Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በቲ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ዛላምበሳን ዝተኻየደ ምኽፋት ዶባት ዕድል ተጠቂሞም ብዙሓት ኤርትራውያን ዶብ ሰጊሮም ኢትዮጵያ ከምዝኣትዉን ከምዝተሸርቡን ተፈሊጡ።

እቲ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ዛላምበሳን ህዝብን ሰራዊትን ክልቲኡ ህዝብታት ንምርኻብ፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድን ዝተኻየደ ምኽፋት ዶባት ኣጋጣሚ ተጠቂሞም፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብስድራን ብውልቀን

እቲ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ዛላምበሳን ህዝብን ሰራዊትን ክልቲኡ ህዝብታት ንምርኻብ፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድን ዝተኻየደ ምኽፋት ዶባት ኣጋጣሚ ተጠቂሞም፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብስድራን ብውልቀን ዶብ ሰጊሮም ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉን ብኡ ኣቢሎም ከምዝተሸርቡን፡ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሪታ ኣረዲኡ።

 

ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢኡ ዝሽቅጦ ዘሎ ግሉጽነት ዝጎደሎ መስርሕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፡ እከይ ተግባራቱ ንምጉልባብን ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዶብ ከይተሓንጸጸ ሰላም ስለዝተገብረ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተፈትሐ ከምስልን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቀጻሊ ዳንኬራ የካይድ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ኣወንታዊ ለውጢ ስለዘይተራእየ፡ ህዝብና ንሕሰም ክቃላዕ ክስደድ እምበር ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ክሳቀ ድሌት የብሉን።

 

ካብቶም ዶብ ዝሰገሩ ኤርትራውያን፡ ክፋል ስድራቤቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ስደት ስለዝቅመጡ፡ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ንምኻድን ጉዳያቶም ንምስላጥ’ኳ እንተኾኑ፡ ዝበዝሑ ካልኦት ግን ጨካን ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ ስለዝመረሮምን ህይወት ኣብ ኤርትራ ተስፋ ዝለዝሰኣኑሉን’ዮም እግሮም ናብ ዝምርሖም ዝነፍጹ ዘለዉ `ዮም።

 

እዚ ድሕሪ’ቲ ዘይንጹር ስማዊ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽታሙ ዝርአ ዘሎ ምስጋር ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ስርዓት ደርግ ኣብ መፋርቅ 80’ታት ብድርቂ ኣመኽንዩ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሰውራኦም ንምንጻልን መንነቶም ንምህሳስን ናብ “ማእከል ሃገር” (ማሃል ሃገር) ዝተፈተን ምጽናት ከምዝመሳሰልን ብድሕሪት ፖለቲካዊ ዕላማ ከይህልዎን ኤርትራውያን ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። እዚ ብቀጻሊ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዝበታተን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ህላወ ጥምርቲ ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱን መሬት ኤርትራ ካብ ዜጋታታ ትሕብሕብ መዕንደሪ ወጻእተኛታትን መተግበሪ “ተደሚርና ኢና፡ ሓደ ህዝቢ ኢና” ዝብል ፍልስፍና ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ከይትኸውን ዘሻቅል’ዩ።

 

እቲ እንኮ ፍታሕ ድማ ፡ ነቲ ጠንቂ ድኽነት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ምብትታን ስድራቤታትን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምምካትን ምምሓውን እምበር፡ ካብ ኣፍ ዝብኢ ኣምሊጥካ ናብ ዝኸፍአ ባርዕ ሓዊ ምጥባስን ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅን ስጉምቲ ምውሳድን ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ፡ ህዝብና ብኣጋ ክነቅሓሉን ክጥንቀቀሉን ይግባእ።

 

ሸፈጥን ስርቅን ዝስንቁ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ወጥሪታቱ ንምህዳእን ዘሎ ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕን፡ ንእሱራት ምሕረት ምሃብ፡ ንተቃወምቲ ወድባት ኣብ ዳግመ ህንጻን መስርሕ ዲሞክራስን ክሳተፉ ምዕዳምን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ምዝታይን፡ ዘካይዶ ዘሎ ኣወንታዊ ተበግሶ፡ ክመዓራረን ደላይ ሰላም ክመስልን’ዩ ዝፍትን ዘሎ።

 

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ብስም’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ ብመንጎኝነት’ታ ህዝቢ የመን ክትጭፍጭፍን ረብሓታታ ክትሕሉን፡ ልኡላዊ መሬትናን ባሕርናን ብህግደፍ ተመጥዩላ ዘሎ ንግስነት ስዑድያ፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ጁቡቲ፡ ሶማልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘካይዶ ዘሎ ወደኽደኽን ርክባትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ንዕኡ ዘገድሶ መሰረታዊ ዘቤታዊ ጉዳያት ኣቃልቦ ከይገብርን ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ልዕልና ሕጊ ረጊጹ፡ ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ግሂሱ፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ገቢቱ እንከሎ ጻድቅን ደላይ ሰላምን መሲሉ ክርአ ምፍታኑ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብድርብ ገበን ተሓታቲ’ዩ።

 

ኣብዚ ዓለም ንረብሓታታ ክትብል፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን፡ ስቃይን ምጽናትን ጸማም እዝኒ ምሃባን ከይተገረምና ድማ መሰልና ንምርግጋጽን መጻኢ ወለዶ ከይከሰናን፡ ኣብነት ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ጉጅለ 15፡ ወዲ ዓሊ፡ ኣቦይ ሓጂ ሙሳ፡ ብርሃነ ኣብርሀን ካልኦትን ተኸቲልና፡ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ ንሓዋሩ ከኸትም ብሕብረት ቃልስና ከነሐይል ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Danilo September 19, 2018

    ትማሊ-ትማሊ ስግረ-ዶብ ገበን ነይሩ።ሕጂ ግን ብመሰርት ሕገመንግስቲ ህግደፍ ፍቁድ ኮይኑ ኣሎ።ሕጂ ፡ዝሃድም ይህደም ዝድመር’ውን ከምኡ።ኣቲ ዘሎ ጊዝየ ስለ ዘየላቡ እቲ ገፈል ንኽንዮው እቲ ኤርትራዊ ደምሃይ ግን ከብሒ ኣለዎ ብዘይ ጥርጥር! ዳግማይ ታሪኽ ናይ ሓበንን ሩፍታን ጂግንነትን ክመጽእ ግድን ኢዩ።

    • Temesgen September 20, 2018

      Legal immigration controls and check ups {fetesha} has not been put in place yet.
      This will be done in very near future and all movements of people and goods will be monitored.

      • Sol September 20, 2018

        The mafia regime is planning to evade the entitlement of demobilization of the national slavery recruits by giving a blind eye to hundreds crossing the boarder to the south.

  • Hidat September 20, 2018

    ሓደ ካብቲ ናይ ሰላም ስምምዓት ነዚ መንእሰያት ኣብ ሓደጋ ዘዉድቅ ዘሎ ስግረዶብ ንምግታብሓባር ክሰርሓ ምኻነን ይጠቅስ ድሮኻ UNHCRኣብኢትዮጵያ ንኤርትራዉያን ኣብ ኢትዮጵይ ከም ስደተነኛታት ምቅባል ኣቓሪጹ

    • Negash September 20, 2018

      The next action of the UNHCR must be to send back all those HADEMTI Eritreans back to Eritrea.

      • Genet Original September 28, 2018

        Negash
        That will be oky, as long as you and your master DIA are sent back to where ever you came from.

  • Sol September 20, 2018

    Hidat, as long as the mafia regime is in power without regulating the National Slavery, releasing the thousands of prisoners and implementing the constitution the misery of our people in general and of the youth in particular will continue.

  • Hidat September 20, 2018

    Sol ኣብ ሰላም ኩሉ ኣሎ ቁሩብ ምዕጋስ በብሓደ ክትግበር እዩ ዕድመን ጥዕናን ጥራሕ

    • Luwam T/lidet September 20, 2018

      Hidat, I admire your coolness and matured response to this useless cheat impostor loser mercenary.

      • Dawit September 20, 2018

        Sister Hidat,
        I too couldn’t agree more with your comment, well said and just keep it up sis.

  • FM September 20, 2018

    ክቡራት ኣኃትን ኣኅዋትን፡ንሕዝቢ ኤርትራ ዘይበርሃሉ ነገር እንተሃለወ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ተኸቲሙ ተባሂሉ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ግና ምንም ዓይነት ለውጢ ወይ ንኽጽመምን ንኺጽበን እኳ ተስፋ ዝህብ ምልክት ብዘይ ምርኣዩ፡ መንእሰያት ዓዶምን ዓውዶምን ጠንጢኖም ንወለዶም ብዘይ ጠዋሪ ምርሕራሖም ዘገርም ኣይኮነን። ብሓቂ ጕጅለ ሕግደፍ ሰላም ምስጎረባቱ ዝደሊ እንተዝነብር ናይ እዚ ዅሉ ዝተገብረ ጎንጽታት ድኣ ቀዳማይ ተሓታቲ እንዶ’ይኮነን። “ባዕላ መምጺኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ኮይኑ ግና ዓሠርተታት ኣሽሓት ሕይወት ኣህሊቕካ ጕዳይ ዶብ ኣይነበረን ግርጭትና ኢልካ ብዘይ ተሓታትነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዚ ሕቶ እዚ ከይስዕቦ ድማ እዩ ኢሰያስ ንኣብርሃም ወዱ ኣኸቲሉ ንሕዝቢ ኤርትራ ግሉጽነት ብዘይቢሉ ውዑላት ዚፈራረም ዘሎ። ኢሰያስ ከኣ 2ይ ወሎዶ ጭቆና ኪቕጽል ንነፍሱ ካብ ተሓታትነት ዝሃድመሉ መንገዲ ሃሰው ዝብለ ዘሎ፡ ሓደ ካብቲ ውዲቱት ድማ በትረ-ስልጣን ንወዱ ምውራስ’ዩ። እዚ ምስዝኸውን ድማ ኤርትራ ኣሰር ሶርያ ወይ ኣሰር ሊብያ ከምትኽተል ታሪኽ ዝምህረና ሓቂ’ዩ። ዝገርመኒ ግና ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ነቲ ኣብ መስገደል ጭቆና ሕግደፍ ተጸሚዱ ምጽማም ዝሰኣነ መንእሰይ “ሃዳሚ” ኢልካ ምጽራፍ ናይ ፈራሃት ፈራህ መሳርሒን ጥቀናን ምዃኑ ተገንዚብካ “ዓይኒ ልቦናኹም የብርሃልኩም ኅልና ይፍጠረልኩም” ኢልካ ጥራይ ኢዩ ዝሕለፍ።

    • k.tewolde September 20, 2018

      It is a post full of wisdom FM,I wish there were more like you in this platform,like you said, If more people knew what is been cooked for them before they start tasting the gourmet.

      • Tsehaye September 21, 2018

        Mr big-head talkative cow boy, are you claiming to be a wiser with full of wisdom then?

        • k.tewolde September 21, 2018

          I was tempted to answer to that,however I chose to abstain because I respect the platform.The cyber critters are on the prowl,the pay day must be approaching.

  • Hidat September 21, 2018

    Luwam. የቀንየለይ ።

Post a Reply to Temesgen Cancel Reply