Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልስና ‘እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና’ ክኸውን የብሉን

ኣብ ፍልስፍና ስነፍልጠት፡ ነገራት ካብ ውሽጣዊ ኵነታት ከም ዝምዕብሉ ዝገልጽ መትከል ንረክብ። ንኣብነት እንቋቕሖ ምቹእ ሙቐት ምስ ዝረክብ ናብ ጫቝት ይቕየር። ንሓደ እምኒ ወይ ዕንጨይቲ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ሙቐት እንተ ሃብናዮ’ውን ናብ ጫቝት ክቕየር ኣይክእልን።

ኣብ ፍልስፍና ስነፍልጠት፡ ነገራት ካብ ውሽጣዊ ኵነታት ከም ዝምዕብሉ ዝገልጽ መትከል ንረክብ። ንኣብነት እንቋቕሖ ምቹእ ሙቐት ምስ ዝረክብ ናብ ጫቝት ይቕየር። ንሓደ እምኒ ወይ ዕንጨይቲ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ሙቐት እንተ ሃብናዮ’ውን ናብ ጫቝት ክቕየር ኣይክእልን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ንሓደ እንቃቕሖ ዝያዳ ሙቐት ብምሃብ ናብ ጫቝት ዝጫጭሓሉ ግዜ ክተቀላጥፎ ኣይትኽእልን። እዚ ድማ መሰረት ምዕባለ ነገራት ካብ ውሽጣዊ ኵነታት’ምበር ካብ ግዳማዊ ነገራት ከም ዘይኮነ የነጽረልና። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ጕዳይ ነቲ ንነፍስወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ገቲሩ ሒዙዎ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስና ዝምልከት’ዩ።

ቃልሲ ክብሃል ከሎ ህዝቢ ብንጥፈት ምስ ዝሳተፎ፡ ኣብ ውሽጡ ጸላእቲ ህዝቢ ዝሕብኡሉ ነቓዕ ኣይፈጥርን፡ ኣድማዒ ውጽኢት ይህልዎ፡ ዓወቱ ድማ ይቀላጠፍ። ስለዚ፡ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ጥርናፈ፡ ሓድነት፡ ክብ ዝበለ ንቕሓት ኣባላት፡ ውፉያትን ቅኑዓትን መራሕቲ፡ ንጡፍ ተራ መንእሰያት፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ቅኑዕ መትከል ምስ ዝውንን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ዓወቱ ግድነት ይኸውን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ረቛሒታት መትከላዊ ይኹን ስልታዊ ናይ ደገ ደገፍ ምስ ዝረክብ፡ ናብ ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ሰውራዊ ሓይሊ ይቕየር። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ንዝውንን ቃልሲ ክምክቶ ዝኽእል ግዳማዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ ድማ ከቶ ኣይህሉን። እቲ ገበናዊ ታሪኹ ወይ መዳዩ ገዲፍካ፡ ህግሓኤ ንህዝቢ ብምውዳብን ብምንቃሕን ነቲ ዘይነጽፍ ሓይሊ ህዝቢ ክሳብ ዝደልዎ ተጠቒሙሉ። ንሰራዊቱ ኣብ ዓላማኡ ከም ዝጸንዕ ብምግባር ድማ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ገይሩዎ። ነዚ ሒዙዎ ዝኣተወ እወታዊ መዳይ ናይቲ ቃልሲ ስለ ረሲዑ ነቲ ኣሉታዊ መዳያት ጥራይ ክትግብር ስለ ዝፈተነ እዩ ድማ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ቈምጣዕጣዕን ኣብ ጸልማት ከም ዝኸይድ ዘሎ ሰብ ደርገፍገፍ ብምባል ናብ ገደል ወይ ዕርበት ገጹ ክስጕም ንርእዮ ዘለና።

ብዙሓት ህዝባዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ውድባት ሰኣን እኹል ተሞክሮ ኣብ ከቢድ ጸገም ክኣትዉን ዓበይቲ ክሳራታት ክኸፍሉን ተራእዮም እዮም። በንጻሩ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ቃልሲ ዘለና ኤርትራውያን ይትረፍ ንዓና ንካልኦት ዝተርፍ ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞክሮ ወኒንና ክነስና፡ ኣብ ክንዲ ካብ ተሞክሮ ተሓኤ ይኹን ህግሓኤ ወይ ካልኦት ውድባት ተማሂርና ነቲ ህግደፍ ይኹን ኢሳያስ ፈጢሮምልና ዘለዉ ምቹእ ናይ ቃልሲ ሃዋህዉ ንምዝምዞ፡ ገና ከም ተልመደናት የማን ጸጋም ክንብልን ንቃልስና ዘዳኽም ነገራት ክንፍጽምን ንርአ ኣለና። ወላ’ኳ እቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ልዑል ኒሕን ወንን ህዝቢ፡ ክትገልጾ ዘጸግም ተሳታፍነት መንእሰይ ምስዚ ናይ ሎሚ ዘይዛመድ እንተ ኾነ፡ በንጻሩ ሕጂ ካልእ ኣዝዩ ሓጋዚ ዝኾነ ብልጫታት ስለ ዘሎ በብሓደ ምርኣዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል። ግን እቶም ነቲ ቃልሲ ክንመርሕን ኣብነት ኴንና ክንውፈን ዝግብኣና ባእታታት በቲ ዝድለ መጠን ግቡእና ነማልእ ኣለና ዲና? ነብሰ ገምጋም ንምግባር ጥራይ ነዚ ረቛሒታት’ስኪ ንመልከት።

–       ንህዝብና ብግቡእ ንውድቦን ኣንፈት ቃልሲ ነትሕዞንዶ ኣለና? ካልእ ይትረፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ክንረኽቦ ዘጸግም’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝብና ክንውድቦን ክንጥርንፎን ክኢልናዶ? ወላ ብሰልፈይ ሰልፍኻ ኢና ንፈላልዮ ዘለና?

–       ኣብ ናይ ዕስራን ክልተን ዓመት ናይ ቃልሲ ተሞክሮና ካብ ታሪኽ ዘበነ ክፍልታት ተሓኤ ብምምሃር ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስራሓት ብምክያድ ገለ ኣንጸባራቒ ዓወታት ኣመዝጊብናዶ ንፈልጥ? ዝኾነ ህዝቢ ንውድባት ብዝያዳ ብወተሃደራዊ ሓይለን መዚኑ ከም ዝስዕበን ወይ ከም  ዝነጽገንከ ክነገናዝብ ፈቲንናዶ ንፈልጥ? ዶስ በንጻሩ ህዝቢ ኣብዚ ጕዳይዚ ዘእትዎ የብሉን፡ ዝተባህሎ ገይሩ ክኸይድ’ዩ ዘለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኢና ንረግጽ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እዚ ቃልስ’ዚ ብመሰረቱ ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ኣብ ዝብል መትከል ኣሚኖም ይቃለሱ እንተ’ልዮም፡ ስለምንታይ እንተ ወሓደ ቃልሶም ዘወሃህዱሉ ኣገባብ ክፈጥሩ ዘይከኣሉ? ዕስራን ክልተን ዓመትከ ጸገማትካ ገምጊምካ ቃልስኻ ንምውህሃድ ሓጺር ድዩ?

–       ቃልሲ ክብሃል ከሎ ተጋደልትን መራሕትን ኣብ ሓደ ከባቢ ምስ ዝህልዉ ጥራይ ከድምዑ ከም ዝኽእሉ ነፍስወከፍና ዝርድኦ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ግን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ካብ 10 ዓመት ክሳብ ልዕሊ 22 ዓመት ኣብ ዝነውሕ ናይ ቃልሲ ተሞክሮታቶም ነዚ ኣገባብዚ ተግቢሮሞ ይፈልጡዶ? ዶስ ተጋደልቲ ኣብ በረኻ ከርተት እናበሉ ንሳቶም ኣብ ፈቐዶ ሆቴላትን ዓበይቲ ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕ ከተማታት ዓንዘር ይብሉ’ለዉ?

–       መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምቹእ ናይ ቃልሲ ኵነታት ይጥቀሙሉዶ ኣለዉ? ካልእ ይትረፍ ድሕሪ ምቛም ባይቶ፡ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ነይሩዶ?

–        ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ዓለም ኣንጻር ስውራና ዝቐንዐ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ግን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህዝብታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘመተ ብምክያድ ነቲ ተነጽሎ ክሰብሮ ክኢሉ። ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ግን ብፍላይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ግን ማሕበረሰብ ዓለም ንጭፍራ ህግደፍ ብዓይኒ ቃጻ ክጥምቶ ስለ ዝጀመረን ድሒሩ ኣንጻሩ እገዳ ስለ ዝኣወጀን ምቹእ ኵነታት ከም ዝተፈጥረልና ይፍለጥ።መራሕቲ ተቓውሞ ነዚ ኵነታትዚ ብዝተወደበ ኣገባብ ሰሪሖምሉዶ  ደድሕርቲ ኵነታት ጥራይ ይስዕቡ ኣለዉ? ኣብ ውሽጢ ህዝብታትን ሰልፍታትን ኣትዮም ዘካየዱዎ ንጥፈታትከ ኣሎዶ?

–       ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎ ግሁድ ይኹን ስዉር ናይ ተጻብኦ ኵነታት ንረብሓ ተቓውሞ ከገልግል ከም ዝጸንሐ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። ካልእ ይትረፍ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ብጋህዲ ክተሓጋገዝ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ ደገፍ’ዚ ብኣድማዕነትዶ መዝሚዞሞ ከም መፈላለዪ ተጠቒሞም ቃልሲ ኣዳኺሞም?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ንመንእሰያት ብግቡእ ክውድባኦምን ርእይቶኦም ክሰምዓን ፈቲነንዶ ይፈልጣ? ወይ ከምቲ መራሕቲ ህግሓኤ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ዝበልናኩም ጌርኩም ኪዱ ኣብ ዝብል መርገጺ እዮም ዝኣምኑ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ካብቲ ካብ ህግሓኤ፡ ተሓኤ . . . ይኹን ካብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦም ዝወረሱዎ ጸቓጢ ባህሪ ናጻ ወጺኦም ድዮም?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ህዝባዊ ቃልሲ ንኽዕወት ኣብቲ ውሽጣዊ ረቛሒታት ድዮም ዝኣምኑ? ወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጭፍራ ህግደፍ ክትኣልየሎም እዮም ዝጽበዩ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ንጭፍራ ህግደፍ ክኣልዩ እንተ ኾይኖም፡ ካብቲ ንሱ ዝጥቀመሉ እኩይ ኣገባባት ነጻ ብምውጻእ ደሞክራስያዊ ባህልን ኣሰራርሓን ከተኣታትዉ ኣይግብኦምንዶ?

–       ከምቲ ገለ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝብሉዎ ክሳብ መዓስ እዮም መራሕቲ ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ነንሓድሓዶም ብጥርጣረ ክተማመቱ ክነብሩ? ጕዳይ ህዝቢ ብምቕዳም ይትረፍ ንብረትካ ህይወትካውን ከም ዝውፈ ጠፊኡዎምዶ ኾን ይኸውን?

–       ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ይኹን ኣባላት ውድባት ዘይኮንና ተቃለስቲኸ፡ ቃልስና ከምዚ ኢሉ ክሳብ መዓስዩ ላህመም ወይ ትኽስ ክብል ብምባል ነቲ ዘሎ ሽግር ብሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ወይ ኣኼባ ናይ ኵሉ ክፋል ሕበረትሰብና ክንፈትሖ ሓሲብናዶ ንፈልጥ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ቃልሶም ምውህሃድ ኣብ ዝሕንግዱሉ ግዜ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ብምውሳድ ጸቕጢ ክፈጥሩ ወይ ባዕላቶም ክሓብሩ ኣይክእሉንዶ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ክሳብ ሕጂ ንዝበዝሐ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ህዝብና ክውድቡዎን ከንቅሑዎን ዘይከኣሉ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ድኽመታት ምዃኑ ተሰቍሩዎም ይፈልጥዶ? ብኸምዚ ምቕጻልከ ነቲ ቃልሲ ምድኻምን ከም ዝምህምን ምግባርንዶ ኣይኮነን?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ክንዲ መሪሕ ተራ ምጽዋት፡ ክሳብ መዓስ ኮን ይኾኑ ደድሕሪ ኵነታት ገፈፍ ክብሉ ክነብሩ?

–       ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዘለናን ዘየለናን ተጋደልቲ ነበር ግቡእና ነማልእዶ ኣለና? ቃልስና ብኢሳያስ ከም ዝተጠልመ እናፈለጥና ትም ምባል ሕድሪ ስዉኣት ምጥላምን ምንብርካኽንዶ ኣይኮነን? ልዕሊ ዅሉ ድማ ህዝብና እናተሳቐየ ገለና ክነጽቅጥ ገለና ድማ ካብ ህግደፍ ተረፍ መኣዲ ክንጸ ኣብ ኣፍደገታት ኤምባሲታት ላህመም ክንብል የምሕረልናዶ?

–       መንእሰያት ዋርሳይከ ንጭፍራ ህግደፍ ቶባ ኢልኩም፡ ፈቐዶ ሳሃራን ባሕርን ህይወትኩም ጨቢጥኩም ድሕሪ ምስጋርን፡ ብውልቃዊ ጥቕሚ ተታሊልኩም ናይ መተዓረቒ ቅጺ ድሕሪ ምምላእ 2% ክትከፍሉ ምፍታን ተምላስካ ምውሓጥዶ ኣይኮነን? እቶም ኣብ ሲናይ ይኹን ኣብ ጐዳጕዲ ኤርትራ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትኩምዶ ኣይኮኑን?

ኣብ ዘለናዮ ዘበን፡ ዘበነ ተክኖሎጂን ኤለትሮኒካዊ ሓበሬታን፡ ነካይዶ ዘለና ናይ ደሞክራሲ ቃልሲ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዘይነበረ ብዙሕ ብልጫታት ኣለዎ። ኵሉ መመድረኹ ስለ ዘለዎ፡ ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ብፍላይ ከኣ ድሕር’ቲ ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ 2005፡ ንኤርትራ ናብ ሓንቲ ሰሜን ኮርያ ብምቕያር ንዅሉ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ንግዳዊ፡ ፊናንሲያዊ ንጥፈታት ደው ምስ ኣበሎ፡ ብፍላይ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር ህዝብና 90% ነቲ ጭፍራ ከም ዝነጸጐ ይፍለጥ። እሞ ካልእ ይትረፍ፡ ካብቲ እዋን’ቲ ክሳብ ሕጂ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንታይ ጌርና ኢልናስኪ ንነብስና ንሕተት። ንነብስና ክብል ከለኹ ነቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ተባሂሎም ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞም ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ንነፍስወከፍ ኣንጻር ህግደፍ’የ ዝብል ኤርትራዊ’የ ዝጠቅስ ዘለኹ። ኵሉ ግዜ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ጥራይ ትኳቦ ምጽባይ ወይ ድማ ኢሳያስ ገለ ዕብይ ዝበለ ማሕበረሰብ ዓለም ኣትሪሩ ዝዅንኖ ጌጋ ክፍጽመልና ምጽባይ ወጊድ ክንብሎ ኣለና። ንሕና ኤርትራውያን ከምዚ ሕጂ ብሰንኪ ኢሰያስን ጭፍራኡን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ከይኣተወና፡ ሽግራትና እናተመያየጥና ባዕላትና እንፈትሕ፡ ገጽ ሰብ ምርኣይ ኣመና ዘሰክፈና ጻዕራማት ህዝቢ ኢና ኔርና።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ናይ ሓምሳታት ታሪኽ ንመልከት። ንካልኣዊ ግርጭታት እሂን ምሂን’ዩ መፍትሒኡ። ነቲ ዝፈላልየና ደቀቕቲ ነገራት ዘይኮነ ናብቲ ዘሕብረና ዓበይቲ ነገራት ነተኵር። ብሰንኪ ሓደ ፍንፉን ወልቀመላኺ መንእሰያትና መጻወቲ በደዊን ክኾኑ፡ መራሕትና ብዘይፍርዲ ኣብ ገዳጕዲ ክበልዩ፡ ህዝብና ከም ጓና ጃጅዩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ጓና ክነብር ከሎ ከመይ ኢሉ ይወርደልና። ንውልቀመላኺ ምዅናንን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ምስታፍን ጥራይ ንበይኑኮ ከዕውተና ኣይክእልን’ዩ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ናይ ቃልሲ ምትሕብባር ብህጹጽ ክንትግብሮ ክንክእል ኣለና። መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብሰናይ ተበግሶኦም ቃልሶም ከተሓባብሩን ብግቡእ ክመርሑናን ዘይደልዩ ወይ ዘይክእሉ ኮይኖም፡ ንጕዳይና ባዕላትና ክንተሓሓዞ ኣለና። ስለዚ፡ ኣንቸ መንቺ፡ ኣንጭዋ ጸደፈት ድሙ ተዓንቀፈት ገዲፍና ብዕቱብ ክንብገስ ኣለና። መፍቶ ውሑዳት ከዳዓት ክንከውን የብልናን።

ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ተሰከምቲ ሕድሪ መጠን ኣብ ክንዲ ኣብ ድሕሪ ሳይበር ተኸዊልና ክንወራዘ ንፍትን፡ ኣፍልብና ነፊሕና ብሓበን ክንቃለስ ክንክእል ኣለና። ኣብ ግዜ ምቾት ደኣ’ሞ ኵሉ ጅግናን’ድዩ። ሓደ ኣብ ቃልሲ ዝኣምን ሰብ ቀምሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ ክብል ኣይስማዕን’ዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ ናይ ጸላኢ ሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ፡ ወገናዊ ወይ ማሕበራዊ ኣፈላላይ ወጊድ ኢልኩም፡ ከምቲ ኣያታትኩም ንመግዛእቲ ዝኣለዩዎ ነዚ ኣብ ርእሰኹም ከም ዓቢ ሸኽሚ ኮፍ ኢሉ ካብ ትፈትዉዋ ሃገርኩም ዘባረረኩም ኣባይ ደፊእኩም ናብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ክትድርብዩዎ ኣለኩም። ኣብዚ ህዝብና ናይ ርድኡና ኣውያት ዘስምዓሉ ዘሎ ኣዝዩ ተኣፋፊ ግዜ፡ ነፍስወከፍና ብሃገራዊ ኒሕን ወንን ክንብገስ ይግብኣና። ነቶም “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብሉ ጭራ ዘይብሎም ኣህባይ ድማ፡ “ንሕና ሃገር፡ ሃገር ንሕና!” ብዝብል ህዝባዊ ጭርሖ ንበድሃዮም።

ንምድምዳም፡ ቀለልቲ ብዓቕምና ክግበር ዝኽእል ነገራት ሰኣን ምግባር ዘልኣለም ኣብ ናይ ሓሳረ መከራ ምንባር መርጫና ከም ዘይኮነ ኩላትና ንረዳድኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ከም ህዝቢ መጠን ዘዋርደናን መስሓቕ ሸራፋት ዝገብረናን ዘይኮነ፡ ዘሕብነና ነገራት ክንፍጽም ንበገስ። ምሁራት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምኵራት ተቓለስቲ፡ ናይ ቃልሲ ወኒ ዝውንኑ መንእሰያት፡ ውፉይ ህዝቢ ኮታ ኵሉ ነማልእ ህዝቢ ኢና። ተበግሶ ናይ ኩላትና ግን ክህሉ ኣለዎ። ክህብ ዝደለ ብንያት ክኸልእ ዝደለየ ብምክንያት ከም ዝተባህለ፡ ድሌት እንተ’ልዩና ኵሉ ቀሊል’ዩ። ስለዚ፡ ፈቲና ጸሊእና ቃልስና ክነወሃህድ ኣለና።

መትከል ስዉእ ወዲዓሊ ክዕወት’ዩ!

ውድቀት ንውልቀመላኺ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • mussie March 5, 2013

    That was good Estifanos.
    The questions that you have raised are the very ones that need to be adressed and answered scientifically.
    Now I see that we are running after happenings that erupt here and there. It is good that we highlight important episodes, but htey should not hinder us from our main works.
    Our main objectives should be directed on how we manage to construct democratic organizations that play a leading political role.
    If we do not manage to do that, and sadly enough we have not managed it yet, we will just replace todays repressive regime wiht another repressive one. There will be only another dictator or dictators that repeat the same bad system.
    when we see our political organizations now, it is doubtful wether we have managed to build strong democratic organizations that can lead our democratic struggle.
    Poples struggle needs democratic organizations that carry out its democratic tasks.
    Lets come our of our shell and discuss the questions that Estifanos has raised.

    Good job Estifanos.

  • belay nega March 5, 2013

    ESTIFANOS

    “ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ግን ብፍላይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ግን ማሕበረሰብ ዓለም ንጭፍራ ህግደፍ ብዓይኒ ቃጻ ክጥምቶ ስለ ዝጀመረን ድሒሩ ኣንጻሩ እገዳ ስለ ዝኣወጀን ምቹእ ኵነታት ከም ዝተፈጥረልና ይፍለ”

    AS A VETERAN FIGHTER IS HIGH TIME TO CRITICIZE YOURSELF FOR INVOLVING OUR PEOPLE IN ALL THIS MESS BECAUSE YOU WERE OLD AND EDUCATED ENOUGH WHEN YOU JOINED E.P.L.F

    THE SANCTION OF 2000 WAS DONE AGAINST ERITREA WHICH NEVER BEING APPRECIATED AS A COUNTRY

    THE SANCTION HAS AFFECTED OUR PEOPLE NOT P.E.A AND ITS GENERALS

    YOU SHOULD FEEL ASHAMED FOR TAKING IT AS AN ADVANTAGE INSTEAD OF CRYING WITH THE VICTIMS WHOM YOU CLAIM YOU FOUGHT FOR

    FOR YOUR INFORMATION ETHIOPIANS ARE DOING THEIR JOB

    YOU AND COMPANY ARE HURTING ERITREAN PEOPLE TWICE BY NOT TELLING THE TRUTH

    YOU ARE SAYING P.E.A IS THE CAUSE THE WAY WE WERE BEING TOLD HAILESSELASSIE AND EVENTUALLY DERG ARE THE SOURCE OF OUR PROBLEM

    YOU ARE TRYING TO TRAVEL ERITREAN PEOPLE FROM FLATTED TIRE TRACK TO LEAKY BOAT WITH NO COMPASS.

    • MEHRETU HABTE March 5, 2013

      Brother Belay Nega,

      While I may not have a say on the things you pointed out about brother Temelso ,as the base of your argument & hard questions ,my hat tips for you…You & I amy come to different conclusions,,,yet, I admire your critical thiking that seems to be deficient in a good number of us ,Eritreans.
      Mind you I am supporting your healthy view on this matter.
      Hawka

    • mussie March 6, 2013

      Belay!

      Estifanos has written good points. But that doesnt mean that we should agree on all the points he has come with. I see that you have different opinions or you donot like what Estifanos has written. Come with your alternatives. What do you mean about the points Estifanos has pointed out?
      If we manage to criticize someone with concrete alternatives we can all learn in the process, but if we just come with conclusions and judgmenst there is no one to gain from except our enemy HGDEF

      • belay nega March 6, 2013

        hallow mussie

        “there is no one to gain from except our enemy HGDEF”

        HEGDEF WILL AGAIN ONLY IF WE :

        -ARE AMENABLE

        -SUPPORTERS OF ALL ARTICLES BECAUSE THEY ARE AGAINST THE GOV

        – JUMP TO CONSEQUENCE BEFORE THE CAUSE

        – DO NOT GIVE DEVIL HIS DUE

        -TRY TO REPEAT THE SAME MISTAKE WHICH DROVE US TO ALL THIS MESS

        -NOT TOLERANT

        -IGNORING THE PRICE OF FREE PRESS

        -DO NOT KNOW WRITING AN ARTICLE HAS CONSEQUENCE[CRITIC]…….ETC

        • mussie March 7, 2013

          I was mistaken to begin to talk with you. I though you were talking sensibly.
          Sorry that I had to say that.

  • Hag pag March 5, 2013

    atto Belay.shame on you. you are sailling on Higdef boat with no compass.soon or letter. abfeqodo bahrn sharan zithefet eritrawit nebsi will give you knithmare as mr,Stefhano just put it.

    • belay nega March 6, 2013

      “atto Belay.shame on you. you are sailling on Higdef boat with no compass”

      I NEVER BEEN AND NEVER WILL BE HEGDEF

      I AM A SURVIVAL OF:

      -EMOTION

      -UNREALISTIC

      -SHOVENISM……..ETC

      THAT IS WHY I ACCEPT AND LIVE IN REALITY

      • David March 7, 2013

        Belay Nega,

        I hope Stephanous will learn from your proper way of thinking.

        Stephanous is like someone who is trying to convince you that a donkey would turn into a giraffe if its neck were to be made a little longer.

        The donkey ( the so-called opposition of Birhanu and Ishaq ) will always remain a donkey. The changes proposed by Stephanous will not be of any help to change the nature of the animal.

  • Tekle March 5, 2013

    BELAY NEGA KAB MKUNZABN TETIKUTB MHASHE FERADI AYKONKAN NHAKI TEATEK SEB AYTEWANABD

    • belay nega March 6, 2013

      YOU DO NOT KNOW THE PRICE OF DEMOCRACY

      • David March 7, 2013

        Probably it is beyond his capacity to think. The kinds of Tekle are useful idiots.

  • Harnetna2013 March 5, 2013

    Despite i never deal with peple like Belay Gbta,
    at this time, i do agree slighly with Belay Gbta.
    I raised the same concerns to some of the oppostion,
    I said that ‘ sanction harts people not the bastard mad dog Isaias and his Generals’
    What should be done from oppostion of us ? the follwing options i can be fair to anyone who think well. Choose either !!
    1) oppostion fighter or any people outside Eritrea should fight HGDF at all place and in the front, so that we can get freedom and democracy as any country in the world.
    2) Call sanction against ambassadors, Generals, to the mad dog himself. so that it will ice their banks across the global.
    3) if you can not do these above, don’t call general sacntion which will hart people,
    4) fight in the ground for your people and your diginty or totally leave being oppostion and accept the dictatorship in Eritrea.
    otherwise, calling general sanction is not the solution. people need our help, we have two ways, fight hgdef and free them or call the organisations to support Eritrea food and shelter. but this was denied by the dictator so the the only solution is, to fight for them and free them from the trap.

    • belay nega March 6, 2013

      “Despite i never deal with peple like Belay’

      COME ON MEN/WOMAN LEAVE ALONE WITH ME YOU ARE DEALING WITH ETHIOPIAN GOV FALSE PROMISES

  • Eritrea March 5, 2013

    Sanction is the solution to dismantle the PFDJ rgime. IF there is no other ways, Sanction makes the DIA and PFDJ nervous and beligerent. It is not true to say that sanction affects the Eritrean people. They are alreday liveing in a miserable condition. They have no where to go. I say SANCTION TODAY, SANCTION TOMORROW UNTIL THE GRIP OF DIA AND PFDJ FILTY HANDS OF OFF THE THROAT OF ERITREAN PEOPLE. SANCTION IS THE BEST THING THAT HAPPEN TO OUR PEOPLE IN ERITREA.
    Eritrea for ever!
    Eritrea

  • MEHRETU HABTE March 5, 2013

    እቲ ሃነን ዝብል ዝግኒ፣…..እቲ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ¨በጃኹም እንዶ ብልዑኒ ዝብል ___ሓኸለ ድምበዛን ፣(ድንሽ´ውን)ምስቶም ከይርኣዩ ዝሓፈሩ ዝመስሉ ብድሕሪኡ ተሓቢኦም ብጎቦ ዓይኖም ዝጥምቱ __ካሮቲን ካዎሎ ካፑቺን ግንባር ቀደም ኮይኑ ምስ ርኣኹዎ፥ ፥ብራዎ ሓሻካ, ዘሕፍር የብልካን ወዲ ማይ ዓምበር ፣ወዲ ማይ መብኣሲት፣ወዲ ማይ ወዘባ__ዋላ እቶም ካልኦት ኣታኽልቲ__ወገናውን ኣውራጃውን ይበሉኒ እምበር ብኣኻ እየ ዝጅምር ኢለ ___ነቲ ብቕመም ኣልጫ ብጫ ዝተለኽየ ድንሽ ፣ከምዝኖ ድዩ እናበሉኒ ….ደይትኣደነ/ክንዲ ኻላእ ዝኸውን ኣፈይ ክኣቱን በቲ ታንኪ ዝኾነ ኣስናነይ (ዝርካቡ ሓሻካ)ክጥሕኖን ሓደ ኾነ ። (ህግደፍ ክፈትወካስ ክልተ ካብ ሚእቲ የኽፍለካ)__ኢለ ሓሲበ ድማ በኳላልሳይን ብመስተውዓሊ መስሓቕ ምዃነይን ነብሰይ ኣድነቕኩዋ.
    ኣብ ኣስመራ,ወዲ ሃብታም ኮይነ ብዙሕ ዘይተላለኽዎ እውን፣ ስቱኮ ዝመስል ውዑይ ብጫ ርግኦ ከተፍ በለ።ምፍላጥ ስለ ዝስኣንኩዎ፣ሽሙ¨ሽሮ¨ ምዃኑ ኣላለዩኒ።ፍልይ ዝበለ ጣዕሚ ኔርዎ፣ብኡ እዯ ነተን ሰራሕተኛታትና ክሰርሕኦ,ማማ ዘይኣዘዘተን ኢለ ተረድኣኒ።
    ቅድሚኡ ኣብ ሓደ መርዓ ድማ__ቫኒላ ኣይስክሪም/vanilla icecream(ጀላቲ)መሲሉኒ ምስ ልሓስኩዎ ገለ ገለ ዝጥዓመኒ ኔሩ።ንሱ´ውን ¨ሕልበት¨ ሽሙ ምዃኑ፣ሰባት ኣብ ኤድመንተን_ ካናዳ ነጊሮምኒ።እቲ ምስኡ ዝቐረበ´ውን ስልሲ ምንባሩ እምበር ስትሮውበሪ ኣይስክሪም/strawberry icacream ከምዘይነበረ ተገሊጹለይ።በቲሓደስ ወዲ ድኻ ምዃን ዓቢ ጸጋ እኳ እዩ።
    ምግቢ ብወጃዕጃዕ ተወዲኡ።ኤርትራዊ በቲ ጭዋ ዝኾነ ጠባዩ (ጉዳይ ሸፋቱ/bandits ስለ ዘይተላዕለ)___እናስሓቐ፣ናብ ቡን ተኣተወ።
    እቲ ካብ ካናዳ ዝመጸ ወዲ ፣ዘረባና ንቐጽል በለኒ ማለት..So, whats up sir ?በለኒ።
    ኣነ ድማ ንኽምህሮ,ዘረባ ተወጢጠ ስለ ዝጸናሕኩ___ነታ ዕላልና ብምቕጻል..Look son ,I will give you another example ..of another old ,yet not that old ¨tradition¨….I am sure when your parents watch Tv & the news comes about child molesters..they shiver with disgust ,as I do & I am sure you do too __it is beyond emotional comprehension that it makes every Eritrean (including Assasins)..shiver with disgust mixed with vengeful anger…ምስ በልኩዎ
    ገጹ እናጸወገ..of course sir , … በለ።
    ( ኣነ´ውን ገጸይ ሊትሮ ለሚን ዝሰተየ እናምሰልኩ።)….it is disgusting, son,We are beautiful people who respect eachothers culture (meanning inter-ethnical relations.
    If other people of other countries ..were injected with the same hatred & intentional regional & international division the way Eritrean people have been subjected since the inception of EPLF BANDITS ,other peoples would have started slaughtering their neighbours..just like as in the Balkans & Rwandese people. BUT NOT US ERITREANS …THAT DOES NOT EXCIST IN OUR FIBER , son….ኢለ ዘረባይ ከየጣቓለልኩ ከለኹ….
    Sorry sir ,What relations does it have ,with the subject you started…about..child abuse & Eritrean nationalities unity & good character…ኢሉ በቲ መስተውዓልን መንእሰይን ሃንደበቱ,ድቦላ ሕቶ ኣቕረበለይ ?
    __It is because I am getting into a sensitive issue of ………በቲ ክዛረበሉ ዝደለኹ ቴማ ቀጨውጨው እናበለኒ ___
    Do your Dad and mom talk about their parents (your grand fathers) ???ኢለ, ናይ ባዕለይ ናጤባ ሕቶ ሓተትኩዎ.
    All the time sir,በለኒ።
    ኣነ ድማ ኣስዕብ ኣቢለ..Do they ever tell you ¨how old were when their parents married¨??? ኢለ ምስ ሓተትኩዎ____ከብዱ ሓጎጭጎጭ እናበሎ..
    No, sir it could n´t be….ኢሉ.. እንቅዓ ምሰተንፈሰ………………………….
    My mom does not say much,..but, my Dad,I used to think he was joking….. says when his dad,my grandpa, married ,he was 18 & my Dad´s mom grandma had 9 years old…………………………..
    oh no sir…….that is messed up..Our people must be the most hypocrites in the world.ኢሉ ፍንፋኔኡ ከወድኤ ከሎ…
    Son, we never know when the…you know….between a girl/Child & a man starts……. ኢለ ዘረባይ ከይወዳእኩ ከለኹ:.
    It does not matter when sir ,just subjecting to a 9 years old girl to the idea ,she is married..in itself should be criminal… ኢሉ ተጐድኤ፣እሞ..
    ኣነ ብጌጋ ከየጋግዮ ኢለ Son ,This things never happens now ,& it must have been rare..but, It was there..the point I was trying to make is..that a good number of Eritreans do not know ourselves & tend to be judgemental of others….In the west also they had some ugly cultures ,they still do..and like other societies ..they changed..so are we ..Eritreans ,too……Actually we Eritreans(of Tigrinya stock) ,as we are always trying to run away from our Abissinyan/Tigray identity…it does not take us time to change..to adopt Sudanese ,Italian ,Singaporian…inclinationNow, I ´ve got to go son… ኢለ ¨ዘየደቅስ ነጊሮምኻስ ድቅስ ይሓድሩ¨ከም ዝብሃል ንሜክሲኮይ ክዕዘር ተበገስኩ ,እሞ,…ድሓን ኩኑ ኢለ ክወጽእ ከለኹ ወዲ ካናዳ መጺኡ ……………………
    ኣብዛ ጥቓ እዝነይ ቀሪቡ ¨I think you should be the PRESIDENT of Eritrea¨ በለኒ, እሞ ፍሽኽ ኢለ ጥራይ ወጻእኩ።
    _ብውሽጠይ ግን.. ወይዚ ወደይ, ሰብ ብዘይ ኣበር ኣይፍጠርን እንድዩ።ናይ ዶብ ስምምዕ ክግበር ተባሂሉ
    ምስ ኢትዮጵያ ምስ ንእከብ …በዚ ቕድመይ ቅንጅሕጅሕ ዝብል ዓይና ጓል ኣዲስ ኣበባ፣ፍሽኽ እንተይላትኒ ¨ባድመ ጥራይ ዘይኮነስ፣ዓሰብ ውን ከፈርሙኒ ስለ ዝኽእሉ____እቲ ፕረሲንድነትሲ ወይ ንሓውቲ PAPPILON ወይ ንሓው KOKHOB SELAM ይውሃቦ ኢለ ንኤንሰናዳ ዝብሃል ቦታ ክዝውር ማኪናይ ጀመርኩ እሞ እንታይ ኮይነ ነቲ ሹፌረይ ዘዊሩ ኤንሰናዳ ባሃ ካሊፎርንያ ከብጽሓኒ ኣቐዲመ ዘይደወልኩሉ እናበልኩ ___
    __እዋይ መሬተይ፣መሬተይ ኣሆይ መሬተይ __መዋረዲተይ።
    __እታ መሬተይ ዝብላ,ኩሉ ዝሽቅጠላ ፣ኩሊት ሰብ ዝንገደላ፣ኣዋልድ ዝዕመጻላ__
    ሞይተ ድየ ዝሞተላ__
    __መሬተይ ኮይና መዋረዲተይ ___
    እናደረፍኩ ጉዕዞይ ጀመርኩ።
    ተወዲኡ
    The Brilliant Mehretu Habte

    • Embasorya The Mighty March 6, 2013

      mHretu wedi Ugo
      seraQ qCha kab megogo!!!

      • MEHRETU HABTE March 6, 2013

        Embasorya the mighty,

        I like your pride in your identity, keep on the nick name , I love it ..no matter what you say about me ..I still would pick you up & take you to doctor if I see you fallen somewhere.
        Have a blessed day & pray for me please
        Hawka

  • MEHRETU HABTE March 5, 2013

    The above was 3rd & final part of ..

    “ካናዳ፣ ንመንእሰያት ኤርትራ፣ብዘይ ኤርትራዊ ባህሊ እናሓጸበት( BRAIN WASHING) ጌራ ፣ተባላሽዎም ኣላ፣ኣሜሪካ ዘለዉ ይሕሹ ከም ወለዶም ብዙሕ ኣይተቐየሩን¨
    I forgot to include it ,
    sorry

    The Brilliant ,at times forgetful
    Mehretu Habte

  • Embasorya The Mighty March 6, 2013

    ” መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ”

    Wedi Temelso,

    bteQawemti wdbat ‘ntay maletka ‘yu? trgum nay wdb zbl qal tfelTo do ‘mber iKa? nay geza’ r’sKa Hasab ‘nte aloka koynu afs’so :: dedeHri zeyelewa wdbatn teQawmotatn gn loK-loK aytbel:: mesHaQ seb keytKewn:: nISSAIAS AFEWORKI Seli’e ilka nab zSenHaka HuQfi aydrbeyn ‘yu::

  • kemal March 7, 2013

    Well said Ustaz.

POST A COMMENT