Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅዝፈት 357 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ፣ንህዝቢ ኤርትራ ሰሃሮ፣ ንኢሳይያስ 50 ሽሕ ይሮ!!

ቅዝፈት 357 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ፣  ንህዝቢ ኤርትራ ሰሃሮ፣ ንኢሳይያስ 50 ሽሕ ይሮ!! እቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ፣ ኤርትራዊት ኣደ ምስ 3 ህጻናት ደቃ ዝወሓጠ፣ ከይተወልደት ዝሞተት፣ ዕትብቲ ኣዲኣ ለጊቡ ምጽንሑ ካብ ፍጥረት ዓሳ

ቅዝፈት 357 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ፣ 

ንህዝቢ ኤርትራ ሰሃሮ፣ ንኢሳይያስ 50 ሽሕ ይሮ!!

እቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ፣ ኤርትራዊት ኣደ ምስ 3 ህጻናት ደቃ ዝወሓጠ፣ ከይተወልደት ዝሞተት፣ ዕትብቲ ኣዲኣ ለጊቡ ምጽንሑ ካብ ፍጥረት ዓሳ ዝፈለያ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝጸንሐት ዕሸል ዝርከቡዎ ዓለም ዘስካሕክሐ ቅዝፈት 357 ኤርትራውያን፣ እዚ ዘይብሃል ንብዓት ህዝቢ ፈሲሱዎ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንልዕሊ ወርሒ ከም ሓደ መዓልቲ ተነቢዑሉ፣ ሓዘኑ ገና ካብ ኣእምሮን ልብን ህዝቢ ኤርትራ ምውጻእ ኣብዩ ኣሎ።

ይኹንእምበር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ቅዝፈት ኣማኢት ነፍሳት ኤርትራ ኣብ ተለቭዥኑ ፈለማ “ ሞት ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያንን” ኢሉ ክሓባብኦ ፈቲኑ። እቲ ዜና ሃለዋት ብጣስ ምህጸኑ ካብ ህግደፍ ዘይጽበ ህዝቢ ኤርትራ ዓሚቝ ሓዘኑ ብቝጥዐ ምስ ጀመረ ከይፈተወ መልሓሱ እናጎተተ ዝተኣመነ ስርዓት ግን፣ ብድዐኡ ኣብኡ ደው ኣየበለን። ሬሳ ናይቶም 357 ግዳያት ሽዑ ንሽዑ ናብ ኤርትራ እንተኣትዩ ከውድቐኒ ‘ዩ እሉ ስለዝረዓደ፣ ብመራኸቢ ብዙሃኑ ጸጸኒሑ እናተመጻደቐ ብታሕቲ ታሕቲ ምምላስ ሬሳ ዝደናጎየሉ ተንኮላት ከሰላስል ቀንዩ። በንጻሩ፣ መንግስቲ ጥልያን ሬሳታት ኣብ ሲስልያ ክቐብር፣ ምእንትኦም ናይ ሓዘን ጉዳይ ክገብር፣ ንዝኽሮም ኣግራብ ክተክል ከሎ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ን 3 ጥቅምቲ መዓልቲ ሓዘን ኣፍሪቃ ክትከውን ብኣዋጅ ኣወፍዩዋ ኸሎ፣ እቲ ስርዓት፣ ሞቶም ከረሳስዕ ሓንሳብ ጓይላ ተኺሉ ዘይለበሙ ከሳዕስዕ፣ ሓንሳብ ድማ ሰራዊት ደምሒት ኣዋፊሩ መንእሰያት ክለቅም ተራእዩ።

እዚ ብምጽቃጥን ብምልኽባጥን ከካይዶ ዝቐነየ ንኣዳም ገረሞ መንክራት ድሮ ብህዝቢ ኤርትራ ኣፈንፊኑዎ ‘ኳ እንተኾነ፣ እቲ ጭካኔ ኢሰብኣውነትን ዘላደዮ፣ ንውርደትን ሕስረትን ናተይ ዝበሎ ስርዓት ኢሳይያስ ግን ኣኼሳዊ ተግባራቱ ኣብኡ ኣየብቀዐን። ኣብ ዜና ኣሰና ከምዝተኸታተልኩሞ መነጸሪ መንነት ሬሳታት ማለት ን መርመራ DNA ካብ ነፍሲ ወከፍ ሬሳ 150 ይሮ ክምልጥጥ ናብ ላምፐዱዛ ስልሕልሖት ኣዋፊሩ ቐንዩ። ንሳቶም ነቶም ደሃይ ክገብሩ ናብ ላምፐዱዛን ኣገረጀንቶን ብዘይልቦም ሃጽ ኢሎም ዝገሹ ቤተሰብ ግዳያት ትርጁማን እናተመሰሉ ከታልሉዎም ፈቲኖም።

ምናልባት ነቶም ዘይትፈልጡዎ፣ ስልሕልሖት ኣብ መካነ መቓብር መግቢ ዝምእርሩ ናእሽቱ ፍጥረት እዮም። እቶም ትማሊ ንስድራቤታት ግዳያት ሲናይ 50 ሽሕ ናቕፋ ምምልጣጥ ዝለመዱ፣ ንሓዘንን ንብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ግሩም ኣጋጣሚ ምዝመዛ ዝቖጸሩዎ ኣራዊት ስርዓት ህግደፍን ካብ መቓብር ሲሲልያ 50 ሽሕ ይሮ ክሽምጥጡ ሎሚ ዘዋፈሮም ሃሱሳቱን ከኣ ሰብ ዝመስሉ ገዘፍቲ ስልሕልሖት እዮም።

ነዚ ካብ ሬሳ ገንዘብ ክኸስብ ሃነፍነፍ ዝብል፣ ኣውያት ኣደይ ኣስገደት፣ ብኽያት ኣሽሓት ኣዴታት ዘይስቆሮ፣ ቆራይ ሕልና ኢሳይያስ እሞ እንታይ ክንብሎ ኢና። ፍንፉን፣ ጽያን፣ ነውራም፣ ውርደተኛ፣ ሓጥያተኛ፣ ሬሳ ዝብሉ ቕጽላት ‘ውን ጠላሕ ኣይብሉዎን እዮም። መልሓስና ዘይኮነ፣ ኣእዳውና ጥራይ ከኣ’ዩ ገርገራ ኮይኑ ንጽዩፍነቱ ደረት ዝገብረሉ ዘለዎ።

እዚ ስርዓት ‘ዚ ማዕረ’ቲ ብውልቅን ብጃምላን ህይወት ዝልክመና ዘሎ፣ በቲ ሕሉፍ ጭካኔኡን ነውራምነቱን ከም ህዝቢ ስምዒት ሰብኣዊ ሕልናና ኣልሚሱ ብህልዋትና ይቐትለና ምህላዉ ዝኸፍአ እዩ። ስለዚ ነዚ ብቐሽን ብሸኽን ዓለምን ክዅነን ዘለዎ ሓጥያተኛ ስርዓት፣ ካብዚ ሕጂ ብኽፍኣቱ ናይ መወዳእታ ዝመስለና ዘሎ እከይ ግብሩ ዝኸፍአ ከይንርኢ ተሎ ፎእ ንበሎ። እወ፣ ከምቲ ናይ ኣደይ ኣስገደት፣ ኣንዊሕና ፎፎፎፎፎፎእ!! ንበሎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

06 ሕዳር 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Hailom N. November 6, 2013

    Amanueal ( Eisayas or Wedi Berad ayekonen lambadusa mesiyu ayekonen kemzi geberu kemzi aytegberu zebele). you now what i mean it is good to have ( naye tom tela-aketu muluau shemom mobekel adom mekniyatum kemzehetetu kefeltu alewom. daharaye ayefeletkun te-azize eiye maletu ayesrehen eiyu ) SPECIALLY YOU LIVE IN DEMOCRACY COUNTRY AND YOU HAVE CHOICE TO SAY NO I WILL NOT DO THIS TO MY PEOPLE. THIS IS EVERY BUDY RESPONSBLITY.

  • eritrean November 6, 2013

    Woyane is responsible for Sinai, lampadusa and abuses at mai aini camp! Don’t blame someone else!

    • belay nega November 7, 2013

      eritrean

      Do not blame Ethiopians, for reversing our motto “TO ACHIEVE YOUR GOAL, DIVIDE ETHIOPIANS”

    • ERITRAWIT November 7, 2013

      FOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOO Isaias FOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOO.

  • Kabbire November 6, 2013

    እዚ ኣብ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ዝነፍስ ዘሎ ወረ ሓቂ ኣልዎ ድዩ ፧

    “ዕለት ሃገራዊ ቀብሪ ሰምበት 10/11/2013 ኣብ ኣስመራ መቓብር ስማእታት ክካየድ፡፡ ስነ-ስርዓት ሃገራዊ ቀብሪ ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ንጉሆ ካብ ሰዓት 10፡00 ክሳብ ፋዱስ ሰዓት 12፡00 ክፍጸም ምኻኑ ወገና ንዘበለ ኹሉ ብኽብሪ ንዕድም፡፡”

    http://tig.asmarino.com/tig/eyewitness-account/1709-2013-11-07-01-56-11

    • ERITRAWIT November 7, 2013

      Kabbire,Thank u kemey da eu negeru.

  • belay nega November 7, 2013

    “ቅዝፈት 357 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ፣ንህዝቢ ኤርትራ ሰሃሮ፣ ንኢሳይያስ 50 ሽሕ ይሮ!! ”

    “ን ሑሙምሲ ዝመውት ይበጽሖ” ክምዝበሃል 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝተሰቀላ መርክብ አብ ሓደጋ ምህላዋ እንዳ ፊለጥካ ዘላቂ መፍትሒ አብ ክንዲ ምንዳይ ፋይዳ ዘይብሉ ንብዓት ሓርገጽ ምንባዕ እንታይ ይዓብስ?
    ንፕረዚደንት ክትረክብ ተባሂሉ በምዑት ደቅኻ ምጽዋት ነውሪ እዩ ሀየንታ ክአ አለዎ::

    • fithawi November 7, 2013

      Bilay;
      shimu daa tirekeb haw kelit , belay guhila, asbi nay kulu kitfetka aytisenin ekka.
      GUHILA!

      • belay nega November 7, 2013

        Fithawi

        ጉሒላ ሰብ አብሊዕካዮ ትገላገል
        ናተይ ንዓይ: ናትካ ግን ንኹልና ኢሉ ዝተበገሰ ጉሒላ ጉዳይ ግን እንታይ ትገብሮ?

  • Kelit Hibtai November 7, 2013

    Belai guhila;

    Gudai hizbi eritra gudayka silezeikone afka haz; entekiilka bizaiba adikan (Ethiopia) bizaiba hizbikan tezareb. Hanti haki gin wetsiatka; goitaka ayismae – “5 million hizbi zitesekla merkeb ab hadega ala”. Isayasn korakurun kimaatuka yom!

    • belay nega November 7, 2013

      Kelit Habtai

      ወይልኻ አብ ግዜ ሱሳታት ትነብር ዘለኻምበር አነስ ጠንቅን ሳዕቤንን ጉዳይ ኤርትራ ፈሊጠ አብ ሓቂ ዝነብር ዘለኹ እየ

      For your information,Ethiopians, the cause of all this mess in Eritrea,do not have any personal problem with any Eritrean including the president,but big reservation towards our issue.
      Not only that,but they have the might and sympathy of the world community,to perform what they think is right.So wake up,stop pointing fingers and stand for long lasting solution [peace]

  • Suleiman Salim November 7, 2013

    ኣነ ንነብሰይ ከም ናይ ቋንቋ ትግርኛ ተማራማሪ ጌረ ኣይርእያን እኳ እንተኮንኩ እዚ የስምዕ እዩ እቲ ኣየስምዕን እዩ ኢለ ግን ናይ ምማይ ቅሩብ ክእለት ኣሎኒ እንተ በልኩ ምግዳድ ኣይከውንን።

    ሕጂ ኣብ እቲ ቁም-ነገሩ ክንኣቱ እዛ “መቕዘፍቲ” ትበሃል ቃል ትርጉማን ኣጠቓቕማኣን ጽቡቕ ጌርኩም ዶ ትፈልጥዋ ኢኹም? ሓንቲ ኣደ ንሓደ ርጉም ወይ ከኣ ዘሕረቓ ወዳ “ተቐዘፍ” ክትብሎ እንከላ መርገም እዩ ዘስምዕ። ወተሃደራት ጸላኢ “ተቐዚፎም” ክትብል እንከሎካ ካብ ሞይቶም ወይ ተቐቲሎም ምባል ትርር ዝበለ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ሕማቕና ዝምነዩ ዝነበሩ ዓሪቦም ኢኻ ትብል ዘሎኻ።

    እሞ ነዚ ኩሉ ትንታነ ኣብ ግምት ብምእታው ነዞም ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝሞቱ ንጹሃት ኣሕዋትና ከም ርጉማትን ከም ጸላእትናን ተወሲዶም ” ተቐዚፎም ” ኢልና ክንጽሕፍ የጥዕመልና ዶ? ደቂ ኤረ ሕሰብሉ ደኣ።

    እዚኣ ዎ ደሓንኩም!

  • Getch November 25, 2013

    Me as Tigraway, I sympathize for what happened in lampedusa/Italy. But that is so sad to hear and read some of our colleagues pointing at Ethiopia for this all that tragedy. Sorry but What ever is happening in Eritrea the leadership and its allies are to be blamed and not Ethiopians who are also victims of the Eritrean tyranny and military adventurism.
    Selam kewridelkum mejemerta mis wushtikum selam fiteru.
    Good wish from the proud people of TIGRAY

Post a Reply to Kelit Hibtai Cancel Reply