ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ከይብእስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክግበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩ፡፡
ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ስድተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከይብእስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድሌት እንተለዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣዘኻኺሩ፡፡ ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ኤርትራውያን
ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ስድተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከይብእስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድሌት እንተለዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣዘኻኺሩ፡፡ ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ መዳይ ትምህርቲ፡ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ስራሕ ምምዳብ ከም ዝሕግዞም ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ጸገም ከምዘለዎም ኣፍሊጡ፡፡
ነቲ ቢቢሲ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ ኣገልግሎት ማእከላይን ሓጺርን ማዕበል ፈነወ ረድዮ ክጅምር ዘንቀሎ መደብ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዝፍነው ርግጸኛ ኣይኮንኩን እንተኾነ ንኢትዮጵያ ከም ሰሜን ኮረያ ብዝጥቅና ሃገራት እዚ ሓደገኛ ተበግሶ ስለዝኾነ ከም ዝመስለኒ ንቃወሞ ኢና “ ኢሉ፡፡
ንሱ ናጻ ፕረስ ንመስርሕ ዲሞክራሲን ልምዓትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን መንግስቱ ድማ ንነቐፈታ ክፉት ከምዝኾነን ሓቢሩ፡፡
AHMED SALEH November 7, 2015
Ayte Kabbire
IGHZIABHER YISTLN , I hope that settle your usual accusations . And please don’t add more comments with more pen names .