ቅሉዕ መልእኽቲ ንሃገራዊ ኮሚሽን
ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ እብጻሕኩም፡፡ ብምቕጻል ነቲ ከይተሓለልኩም ተካይድዎ ዘለኹም ኣዝዩ ኣድካሚ ዕዉት ስራሓት ናእዳ ዝግበኦ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ካብ ዋዕላ ተበጊሱ ናብዚ ፍረ’ዚ ምብጽሑ ድማ እንቋዕ ሓጎሰና!! ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ
ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ እብጻሕኩም፡፡ ብምቕጻል ነቲ ከይተሓለልኩም ተካይድዎ ዘለኹም ኣዝዩ ኣድካሚ ዕዉት ስራሓት ናእዳ ዝግበኦ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ካብ ዋዕላ ተበጊሱ ናብዚ ፍረ’ዚ ምብጽሑ ድማ እንቋዕ ሓጎሰና!!
ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኤርተራውያን ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒትኩም ከም ዘቕረብኩም ኣይረሳዕኩን፡፡ ኮይኑ ግን ብፍሉይ ንስነ-ጥበባወያን ወገናትና ኣድማዒ ተራ ክጻውቱ ዘተገብረ ጻዊዒት ዝነበረ ኣይመስለንን፡፡ስነ- ጥበብ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ክንደዩ ተርኡ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ህያው ምስክር ኢዩ፡፡ሕጂ ውን ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕን፡፡ ኣበዚ ሓጺር ተሪፉ ዘሎ ግዜ ንቲ ሓያል ጻዕሪን መሰናኽልን ተሳጊሩ ኣብ ዋዜማ በጺሑ ዘሎ ጉባኤና ንምምዕራግ ዘደሊ ዘበለ ክግበር ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ቀዲመ ብመገዲ ኢመይል ሃገራዊ ኮሚሽን ግላዊ ኣበርክቶ ክገብር መልእኽቲ ሰዲደ ነይረ፡፡ ዝኾነ ኣተባባዒ መልሲ ግን ኣይረኸብኩን፡፡ሕጂ ውን ዳግማይ ቅሉዕ መልእኽቲ ብመገዲ ኣሰና እልእከልኩም ኣለኹ፡፡
ብመሰረት ጻዊዒት ሃግራዊ ኮሚሽን ሓንቲ ሃገራዊት ግጥሚ ንደረፊ ዝተዳለወት ዜማኣ ውን ከምኡ ዘትወደአ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ከቅርብ ድሉው ኣለኹ፡፡ካልኦት ውን ነዚ ትርግታ ህዘቢ ኤርትራ ክሰምዕ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ንምምዕራግ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ገለ ካብ ትሕእቶ እታ ዝተዳለውት እዋናዊት ሃገራዊት ግጥሚ፤
ወገነይ…ዕሰል ዕሰል ዕስል
ወገነይ ሕበር ስመር…….
ወገን…ወገን …ወገን ተኣከብ ተሰብሰብ
ፍልልይካ ኣጽብብ ተላዘብ…….
ሰላም ዚ ህዝቢ ተመነ ኣኺሉ ናሎ እቲ ቅነ ኣኺሉ ናሎ፡፡
ሰላምና ተዘሪጉ ምንባር ስኢና
ሕልፈትና ስደት ኮይኑ ተኸላቢትና
ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር ደም ኣዛሪና
ንቦኽርን ሕሳስ ልደን በጃ ኸፊልና
መኣስ ረኺብና….ፍትሒ ሓርነት
መኣስ ረኺብና ሰላም ቅሳነት
ንሳያ እታ ዝነበረት ንሳ መሊሳ ከማን ብኢሳ፡፡
ኣውያት ህዝበይ እስማዕ ኣሎ
ደም ንጹሃት እጠርዕ ኣሎ
ወገን ደልዩ ረዳኢ ኣጆኻ ዝብሎ ኣለኹ ዝብሎ፡፡
ሰዓት ኣኺሉ ባቡር ነቒላ
ወገን ተኣከብ እናበለት ትሕንበብ ኣላ ፡፡
ደጊመ ንኹሎም ነዚ መቐይሮ ዝኾነ ምዕራፍ ኩዉን ንምግባር ዝጸዓሩ ሓርበኛታት ከመስገኖም እደሊ፡፡
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት
ሚኪኤል እምባየ
Aranchi03@yahoo.com
Justice November 10, 2011
Michael:
I enjoy reading your thoughtful letters. Please dont stop until the evil regime is rooted out. Keep up.
yasin November 10, 2011
Great Job bro.
Mehret Ghebreyesus November 10, 2011
selam Michael,
Keep up the good job! We need “Yemane Baria” for these times. You can mobilize the youth with powerful poems and songs that reflect present Eritrea’s reality.
Your series of articles were very thoughtful and inspring.
Abdi November 11, 2011
What is it about?
Yemane Johar November 11, 2011
Love it Simerrrrrrrrrrr!
HGDEF November 11, 2011
Ab Cassette wetsia kinria tesfa niGebr. Hahahahahahaa. They call HGDEF “Kobero addicted”. Are you tempting them to be addicted too?
Solomon November 11, 2011
Thanks aranchi kep it up( kab abal kifle serawi 22 neber)
Mahta Solomon November 12, 2011
Aranchi ……u are really aranchi……very smart……your article are so so nice and brilliant ….keep the good work!!!!
Simerrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr Simerrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr
pawlos November 12, 2011
thanks mike!!tgbaratkan srahkan smkan kulu mekiru . ezi xhuf ab kbabi bar american maekel kombshtato koyne eye zxhfelka zeleku. xhufatka btedegagami nenbbo alena . haki regixka bmxhafka bzuhat nebbti atrika alka . leli zkone dma bchbti tfelto negerat sle zkone . ajoka tbae kem kedemka kun
wedsmra
Zekhtam Eritrawi November 12, 2011
Z’kheberka Mikael,
Your pen is so powerful. Not only it stands for the truth nothing but the truth, it encourages the rest of us to stand up FOR the oppressed and to stand up TO the regime in Eritrea as well. As you’ve aptly put it, the time is up where all of us roll our sleeves up and work in unison to uproot the malignant regime in Eritrea. Please keep writing and all the power to you hawey.