ቅሉዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ: ካብ ሰለስተ ጉሁያት ኣቦታት።
ዓድና ኣብ ክንዲ ዓዲ ምትሑቑቛፍን ምትሕልላይን፣ ዓዲ ማእሰርትን፣ ቁጽያን ምትህልላኻትን ኮይና። ቅድሚ ሕጂ ንደገ ወጺኡ ዘይፈልጥ ናይ መራሕቲ ፍልልያት ብዕሊ ተጋሂዱ። ህዝቢ ምስ መን ከምዝኸውን ማእዝኑ ጠፊእዎ። መፍቶት ከም ሃገር ክንህሉ ዘይደልዩና ባእታት ኮይና። እቲ ሕቡኑን ሕፉሩን ኤርትራዊ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ርእሱ ብምድናን ክመሻኸን ጀሚሩ። ዛጊት ‘ውን 7 ዓመታት ኮይኑ ንድሕሪቲ ክንምለሰሉ ኣብ ዘይንክእለሉ በጺሕና ክበሃል ዝከኣል ኢዩ።