Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልስና ‘እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና’ ክኸውን የብሉን

ኣብ ፍልስፍና ስነፍልጠት፡ ነገራት ካብ ውሽጣዊ ኵነታት ከም ዝምዕብሉ ዝገልጽ መትከል ንረክብ። ንኣብነት እንቋቕሖ ምቹእ ሙቐት ምስ ዝረክብ ናብ ጫቝት ይቕየር። ንሓደ እምኒ ወይ ዕንጨይቲ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ሙቐት እንተ ሃብናዮ’ውን ናብ ጫቝት ክቕየር ኣይክእልን።

ኣብ ፍልስፍና ስነፍልጠት፡ ነገራት ካብ ውሽጣዊ ኵነታት ከም ዝምዕብሉ ዝገልጽ መትከል ንረክብ። ንኣብነት እንቋቕሖ ምቹእ ሙቐት ምስ ዝረክብ ናብ ጫቝት ይቕየር። ንሓደ እምኒ ወይ ዕንጨይቲ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ሙቐት እንተ ሃብናዮ’ውን ናብ ጫቝት ክቕየር ኣይክእልን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ንሓደ እንቃቕሖ ዝያዳ ሙቐት ብምሃብ ናብ ጫቝት ዝጫጭሓሉ ግዜ ክተቀላጥፎ ኣይትኽእልን። እዚ ድማ መሰረት ምዕባለ ነገራት ካብ ውሽጣዊ ኵነታት’ምበር ካብ ግዳማዊ ነገራት ከም ዘይኮነ የነጽረልና። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ጕዳይ ነቲ ንነፍስወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ገቲሩ ሒዙዎ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስና ዝምልከት’ዩ።

ቃልሲ ክብሃል ከሎ ህዝቢ ብንጥፈት ምስ ዝሳተፎ፡ ኣብ ውሽጡ ጸላእቲ ህዝቢ ዝሕብኡሉ ነቓዕ ኣይፈጥርን፡ ኣድማዒ ውጽኢት ይህልዎ፡ ዓወቱ ድማ ይቀላጠፍ። ስለዚ፡ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ጥርናፈ፡ ሓድነት፡ ክብ ዝበለ ንቕሓት ኣባላት፡ ውፉያትን ቅኑዓትን መራሕቲ፡ ንጡፍ ተራ መንእሰያት፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ቅኑዕ መትከል ምስ ዝውንን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ዓወቱ ግድነት ይኸውን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ረቛሒታት መትከላዊ ይኹን ስልታዊ ናይ ደገ ደገፍ ምስ ዝረክብ፡ ናብ ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ሰውራዊ ሓይሊ ይቕየር። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ንዝውንን ቃልሲ ክምክቶ ዝኽእል ግዳማዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ ድማ ከቶ ኣይህሉን። እቲ ገበናዊ ታሪኹ ወይ መዳዩ ገዲፍካ፡ ህግሓኤ ንህዝቢ ብምውዳብን ብምንቃሕን ነቲ ዘይነጽፍ ሓይሊ ህዝቢ ክሳብ ዝደልዎ ተጠቒሙሉ። ንሰራዊቱ ኣብ ዓላማኡ ከም ዝጸንዕ ብምግባር ድማ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ገይሩዎ። ነዚ ሒዙዎ ዝኣተወ እወታዊ መዳይ ናይቲ ቃልሲ ስለ ረሲዑ ነቲ ኣሉታዊ መዳያት ጥራይ ክትግብር ስለ ዝፈተነ እዩ ድማ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ቈምጣዕጣዕን ኣብ ጸልማት ከም ዝኸይድ ዘሎ ሰብ ደርገፍገፍ ብምባል ናብ ገደል ወይ ዕርበት ገጹ ክስጕም ንርእዮ ዘለና።

ብዙሓት ህዝባዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ውድባት ሰኣን እኹል ተሞክሮ ኣብ ከቢድ ጸገም ክኣትዉን ዓበይቲ ክሳራታት ክኸፍሉን ተራእዮም እዮም። በንጻሩ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ቃልሲ ዘለና ኤርትራውያን ይትረፍ ንዓና ንካልኦት ዝተርፍ ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞክሮ ወኒንና ክነስና፡ ኣብ ክንዲ ካብ ተሞክሮ ተሓኤ ይኹን ህግሓኤ ወይ ካልኦት ውድባት ተማሂርና ነቲ ህግደፍ ይኹን ኢሳያስ ፈጢሮምልና ዘለዉ ምቹእ ናይ ቃልሲ ሃዋህዉ ንምዝምዞ፡ ገና ከም ተልመደናት የማን ጸጋም ክንብልን ንቃልስና ዘዳኽም ነገራት ክንፍጽምን ንርአ ኣለና። ወላ’ኳ እቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ልዑል ኒሕን ወንን ህዝቢ፡ ክትገልጾ ዘጸግም ተሳታፍነት መንእሰይ ምስዚ ናይ ሎሚ ዘይዛመድ እንተ ኾነ፡ በንጻሩ ሕጂ ካልእ ኣዝዩ ሓጋዚ ዝኾነ ብልጫታት ስለ ዘሎ በብሓደ ምርኣዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል። ግን እቶም ነቲ ቃልሲ ክንመርሕን ኣብነት ኴንና ክንውፈን ዝግብኣና ባእታታት በቲ ዝድለ መጠን ግቡእና ነማልእ ኣለና ዲና? ነብሰ ገምጋም ንምግባር ጥራይ ነዚ ረቛሒታት’ስኪ ንመልከት።

–       ንህዝብና ብግቡእ ንውድቦን ኣንፈት ቃልሲ ነትሕዞንዶ ኣለና? ካልእ ይትረፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ክንረኽቦ ዘጸግም’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝብና ክንውድቦን ክንጥርንፎን ክኢልናዶ? ወላ ብሰልፈይ ሰልፍኻ ኢና ንፈላልዮ ዘለና?

–       ኣብ ናይ ዕስራን ክልተን ዓመት ናይ ቃልሲ ተሞክሮና ካብ ታሪኽ ዘበነ ክፍልታት ተሓኤ ብምምሃር ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስራሓት ብምክያድ ገለ ኣንጸባራቒ ዓወታት ኣመዝጊብናዶ ንፈልጥ? ዝኾነ ህዝቢ ንውድባት ብዝያዳ ብወተሃደራዊ ሓይለን መዚኑ ከም ዝስዕበን ወይ ከም  ዝነጽገንከ ክነገናዝብ ፈቲንናዶ ንፈልጥ? ዶስ በንጻሩ ህዝቢ ኣብዚ ጕዳይዚ ዘእትዎ የብሉን፡ ዝተባህሎ ገይሩ ክኸይድ’ዩ ዘለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኢና ንረግጽ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እዚ ቃልስ’ዚ ብመሰረቱ ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ኣብ ዝብል መትከል ኣሚኖም ይቃለሱ እንተ’ልዮም፡ ስለምንታይ እንተ ወሓደ ቃልሶም ዘወሃህዱሉ ኣገባብ ክፈጥሩ ዘይከኣሉ? ዕስራን ክልተን ዓመትከ ጸገማትካ ገምጊምካ ቃልስኻ ንምውህሃድ ሓጺር ድዩ?

–       ቃልሲ ክብሃል ከሎ ተጋደልትን መራሕትን ኣብ ሓደ ከባቢ ምስ ዝህልዉ ጥራይ ከድምዑ ከም ዝኽእሉ ነፍስወከፍና ዝርድኦ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ግን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ካብ 10 ዓመት ክሳብ ልዕሊ 22 ዓመት ኣብ ዝነውሕ ናይ ቃልሲ ተሞክሮታቶም ነዚ ኣገባብዚ ተግቢሮሞ ይፈልጡዶ? ዶስ ተጋደልቲ ኣብ በረኻ ከርተት እናበሉ ንሳቶም ኣብ ፈቐዶ ሆቴላትን ዓበይቲ ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕ ከተማታት ዓንዘር ይብሉ’ለዉ?

–       መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምቹእ ናይ ቃልሲ ኵነታት ይጥቀሙሉዶ ኣለዉ? ካልእ ይትረፍ ድሕሪ ምቛም ባይቶ፡ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ነይሩዶ?

–        ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ዓለም ኣንጻር ስውራና ዝቐንዐ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ግን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህዝብታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘመተ ብምክያድ ነቲ ተነጽሎ ክሰብሮ ክኢሉ። ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ግን ብፍላይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ግን ማሕበረሰብ ዓለም ንጭፍራ ህግደፍ ብዓይኒ ቃጻ ክጥምቶ ስለ ዝጀመረን ድሒሩ ኣንጻሩ እገዳ ስለ ዝኣወጀን ምቹእ ኵነታት ከም ዝተፈጥረልና ይፍለጥ።መራሕቲ ተቓውሞ ነዚ ኵነታትዚ ብዝተወደበ ኣገባብ ሰሪሖምሉዶ  ደድሕርቲ ኵነታት ጥራይ ይስዕቡ ኣለዉ? ኣብ ውሽጢ ህዝብታትን ሰልፍታትን ኣትዮም ዘካየዱዎ ንጥፈታትከ ኣሎዶ?

–       ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎ ግሁድ ይኹን ስዉር ናይ ተጻብኦ ኵነታት ንረብሓ ተቓውሞ ከገልግል ከም ዝጸንሐ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። ካልእ ይትረፍ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ብጋህዲ ክተሓጋገዝ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ ደገፍ’ዚ ብኣድማዕነትዶ መዝሚዞሞ ከም መፈላለዪ ተጠቒሞም ቃልሲ ኣዳኺሞም?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ንመንእሰያት ብግቡእ ክውድባኦምን ርእይቶኦም ክሰምዓን ፈቲነንዶ ይፈልጣ? ወይ ከምቲ መራሕቲ ህግሓኤ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ዝበልናኩም ጌርኩም ኪዱ ኣብ ዝብል መርገጺ እዮም ዝኣምኑ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ካብቲ ካብ ህግሓኤ፡ ተሓኤ . . . ይኹን ካብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦም ዝወረሱዎ ጸቓጢ ባህሪ ናጻ ወጺኦም ድዮም?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ህዝባዊ ቃልሲ ንኽዕወት ኣብቲ ውሽጣዊ ረቛሒታት ድዮም ዝኣምኑ? ወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጭፍራ ህግደፍ ክትኣልየሎም እዮም ዝጽበዩ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ንጭፍራ ህግደፍ ክኣልዩ እንተ ኾይኖም፡ ካብቲ ንሱ ዝጥቀመሉ እኩይ ኣገባባት ነጻ ብምውጻእ ደሞክራስያዊ ባህልን ኣሰራርሓን ከተኣታትዉ ኣይግብኦምንዶ?

–       ከምቲ ገለ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝብሉዎ ክሳብ መዓስ እዮም መራሕቲ ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ነንሓድሓዶም ብጥርጣረ ክተማመቱ ክነብሩ? ጕዳይ ህዝቢ ብምቕዳም ይትረፍ ንብረትካ ህይወትካውን ከም ዝውፈ ጠፊኡዎምዶ ኾን ይኸውን?

–       ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ይኹን ኣባላት ውድባት ዘይኮንና ተቃለስቲኸ፡ ቃልስና ከምዚ ኢሉ ክሳብ መዓስዩ ላህመም ወይ ትኽስ ክብል ብምባል ነቲ ዘሎ ሽግር ብሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ወይ ኣኼባ ናይ ኵሉ ክፋል ሕበረትሰብና ክንፈትሖ ሓሲብናዶ ንፈልጥ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ቃልሶም ምውህሃድ ኣብ ዝሕንግዱሉ ግዜ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ብምውሳድ ጸቕጢ ክፈጥሩ ወይ ባዕላቶም ክሓብሩ ኣይክእሉንዶ?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ክሳብ ሕጂ ንዝበዝሐ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ህዝብና ክውድቡዎን ከንቅሑዎን ዘይከኣሉ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ድኽመታት ምዃኑ ተሰቍሩዎም ይፈልጥዶ? ብኸምዚ ምቕጻልከ ነቲ ቃልሲ ምድኻምን ከም ዝምህምን ምግባርንዶ ኣይኮነን?

–       መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ክንዲ መሪሕ ተራ ምጽዋት፡ ክሳብ መዓስ ኮን ይኾኑ ደድሕሪ ኵነታት ገፈፍ ክብሉ ክነብሩ?

–       ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዘለናን ዘየለናን ተጋደልቲ ነበር ግቡእና ነማልእዶ ኣለና? ቃልስና ብኢሳያስ ከም ዝተጠልመ እናፈለጥና ትም ምባል ሕድሪ ስዉኣት ምጥላምን ምንብርካኽንዶ ኣይኮነን? ልዕሊ ዅሉ ድማ ህዝብና እናተሳቐየ ገለና ክነጽቅጥ ገለና ድማ ካብ ህግደፍ ተረፍ መኣዲ ክንጸ ኣብ ኣፍደገታት ኤምባሲታት ላህመም ክንብል የምሕረልናዶ?

–       መንእሰያት ዋርሳይከ ንጭፍራ ህግደፍ ቶባ ኢልኩም፡ ፈቐዶ ሳሃራን ባሕርን ህይወትኩም ጨቢጥኩም ድሕሪ ምስጋርን፡ ብውልቃዊ ጥቕሚ ተታሊልኩም ናይ መተዓረቒ ቅጺ ድሕሪ ምምላእ 2% ክትከፍሉ ምፍታን ተምላስካ ምውሓጥዶ ኣይኮነን? እቶም ኣብ ሲናይ ይኹን ኣብ ጐዳጕዲ ኤርትራ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትኩምዶ ኣይኮኑን?

ኣብ ዘለናዮ ዘበን፡ ዘበነ ተክኖሎጂን ኤለትሮኒካዊ ሓበሬታን፡ ነካይዶ ዘለና ናይ ደሞክራሲ ቃልሲ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዘይነበረ ብዙሕ ብልጫታት ኣለዎ። ኵሉ መመድረኹ ስለ ዘለዎ፡ ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ብፍላይ ከኣ ድሕር’ቲ ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ 2005፡ ንኤርትራ ናብ ሓንቲ ሰሜን ኮርያ ብምቕያር ንዅሉ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ንግዳዊ፡ ፊናንሲያዊ ንጥፈታት ደው ምስ ኣበሎ፡ ብፍላይ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር ህዝብና 90% ነቲ ጭፍራ ከም ዝነጸጐ ይፍለጥ። እሞ ካልእ ይትረፍ፡ ካብቲ እዋን’ቲ ክሳብ ሕጂ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንታይ ጌርና ኢልናስኪ ንነብስና ንሕተት። ንነብስና ክብል ከለኹ ነቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ተባሂሎም ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞም ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ንነፍስወከፍ ኣንጻር ህግደፍ’የ ዝብል ኤርትራዊ’የ ዝጠቅስ ዘለኹ። ኵሉ ግዜ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ጥራይ ትኳቦ ምጽባይ ወይ ድማ ኢሳያስ ገለ ዕብይ ዝበለ ማሕበረሰብ ዓለም ኣትሪሩ ዝዅንኖ ጌጋ ክፍጽመልና ምጽባይ ወጊድ ክንብሎ ኣለና። ንሕና ኤርትራውያን ከምዚ ሕጂ ብሰንኪ ኢሰያስን ጭፍራኡን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ከይኣተወና፡ ሽግራትና እናተመያየጥና ባዕላትና እንፈትሕ፡ ገጽ ሰብ ምርኣይ ኣመና ዘሰክፈና ጻዕራማት ህዝቢ ኢና ኔርና።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ናይ ሓምሳታት ታሪኽ ንመልከት። ንካልኣዊ ግርጭታት እሂን ምሂን’ዩ መፍትሒኡ። ነቲ ዝፈላልየና ደቀቕቲ ነገራት ዘይኮነ ናብቲ ዘሕብረና ዓበይቲ ነገራት ነተኵር። ብሰንኪ ሓደ ፍንፉን ወልቀመላኺ መንእሰያትና መጻወቲ በደዊን ክኾኑ፡ መራሕትና ብዘይፍርዲ ኣብ ገዳጕዲ ክበልዩ፡ ህዝብና ከም ጓና ጃጅዩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ጓና ክነብር ከሎ ከመይ ኢሉ ይወርደልና። ንውልቀመላኺ ምዅናንን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ምስታፍን ጥራይ ንበይኑኮ ከዕውተና ኣይክእልን’ዩ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ናይ ቃልሲ ምትሕብባር ብህጹጽ ክንትግብሮ ክንክእል ኣለና። መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብሰናይ ተበግሶኦም ቃልሶም ከተሓባብሩን ብግቡእ ክመርሑናን ዘይደልዩ ወይ ዘይክእሉ ኮይኖም፡ ንጕዳይና ባዕላትና ክንተሓሓዞ ኣለና። ስለዚ፡ ኣንቸ መንቺ፡ ኣንጭዋ ጸደፈት ድሙ ተዓንቀፈት ገዲፍና ብዕቱብ ክንብገስ ኣለና። መፍቶ ውሑዳት ከዳዓት ክንከውን የብልናን።

ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ተሰከምቲ ሕድሪ መጠን ኣብ ክንዲ ኣብ ድሕሪ ሳይበር ተኸዊልና ክንወራዘ ንፍትን፡ ኣፍልብና ነፊሕና ብሓበን ክንቃለስ ክንክእል ኣለና። ኣብ ግዜ ምቾት ደኣ’ሞ ኵሉ ጅግናን’ድዩ። ሓደ ኣብ ቃልሲ ዝኣምን ሰብ ቀምሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ ክብል ኣይስማዕን’ዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ ናይ ጸላኢ ሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ፡ ወገናዊ ወይ ማሕበራዊ ኣፈላላይ ወጊድ ኢልኩም፡ ከምቲ ኣያታትኩም ንመግዛእቲ ዝኣለዩዎ ነዚ ኣብ ርእሰኹም ከም ዓቢ ሸኽሚ ኮፍ ኢሉ ካብ ትፈትዉዋ ሃገርኩም ዘባረረኩም ኣባይ ደፊእኩም ናብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ክትድርብዩዎ ኣለኩም። ኣብዚ ህዝብና ናይ ርድኡና ኣውያት ዘስምዓሉ ዘሎ ኣዝዩ ተኣፋፊ ግዜ፡ ነፍስወከፍና ብሃገራዊ ኒሕን ወንን ክንብገስ ይግብኣና። ነቶም “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብሉ ጭራ ዘይብሎም ኣህባይ ድማ፡ “ንሕና ሃገር፡ ሃገር ንሕና!” ብዝብል ህዝባዊ ጭርሖ ንበድሃዮም።

ንምድምዳም፡ ቀለልቲ ብዓቕምና ክግበር ዝኽእል ነገራት ሰኣን ምግባር ዘልኣለም ኣብ ናይ ሓሳረ መከራ ምንባር መርጫና ከም ዘይኮነ ኩላትና ንረዳድኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ከም ህዝቢ መጠን ዘዋርደናን መስሓቕ ሸራፋት ዝገብረናን ዘይኮነ፡ ዘሕብነና ነገራት ክንፍጽም ንበገስ። ምሁራት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምኵራት ተቓለስቲ፡ ናይ ቃልሲ ወኒ ዝውንኑ መንእሰያት፡ ውፉይ ህዝቢ ኮታ ኵሉ ነማልእ ህዝቢ ኢና። ተበግሶ ናይ ኩላትና ግን ክህሉ ኣለዎ። ክህብ ዝደለ ብንያት ክኸልእ ዝደለየ ብምክንያት ከም ዝተባህለ፡ ድሌት እንተ’ልዩና ኵሉ ቀሊል’ዩ። ስለዚ፡ ፈቲና ጸሊእና ቃልስና ክነወሃህድ ኣለና።

መትከል ስዉእ ወዲዓሊ ክዕወት’ዩ!

ውድቀት ንውልቀመላኺ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Nahom March 7, 2013

    To Dear Estifo
    How do you do ? I am fine thanks I know you for the last 3 months on you article. so I appreciate your comment and I guess you are all rounded with logical evidence rather than fake exaggeration things. And after all you are on the right truck to express the real condition of Eritrean governance with the scientific expression. And I also want to comment on you are just focusing on one man Afewrkism. I expect to bring additional issues that the leadership that forced to be dictatorship because it will be so important to come up with the cause and effect relation and to bring the right solution for the future. With this personal evaluation why do not write articles that could learn more issues of Ethiopia-Eritrea for the sake of resolution(actually it is possible but for the moment my intention is not unification).So with this personal I expect to see issues of the following, because they could be exemplary lessons learned for the future life of the horn at large.
    1. you know the right identity of Eritrean which was crises for so many people.
    2. you are also know the situation of colonies specially in relation to Italy and Ethiopia for Eritrea it was so nice when it become an Ethiopian. this was absolute fact.
    3. you may know the secret of EPLF towards Eritrea the the impossibles of the future Ethiopia Eritrea.
    4. the hidden agenda of Arab countries like Egypt , Iran, Iraq, Kuwait, qua tar, Libya Saudi etc on the struggle for Independence.
    5. the problem and the secret of honest Ethiopian who forced to withdraw from Eritrea after independence.
    Thanks
    Yours

  • Hawarya March 8, 2013

    i appreciate the writer,it is good article.
    the only solution to win our struggle for justice and freedom is, to united and work together.
    otherwise,it will be slow as in the past 10 year without so anything.
    The problems is Eritrean youth mostly are hiding and or absenting from participation. knowingly quieting or absenting is a greater crime as well.
    All eritrean need to fight for their rights,

Post a Reply to Hawarya Cancel Reply