Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ኣዋሳ ናበይ…..ገጹ…….???

ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጲያ ዝተመስረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክንዛረብ ኣይደለናን፡፡ሕማቕ ናትካስ ኦሆይ ይብለካ ስለ ዝኾነ ሕመቕና ተሰኪምና ክንጓዓዝ ሰለይ ክንብል ኣብ መስርሕ ጌጋታቱ እናኣለየ ክኸይድ መሪጽናን ሓሲብናን፡፡ እንተኾነ ሓባእ

ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጲያ ዝተመስረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክንዛረብ ኣይደለናን፡፡ሕማቕ ናትካስ ኦሆይ ይብለካ ስለ ዝኾነ ሕመቕና ተሰኪምና ክንጓዓዝ ሰለይ ክንብል ኣብ መስርሕ ጌጋታቱ እናኣለየ ክኸይድ መሪጽናን ሓሲብናን፡፡ እንተኾነ ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ከም ዝበሃል፡ዝሓባእናዮ ቁሰሊ ገና ካብ መፈለምትኡ ሓሳኹ ገይሩ ክምሽምሽ ምጅማሩ ኣስተባሂልናሉ ኢና፡፡ነገራት አንዳተበላሸወ ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዝኸድናዮ ህዝቢ ተስፋታቱ ከይጽልምት እቲ ሓቂ እንዳፈለጥና ከም ዘይፈለጥናዮ ዝዓበጥናዮ ደጊም ይኣክል፡፡በዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ቀዲምና ጌጋና ነልዕል፡፡ንሕና ከም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ብምስሊ ጫካን ገበል ዝምሰል ህግደፋዊ ስርዓት ኣሊና ካብኡ ዝገደደ ዳይኖሶራዊ መላኺ ክንተክል ድሌትናን ዓስብናን ኣይኮነን፡፡ስለዚ ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ገጹ ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ ዝቕጽል ብተኸታታሊ ከነቕርቦ ኢና፡፡ነዚ ጽሑፍ ኣብ ምእራምን ግቡእ ስዋስው ትግረኛ ኣብ ምትሓዝን ዝተሓባበሩና መንእሰያት ብስም ተኸታተልቲ እዚ ጽሑፍ ነመስግን፡፡ከምኡ ውን ኣዳላዊ መርበብ ኣሰና ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ጽሑፋትና ናብቲ ንሓቀኛ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ውጹዕ ሓፋሽ ኤርትራዊ ክበጽሕ ንእትገብረልና እንግዶት ብልቢ ነመስግን፡፡

እቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2011 ኣስታት 600 ኤርትራውያን ተቓለስቲ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዋሳ ተኣኪቦም ብዘይ ምሉእ ዕግበት ዝተመርጸ ባይቶ ንሎሚ ብእገሩ ዘይኮነ ብርእሱ ኢና ክንጅምሮ፡፡እቲ ምንታይ ሃገር ከቢድ ሓደጋ ደበና ኩናት ኣንጸላልይዋ፡ህዝቢ ዝሓለፈ መሰክሕ ውግእ ከይድገም ኣብ ሻቕሎት እንከሎ ድምጹ ይኹን መረገጺኡ ክንሰምዖ ስለ ዘይከኣልና፡፡ኣብቲ ዝቕጽል ተኸታታሊ ጽሑፋት ግን እዚ ባይቶ ካብ አበጋግሰኡ ክሳብ እዚ ሕጂ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተዓዘብናዮ ዘይስገሩ ዓበይቲ ጉድለታቱ ብጉሁድ ከነቃልዖ ኢና፡፡እዚ ከምቲ ንዝተበገሰ ቃልሲ ንምሕንኳል ዝግበር ተንኮል በለጽን ተበለጽትን  ኣይኮነን፡፡ንሕና ኣብ ዝኾነ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ዝትከል ቃልሲ ንበቆ ደገፍ የለን፡፡ንባይቶ ዘለና ደገፍ ውን ከምኡ እዩ፡፡ክዕረን ከጽልጸልን ዝግበኦ ኣበራት ግን ክእለን ክዕረይን ክኽእል ኣለዎ፡፡

ኩልና ከም ዝተኸታተልናዮ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝሓለፈ 15 መጋቢት 2012 ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ክሳብ 18 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ኩናት ከም ዘካየደ ብእዉጅ ገሊጹ እዩ፡፡ደጊሙ ዝሓለፈ ሓሙስ 22 መጋቢት ውን ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓዲሙ ብዛዕባዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ እዩ፡፡ጨፍላቂ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ቶኽታኺ ተግባራቱ እንተዘይ ተቖጢቡን እንተዘይ ተኣዲቡን ከምኡ ዓይነት ስጉምትታት ደው ከም ዘይብል ውን ተነጺሩን ተረጋጊጹን ኣሎ፡፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ዝተኻየደ ውግእ ዕዉት ነይሩ ጥራይ ብምባል ዝርዝራቱ እንታይ ከመይ ኔሩ ኣይገለጸን፡፡ ብዜካ እቲ ኣብ ከባቢታት ራሚድ፡ ገለቤና፡ ጊብና ዝተኻየደ ውግእ ኣብ  ካልእ ቦታታት ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ኩናት ከምዝኸፈተ ውን ኣይገለጸን፡፡ቀዳም 17 መጋቢት 2012 ኣብ ከባቢታት ባድመ ውግእ ከም ዝነበረ ግን ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ እብዚ ናይ ዕለት 17 መጋቢት 2012 ውግእ ኣስታት 400 ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝተማረኹ ዘይተረጋገጸ ጽላቕ ወረ ኣሎ፡፡ገና እቲ ናይ ውግእ ሃዋህው ክምዘይ ዓረፈ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሓሓሉፉ ቶኽሲ ከምዘሎን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝወደቐን ካብ ውሽጢ ዓዲ ቀጻላይ ሓበረታታት ኣሎ፡፡ ብመንጽሩ ትማሊ ሰንበት 25 መጋቢት 2012 ዲክታቶራዊ መራሒ ኢሳያስ ኣብ ዘገበሮ ቃለመጠየቕ ሓላፍነት ህዝቢ ከምዘይስከም ዘስምዕ ንዝነበረ ኩነታት ክገልጽ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን እቲ ውዲት ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ኢዩ ክብል ብድፍኑ ስጊርዎ ኣሎ፡፡ ኩነታት ሃገርና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሻቓሊሃዋህው እንከሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድምጹ ይኹን መርገጺኡ ዘየስማዓሉ ምኽንያት ግን ስለምንታይ?

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዋላ እኳ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ክዳኸም ካብ ተወጢሕዎ ዘሎ ዘይሕጋዊ ናይ ምልኪ ስልጣን ብዘይ ውዓል ሕደር ክእለይ ንደልን ንቃለስን እንተኾና ብኣባትር ካልኦት ኣካላት ክኸውን ግን ኣይግድን፡፡ሳዕቤን መዘዛቱ ውን ከቢድ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ህዝቢ ኤርትራ ብጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስትንፋስ ተሳኢንዎ ኣብ ትልኽ እንከሎ ዝገደደ ከተጽብበሉ ዝወሓጥ ኣይኮነን፡፡ብቐንዱ ውን ኩናት ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ቅቡል ኣይኮነን፡፡መፍትሒ ውን ኣይኮነን፡፡ብፍላይ ዶብ ተሳጊርካ ዝግበር ኩናት  ዝኾነ ምኽኒት ሃበሉ ወራር እዩ፡፡ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ጉዳይ ህዝቢ መድሕን እናደለየ ድምጽኻ ሓቢእካ ምጽቃጥ ግን ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ እዩ፡፡ሓደው ንደገፍ እንተስ ንምውጋዝ ድምጽን መርገጽን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክስማዕ ምተገበኦ፡፡ብኣንጻሩ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መናእሰይ ኤርትራ፤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ሲቭክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ፈጻሚ ቦርድ፤ ዜጋታት ንደሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ–ስድሪ ከምኡ ውን ውልቀ ዜጋታት ኤርትራ ብጋህዲ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ሰፊሕ ትንታነታት ሂቦምን መረገጺኦም ኣብ ኩናት ኣነጺሮምን ኢዮም፡፡ ናይተን ሳላሳ ዝኾና ውድባትን ኣብ ኪዳን ዝሕቖፋ ልዕሊ ዓሰርተ ውድባትን ደለ ይኹን፡፡ኣብቲ ናይ ሓሸውየ ጸወተአን ኣይንኣቱን፡፡ እንተ እቲ ካብ ስቭክ ማሕበራትን ህዝብን ውድባትን ተሓናፊጹ ተተኺሉ ዝተባህለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ህጣሙ ዘጥፍእ ግን ስለምንታይ?ህዝቢ ክርህዎ ካብ ተጻዒንዎ ዘሎ ከቢድ ጾር ንኸገላግሎ ዶ ኣይኮነን ተተኺሉ፡፡እሕሕ ቢሉ ድምጹ ዘየሰምዕ ካብ ተዋጋኢት ላም ዘየድሕን እንተድኣ ኮይኑ እንታይ ኢዩ ቁምነገሩ?ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንህዝቢ መድሕን ዋልታ ክኸውን እንተዘይ ኪኢሉ ብደዉ ሞይቱ እዩ፡፡ገና ፍሑኽ ከይበለ መብጽዓ ዝመረጽዎ ሓቀኛ ተቓለስቲ ጠሊሙ ኣሎ፡፡ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ጥልመት እናፈጸመ ስግርፎኦ መሊኡ ዝፈስስ ጉድለታቱ ሎሚዶ ጽባሕ ይዕረ እናበልና ተሰኪምናዮ ክንከይድ ከም ዝሓለፈ ርኢና ከምዘይ ረኣና ክንከውን ኣይመረጽናን፡፡ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ገጹ ብዝብል ኣርእስቲ ህዝቢ እቲ ሓቂ ክፈልጦን ኣብ ምእራሙ ክሳተፍን ሓሳባትና ከነፍስሶ ኢና፡፡ ኣብ መጠረሽታ ደጊያት ባህታ ሓጎስ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ኣብ ምጥልላም ዝነበሮም ስክፍታ ንኽገልጹ ከምዚ ቢሎም ማሰ ማሰ ኢሎም ይበሃል፡፡ንዓና ውን ግርም መለበሚ ስለ ዝኾነ ብማሰ ደግያት ባህታ ሓጎስ ክንሰናበት፡፡

ኣንታ ማሰ ማስ ማሰ

ለሰ ሓርሽ ዝዓድኹም እልፊ ትግዘሙ

ለሰ ኣንበሳ ዝዓድኹም ዕጽፊ ትግዘሙ

ስገም ዝቐለብኩም ጠጥዑሙ

ስርናይ ዝመግብኹም ጠጥዑሙ

ኣንከለናስ እኳ ክንደይ ከይትሓስሙ

ምስ ሞትና ድኣ እምበር ከይትጠልሙ

ቢሎም ስክፍቶኦም ገሊጾም ይበሃል፡፡ስክፍታ ደግያት ባህታ ሓጎስ ድሕሪ ሞት ንዝመጽእ ጥልመት ኢዩ ዝእምት ዝነበረ፡፡ገና ፍሑኽ ከይበሉ ከይተበገሱ ብሂወትና ክጠልሙና ኣድብዮም ዘለዉ ኸ ድኣ እንታይ ዝኦሙ ማሰ ማሰ ክንብለሎም ደቀይ ሃብሮማት?ወደሓንኩም ኣብ ዝቕጽል፡፡

ዕጥቅና ሓቂ ኢዩ

ሓባራዊ ርእይቶን ገምጋምን

ብርሃነ፤ ሳምሶም፤ኣሕመድ፤ኪዳነ፤

selameri2012@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • habrom koreda March 31, 2012

    This article is absoultly true ,bcs let me say about the old leadership and followers all off them are the same as Isayas agenda ,only they waiting time to take power .who care about eritrean people except the young generation . pls my follow citizen let we leave them the old gang,all off them are loosers all over their life .age .mentaly ,family value,econmically,edcutionally,etics,morally .etc.So how we can expect good thing from them lastly they are evil,selfish,power temptation all over their life time.

    • jgna March 31, 2012

      Discarding the whole so called ‘histroy’ to the basket, may not help.

    • Fetawihaki March 31, 2012

      you are right the young generation have to take over the power, the older generation has sofar failed miserably, but they can’t be excluded from the power, since they are part of our society, otherwise it would mean, the young generation is also doing the same mistake as the old generation did.

  • Cambo March 31, 2012

    ሰሙናዊት ጥቕሲ፤
    ኣሜሪካ ኣጥቒዓትና። … ኣሜሪካ ብወርቂ ኤርትራ ትቐንእ እያ።
    ፡፡፡፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ: ንቲቪ ኤረ

    • jgna March 31, 2012

      hahahahaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaaa………

  • ahmed saleh March 31, 2012

    habromu koreda
    What do you mean by saying ” who care about Eritrean people except the young
    generation”. Your remarks is not helpful at this time of political crisis. And calling
    all the names in general to our elders like that can not bring constructive results.
    If you are with opposition, defaming and degrading each other can not bring
    constructive results. You can join the movement to replace them from the
    responsibilty as a young nationalist. But give them credit for holding the opposition
    alive for so long.

  • girmay March 31, 2012

    ethiopia is z only country 2 change z regime in eritrea so try 2 creat strong relation ship wiz meles zenawi and zen u will c z result.if meles endorse u 2 do so it is a matter of month’s 2 change z regime in asmara believe me.let me ask u all one question.just compare etihopia and eritrea in different streams,tplf and pfdj and meles and z reckless wed afom(jelgad)?long live 2 meles zenawi.

    • jgna March 31, 2012

      Dear girmay,
      why ethiopians pay a sacrifice for nothing. eritreans have to do it themselves, for themselves

      • girmay March 31, 2012

        u totally right jigna but how it comes like u mean from inside eritrea or ozer means p/s tell me more.any ways pfdj continues its distructive role in z region zat’s why z ethiopian measurement is influential.

        • Hama-sinai March 31, 2012

          Dear Girmay,
          I agree that the PFDJ has a destructive role in the region. Every eritrean knows this. All the people in the region are being harmed by the destructive role of esayas. Being aware of this, the people of eritrea shall avaid esayas by simply denying support (e.g. not paying the 2%). The eritrean military as part of eritrean people can have the highest role.

        • Woyane stealing Eritrean afar ,Potash &Gold April 1, 2012

          are you sure it is not to steal gold &Potash from afar land ?

        • Woyane stealing Eritrean Potash &Gold April 1, 2012

          are you sure woyane is not there to steal our potash and gold ?

  • danny March 31, 2012

    The message in the article above is the usual tired Eritrean politics – a so called opposition accusing another opposition body. Neither parties have any weight in dissuading the current Eritrean dire situation. The way I see it, Eritrea’s situation has become out of control from any so called political organizations, which includes the toothless “Eritrean government”. Eritreans have been on a path of self destruction for some time now and we are seeing the effect of our collective actions and inaction alike. Eritrea as it stands now is like a boat with a disabled engine floating on unsettled sea. Where this disabled boat ends up is anybody’s guess.

  • Wedi-Hhilo March 31, 2012

    The write this article has something which did not know himself. If we have to question, how should Eritrea be freed from the dictatorial regime, he would not give stright answer. I find this article very unhelpful and critizing the NDC which they are the best leaders so far. The writer might be a collaborator of the regime.

  • Shinti Ghemel April 1, 2012

    The NDC took an opportunist ,wishi washy stand…the Ethiopian governmrnt did not even let us of the planned invasion,out of respect…and then kept quite.As individuals you & I can say ,we are confused ,or take the right stand ,we will defend our border aiming at stealing our gold & potash…eventually …afars self determination & havoc in Eritrea ,we know the Woyane agenda, they may care less about barren land ,badme ,but potash ,gold & rich port ..with it´e abundant sea creatures riches…..is the hidden objective..we need to stand with eritrean people & government and then we will decide..the tigreans do not have to decide for us.We can not argue …what color we should paint our house..while it is on fire.woyane is tigreanizing our “refugee” citzens.

    • jonas-1923@hotmail.com April 2, 2012

      Shinti
      I wonder why you keep bringing Ethiopia, perhaps you have nothing good to say about dictator Isayas

  • M I April 2, 2012

    “ድሕሪኡ ዘይፈልጥ፡ ቅድሚኡ’ውን ኣይፈልጥን’ዩ”

    ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ገጹ? ዶ ኢልኩም።

    ብሓጺሩ ክንምልሶ እንተኾይንና፡ ናብ ገደሉኡኡኡኡኡ. . . . . እዩ።

    ብሰፊሑ ክንርእዮ እንተኾይንና ድማ ቀደሙስ “ድሕሪኡ ዘይፈልጥ፡ ቅድሚኡ’አን ኣይፈልጥን’ዩ” ተብሂሉ እንድዩ። ኪሎ ቡንን ኪሎ በርበረን ካብ ኢትዮጵያ ከምጽኡ ዝኸዱ እንታይ ቁምነገር ክገብሩ። ብዝኾነ ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ ድማ ደርጉሓሉ እንድዩ፡ ኣብ መፈለምታ ንወዮ ኣፈኛኦም ዝነበር መስኪናይ ዳኒኤል ተወልደ ብዘይ ብጫ ቀይሕ ምስ ኣረከብዎ ነገሩ ናይ ጥዕና ከምዘይነበር ሽዑ እቶም ዝጠራጠሩ ዝነበሩ’ኮ ፈሊጦምዮም

    • Tsighereda April 2, 2012

      haqka/ki M I hawey/ haftey.

      an keman zfelta gorebietna bazi msana tQmeT walahanti nay poletika zeytfelT Etiopia bexiha mexia gerimuni. entay tegieru ilka enthatetkay isaias khadm qeribu trah mbal entezeykoynu walahanti tfelto yeblan. nay daniel gn abeas tegagyom tray eya tbl ezi dma kab kalie zsemato ember entawy mkuanu daniel aytfeltn eya

    • Anti Woyane invasion April 2, 2012

      M.I
      Your information is not exactly correct ,technically speaking……the bayto/bayta people gave Daniel yellow card & then called Woyane´s secret service to give him the red card . They do not even have breakfast ,before woyane prescribes it.Well , here comes Kilili ,tigrinya,jeberti,tigre,kunama,afar…etc.

  • Duta April 4, 2012

    መጀመሪያ ነዞም ብድፍረት ሪኢቶኦምን ስክፍቶኦምን ብዛዕባ ባይቶ ኣዋሳ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ዝገልጹ ዘለው ባእታታት ክምስገኑ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኩሉ ጊዜ ሓደ ሓድሽ ተረኽቦ የጋጥም እሞ ዕበጦ ዕበጦ እናተባህለ ክሕለፍ ይጸንሕ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ውጺኢት ምፍንጫል ይኸውን። ስለዚ ማይ ከይመጸ መገዲ ማይ ጽረግ ከም ዝባሃል። ኣብ እዋኑ ምግላጹን ምርድዳእን ዝመስልዎ የለን። እንተ ብትሕዝቶን ዓይነትን ባይቶ እንተኾይኑ ግን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋበአ ጉባአታት ሰልፍታትን ውድባትን ዝተፍልየ ኣይኮነን።እቶም ብድረጃ ፈጻሚ ኣካል ነቲ ባይቶ ዝመርሑ ዘለው ባእታትውን መብዛሕቶም ዋና ተዋሳእቲ ምፍንጫላትን ቅርሕንትን ሰውራ ኤርትራ እዮም። ስለዚ ካብዚኣቶም ቅኑዕ መሰረታዊ ፍታሕ ምጽባይ,ሲ የዋህነት እዩ ዘመልክት ። ስለዚ ወንጮ እንተ ገልበጥካዮ ወንጮ እዩ ነገሩ

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply