Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በሰላታት እቲ ናይ ህልቂት ኲናት – 2ይ ክፋል

ኲናት ናይ መለኽትን ገበትን ንግዲ ኢዩ፡፡ውግእ ቅትለት ዕንወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን ቦታን ቁቡል ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ዋላ እቲ ተገዲድካ እትኣትዎ ኲናት ምረት በሰልኡ ዘንተ እለት ካብ ኣእሙሮ ዜጋታት ኣይሃስስን ኢዩ፡፡ ከም ባህሪ ቶታሊተርያን ስርዓታት ኲናት

ኲናት ናይ መለኽትን ገበትን ንግዲ ኢዩ፡፡ውግእ ቅትለት ዕንወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን ቦታን ቁቡል ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ዋላ እቲ ተገዲድካ እትኣትዎ ኲናት ምረት በሰልኡ ዘንተ እለት ካብ ኣእሙሮ ዜጋታት ኣይሃስስን ኢዩ፡፡ ከም ባህሪ ቶታሊተርያን ስርዓታት ኲናት ፍቱን መጻንሒ መድሃኒቶም ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ እቲ እነኮ ኣብ መንበረ ስለጣኖም ከቐምጦም ዝኽእል መፍትሕ ህውከትን ዕግርግርን ጥራይ ስለ ዝኾነ፡፡ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብፍላይ ውን ኢሳይያስ ኣብ መፋርቕ 1998 ዓ/ም ዝመረጾ መገዲ እዚ ኢዩ፡፡ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ መንጎ ኢትዮ-ኤርትራ  ምብራዕ፡፡ኣብዚ ዓመታት’ዚ እታ ሓዳስ ሃገር ኤርትራ  ሃገራዊ ቅዋማ ተነዲፉ ኣብ ትግባረ ንምውዓሉ ትሸባሸበሉ ዝነበረት ኢዩ፡፡እዚ መቐይሮ’ዚ ነቲ ክቱር ስሰዐ ስልጣን ዘማዕበለ ኢሳይያስ ዝቖጺ ብምዃኑ ከኣ ሓደ ኣፍራሲ ነገር ግድን ክፍጠር ነይርዎ፡፡ብኣግኡ  ክዓርፍ ዘይክእል ኣእሙሮ ህዝቢ ዝሰርቕ ኵናት፡፡

ምስሕሓብ ብጉዳይ ባድመ ገና ካብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ ዛዕባ ኢዩ ፡፡ እቲ ቀዲሙ  ምስ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብጉዳይ ባድመ ፡ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሜዳ ኤርትራ ምስ በሓቶ ውን ኣየዕረፈን፡፡ ኮይኑ ግን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ብግዝያዊ ስምምዕ ተወንዚፉ ክጸንሕ ምርድዳእ ተገይሩሉ ኢዩ፡፡በዚ መሰረት ኣብ መንጎ ወድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ን ውድብ  ህ.ወ.ሓ.ት.ን ሉእለቃል  ዘመሓድሮ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.  መንገሻ ዘመሓድሮ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ወያነ ክጸንሕ ብኽልተኣዊ ስምምዕ ተሰጊሩ ኢዩ፡፡በዚ መሰረት ባድመ ቅድምን ድሕርን ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ዝጸነሐ ቦታ ኢዩ፡፡ነዚ ስምምዕ’ዚ ላዕለዎት  መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ማእከላይ ሽማግለ እቲ ግንባር እፈልጦን ተዘራሪቡሉ ነይሩን ክብል ኣይደፍርን፡፡ፕረሲደንት ኢሳይያስ ግን እፈለጦ ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካብ ወሰንቲ ኣካላት  ዝነበረ ኢዩ፡፡እቲ ሓቂ እዚ ኢዩ፡፡ጉዳይ ባድመ ብመሰረት ስምምዕ ክልቲኡ ውድባት ድሕሪ ምድምሳስ ደርግ ብልዝብ ክፍታሕ ምተገቦኦ፡፡ካብኡ ሓሊፉ ግን መሳበቢ ኲናት ክኸውን ምኹኑይ ኣይነበረን፡፡

ህዝቢ እቲ ክዉን ሓቀኛ ነገር ክፈልጥ እንተኺኢሉ ዝኾነት ሃገር ቀጻልነት ዘለዎ ውሑስ ሰላም ኢያ እትውንን፡፡ ግሉጽነት ኣብ ላዕለዎት ሰበ-ስለጣን መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ዘየማዕበለ ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ፡ነቲ ስማዊ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ውን ኣተንቢህሉ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ድሕሪ ምብራዕ ኲናት 05 ግንቦት 1998 ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ንኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባርን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝተገብረ ኣኼባ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝፈልጦ የብለይን ክብል ኪሒዱ ኢዩ፡፡ቃለ-ልሳን ናይቶም ብጅምላ ተዓፊኖም ኣብ ዒራዒሮ ዝተሓየሩ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ነበር ሓርበኛታት ከም ዘረጋግጾ፡ ኲናት ብኽመይ ስለምንታይ ተጀሚሩ?ከም ዘይፈለጡ ኢዩ፡፡ተሓታቲ ናይቲ ጉዳይ ኢሳይያስ ባዕሉ ምዃኑ ውን ብንጹር ኣቖሚጦሞ ኣለዉ፡፡ሓርበኛ ስዉእ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ምስ ኣሜሪካዊ ጸሓፊ ዳን-ኮነል ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት ‹‹ ድሕሪ መጋረጃ ዝነበረ ኩነታት ክጽናዕ ኣለዎ፡፡ ጠንቂ ኲናት ተባሂሉ ዝተዋህበ መግለጺ ብወገነይ ኣይዓገብኩሉን፡፡ናብ ባድመ ወራር ክንፍጽም ውሳነ ዝወሰደ መን ምዃኑ ንባዕሉ ግልጺ ኣይኮነን፡፡››ክብል ንጹር ሓሳቡ ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ንዝያዳ መራጎዲ ክኾነና ነቲ ብ 19 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ብኮሚሽን ካሕሳ ዝተበየነ ውሳነ ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡‹‹መንግስቲ ኤርትራ ንዓንቀጽ 2 ሕጡበ ጽሑፍ 4  ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ዕጡቓት ወተሃደራት ተጠቒሙ ኣብ ግንቦት 12 1998 ዓ/ም ንኣብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኢትዮጲያ ዝነበረት ከተማ ባድመን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦን ብሓይሊ ከም ዝሓዘ በይኑ፡፡ክልቲኦም ወገናት ነዚ ብኮሚሽን ካሕሳ ዝተዋህበ ውሳነ ተቐቢሎሞ›› እዚ ህ.ግ.ደ.ፍ.ኣዳዕዲዑ ዝኣመነሉን ዝፈረመሉን ሰነድ ኢዩ፡፡ካብዚ ሓቂ’ዚ ከተምልጥ ውን ዝከኣል ኣይኮንን፡፡ፕረሲደንት ኢሳይያስ ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተስገደደ ዝተሰነዐ ናይ ዶብ ኲናት’ዩ ክብል ንህዝቢ ክቕሽሾ ይፍትን ኣሎ፡፡ኲናት ምጅማር ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ካሕሳ ዕዳ ውን ኣብ ዝባና ከም ዘሎ ኢዩ፡፡ልዕሊ ምእማን ኣሚኑ ሂወቱ፡ጉልበቱ፡ሃብቲንብረቱ በዘይ ገለ ቅድመ ኵነት ንድሕነት ሃገር ዝወፈየ ህዘቢ ንዓሰርተው ሰለስተ ዓመታት ብሓሶት ከተታልሎ ግን ዘይሕሰብ ኢዩ፡፡ሎሚ በቲ ኣብ ግንቦት 1998 ተወሪርና ዝተባህለ ፕሮፖጋንዳ ዝደናገር እንተ- ሃለወ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ጥራይ ኢዩ፡፡ነቲ ብ19 ታሕሳስ 2005 ብኮሚሽን ካሕሳ ዝተበየነ እቲ ሓቂ ዝተሰወሮ ኩሉ ዜጋ በዚ ዝስዕብ ኣትዩ ክርእዮን ከንብቦን ይኽእል ኢዩ፡፡{http://www.pac.cap.org/English/rpc/eecc/decission%201.pdf}

ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 1997 ዓ/ም ድሕሪ ምሕታምን ምዝርጋሕን ባጤራ ናቕፋ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ብፉሉይ ውን ምስ ውድብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ተሃኒጹ ዝነበረ ዝምድና ኣብ ገለ ሸነኻቱ ክፈራረሰ ተራእዩ ኢዩ፡፡እዚ ዘይምርድዳእ እዚ ብቐንዱ፡ንቑጠባዊ ፖሊሲ ክልቲኡ መንግስታት ዝምልከት ኢዩ፡፡ህ.ግ.ደ.ፍ. ንዝሰርሖ ዝነበረ ኣዕናዊ ኮንትሮባንዳዊ ስራሐት ውን ማሕነቖ ኮይንዎ ኢዩ፡፡ ብመሰረት ስምምዕ ክልቲኡ መንግስታት ንብረት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኾነ ብመገዲ ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ (09) ካብ ኬንያ ትራንዚት ገይሩ ናብ ኤርትራ ንብረት ይአቱ ነይሩ ኢዩ፡፡ ይኹን እምበር ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ (09) ነዚ ናይ ንግዲ ስራሓት በቲ ልክዕ ስምምዕ ተቐይዱ እጓዓዝ ኣይነበረን፡፡ትራንዚት ገይሩ ናብ ኤርትራ ክአቱ ዝግበኦ ዝተፈላለየ አቁሑ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንድ የከፋፍልን ይሸይጥን ነይሩ ኢዩ፡፡እዚ ኣዕናዊ ናይ ኮንትሮባንድ ስራሓትን ጉዳይ ዶላርን ወርቅን ሓዊስካ ተደጋጋሚ ክስን መጠንቀቕታን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እስማዕ ነይሩ ኢዩ፡፡ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እቲ ልሙድ ናይ ቃጸ ስርሐቱ፡ ‹ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ ኡሙ› ኮይንዎ ክዕገስ ኣይካለን፡፡ቀቅድሚ ምብራዕ ኩናት 05 ግንቦት 1998 ዓ/ም መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸማም እዝኒ ዝሃቦ ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ  ተግባራቱ ኣዕናዊ ብምዃኑ ካብ ስራሕ ደው ከምዝብል ገይርዎ፡፡

ከምቲ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም ውጩ ንኣምባሳደር  ኢትዮጵያ ዘተንባሃሉ ኲናት አብ ክራማት ከምዝውላዕ ኢዩ ዝእምት ዝነበረ፡፡ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ጠንቅታት ኲናት ኣብ ወርሒ ግንቦት ንኽባራዕ ዝደረኸ ክስተታት ውን እዚ’ዩ፡፡እዚ ኩሉ ዝተሓላለኸ ሽግራት ውሱናት ኣባላት እቲ ስርዓት እምበር ሰበስልጣን መንግስቲ ይኹኑ ህዝቢ ቅንጣብ ኣፍልጦ አይነበሮምን፡፡ ቀዲመ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ዓ/ም ዝተባረዐ ኩናት ሃፈጽትኡ ቀልጢፉ በሪዱ ንአስታት ትሸዓተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ከምዝነበረ  ገሊጸዮ አለኹ፡፡ዳግማይ ፍጹም ኣስካሕካሒ ኲናት ክካየድ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ 1999 ዓ/ም እቲ ከቢድ ደበና ከምዘንጸላለወን  እቲ ኩነታት እንታይ ይመስል ነይሩን ሓጺር ሓበሬታ ኣቐሚጠ ኣለኹ፡፡ብመሰረት ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ካበቲ ንኢሳይያስ ዘዐሸወ ናይ ወርሒ ለካቲት ትያትሮ ኲናት ክቕጽል ምተገበአ፡፡ ኮይኑ ግን ብዙሓት ተኸታተልቲ እዚ ጽሑፍ ብመገዲ ኢመይል ብዛዕባ ባድመ ዘተጨበጠ ሓበሬታ ሃበና፡፡ባድመ ቅድሚ ምብራዕ ኲናት ብመን እመሓደር ነይሩ? ስለ ዝበሉ ቁሩብ ንድሕሪት ክምለስ ተገዲደ ኣለኹ፡፡ቅድሚ ምብራዕ ኲናት 05 ግንቦት 1998 ዓ/ም ባድመ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጲያ ኢዩ ነይሩ፡፡ባድመ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝኣተወ 12 ግንቦት 1998 ኢዩ፡፡ቀዲመ ብዛዕባ ባድመ ዝነበረ ምርድዳእን ኣተሓሕዛን ውን ሓጺር መብርሂ ኣቐሚጠ ኣለኹ፡፡

18 ለካቲት 1999 ወጋሕታ እቲ ንሊቀ ሊቃውንቲ ኲናት ኢሳይያስ ዘዐሸወ ናይ መናወራ ውግእ ኣብ የማናይ ክንፊ ጾሮና’ዩ ጀሚሩ፡፡ኣብ ቀዳማይ ከፋል ዕለት08 ዘሎ ብጌጋ ናይ ታይፕ ጌጋ ኢዩ፡፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ብመገዲ ብዘት እንትጮ ናብ ግርሁ ሰርናይ ዝአቱ ዝነበረ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ፡፡እቲ ብወገን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብዚ ዝተባህለ ቦታ ዝኣተወ ሰራዊት ይኹን ኣጽዋር ግን ብስውር ኩሉ በጸላም ከደኖ ለይቲ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ፡፡18 ለካቲት 1999 ወጋሕታ ዝጀመረ ኲናት ካብ ዑናሸሓቅ ንጸጋም ቆሎብርዶ፡ ሓስሓሶ፡ዓዲመስገኖ፡ ክሳብ ቅንቶን ክንን ሊሒሙ ምሉእ መዓልቲ ኣየቋረጸን፡፡ ኣብ ገለ ቦታታት ወገን ሓስሓሶ ገለ ቦታ’ኳ ተበሲዑ እንተነበረ ቀልጢፉ ብዝኣተወ ናይ ረዳት ሓይሊ ካብ ኮር 271 ኣጋምሸት እቲ ቦታ ከምዝዕበስ ተገብረ፡፡እዚ ንልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ሓያል ናይ ድሎ ብድሎ ውግእ ብዙሕ ሂወት መናእሰያት ክልቲኡ ወገናት ቀዚፉ ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ለይቲ ይኹን ንጽባሒቱ ውግእ ኣይቀጸለን፡፡ እቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ጽዑቅ ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ማዕዶ ንማዕዶ ጥራይ ኢዩ ዝነበረ፡፡እቲ ጽዑቕ ደብዳብ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጲያ ኮይኑ ኣቓልቦ ንምሰሓብ ዝተገብረ ሜላ ኢዩ፡፡መራሒ ውግእ ኢሳይያስ ይኹን ጀንራል ስብሓት ኤፍረም ነቲ ኩነታት ኣብ ዝምችእ ባታ ኮይኖም ብቐጥታ እመርሕዎ ምንባሮም ካብቲ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ራድዮ መልእኽታት ርዱእ ኢዩ ነይሩ፡፡ኣበየናይ ቦታን በሪኽ እምባን ግን ዝፈልጥ ኣካል አይነበረን፡፡ እዚ መኣዘዚ ቦታ ኢሳይያስ ኣብ ግንቦት 2000 ዓ/ም ምዝላቕ ንገብረሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ’ዩ ብንጹር ተፈሊጡ፡፡ኣብ ዝባውንቲ ኳዓቲት ብጽኑዕ ዝተሃንጸ ኣንደር ግራውንድ(ትሕቲ መሬት ገዛውቲ)፡፡

ብመሰረት ናይ ሓደ መዓልቲ ኲናት ቀጥታ መልእኽታት ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ውሒዙ ኢዩ፡፡እቲ ኲናት ገና ኣብቲ ዝተባህለ ቦታ ግንባር ዓሊቴና መረብ ክንፊ ጾሮና ክቕጽል ምዃኑ፡፡ ካብ ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብፍላይ ውን ካብ ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ግን ተደጋጋሚ ኣንጻር እቲ ብኢሳይያስ ዝበሃል ዝነበረ ሓሳባት ኢዩ ዝስማዕ ነይሩ፡፡ኢሳይያስ ንዝተኸተሎ ናይ ምክልኻል ስልቲ ቅዲ ኩናት ክቕይሮ ውን ኣነጺሩ ሓበሬትኡ እልእኽ ነይሩ ኢዩ፡፡ኣብቲ ግዜ’ቲ ኩለን ሞተረላ ዝዓይነተን ረድዮታት ካብ ግንባር ዛላንበሳ ክሳብ ባድመ ተዘርጊሐን ዝነበራ፡ ኣብ ዝተወሰነለን ታወር ዘይኮነ ኩፉታት እየን ነይረን፡፡ካብ ናብ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ንምስማዕ ውን ዘጸግም ኣይነበረን፡፡ብፍላይ ኣብተን ቀዳማይ ደረጃ  ምስ እዚ ክፍላተ-ሰራዊት ተዒጢቐን ዝነበራ ረድዮታት፡፡ ካብ ሓደ ግንባር ናብቲ ካልእ ግንባር ንኸይራኸባ ዝተዓጽዋ ድሕሪ ምትሓዝ ባድመ ብሰራዊት ኢትዮጲያ ኢዩ፡፡

እቲ ብግህዶ ብመገዲ ብዘት እንትጮ ናብ ግርሁስርናይ ዝኣተወ ኣዝዩ ገዚፍ ቁጽሪ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸመይ ካብቲ ቦታ ወጺኡ ዝፍለጥ አይነበረን፡፡ ድሒሩ ከም ዝተረጋገጸ ግን ናብ ዕለት 19 ለካቲት ዘውገሐ ለይቲ  ካብቲ ቦታ ወጺኡ ብእግሪ ዓሰርተታት ኪሎሜተር ተጓዒዙ ናብ ባድመ ከም ዘምረሐ ኢዩ፡፡ነገሩ ድሕሪ ማይ አብ ባዓቲ ስለ ዝነበረ ግን ፋይዳ ኣይነበሮን፡፡ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልሰቲ ዘይከምትጽቢት ኢሳይያስ ኣብ ግንባር መረብ ሰቲት ሓያል ማዕበላዊ ኲናት ተባሪዑ፡፡ካብዚ ዝተባህለ ቦታ ግንባር ዓሊተና መረብ ክንፊ ጾሮና ፡ክልተ ክፍላተ-ሰራዊት ክይተሰምዐ ብሰላሕታብምውጻእ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ባድመ’ዩ ተራእዩ፡፡ብዜካዚ ካልእ ከፍለ-ሰራዊት ውን ካብ ግንባር ቡሬ ብስዉር ወጺኡ ከባቢ ባድመ ኢዩ ተጸጊዑ፡፡እዚ ኩሉ ክኸውን ኣዝዩ ገዚፍ ቁጽሪ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ግንባር ዓልተና መረብ ክንፊ ጾሮና ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቐቕ ኢዩ ነይሩ፡፡ኮር 271 ዓሰርተው ሓደ በራጊድ፡፡ ክፍለ-ሰራዊት 525፡ ክፍለ-ሰራዊት 38 ካብ ኮር 381፡ ኩሎም ከም ሪዘርቫ ሓይሊ ኣብ ክንፊ ጾሮና ተጸፋጺፎም ነይሮም፡፡ብዘይ ገለ ቅድመ-ኩነት ተበግሶ ዝጨበጠ ስራዊት መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ሓደጋ ክወድቕ ዘጸግም ኣይነበሮን፡፡ደረቕ መርገጺ ምኽሪ ካሎኦት ኣይሰምዕን ዝበለ ኢሳይያስ ውን እቲ ዝዓበየ ጌጋ ናይቲ ዝወረደ ስዕረት ኢዩ፡፡

22 ለካቲት 1999 ዓ/ም ዝተፈለየ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ኣብ ግንባር መረብ ሰቲት ተራእዩ፡፡እዚ ዘይንቡር ምንቅስቓሳት ስክፍታ ዝፈጠረሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ንጹር ሓበሬቶኦም ኣብ ሰዓቱ ንዝመልከቶ ኣፍሊጦም ኢዮም፡፡ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ብመገዱ ዝተፈለየ ምንቅስቓሳት እረአይ ከምዘሎን ገለ ሪዘርቫ ሓይሊ ከም ዘድልን ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ስክፍትኡ ገሊጹ ኢዩ፡፡ብተመሳሳሊ ካብ ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል እቲ ምልእኽቲ ንመራሒ እቲ ኲናት ኢሳይያስ ተላኢኹ ኢዩ፡፡ አቲ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ካበይ ዝመጸ ሰራዊት’ዩ ግን ዝተፈልጠ ኣይነበረን፡፡ጽኑዕ እምነት ኢሳይያስ ብግንባር መረብ ሰቲት ወያነ  ኲናት ክኸፍት ከምዘይክእል ኢዩ ዝነበረ፡፡እቲ ንኸባቢ ግርሁ ስርናይ ክኣትው እምበር ክወጽእ ዘይተራኣየ፡ኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት ንትነታነ ኢሳይያስ ኣራጒድዎ ኢዩ፡፡ኲናት በቃ ኣብ ክንፊ ጾሮና ኢዩ ዝውዳእ፡፡ስለዝኾነ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንዝመጾ ዝነበረ ሓበሬታ ብዕቱብ ክረእዮን ቅልጡፍ መላሽ ክህበሉን ኣይተራእየን፡፡ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ ተሓሲምዎ፡፡

23 ለካቲት 1999 ዓ/ም ሰዓት 5፡30 ወጋሕታ ዝሃምም ድምጺ ከበድቲ ብረታት ኣብ ድፋዓት ግምባር መረብ ሰቲት ተሰሚዑ፡፡ኣብቲ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብጽኑዕ ዝተሰርሐ ድፋዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጻዕቂ ዘለዎ ናይ መዳፍዕ ቡንባታት ከም ማይ ኣይሂ ተዃዕዩ፡፡ ቅልጡፍ ማዕበላዊ ኲናት ጀሚሩ፡፡እቲ ሓያል ማዕበላዊ ኲናት ገና ከይረፈደ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጲያ ውን ተሓዊስዎ፡፡ሰራዊት ኢትዮጲያ ፍጹም ግምት ብዘይ ተገበረሉ ቦታ በሲዑ ኣብ ሓጺር ግዜ ገና ከይረፈደ ገለ ቦታታት ተቖጻጺሩ፡፡እቲ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት ክእመን ዝኽእል ኣይነበረን፡፡ክሳብ ሽዑ ካብቲ ከም ሪዘርቫ ሓይሊ ኣብ ክንፊ ጾሮና ተጸፋጺፉ ዝነበረ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተንቀሳቐሰ ኣይነበረን፡፡ረፋድ ካብ ኣዘዝቲ እቲ ግንባር መልክዕ እቲ ኲናት ሕማቕ ከም ዘሎን ገለ ድፋዓት ፈሪሶም ከም ዘለዉ ቅልጡፍ ናይ ረዳት ሓይሊ ክለኣኸሎም ሓበሬቶኦም  ናብ ኢሳይያስ ሰዲዶም፡፡ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ነገሩ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ብጸሓይ ቀትሪ ሰራዊት ካብ ክንፊ ጸሮና ክወጽእ ጀሚሩ፡፡እቲ ቀዳማይ ብጉያ ከርክብን ክዓግትን ዝተላእከ ክ/ሰ 525 ኢዩ፡፡ካብ ሃዘሞ ተበጊስካ ባድመ ንኽትበጽሕ ኣዝዩ ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ጉዕዞ ብመኪና ኢዩ፡፡ቀዲሙ ዝመጸ መልእኽቲ ንኢሳይያስ መንጸሮር ኮይንዎ እናሃለወ፡ገለ ኣገደስቲ ቦታታት ብሰራዊት ኢትዮጲያ ከም ዝተታሕዙን አቲ ግስጋሰ ከዕገት ከም ዘይተኻእለን ተሓቢርዎ፡፡ኮር 271 ውን ብተመሳሳሊ ደድሕሪ ከ/ሰ 525 ከም ዝስዕብ ተገብረ፡፡ኣጋ ምሸት እቲ ዝበረኸን ጽኑዕ ድፋዕ ዝነበሮን ጎምሃሎ ኣብ ተሕቲ ሰራዊት ኢትዮጲያ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ፡፡ጎምሃሎ ንኹሉ ከባቢታት ባድመ ዝቆጻጸር ዝበረኸ ገዛኢ ጎቦ ኢዩ፡፡ትኽክል ብራኺኡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 1301.ሜ ኢዩ፡፡ብዜካ ጎምሃሎ ጓል ጎምሃሎ፡ ሰንበል፡ ሰላሞ፡ ዓዲቀሺ፡ገዛ ተጋሩ፡ደምበ ማንጉል፡ሓድሽዓዲ፡ደምበገዳሙን—–ካሎኦትን ውን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣትዮም፡፡ኣንፈት ናይቲ ኲናት ፍጹም ተበላሽዩ፡፡‹‹ካብ ባድመ ወጻና ማለት ጸሓይ ሞይታ ድሕሪ ደጊም ኣይክትበርቕን ኢያ፡፡››ዝብል ቃላት ኢሳይያስ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡፡ንረዳት ዝተላእከ ስራዊት እቲ ኲናት ከመይ ይቕጽል ኣሎ?እንታይ ምዕባለታት ኣለዎ ዝፈልጦ ኣይነበሮን፡፡ሰራዊት ኢትዮጲያ ግን ኣብ ገለ ቦታታት ስግር ባድመ ውን በጺሑ ነበረ፡፡ባድመ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ቦታታት ኤርትራ ውን ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ካብ ቃላት ኣዛዚ እቲ ግንባር ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ኢሳይያስ መልእኽትን መጠንቀቕታን ተስመዐ፡፡

ትሕዝቶ መልእኽቲ ፍሊጶስ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፡፡‹‹ድፋዓትና ተሰየሩ ኣሎ፡፡ግስጋሰ ወያነ ብቐሊሉ ዝዕገት ኣይመስለንን፡፡ሰራዊትና ካብ እዝን ቁጽጽርን ወጻኢ ከይኮነ ብዝተወደበ መልክዕ እንተዝለቕና ዝሓሸ ኢዩ፡፡ ››ብመንጽሩ ካብ ኢሳይያስ ዝተላእከ መልእኽቲ ግን ንናይ ፍሊጶስ ዘፍርስ ኣንጻራዊ ኢዩ ነይሩ፡፡‹‹ብዘኾነይኹን ምገዲ ዝኽፈል ከፊልካ ወያነ ካብ ዝኣተዉዎ ቦታ ምለሶም፡፡ባድመ ኣብ ኢድ ወያነ ከትወድቕ የብላን፡፡››ዝብል ዘይሓላፍነታዊ መልሲ ኢዩ ተዋሂቡ፡፡ ኲናት ከቢድ ኢዩ፡፡ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሂወት እትፈትዎም ብጾትካ እናበለዐ ዝጓዓዝ ኣስካሕካሒ መስርሕ ኢዩ፡፡እቲ ንውልቀ ዝንኡ ጥራይ ዝሓሰበን ዘገድሶን ኢሳይያስ ግን ህልቂት ሂወት መናእሰያት ኤርትራ ዝዓጅቦ ኣይነበረን፡፡እቲ ኩነታት ሰኣን ግቡእ ኣልያን ምርድዳእን ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝሓመቐ ተቐይሩ፡፡ባድመ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ቦታታት ኤርትራ ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣትዩ፡፡እዚ ኩሉ ክኸውን ህዝቢ ንምድንጋር ዝተዓጥቀ ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመገዲ ናይ ዜና ትካላቱ ዓቢ ዓወት ከምዝተጓናጸፈ የቃልሕ ነይሩ፡፡ባድመ ክትተሓዝ ከላ ገለ ካብቲ ኣብ ክንፊ ጾሮና ዝነበረ ሪዘርቫ ሓይሊ ከም ስዉእ ሞኬ ባርያ ዝመርሖም ኣሃዱታት ክ/ሰ 38 ካብ ኮር 381 ገና ኣይወጹን ነይሮም፡፡

ኲናት ክባራዕ ዝኾነ ኣፍልጦ ዘይነበሮም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንምትሓዝ ባድመ ውን ከም ሰቦም ብመገዲ 03 ን ረድዮ ድምጺ አመሪካን ቢቢሰን ኢዮም ሰሚዖሞ፡፡ዝገርም ኢዩ፡፡ብጉዳይ ሓንሽ ምስ የመን ኣብ 1995 ዓ/ም ዝተገብረ ኲናት ሚንስተር ሚንስትሪ ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ብዜናዩ ሰሚዕዎ ክትሰምዕ ንኽትኣምኖ የጸግም ኢዩ፡፡ግን ከኣ ሓቂ ኢዩ፡፡ኢሳይያስ ከሳብ ከንድዚ ክመልኮምን ብፍርሂ ተዋሒጦም ከጽቁጡን ግን እንታይ’ዩ እቲ ሚስጢር?ሓደ ካብ ሙቑሓት ዒራዒሮ ዘኾነ ገዲም ተጋዳላይ ኣቦ ተማሃሮ ቤትምህርቲ ሰውራ ሓርበኛ፡ ኣምባሳደር በራኺ ገብረስላሰ ኣብ ጀርመን ኮይኑ ለባም ዝኾነ ሓሳብ ንኢሳይያስ ሰዲድሉ ነይሩ ኢዩ፡፡‹‹ብሩዋንዳን ኣመሪካን ዝቐረበ ስምምዕ  ሰላም ንቀበሎ፡፡ጉዳይና ናብ ካልእ ከየምረሐ ብልዝብ ንፍታሐዮ፡፡ህዝቢ በሰላ ዝሓለፈ ኲናት ከየሕወየ ዳግማይ ናብ ኲናት ክኣቱ ዘተሓሳስብ ኢዩ፡፡›› ከብል ደብዳበ ጺሕፉሉ ኢዩ፡፡ ካብ ኢሳይያስ ዘተዋህቦ መልሲ ግን ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ሞራል ጀጋኑ ዝትንክፍ ውን ኢዩ፡፡‹‹ዘጃጁ የብልናን፡፡›› ዝብል ድፉን መልሲ፡፡ሂወት መናእሰያት ኤርትራ ማዕረ ቃንጥሻ ዝረኣዮ ኢሳይያስ ምኽሪ ኩሎም ገዳይም ብጾቱን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተሓሲሙ ኲናት ክቕጽል ወሲኑ፡፡ሎሚ ሓደ ካብ እሙናት ኣዕሩኽትን መወልትን ኢሳይያስ ኣሰራቱ ጠፊኡ ኣሎ፡፡ንልዕሊ 40 ዓመታት ንህዝቢ ልብያ ብምልኪ ዝጨፍጨፈ፡ኣብ መጠረሽታ ሰዓታት ዕርብርቡ ንገዛእ ህዝቡ ካብ ነፈርቲ ብዝወርድ ቦምባታት ብጭካነ ዝተሳህለ ፡ሙዓመር ቀዛፊ ብደለይቲ ለውጢ ህዝቢ ተቐቲሉ ሬስኡ ኣብ ጎደናታት ልብያ ተገቲቱ  ኣሎ፡፡እቲ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ዝትኩስ፡ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘናቑት፡ልሳን ዜጋታት ዓቢሱ ዘይጽወር ገበናት ዝፍጽም፡ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት ህዝቢ ብሓይሊ ዝምንዝዕ መወዳእታ ፍጻሜኡ ንሱ ኢዩ፡፡ ከም ቃለ-ልሳን ቶታሊተርያን ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ህቦብላዊ ማዕበል ድምጺ እምቢ ንምልኪ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝዓርፍ ኣይኮነን፡፡ቱኒዝያ፡ግብጺ፡ሊብያ…….. ሕጂኸ ናበይ………….. ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል፡፡

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03 yahoo.com

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Solomon October 26, 2011

    THANKS TOO MUCH MICHEALE ARANCHI

Post a Reply to Solomon Cancel Reply