ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ “ፕረሲደንት” ኢሳያስ ኣፍወርቂ
ቅልዕቲ ደብዳቤ፣- ዕለት 15/02/2013 ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።- ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና ሃገራውያን ደለይቲ
ቅልዕቲ ደብዳቤ፣- ዕለት 15/02/2013
ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።-
ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና ሃገራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣቀዲምና ንፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ናይ ህዝብን ሰራዊት ጠለባት ብምኻኑ ከምእንድግፎ እንዳገለጽና እዚ ጠለብ ሽትኡ ስጋብ ዝበጸሕ ንቀጻሊውን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኣኢ (ብፍላይ ጅግና ሰራዊትና) ተሓባቢርና ክንቃለስ ብሽም ስዉኣት ቃል ንኣቱ።
እዚ ብዕለት 21 ጥሪ ዝተፈጸመ ስርሒት ፎርቶ በዞም ዝስዕቡ 4 ጀጋኑ፣-
- ብ/ጀ ሳልሕ ዑስማን
- ኮ/ ስዒድ ዓሊ (ወዲ ዓሊ)
- ኮ/ ኣለም ግዝዋ
- ኮ/ ኣብርሃም ገለዋን
ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል መርሕነት፣ ተኻይዱ እካ እንተኾነ ተራ ወተሃደራትን ዓበይቲ ጀነራላት ዝሓቆፈ ብህዝቢ ምሉእ ድጋፍ ዘለዎ ስርሒት ኢዩ።
ከም ኣመልካ ፈላሊኻ ምግዛእን ኣብ መንጎ ቀቢላታትን ኣውራጃታትን እተኣልሞ ዝነበርካ ውዲዳት ኩሉ ኣብቂዑ ሕጂውን ስልጣንካ ንምንዋሕ እዛ ሃገር ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ሁውከትን ግጭትን ንምፍጣር እዞም ታሪኾም ዝምስክረሎም ሃገር ሓራ ዘውጻኡ ደልይቲ ለውጢ፣ እስላማውያን ጥርኑፋት ደቂ ሳሕል እዮም ኢልካ ብመንገዲ ዕሱባትካ ትዝርግሖ ዘለኻ ሕሱር ፕሮባጋንዳ ሓቂ ንምምሳልውን ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ እስላም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እእቲኻ። ከምኡውን ንተጋዳላይ ዓብደላ ጃብር ብናትካ ትእዛዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክቅተል, ከምኡውን ተጋዳላይ ሙስጣፋ ኑር ሕሴን ናይ ጸቅጢ ደምን ሹከር ሕማም ስለዘለዎ ክሳብ ዝመውት ሕክምና ንከይዋሃቦ ታእዛዝ ከምዝተሓላለፍካ ካብቶም ብኣካል ምሳኻ, ብልቢ ምስ ህዝቦምን ሰራዊቶም ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ምንጭታትና ኣረጋጊጽና።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ 3 ግንባር ናደው ከም ምኽንያት ገርካ ኣብ ሳሕል ከተማ ኣፍዓበት ዓቢ ፈስታ ተዳሉ ከምዘለኻ ኣረጋጊጽና። ነዞም ኣሲርካዮም ዘለኻ ጀጋኑ ደቂ ሳሕል ንስድርኦምን ኣንስቶምን ኣይትሻቀሉ እናበልካ ኣገዲድካ ጋይላ ክትስዕስዕ ንዕቀት ንደቂ ሳሕል ምኻኑ ርዱእ እዩ። ንሕና ብወገና ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንህዝቢ ሳሕል ብፍላይ ኣብ ኣፍዓበት ተዳልዮ ዘለኻ ዳስ ከይካፈሉ ጋስጋስ ነካይድ ኣሎና። እቶም ንሂወቶም ፈሪሖም ተገዲዶም ዝሳተፉ ሰባት ከም ዓወት ኣይትውሰዶ።
ንሕና ኤርትራውያን እስላምናን ክርስትያናን ከምቲ ሓደ ኢድ ኮይና ንኤርትራ ነጻ ዘውጻእና ሎሚውን ሓድነትና ኣደልዲልና ንለውጢ ብዘየወላውል መንገዲ ኣብ ጎኒ ህዝበናን ተባዕ ሰራዊትና ኮይና ምሉእ ናይ ምትሕብባር ክንገብር ኢና። ህዝቢ ሳሕል ጅግንነቱ ናይ ቀልሲ ታሪኹ ይምስክረሉ።
ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኣብ ጊዜ ቃልሲ በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ, ብሽም ትሕቲ ሃገራውነት ሃገር ነጻ ዘውጸኡ ገዳይም ተጋደልቲ (G15) ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲርካ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ገርካ።
ቀንዲ ተልእኾ ናይዛ ቅልዕቲ ደብዳቤ፣ ስልጣንካ ንምንዋሕ ትኣልሞ ዝነበርካ (ብሽም ቀቢላን ኣውራጃን፣ ጀሆባን ፐንጠን፣ ኣስላምን ክርስትያንን) ተቃሊዑ እዩ። እዛ ሃገር ኣብዝያዳ ቅልውላው ከየእተኻ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስልጣንካ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ኣመንቲ ለውጢ ጀጋኑ ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል ክተረክብ፣ ንሶምውን ሃገር ኣረጋጊኦም እሱራት ፈቲሖም ቅዋም ኣተግቢሮም ደሞክራስያዊ ለውጥን ህዝባዊ ምርጫ ከካይዱ።
ዓወት ንሓፋሽ
ካብ ሃገራውያን ደልይቲ ለውጢ-ሱዳን እዚ መልእኽቲ’ዚ ብቐጥታ ናብ ኢሳይያስ ድሮ ተላኢኹ እዩ።
Daniel February 18, 2013
well said we are with you all the way!
A.A Yassin February 18, 2013
“በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ”
Can someone give us the names of the intellectuals from Akelegozay? Is it correct to identify them by their ancestral province instead of their cause? Why were they killed? Who killed them and in which circumstance?
Kidane_Tesfit February 18, 2013
Yassin you got to be kidding…. you might need to use the google tool to get more information about those intellectuals who were murdered by Isayas killing sguads there are enough chronicles out there. I commend the people of Sahel…. and we are all from Sahel. way-to-go Letter.
A.A Yassin February 18, 2013
Do you have a comprehensive link to recommend?
Semhar February 18, 2013
ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና
ንኢሰያስ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።
ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ። ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ።
The solution is to finish the tyrant mad dog Isayas wedi Medhin Berad just like the Libyans did to his friend Gadafi.
As long as this dictator crazy dog Isayas Wedi Medhin Berad is alive this will continue because his blind followers HGDEF and Rashaida are taking his orders.
Semhar February 18, 2013
Dear Kidane,
For more information go to
http://www.gereger.com
You will find their names, their photos, their origin, their provinces, etc.
You will also find our living archive Jegna harbegna Abona Tesfay temnowo,
You will also find our national liberation flag
Semhar February 18, 2013
Dear A.A Yassin,
for more information go to
http://www.gereger.com
You will find their names, their photos, their origin, their provinces, etc.
You will also find our living archive Jegna harbegna Abona Tesfay temnowo,
You will also find our national liberation flag.
A.A Yassin February 18, 2013
We know something about Saleh Osman and Wedi Ali but who are Abraham Gelewan and Alem Guzwa ? Their birth place? The place they grew up? Their family ? Their gedli history?
ሰላም በርሀ February 18, 2013
ብጣዕሚ ዘሕብን ተበግሶ ኢዩ ኣሕዋት ኣብ ጎንኹም ኣለና። ሓቢርና ንህዝብናን ሃገርናን ደው እንተኢልና ንኢሰያስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ነጥፍኦ ርግጸኛ ኢየ። ሓንቲ ክትእረም ዝደልያ ጉዳይ እንተሃልያ እቶም ምሁራት ደቂ ኣከሎጉዛይ ጥራይ ከምዘይነበሩ ኢዩ። ካብ’ቶም ኢሰያስ ብስም መንካዕ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ኤርትራውያን ደቂ ሓማሴን ውን ከምዝነበሩ ኣረጋጊጸ ክዛረብ ይኽእል። ንኣብነት ሓርበኛ ስዉእ ኣፍወርቂ ተኽሉ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዝዓበየ ንኤርትራ ክጋደለላ ንመጀመርያ ግዜ ዝርኣያ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ወዲ ሓማሴን ምኻኑ ኢየ ዝፈልጥ። እቲ ኣገዳሲ ውን ምሁራት ኣካይዳኻ የዐሪ ግደፍ ስለዝበሉዎ ንኽንጸሉ ብዙሕ ከምዝጎስጎሰን ከምዘሳቐዮምን ኣብ መወዳእታ ድማ ከምዝቐተሎምን ኢዩ። ደቂ ኣበይ ዓዲ ምንባሩ ንኢሰያስ ኣየገድሶን ኢዩ። ኣንጻሩ ዝተላዕለ ኩሉ ጸላኢኡ ኢዩ።
ብዝኾነ ግን ኣጆኹም ንሕና ውን ምሳኹም ኢና ኩልና ዉጹዓት ኤርትራውያን ኣብ ጎንኹም ኣለና። ሳሕል ከኣ ዓዲ ኩሉ ኤርትራዊ ኢያ ልክዕ ከም ኩለን ኣውራጃታትና። ንዓኣ ዘጥቀዐ ንኹለን ኣጥቂዑ ኣሎ ማለት ስለዝኾነ ንሕና ውን ንሓንቲ ኤርትራ ደው ኢልና ኣለና። ኢሰያስ ዝጠፍኣላ መዓልቲ ቀሪባ ኢያ ብሓደ እንተተላዒልና!
ዓወት ንዉጹዕ ሓፋሽ ህዝብና!
ተወልደመድህን February 18, 2013
zsmaO debdabie gn oromay isaias bbetri ember bsmmO kqyer zeykAl iyu
Halafi Mengedi February 18, 2013
The article states “ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ 3 ግንባር ናደው ከም ምኽንያት ገርካ ኣብ ሳሕል ከተማ ኣፍዓበት ዓቢ ፈስታ ተዳሉ ከምዘለኻ ኣረጋጊጽና።” addressing the President’s next festival.
If I were the President, I would be very much concerned about what could possibly happen at the festival. Pieces of information such as itinerary of the president is extremely important for those who want to harm the dictator and his entourage.
More than anytime in recent history, every Eritrean in Eritrea is anxiously awaiting the demise of the dictator in particular and PFDJ in general. Being aware of the dictator’s movement is therefore important for Eritreans who are suffering under his brutal regime. The dictator has been the glue that that has held the system intact. If you take the dictator out , the house can not stand on its own. PFDJ is a political house of cards.
novi February 18, 2013
It is really wonderful! we are with you deki sahil.
Dictator Issayas After reading this letter, I can imagine how his blood pressure will go up and his heart will pump blood out of fear and anxiety.
DIA the day is getting darker and darker for you and brighter and brighter for Eritrean people. Please remember Mengustu Haylemaryam how his days over forever.
God bless Eritrea
yonas kidane February 18, 2013
SELAM BERH BRAVA
EWE ETOM AB 1973 ZTEQENXELU KEM BEAL AFORQIE TEKLU,TAREQE EHDEQO,….EXT ALEWU DEQI HAMASIEN XBUQ ALEQI ETI LEBA ESEYAS ZSERHALU FELALIQA GZAE ZBLMAELA EYU SLEZI TARIQ ZEYMFLAT EYU BZKONE ESEYAS XELAEA ERETARAWIYAN MUKANU TRAY NFLET BHADE KOYNA DMA EDEY EDKA ENTE,ELNA HANTIE MEALTIE KHADR AYKEALN EYU . BELU SESENAYU DEQIE ERE ,
A Iyasu February 18, 2013
Don’t figth with anyone great or small, but the PIA.
Focus on PIA and he tremble and crumble in front of your own eyes.
Turn the table back on him. Infiltrate his inner circle. Don’t lose sight of him…all his moves….all his talks….all his actions….all his whereabouts…..FOCUS on him! Untill you can say Checkmate!!!
A Iyasu February 18, 2013
Don’t figth with anyone great or small, but the PIA.
Focus on PIA and he will tremble and crumble in front of your own eyes.
Turn the table back on him. Infiltrate his inner circle. Don’t lose sight of him…all his moves….all his talks….all his actions….all his whereabouts…..FOCUS on him! Untill you can say Checkmate!!!