Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ባዕለይ ተዘንጌዐ`የ!” – ብ ሃንቀውታ ወዲ ሃንስ (ካብ ኣስመራ)

መቸም እዛ ደርፊ ናይ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈትላ ግዜ እንክንዝክር፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ግዜ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራ ዘርከብና እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ እዚያዳ ተምሳጥን ተዘክሮን ጠቡላሕታን ዝገደፈ ህሞት እዩ። እምበኣርከስ እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። ኣብቲ

መቸም እዛ ደርፊ ናይ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈትላ ግዜ እንክንዝክር፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ግዜ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራ ዘርከብና እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ እዚያዳ ተምሳጥን ተዘክሮን ጠቡላሕታን ዝገደፈ ህሞት እዩ። እምበኣርከስ እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። ኣብቲ እዋን ካብቶም ቀዳማይ ተሓባባሪ ስርዓት ኢትዮጵያን መሓዛ ሃጸየ ሃይለስላሴ ዝነበረ ጀነራል ተድላ ዑቑቢት ምዃኑ ኩሉና እንዝክሮ ክሳብ ሕጂ ዘይሃስስ ተዘክሮ ናይ ደርጋ ትማል ዛንታ እዩ። እዚ ኣንደኛ ፍታውን መሓዛን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተወሃቦ ዕማም ምፍራስ ፈደረሽን ምስ ወደአ ከምቲ “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ” ከምዝብሃል፡ እዞም ብኽሕደትን ጥልመት ዝተፈልጡ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ነዚ ወልቐ-ሰብ ኤርትራዊ ሞሱኡን ዓስቡኡን ጥልመት ኮነት።

 

ሽዕዑ ከምቲ ዘያማይ ዘዜየማ ‘ባዕለይ ተዘንግዐየ’ ብዘስምዕ ቃና ንኹሎም እቶም ዓበይቲ ዓዲ፥ ብፍላይ ድማ ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ ዝነብሩ ከም በዓል ኮለኔል ገብረመድህን ኣስሄል ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል ድማ ኣበይ ነይርካ ሎሚ ኢሎም ወጺኢታዊ ስራሕ ክዕመም ከምዘይክኣል ድማ ሓበርዎ። ሽዕዑ ድማ ባዕለይ ተዘንግዐ`የ እንዳበልካ ምቑዛም ኮነ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተሉ ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ድማ ብኸመይ ከምዝቐትልዎ መደብ ሓንጸጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነፍሱ በዓሉ ከምዝቐተለ ኣምሲሎም ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ቀንጸልዎ። በሉ ኣሕዋት ናይ ሓደ ንህዝቡን ሃገሩን ዝኽሕድ ዕሱብ ዝህልዎ እንኮ ዓስቢ፡ ጥልመት በቶም ዘኣመንዎምን ዝኸደመሎምን መሳፍንቲ እዩ።

 

ካብ ፈለማ ታሪኽና ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ካልእ ፖለቲካዊ መስርሕ ምትሕንፋጽ ዘይኣድላይን ዘይክውነታውን ዘይሰናዱ ከምዝነበረ ንናይ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ሰብ-ስልጣን እውን ከይተረፈ ዘሓርበቶም መስተንክር ዝነበረ ፍጻሜ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብ ብዘይምግናን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ነይሩ። እስከ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክነቛምት ንፈትን። ምእንቲ ክነወዳድር ሕብረተሰብ ኤርትራ ቅድሚ ምስፍሕፋሕ መግዛእቲ ዝነበሮ ኩነታት ንመልከት። እዚ ማለት ድማ ብደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብን ቁጠባዊ ምዕባለን መራኸቢታትን ክነወዳድር እንከለና፥ ዝነበረ ፍልልይ እዚ`ዩ ኢልካ ክተነጻጽር እውን እንተኾነ ዝሕርብት ኩነት ነይሩ።

 

ኩለን ገጠራት ወይ ዓድታት ኤርትራ ኣብ ሕርሻ ዝሙርከስ መነባብሮ`ኳ ዝምርሓ እንተነበራ፥ እቲ ቀንዲ ርቛሒ መሬት ብኸመይ ይመሓደር ነበረ ኢልካ ምውካስ ኣገዳሲ ይገብሮ ነዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ሰነ-ሞጎት ዘራጉደልና ዛዕባ እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ድማ ስልጡን ወይ`ውን ኣይስልጡንን ኢልካ ኣብ መደምደምታ ንኽትበጽሕ ዋንነት መሬትን ምሕደርኡን ከመይ ነበረ ምባል ጨለ ዛዕባ እዩ። እዚ ማለት ግን ንመላእ ኤርትራ ጉዳይ መሬት ዝትንክፍ ወይ ዝጸሉከምዘይነበረ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ። ብተዛማዲ ጉዳይ መሬት ካብ ካልኦት ቦታታት ኤርትራ፥ እዚያዳ ኣብ ከበሳ ኣዚዩ ተኣፋፍን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ቐንዲ ዛዕባ መሬት ርሱን ዝኾነሉ ምኽኒያት ኣብዚ ከባቢ ድማ መሬት ኣብ ከበሳ ኤርትራ ድሩት ምንባሩን እዚ ድማ ንርዱእ ኩነታት መነባብሮ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ምስ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ፥ ጉዳይ መሬት ኣብ ከበሳ ኣዚዩ ተኣፋፍን ከም ብግዜ ዝነቱግ ወይ ድማ ዝፍንጀር ፈንጂ እዩ ክብሃል ይክኣል።

 

ነዚ ጉዳይ በብቲ ዓዳዊ ሕግታት እንዳ`ባ ኣተሓሕዛ መሬትን ምሕደርኡን ክንግንዘብ ይግባእ። ዳርጋ እቲ ሕጊ እንዳ`ባ ንኹሉ ወዲ ዓዲ ብፍላይ ድማ ደቐ`ባት ዝብሃሉ መሬት ናይ ምርካብ መሰል ነይርዎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ምምቕራሕ መሬት ድማ ሓውሲ ዴስነታዊ ይምስል ነይሩ። ምናልባት ሕጊ ኣድከመ-ምልጋእ መሬት ጽልሚ ብምንባሩ ዋንነት መሬት ከከም ሃብቲ ናይ ውልቐ-ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኣብ ከባቢ ብሕጊ እንዳ`ባ ኣድከመ-ምልካእ ዝመሓደሩ ጉዳይ መሬት ዓቢ ግምት ይወሃቦ ከምዝነበረ ይዝንቶ። እዚ ማለት ግን መሬት ዘይብሉ ወደ`ባት ኣይነበረን። ኣገባብ ኣተሓራርሳ ድማ ምስ`ቲ ኣብ ካልእ ዝነበረ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክነጻጸር እንከሎ ድማ ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ኣገባብ ማሕረስ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

 

ካልእ ምኽኒያት ምስ ምእታው መግዛእቲ ጥሊያን ኣብ ኤርትራ፡ ደረጃ ትምህርቲ ብመጠን ካብቲ ዝነበረ ድሕረት ውሑዳን ሰባት ናይ ትምህርት ዕድል ክረኽቡ ኪኢሎም። ብዓቢኡ ግን ኣብ ኢደ-ስራሓት ኣብ ኩሉ ዓይነት እንዳሰፍሐን እንዳዓበየን ከይዱ። ትምህርቲ ንኹሉ ድለየት ዘለዎ ግን ኣብ ዘመን መግዛእቲ እንግሊዝ ብሰፊሑ ክታኣታቶ ጀመረ። እቶም መንጽርና ሃገር`ከ ከመይ ነበሩ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ይግብሮ። ዳርካ ብሙሉኡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ናይ መስፍንነትን ባርያን ስርዓት ከምዝነበሩ ብጭቡጥ ኣብነት እንዳቕረብካ ክዝርዘር ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ናይ ትማል ተዝክሮ ድማ ስለዝኾነ ብዙሕ ይግባይ ዝባሃሎ ኣይኮነን።

 

እሞ ብሕጽር ዝበለ እዚ ዓይነት ናይ መነባብሮን ፍልጠትን ፍልልይ እንዳሃለወ ብኸመይ ምስ ኢትዮጵያ ክንቑረን ጥራይ ዘይኮነ ብዘይተመሃሩ ሰባት ኤርትራውያን ክምሓደሩ ኪኢሎም? ክሳብ ሕጂ ኣነ ዝግርመኒ ሕንቕል-ሕንቕሊተይ ኮይኑኒ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ዝልዓለ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣኽሊሉ ሃብተወልድ እውን እንተኾነ ነቲ ምውህሃድ ወይ ምትሕውዋስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብትሪ ካብ ዝተቛወሙ ሰብ እዩ። እሱ ካብቲ ዘቕረቦ ሓሳብ እዚ ክብ ኢሉ መነባብሮን ዓቕምን ፍልልይ ናይ`ዘን ሃገራት እዩ ነይሩ ይብል። እቶም ስልጡናትን ምሁራትን ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ፍርሒ ዕብላላ ኤርትራውያን እቲ ምትሕንፋጽ ብትሪ ይኹንንዎ ነይሮም። እሞ`ድኣ እንታይ ተረኽበ ንምትሕንፋጽ ዝነበረ ምጉያይ ብወገን ኤርትራውያን፥ ብዝኾነ ነዚ ነገር ‘ተዘንግዐ’ ኢልና ክንሓልፎ እንከለና ሕጂ ግን ክንመሃረሉ ይግባእ።

 

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን ናይ`ዞም ባዕለይ ተዘንግዐየ ሽግር፥ ድሕሪ ምትሕንፋጽ ወይ ድማ ምሕባር ምስ ኢትዮጵያ ኩነታት ከመይ ነይሩ ንበል። ኢትዮጵያ ድለየታ ምስ ፈጸመት ድማ ሓደ ብልሃት ኣጻወደት። እዚ ድማ ከምዚ ሕጂ ኣሜርካ እትገብሮ ዘላ ናይ Brain Drain ኣገባብ ተጠቒማ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ዓቕሚ ሰብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እንተ ብሜላ እንተ ብድሎ ናብ ኢትዮጵያ ኣግዓዘቶ። ሰብኣዊ ዓቕሚ ጥራይ ኣይነበረን እተወስደ ንኢትዮጵያ፥ እንተላይ እቲ ንዋታዊ ጸጋ ኤርትራ`ውን ንኢትዮጵያ ክግዕዝ ተፈርደ። እዚ ንምንታይ ዕላማ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኩነታት ኣቐድም ኣቢሉ ብእንግሊዛውያን ዝተፈጸመ በደል መቐጸልታ ምድኻም ንኤርትራን ኤርትራውያንን እዩ። ግብረ መልሲ ናይዞም ስድራ-ቤት ‘ባዕለይ ተዘንግዐየ’ እንታይ ነበረ እንተበልና – ማሕበር ተጣዒሰ ምቛም ነበረ።

 

ታሪኽ ኣፍሪቓውያንን ሃገራት ኣፍሪቓን ብናይ ስትራተጂካዊ ጠመተን ድለየትን ሓያላን ሃገራት ምዕራብ ዝተመርኮሰ እዩ። በዚ ምኽኒያት ድማ ሃገራት ኣፍሪቓ ከም ሃገራት ኮይነን ክድኮና ከኣላ። ኤርትራ`ውን እንተኾነት ካብዚ ክውንነት ክትወጽእ ኣይኮነንትን። ምእንት`ዚ ነዚ ሓሳብ ክነርጉድ ካብ መግዛእቲ ጥሊያንን ስትራተጂካዊ ጠመትኡ ኣብዚ ዞባ ወይ ከባቢ ብመንጽር ግዜ ክርአ እንከሎ፥ ኣብ ክልተ ዝተኸፈለን ምስ ናይ 1935 ዓ.ም. ዝተኣሳሰርን ድማ እዩ። መንግስቲ ጥሊያን ድማ ክልተ ማንታ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣንቒዱ ይሰርሕ ነበረ። እዚ ድማ ‘ፖሊቲካ ሽዋና’ ከምኡ`ውን ‘ፖሊቲካ ትግራይ’ ተባሂሉ ይፍለጥ። ዕላማ ናይ`ዚ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እንታይ እንተ ተባህለ፥ ብመሰረቱ ምስፍፋሕ መግዛእቲ`ኳ እንተኾነ ግን ነዚ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕ ሓደ ፖለቲካዊ ስትራተጂ እዩ። እዚ ድማ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ጸንቢርካ ምግዛእ ወይ ድማ ንኽልቲአን ሃገራት ብተናጸል መግዛእቲ ንምቕጻል እዩ። እንተኾነ እዚ ፖለቲካዊ ጠመተ ብሰንኪ ስዕረት ጥሊያን ሸትኡ ከይወቕዐ ተረፈ።

 

ብድሕር`ዚ ዝመጸ ኣተሓሳስባ ናይ ኢንግሊዝ እዩ። እዚ ናይ ኢንግሊዛውያን ስትረተጂ ብቐንዱ ኣብ ኣተሓስሳብ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ መቐጸልታ ናይ ጥሊያን እዩ። እቶም ብእንቶኒ ኤደን (Anthony Eden) ዝምራሕ ዝነበረ ነቲ ቕድሚ 1935 ዓም ዝነበረ ኩነታት ከርዕምን ክጸድቕን ይብህግ ነበረ። እዚ ማለት`ከኣ ነቲ ቕድሚ ኩናት 1935 ዓም ዝነበረ ኩነታት ናይ`ዘን ሃገራት ከምዝነበርኦ ክቕጽላ ዝብል ምጉት እዩ። ብኣንጻሩ ድማ እቲ ብናይ ብርጋዴር ጀነራል ስተፈን ሎንግሪግ ( Brig. General Stephen Longrig) ዝምራሕ ከም ምክትል ኣመሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል  ከነዲ ኮክ ( Brig. General Kenedy Cooke) ካልኦት ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኣብዚ ዞባ ናይ ፖለቲካ ትግራይ- ብትግራይ ትግርኝ ዝፍለጥ- ዝድግፉ ነበሩ። እንተኾነ እዚ`ውን ብሰንኪ ናይ ራእሲ ስዩም መንገሻ ጥልመት ውጥን እንግሊዛውያን ዕውት ክኸውን ኣከኣለን። ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ ግን ናይ እንግሊዝ ስትራተጂካዊ ጠመተ ብሰንኪ ኣብ ዝሑል ኩናት ብዓወት ክትወጽእ ዘይምኽኣላ እቲ ጉዳይ ፍሹል ኮነ።

 

ብድሕሪ`ዚ ዝቐጸለ ዓብላልን ሕጂ`ውን ዝቕጽል ዘሎ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ንዝተኸስተ ዝሑል ኩናት እንግሊዝ ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ ክትወጽእ ብዘይምኽኣላ ዝሰወደ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኣሜርካ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ጠመተ ኣብዚ ዞባን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ዓይነት ፖሊሲ ተኸቲሉን ዝፍጠሮም ሽግራት`ከ ክንፍትሽ ንፈትን። ብመሰረቱ ከምቲ ኣብ 1952 ዓ.ም. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትቑረን ዝተወሰነ ንረብሓን ስትረተጂካዊ ጥቕምን ኣሜርካ ንምርዋይን ምዕዋትን ዝተገብረ እምበር ኣብ ፍትሕን ርትዕን ዝተመርኮሰ ከምዘይነበረ እቲ ሃገር ብመንገዲ ልሳን ወጻኢ ጉዳያታ ሚስተር ጆን ፎስተር ዳልላስ (John Foster Dallas) ኣቢላ ግሁድ ጠመትኣ ወይ ስትራተጅኣ ደርጉሓቶ እያ። በዚ ምኽንያት ድማ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራውያን ተኾልፈ። እዚ ዘይቕየር መርገጺ ኣሜርካ ክሳብ ሕጂ ንዓና ኤርትራውያን ኣብ ደልሃመት ሸሚሙና ይርከብ።

 

ኣብ መጀመርታ ናይ 1960 ዓ.ም. ነዚ ዝተኾለፈና ዕድልን ዝተነፈገና መሰል ክንመልስ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ግድን ኮነ። ብዙሓት ናይ`ቲ ግዜ መንእሰያት ካብ ኩሉ ዓይነት ሰባት ማለት ምሁራትን ገባሮን ድማ ኣብ ደንበ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ተጸንበሩ። እዚ ዘምጽኦ ሽግር እንተሎ እቲ ክመሓላለፍ ዝግብኦ ዝነበረ ውርሻታት ክኹለፍን ኣብ ኤርትራውያን ድማ ውርሻዊ ሃጓፍ ወይ ወለዳዊ ሃጓፍ (Generational Gap) ተፈጥረ። ካልእ ዝፈጠሮ ሽግር ድማ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ፍልልይ ስልጣነ ኣብ ኩሉ ዓይነት ድማ ጸቢቡ ጥራይ ዘይኮነ ኮር ተገልበጥ ኮነ። እዚ ድማ ናይ መወዳእታ ዕላማን ተልእኾን ናይ ኢትዮጵያን እተን ንኢትዮጵያ ዝድግፋ ዝነበራ ሓይልታት/ሃገራት ዓወት እዩ።

 

ንሕና`ኸ ነዚ እከይን ሓደገኛ ውጥን ብኸመይ ገጢምናዮ? ምናልባት እዚ ውጥን ናይ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያን ይኸውን ኢለ ኣይግምትን። ምኽንያት ሕጂ ክተንብቦ እንተፈንቲንካ ክሳብ ናብቲ ሰውራ ኤርትራ ዝሶለኸ ውዲት  ኮይኑ ይስምዓካ። ስለዚ ዓቢ ውዲት (Conspiracy) ክህልዎ ከምዝኽእል ንማንም የዋህ እውን ዘደናግር ኣይመስልን። ምእንት’ዚ ስድራ-ቤት ‘ባዕለይ ተዘንግዐየ’ ድማ ብዘይካ ካብ መግዛእቲ ሓራ ምውጻእ ዝነበረ ህንጡይነትን ውዕዉዕ ድለየትን ነቲ ዝተጠጀአን ዝጥጃእ ዝነበረ እከይን ተንኮልን ሓደገኛ ውጥን ኣይቕለብሉን። ብኣንጻሩ ግን ብዙሕ ናይ መንነት ፍልልይ ዘይብልና ክንስና ኣብ ኣውራጃ ካልእ ጸቢብ ረብሓ ብምትጓር ንጸላትና ከፋት ሓዲግና ጥራይ ዘይኮነ ሰውራና በላዕተኛ ተበላጽን ክዕንድር ባብ ኣርሒናሉ።

 

ብኻልእ ኣበሃህላ ነዚ ውዲት ገዘእቲ ሓይልታት ንምቕላሱ ብወገን ኤርትራውያን ዝተወስደ ቃልሲ የለን ክንብል ንደፈር። ኣብ ሰውራ ዝትሰለፉ ኣዚ’ዮም ሓያላትን ምሁራትን ተሳቲፎም ጥራይ ዘይኮነ ህይወቶም ንምሃብ ድማ ድልዋት ነበሩ። እንተኾነ ኣብ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ነቲ ብኩናት ዝግበር ምስ ጸላኢ ጥምጥም ዝነበረ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሰውራ ዝህልዉ ውሽጣዊን ሓሳባዊን ቃልሲ ከስተብህሉ ዘይምኽኣሎም ነቲ ዝተጠጀአ ውዲት ክገጥምዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ግዜ ሰውራ ብፍላይ ኣብ ምውላድ ህዝባዊ ሓይላታት (ሰልፊ ነጻነት) ዝተሰለፉ ገዳይም ተጋደልቲ ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ ዋንነቱ ናይ`ቶም ዕሱባት ውሑዳን ኣገልገልቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክትፈልጦ ዘሸግር ኣይኮነን። ኣብ ከለ ጽሑፋት ከም ዝተዘርግሐ ናይ ቃለ-ምሕተት ዝተገብረ ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ሃጽየ ሃይለስላሴ ንገለ ብወለዶን ምትእስሳር ዘልዎምን ካልእ ኤርትራዊ መበቖል ዘልዎም ኮይኖም ምስ ንጉስ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮም ነቲ መጀመርታ ዝፈለመ ሰውራ ንምቑጽጻር ስልኳ ከምዝገበሩ ይዛረቡ እዮም። እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ምውላድ ህዝባዊ ሓይልታት ንምሁር ኣካል ምእንቲ ክርዕድ ኣብቲ ሽዕዑ ዝነበረ ውንጀላ ሲ.ኣይ.አ. (CIA) እንዳበልካ ምጽላምን ምቕንጻል ንጹሃት ተጋደልቲ ልሙድ ተርእዮ`ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ብተንኮል ዝተሰለፈ ጉጂለ ንሰውራ ብምብሓት ናብ`ቲ ዝደልዮ ከቕንዖ ግዜ ኣይወሰደን። እቲ ዝሕዝንን ዘገርምን ናይ`ዚ ፍጻሜ ምህማል ንሳልሳይ ግዜ ስድራ-ቤት ‘ባዕለይ ተዘንግዔ’የ’ ኮነ።

 

ድሕሪ ሓርነት ኤርትራ ዝተራእየ ነገር እንተሊዩ መቐጸልታ ናይ`ቲ ኣብ ሰውራ ዝነበረ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብመሰረቱ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣይድልየኒን’ ዝብል ምትርጓም ጥራይ ዝነበረ። እዚ ከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ መጀመርታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጻወትዎ ውዲት እንተሊዩ ነቲ ቀንዲ መትኒ ኩሉ መዳይ ንጥፈታት ዝኾነ ትምህርቲ ምኹላፍ ነበረ። እዚ ህዝቢ ከይምሃር ምእንቲ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ኣፍደገታት ትምህርቲ ምዕጻው ዝብል ተልእኾ ምትግባር እዩ። ሕጂ`ውን እንተረኣና ካብቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ብዝኸፍአን ብዝሓየለን ኤርትራዊ ዕድላት ትምህርቲ ከይረክብ ምዕጻው ኮነ። ቅሩብ እሞ ንስተውዕል! ኣብዚ እዋን ኤርትራዊ ክስደድ’ዶ ምተገበአ? እንታይ እዚ ኩሉ ጸገም፥ ኣስተውዕል ኤርትራዊ ዜጋ።

 

ኣብ መወዳእታ ነዚ ጽሑፍ ብናይ ደርፊ ዑቑባጋብር ገይረ ክድምድሞ መሪጸ ኣለኹ። እታ ደርፊ ድማ ከምዚ ትብል፥-

 

ዕሱብ ጸላኢ ከላእ ትኹኖ!

ኣንታ ኤርትራዊ መንእሰይ ወልዶ

ኤርትራዊ ምዃን`ካ ኣይስቖረካን`ዶ

ኤርትራ ተዓሚጻ እንከላ

ብባዕዳዊት ኢትዮጵያ

ኣብ ክንዲ ሃገርካ

ምግልጋል ወልቀ-ስባት

እንታይ ኣምጽኦ!

 

ኣብነት ይኹንካ ታሪኽ ናይ ኣቦታት

ኣብ`ዘይ ዕላምኦም ትሪቡሊ ብምኻድ

ሕብሩ ብዝለወጥ ናይ መግዛእቲ ሜላ

ምጽናት ኤርትራዊ`ዩ ነይሩ ናቶም ዋዕላ——-

————

እዛ ቁንጃል ካብ ናይ ደርፊ ስውእ ዑቑባጋብር ዝተወስደት ነዚ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ተዘንቱ እያ። ብዙሓት እንተ ብረብሓን ፍላጥን ካልኦት`ውን ብዘይፍላጥ ነዚ ኣረሜን ዝኾነት ጸላኢ ህዝብና ይሕጉዙ ኣለዉ። ነዚ`ቶም ድማ ኣብነት ይኹነኩም ህልዊ ኩነታት ምባል እኹል እዩ።

 

 

ብ ሃንቀውታ ወዲ ሃንስ (ካብ ኣስመራ)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Asghedom Woldeghiorghis June 22, 2014

    You are saying that Issays is not Eritrean, for me he is not even Tigrian.
    if eritrea was so civilized as you want to present it, why they don’t collaborate with ethiopians to change the ethiopian regime.
    When ethiopians was rebeling aganist the ethtiopian king are not rritreans who protect them and he came directly to Asmara than ti Addis Ababa.
    You have mentoned two songs of two eritrean singers, and belive me my brother we have sing a lot of songs until know.
    Eritrean problem is lack of proper analysis of thiet will, all the mistakes has been done by others not by them.
    As you say if we were so civilized why most eritreans was for unity with ethiopia.
    Eritreans has been always chested, by itslians, british, arabs, americans and ethiopians . Even now free country is cheated.
    There is no end of eritreans to complain.

  • Eritreawit June 22, 2014

    Asghedom Woldeghiorghis.

    May be the people who were saying andenet with ethiopia are just like you. Are you Eritrean or Ethiopian? pick one for GOD sake.

    • asghedom June 24, 2014

      eritrawit what is your problem, are not we say he is Agame, are Eritrean so stupide to accept as their ruler a foreigner, if for you he is not say form Isayas is Eritrean. My position is he is Eritrean and he formed in Eritrea according the reflation of Eritreans a Government of Anterat.
      instead to know if I am Eritrean or Ethiopian is Asghedom, this name is more clear than ever , you yourself you say a lot about Eritrea and you feel to be Eritrean, tell me your real name then I will deduct myself where you belong. those who hide their proper names are unknown and we don’t know if they are Eritrean or Ethiopian. we are always writing in English , may be from the university of Cairo.

  • Selam June 23, 2014

    Thanks for the interesting article but I have a question to the writer. I don’t understand when you said that the USA POLICY IN THE CASE OF ERITREA IN THE 50S WAS ONE THAT SUPPORTS THEIR WON COUNTRY ‘S INTEREST, AND ALL NATIONS DO THAT!! YOU ALSO MENTIONED AS IF THE USA POSITION TOWARDS ERITREA HAS NOT BEEN CHANGED. YOU ALSO ADDED AS IF WE ARE SUFFERING TO THIS DAY BECAUSE OF USA? I found this article interesting but surreptitious….

  • Saba June 23, 2014

    ኣገናዕ ወዲ ሃንስ ሓወይ ። ከማኻ የብዝሓዮ። እንተ ዘረባ በዓል ኣስገዶም ከምቲ ናትካ ብስነ ሞጎትን ተንቲኖም ሓሳቦም ዘየቕርቡ ሸለል በሎም፤ “ከማኻ ዘይክእላ፡ ብኣኻ ይወዓ” እዩ ነገሩ።

    • asghedom June 24, 2014

      emo Sabaye , enaderfiki niberi ember , entay do kinbeki ena.
      naayne nikemain zimeselu Agewgew ayfetwen, derfi wedi derfi, neberya nebere entay nebere , zitkem ente koynu kulgzie komu geberi.
      Hait Sabina on.

  • MightyEmbasoyra June 23, 2014

    Is there anything new on this article? What is the point of telling me what I have heard it a zillion times?

    • henok June 23, 2014

      thank you

    • Saba June 24, 2014

      MightyEmbasoyra
      እዚ ጽሑፍ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ፍትሒ፣ ሕጊ እንዳባ፣ ዝፈልጥ ሰብ ከምዝጸሓፎ ብተግባር ብቕልል ዝበለ ኣጻሓሕፋ ታሪኻዊ ጽሑፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ሕብረተሰብ እንታይ ክገብር ክምዘድሊ ብውርዙይ መልኽዕ ኣቕሪቡ። ታሪኻውን ኣብ ኩሉ ቋንቋታትን ክትርጎም ዘለዎ ጽሑፍ እዩ። ኣገናዕ ወዲ ሃንስ።

  • haile June 23, 2014

    NO BODY LEAVES IN HISTORY.

  • Teclay June 23, 2014

    Asssena

    Why do you allow such idiotic article ? while you ave already at hand very important issue like the new movement in Eritrea.
    This idiot writer posted 2 songs.What he forget is we have millions of songs,we have been making Guaylas through out the year no fasting months no KIRAMAT . As we all know Guaylas were taken place only 3 times I.E January(tiri, ibidi)-after Ester (fasiga)-septemper (meskelel).Now Guaylas and songs plus refugees are our trade mark,like Mercedes-Benez belongs to Germany and Football to Brazil.
    This idiot, i do know what its motive is , but he deflects us from the good news coming from Eritrea,this 2 days .

    • ahmed saleh June 23, 2014

      Teclay
      ” This idiot ” ….. WHY ?
      Because it hurts to read history of Ethio-Eritrean past misdeeds .
      You might cover Ethiopia’s reality with honey but we know well inside of it is bitter .
      They cheated our fathers before and we have obligation to resist not to repeat same mistakes .

      • Suleman June 23, 2014

        Ahmed, now the “Backward” ethiopians are gone….and it is about time to enjoy your unity and freedom, in fact it has been long overdue. Civilized people don’t dwell much on history more than their present and future destiny. Forget individuals like Asghedom & Teclay, instead focus on the fruits of the hard won “freedom” and “liberty” and dance to the tune of the songs of your liberators’ like ‘Yohanna yohanna, Bikalsina, Bitsefirana and etc. Long live HIGDEF!!!

        • ahmed saleh June 23, 2014

          Suleiman
          Regardless our political differences I prefer HGDF supporters than the unknown pro-Ethiopia
          elements who question to degrade our unsung heroes sacrifices because time will come for our
          common interest like Ethiopians with multiparty system on some extent .
          Firm stand on free Eritrea is my primary belief and I put internal politics at secondary
          issues . Their efforts to exploit this current leadership faults to make an excuse …….
          with no shame at all to sell out their own people demands , SHITARAKHUM AB KALEOT GUBERWO BELOM .

          • asghedom June 24, 2014

            Ahemed Saleh

            of course prefer HGDEF , because the inventor of these political man is the son of unknown Jeberti from Keren and his mandate is to summaries Tigrigna people. you don’t have political difference with HEGDF but you like the end of this Tigrigna speaking of Eritrea. you like Tigrigna people’s exude and death until these I know. You read the son ” BAeley Tezengye” that is good for you

        • Asghedom Woldeghiorghis June 26, 2014

          Ahemed Salehifvyou read well I don’t insult people, I read thier idea and I present that is wrong.
          Imdon’t insulti any one only I say my idea different from him.
          Read what I am saying and if you can correct me from my words.
          I will never angry when prople are insulting me oe saying some thing which some times they makemmimvery angry, but Imprefer some times nor to argue with peoplechave no idea about freedom, history, science , theology and other several things. We have arrived even to forget our language.
          I wrote my idea about jeberti, and steel continuein to study more, and I don’t agree with some jeberti they want to be Arabs, for me they are my brothers whospeak tigrigna and respected Muslim. In reality I am not anti muslimu that I admire them dearly.
          In any case I am happy too, because you are interested reading and giving your Idea.
          I appriciate you and continue lije this, we need more dialoge and communiation.

    • TwoWayStreet June 23, 2014

      Teclay,
      Abotat kimisilu, “HABAL’SI HABAL AYIBELKA” yiblu; Derfi kab xela’ka misila kea tixelie keytikhewin dea’ember.

      • Teclay June 23, 2014

        Teclay,
        Abotat kimisilu, “HABAL’SI HABAL AYIBELKA” yiblu; Derfi kab xela’ka misila kea tixelie keytikhewin dea’ember.

        Twowaystreet
        Do you think about your name ?one way street would be appropriate to you .

        First you have to read my comment before you start to criticize .
        -Our fathers use MISILA ;to express them selves in short and to transfer their massage easily to the stone
        heads.
        -Did i say i hate music (i try to play 3 musical instruments) ,,but there is time for Guayla . The one who goes to Guayla this time,for sure his brain must be not in his head but on his foot.brother check Your brain ok!

  • Saleh Ibrahim June 23, 2014

    Eritrea is alreay in despair, there is no bright future except a looming darkness. These are the choices we are currently facing. At this critical poletical juncture, the question is, therefore, what is to be done? Please wake up and let us do something. Indeed Eritrea is at a crossroads.This is the right time to take action to save Eritrea.

  • Kifle Nerayo June 23, 2014

    Wedi Hans, thank you for the enlightening piece of history you managed to relay. One thing you did not mention as one from those sent by ethiopia was Isayas. Otherwise, you raised most analytic information about our past and causes of our sufferings. Those who are trying to distort are those not with opposition, and most likely are siding with the wrong side of history. therefore, I express my gratitude and join Saba’s praising of you for the article. Please continue with your original articles for it will enlighten and strengthen the opposition. Thank you once more.

  • Paradiso June 23, 2014

    According to this article, Eritrea is nothing but a history of helplessness and complaints in its brief existence.

    Eritrea has become a land of people who complain of everything. Without any shame, they complain about the past day and night; they hate themselves none stop; they burn their own languages without shame; they don’t seem to like themselves in the mirror.

    It has hard to expect people who complain too much and hate themselves to accomplish anything worthy except destruction.

    • asghedom June 24, 2014

      Paradiso
      thanks , that what we are saying, we are complaining with every one, it is not possible. we are complaining even of our choose, but we never complain of our wrong doing and analyses

Post a Reply to gaulabot Cancel Reply