Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ፖሊሲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ‘ታ ሃገር ክጸንዕ በይኑ።

ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ፖሊሲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ‘ታ ሃገር ኣዝዩ ክጸንዕ ከምዘለዎ ምብያኑ ስዊዝ ኢንፎ (swissinfo) ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣገንዚቡ። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ድሕሪ ደጊም፣ ኤትራውያን ስደተኛታ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ

ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ፖሊሲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ‘ታ ሃገር ኣዝዩ ክጸንዕ ከምዘለዎ ምብያኑ ስዊዝ ኢንፎ (swissinfo) ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣገንዚቡ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ድሕሪ ደጊም፣ ኤትራውያን ስደተኛታ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ስለዝተሰደዱ ጥራይ ከም ስደተኛታት ተፈላጥነት ክወሃቦም ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

ፖሊሲ ስደተኛታት ስዊዘርላንድ ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታ ዑቕባ የውህቦም ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ይኹን’ምበር፣ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ምስ ተዋህቦም ንሓጺር ዕረፍቲ ሃገሮም በጺሖም ስለዝተመልሱ ካብ ሕጂ ንደሓር ጉዳዮም ብዝኸረረ ኣገባብ ክተሓዝ ከምዘለዎ እቲ ውሳኔ የገንዝብ። እቲ ሕጋዊ ውሳኔ ይግባይ ክብሃለሉ ከምዘይከኣል ‘ውን ተፈሊጡ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ስደትኛታት ዝዓበየ ቁጽሪ ከምዘለዎም መጠን፣ ምምስራሕ ጉዳይ ዑቕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣዝዩ ከምዘገደሶ፣ ስዊዝ ኢንፎ የመልክት። ብመሰረት ሓበሬታኡ፣ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን ንዓመት ኣብታ ሃገር ናይ ዑቕባ ሕቶ የቕርቡ።

ኣብ 2015 ዓመተ ምህረት ጥራይ ልዕሊ 47 ሽሕ ኤርትራውያን ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይንገር።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምምርማር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኮምሽን ዓሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ በቲ ስርዓት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ባህጉራዊ ቤትፍርዲ ክርአ ከምዝጸውዐ ይፍለጥ።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Godaif February 3, 2017

    This Swiss court decisions needs to be mailed and presented to the Homeland Security of USA, UK, Australia, Canada, Sweden … and every nation on earth.
    Asking asylum and returning to Eritrea should be reexamined by these humanitarian nations. Anyone who asked asylum and returned will be dealt with by these nations soon.

Post a Reply to Godaif Cancel Reply