Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳስት?) ኤርትራ

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳስት?) ኤርትራ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቃኤል ካብ ቅንኢ ተበጊሱ ንኣቤል ሓዉ ቀተሎ። እግዚኣቢሔር ከኣ፡ ኣቤል ሓውኻ፡ ኣበይ ኣሎ? በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣይፈልጥን፡ ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ? በለ።

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳስት?) ኤርትራ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?

ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን

ቃኤል ካብ ቅንኢ ተበጊሱ ንኣቤል ሓዉ ቀተሎ። እግዚኣቢሔር ከኣ፡ ኣቤል ሓውኻ፡ ኣበይ ኣሎ? በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣይፈልጥን፡ ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ? በለ። እንታይ ጌርካ ኢኻ?  ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ነዛ ንደም ሓውኻ ካብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን ። ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባህብሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣቢሔር ፡ በደለይ ክጸሮ ዘይከኣለኒ ዓቢዪ እዩ። እንሆ ሎሚ ካብ ገጽ መሬ ት ትሰጎኒ ኣሎኻ። ኣነ ድማ ካብ ገጽካ ክሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድማ ኰብላልን መቕባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዝረኸበኒ ዘበአ ክቐትለኒ እዩ፡ በሎ’። እምበኣር ንቃየል ዝቐትለ ኵሉ ሸውዓተ ካዕበት ሕነ ኪፍደዮ እዩ፡ በሎ።  ዝረኸቦ ኵሉ ከይቀትሎ ከኣ ንቃየል ምልክት ገበረሉ። ቃየል ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣቢሐር ወጸ።    

ዘፍጥረት 4፡ 9-16

ኣብ’ዛ ሓጻር ኦሪታዊት ዛንታ እዚኣ ገበንን መቕጻዕትን፣ ጣዕሳን ምሕረትን ብጽዑቕ ተጠቕሊሎም ይርከቡ። እቲ ገበነኛ ቃኤል እዩ ንሓዉ ቀቲሉ። እታ ፈለማዊት ቅትለት ‘ቅትለት ሓው’ እያ። ፈለማዊት ምኽንያተ ቅትለት ከኣ ቅንኢ። ቅንእን ቅትለትን ንእግዚኣቢሔር ጥራሕ ዝተዋህበ ስልጣን እዩ’ሞ ኣምላኽ ተቈጥዐ። ቃኤል፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!? ከም ዝኾነ ቀታሊ፡ ቃኤል ንእኩይ ተግባሩ ከኽሕድ ፈተነ። እንተኾነ መሬት መስከረት። እግዚኣቢሔር ከኣ ፈረዶ (ረገሞ)። ቃየል ሽዓ ንሽዓ ተጣዕሰ። ካብ ገጽ ኣምላኽ ስለ’ዚ ከኣ ካብ ዑቕባኡ ስለዝረሓቐ ከኣ ዝረኸበኒ ኵሉ ክቐትለኒ እዩ ኢሉ ፈርሐ። እግዚኣቢሔር ከኣ ንቃኤል ዝቐተለ ኣኻዕቢቱ ሕነ ክፈዱ ምዃኑ ኣፍለጠ። ፍርዲ ካብ ኣምላኽን ናይ ኣምላኽን  ጥራሕ እዩ’ሞ።

እዚ ካብ’ቶም ቀዳሞት ምሳሌኣዊ ሞራላዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቲ ብኵሎም መራሕቲ ሃይማኖታት  ብዝለዓለ  ዝተጣሕሰን ክሳብ ሕጂ ከኣ ዝጠሓስ ዘሎን መርገጸ ኣምላኽ እዩ። ገለ ሰባት፡ ብገለ መለኮታዊ ስነሞገት፡ ወከልቲ ኣምላኽ ኣብ መሬት፡ መለኮታዊ ልኡኻት፡ ጠበቃታት ኣምላኽ፡ ተርጎምቲ ቃለ ኣምላኽ ምዃኖም ይኣምኑ’ሞ ኣብ መንበር ኣምላኽ ተቐሚቶም ይኸሱ ይፈርዱ። ይቐትሉ። ኣምላኽ’ስ ያኢ ንገበነኛታቱ ኣብ ምቕጻዕ ነሓፊ ኴይኑ’ስ ንሳቶም ስርሑ የሳልጥሉ። ኣምላኽ ግን በዛ ሓጻር ተፈጽሞ እዚ’ኣ እቲ ከሳስን ፈራድን ቀጻዕን ንሱ ጥራሕ ምዃኑ የርእየና። ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’ ኢላ ንዅሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ካቶሊካውያን  ሓቲታ።

ሓወይ ኣበይ ኣሎ? እዋናዊ ሕቶ። ናብ ርእስን ልብን መንፈስን ዝበስዕ ሕቶ። ከይትሰምዖ፡ ከይተኾምስዕ፡ ከይተስተማቕሮ ዘይከኣል ሕቶ። እወ፡ መሪር ሕቶ። ነፍሲ ወከፍና ንነፍሱ ሓቲቱ ክምልሶ ዝግባእ ተረጊጹ ዘይሓልፍ ሕቶ። ኣብ ውሽጡ ሓያሎ ሕቶታት ዝጠቕለለ ሕቶ። ሕቶ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ንርእሱ እቲ መልሲ ዝኾነ ሕቶ። እቲ ሕቶ እንተላይ ወቐሳ እዩ። ፍርዲ እዩ’ውን። ብሃንደበት ድማ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኢሎም ዝውጥሩኒ በዚሖም። እሞ ኣነ እቲ ቃኤል ድዬ?

ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓንቲ መዓልቲ፡ እንተስ መወዳእታ 1983 ይኹን መፈለምታ 1984፡ ከም ሳግም ንሜዳ ኣቲና ኣብ ዓልዬት ምስ ሃይለ ድሩዕ ብኣጋጣሚ ተራኺብና ብዛዕባ ቀደም ንፈልጦም ሰባት ተራ ፍኑው ዕላል ነዕልል ነቢርና። ኣነ፡ ተስፋልደት (ሓው ተዋዛዪ መምህር ሰሎሞን) ከመይ ኣሎ ኢሉ ሓቲተዮ። ክልቴና ጽቡቕ እንፈልጦ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ’ዩ ነቢሩ። “ከይዳ’ንድያ!  መለሰ ሃይለ ብዘይካ ዝኾነ ስምዒት። ፈለማ ብዛዕባ ተራ መሬታዊ ምኻድ ዝተዛረበ መሲሉኒ ናበይ? በልኩ። ተስፋልደት ግን ናብ’ቲ ካብኡ ዘይንምለሱ ዓዲ ኵላትና’ዩ ከይዱ። ተስፋልደትን ሃይለን ጥብቂ  ኣዕሩዅትን ናይ ሓባር መማህርትን መጋድልንትን፡ ካብ ጀብሃ ናብ ኢትዮጵያ ብሓባር መሎቝትን እዮም። ኣነ ንሓጺር እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመልሱ’ዬ ዝፈልጦም። ነቲ መስዋእቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቀሊልነት ስለዝገለጾ፡ እሞ ከኣ መሪሕነት ተባሂሉ፡ ኣስደሚሙኒ። ዘምህረት’ውን ብዛዕባ ሓደ ሓው ሃይለ ተወከሰ። ዓይነት ኣዝማድ እዮም። ድሩዕ፡ ንሳ’ውን ከይዳ! በለ ሕዚ ንእሽቶይ ምስርናቕ ዝኣመሰለት ሰሓቕ’ውን ስሒቑ። ለካ’ስ ድሩዕ! ቢለ ሓሰብኩ። እቲ ኣረዳድኣ መስዋእቲ ንፈልጦም ሰባት ብሓቂ ኣሰንቢዱናን ኣፍሪሑናን። ንምሸቱ ምስ ዘምህረት ከምዝተዘራረብናሉ እዝከረኒ። ምናልባት ሓደ መራሒ ንባዕሉ መስዋእቲ ዘይግድሶ መሲሉ ንካልኦት ኣርኣያ ቈራጽነት ኪኸውን ስምዒቱ ክሓብእ የድልዮ ይኸውን። እንተኾነ ናብ እምኒ ክቕይሮን፡ ከሽካዕልለሉን ኣይግባእን። እቲ ንምውታቱ ዘየኽብር ንህያዋቱ ከኣ ኣየኽብርን! ተበሃሂልና። እዚ ስምዒታዊ  ኣቛም’ዚ ቅዳሕ ምስሊ ስምዒታዊ ኣቋም ናይቲ ወዳብን ርእሰ ውድብን እዩ። ምስሊ ድንብርጽ ዘይብሎ  ንሞት’ውን ረጊጹ ዝሓልፍ ተባዕታይ ውድብ ተባዕትዮ! እዚ ሾቪኒስታዊ ስምዒታዊ ኣቋም’ዚ ናብ’ቲ ምሉእ መሰረት ኪዘቝቝ እንከሎ ከኣ ርኢናዮን ተሞኵርናዮን ኢና። ከም’ዚ ኢሉ ከኣ እቲ ውድብ ናብ ሓደ ስምዒተ ኣልቦ ስሉጥ ናይ ውግእ መኪና ተለወጠ። እቲ ሓወይ ተራ ተጋዳላይ ከኣ መቅባሕባሓይ ኮነ። ሓንሳብ … ሓንሳብ … ሕዚ በብቍሩብ እደናገር ኣሎኹ። እቲ ከቕባሕብሕ ዝነበሮ ቃዬል’ዶ ኣይነበረን … ? ንመጠረስትኡ ከኣ፡ እታ መኪና፡ ንዓመታት ተጻዒራ ዓጠቕጠቕ ኢላ ናብ ሸቶኣ በጽሐት። ታሪኻዊ ግቡኣ ፈጺማ’ያ’ሞ ተፈንጥሐት። እቲ ዘዝጠቅም ተወሲዱ ከኣ ተደርበየት። እቲ ንነጻነትን ፍትሕን ዝደመየን ብኣካልን መንፈስን ዝሰንከለን ሓወይ ድኣ ናበይ ኣበለ? እቲ ኣብ መገዲ ዝኸደ ቍጽሩ ኣዲኡ ትፍለጦ። እቲ በዝን በትን ኢሉ ዝበጽሐ ከኣ ተጓሒፉ እቲ ዝኸኣለ ከኣ ኮብለለ። ሰንፈለ። ኣብ ስደት በሽቀጠ። እንታይ  ግርንቢጥ’ዩ’ዚ? እዚ እቲ ዝዓበየ ኤርትራዊ ግርንቢጥ’ዩ።

እቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንሃገራዊ ነጻነትን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን ዝተዳመየ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ታሪኽ ግርንቢጥ ኴይኑ ሓደ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተኺሉ። እዚ ኣረሜናዊ መንግስቲ’ዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ነቲ ኤርትራ ዝቈመትሉ ማሕበራዊ መሰረትን፡ ምጣኔ ሃብትን፡ ካብ ኵሉ ድማ ሞራላዊ-ኤቲካዊ መትከላትን ዘረጎ። ነቲ መስዋእትን መድመይትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ኢምንት ለወጦ። እዚ ኣይኣኸሎን ነቲ ታሪኽ ድሮ ‘ውግእ ክልተ መላጣት ንሓንቲ መዘርገፍ’ ኢሉ ዘላገጸሉ ጽሉል ዶባዊ ውግኣት ከቲቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ሓሊቖም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ገባሮ ካብ ዓዳቶምን መሬቶምን ተመዛቢሎም። እቲ ሃገር ከኣ ብምልኡ ኣብ ዓሚቝ ዓዘቕቲ ዓጽበ ጥምዬት ወዲቑ። ዓይኒ ዘንቈሐን ዝመከተን ዘበለ ኵሉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኑ፡ ብጭካነ ተቐጥቂጡ፡ ተጸሊሉ፡ ተቐቲሉ። ኣብ ኤርትራ ክልተ ወለዶታት ብዘይካ ሓድጊ ሓሊቑ። ኣብ ኤርትራ፡ ህይወት፡ ካብ ዘመነ ኢሳያስ ንላዕሊ ሓሲራ ኣይትፈልጥን። እሞ’ቲ ሓወይ’ሲ ናበይ ኣበለ?

ሓወይ ገና ይኸይድ ኣሎ። ይሃድም ኣሎ። ኣብ’ቲ መገዲ ሰደት ይሕረድ ኣሎ። ይጉዘ ኣሎ። ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ይቕበር ኣሎ። ሓወይ ይጸንት ኣሎ። እሞ’ስ ሓወይ ኣበይ ከምዘሎ’ስ እፈልጥ’ዬ። ኵሉ ኤርትራዊ ድማ ይውሓድ ይብዛሕ ይፈልጥ እዩ። እቲ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ እውን ይፈልጥ እዩ። እቲ ገለ ማዓጹን መሳዅትን ንዓዲ ዝለኣኸ’ውን ሓዉ ኣበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። እቲ ኣመል ዕዳ ኴይኑዎ ገና መቐመጫ’ቲ ዲክታቶር ዝልሕስ ዘሎ’ውን ሓዉ ኣበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። እሞ ኣርባዕተ ኣቡናት ዝኣኽሉ ሊቃውንት’ስ ነዚ ኵሉ ዝፈልጦ ከፍልጡና ድዮም ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኢሎም ዝተላዕሉ? ኣይፋልን። እቲ ንሳቶም ከይበሉ ዝበሉዎ’ስ “ሓውኻ ኣብ ትሕቲ እንታይ ዝኣመሰለ ዲያብሎሳዊ ኵነታት ይነብር ከምዘሎ’ስ ያኢ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሓውኻ ክቕተል፡ ክእሰር፡ ክግረፍ፡ ክስደድ፣ ኮታ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ስለምንታይ ኣኽኢልካ? ኣንጻሩ እንታይ ገቢርካ? እንታይ’ከ ክትገብር ኢኻ?” እዩ።

ሓወይ ኣበይ ኣሎ … ? ንምዃኑ’ኸ  ሓው ኣሎኒ ድዩ!?  እምበርዶ’ኸ እታ ሕውነት’ስ ካብ ሴፍ’ቲ መላኺ ድሒና እያ? ሓወይ ኣበይ ከምዘሎ እንተዘይፈሊጠ፡ እንተዘንጊዐ፡ እንተዘይኣቋጠጠን’ስ ሓው ኣሎኒ ድዩ? እዚ’ውን ኵላትና ኣብ መጥሓን ሕልናና ክንልንቅጦ ዘሎና ሕቶ’ዩ። ኣቐዲመ’ውን  እሞ ኣነ መዓስ ቃዬል ኮይነ ቤተ ክርስትያን እንታይ ግበር ትብለኒ ኢለ ተገሪመ ነቢረ’ዬ። ዶስ … !?

ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እወ፡ ኣነ’ውን ቃኤል እዬ። ኵላትና ነቲ ቃኤል ‘ቃኤል’ ንኽኸውን ዘኽኣልናዮ ቃኤላት ኢና። እቶም ድያስፖራ ዝተባህለ ኣብ ደመና ዝተሃንጸ ናይ ሓሶት ሃገር ሰሪሕና ሓውና ኣብ ሽበራን ፍርሕን ተሸቝሪሩ ይነብርን፣ ማሕበራዊ ቀዋምነት ቀጻልነትን ስኢኑ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ቅልውላው ኣትዩ  ይዝረግን ይብተንን ከምዘሎ ዝረሳዕና ማዕረ’ቲ ቃኤል ቃኤላት ኢና። እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ንዘየሎ ስልጣን ነንሕድሕዶም ዝተሃናኾቱን ኣብ ልዕሊ ውጹጽ ህዝቢ ዘሽካዕለሉን ‘ተቓወምቲ’ በሃልቲ እውን ልክዕ ከም’ቲ ቃኤል ቃኤላት እዮም። ንመጠረስትኡ’ስ ዝኾነ መንግስቲ ማዕረ ብቕዓት ህዝቡ እዩ።

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሊቃነ ጳጳሳት ፍራንጨስቖስ 16 ጠቒሱ፡  “ቤተ ክርስትያን፡ብምልእታኮነኵሎምጓሶትልክዕከምክርስቶስኮይኖምነቲሕዝቢካብምድረበዳመሪሖምከውጽእዎ፣ናብ’ቲሰፈርሕይወትኪመርሕዎ፣…ናብ’ቲምልኣትሕይወትዚህብ፡ናብኡከብጽሕዎኪብገሱኣለዎም” ኢሉ ይጠቅስ። ክርስቶስ መንፈሳዊ መራሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ጅግና ሰውራዊ ጸጋንን ኣቦን መሓዛን ውጹዓትን እዩ ዝነበረ። ንሰብ ንኸድሕን ከኣ ክሳብ ‘ኣሎሄ፡ ኣሎሄ፡ ለማ ሰባቕታኒ!’ ኢሉ ዝግዕር ተሳቕዩ እዩ። እቲ ወካልን ሰዓብን ክርስቶስ እዬ በሃሊ ከኣ ምእንቲ ድሕነት ህዝቢ  ክሳብ ክንድ’ዚ ክውፈ ይግብኦ። እቲ ነዚ ዘይገብር ክርስቶሳዊ ትካል ከኣ ንሱ’ውን ቃዬል እዩ። ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንጨስቖስ፡ ኣምላኽ ይባርኽኩም። ዕድመ ማቱሳላን ጥዕናን ይሃብኩም። ቤተ ክርስትያን ካብ’ቲ ወርቃዊ ግምቢ ቫቲካን ወጺኣ ምስ’ቲ ውጹዕ ሓፋሽ ኪትጨማለቕን፡ ምእንትኡ ኪትቃለስን  ወቕቱ ዝበጽሐ ይመስል።

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ነቲ ሕዚ ኤርትራን ህዝባን ዝነብርዎ ዘሎዉ ኵሉ ሸነኻዊ ኣስካሕካሒ  ኵነታት ድሕሪ ምትንታን ከም መዛዘሚ ፍታሕ ንትዕግስትን፡ ተስፋን ጸሎትን ይእምት።  “… ብስመይዝለመንክምዎ…ኽገብረልኩምእየ… ፣(ዮሓ.14፡13) ብዝበለናመሠረት፣ ጸሎትናንኸንቱከምዘይኮነንፈልጥ።ስለ’ዚሃገርናነቲካብኣምላኽዚመጽእሰላም ጸሚኣከምዘላርኡይእዩ።“ሰላመይእኃድገልኩምኣሎኹ፣ሰላመይእህበኩምኣሎኹ።እቲኣነዝህበኩምዘሎኹስከም’ቲዓለምዚህቦኣይኮነን፣ኣይትሸበሩ፣ኣይትፍርሑ” (ዮሓ.14፡27-28)። እሞ ህዝቢ ኤርትራ’ስ መዓስ እዩ ትዕግስቱን ተስፋኡን ዝወድአ!  መዓስ እዩ ጸሎቱ ዘቋረጸ! መን ከምዝበሎ ኣይፈልጥን እንተኾነ ኣምላኽ ነቶም ንነፍሶም ዝሕግዙ እዩ ዝሕግዝ።

 

እቲ ዋና ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ፖለቲካውን ማሕበረ-ምጣኔሃብታውን ሽግራት ኤርትራ ንምትንታንን ፍታሕ ንምቕራብን ኣትኮነን። እዚ ምስ’ቲ ቀንዲ ቴማ መልእኽቲ ብውሓለ ጥበብ ዝተጣበቐ ትርፊ መዓንጣ እዩ። እቲ ቀንዲ ቴማ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክራስትያን ኣብ ከቢድ ኣባልነታዊ ቅልውላው ትርከብ። ስለ’ዚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዓመተ ዳግመ ትንሳኤ እምነት ተኣዊጁ  እምነት ንምጽናዕ ልዑል ምልዕዓልት ተኻይዱ እዩ። እቲ ጽሑፍ ድማ ገምጋም ናይ’ቲ ተልእኾ እዩ። እምነት ንምጽናዕ ከኣ እቲ ጽሑፍ ሓዲስ ሓሳባት ኣየቕረበን። ቤተ ክርስትያን ዝበለትካ፡ ዝኣዘዘትካ ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ነግፈረግ ፈጽም! እዩ እቲ መልእኽቲ። ቤተ ክርስትያን ከኣ ነዚ ቅዋመ’ዚ ንዳርጋ 2000 ዓመታት ተመሪሓትሉ። ናበይ ኣብጺሑዋ? ናብ ምፍንጫላት። ሕዚ’ኸ?

 

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓያል ካቶሊካዊ መንነት ካብ ዝሓለፋ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ጽፍሒ በጹሑ። Pew Research Center ከም ዘረጋገጾ፡  ቁጽሪ’ቶም ጽኑዓት ካቶሊካውያን ኢና በሃልቲ ከም ኣብ 2012 ዓም ኣቢሉ ንታሕትቲ ወዲቑ ኣይፈልጥን። (The independent research organization NORC at the University of Chicago)ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ ኣብ ቅዳሴ ዝሳተፉ ቍጽሪ ካቶሊካውያን  ካብ 47% ብ1974 ናብ 24% ብ2012 ወዲቑ። ኣብ’ቶም ጽኑዓት ካቶሊካውያን ከኣ ካብ 85% ብ1974 ናብ 53% ብ2012 – ማለት ብ30 ነጥብታት ወዲቑ። ጳጳስ በነዲክት ካብ መንበሮም ኣብ ዝወረዱሉ እዋን ሓደ ሲሶ ኣሜሪካውያን ካቶሊክ ንነፍሶም ከም ካቶሊክ ኣይቈጽርዋን። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት 5% ካብ ኣመንቲ ኣባልነቶም ኣቋሪጾም። ንመዓልቲ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መክሲካውያን ካቶሊካውያን ነቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝሓግዎ ይግምግሙ ፈላጣት። ብ1950፡ 98.21 % ካብ መክሲካውያን ካቶሊክ ነቢሮም። ብ1960 ናብ  96.47%፣  ብ1970 ናብ  96.17%፣ 1980 ናብ 92.62 % ፣  ብ1990 ናብ  89.69%፣ ብ2000 ድማ ናብ 88% ወዲቑ። ሕዚ ድማ ትሕቲ 83.9% እዩ። (Julian Rodriguez)

 

ካርዲናል ቪለም ኣይጅክ፡ ሊቀ መንበር ጉባኤ ኣቡናት ሆላንድ፡ ኣቡናት ሆላንድ ምስ ጳጳስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰዓትን ፈረቓን ዝርርብ  ብዛዕባ ውድቀት ቤተ ክርስትያን ሆላንድን ሳዕቤናት ናይ’ቲ ብ2010 ዝተጋህደ ብልሽውና ቤተ ክርስትያንን ዘኸተሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን ከምዝተዘራረቡ ይገልጹ። ኣብ ነዊሕ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት  ዝቝጸሩ ቈልዑት ብካህናት ተዓሚጾም እዮም። ቤተ ክርስትያን ከኣ ንፈለማ ጊዜ ብወግዒ ኣሚናን ኪሒሳን። ብርእይቶይ እዚ’ቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ናብ’ቲ ቅኑዕ መገዲ እዩ። ማለት፡ ብ2010 ልዕሊ 23,000 ካቶሊካውያን ሆላንድ ንቤተ ክርስትያን ጠንጢኖም። ካብ 2006 ከኣ ብገምጋም 18,000 ኣመንቲ ንዓመት ሓንጊዶም። እዚ ኣብ ዘመነ ጵጵስና ኣባ በነዲክቶስ እዩ ኴይኑ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ግን 7,500 ጥራሕ ንቤክርስትያን ራሕሪሖም። እቲ ምኽንያት  ብዘመን እኒ እኒ ዝቦዅበኹ ኣረገውቶትን (archaic) ዘይመስሉ ማሪታዊ እምነታትን ልምድታትን ተግባራትን ኪኽልሱን ከመሓይሹን ኣማኒ ኣብ ልዕሊ ኣባ  ፍራንጪስቖስ ዘንበሮ ተስፋ’ዶ ይኸውን?

 

እምነታዊ ቅልውላው ቤተ ክርስትያን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብ’ቲ ዝዓበየ ትካላዊ ቅልውላው ታሪኻ ትርከብ ኣላ ይብል the National Catholic Reporter። ሕዚ፡ እቲ ቤተ ክርስትያን  ብመንጽር  1.5 ሚልያርድ ኣስላምን  593 ሚልዮን ፕሮተስታንትን 1.1 ሚልያርድ ኣባላት ኣሎዉዎ።  ኣብ ሕ.መ.ኣ. ቁጽሪ ክርስትያን ብሓፈሽኡ  እንዳጎደለ ይኸይድ እኳ እንተሃልወ ኣይከም ኩትልኽናን። ካብ 1960 ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ራብዓይ ካቶሊካዊ  ጠፊኡ።  ብ2008 ጥራሕ ቁጽሪ ካቶሊካውያን ብ400,000 ጎዲሉ።  ካብ 1995 ክሳብ ሕዚ ሓደ ሽሕ ቤተ ክርስትያናት ተዓጽዮም። ቁጽሪ ካህናት ከኣ ካብ 49,000 ናብ 40,000 ወሪዱ። ገለ 3,400 ካቶሊካዊ ኮማት ነባሪ ካህን የብሎምን ይብል ናይ ማሕበራዊ ናብራ ሊቅ ዳዉት ካርሊን።
ኣብ ኣውሮጳ’ውን፡  ብፍላይ ኣብተን ታሪኻዊ እሙናት ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዝኾና ሃገራት እቲ ቅልውላው እቲ ዝለዓለ እዩ። ብ1991፡ 84% ኢርላንዳውያን ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጊዜ ቅዳሴ ይሳተፉ ኔሮም። ሎሚ ተሳታፍነት ናብ 50% ወሪዱ። ስፓኛውያን 81% ካቶሊካውያን እዮም። እንተኾነ ክልተ ሲሶ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣይከዱን። ዕቱብ ዋሕዲ ካህናት ከኣ ኣሎ። ብ2009፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 16 ካህናት ጥራሕ ተመሪቖም። ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሓያሎ ቤተ ክርስትያናት ተዓጽዮምን ተሸይጦምን ክሳብ ናብ መሳጊዳትን ዲስኮታትን ዝተለወጡ ኣሎዉ። ብዙሓት ንድኻታት ዝሕግዙ ዝነበሩ ሆስፒታላት እውን ተዓጽዮምን ተሸይጦምን እዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ሃይማኖት ካብ 55 ሚልዮን ብ1978 ሕዚ ናብ 150 ሚልዮን ዓብዩ እዩ። ምኽንያቱ ይብሉ ኡጋንዳዊ ካህን ኣማኑኤል ካቶንጎለ፡ “ቤተ ክርስትያን ነቲ ድምጺ ዝሰኣነ ወኪሉ ከድምጽ ጀሚሩ”።

ካብ 1978 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ፡ ኣብ እስያ፡ ቁጽሪ ኣመንቲ ብ80%፣ ቁጽሪ ካህናት ከኣ ብ74% ወሲኹ።  ክሳብ’ውን፡ ሕዚ፡ ኣፍሪቓን እስያን ነቲ ዝተረፈ ዓለም ካህናተን የለቅሓ ኣሎዋ። ኣብ ሕ.መ.ኣ. ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣፍሪቃውን እስያውን ካህናት ተመዲቦም ይሰርሑ ኣሎዉ። እንተኾነ ኣብ’ዚ’ውን እቲ ቤተ ክርስትያን ኣይቀሰነን ብፕሮተስታንትነት እንዳተወረ እዩ። ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ካህናት ከኣ ንትካል ግትኣተ ስጋ ብምቅዋም ብወግዒ ምስ ኣንስታቶምን ደቃቶምን ብምንባር ተቋዉሞኦም የርእዩ ኣሎዉ።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንእምነታዊ ውድቀት መእምናና ክትጎንዮን እምነታዊ ኣቕጣጫ ከተትሕዞን ትኽእል’ዶ? እወ፡ ነቶም ሓቀኛ ምኽንያታት ውድቀት እንተጠንቍራን ርትዓዊ ፍታሕ እንተገቢራን ነቲ ምንቁልቋል እምነት ኪቖጽዮ ትኽእል እያ። እቲ ኵሉ ነቲ ቤተ ክርስትያን ዝሓደገ ንክርስቶስ ኣይሓደገን። እንተኾነ ነዚ ስጕምቲ’ዚ ምውሳድ ነታ ቤተ ክርስትያን ቀሊል ኣይኮነን።

ሱር ናይ’ቲ ውድቀት ኣቦና ጳጳስ ዮሓንስ መበል 22 ኣብ 1960ታት ምስ ዘተኣታተዉዎ  እምነታውን ተግባራውን ጽገናታት ይጀምር።  ጳጳስ ዝያዳ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጸውዑ። በቲ ጻውዒት ጳጳስ ዝሓረቑ ባህላዊ ኣቡናትን ካርዲናላትን ንማእከልነት ቤተ ክርስትያን ተጣበቑ። ኣብቲ  ቫቲካን ክልተ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉባኤ ዚተፈነዉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ካህናት (ብፍላይ ናይ ላቲን ኣሜሪካ) ከኣ ኣይተፈተዎምን። ድሕሪ ሞት ጳጳስ ዮሓንስ ብ1963 ከኣ እቶም ኣጽናዕቲ ልምዲ  ሓየሉ። እዚ ከኣ ኣብ ምምራጽ ጳጳስ ዮሓንስ ፓውሎስ ኣኽተመ። እዞም ጳጳስ እዚኦም ከኣ ብ1978  ንመብዛሕትኦም ነቶም  ጳጳስ ዮሓንስ ዘተኣታተዉዎም ጽገናታት ንድሕሪት መለሱዎም።  እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጡ ተመቕለ። ብምልዮናት ዝቑጸሩ ሊበራላዊ ካቶሊካውያን ከኣ ካብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ተኣልዩ።

ጾታዊ ብልሽውና ካህናት ነቲ ምንቁልቋል ብርቱዕ ኣቀላጠፎ። ኣብ ፍርቂ 1990ታት፡ እቶም ናይ መጀመርያ ማዕበል ክስታት ብልሽውና ካህናት ምስተጻጥሑ፡ 35% ካብ ኣሜሪካውያን ካቶሊካውያን  ተሳታፍነቶም ሓደጉ። ነቲ ብልሽውና ግብረ ስጋዊ ዓመጻ ቈልዑት ንምሽፋን፡ ልዑላን ሰበስልጣናት ቤተ ክርስትያን፡ ጳጳስ በነዲክቱስ እውን ዝርከቡዎ፡ ኢዶም ስለዘእተዉ፣ ድሮ በዚ ገበን’ዚ ንዝተኸሱ ካህናት ከኣ ደጊሞም ምስ ቈልዑት ንኽሰርሑ ብምግባሮም እዚ ንመትኒ ሕልና ብዙሓት ኣመንቲ ተንከፈ። ኣብ  ኣውሮጳን መክሲኮን ላቲናዊ ኣሜሪካን  ቤተ ክርስትያን ብማዕበላት ክሲ ብልሽውናን ዓመጻን ተሃወጸት። ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ጥራሕ (ቩርስቡርግ) 1,200 ካቶሊካውያን ግብረ ስጋዊ ዓመጻ ቈልዑትን  ጨካን መቕጻዕታት ተመሃሮን ኣስካሕኪሑዎም ነቲ ቤተ ክርስትያን ሓዲጎሞ።  ኣብ ኢርላንድ፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ብካህናት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብምቁዋም ንቤተ ክርስትያን ዝሓደጉ ብዙሓት እዮም። ይሓድጉ ነዚ ኵሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ካህናቱ  ኣብ ዘይቃወም ሃይማኖት ከመይ ይእመን?

ብዙሓት ዓይነታት ካቶሊካውያን ለውጢ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ጥራሕ’ዩ ኪመጽእ ዝኽእል ይብሉ። ሕዚ ኣብ ሕ.መ.ኣ. እንዳዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ካቶሊካዊ ህይወት ካብ ሮማ ዘይኮነስ ካብ ነፍሲ ወከፍ ቦታዊ  ሰበኻ ክምእከል ኣሎዎ ይብል። ኢየሱሳዊ ካህን ዮሓንስ ፒደረ፡ ግዙፍ ተሳትፎ ናይ’ተን ካብ መዓርገ ክህነት ዝተኣገዳ  ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕዳስ ሰበኻዊ ባህሊ መፍትሓዊ ተራ ኪጻወት ከምዝኽእል ይእምቱ። ሊቅ ታሪኽን ጋዜጠኛን ዝኾነ ጋሪ ዊልስ፡ ድሕነተ እምነት ካብ ታሕቲ ካብ መንበረ ስብከት ቤተ ክርስትያናት እዩ ኪመጽእ ዝኽእል ኢሉ ይኣምን። “ቤተ ክርስትያን ህዝበ ኣምላኽ እያ። እቶም  መራሕቲ  ጥራሕ’ዮም  ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ርክቦም ኣቋሪጾም ዘሎዉ። ናብ’ቲ ህዝቢ ከኣ ክመለሱ ኣሎዎም” ቢሉ ከኣ ይልቅብ።

እቲ ምንቁልቋል ቁጽሪ ኣባልነት ዘሽቆርቁሮ ኵሉ ካቶሊካዊ ኣይኮነን። ዓቀብቲ ጸኒሕ ካህናትን ሓሰብትን ነቶም ሓደግቲ ቤተ ክርስትያን ‘ናይ ጽቡቕ ዘመን’ ኣመንቲ ኢሎም የስተናዕቑዎም። “ንክርስቶስ ሕራይ ንቤተ ክርስትያን ግን ኣይፋልን” ኣይከኣልን ይብሉ። እቲ ዚኸውን ዘሎ ግን ብልክዕ እዚ እዩ። ነገሩ ሰማይ ኣይሕረስን ቤተ ክርስትያን ከኣ ኣይክሰስን እዩ። ቤተ ክርስትያን ናብ ላቲናዊ ቅዳሴ ኪትምለስን ኵሉ ጸረ ቫቲካናዊ ብድሆታት ከኣ ደው ኪብልን ይጽዕሩ። “ናብ ጥንታዊ ባህልን ልምድን ምምላስ ከኣ ንኣመንቲ ከውሕዶም ግን ከኣ ከጠንክሮም እዩ”  ይብሉ ኣባ ዮሓንስ ማክክሎስኪ። “ዓቀብቲ ካቶሊካውያን ጥራሕ ምስ ተረፉ፡ ጸረ ቍጽጽር ቍጽሪ ስድራ ስለዝኾኑ ብቈልዑት ፈለቅለቕ ዝበሉ ዓበይቲ ስድራ ቤታት ኪቑሙ እዮም። ከምዚ ኢሉ ከኣ እቲ ቍጽሪ ኣባላት ኪኽዕብት እዩ” ኢሎም’ውን ይድምድሙ።  (The Weekly  Staff | April 30, 2010) እዚ እቲ ብምጉዳል ምውሳኽ ኢሎም ዝጽውዕዎ ኣምር እዩ። እዚ ግን ዘለቄታዊ ፍታሕ ኣይኮነን። ቤተ ክርስትያን ርእይቶ ሓፋሽ ኣማኒ ትሰምዕ እንተኾነት ንነባሪ ፍታሕ ዝእምቱ እማሜታት እነሆዉ።

ቀዳማይ፣ ግብረስጋዊ ሕርመት ካህናት ካቶሊካዊ ምህዞ እዩ። ካህናትን ሊቀ ካህናትን ኣይሁድነት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ይምርዓዉን ይዝምዱን እዮም። እቲ ኪምንን ዝበለ ከኣ ካብ ሰብ ርሒቑ ኣብ ምድረበዳ ንብሕቱ ይነብር። ጊዜኡ ከኣ ኣብ ጾምን ጸሎትን ሱባዔን የሕልፎ። ኣምላኽ ብኡኡ ኣቢሉ ናብ ሰባት ከመሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ ከኣ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ ናብ በረኽኡ ይምለስ።

ርግጽ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓዋርያ ክርስቶስ ካብ ስድራዊ ሓላፍነት ነጻ ኴይኑ ምሉእ ዓቕሙን ሓይሉን ኣብ ምስፍሕፋሕ ክርስትና እንተኣውዓሎ ብዝበለጸ ተልእኾኡ ኪፍጽም ይኽእል ኢሉ እዩ። እቲ ሓዋርያ ክርስቶስ ዝኸውን ግን ግድን ካብ ስጋዊ ዝምድና ነፍሱ ክገትእን ካብ ማሕበረሰብ  ተነጺሉ ኪነብርን ኣሎዎ ኣይበለን። ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ንካህናቱ ናብ ዚምርዓዉን ኣብ ውሽጢ ሕብረተ ሰብ ዝነብሩን፣ ናብ ኣብ ደብርታት ዝነብሩ ፈለስትን ፈላልዩ ካብ’ቲ ወጥሪ ግትኣተ ስጋ ብመጠኑ ወጺኡ እዩ።  እወ፡ ልክዕ፡ ግብረ ስጋ  ክትገትኦ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝኾነ ባህርያዊ ባህረት እዩ። ኪትገትኦ ብርቱዕ ምኽንያቱ መሰረታዊ ባእታ ስረት ደቂ ሰባት ስለዝኾነ። እዚ ዘይባህርያዊ ሕርመት’ዚ ከኣ’ዩ ንምሸቱ ንካህናት ናብ ጾታዊ ብልሽውና ዝመርሕ። ካህናት እንተላይ ሰባት እዮም። ዝኾነ ሰብ ከኣ ኣንጻር ሰብኣዊ ባህርያዊ ፍጥረቱ ደው ኢሉ ክይሰሓተ ኪነብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለ’ዚ፡ ቤተ ክርስትያን፡ ካህናቱ ኪምርዓዉን ኪዝምዱን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከኣ ኪነብሩን ዘኽእሉ ስርዓተ ቅስና ከተተኣታቱ ይግብኦ እብል። ብከም’ዚ ድማ ነቲ ሽግር ዋሕዲ ካህናት ምፈትሐ። ካህናት ከኣ ካብ’ቲ  ስሉብነቶም ዘስዕቦ ብልሽውናታት ምደሓኑ። ማሕበራዊ ንቕሓቶም ማሕበራዊ ተሳታፍነቶም ከኣ ምኻዕበተ።

ካልኣይ፣ ኣርኣያነት ቤተ ክርስትያን። ክርስቶስ ድኻ ነበረ። ሃብታም ናብ ቤት ኣቦይ ካብ ዝኣቱስ ገመል … ። ልሳንን ጸግዕን ድኻታትን ጽጉማትን፡ ንጹላትን ሕሙማትን ከኣ ነበረ። እቲ ሓጢኣት ፈጺሙ ዘይፈልጥ ናይ መጀመርያ እምኒ ይደርቢ ዝበለ ርትዓዊ ነበረ። ክርስቶስ ደፋር ነበረ። ንጲላጦስ፡ ንስኻ’ኳ ንጉስ ኣይሁድ ምዃነይ ኢልካ ክብል መለሰ። ክርስቶስ ትሑት ነበረ። ኣብ ክንዲ ኣብ ፈረስ ድማ ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ መረጸ።  እታ ንነፍሳ ከም “ሚስቲካዊ ሰውነት ክርስቶስ ንድሕነት ሰብ ብክርስቶስ ዝቈመት ስለዚ መለኮታዊት ቤተ ክርስትያን” ኢላ እትገልጽ ቤተ ክርስትያን ብኣርኣያ ክርስቶስ’ዶ ትነብር? ኣይፋልን። ካብ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንላዕሊ ካብ ኣርኣያነት ክርስቶስ ዝረሓቐ ኣይነብርን። እኳ’ድኣ፡  መራሕቲ ቤተ ክርስትያን፣ ጳጳሳት፡ ካርዲናላት፡ ኣቡናት ብወግዒ ‘መሳፍንቲ  ቫቲካን’ ተሰምዮም ብወርቅን ሓርን ዝተሸለሙ እዮም። ነቲ ቤተ ክርስትያን ከኣ ካብ መንፈሳዊ ትካል ናብ ንግዳዊ ትካል ቀይሮሞ እንሆ። ኣብ ወርቃዊት ግምቢ ቫቲካን ተቐሚጦም ከኣ ቀሺ ዝበለካ ግበር፡ ቀሺ ዝገበሮ ኣይትግበር እንተበሉኒ ዝቕበል ኣይኮንኩን።

ሳልሳይ፣ ቤተ ክርስትያን ንምሉእ ሕጋውን ሞራላውን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ክትቕበልን ከተተግብርን ይግብኣ። ኣብ ጥንታዊ ጽውጽዋያትን  ዚቈንቈኑ ማሕበራዊ ክብረታትን ተሞርኵስካ ንደቂ ኣንስትዮ-ፍርቂ ዓለማዊ ማሕበረሰብ እየን- ምንኣሰን ንዘመናዊ ንቕሓትና  ኣዝዩ ድሑር እዩ። ምሉእ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዋሕዲ ካህናት’ውን መቃለሎ።

ራብዓይ፣ ……….. ።

ሓሙሻይ፣ …………. ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ንዝፈለሉ መእምናታ ንምላስ ኣብ ውሽጣ ክትፍጽሞ ዘሎዋ ለውጥታት ኣብ ሓደ ሓጺር ጽሑፍ ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ኣብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ን2000 ዓመታት ዝተከበ ዓርሞሸሻዊ ርስሓት ኣሎ። እምነት ክምለስ ፈለማ እዚ ክጻፈፍ ይግብኦ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከየውጻእካ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ዘሎ ቅርኒብ ከተውጽእ ኣይከኣልን።  እምነት ምስ ጊዜ ዝምዕብል ዲናሚካዊ ተርእዮ እዩ። ን2000 ዓመታት ኣብ ሓደ ዕጹው ዕትሮ ዝኣጎለ እምነት ኣይእምነትን። እምነት ዝእመን ኪኸውን ይግብኦ። እንተኾነ እታ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዓንቀጻዊ ሽግር ንለውጥን ጽገናን ኣሎዋ። ጳጳሳት፡ ኣብ ጽንብል ምራቔኦም “ካብ’ቲ ዝወረስናዮ ባህሊ ዝኾነ ከይቅይር እምሕል። … ብመንጽሩ፡ ንቅዱሳት ሕግታትን ውሳኔታት ጳጳሳትን መለኮታዊ ውሳኔታት ሰማይ  ከምዝኾኑ  ገቢረ ክሕልዎምን ክዕቅቦምን እዬ” ኢሉ ይምሕል እዩ። እንተ’ዚ ሔዚ ግን ከም ድልዬት እቲ ጳጳስ እዩ። ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 22 ነዚ ማሕላ’ዚ ከይምሕሉ ወሲኖም ኣብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ብዙሕ ለውጥታት ኣታኣታትዮም። ኣቦና ፍራንጨስቆስ ከኣ ነዚ ማሕላ’ዚ ዘይመሓሉ ኪኾኑ እምነ።

ብጹዓት ኣርባዕተ ኣቡናት (ጳጳሳት?) ኤርትራ፣ ሽሕ’ኳ እቲ ንሽግራት ሃገርናን ህዝብናን ዝምልከት ሕቶ  ምስት ካልእ ቴማ ኣማሓዚልኩም እንተኣቅረብኩሞን፣ ሽሕ’ኳ ነቲ ቃኤልና ብዝምልከት ኣቀራርባኹም ልቡጥ እንተኾነን፣ ሽሕ’ኳ መልእኽትኹም ኣዝዩ ዝደንጎየ እንተኾነን፣ ኣብ’ዚ  ሓንቲ ቃል ተቓውሞ’ኳ ቋቕ ንዘበለ ብዙሕ ዝጣቃዕሉ እዋን’ዚ ከም’ቲ ናታትኩም ዝኣመሰለ ሰፊሕን ዓሚቝን መልእኽቲ ዓቢዪ ናእዳን ምስጋናን ዝግብኦ  እዩ። ሓንቲ ፍልይቲ ቅሬታ ግን ኣላትኒ። ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ሓውኹም እሱር ብጹዕ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀርኩም ክሳብ ዝቕደድ ክትጭድሩ ተጸብየኩም ነቢረ። እንተኾነ ሓንቲ ቃል እኳ ኣየጥፋኩምን። ነጻነት እምነት ካብ’ትቶ ቅንዲ ኣገደስቲ ዲሞክራስያዊ መሰላት ኣህዛብ ክነሱ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቐቑን ገና ዝሓቁ ዘሎዉን ንኣስሽቱ ክርስትያናዊ  ጉጅለታት እውን ሓንቲ ቃል እኳ ኣየጥፋእኩምን። እዚ ድማ ነቲ መልእኽትኹም ናብ ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ጥራሕ ሓጺሩዎ። ዶስ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ተባሂሉ ዝተሓተ ብስሩ እቲ ካቶሊክ ኤርትራ ጥራሕ  እዩ?

ንመጠረስታ ከኣ ሓንቲ ንእሽቶይ ሕቶ ክሓተኩም ኣፍቅዱለይ። ኣብ’ቲ ውሽጣዊ ፖለቲካ ቫቲካን መርገጽኩም ምስ መን እዩ። ምስቲ ደላይ ለውጢ’ዶ’ስ ምስ’ቲ ተሓዝ ጸኒሕ?

የቐንየለይ።

ወድኹምን ሓውኹምን

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

24. 07.2014

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
44 COMMENTS
  • Temesgen July 25, 2014

    Amanuel! Why you posted such kind of sensitive letter. We need letter or comments that build the nation. We need a letter that displays our problem.

  • enough July 25, 2014

    You are confusing everything. You tried to act like historian but distorted religous but disintegrated.

  • habte July 25, 2014

    daniel semere bihaki tehizin, telaeka kem zistehafka kea felitnaka alena,

  • habte July 25, 2014

    daniel aytihazely ember, tekawami timesil, gin kabtom nhizbi eritrea zestinutu zeleon zetfun hade eka

  • Fessahaye July 25, 2014

    Very confusing, immature; jumping from one subject into another with no connections. I wish I could understand what you are trying to say. Please spare us from such clouded ideas that lead nowhere. Aimless rumbling ideas, boring.

  • Efrem July 25, 2014

    I usually not commenting on articles. However, this article makes me to through out my disgust. The writer looks either with some sort of complexity or utter ignorance. I could reply one by one to the writer, but I don’t think I have space where to start and where to finish. Just one word – disillusioned and plagiarist of the western media. Take your hatred to yourself; not to this graceful and great spiritual leaders of Eritrea.

  • semere July 25, 2014

    Mr. Daniel Semere,
    I really failed to understand the message you really wanted to convey. Allow me to make some comments.
    1. The Pastoral Letter of the Catholic Bishops is addressed, and I quote “to our true children in the faith and to all men and women of good will”. It does not even mention Catholics specifically, as you presume.
    2. The letter is about the “situation of Eritrea” and not about the “Catholic Church”. I don’t understand how you want to compare two different realities. It is a distorted mismatch.
    3. Religious practice dropped in all the main stream denominations. It is the influence of secularism that has affected even the Muslim, Hindu and other non-Christian religions. I don’t understand why you quoted only the Catholic Church. You also quoted the sources you wanted to back your thesis. Your information is neither professional nor scientific. Thus your conclusions are distorted and dishonest.
    4. Every Year the Catholic Church chooses a theme to reflect upon. Hence, the “Year of Faith” is one among many that were chosen, not the reason you wanted to give.
    5. You speak a lot about the crisis (ቅልውላው) within the Catholic Church: pedophilia, sex abuse, mismanagement, etc. Did you make similar research about the other denominations? In the history of all religions there were worse moments. As you appear to be historian you should have known this.
    6. For your information, the first to ask the Isayas regime to release Patriarch Antonios were the Eritrean Bishops and the Vatican. Since then Isayas refused to give audience to Catholic Bishops. Please before making wrong statement crosschecks your sources.
    7. The Catholic Church, as all Churches, is made of human beings. When it preaches the Gospel of conversion, it preaches first of all to herself. The Vatican admits mistakes committed and asks pardon officially in several occasions, not only on the issue of sex scandal. In any case, what has this to do with the “situation of Eritrea”?
    8. If you are knowledgeable as you want to appear, you should have posted your thesis long time ago; and not wait for “WHERE IS YOUR BROTHER”. That makes all of us suspect you are sent by somebody. You seriously lack objectivity and professional honesty.

  • AKAL July 25, 2014

    Selamat Daniel Semere,

    All I can say is that this is one of your best articles. So brilliant, meaningful objectively critical and revolutionary critique based on facts. Kudos to you. I salute you and tip my hats off to you for calling a spade a spade. I am amazed and impressed with your very rich, descriptive and wonderful mastery of Tigrigna and yet very plausible presentation. I can tell how in pain you were researching and preparing, and writing this article.
    Don’t you worry about these little banana grabbing monkeys and gullible mammals above who are so jumpy in criticizing you instead of challenging your ideas. Truth is so bitter to the extent some times it sounds strange. I don’t think these cuckoos are real Christians but ignorant followers and kind of cultural Christians. You sound more Christian to me than them. How can one,in his sane mind, support or try to maintain the status quo that is in deep debauchery and trouble.
    You are not criticizing the faith; you are criticizing the system and the élites, the crème de la crème, the top echelon, the corrupt leaders that are supposed to follow the footsteps of Jesus Christ and to lead the faithful. These elites not only failed to lead the people by example but became the cancer of the church and big institution they created. I wonder If Jesus is to come right now, what will he say?! And for sure he will come and cleanse the church again from these corrupt to the core and money lenders.
    Again, I found your article to be special and so revolutionary. We need a lot like you in Eritrea; Eritrea will be different rom what we see now:- a nation of Zombies and followers of this megalomaniac, psychopathic, sadist and narcissistic war lord, Issayas Afwerq, descendant of Tigrian King Yohannes IV. And the church is either implicitly or complicity willing companion or participant in this crime against humanity of Eritrea and Eritreans.

    Congratulations and thanks for this wonderful article.
    May God bless you and lead us all in his straight way of those whom he favored and not in those whom he put his wrath.

  • Habte Ketema July 25, 2014

    I patiently ready the whole article looking for a plausible, convincing, and constructive ideas. I have been disappointed. as it has been posted earlier, the author of this article is a master of confusion. What is the purpose for becoming so low and irrational?

  • rahwa July 26, 2014

    Mr. Daniel i am confused here. i think it would be wrong to judge the four Eritrean Bishops for wrongs done by priests in places other than Eritrea. in their comprehensive letter the bishops specifically address Eritrean issues in a way that shows how deeply they feel about their people. i don’t know why anyone would want to talk about pedophiles when an entire population is the issue here.

1 2 3 4

POST A COMMENT