Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ሓይሊ ዕማም ኣሰናዳኢት ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ደለይቲ ሰላም ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሓይሊ ዕምም ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! እዚ ሎሚ 31 ነሓሰ 2018፡ ደለይቲ ፍትሒ- ደለይቲ ሰላም ኤርትራውያን፡ ኣብ ጀኔቫ፡ ኣብ ቅድሚ

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ደለይቲ ሰላም ኤርትራውያን፡

ቅድሚ ኹሉ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሓይሊ ዕምም ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

እዚ ሎሚ 31 ነሓሰ 2018፡ ደለይቲ ፍትሒ- ደለይቲ ሰላም ኤርትራውያን፡ ኣብ ጀኔቫ፡ ኣብ ቅድሚ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብስሙር ድምጺ እነካይዶ ዘለና ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ዘለና `ሊና፡ ነታ ብመሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝተረኽበት ሃገርና፡ ነቲ ክቡር ባህሊ ዝውንን ምቕሉል ህዝብና ከምዘይንርስዕ፡ ልዕሊ ኹሉ፡ ብማዕረ`ቲ ርሕቀት ስደት ዝፈጥረልና ናፍቖት፡ ምእንቲ ድሕነትን ትንሳኤን ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ደው ኢልና ዋልታ-ሃገር ክንከውን ዘለና ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ሃገራዊ ውዕሎ `ዩ `ሞ፡ እንቋዕ ኣብዚ ሓሳብ ልብኹም ዘፈልፈሎ ውራይ፡ ንውልቀ-ነብስኹም ወኪልኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ፡ ድምጺ ናይቲ እናተሳቐየ ከጣቕዕ፡ እናነብዐ ክስሕቕ፡ ብውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝግደድ፡ ሓቀኛ ስምዒቱ ከይገልጽ ተዓፊኑ ዝነብር ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክትኮኑ ኣብቅዓኩም፡ እንቋዕ ሓሳብ ልብኹም ኣስመረልኩም!!

እወ ሎሚ ንሕና፡ እቲ ብኽልተ ዙርያ ደምን መስዋእትን ዝተረኽበ ናጽነትን ዝተዓቀበ ልኡላውነትን ሃገርና ኤርትራ ብድርብ ጥልመት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ `ቶም ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተረኽበሉ ዕለት፡ ደቆም ስለዘይተመልሱዎም ሓጎስን ሓዘንን ዝተፈራረቖም ኣብ ደንደስ ሞት ዝርከቡ ሽማግለታት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ እተን ንእስነተንን መልክዐንን ብጎጎቡ ሰብ ኪዳነንን ናብ ቃልሲ ንናጽነት ምስ ወፈሩ፡ ናጽነት ከም ውላደን ርእየን ብእምነት ጸኒዐን ዝሸምገላ፡ ብምውላደን ዘይኮነ ብውርዝይናአን ኣዴታት ዝብሃላ ኤርትራውያን ሰብ ኪዳን ስዉኣት፡ ኣብ ክንዲ`ቶም ትሕቲ ዕድመ ወፊሮም ዓለም ከይረኣዩ ዝተመልዓሱ ዕሸላት መናእሰይ ኣወዳትን ኣዋልድን ኢና ተሰሊፍና ዘለና። ሰልፍና፡ ሰልፊ ሕድሪ፡ ምልክት ሓጺናዊ እምነትን ጽንዓትን ኤርትራውያን እዩ። እዞም ምእንቲ`ዚ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ዝተሰከምኩም ሓቦኛታት ኤርትራውያን ከኣ ክትሕበኑ ይግብኣኩም።

ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ሎሚ ኣብ ጀኔቫ ተረኺብና ዘለና፡ ብቐንዱ፡ ባህጊ ሰላም ከምዘለና ንምንጽብራቕ እዩ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘለዎም ኩሉንትናዊ ምቅርራብ፡ ሰናይ ጉርብትና ኣብ ዘማመቖ ሰላም፡ ብቕሳነት ክነበሩ ዝዕድም `ኳ እንተኾነ፡ ከም ባህጎም ድሌት ሰላም ዘለዎም መራሕቲ ኣይተዓደሉን። ብሰንኪ`ዚ ድማ፡ ኣብ ተደጋጋሚ ኲናት ሃሊቖም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቅልውላው ክነበሩ ተፈሪዶም እዮም። በዚ መንጽር፡ ድሕሪ `ዚ ናይ 20 ዓመት ኲናትን `ኣይሰላም ኣይኲናት` ዝፈጠሮ ወጥርን ምትፍናንን፡ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ኣንፈት ሰላም፡ ፖለቲካዊ ሃቐነታት ናይቶም ትማሊ ኲናት ወሊዖም ሎሚ `ሰላም` ዝብሉ ዘለዉ መራሕቲ ብዘየገድስ፡ ብኣውንታ ዝርአ እዩ።

ይኹን`ምበር፡ እቲ ናይ ሰላም ህዋህው ኣብ ድልዱል መሰረት ረጊጹ፡ ቀጻልነትን ነባርነትን ክህልዎ፡ ህዝቢ ተኣማኒኑ ብቕሳነት ምእንቲ ክነበር፡ ምዩቕ ከይበለ ኣብ ምዕባለን ስልጣኔን ኣአኲሩ ክሰርሕ፡ ሕጋዊ ምርኩስን ውሕስነትን ክህልዎ፡ ብፍትሒ ክስነ ኣለዎ።

ብፍላይ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ ክርአ ኸሎ ግን፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ግብራዊ ኣወዓዕላ ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ኪኖ`ቲ ዘሕደሮ ተስፋ፡ በዳህቲ ሕቶታት ዘልዕል ኮይኑ ተረኺቡ `ሎ።

1ይ – መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባትን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከተግብሮ ድልውነቱ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፡ በንጻሩ እቲ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ምምላስ ንቡር ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐዳምነት ዝርአ ስጉምቲ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ ዝነበረ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነዚ መሰረት ሰላምን ምትሕግጋዝን ክልቲኦም ህዝብታት ክኸውን ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ዕሽሽ ምባሉ፡

2ይ – ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ብምስምስ ዘይምሕንጻጽ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፈጠሮን ዘኽረሮን፡ ዘይትግባረ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ዘይህላወ ሃገራዊ ባይቶን ነጻ ቤትፍርድን፡ ዓፈና ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ናጽነት ሃይማኖት፡ ዘይሕጋዊ ጭውያን ማእሰርትን ቅትለትን ዝርከቡዎም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምስክሕካሕ ሓሊፎም፡ ኣብ ቅድሚ `ዚ ሎሚ ተኣኪብናሉ ዘለና ቅርዓት ዝርከብ ቤትጽሕፈት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ስርዓት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝመስከረሎም ጅምላዊ ግህሰትን ዓመጽን ሰብኣዊ መሰላትን ሕገ-ኣልቦነትን ዝርከቡዎም መርኣያታት ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ብዝኾነ ዓቐን ናይ ምልዋጦም ኣንፈት ከየርኣየ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከይተዓረቐ፡ ኣብቶም ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽቡ መቚጸልጸልቲ ግዳማውያን ስጉምታትን ምብጽጻሕን መራሕቲ ጥራይ ምትኳሩ፡

3ይ – ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ነቲ ብድምጺ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረኸቦ ብኢደወነኑ ዝገበቶ ስልጣን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምዘረከቦ ብወግዒ ብምግላጽ፡ ነቲ ን 50 ዓመታት፡ ምእንቲ ናጽነትን ምዕቃብ ልዑላውነቱን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ፡ ዕብለላ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ ዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ፡ መራሒ ክፈጥር ከምዘይክእል ካብ ምስትንዓቕን ምውራድን ሓሊፉ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብቐንዱን ንኽብረት ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታዉ፡

4ይ – ኣብ ኩሉ እቲ ግልጽናን ቅጥዕን ብዘይብሉ ኣገባብ፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ርክባትን ውዕላትን፡ እቲ ብዓል ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ተሳታፊ ተዓዛቢ ኮይኑ ምህላዉ፡ ገለ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ዘቖጥዑዎ፡ መጻኢ ሃገሩን ዕድሉን እንታይ ከምዝኸውን ኣብ ሰንፈላል ዘእተዉዎ፡ ነዚ ሎሚ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ `ውን ዘበጋገሱዎ ምኽንያታት እዮም።

እቲ ድሕሪ ናጽነት ሰላም ረኺቡ ሃገሩ ከማዕብልን ክስልጥንን ዝበሃገ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ`ቲ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ምስ መግዛእቲ ተዳሪጉ ዘውረደሉ ሕዱር ወጽዓ፡ ሕጂ፡ ዳግም ብጉዳይ ልኡላውነት ካልእ ስግኣት ተደሪቡዎ፡ የስቆርቊር ምህላዉ፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ነዚ ሎሚ እነካይዶ ዘለና ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም መድረኽ ስምረት ተጠቒምና፡ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ ዙርያ `ዞም ዕቱባት ናይ ልኡላውነትን ግዝኣተ-ሕግን መሰልን ሕቶታት ዓሲልና፡ ብኣጋጣሚ `ቲ ጽባሕ ዝዝከር ታሪኻዊ ዕለት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ 1 መስከረም፡ ናይ ቃልሲ መንፈስና ከነሐድስ ቃል ማሕላ ክንኣቱ ይግባእ።

ልዕሊ ኹሉ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ሰልፊ ሕልናዊ ዕግበት ካብ ምርካብ ሓሊፍና፡ ነቲ ዘለና ናይ ጥሙር መሪሕነት ሃጓፍ ብምምላእ፡ ብውጥን ስራሕ ዝምራሕ፡ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ኣብ ምጉንጻፍ ዝሕግዝ ዕቱብ ግብራዊ ስርሓት ምክያድ ግዜ ዘይህብ ህጹጽ ሓላፍነት ከምዘለና ክንግንዘብ ይግባእ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ፡

እዚ ህጹጽ ጉዳይ ብቑዕ መሪሕነትን ስምረትን ርእሱ ክኢሉ ብዝቐልጠፈ ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ብቐንዱ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም፡ በዚ ሎሚ 31 ነሓሰ፡ ባህጊ ሰላም ንምግላጽ ከምኡ `ውን እቲ ቅጥዒ ኣልቦ ኣተሓሕዛ ሃገራዊ ጉዳይ ኤርትራ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ዘሕደረሉ ስግኣትን ሻቕሎትን ንምንጽብራቕ ብሕብረት እነስምዖ ዘለና ስሙር ድምጺ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም   ብፍትሓዊ ሰላም ጥራይ ክረጋገጽ ከምዝኽእል ብምጒላሕ ንእነመሓላልፎ ዘለና መልእኽቲ ብኽፉት ልቢ ክሰምዑዎ ኣለዎም።

በዚ መሰረት፡

ውልቀመላኺ ኢሳይያስን  መጋበርያኡ ህግደፍን፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ሰላም ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ንምትግባር ኣርእዩዎ ዘሎ ቅሩብነት ብዘይ ምስምስ ኣብ ተግባር ኣውዒሉ ልኡላውነት ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምዝድራዕ፡ ጉዳይ ዶብ ከምዝዕጾ ክገብር ኣለዎ።

ነቲ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ን 27 ዓመታት ዝገበቱዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ለቒቖም፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክወስዱ፡ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ናይዚ መሰረታዊ ለውጢ ድማ፡

  • ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ
  • ኩሉ እንትናዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ዜጋታት ክኽበር
  • እቲ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ ዓመጻትን ተደሚሩ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኮይኑ ዘሎ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ሃገልግሎት ብቕጽበት ደው ክብል ይግባእ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝጸንሖ ተጻባእነት ናብ ንቡር ሰላማዊ ዝምድና ክመልሶ ተበግሶ ምውሳዱ ዝምጎስ ኮይኑ፡ ምስ ህዝቢ ዘይተዓረቐ ስርዓት እሙን መሻርኽቲ ሰላም ክኸውን ከምዘይክእል፡ እቲ ዝርከብ ሰላም `ውን ሰንኮፍን ነባርነት ዘይብሉን ከምዝኾነ ብምግንዛብ፡ ንሓባራዊ ረብሓታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ፡ ካብ በለጽ ሓራ ብዝኾነ፡ ብኣድማሳዊ መትከላት ምሕዝነት ዝልካዕ ፍትሓዊ መስርሕ ተኸቲሉ ተግባራዊ ክገብሮ ከምዝግባእ ነተሓሳስብ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ፖለቲካዊ ውድቀቱ ሸፊኑ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዋጋ ክብረትን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ንዝገብሮ ሕድገታትን ዋጋ-ዕዳጋን ንግዚኡ ብምምዝማዝ ኣብ ባይታ ሓድሽ ክዉንነት ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ ከንቱ ምዃኑ ምዕራፋት ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘረጋግጹዎ፡ ሕጂ `ውን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸጋታቱ ምስ ጎረባብቱ ብፍትሓዊ መንገዲ ተኻፊሉ ዝነበር ለዋህ ህዝቢ `ኳ እንተኾነ፡ እዋናዊ ሃለዋቱ ብዘየገድስ፡ ብዕብለላን ዓመጽን፡ ክብረቱ፡ መሬቱን ባሕሩን ኣሕሊፉ ክህብ ቅሩብነት ዘይብሉ መካቲ ህዝቢ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጸቢቑ ክዝክር ይግባእ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት በቲ ናትካ `የ ዝብሎ ስርዓት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዝወረዶ ዓመጽን ዕምጸጻን ፈጺሙ ከምዘይተቐየረ ብምግንዛብ፡ ምእንቲ ጅኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ሰብኣዊ ክብረት ህዝቢ ኤርትራ እናተረግጸ ካብ ምጽቃጥ ሓሊፉ፡ ተሓባባሪ ናይቶም ብውልቀመላኽነትን ዓመጽን ክኸሶም ዝጸንሐ መራሕቲ ኮይኑ ሞራላዊ ሓለፍነቱ ከየዋድቕ ክዝክር ይግብኦ።

ሰላም ቀጻልነትን ውሕስነትን ዝህልዎ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ምስ ዝኸውን እዩ። ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቀኛ ሰላም ጥራይ እዩ፡ ሕድሕድት ተጻባእቲ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ መሓዙት ሰላምን ልምዓትን ኮይኖም፡ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ዝኾነ ድኽነትን ድሕረትን ብኣድማዕነት ክገጥሙ ዘኽእሎም። ስለዚ፡ ኩሎም ወገናት ሓቀኛ ሰላም ንምምጻእ፡ ግልጽናን ተሓታትነትን ብምዝውታር፡ ብፍትሓዊ መንገዲ ክዋስኡ ኣለዎም።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ፡ ከምኡ `ውን ርሕቀት  ቦታ ካብ ኣካላዊ ተሳታፍነት ዝዓንቀጸኩም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያን፡ ከምቲ ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ብተሳታፍነትኩምን ገንዘባዊ ኣበርክቶኹምን ጸሎትኩምን ዘዐወትኩሞ፡ ነቲ ተወንዚፉ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ብሓባር ክግበር ዝግብኦ ቃልሲ ንምዕዋት፡ ካብዚ ኣጋጣሚ `ዚ ጀሚርኩም፡ ኣብዚ ኣብ ዝግበር ዘተ መሰረት ኣትሒዝኩም፡ ኣኣብ እንትነብሩሉ ሃገር ኣብ እትገብሩዎ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ከተዐውቱዎ፡ ልቦና፡ ሓይልን ጸዓትን ክትረኽቡ ዓሚቚ ባህግናን እናገለጽና፡ ኩልና ይጽንሓለይ ከይበልና፡ ብሓባር ክንሰርሓሉ ዝግባእ ህጹጽ ዕማም ምዃኑ ዘኪርና፡ ብተወፋይነትን ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ክንቃለሰሉ ከምዘለና ንጽውዕ

ህዝቢ ኤርትራ ብስሙር ቃልሲ ክዕወት እዩ!

ልኡላውነት ኤርትራ ተኸቢሩ ክንበር እዩ!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

የቐንየልና፡

ሓይሊ ዕማም ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ

31 ነሓሰ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT