Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳስት?) ኤርትራ

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳስት?) ኤርትራ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቃኤል ካብ ቅንኢ ተበጊሱ ንኣቤል ሓዉ ቀተሎ። እግዚኣቢሔር ከኣ፡ ኣቤል ሓውኻ፡ ኣበይ ኣሎ? በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣይፈልጥን፡ ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ? በለ።

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳስት?) ኤርትራ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?

ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን

ቃኤል ካብ ቅንኢ ተበጊሱ ንኣቤል ሓዉ ቀተሎ። እግዚኣቢሔር ከኣ፡ ኣቤል ሓውኻ፡ ኣበይ ኣሎ? በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣይፈልጥን፡ ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ? በለ። እንታይ ጌርካ ኢኻ?  ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ነዛ ንደም ሓውኻ ካብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን ። ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባህብሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣቢሔር ፡ በደለይ ክጸሮ ዘይከኣለኒ ዓቢዪ እዩ። እንሆ ሎሚ ካብ ገጽ መሬ ት ትሰጎኒ ኣሎኻ። ኣነ ድማ ካብ ገጽካ ክሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድማ ኰብላልን መቕባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዝረኸበኒ ዘበአ ክቐትለኒ እዩ፡ በሎ’። እምበኣር ንቃየል ዝቐትለ ኵሉ ሸውዓተ ካዕበት ሕነ ኪፍደዮ እዩ፡ በሎ።  ዝረኸቦ ኵሉ ከይቀትሎ ከኣ ንቃየል ምልክት ገበረሉ። ቃየል ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣቢሐር ወጸ።    

ዘፍጥረት 4፡ 9-16

ኣብ’ዛ ሓጻር ኦሪታዊት ዛንታ እዚኣ ገበንን መቕጻዕትን፣ ጣዕሳን ምሕረትን ብጽዑቕ ተጠቕሊሎም ይርከቡ። እቲ ገበነኛ ቃኤል እዩ ንሓዉ ቀቲሉ። እታ ፈለማዊት ቅትለት ‘ቅትለት ሓው’ እያ። ፈለማዊት ምኽንያተ ቅትለት ከኣ ቅንኢ። ቅንእን ቅትለትን ንእግዚኣቢሔር ጥራሕ ዝተዋህበ ስልጣን እዩ’ሞ ኣምላኽ ተቈጥዐ። ቃኤል፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!? ከም ዝኾነ ቀታሊ፡ ቃኤል ንእኩይ ተግባሩ ከኽሕድ ፈተነ። እንተኾነ መሬት መስከረት። እግዚኣቢሔር ከኣ ፈረዶ (ረገሞ)። ቃየል ሽዓ ንሽዓ ተጣዕሰ። ካብ ገጽ ኣምላኽ ስለ’ዚ ከኣ ካብ ዑቕባኡ ስለዝረሓቐ ከኣ ዝረኸበኒ ኵሉ ክቐትለኒ እዩ ኢሉ ፈርሐ። እግዚኣቢሔር ከኣ ንቃኤል ዝቐተለ ኣኻዕቢቱ ሕነ ክፈዱ ምዃኑ ኣፍለጠ። ፍርዲ ካብ ኣምላኽን ናይ ኣምላኽን  ጥራሕ እዩ’ሞ።

እዚ ካብ’ቶም ቀዳሞት ምሳሌኣዊ ሞራላዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቲ ብኵሎም መራሕቲ ሃይማኖታት  ብዝለዓለ  ዝተጣሕሰን ክሳብ ሕጂ ከኣ ዝጠሓስ ዘሎን መርገጸ ኣምላኽ እዩ። ገለ ሰባት፡ ብገለ መለኮታዊ ስነሞገት፡ ወከልቲ ኣምላኽ ኣብ መሬት፡ መለኮታዊ ልኡኻት፡ ጠበቃታት ኣምላኽ፡ ተርጎምቲ ቃለ ኣምላኽ ምዃኖም ይኣምኑ’ሞ ኣብ መንበር ኣምላኽ ተቐሚቶም ይኸሱ ይፈርዱ። ይቐትሉ። ኣምላኽ’ስ ያኢ ንገበነኛታቱ ኣብ ምቕጻዕ ነሓፊ ኴይኑ’ስ ንሳቶም ስርሑ የሳልጥሉ። ኣምላኽ ግን በዛ ሓጻር ተፈጽሞ እዚ’ኣ እቲ ከሳስን ፈራድን ቀጻዕን ንሱ ጥራሕ ምዃኑ የርእየና። ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’ ኢላ ንዅሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ካቶሊካውያን  ሓቲታ።

ሓወይ ኣበይ ኣሎ? እዋናዊ ሕቶ። ናብ ርእስን ልብን መንፈስን ዝበስዕ ሕቶ። ከይትሰምዖ፡ ከይተኾምስዕ፡ ከይተስተማቕሮ ዘይከኣል ሕቶ። እወ፡ መሪር ሕቶ። ነፍሲ ወከፍና ንነፍሱ ሓቲቱ ክምልሶ ዝግባእ ተረጊጹ ዘይሓልፍ ሕቶ። ኣብ ውሽጡ ሓያሎ ሕቶታት ዝጠቕለለ ሕቶ። ሕቶ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ንርእሱ እቲ መልሲ ዝኾነ ሕቶ። እቲ ሕቶ እንተላይ ወቐሳ እዩ። ፍርዲ እዩ’ውን። ብሃንደበት ድማ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኢሎም ዝውጥሩኒ በዚሖም። እሞ ኣነ እቲ ቃኤል ድዬ?

ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓንቲ መዓልቲ፡ እንተስ መወዳእታ 1983 ይኹን መፈለምታ 1984፡ ከም ሳግም ንሜዳ ኣቲና ኣብ ዓልዬት ምስ ሃይለ ድሩዕ ብኣጋጣሚ ተራኺብና ብዛዕባ ቀደም ንፈልጦም ሰባት ተራ ፍኑው ዕላል ነዕልል ነቢርና። ኣነ፡ ተስፋልደት (ሓው ተዋዛዪ መምህር ሰሎሞን) ከመይ ኣሎ ኢሉ ሓቲተዮ። ክልቴና ጽቡቕ እንፈልጦ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ’ዩ ነቢሩ። “ከይዳ’ንድያ!  መለሰ ሃይለ ብዘይካ ዝኾነ ስምዒት። ፈለማ ብዛዕባ ተራ መሬታዊ ምኻድ ዝተዛረበ መሲሉኒ ናበይ? በልኩ። ተስፋልደት ግን ናብ’ቲ ካብኡ ዘይንምለሱ ዓዲ ኵላትና’ዩ ከይዱ። ተስፋልደትን ሃይለን ጥብቂ  ኣዕሩዅትን ናይ ሓባር መማህርትን መጋድልንትን፡ ካብ ጀብሃ ናብ ኢትዮጵያ ብሓባር መሎቝትን እዮም። ኣነ ንሓጺር እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመልሱ’ዬ ዝፈልጦም። ነቲ መስዋእቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቀሊልነት ስለዝገለጾ፡ እሞ ከኣ መሪሕነት ተባሂሉ፡ ኣስደሚሙኒ። ዘምህረት’ውን ብዛዕባ ሓደ ሓው ሃይለ ተወከሰ። ዓይነት ኣዝማድ እዮም። ድሩዕ፡ ንሳ’ውን ከይዳ! በለ ሕዚ ንእሽቶይ ምስርናቕ ዝኣመሰለት ሰሓቕ’ውን ስሒቑ። ለካ’ስ ድሩዕ! ቢለ ሓሰብኩ። እቲ ኣረዳድኣ መስዋእቲ ንፈልጦም ሰባት ብሓቂ ኣሰንቢዱናን ኣፍሪሑናን። ንምሸቱ ምስ ዘምህረት ከምዝተዘራረብናሉ እዝከረኒ። ምናልባት ሓደ መራሒ ንባዕሉ መስዋእቲ ዘይግድሶ መሲሉ ንካልኦት ኣርኣያ ቈራጽነት ኪኸውን ስምዒቱ ክሓብእ የድልዮ ይኸውን። እንተኾነ ናብ እምኒ ክቕይሮን፡ ከሽካዕልለሉን ኣይግባእን። እቲ ንምውታቱ ዘየኽብር ንህያዋቱ ከኣ ኣየኽብርን! ተበሃሂልና። እዚ ስምዒታዊ  ኣቛም’ዚ ቅዳሕ ምስሊ ስምዒታዊ ኣቋም ናይቲ ወዳብን ርእሰ ውድብን እዩ። ምስሊ ድንብርጽ ዘይብሎ  ንሞት’ውን ረጊጹ ዝሓልፍ ተባዕታይ ውድብ ተባዕትዮ! እዚ ሾቪኒስታዊ ስምዒታዊ ኣቋም’ዚ ናብ’ቲ ምሉእ መሰረት ኪዘቝቝ እንከሎ ከኣ ርኢናዮን ተሞኵርናዮን ኢና። ከም’ዚ ኢሉ ከኣ እቲ ውድብ ናብ ሓደ ስምዒተ ኣልቦ ስሉጥ ናይ ውግእ መኪና ተለወጠ። እቲ ሓወይ ተራ ተጋዳላይ ከኣ መቅባሕባሓይ ኮነ። ሓንሳብ … ሓንሳብ … ሕዚ በብቍሩብ እደናገር ኣሎኹ። እቲ ከቕባሕብሕ ዝነበሮ ቃዬል’ዶ ኣይነበረን … ? ንመጠረስትኡ ከኣ፡ እታ መኪና፡ ንዓመታት ተጻዒራ ዓጠቕጠቕ ኢላ ናብ ሸቶኣ በጽሐት። ታሪኻዊ ግቡኣ ፈጺማ’ያ’ሞ ተፈንጥሐት። እቲ ዘዝጠቅም ተወሲዱ ከኣ ተደርበየት። እቲ ንነጻነትን ፍትሕን ዝደመየን ብኣካልን መንፈስን ዝሰንከለን ሓወይ ድኣ ናበይ ኣበለ? እቲ ኣብ መገዲ ዝኸደ ቍጽሩ ኣዲኡ ትፍለጦ። እቲ በዝን በትን ኢሉ ዝበጽሐ ከኣ ተጓሒፉ እቲ ዝኸኣለ ከኣ ኮብለለ። ሰንፈለ። ኣብ ስደት በሽቀጠ። እንታይ  ግርንቢጥ’ዩ’ዚ? እዚ እቲ ዝዓበየ ኤርትራዊ ግርንቢጥ’ዩ።

እቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንሃገራዊ ነጻነትን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን ዝተዳመየ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ታሪኽ ግርንቢጥ ኴይኑ ሓደ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተኺሉ። እዚ ኣረሜናዊ መንግስቲ’ዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ነቲ ኤርትራ ዝቈመትሉ ማሕበራዊ መሰረትን፡ ምጣኔ ሃብትን፡ ካብ ኵሉ ድማ ሞራላዊ-ኤቲካዊ መትከላትን ዘረጎ። ነቲ መስዋእትን መድመይትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ኢምንት ለወጦ። እዚ ኣይኣኸሎን ነቲ ታሪኽ ድሮ ‘ውግእ ክልተ መላጣት ንሓንቲ መዘርገፍ’ ኢሉ ዘላገጸሉ ጽሉል ዶባዊ ውግኣት ከቲቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ሓሊቖም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ገባሮ ካብ ዓዳቶምን መሬቶምን ተመዛቢሎም። እቲ ሃገር ከኣ ብምልኡ ኣብ ዓሚቝ ዓዘቕቲ ዓጽበ ጥምዬት ወዲቑ። ዓይኒ ዘንቈሐን ዝመከተን ዘበለ ኵሉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኑ፡ ብጭካነ ተቐጥቂጡ፡ ተጸሊሉ፡ ተቐቲሉ። ኣብ ኤርትራ ክልተ ወለዶታት ብዘይካ ሓድጊ ሓሊቑ። ኣብ ኤርትራ፡ ህይወት፡ ካብ ዘመነ ኢሳያስ ንላዕሊ ሓሲራ ኣይትፈልጥን። እሞ’ቲ ሓወይ’ሲ ናበይ ኣበለ?

ሓወይ ገና ይኸይድ ኣሎ። ይሃድም ኣሎ። ኣብ’ቲ መገዲ ሰደት ይሕረድ ኣሎ። ይጉዘ ኣሎ። ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ይቕበር ኣሎ። ሓወይ ይጸንት ኣሎ። እሞ’ስ ሓወይ ኣበይ ከምዘሎ’ስ እፈልጥ’ዬ። ኵሉ ኤርትራዊ ድማ ይውሓድ ይብዛሕ ይፈልጥ እዩ። እቲ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ እውን ይፈልጥ እዩ። እቲ ገለ ማዓጹን መሳዅትን ንዓዲ ዝለኣኸ’ውን ሓዉ ኣበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። እቲ ኣመል ዕዳ ኴይኑዎ ገና መቐመጫ’ቲ ዲክታቶር ዝልሕስ ዘሎ’ውን ሓዉ ኣበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። እሞ ኣርባዕተ ኣቡናት ዝኣኽሉ ሊቃውንት’ስ ነዚ ኵሉ ዝፈልጦ ከፍልጡና ድዮም ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኢሎም ዝተላዕሉ? ኣይፋልን። እቲ ንሳቶም ከይበሉ ዝበሉዎ’ስ “ሓውኻ ኣብ ትሕቲ እንታይ ዝኣመሰለ ዲያብሎሳዊ ኵነታት ይነብር ከምዘሎ’ስ ያኢ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሓውኻ ክቕተል፡ ክእሰር፡ ክግረፍ፡ ክስደድ፣ ኮታ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ስለምንታይ ኣኽኢልካ? ኣንጻሩ እንታይ ገቢርካ? እንታይ’ከ ክትገብር ኢኻ?” እዩ።

ሓወይ ኣበይ ኣሎ … ? ንምዃኑ’ኸ  ሓው ኣሎኒ ድዩ!?  እምበርዶ’ኸ እታ ሕውነት’ስ ካብ ሴፍ’ቲ መላኺ ድሒና እያ? ሓወይ ኣበይ ከምዘሎ እንተዘይፈሊጠ፡ እንተዘንጊዐ፡ እንተዘይኣቋጠጠን’ስ ሓው ኣሎኒ ድዩ? እዚ’ውን ኵላትና ኣብ መጥሓን ሕልናና ክንልንቅጦ ዘሎና ሕቶ’ዩ። ኣቐዲመ’ውን  እሞ ኣነ መዓስ ቃዬል ኮይነ ቤተ ክርስትያን እንታይ ግበር ትብለኒ ኢለ ተገሪመ ነቢረ’ዬ። ዶስ … !?

ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እወ፡ ኣነ’ውን ቃኤል እዬ። ኵላትና ነቲ ቃኤል ‘ቃኤል’ ንኽኸውን ዘኽኣልናዮ ቃኤላት ኢና። እቶም ድያስፖራ ዝተባህለ ኣብ ደመና ዝተሃንጸ ናይ ሓሶት ሃገር ሰሪሕና ሓውና ኣብ ሽበራን ፍርሕን ተሸቝሪሩ ይነብርን፣ ማሕበራዊ ቀዋምነት ቀጻልነትን ስኢኑ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ቅልውላው ኣትዩ  ይዝረግን ይብተንን ከምዘሎ ዝረሳዕና ማዕረ’ቲ ቃኤል ቃኤላት ኢና። እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ንዘየሎ ስልጣን ነንሕድሕዶም ዝተሃናኾቱን ኣብ ልዕሊ ውጹጽ ህዝቢ ዘሽካዕለሉን ‘ተቓወምቲ’ በሃልቲ እውን ልክዕ ከም’ቲ ቃኤል ቃኤላት እዮም። ንመጠረስትኡ’ስ ዝኾነ መንግስቲ ማዕረ ብቕዓት ህዝቡ እዩ።

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሊቃነ ጳጳሳት ፍራንጨስቖስ 16 ጠቒሱ፡  “ቤተ ክርስትያን፡ብምልእታኮነኵሎምጓሶትልክዕከምክርስቶስኮይኖምነቲሕዝቢካብምድረበዳመሪሖምከውጽእዎ፣ናብ’ቲሰፈርሕይወትኪመርሕዎ፣…ናብ’ቲምልኣትሕይወትዚህብ፡ናብኡከብጽሕዎኪብገሱኣለዎም” ኢሉ ይጠቅስ። ክርስቶስ መንፈሳዊ መራሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ጅግና ሰውራዊ ጸጋንን ኣቦን መሓዛን ውጹዓትን እዩ ዝነበረ። ንሰብ ንኸድሕን ከኣ ክሳብ ‘ኣሎሄ፡ ኣሎሄ፡ ለማ ሰባቕታኒ!’ ኢሉ ዝግዕር ተሳቕዩ እዩ። እቲ ወካልን ሰዓብን ክርስቶስ እዬ በሃሊ ከኣ ምእንቲ ድሕነት ህዝቢ  ክሳብ ክንድ’ዚ ክውፈ ይግብኦ። እቲ ነዚ ዘይገብር ክርስቶሳዊ ትካል ከኣ ንሱ’ውን ቃዬል እዩ። ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንጨስቖስ፡ ኣምላኽ ይባርኽኩም። ዕድመ ማቱሳላን ጥዕናን ይሃብኩም። ቤተ ክርስትያን ካብ’ቲ ወርቃዊ ግምቢ ቫቲካን ወጺኣ ምስ’ቲ ውጹዕ ሓፋሽ ኪትጨማለቕን፡ ምእንትኡ ኪትቃለስን  ወቕቱ ዝበጽሐ ይመስል።

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ነቲ ሕዚ ኤርትራን ህዝባን ዝነብርዎ ዘሎዉ ኵሉ ሸነኻዊ ኣስካሕካሒ  ኵነታት ድሕሪ ምትንታን ከም መዛዘሚ ፍታሕ ንትዕግስትን፡ ተስፋን ጸሎትን ይእምት።  “… ብስመይዝለመንክምዎ…ኽገብረልኩምእየ… ፣(ዮሓ.14፡13) ብዝበለናመሠረት፣ ጸሎትናንኸንቱከምዘይኮነንፈልጥ።ስለ’ዚሃገርናነቲካብኣምላኽዚመጽእሰላም ጸሚኣከምዘላርኡይእዩ።“ሰላመይእኃድገልኩምኣሎኹ፣ሰላመይእህበኩምኣሎኹ።እቲኣነዝህበኩምዘሎኹስከም’ቲዓለምዚህቦኣይኮነን፣ኣይትሸበሩ፣ኣይትፍርሑ” (ዮሓ.14፡27-28)። እሞ ህዝቢ ኤርትራ’ስ መዓስ እዩ ትዕግስቱን ተስፋኡን ዝወድአ!  መዓስ እዩ ጸሎቱ ዘቋረጸ! መን ከምዝበሎ ኣይፈልጥን እንተኾነ ኣምላኽ ነቶም ንነፍሶም ዝሕግዙ እዩ ዝሕግዝ።

 

እቲ ዋና ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ፖለቲካውን ማሕበረ-ምጣኔሃብታውን ሽግራት ኤርትራ ንምትንታንን ፍታሕ ንምቕራብን ኣትኮነን። እዚ ምስ’ቲ ቀንዲ ቴማ መልእኽቲ ብውሓለ ጥበብ ዝተጣበቐ ትርፊ መዓንጣ እዩ። እቲ ቀንዲ ቴማ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክራስትያን ኣብ ከቢድ ኣባልነታዊ ቅልውላው ትርከብ። ስለ’ዚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዓመተ ዳግመ ትንሳኤ እምነት ተኣዊጁ  እምነት ንምጽናዕ ልዑል ምልዕዓልት ተኻይዱ እዩ። እቲ ጽሑፍ ድማ ገምጋም ናይ’ቲ ተልእኾ እዩ። እምነት ንምጽናዕ ከኣ እቲ ጽሑፍ ሓዲስ ሓሳባት ኣየቕረበን። ቤተ ክርስትያን ዝበለትካ፡ ዝኣዘዘትካ ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ነግፈረግ ፈጽም! እዩ እቲ መልእኽቲ። ቤተ ክርስትያን ከኣ ነዚ ቅዋመ’ዚ ንዳርጋ 2000 ዓመታት ተመሪሓትሉ። ናበይ ኣብጺሑዋ? ናብ ምፍንጫላት። ሕዚ’ኸ?

 

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓያል ካቶሊካዊ መንነት ካብ ዝሓለፋ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ጽፍሒ በጹሑ። Pew Research Center ከም ዘረጋገጾ፡  ቁጽሪ’ቶም ጽኑዓት ካቶሊካውያን ኢና በሃልቲ ከም ኣብ 2012 ዓም ኣቢሉ ንታሕትቲ ወዲቑ ኣይፈልጥን። (The independent research organization NORC at the University of Chicago)ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ ኣብ ቅዳሴ ዝሳተፉ ቍጽሪ ካቶሊካውያን  ካብ 47% ብ1974 ናብ 24% ብ2012 ወዲቑ። ኣብ’ቶም ጽኑዓት ካቶሊካውያን ከኣ ካብ 85% ብ1974 ናብ 53% ብ2012 – ማለት ብ30 ነጥብታት ወዲቑ። ጳጳስ በነዲክት ካብ መንበሮም ኣብ ዝወረዱሉ እዋን ሓደ ሲሶ ኣሜሪካውያን ካቶሊክ ንነፍሶም ከም ካቶሊክ ኣይቈጽርዋን። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት 5% ካብ ኣመንቲ ኣባልነቶም ኣቋሪጾም። ንመዓልቲ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መክሲካውያን ካቶሊካውያን ነቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝሓግዎ ይግምግሙ ፈላጣት። ብ1950፡ 98.21 % ካብ መክሲካውያን ካቶሊክ ነቢሮም። ብ1960 ናብ  96.47%፣  ብ1970 ናብ  96.17%፣ 1980 ናብ 92.62 % ፣  ብ1990 ናብ  89.69%፣ ብ2000 ድማ ናብ 88% ወዲቑ። ሕዚ ድማ ትሕቲ 83.9% እዩ። (Julian Rodriguez)

 

ካርዲናል ቪለም ኣይጅክ፡ ሊቀ መንበር ጉባኤ ኣቡናት ሆላንድ፡ ኣቡናት ሆላንድ ምስ ጳጳስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰዓትን ፈረቓን ዝርርብ  ብዛዕባ ውድቀት ቤተ ክርስትያን ሆላንድን ሳዕቤናት ናይ’ቲ ብ2010 ዝተጋህደ ብልሽውና ቤተ ክርስትያንን ዘኸተሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን ከምዝተዘራረቡ ይገልጹ። ኣብ ነዊሕ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት  ዝቝጸሩ ቈልዑት ብካህናት ተዓሚጾም እዮም። ቤተ ክርስትያን ከኣ ንፈለማ ጊዜ ብወግዒ ኣሚናን ኪሒሳን። ብርእይቶይ እዚ’ቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ናብ’ቲ ቅኑዕ መገዲ እዩ። ማለት፡ ብ2010 ልዕሊ 23,000 ካቶሊካውያን ሆላንድ ንቤተ ክርስትያን ጠንጢኖም። ካብ 2006 ከኣ ብገምጋም 18,000 ኣመንቲ ንዓመት ሓንጊዶም። እዚ ኣብ ዘመነ ጵጵስና ኣባ በነዲክቶስ እዩ ኴይኑ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ግን 7,500 ጥራሕ ንቤክርስትያን ራሕሪሖም። እቲ ምኽንያት  ብዘመን እኒ እኒ ዝቦዅበኹ ኣረገውቶትን (archaic) ዘይመስሉ ማሪታዊ እምነታትን ልምድታትን ተግባራትን ኪኽልሱን ከመሓይሹን ኣማኒ ኣብ ልዕሊ ኣባ  ፍራንጪስቖስ ዘንበሮ ተስፋ’ዶ ይኸውን?

 

እምነታዊ ቅልውላው ቤተ ክርስትያን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብ’ቲ ዝዓበየ ትካላዊ ቅልውላው ታሪኻ ትርከብ ኣላ ይብል the National Catholic Reporter። ሕዚ፡ እቲ ቤተ ክርስትያን  ብመንጽር  1.5 ሚልያርድ ኣስላምን  593 ሚልዮን ፕሮተስታንትን 1.1 ሚልያርድ ኣባላት ኣሎዉዎ።  ኣብ ሕ.መ.ኣ. ቁጽሪ ክርስትያን ብሓፈሽኡ  እንዳጎደለ ይኸይድ እኳ እንተሃልወ ኣይከም ኩትልኽናን። ካብ 1960 ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ራብዓይ ካቶሊካዊ  ጠፊኡ።  ብ2008 ጥራሕ ቁጽሪ ካቶሊካውያን ብ400,000 ጎዲሉ።  ካብ 1995 ክሳብ ሕዚ ሓደ ሽሕ ቤተ ክርስትያናት ተዓጽዮም። ቁጽሪ ካህናት ከኣ ካብ 49,000 ናብ 40,000 ወሪዱ። ገለ 3,400 ካቶሊካዊ ኮማት ነባሪ ካህን የብሎምን ይብል ናይ ማሕበራዊ ናብራ ሊቅ ዳዉት ካርሊን።
ኣብ ኣውሮጳ’ውን፡  ብፍላይ ኣብተን ታሪኻዊ እሙናት ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዝኾና ሃገራት እቲ ቅልውላው እቲ ዝለዓለ እዩ። ብ1991፡ 84% ኢርላንዳውያን ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጊዜ ቅዳሴ ይሳተፉ ኔሮም። ሎሚ ተሳታፍነት ናብ 50% ወሪዱ። ስፓኛውያን 81% ካቶሊካውያን እዮም። እንተኾነ ክልተ ሲሶ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣይከዱን። ዕቱብ ዋሕዲ ካህናት ከኣ ኣሎ። ብ2009፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 16 ካህናት ጥራሕ ተመሪቖም። ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሓያሎ ቤተ ክርስትያናት ተዓጽዮምን ተሸይጦምን ክሳብ ናብ መሳጊዳትን ዲስኮታትን ዝተለወጡ ኣሎዉ። ብዙሓት ንድኻታት ዝሕግዙ ዝነበሩ ሆስፒታላት እውን ተዓጽዮምን ተሸይጦምን እዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ሃይማኖት ካብ 55 ሚልዮን ብ1978 ሕዚ ናብ 150 ሚልዮን ዓብዩ እዩ። ምኽንያቱ ይብሉ ኡጋንዳዊ ካህን ኣማኑኤል ካቶንጎለ፡ “ቤተ ክርስትያን ነቲ ድምጺ ዝሰኣነ ወኪሉ ከድምጽ ጀሚሩ”።

ካብ 1978 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ፡ ኣብ እስያ፡ ቁጽሪ ኣመንቲ ብ80%፣ ቁጽሪ ካህናት ከኣ ብ74% ወሲኹ።  ክሳብ’ውን፡ ሕዚ፡ ኣፍሪቓን እስያን ነቲ ዝተረፈ ዓለም ካህናተን የለቅሓ ኣሎዋ። ኣብ ሕ.መ.ኣ. ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣፍሪቃውን እስያውን ካህናት ተመዲቦም ይሰርሑ ኣሎዉ። እንተኾነ ኣብ’ዚ’ውን እቲ ቤተ ክርስትያን ኣይቀሰነን ብፕሮተስታንትነት እንዳተወረ እዩ። ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ካህናት ከኣ ንትካል ግትኣተ ስጋ ብምቅዋም ብወግዒ ምስ ኣንስታቶምን ደቃቶምን ብምንባር ተቋዉሞኦም የርእዩ ኣሎዉ።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንእምነታዊ ውድቀት መእምናና ክትጎንዮን እምነታዊ ኣቕጣጫ ከተትሕዞን ትኽእል’ዶ? እወ፡ ነቶም ሓቀኛ ምኽንያታት ውድቀት እንተጠንቍራን ርትዓዊ ፍታሕ እንተገቢራን ነቲ ምንቁልቋል እምነት ኪቖጽዮ ትኽእል እያ። እቲ ኵሉ ነቲ ቤተ ክርስትያን ዝሓደገ ንክርስቶስ ኣይሓደገን። እንተኾነ ነዚ ስጕምቲ’ዚ ምውሳድ ነታ ቤተ ክርስትያን ቀሊል ኣይኮነን።

ሱር ናይ’ቲ ውድቀት ኣቦና ጳጳስ ዮሓንስ መበል 22 ኣብ 1960ታት ምስ ዘተኣታተዉዎ  እምነታውን ተግባራውን ጽገናታት ይጀምር።  ጳጳስ ዝያዳ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጸውዑ። በቲ ጻውዒት ጳጳስ ዝሓረቑ ባህላዊ ኣቡናትን ካርዲናላትን ንማእከልነት ቤተ ክርስትያን ተጣበቑ። ኣብቲ  ቫቲካን ክልተ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉባኤ ዚተፈነዉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ካህናት (ብፍላይ ናይ ላቲን ኣሜሪካ) ከኣ ኣይተፈተዎምን። ድሕሪ ሞት ጳጳስ ዮሓንስ ብ1963 ከኣ እቶም ኣጽናዕቲ ልምዲ  ሓየሉ። እዚ ከኣ ኣብ ምምራጽ ጳጳስ ዮሓንስ ፓውሎስ ኣኽተመ። እዞም ጳጳስ እዚኦም ከኣ ብ1978  ንመብዛሕትኦም ነቶም  ጳጳስ ዮሓንስ ዘተኣታተዉዎም ጽገናታት ንድሕሪት መለሱዎም።  እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጡ ተመቕለ። ብምልዮናት ዝቑጸሩ ሊበራላዊ ካቶሊካውያን ከኣ ካብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ተኣልዩ።

ጾታዊ ብልሽውና ካህናት ነቲ ምንቁልቋል ብርቱዕ ኣቀላጠፎ። ኣብ ፍርቂ 1990ታት፡ እቶም ናይ መጀመርያ ማዕበል ክስታት ብልሽውና ካህናት ምስተጻጥሑ፡ 35% ካብ ኣሜሪካውያን ካቶሊካውያን  ተሳታፍነቶም ሓደጉ። ነቲ ብልሽውና ግብረ ስጋዊ ዓመጻ ቈልዑት ንምሽፋን፡ ልዑላን ሰበስልጣናት ቤተ ክርስትያን፡ ጳጳስ በነዲክቱስ እውን ዝርከቡዎ፡ ኢዶም ስለዘእተዉ፣ ድሮ በዚ ገበን’ዚ ንዝተኸሱ ካህናት ከኣ ደጊሞም ምስ ቈልዑት ንኽሰርሑ ብምግባሮም እዚ ንመትኒ ሕልና ብዙሓት ኣመንቲ ተንከፈ። ኣብ  ኣውሮጳን መክሲኮን ላቲናዊ ኣሜሪካን  ቤተ ክርስትያን ብማዕበላት ክሲ ብልሽውናን ዓመጻን ተሃወጸት። ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ጥራሕ (ቩርስቡርግ) 1,200 ካቶሊካውያን ግብረ ስጋዊ ዓመጻ ቈልዑትን  ጨካን መቕጻዕታት ተመሃሮን ኣስካሕኪሑዎም ነቲ ቤተ ክርስትያን ሓዲጎሞ።  ኣብ ኢርላንድ፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ብካህናት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብምቁዋም ንቤተ ክርስትያን ዝሓደጉ ብዙሓት እዮም። ይሓድጉ ነዚ ኵሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ካህናቱ  ኣብ ዘይቃወም ሃይማኖት ከመይ ይእመን?

ብዙሓት ዓይነታት ካቶሊካውያን ለውጢ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ጥራሕ’ዩ ኪመጽእ ዝኽእል ይብሉ። ሕዚ ኣብ ሕ.መ.ኣ. እንዳዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ካቶሊካዊ ህይወት ካብ ሮማ ዘይኮነስ ካብ ነፍሲ ወከፍ ቦታዊ  ሰበኻ ክምእከል ኣሎዎ ይብል። ኢየሱሳዊ ካህን ዮሓንስ ፒደረ፡ ግዙፍ ተሳትፎ ናይ’ተን ካብ መዓርገ ክህነት ዝተኣገዳ  ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕዳስ ሰበኻዊ ባህሊ መፍትሓዊ ተራ ኪጻወት ከምዝኽእል ይእምቱ። ሊቅ ታሪኽን ጋዜጠኛን ዝኾነ ጋሪ ዊልስ፡ ድሕነተ እምነት ካብ ታሕቲ ካብ መንበረ ስብከት ቤተ ክርስትያናት እዩ ኪመጽእ ዝኽእል ኢሉ ይኣምን። “ቤተ ክርስትያን ህዝበ ኣምላኽ እያ። እቶም  መራሕቲ  ጥራሕ’ዮም  ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ርክቦም ኣቋሪጾም ዘሎዉ። ናብ’ቲ ህዝቢ ከኣ ክመለሱ ኣሎዎም” ቢሉ ከኣ ይልቅብ።

እቲ ምንቁልቋል ቁጽሪ ኣባልነት ዘሽቆርቁሮ ኵሉ ካቶሊካዊ ኣይኮነን። ዓቀብቲ ጸኒሕ ካህናትን ሓሰብትን ነቶም ሓደግቲ ቤተ ክርስትያን ‘ናይ ጽቡቕ ዘመን’ ኣመንቲ ኢሎም የስተናዕቑዎም። “ንክርስቶስ ሕራይ ንቤተ ክርስትያን ግን ኣይፋልን” ኣይከኣልን ይብሉ። እቲ ዚኸውን ዘሎ ግን ብልክዕ እዚ እዩ። ነገሩ ሰማይ ኣይሕረስን ቤተ ክርስትያን ከኣ ኣይክሰስን እዩ። ቤተ ክርስትያን ናብ ላቲናዊ ቅዳሴ ኪትምለስን ኵሉ ጸረ ቫቲካናዊ ብድሆታት ከኣ ደው ኪብልን ይጽዕሩ። “ናብ ጥንታዊ ባህልን ልምድን ምምላስ ከኣ ንኣመንቲ ከውሕዶም ግን ከኣ ከጠንክሮም እዩ”  ይብሉ ኣባ ዮሓንስ ማክክሎስኪ። “ዓቀብቲ ካቶሊካውያን ጥራሕ ምስ ተረፉ፡ ጸረ ቍጽጽር ቍጽሪ ስድራ ስለዝኾኑ ብቈልዑት ፈለቅለቕ ዝበሉ ዓበይቲ ስድራ ቤታት ኪቑሙ እዮም። ከምዚ ኢሉ ከኣ እቲ ቍጽሪ ኣባላት ኪኽዕብት እዩ” ኢሎም’ውን ይድምድሙ።  (The Weekly  Staff | April 30, 2010) እዚ እቲ ብምጉዳል ምውሳኽ ኢሎም ዝጽውዕዎ ኣምር እዩ። እዚ ግን ዘለቄታዊ ፍታሕ ኣይኮነን። ቤተ ክርስትያን ርእይቶ ሓፋሽ ኣማኒ ትሰምዕ እንተኾነት ንነባሪ ፍታሕ ዝእምቱ እማሜታት እነሆዉ።

ቀዳማይ፣ ግብረስጋዊ ሕርመት ካህናት ካቶሊካዊ ምህዞ እዩ። ካህናትን ሊቀ ካህናትን ኣይሁድነት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ይምርዓዉን ይዝምዱን እዮም። እቲ ኪምንን ዝበለ ከኣ ካብ ሰብ ርሒቑ ኣብ ምድረበዳ ንብሕቱ ይነብር። ጊዜኡ ከኣ ኣብ ጾምን ጸሎትን ሱባዔን የሕልፎ። ኣምላኽ ብኡኡ ኣቢሉ ናብ ሰባት ከመሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ ከኣ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ ናብ በረኽኡ ይምለስ።

ርግጽ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓዋርያ ክርስቶስ ካብ ስድራዊ ሓላፍነት ነጻ ኴይኑ ምሉእ ዓቕሙን ሓይሉን ኣብ ምስፍሕፋሕ ክርስትና እንተኣውዓሎ ብዝበለጸ ተልእኾኡ ኪፍጽም ይኽእል ኢሉ እዩ። እቲ ሓዋርያ ክርስቶስ ዝኸውን ግን ግድን ካብ ስጋዊ ዝምድና ነፍሱ ክገትእን ካብ ማሕበረሰብ  ተነጺሉ ኪነብርን ኣሎዎ ኣይበለን። ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ንካህናቱ ናብ ዚምርዓዉን ኣብ ውሽጢ ሕብረተ ሰብ ዝነብሩን፣ ናብ ኣብ ደብርታት ዝነብሩ ፈለስትን ፈላልዩ ካብ’ቲ ወጥሪ ግትኣተ ስጋ ብመጠኑ ወጺኡ እዩ።  እወ፡ ልክዕ፡ ግብረ ስጋ  ክትገትኦ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝኾነ ባህርያዊ ባህረት እዩ። ኪትገትኦ ብርቱዕ ምኽንያቱ መሰረታዊ ባእታ ስረት ደቂ ሰባት ስለዝኾነ። እዚ ዘይባህርያዊ ሕርመት’ዚ ከኣ’ዩ ንምሸቱ ንካህናት ናብ ጾታዊ ብልሽውና ዝመርሕ። ካህናት እንተላይ ሰባት እዮም። ዝኾነ ሰብ ከኣ ኣንጻር ሰብኣዊ ባህርያዊ ፍጥረቱ ደው ኢሉ ክይሰሓተ ኪነብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለ’ዚ፡ ቤተ ክርስትያን፡ ካህናቱ ኪምርዓዉን ኪዝምዱን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከኣ ኪነብሩን ዘኽእሉ ስርዓተ ቅስና ከተተኣታቱ ይግብኦ እብል። ብከም’ዚ ድማ ነቲ ሽግር ዋሕዲ ካህናት ምፈትሐ። ካህናት ከኣ ካብ’ቲ  ስሉብነቶም ዘስዕቦ ብልሽውናታት ምደሓኑ። ማሕበራዊ ንቕሓቶም ማሕበራዊ ተሳታፍነቶም ከኣ ምኻዕበተ።

ካልኣይ፣ ኣርኣያነት ቤተ ክርስትያን። ክርስቶስ ድኻ ነበረ። ሃብታም ናብ ቤት ኣቦይ ካብ ዝኣቱስ ገመል … ። ልሳንን ጸግዕን ድኻታትን ጽጉማትን፡ ንጹላትን ሕሙማትን ከኣ ነበረ። እቲ ሓጢኣት ፈጺሙ ዘይፈልጥ ናይ መጀመርያ እምኒ ይደርቢ ዝበለ ርትዓዊ ነበረ። ክርስቶስ ደፋር ነበረ። ንጲላጦስ፡ ንስኻ’ኳ ንጉስ ኣይሁድ ምዃነይ ኢልካ ክብል መለሰ። ክርስቶስ ትሑት ነበረ። ኣብ ክንዲ ኣብ ፈረስ ድማ ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ መረጸ።  እታ ንነፍሳ ከም “ሚስቲካዊ ሰውነት ክርስቶስ ንድሕነት ሰብ ብክርስቶስ ዝቈመት ስለዚ መለኮታዊት ቤተ ክርስትያን” ኢላ እትገልጽ ቤተ ክርስትያን ብኣርኣያ ክርስቶስ’ዶ ትነብር? ኣይፋልን። ካብ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንላዕሊ ካብ ኣርኣያነት ክርስቶስ ዝረሓቐ ኣይነብርን። እኳ’ድኣ፡  መራሕቲ ቤተ ክርስትያን፣ ጳጳሳት፡ ካርዲናላት፡ ኣቡናት ብወግዒ ‘መሳፍንቲ  ቫቲካን’ ተሰምዮም ብወርቅን ሓርን ዝተሸለሙ እዮም። ነቲ ቤተ ክርስትያን ከኣ ካብ መንፈሳዊ ትካል ናብ ንግዳዊ ትካል ቀይሮሞ እንሆ። ኣብ ወርቃዊት ግምቢ ቫቲካን ተቐሚጦም ከኣ ቀሺ ዝበለካ ግበር፡ ቀሺ ዝገበሮ ኣይትግበር እንተበሉኒ ዝቕበል ኣይኮንኩን።

ሳልሳይ፣ ቤተ ክርስትያን ንምሉእ ሕጋውን ሞራላውን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ክትቕበልን ከተተግብርን ይግብኣ። ኣብ ጥንታዊ ጽውጽዋያትን  ዚቈንቈኑ ማሕበራዊ ክብረታትን ተሞርኵስካ ንደቂ ኣንስትዮ-ፍርቂ ዓለማዊ ማሕበረሰብ እየን- ምንኣሰን ንዘመናዊ ንቕሓትና  ኣዝዩ ድሑር እዩ። ምሉእ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዋሕዲ ካህናት’ውን መቃለሎ።

ራብዓይ፣ ……….. ።

ሓሙሻይ፣ …………. ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ንዝፈለሉ መእምናታ ንምላስ ኣብ ውሽጣ ክትፍጽሞ ዘሎዋ ለውጥታት ኣብ ሓደ ሓጺር ጽሑፍ ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ኣብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ን2000 ዓመታት ዝተከበ ዓርሞሸሻዊ ርስሓት ኣሎ። እምነት ክምለስ ፈለማ እዚ ክጻፈፍ ይግብኦ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከየውጻእካ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ዘሎ ቅርኒብ ከተውጽእ ኣይከኣልን።  እምነት ምስ ጊዜ ዝምዕብል ዲናሚካዊ ተርእዮ እዩ። ን2000 ዓመታት ኣብ ሓደ ዕጹው ዕትሮ ዝኣጎለ እምነት ኣይእምነትን። እምነት ዝእመን ኪኸውን ይግብኦ። እንተኾነ እታ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዓንቀጻዊ ሽግር ንለውጥን ጽገናን ኣሎዋ። ጳጳሳት፡ ኣብ ጽንብል ምራቔኦም “ካብ’ቲ ዝወረስናዮ ባህሊ ዝኾነ ከይቅይር እምሕል። … ብመንጽሩ፡ ንቅዱሳት ሕግታትን ውሳኔታት ጳጳሳትን መለኮታዊ ውሳኔታት ሰማይ  ከምዝኾኑ  ገቢረ ክሕልዎምን ክዕቅቦምን እዬ” ኢሉ ይምሕል እዩ። እንተ’ዚ ሔዚ ግን ከም ድልዬት እቲ ጳጳስ እዩ። ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 22 ነዚ ማሕላ’ዚ ከይምሕሉ ወሲኖም ኣብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ብዙሕ ለውጥታት ኣታኣታትዮም። ኣቦና ፍራንጨስቆስ ከኣ ነዚ ማሕላ’ዚ ዘይመሓሉ ኪኾኑ እምነ።

ብጹዓት ኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳሳት?) ኤርትራ፣ ሽሕ’ኳ እቲ ንሽግራት ሃገርናን ህዝብናን ዝምልከት ሕቶ  ምስት ካልእ ቴማ ኣማሓዚልኩም እንተኣቅረብኩሞን፣ ሽሕ’ኳ ነቲ ቃኤልና ብዝምልከት ኣቀራርባኹም ልቡጥ እንተኾነን፣ ሽሕ’ኳ መልእኽትኹም ኣዝዩ ዝደንጎየ እንተኾነን፣ ኣብ’ዚ  ሓንቲ ቃል ተቓውሞ’ኳ ቋቕ ንዘበለ ብዙሕ ዝጣቃዕሉ እዋን’ዚ ከም’ቲ ናታትኩም ዝኣመሰለ ሰፊሕን ዓሚቝን መልእኽቲ ዓቢዪ ናእዳን ምስጋናን ዝግብኦ  እዩ። ሓንቲ ፍልይቲ ቅሬታ ግን ኣላትኒ። ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ሓውኹም እሱር ብጹዕ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀርኩም ክሳብ ዝቕደድ ክትጭድሩ ተጸብየኩም ነቢረ። እንተኾነ ሓንቲ ቃል እኳ ኣየጥፋኩምን። ነጻነት እምነት ካብ’ትቶ ቅንዲ ኣገደስቲ ዲሞክራስያዊ መሰላት ኣህዛብ ክነሱ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቐቑን ገና ዝሓቁ ዘሎዉን ንኣስሽቱ ክርስትያናዊ  ጉጅለታት እውን ሓንቲ ቃል እኳ ኣየጥፋእኩምን። እዚ ድማ ነቲ መልእኽትኹም ናብ ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ጥራሕ ሓጺሩዎ። ዶስ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ተባሂሉ ዝተሓተ ብስሩ እቲ ካቶሊክ ኤርትራ ጥራሕ  እዩ?

ንመጠረስታ ከኣ ሓንቲ ንእሽቶይ ሕቶ ክሓተኩም ኣፍቅዱለይ። ኣብ’ቲ ውሽጣዊ ፖለቲካ ቫቲካን መርገጽኩም ምስ መን እዩ። ምስቲ ደላይ ለውጢ’ዶ’ስ ምስ’ቲ ተሓዝ ጸኒሕ?

የቐንየለይ።

ወድኹምን ሓውኹምን

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

24. 07.2014

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
44 COMMENTS
  • Anbesit July 26, 2014

    I respect your idea but make it clear.You look confused. Entatie nzere alona gerkayo.

  • danny July 26, 2014

    After wasting my time trying to fathom what this article is all about, I am disapointed at my attempt. At the end of my reading all I could say was “what the heck is all this about?”. This so called open letter to the four Catholic bishops of Eritrea is so far out from thier clear, timely and coincise massage of “Where is your brother?” It seems the writer of the open letter has no answer to tell us where his brother is. Instead, he is answering with where the Vatican is heading, a crystal ball in his hands.

  • abrham July 26, 2014

    i feel sorry wasted my time reading this garbage article.HGDEF are doing well b/c they have People like you idiots,selfish and ignorants.Get hell

    • enough July 27, 2014

      The problem is to post this rubbish collection of words on this web site.

  • okbai July 26, 2014

    it is rubbish article and not represent true eritrans you are from hgdef regeme and soon going hell with them.

  • enough July 26, 2014

    Are you serious? The ቅልውላው is in your mind. Rubbish ideas uneducated. May be you are in ቅልውላው in any stage. God help you to think good things rather than making a fiction of fictions.

  • Tinbit Esayas July 26, 2014

    Dear Daniel,
    You have so much knowledge that is supported with facts. Unfortunately, your facts and statistics are completely out of sync. Just a couple of ideas that might help you understand better the message of the Eritrean Catholic Bishops.
    First of all the latest message is the third of its kind since Eritrean independence though there were total of ten message but the main are only 3. If you read all of them, you will find out that all of them have similar message with different intensity.
    Second, The crises of membership in the universal Catholic church – even if it is true – it would be the last thing in their mind for the Eritrean catholic bishops. Catholics in Eritrea are less than 5% if not less. I know many catholics and I was educated in catholic schools and I was never asked to convert nor other muslims that were with me.
    Third, you seem to confuse the message – sometimes making it as a crises of the catholic church, another time complaining why they did not stand against the imprisonment of the Orthodox patriarch, another time – making a point that they should focus in the internal problems of the church, again another time appreciating their courage, message, and depth of their writing …etc. I wonder if you were sober when you were writing your article.
    The bishops made a very courageous stand in front of the snake that could beat and poison them anytime. Their writing is a document that would be part of the Eritrean History in the future.
    If you can stand with them and make a point for peace, justice, rule of law and freedom of all Eritreans. Don’t use religion to belittle another religion – to promote or demote. All religions have their strength or weakness. Historical mistakes in their journey to their maker. Number of the believers does not mean much as everyone will be judged individually – and hopefully God will not ask what our religion was?
    Your biased view of one religion could be a cause of division and hatred.
    Please check a simple heartfelt message of Pope Francis to leaders of evangelical churches.
    http://youtu.be/b5TwrG8B3ME
    Think!

  • Keren July 26, 2014

    The title in one of articles posted in Assenna says: “ISAIAS AFEWERKI: THE FOUNDING FATHER OF MODERN SLAVE ERITREA”

    should have been re-written as,

    “ISAIAS AFEWERKI is one of THE FOUNDING FATHERS OF MODERN ABEEDISM in ERITREA”

    Abeedism is defined as the ideology of serving and pretending to be an Arab by selling yourself and your azz to a filthy Arab across the desert.

    • ahmed saleh July 27, 2014

      No need to pour salt on the injury of those victims and their loved once in that cruel desert with
      provocative language . Knowingly or unknowingly your are insulting to those poor souls because
      they are who paid the price but as usual for cowards is political entertainment . I know if you
      had a member of close family who went through that unspeakable experience it might be hard to talk
      about it . Think twice before you comment unless done in purpose .

  • Berhe July 27, 2014

    a ato Daniel ezom papasat hzbi Eritrea Fthi godiluwo selam whiduwo sle zelo ATO DANIEL zgber gber ybluka alewu.Meste setika HUSUR melekti iytshaf .eti zshafkayo temeliska anbbo HAMIMKA ALEKA emo mhret yewrdelka.

  • Asghedom Woldeghiorghis July 27, 2014

    Mr. Amanuel according your suggestion eritrean bishobs should not about thier countryand thier peopke. i am sorry , can you evplain us better your idea.
    As I Undersrtabd you Bishobs have no right talk about thier people. The pafriarche ofceritrea is in home arrest , other religiouse people are in problem in Eritrea, shouldvthey should shut thier mouth because of you and ,ike you people hidden in some part of the world and sleep nicely the night and walk up in the morning and write some thing good and bad. Please go tp Eritrea and write you will see what will hapoen. The Eritrean Patriarche is ib house arrest look what we eritreans can do.
    some times we right Garbegis and confuse the people.
    thanks the tour catholic Bishobs are very corraggiouse because they are in eritrea, go back to your countery and dare to write some thing lije that you will be in jail for ever and ever.

  • abraham July 27, 2014

    This man has phobia of catholic church.
    Get out of the fight for freedom.
    You are pure Hgdefist.

POST A COMMENT