Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቓጭል ህልቀት መጸዋዕታ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ሰማዒ ረኺቡ ብጥርኑፍ ክንቃለስ ህዝባዊ ናዕቢ ይፍልፍል ኣሎ

ዎ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽትን ወጻእን እንርከብ እታ ብኣሻሓት  መስዋእትን ስንክልናን ዘምጻእናያ ኤርትራ ንዜጋታታ ኣብ ትሕቲ ራህዋን ቕሳነትን ዘራይ ኣያኹሉ ዝኸውን ቑዋም ሕጊ ሃሊና ብመሰረት ቁዋም ሕጊ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኾይኑ ዝሰርሕ ንድሩት

ዎ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽትን ወጻእን እንርከብ እታ ብኣሻሓት  መስዋእትን ስንክልናን ዘምጻእናያ ኤርትራ ንዜጋታታ ኣብ ትሕቲ ራህዋን ቕሳነትን ዘራይ ኣያኹሉ ዝኸውን ቑዋም ሕጊ ሃሊና ብመሰረት ቁዋም ሕጊ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኾይኑ ዝሰርሕ ንድሩት ዓመታት ብህዝቢ ዝተመርጸ እርሓሰና ኢልና ቆጽሊ ዘቐመጥናሉ መርሒ ኣቚምና ዘጋታት ኤርትራውያን እፎይ ኢልና ብቅሳነት ስድራቤት ክጣራነፍ ምስ ተገበኤ።

ሕማቕ ዕድሎት ኮይኑ ግን መስዋእትናን  ስንክልና’ናን ክብሩ ተጋሂሱ ከም እንስሳ ዘገዳም ስድራቤት ተባታቲኑ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ጁሆ ተሓይሩ ኣብ ርእሲኡ ንዝወርዶ ዘሎ ስቓይን መከራን ሕስረትን ክዛረብን ክቃወምን መሰሉ ተሓሪሙ እና ተዳዕኸን እና ተኣሰረን ይነብር ኣሎ እዚ ሓቂ እዚ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ዝሳማማዓሉ ኢዩ ፣እዚ ከምዚ ኢሉ ኾሎ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ከም ደላይ ፍትሒ ፍትሓዊ ሕቱኡ ስለ ዘቕረበ  ማለት ህዝብና ደቁ ዝሰዋኣሉ  ዝሰንከለሉ ንናጽነቱ ክኽዳዕ ክጥለም  የብሉን ዓገብ ስለ ዝበሉ ንዓዲ ከይ ኣትዉ ተኸልኪሎም ምስ ስድራቤቶም  እና ተናፋፈቑ በታ መራር  ሞት  ንዘላ’ኣለም ትፈላሊ ብሰንኪ እዚ ስርዓት ህግደፍ ብሞት ምስ ናፍቆቶም ይሳናበቱ ኣለዉ።

ዎ ክቡር ህዝበይ  ምስ ናፍቆት ስድራ ቤት ብሞት ምፍልላይ ኣብ ዘበነ ብርታዊ ቃልስና ከብቅዕዶ ኣይ ምስተ ገበኤን ዶ?

   ተካል ምዓልትስ የለኻን በሎ ቦኽሪ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ከዳዕ ጣልማይ  ምልኪ በለጽ ብደም ንጹሓት ዝጨቀወ  ብሓቂ ኣይ ተዓደልናን

 ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ንህዝቡ ሓራን ናጻን ክብል ዝጀሞሮ ቓልሲ ተምሊሱ  ንሃለዋት ህዝብና እንተትሪኦ እንታይ ኮን ምበለ እንቓኦ ኣይ ሪኦ ኣይ ሰምዖ ።

እዚ  ከምዚ ኢሉ ኾሎ ንምጻእ ኣብ  ተቛወምቲ  ብሰንኪ ብሓደ ዄንካ ዘይ ምቕላስ ንህዝቢ ሃስየን ኢየን እቲ ብሓደ ዄንካ ዘይ መቃለሲኤን ድማ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ  ክኸውን ዘይድለ ባህሪ ዘይ የሳርሕ ድሑር ኣድሓርሓሪ ባህሊ ስለ ዘጥረያ ኢየን እወ እዚ ቃል እዚ መርር ኢዩ ግን ግደ ሓቂ ንዕዘቦ ዘለና ኢዩ፤ኣብ ነውሰከፍ ግባኤታተን ዝገበረኦ  ኣብ ክንዲ ብዲሞኩራስያዊ መስርሕ ተቃይደን ተማኪለን ዘይ ኸዳ ንድምጺ ዲሞኩራስያዊ ጥርናፈ ከም ዳኛ  ዓራቂ  መስርሕ ምኻኑ እና ፈለጣ ካብ  መስርሕ ዲምኩራስያዊ ጥርፊ ወጺኤን ሃላሊ ዕንደራ እና ኸዳ ከም ኤመባ እና ተራባሓ  ኣታሃላልወኤን መድሕን ታራ ክጻወታ ኣይ ካላን።

እብዚ  እንታይ ዘይ ገበራ ዝብል ነኒ ውድብካን ሰልፍኻን ማሕበርካን ምዝራይን ምክልኻልን   ይ’ኣክል ይ’ኣክል  ይ’ኣክል !!!!

ክብራት ተኻታተልቲ ነቶም ሓቂ ሲሒቶም እዞም ውድባት ሰልፍታት ማሕበራት እንታይ ዘይ ገበራ ዝብል ዘራይ ዘንባዕ ሞጎት ሒዞም ዝቐርቡ  ነዚ ዝስዕብ ሓቂ ትዓዘቡ ንብል።

  • Ø እዚ መንእሰያትና ብብሰንኪ ውድባት ሰልፍታት ማሕበራት  ብሓደ ኾይኖም ዘይ ምቅላሶም ናብ ካላኣይ፥ ሳልሳይ ስግረ ዶብ መንእሰያት ኤርትራ ኣዲታት ኤርትራ  ናብ ሓደጋ ኣብ ሳህራእ ሲናይ  ብቦዶዊን ይጥብሑን ይሕረዱን ይቖርዩን   ክሳብ ምግሳስ  ክብዚ ሓሊፎም ክ’ኣ ናብ  ባሕሪ ቀለብ  ዓሳ  እዚ ናይ ላምቦዲዛ ኣብ ሃገር ጣልያን ዝተገብረ መንእሰያትና ኣዲታት ምስ ደቀን ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም ከም ዓሳ ተዘቚቖም ናብ ሳናዱቕ ክእከቡ ዓለም ዝመስከርቶ ናይ ትማል ህልቀትና ኢዩ ።
  • Ø ክድሕኑሉ ዝኽእሉ መስርሕ ነይሩ አዩ ፥ውድባትን፥ ሰልፍታትን፥ ማሕበራትን ብሓደ እንተትሰርሑ ቑተባ ሓያላት ምኾና  ቅጠባ ዕብየተን ክ’ኣ ነቲ ንኻላኣይ ሳልሳይ ስግረ ዶብ ክሰግር ዝሓስብ ከልኪሎም ብፈውሱ ቀለቡ ክዳኑ ጫሙኡ ኪሎም ክሳብ ምስ’ኦም ዝቓለስ ዘይ ምግባሮም መድሕን ታራ ኣየ ተጻወታን ኢልና ንኸሰን ነዚ መንእሰይ ፈቖዶ ኣመርካን ከነዳን ኤሮጳን ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን  ኣስያን ዝተሰደደ ከም’ኡውን ኣብ ግዕዞ ስደቱ  ዝተሓርደን ዝሰንከለን  ናብ ባሕሪ ዝጣሓለን  ብዕብየት ገበን ጠንቂ ስርዓት ኢሳያስ ምኻኑ እኳ ፉሉጡን ሩኡይን ይኹን እንበር፤ ንሕና ውን ብሓፈሻዊ ኣዛራርባ  ማዕረ ህግደፍ ድ’ኣ ገበን ኣይ ንሰከም እበር ብሰንኪ ዘይ ጡርኑፍ ተቃውሞና መድሕን ታራ ስለ ዘይ ተጻወትና ብታሪኽ ተሓተቲ ኢና።
  • Ø ነዚ ሞጎታዊ ሓቂ እዚ ወዚፍካ ንውድብካን ሰልፍኻን ማሕበርካን ቲፎዘ  ምዃን ኣብ ቃልሲ ኣካል ጸገም ዳኣ እምበር ኣካል ፍታሕ ኣየስምዕን ኣብ ቃልሲ ዘየዕውት መገድን ኣካያይዳን ውድበይ ሰልፈይ ማሕበረይ መሪሑ ክዝውሮ ኣለዎ ነዚ ቃልሲ እዚ ካብ ዝብል ድኻ ሓሳብ ማእቶት ዘይ ቡሉ ሓሳብ ከም ምዃኑ ናይ 20 (ዕስራ)   ዓመት ቃልሲ እንታይ ሓፊስና  ንስርዓት አሳያስ ዝዋዳደር ዓቀን ተቃውሞ እንከሎ እዚ ቓልሲ ቀለስቲ መራሕቲ ብድሞኩራስያዊ ጥርናፈ ተማእኪሎም ተቐይዶም ዝኸዱ ቡቑዓት ሰለ ዘየጥረና ኢና ኢዩ እቲ ሓቂ ።ሕጂ ግን ከነጥሪ ኢና።
  • በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም ንውድቦምን ንሰልፎምን ንማሕበሮምን ዘየሳርሕ መገድን ውሳንየን ካብ ሓባራዊ ቃልሲ ፍንጥሪዕ ዘይብሉሉ  ቃጭል ህልቀት ላምቦዱዛ ኣብ  ኢታሊ ዝጥፍ’ኡ ዝጠፍ’ኣ ጡኑሳትን ሓራሳትን ሕጻናትን  መንእሰያትን  መጸዋዕታ ሕድነት ይኹንኩም ይብል።

  ካብቲ ዘሕዝን ድማ ካብ ብተሞኩሮና ዘይ ንማሃር ኣብ ክንዲ ጉድለታትካ ምእራምን ስለ ተቃወመካ ከም ሉኡኽ ህግደፍ መግለጺ እና ሃብካ ሰባት ኣስማት እና ጠቐስካ ህግደፍ እናበልካ ጠቀነታት ቀደም ንብሎ ዝነበርና ከይ ተማሃርናሉ ሒዝናዮ ምጓዓዝ ካንሰር ሕማም ቃልሲ እዩ።ዓገብ ካ ንብዕለይ ነብሰይ ነብሲ ኣማተይ ኣብዚ ጢሒልና ህግደፍ እና ተባሃሃልና እቅረ ከይ ሓተትናሉ ብሞት ምፍልላይና ስለምንታይ ዘይ ንማሃረሉ  ሕጂ ተሓዲሱ ክመጽእ ኣይ ግድን።

ኣብ መጨረሽታ ዛዘሚ ሓሳበይ ምዕበል ሓፋሽ ተባሂሉ ብሓባር ንቃለሰሉ ሓያል ተቃውሞ ንምግባር ቃጭል ህልቀት ተሰማዕነት ረኺቡ ብዞባታት ናይ ዓለም ናይ ብሓባር  ዘቃልሳ ሽማግለታት ይምዘዛ  ኣለዋ ንሰፊሕ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ንምህናጽ ሓደ ነቲ ሓደ ገዲፉ ዘይ ከይድ  እምስረታ ከም ዘለዋ ዘሕጉስ ዜና ከማሓላልልፍ ይደሊ    ከም ኣብነት ካብተን ተመስረታ ኣብ በይ ኤርያ ኦኩላን  ካሊፎርነያ ሽማግለ ቆይማላ ብ’ኡ ምሰርት ድማ ኣብ ኩሉ ዞባታት ይኸይድ ኣሎ ዘባኻ ሓሉ ካብዞም ሕግደፍ ተኻሉ ይባሃል ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ክሉ ዓለምና ነዘን ዝቖማ  ሽማግለታት ካብ ነውሰከፍ  ናይ ወርሒ ደሞዙ  ከዋጽ’ኣ ከም ሓሳብ ኣብ ስመር  ሩም  ዝርርብ እዋናዊ ኾይኑ ኣሎ ስብ ኣብ ስምምዕ እና በጽሔ ከይዱ  እዚ ተቦግሶታት እዚ ክብ ዚሮ ኣይ ተበገሰን ህልቀት ቃጭል  ላምቦድዛ ኢታሊ ምረት ጓሂ ሓዚሉ ኣብ ርእሲ ህግደፍ ተባዕ ስግምቲ ዘውስድ መንገዲ ይህንደስ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ  ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ዝሓወሰ ኣሰር ወዲ ዓሊ ስርሒት ፎርቶ ዝኽተል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘሎ ኣብ ግምት የእቲና ሓድነት እዋናዊ መድረካዊ ጠለብ ኾይኑ ኣሎ።

ዓቕምታትና ናይ ዝተፋላለየ ዓቅምታት ብሓደ ኣጸሚድና ሓያል ተቃውሞ ክንገብር ናይ ነውሰከፍ ኣብ  ትሕቲ ሓልዮ ህዝብና ዝብል ቴማ ዕጥቅና ይኹን እናበልኩ ጽሑፈይ ኣብዚ ይዛዝም ሰናይ ቅነ።

ካብ ገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

ካሊፎርንያ፣ ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Samuel Girmay November 7, 2013

    እይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ መተካእታ ዲክታክቶር በዓል ኣቡዓሸራ ወይዘሓልፈላ ሃገር ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱስ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ፡፡ መተካእታ እዚ በላዕ ሰብ ዝኮነ ስርዓትን ኣምለክቱን ምስሉያትን መናፍቓን ክኮኑ ኣይነፍቅድን፡፡

    • Meretse Asmelash November 7, 2013

      ኣቶ ግርማይ
      ዓሽራ ዝበለ ኣቱም ሰብ ንተኣክብ። እዛ ሓሳብ እዚኣ ጸገማ ኣብ ምንታይ እዩ? ኣንባቢ’ውን ክፈልጥ። ዶ ዋላስ ገብሪሂወት ሙሉእ ስሙን ገጹን ከቃልዕ ኣይነበሮን በሃላይ ኢካ ማለት ብጉልባብ ዘይጸሐፈ። ንጠርነፍ፣ ንሕበር፣ ንረዳድእ፣ …ንዝበለዉን ነቀፈታ ከሰንዮ ኣሎዎ? ካብ ምጥርናፍ ዝሓሸ መንገዲ’ሎ ትብሎ እንተልይዃ ከኣ እስኪ በል ደሃይ ግበር።

  • yonas27g November 7, 2013

    BRAVO ABU ASHERA

  • Yassin Abas November 7, 2013

    First it was the Tenzims (wudubat) now it is the youth clubs. At least the wedibat were committed to what their cause was EPLF and ELF were good examples of addressing real national issues. Now it is the XYNC DNYSC EYSC, and EYSNS showing us the everyday hypocrisy. Fighting over names on FB. With zero impact to affect PFDJ. They bark from Hotels and conferences rooms at times workshops. Most of them are immature and act like little kids saying my team vs. your team.Their platform of struggle is based on keyboards and the instrument they use are Photo shop and adobe. Many Eritrean youth clubs formed last two years in the name of the opposition are the ugliset than HMATEA of HGDEF are open to all people aged 21–54 where power hungry people can go to meet their friends, make new friends, and learn or try new activities of EGOISM. One can learn a new skill like how to manipulate, or possibly plan to use our young people in the name regionalism. They offer nothing and sacrifice nothing just want be fighters. Please take your name off.

  • belay nega November 7, 2013

    እታ ብጨረታ ዘይትግደድ አጻብዕ!

    ካብ 1961/1974 አብ ጃንሆይ አመልኪታ
    ካብ 1974/1991 አብ ደርጊ
    ካብ 1998 ክሳብ ሕጂ ክአ አብ ፕረሲደንትን ወያነን ተዋጣውጥ አላ

    ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ ደአ ኮይኑምበር ጸገምሲ አብታ ጉዳይ እያ ዘላ

    • MightyEmbasoyra November 7, 2013

      Ato Belay,
      So, who should the people of Eritrea blame then?
      As you know, since you live in the USA, if a company doesn’t perform for consecutive few quarters, the board of directors replace the CEO because the buck stops there. We should blame isayas.

      • belay nega November 9, 2013

        Dear Mighty

        we should not have bought a car in 1961, without considering the running cost,instead of blaming a driver who been trying his best.
        Let assume the gov of Eritrea is bad from head to tail,if the world community has no time to mention the bad staffs,something is wrong with our issue.
        The beauty of Ethiopia,from the point of view of the world, makes Eritrean issue to look ugly.

  • Hidat November 7, 2013

    “HAMD IDRIS AWATE NHZBUN HAGERUN NAXAN KEBEL ZIGEMERO KALSI………ENTAY KON MEBELEENQAE AYREO AYSEMO” EWE ENTETREO ENTETSEMO MEGEMERIA NAKATKUM MEHATETEKUM. ANTA WEYOKKWA ETI ZIGEMERKWO BSALA EZI KULU MESWETN SENKLNAN HAGER KAB MEGZETI HARA KOINAS ENTA EYU GUDKUM ERITRA NAXA KOINA MIS SEMAEKUM BTHUGAS FINCHH ELKUM ADKUM ZEIATKUM ENTE ZEITAMEKUM KEA ABZA ZELEKUMA HIGI MTEMELESKUM ELU MIHATETEKUM NEYRU.

  • Forto November 7, 2013

    I think a revolutionary movement during this time periode has to be multi-faceted. It can be a network rather than a party, with idiologicalleader but not central administrators. [Though ways to coordinate and connect would be important to have].

    And to clarify, the idiological leaders I think we need will also emerge organically, I dont’t think they can be declared. People will be won to ideas if they are correct and compellining.

    Idon’t think we can expect to first achieve a very high level of unity and then go out there with it. We’re all over the place, what are we even building- a revolutionary anti the system, movement that would include all. The goal I think we can and should unite arround at this time is very basic: To overthrow the current system and to put an end to all forms of oppression.

    The unity will change as the revolutionary process advances, of-course narrower groups and parties will arise organically, and existing ones will grow stronger or weaker depending on their grasp of reality, and people will contend over ever more specific details and create dividing lines over them. That’s part of the process, and will be an absolute necessity when we’re confronted with real questions: do we act this way or that way?

    If what we are doing is forming a broad revolutionary movement, we should not prematurely define who we are too narrowly. That will happen as it needs to.

    As the situation developes, I think a broad network of individuals will probably congeal into a network of small groups. There will be a lot of kinds of work to be done, specific to different geographical areas and depending on demographics and other factors.

    All this is not to say that we shouldn’t siscuss and debate the fines line questions now. It’s important to do so, and the revolution works. But I think at this moment we should strive to unite on some very basic point and then within that, embrace our diversity. Find ways that it can work to our advantages, and be as inclusive as possible without watering down the basic points or being swallowed up by reformisim.

  • Almaz Gual Asmera November 7, 2013

    ሕማቕ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ገዲፉ ምስ መልእኽተኛ እዩ ዝራጸም። ካብ ጸሓፋይ ኣቶ ገብረሂዎት ዝበልጽ ሓሳብ እንተሊካ ኣቕርብ። ገበን እዚ ጋኒንን ደቂ መዛሙርቱን (ሕጊ-ግደፍ) ግሁድ እዩ። ሸንኮለል ናይዞም ንቓውም ኣሎና እናበሉ ንሕዝቢ ዘዐስል ዘይኮነስ ዘባህርር (ሰላማዊ/ጎነጻዊ፣ ምእኩል ምምሕዳር/ፈደራላዊ፣ ኣስላማይ ክስታናይ፣ ኣዋርጃ እገሌ፣ ከበሳ መታሕት፣ ተገንጺልና ምስ ኢትዮጵያ ክንከይድ ኢና…ወዘተረፈ) መቑጸርን መወዳእታን ዘይብሉ ፍልስፍናታት ሒዞም ኪህውትቱ ዝጸንሑ ልምዳውያን ተቓወምቲ (ነዞም መንእሰያት ዝጸለውሉና ድኣ ገደደ እምበር) ይኣክል ኣሽካዕላል። ጉዳይ ሕዝቢ ጅሆ ሒዝካ ኮለል ይኣክል። ጉዳይ ሕዝቢ ብሕዝቢ። ሕዝቢ ዝደልዮ ፍትሓዊ ምምሕዳር እዩ። ኪኖዚ ኣብ ባይታ/ባሕሪ/ ገዲፍካ ኣብ ኣየር ምሕንባስ እዩ። ሕጂ ድማ መራሕቲ ሃይማኖትን ለባማት ዓድን ፍትሒ ይብሉ ኣሎዉ። ንሳቶም ብሶላ ናይዚ ሕዝቢ እዮም። ሰዓቱ ኣኺሉ፣ ሕዝባዊ ማዕብለ ተበጊሱ እዩ፣ ጥዑዩ ሕሙሙ ይእቶ ባዕሉ እቲ መድረኽ ከጽርዮ እዩ።

  • Michael, B. November 7, 2013

    ኣሰና ሰላም

    ንምንታይ ስለ ልሳን ዓረብ ብውንዙፉ ዝሰደድኩልኩም ርእይቶን መግለጹን ትስርዙዎ፡

    ምኅንያት ዶ ኣሎኩም

  • Mussie November 7, 2013

    I had a chance to speak to ABU ASHERA, he is politically mature and understanding well the Eritrean probes in depth. As Eritreans, we are lucky to have this kind of person that has clear vision about Eritrean problems at all.

  • Seb Qedem November 7, 2013

    The death of over 360 Eritreans in Lampedusa is not going to be in vain.

POST A COMMENT