) ክድግፎም ዝሓሰቡ፡ ተመሊሰ ኣነ ክኸሶም እየ። እታ መህረሚት በትሪ ተቀቢልና፡ በታ በትሪ ጌርና ንቆሽምዶም።

    2) ድሕሪ ዕለት 15 ጥሪ፡ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ናብ ዘዘሎናዮ ሃገራት ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ብእኩብ ክንሰድድ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝርከቡ ህግደፋውያን፡ ከም ስድተኛታት ተመሲሎም ናይ ስደተኛ መሰሎም ይሕለወሎም ኣሎ። ብውሽጢ ውሽጢ ድማ ንህግደፍ ይድግፉ ስለዘሎዉ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይ እቶም ናብ መርማሪት ኮምሽን ኣይተበደልናን፡ በደል ኣይወረደናን ዝብሉ ዘሎዉ ናብ ዘዝምልከተን ሃገራት ክውሃብን ጉዳዮም ተራእዩ መሰሎም ክሕደጉን ናብ እቲ ዝድግፍዎ ህግደፍ ክምለሱን ክንሓትት ኢና።

    N.B. ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣስማትኩም ኣብ ኤምባሲ ዘሎ፡ ባዕሎም ፈሪሞም ናብ መርማሪት ኮምሽን ክሰድዎ ስለዝኽእሉ፡ ናብ መርማሪት ኮምሽን ኣነ ንመርማሪት ኮምሽን ዝሃበቶ ጸብጻብ ይድግፍ እየ፡ ምናልባሽ ብናተይ ስም ዝመጸኩም ከይህሉ ቸክ ግበሩለይ ዝብል መልእኽቲ ምስዳድ ከድልየኩም እዩ።

  • Berhe Tensea January 9, 2016

    To Efrem,
    A very important reminder and advice.You are right the shifta regime capable of using tricks and providing misleading names, and we have to open our eyes to this.

  • netsanet January 9, 2016

    To whom it concerns:

    Just to remind you those who are actively working with COI that the petition should have a fingerprint of the individual because as usual those gorillas might try to name any person as he/ she doesn’t have any problems with the government. So be wise

Post a Reply to ኤፍሬም Cancel Reply