ቋንቋ
ቋንቋ ፍሥሐየ መብራህቱ ቋንቋ ኢዩ መዛረቢ መላዘቢ መቃረቢ መዋሰቢ መዋለዲ መዛመዲ መካየዲ መጻመዲ መናገዲ መማለዲ መፋቐሪ መካበሪ መናገሪ መፈከሪ መማኸሪ መነጸሪ መዋስኢ መጻብኢ መካትዒ መራትዒ መሞገቲ መነየቲ መፈጸሚ መለበሚ መሳነዩ መዛተዪ መወደሶ መሞገሲ መዋቐሲ መባኣሲ መሸምገሊ መጋላገሊ መሰንገሊ መዓንገሊ መፍለይ ቋንቋ
ቋንቋ
ፍሥሐየ መብራህቱ
ቋንቋ ኢዩ
መዛረቢ መላዘቢ
መቃረቢ መዋሰቢ
መዋለዲ መዛመዲ
መካየዲ መጻመዲ
መናገዲ መማለዲ
መፋቐሪ መካበሪ
መናገሪ መፈከሪ
መማኸሪ መነጸሪ
መዋስኢ መጻብኢ
መካትዒ መራትዒ
መሞገቲ መነየቲ
መፈጸሚ መለበሚ
መሳነዩ መዛተዪ
መወደሶ መሞገሲ
መዋቐሲ መባኣሲ
መሸምገሊ መጋላገሊ
መሰንገሊ መዓንገሊ
መፍለይ ቋንቋ ዘረባ
መፍለይ ጸጕሪ ወለባ።
ቋንቋ ኣውጺኦምሉ ንዘረባይ
በዓል በሊሕ ቀርኒ ልቦም ጠዋይ
ዓዖ ተኸሉሉ ነምጌራይ
እምባጋሮ ኣቲዎ ድጊ ዋዕላይ
መሰል ተገቢቱ ካብ ዓቛራይ
እጃመይ ከይሓርስ ከም ገባራይ
መሬተይ ቃዲሩ ግርሁ ሥርናይ
ቤተይ ተራሲዩ ብዓዳላይ።
ኣነ ዝበልኩ ግን “ስለምንታይ?”
ኣበያ ኢሎምኒ ተቓዋማይ
ጸላኢ ሰሚዮምኒ ተፃራራይ
ንእቡድ ክህቡኒ ንኣባይ
ግዳም ኣሕዲሮምኒ ሰፈር ኣህባይ
ስደት ኣርሓቑኒ ስግር ቀላይ።
ደቀይ ተወጺዖም ምስ’ታ ሔማይ
ብሕማም ጐረቤት ተላጋባይ
ሓቂዶ ክትመውት ኣሚን ዑቕባይ?
መግነዝ ኣሊሙላ’ቱ ፈዓላይ
መባሮ ኣትቢዑ‘ቱ ናሃባይ
ፍትሓት ኪገብሩላ ቀሺ ሕድራይ
ብዘይ ኣበ-ውሉድ ሓመድ ምድባይ
ጐቦር ከሰንዩ እልፊ ሕራይ
ልጓም ዘምሕረሎም ከም ኣምበላይ
መስገደል ለዓሎም ከም ኵሕላይ
ሓተላ ሓንፊፎም እፎ ጽራይ
ብሱል ከይቅርቡ ሓሰር ንፋይ
ማዕከኖም ኣፍሪሶም የልቦን ሽሻይ
ወግዒ ዚጐድሎ ናቶም ውራይ
ወራዙት ሰጊሮም ቋልዑ ምሕራይ
ንምሁር ጐሲኻስ ናብ ጠንቋላይ
ሓካይም ከለዉስ ብዓል ሥራይ
ሓቂዶ ንበሎ ጽውጽዋይ?
ቋንቋይ ኣስተብህሉ ቃል ዘረባይ።
WaEro January 5, 2015
You know the language.
Berhane January 6, 2015
ኣዝዩ ዝነኣድ ምለከት ቋንቋን፣ ዝቃዶ መልእኽትን ናዕታን።
ከመይ፤ ከምዚ ከማኻ ይብዝሑ።
Berhane January 6, 2015
ኣንብብ፥
“ምለከት” ከም ምልከት። ምስ ይቕረታኡ።
ERITRAWIT January 6, 2015
Nay behakey des zble degageme anbebewo des eleney yekenelna kbur haw!!!