ቃል ጽላል ካናዳ ብምኽንያት መስከረም 18 2001
ክሉና ከም እንፈልጦ ስርዓት ኢሰያስ ቅድሚ 18 ዓመታት ኣብ መስከረም 18፡ 2001 ነቶም ቕዋም ክትግበር ዝጸውዑ ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ሚኒስትራትን ከምኡ 'ውን ድምጺ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣለይቲ
ክሉና ከም እንፈልጦ ስርዓት ኢሰያስ ቅድሚ 18 ዓመታት ኣብ መስከረም 18፡ 2001 ነቶም ቕዋም ክትግበር ዝጸውዑ ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ሚኒስትራትን ከምኡ ‘ውን ድምጺ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣለይቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብግፍዒ ኣብ ማሕዩር ዝኣሰረላ ዕለት እያ። እዛ ካብ ዝኽሪ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘይትሃስስ ከባድ ዕለት፡ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ቕድሚ ዓለምን ህዝብን ምልካዊ መልክዑ ብጋህዲ ዝበረሃላ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ናይ ጥፍኣት ጎደና ዘምረሓትላ ዕለት እያ።