Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልሲ ድሕሪ መስመር

ኣምላኽ ድኣ ባዕሉ ኢዱ የምብረሉ እምበር፡ ዓርከይ ሰመረ ከምዚ ሕጂ ከይሃጠመ እንከሎ ነዛ ዘይትተርፍ ናይ ቀውጢ ግዜ ክጓንያ ክብል „“ኣንታ’ዞም ቆልዑ ነገር ከምጽኡልና ኢዮም“ ብማለት ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት መንእሰያት ስኽፍታኡ ደረት ኣይነበሮን። ካልእ ኣይኮነን፡ ናይ

ኣምላኽ ድኣ ባዕሉ ኢዱ የምብረሉ እምበር፡ ዓርከይ ሰመረ ከምዚ ሕጂ ከይሃጠመ እንከሎ ነዛ ዘይትተርፍ ናይ ቀውጢ ግዜ ክጓንያ ክብል „“ኣንታ’ዞም ቆልዑ ነገር ከምጽኡልና ኢዮም“ ብማለት ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት መንእሰያት ስኽፍታኡ ደረት ኣይነበሮን። ካልእ ኣይኮነን፡ ናይ ፖለቲካ ባዶነት ከይፍጠር ብማለት ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ብኽፍኣት ዝተበገሰ እዃ ኣይኹን እምበር ንሕና ከኣ“ ባዶነት ርእሱ ዝኸኣለ ሕቡእ ሙሉእነት ስለዘለዎ ንዕዑ ምፍታሽ ይሓይሽ። እምበርከ ካብዚ ዘሎ ዝኸፍአ እንታይ ከይመጽእ ኢኻ“ እናበልና ኢና ነራስኖ ዝነበርና። ባዶነት እንታይ ማለት ድዩ? ካብዚ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲያዊ ሰብኣውን ካልእን ንድየት ዝኸፍእ ነገር እ ናታይ ክጽብጸብ ይከኣል? ከምመኸወልታ ጥፍሽና ተሓሊኑ ከኣ ለውጢ ዋላ ክቱር እንዘይተመነይዎ ብዊንታ ገዛእቲ ዝብርዕን መስርሕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ሎሚ ከምትጽቢትናን እምነትናን ቅንያቱ ቅንያት ጥርናፈ መንእሰያት ብምዃኑ ድምጾም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓለም ይጓዝም ኣሎ። እንተኾነስ ናዓና ዘሰክፍ ነገር ድማ ኣይተሳእነን። ብዙሕ ግዜ ከምእንርእዮ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ፡ ንለውጢ ከም ናይ ሰማይ ማና ካብ ምጽባዩ፡ ወይ ድማ ከም እዝግዮ ሸኣሎ ካብ ምፍርሁ ሓሊፍና ዝተጨበጠ ትልሚ ኣፈጻጸሙ ኣይንሓስበሉን ንህሉ። መንእሰያት እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምጽኡልና ኢና እንጽበ? ንሳቶም ከ ተበግሶኦም ነየናይ ዕላምኮን ይኸውን? ዝብል ሕቶታት ከነተኣናግድ ክንደፍር ይግባእ።

ሓደ ከፍርስ ዝተበገሰ ወናኒ ግዜ፡ ክሃንጾ ዝደሊ ግሁድን ጽኑዕን ምስሊ ከይሓዘ ከዕኑ ኣሉታዊ ኢዩ። ምኽንያቱ ሰሪ ተመኩሮ ድኹም ጎድንታት ከምዘለዎስ መጠን፡ ከምቲ ዓርከይ ዝሰግኣሉ፡ ጽባሕ ብጊሓቱ ናይ ስልጣን ባዶነት ተፈ ጢሩ ተጠቃሚ ለውጢ ክንዲ ምዃን ብጣዕሳ ምሕማስ ድማ ስለዘሎ። ብስነመጎታዊ መዐቀኒ’ውን ሎሚ ዝህነጽ ጽ ባሕ ኣንጊሆም ዝዓንዉ ኣዕኑድ ንምትካል ይርሃጽ ኢዮ። ብዙሕ እዋን ከምዝተራእየን ዝተሰምዐን ሓደ መድረኽ ብ ኻልእ ምስተተክአ፡ ኣብሞንጎ ትጽቢትን ክዉንነትን ብዝፍጠር ረጽሚ ናብ ቁርጸተ-ተስፋ ዘዘምርሐ ተጠራኒፉ ጽሓዩ እናተጸለወ ኢዩ ንስርዓት ዝተሓሓዞ። ኣብ ሃገርና’ውን ዘመነ ሃይላተ-መንጌ ዝሕሸሉ እዋን ብምርኣዩ ዘስቆርቁር ከ ምዝተሰምዐ መጠን፡ ጽባሕ ኣብ ዘመነ ናይ ሕጂ መንእሰይ ድማ  ዘመነ-ብረታዊ ቃልሲ፡ ዘመነ-ኢሱን ህግደፍን ይ ሓይሽ“ ተባሂሉ ዝልሎ ናይ ሎሚ ላንጋላንጋ መንእሰይ ናይ ጽባሕ ነባዒ ሽማግለ ከይርከብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብ ውሑድ ጌጋታት ዝዓበየ መኽሰብ ንምሕፋስ ብዘለና ባህጊ ኢዩ ምሕጽንታና። ብዝተረፈ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ከም ሰብና ነታ ምህርቲ ውዕሎና ባንዴራ እናኣንበልበልና ምጭፋር ምጅሃር ምድኻር….. መን ምኸልኣና? በቲ ዝተሓተ “ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና “ እናበልና ከም ተምሳል ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ንእንስዕማ ወትሩ ተተዃሒላ እትቀርብ ስእሊ ፈርዖን ከይነውለብልብ መን ከይግዝተና? እዃ ድኣ ክሳብ ማዕበል ዘርክብ ብተስፋ ንምጥባር ኣባላት ናይቲ ኣንቛሪዕና እንሓልፎ ኣባይቲ ክንከውን መዓት ህንጻ ኮርያታት ክስራሓልና ምዃኑ ምተመባጽዑ። ከምኡ ድማ ክቡር ፕረሲደን ት ጽቡቕ እንተኣሕሊምዎም ንነፍሲ ወከፍና ቀረጽ ናጻ መኪና ምጠለቡልና። ንተጋደልቲ ጥራይ ማለተይ ኢዩ። ሽዑ ጉዳም ፋም ጣጥ ምተራእየ! ግን ንሶም ይልብሙ። ኣብርእሲ’ቲ  “ንመን ምግባር“ ዝብል ሕቶ፡ ዋላ እንተተገብረሎም ድማ ብኡ ስለዘይዓግቡ ጸኒሑ ንዝስዕብ ጉዳም ኣጠላላም ከይመጽእ ኢሎምሲ፡ ትርፎ ምርፍታትናን ምድዃዕና ን ነቲ ትጽቢት ኣይወዓልዎን!! ኮይኑ ከኣ’ቲ ጥልመት መቃልስትኻ ድሮ ባህሊ ክኸውን ዝተረፎ የለን። ጥበብ ገዛኢ ና ክሰምር ምትእምማን ዝበሃል ምስጠፍአ፡ ብልሓት ተረኺቡስ ያኢ ክንዲ ምስተጠለምካ እንታይ ከምእትምልስ ምቅርራብ ምግባር፡ ነቲ “ ምስ መን ከምትዛረብ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ነዚኦምሲ ተጠንቀቐሎም ድኣ“ እናተባህለ ዘሽቖጥቑጥ ድሁል መድረኽ በጺሕናዮ።እሞ እቲ ሽዑስ ተጋዳላይ ኣውራ ብህዝቢ ከምዝጽላእ ኢዩ ተገይሩ። ሽመት ተኾ ልኲሉ ኣብ ኣፍደገ እንዳስድራኡ መኪና ደው ዘየበለ ኩሉ ከምዘይተወልደ ወይ ከምዘይወፈረ፡ ወፊሩ እንተኾይኑ ድማ ከምዘየፍረየ ምኹን ተጸብጺቡ ተናዕቐ። ጸኒሑ’ሞ ከም ተሓይኹ ዝጥፋእ ብዕሪር ምስተጓሕፈ ምድረሰማይ ጸ ልሚትዎ መዋጽኦ ከኣ ሓርቢትዎስ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ያኢ ኢሰያስ ከምዘይደለየና እምበር፡ ዘልኣለም ብምስሉን ቁ ምነገሩን ተዘሪዕና ከምዘለና ንምምሳል ዝጸዓር ብዙሕ ብዙሕ ፕረፖጋንዳ ኣብዝንዝሓሉ እዋን፡ ክሳብ ደቂስካ ብሰ ላም ኣብ ዝትንስኣሉ ምድረ ሰላመ- ራህዋ ኣብዝተሃለወሉ ከይተረፈ፡ ኩልና ብሓበራ ርእስና ሸኲልና ዘይዊንታና ቃ ላት ምድጋም ከምብሉጽ ቅዲ ቃልስን መፈተንታ ሃገራውነትን ኣብዝተመርጸሉ መዋእል ኢና ዘለና’ሞ፡ ሓሰመ ጠዓ መ’ዃ ንሕለፎ፡ ንናይጽባሕ መንስሰይና ግን ብእዋኑ ከነእውየሉ፡ ከነጉርሖ ክሳብ ኣብቲ ምሕደራኡ ከይተናጠብና ብኩሉ ዓቕምና ክንሕግዞ፡ ከነለብሞ ኢዩ ዕላማ’ዚ ኩሉ ዝጣራዕ ዘሎ ሓደራታት። ምኽንያቱ መንእሰይ ቅያ ሰሪሑ ካብቲ ቱጃር ሽያጥ ኣካላት ዜጋታቱ መንግስቲ ሓራ ኮይኑ ምስመሓዉሩ ክቕበር ስለዘለዎ።

እዋእ፡ ከምኡ ይመስለኒ እምበር እቲ ቃልሲስኒ ናይ መንእሰያት ጥራይ ማለተይ ኣይኮነን። ከምሓቂ ድማ ህዝቢ ካብ መንእሰያቱ ተስፋ ዝቖርጸሉ ምኽንያት ስለዘየለ ጥራይ ኢዩ። እምበር፡ ሓድሽ እንተለምሊሙስ ውጽኢቱ ድኣ በሉሉ’ምበር ኣረጊት ማሕረሻ ኣትቢዕካ’ውንኮ ግራት ክሕረስ ይከኣል ኢዩ። በሉ አእጃምና ክንገብርሲ ሰብ ተመኩ ሮታቱ ይልግስ ኣሎ።ንስኻትኩም ድማ ልቢ ጌርኩም ተኸታተሉ።

ሓደ ከፍርስ ዝተበገሰ ሓይሊ መተካእታ ናይቲ ዘዕንዎ ከይሓዘ ምስዘፍርስ የዕኑ’ምበር ራእይ ከምዘይብሉ ከም ኣብ ድቕድቕ ጸልማት መሪሕ ስኢኑ ዝደናበር ጠምባር ከዕነኒ ኢዩ ዝርአ። ከምኡ ብምዃኑ እቶም ውርጹጻት ተበለጽቲ ከ ደናግርዎ ከምዝቃለሱ መጠን ወዮም ካብ ተብላጽ ተጠቀምቲ ዘይኮኑ ድማ ንደቖም ዘላቶም ከወፍዩ ክምዕዱ ይር ኣዩ ኣለዉ። ዝተፈለየ  ስምዒትን መንፈስን ከኣ ይነፍስ ኣሎ። በቲ ሓደ በቢዘዝጥዕመን ከባቢ ዝቖማ መስርዕ ስመራ ት፡ በቲ ካልዕ ድማ ከምቲ ዝነበረ ተመስሪተን ዝፈርሳ ዘይኮነስ፡ ንዝበለጸ ኣድማዕነት ዝጠራነፋ ማሕበራት ይረኣያ ኣለዋ። ስለዚ ኢናውን መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን ዝብል ኣርእስቲ ብምሃብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዙርያኡ ንኾልል ዘለና። ዝኾነ ኮይኑ ዛዕባና ደጊሙ ካልእ ሕቶ ዓዲምልና ኣሎ። መን ኢዮም መንእሰያት? ዝብል ሕቶ።

መንእሰይ እቲ ቀላሲ ለውጢ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ ኣየከራኽርን። መድረኽ ኣዚዝዎ ከኣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣ ብ ክልተ ክምቀል ስለዝተገደደ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝተባህላ ደምበታት መንእሰያት ኣለዋ። እዚ ምግምማዕ ናይሃውሪ ከምዘይኮነ መቸም ንረዳድኣሉ ኢና። ኣማስያኡ ድኣ መዓቱ የቑርረልና እምበር፡ ክሳብ ቤተ-ክርስ ትያን ከይተረፈት ክትምቀል እናተገብረ፡ ኣብ ሂወትና ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ብዘይንፈልጥ መገዲ ደገፍትን ተቓወም ትን ህግደፍ ክልተ መድሃኔ-ኣለማት፡ ክልተ ማርያማት ክልተ ኣማልኽቲ…….ከምዝህልዉ እናተገብረ ኢዩ። ዝኾነ ኮ ይኑ ኣብ ውሽጢ ለባማት ኣቲኻ ንፍሉጥ ነገር ምድጋሙ ዳርጋ ስራሕ መሃይም ከጸውዓና እንተኾይኑ ዝመስለና ካብ ምባል ስለዘይዕንቅፈና ግን እስከ ገለ እንተተረኽቦ ድማ ተገዲስኩም ን መልከዓት ቃልሲ መንእሰያት ዝምልከት ጽሑፍና ተኸታተሉ ። መንን መዓስን ኢዩ መንእሰይ? ተልእኾኡኸ? ኢልና ከኣ ክንጅምሮ።

ናይ ምዃን መድረኽ፡-

እቲ ተተጻሒፉ እንመሃሮ መጽናዕቲ ምሁራት ከምዝብሎ “እዋን ንእስነት ካብዚ ክሳብ ክንድዚ ዓመታት ኢዩ“ ክብለና ይኽእል ኢዩ።ተመኩሮና ሓዊስና ንምዝራብ ግና ንእስነት፡ ናይ ኣተሓስባን ናይ ምግባርን ተኽእሎ ክሳብ ዘሎ ኢዩ። ቀልጢፉ በሲሉ ዝቕምርርን ዝድሕርን ስለዘሎ ማለተይ ኢዩ። ነቲ ናይ ዕድመ ነገር ክንምርኮስ እንተኾይና ድ ማ ክሳብ ዓሰርተው-ሸሞንተ ዓመታት ንዘሎ ዕድመ ከም ሓደ ምዕራፍ ንውሰድ። እዚ ዕድመ’ዚ ንኡስ ወለዶ ማሕበ ራውን መበቆላውን መንነቱ ዝሓተሉን ዝሕተተሉን እዋን ኢዩ። ኣብ ብዓለሙ ንዘሎ መንእሰይ ዝጽበዮ ዕጫ’ዃ እን ተኾነ ብዛዕባ’ዛ ብኵናትን ስደት ተዳቒቓ ዘላ ሃገርና ክንገብር። እቲ ናይ ኣብዚ ውሽጢ ዘሎ መንእሰይ ናይ ትምህር ቲ ኮነ ስራሕ ዕድሉ ድሮ ዕጹው ኢዩ።ጉልበቱ በቲ ስርዓት ዝተወነነ ስለዝኾነ ድማ ተማህረ ኣይተማህረ ተጠቃሚ  ፍልጠቱ ኣይኮነን። እቲ ተማሂሩ ዝበሃል እውን ህግደፍ ንሃገርና ካብቲ ትካል ዓለማዊ መዐቀኒ ትምህርቲ /ዩኒስኮ/ኣ ውጺእዋ ስለዝኾነ ዲግሪታት ጸጺዕንካ ኣብዝኸድካ እንተኸድካ ዳግማይ ናብ ኣስዃላ ወይ ናብ መዀስተር ኢዩ ዕ ድልና። እቲ ናይ ወጻኢ መንእሰይና’ውን ኣብዚ ዕድመ’ዚ ኢዩ ፋሽን ጉዕዞ ሳዋ ዝጅመር። ብዘለዎ ናይ እንዳማቱ ነጻ  ነት ተጠቃሚ ክኸውን ብትምህርትን ብማልን ዝሓሸ ስለዝኾነ ቆላሕታ ውሽጣውያን ልዑል ኢዩ ኣብርእሲኡ። ብኣ ስማቱ ኣብ ሃገርና “ንዓደይ“ ዘብል ባህሊ ድማ ኣሎ። ዑደት ቀዳሞት ምሁራት ሃገራውያን ተጋደልቲ እናታይ ይመ ስል ነይሩ? ኣስመራ፤ ኣ.ኣበባ፤ ኣመሪካ-ሩስያ፤ ብጣልያን ተተጠዊኻ ናብዛ ዕጨ-እምንና ሃገር ኢዩ ነይሩ እቲ ገና ዘ ይተጻሕፈ ዘሎ ታሪኽ ምሁራት ሓርበኟታት ተጋደልትና። ውርሻ ስለዝኾነ ከኣ ሎሚ’ውን ብኣሕዋትናን ደቅናን ይ ድገም ኣሎ። ስለዚ እታ ሽዑ ዝለመደት መእሰሪት ደርሆ ገመድ ትሕዞኣ ሒዛ ኣብ እትጭበጠሉ እዋን፡ ሃዳናይ እንስ ሳ ከኣ ግድን ደድሕሪ ተሃደንቲ ዘዘባዝብ የብሉን’ሞ፡ ልክዕ ከም ኣብቲ ጎመራ በረኻ ኣብ ማይ ኣድብዩን ዓልይዎ ከ ኣ ደቂሱን ጸኒሑ፡ ብዝለኣኸኦ ሓሹለ -ወኻሩ ተሓቢሩ መጥቃዕቱ ይፍጽም። መንእሰይና እምበኣር ከምቲ ቀደም ም ሁርና ኩሉ ሽሻይ ጠንጢኑን ጥሒሱን በረኻ ከምዘይተደርገመ ብሓለንጊ “ንኡስ ቡርጅዋ“ ከምተጀለጠ መጠን፡ ሎ ሚ ከኣ መንእሰይና ብግዳም ከምዝተሓተተ ብውሽጢ ድማ “መን ኢኻ“ ተባሂሉ ይሕተት ማለት ኢዩ።

ኣስተውዕሉ መንእሰያት፡ ነገር መንነት ኩሉ ግዜ ፖለቲካዊ ሕቶ ከምዝኾነ። ካብ ኮነ እምበኣር ንኡስ ወለዶ ድማ ግድን ይኸውን ንጉዳይ ሃገር እንተኾነ ልዕሊ፡ እንተዘይተኻእለ ግን ማዕረ ማሕበራዊ ጉዳዩ ክሕዞ ዘለዎ። በሉ ንፖለቲካዊ ቃልሲ ክትገጥሙ ካብ ተበገስኩም ብነብስኹም ጀምሩ።

                                1 ናይ ባህሪ ለውጢ፡

“ልቢ መንእሰይ ኣብደረቱ“ ዝበሃል ኣብ ከምዚ ዕድመ ኢዩ። ድርኩኺት ንእስነት ኣዝዩ ውዑይን ህዉኽን ስለዝኾነ ፍኑው ናይ ምግባርን ምዃንን ስምዒት እምበር እንታይ ምግባርን ምዃንን ዘመሚ ኣይኮነን። ኣውራዃ እቶም ኣብ ዓዲ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትና በቢዝዓብዩሉ ባህልታት ተጸልዮም መንነቶም ከጥፍኡ ተቓሊዖም ክንሶም ሓቂ ንምዝራብ ብትብዓት ወለድን ተወርሶኣዊ ባህረትን ከም’ቲ እንፈርሆ ኣይጠፍኡን። ከምፖለቲካኻ ኢዩ ነገራቱ፡፡ ጠወርቲ ሃ ገራት ቀትረ-ቀትሪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንደቅና ከምቲ ናቶም ከምስልዎም ክቃለሱ ክውዕሉ እንከለዉ፡ ወለዲ ድማ ምሸተ-ምሸት ደቆም ንሃገሮም ከምስልዎም ሓያል ቃልሲ ኢዩ። እዋእ ከምሓቂ ድማ ገለ ካብቲ ዘኹርዕ ኤርትራዊ ባ ህሪ ምዃኑ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ሓደ ንለውጢ ዝዓጥቕ መንእሰይ ኣቐዲሙ ነብሱ ከለሊ፡ ንሱነቱ ከረጋግጽ ኣዝዩ ተ መራጺ ኢዩ። ንሱ ምስኮነ ኢዩ ብዛዕባ ክገብሮም ዘለዎ ነገራትን ስለምንታይነቶምን ከነጽር ዝኽእል። ከምርዱ እም በኣር ቃልሲ ምስ ኣንጻርካ ኢዩ ዝግበር። እንተኾነስ እቲ  መፋጥርትኻ እኪት ኢዩ ብቐዳምነት ክእለ ዘለዎ እምበር ጸላኢኻስ ኣብዝኸደካ የብሉን። ማለተይ ኩሉ ሰብ ነናቱ ባህርያት ኣለዎ። ደፋር ወይ ፈራህ፡ ሓሳዊ መጣቒሲ ወይ ነውሪ ዝፈልጥ፡ ኣርሒቑ ዝጥምት- ከምኡ ዘይከኣሎ፡ ስሱዕን ጠላምን ፡ ሓላይን በዓል መትከልን፡ ኮታ ባህርያት ደ ቂ-ሰብ ሃናጽን ኣፍራስን፡ ወይ እወታን ኣሉታን ተባሂሉ ክጉጀል ይከኣል። ክልቲኦም ባህርያት ኣብኩሉሰብ ክህልዉ ግድን’ዃ እንተኾነ ኣየናይ ይዛይድ? ሰብ በየናይ መዳያቱ ይውከል ኢዩ ወሳኒ። መቃልስትኻ ምልላይ ከኣ ንርእሱ  መዐቀኒ ዓወት ስለዝኾነ ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ። ኩሎም ኣህዛብ ነናይ ባዕሎም ባህልን ልምድን ኣለዎም ። ንምሕጻሩ ዝ ኣክል ገሊኦም ርጉኣትን ዕሉዋትን፡ ገለ ድማ ተሻቐልትን መዕገርገርትን ኢልካ ይግለጹ። እዚ ብናይ ስነ-ኣእምሮ ፈላ ጣት ብኣምዛኒ ነገር ናጽነትን ግዙእነትን ዝፈጠሮ ምዃኑ ይንገር።

ጳውለስ ኞኞ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ኢትዮጲያ ብዛዕባ ጠባያት ኤርትራውያን ካብ ተመሃሮ ዩኒቨሪሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንዝ ቐረበሉ ሕቶታት ይምልስ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኤርትራውያን ስለምንታይ ቁጡዓት ከምዝኾኑ ተሓቲቱ፡ „“ ነገራቱ ቀልጡፉ ስለዝርድኦም “ ክብል መሊሱ። ስለምንታይከ ቁጠንቲ ይኾኑ“ ንዝብል ሕቶ ድማ ኣብ ከብዶም ዒሕታ ስ ለዘለዎም“ በለ። እዚ ማለት “ስለምንታይ ንግዛእ“ ንዝብል ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅሑር ስምዒት ኤርትራውያን ንም ብራህ ክብል ዝተጠቕመሉ ኣገላልጻ ኢዩ። ግናኸ ብዛዕባና ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ተባሂሉ። ዋላዃ ክንድቲ እምባ ቁም ነገርን ናይ ጅግንነት ባህርያትን ዝዳረግ ኣይኹን፡ ኣማኢት ዓመታት መግዛእቲ ዝፈጠረልና ኣሉታዊ ጠባያት ከምዘ ለዉናስ ዝከሓድ ኣይኮነን። ከምፍርሂ፡ ሻቕሎት፡ ዘይምትእምማን፡ ተወላዋልነትን …… ዝኣመሰሉ ክጥቀሱ ይከኣሉ። እዚኣቶም ካብቶም ብነውሪ ዝፍለጡ ከም ስርቂ፡ ሓሶት፡ ዝሙት ትምክሕቲ……ዝኣመሰሉ ባህርያት ዝተፈለዩ ተመ ሲሎም ይጥቀሱ ይኮኑ። ካልኦት ልጋብያ መግዛእታዊ ጠባያት ከም ልሙስነት ሰዳዕነት መንቀኝነት ርእሰ ዘይኣማን ነት ኣገልጋልነት ተብላጽ/ ነፍሰ-ፍትወት/ ጥልመት……ዝኣመሰሉ ኣለዉና። መብዛእትኦም ዘይመፈጠራውያን ባህርያ ት መግዛእታዊ ዘርኢ ምዃኖም ኣየጠራጥሩን። ቀንዲ ጠባይ መግእቲ ድማ ሕሱም ጭካነ ምዃኑ’ዃ እንተተገልጸ፡ እቲ ዝኸፍአስ ንከይትሳነ ዝብተን እኪት ምዃኑ ንፈልጥ። ካብ ክፉእ ዝገብረካ ክፉእ ዝምህረካ ስለዝኸፍእ። መግዛ እቲ ቱርኪ፡ ብዘመን ውበ ዝጸመመ፡ ዝዓይነቶም ታሪኻት ገለ ካብቶም ክዝከሩ ዝከኣሉ ዘስካሕክሑ ታሪካት ጭካነ ኢዮም። ዘመነ ናኹራን ኮምብሽታቶ ሽግለታይ ከሊኦሙኒን መን ይርስዖ። ድሓር ድማ ቅቡእ ወዲኣምላኽ መጺኦ ም“ ተባሂሉ እሱር መቑሕ ቤተ-ሃይምኖታት ብምዃን ኣብውሽጥና እናተገማማዕና ምስገዛእቲ መንፈስ ኣንድነትን ተ ዋህዶነትን ኣርኪቡ። ዝተባህለ ይበሃል፡ ዝኾነ ድማ ይኹን  ኩሉ ብሓንቲ ቃል ማለት ብ“መግዛእታዊ ውዲት“ ተባ ሂሉ ክሕለፍ ምተኻእለ። ኩሉ ከኣ ነናቱ  በሰላታት ገዲፉ ሓሊፉ። ዘይሓለፈን ብነውርነቱ ድማ መዳርግቲ ዘይተረ ኽቦን ግና ዕስራታት ዓመታት ዝዕምሩ ምግዛእቲ ህግደፍ ኣርኪብና። ኩሎም ግዝኣታት ነናቶም መግዛእታዊ ምልክ ታት ኣለዎም። ናይ ህግደፍና ዝተፈለየ ዝገብሮ ብዘይካ’ቲ ብቓልሲ ሓፋሽ ዝመጸ ዓወት ገባትነቱን ረጋጽ ሕድሪነቱ ን፡ መሓውር ጊላታት ዜጋታቱ ዝሸጠ ካብ ብዓለሙ ቀዳማይ ገዛኢ ዜጋ ምዃኑ ክብረ-ወሰን ኣረሜንነት ሰይርልና ኣሎ።

ህዝብና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኮይኑ ካብ ዘሕለፎ እከይ መዋእል ብጥብቖ ባህልታት ከምዝተሳቐየ ገሊጽና። ኩሉ እንተኣቕሊብናሉ ኣብ ዘይንስኻ ምምሳል ክጥርነፍ ይከኣል።ነዚ ንምቅዋም ካብዝተራእዩ ጠባያት ድማ ገሊኦም እቶም ዝተጠቕሱ ኣሉታታት ክኾኑ እንከለዉ ገለ ድማ ናይ ኒሕን ሓቦን ጠባያት ኣለዉና። ንኣብነት ንጸላኢ ዲል ንዘይምሃ ብን ከይብሉኒ  ድማ ተባሂሉን „“ ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወዲ ጓና ኣይርኣዮ“ ብማለት ተመሲሉ። ብኡ  ኣቢሉ ኣብግዜ ሰውራ’ውን ጥሙይ እንከለኻ ጽጉብ፡ ጽሙእ እንከለኻ ርዉይ፡ ዕሩቕ እንከለኻ ክዱን፡ ፈሪህካ እንከ ለኻ ደፋር፡ ድኹም እንከለኻ ሓያል……..ምምሳል ተራእዮም። ኣብ ውሽጣዊ ፍልልያትና ከይተረፈ ነቲ ዝኸበደ እና ጠመትና ናይ ምእንቲ መጎጎ…..ጠባያት ኣርኢና። እዚ ብወገኑ ነቲ ድሓር ዝገበለ ተመነ-ዕንቅርቢት ዕድል ዝኸፈተ ኣ ጋጣሚ ነይሩ። ገዛእቲ ደቂዓድና ድማ ዝገደደ ጨካናት እንከለው ለዋሃት፡ ገዛእቲ እንከለዉ ፍትሓውያን፡ በተንቲ እንከለዉ ጠርነፍቲ፡ ፈራሃት እንከለዉ ጀጋኑ፡ ሰረቕቲ ታሪኽ፡ ጀግንነትን ማልን እንከለው ብጹኣት፡…….. እናመሰሉ ሃገርን ህዝብን ናብዚ በጺሕናዮ ዘለና በጺሓ።

ኩሉ ከምሓደ መድረኽ ንሕለፎ። እቶም ክዕቀቡ ዘለዎም ባህርያት ክዕቀቡ፡ ክጎሓፉ ዘለዎም ድማ ክጎሓፉ ከምዘለ ዎም ንዛረበሉ ሎምን በዚዘሎ ሰብን ኢዩ። ኣብነት ክውስኽ ንጸላእትና ዲል ንዘይምሃብ ንወተሃደራት ብደቂ-ኣንስት ዮ ኢና ንጽውኦም ጸኒሕና። „“እተን ጭፍራ ድማ ተኣኪበን ምስኣተዋ፡ ብቡምባታት ጭፍልቕልቕ ኣቢልናየን ዝተረ ፋ ድማ ማሪኽናየን“…….። እሞ ደቂ-ኣንስትዮና ድኣ ኣየዳቐቕናየንንዶ? ኣብዚ ኣውራ እተን ንመሰለን ዝቃለሳ ዝበሃላ ደቂ-ኣንስትዮና ንወተሃደራት ጸላኢ ብደቂ ኣንስትዮ ክጠቅሳኦም ይስማዓ።

ገዛኢና ውሻጠኡ ከይቅላዕ ብንቕሓትና ክኽወል ክጥዕሞ ምእንቲ ብዘይንዘሎ ገደል ትምክሕቲ ከምዝነውነወና መቸ ም ኣይንርስዖን። ኤርትራውያን ንበይንና ዓይነት ምዃንና፡ ከምድላይና እንተገበርና ከኣ ዓለም ካብምቚጭምጫም ሓሊፋ ትገብረና ከምዘይብላ…… እናተባህለ ናብ ደልሃመት ኵናት ኣንደልሂጽና። ኩሉኹም ከምትዛረብሉ ጃህራ ኣብ ስግር ባሕሪ ይኸፍእ። ኣብ ጎደናታት ናይተን ትነብሩለን ሃገራት ኩሉ ሰብ መምስመጓዕዝቱ ብዛዕባ ኤለሌክሮኒክስ፡ ኢንጅነሪንግ እናተዛረበ፡ ወዲሃገርና ኣብተን መዐብለኺ ትምክሕቲ ማሕበረ-ኮማት ተተኣኪቡ “ቲቢ-ኤረይ እንታይ በለት“ ክብል ይውዕል ኣሎ። በሉ ትምክሕቲ ኣብ ዘይቦታኡ እንተኣትዩ ውርደተኛ ስዕረት ኢዩ ውጽኢቱ። ነዚ ተረዲኦም ባሌህ ዘዝበሉ መስተውዓልቲ ከይተረፈ ተምበርከኽቲ ተጸዊዖም። ጃህራን ቅልጽምን ገዛኢና ከኣ ካብ ውሽጥ ና ሓሊፉ ከባቢና ኣናዊጹ። ጽሓይ እንክትዓርብ ነቲ ብንዕቀት ዝረጥረጦ ኢጋደ-ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ተዋጋኢት ላም ከምዘየናገፋኦ ገሊጹ። ጸኒሑ ብዓለማ በጺሑ ከምቲ ምኩሕ ሂትለር። ውድቀት ሃገረ-ጀርመን ከምዘይን ፈልጥ ኣእዛንና ወቲፍና ትም ምባልና ድማ ዝኸፍአ ውድቀት!!

ሎሚ እምብኣር መንእሰይ ’ዝሑል ምብላዕ’ ከድልየካ ኢዩ። ምክብባር ድማ ወሳኒ መዐቀኒ ዓወትካ ክኸውን ኣለዎ። ቀደም ወለድና ክቐጽዑና እንከለዉ፡ ጽባሕ ነብስናን ስድራናን ከምእንኣሊ ንኸውን ኔርና። ዋና መርኣያ መንእሰይ ት ሕትና ኢዩ ዝነበረ። ስስዐ፡ ነፍሰ-ፍትወት ዝኣመሰልዎም መኻልፍ ገዓገልጠም ድማ ኣይዓመጹናን። ስድራኡ ዘይኣለ የ ሃገር ክኣሊ ኣኻእሎ የብሉን ዝብል እምነት ድማ ነበረና። ስለዚ ትዕግስትን ምክብባርን/ ኣውራ ንመሳቱኻ/ እንተ ኣሎ ፍርቂ ስራሕ ተሰሪሑ ማለት ኢዩ። እንተኾነ ተጠማቲ እንዲኻ፡ ንሕና እቶም ከይንሰማማዕ ዝተገደና ናትካ ሰ ብ ከይተረፍና ንዓኻ ብኣምሳልና ክንሃንጸካ ኢዩ ምንዮትና’ሞ እቲ መንቀኝነቱ ዝኣወጀ ቫይሩስ ሕማም ተላገብ ስለ ዝለክፍ ከኣ መንእሰያት ህግደፍ፡ መንእሰያት ጀብሃ፡ ክሳብ መንእሰያት ኣንድነትን ካልእን እናተገማማዕካ፡ ንግዚኡ ተጎናዲብካ ኣለኻ። ዝኾነ ኮይኑ ንዓና ንወለድኻ ንትህበና ሰበ’ዃ እንተዘይሃለወ፡ ናይባዕልኻ ናጻ ህላወ ክትውንን ኣ ለካ። ንሱ ምስትገብር ቀቁምነገርና እናዘቖቕካ እቲ ህግደፍ ዘጥፍኦ ጥበብ ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ክትውንኖ ትኽእ ል ኢኻ። ግዲ የለን፡ ልቦናኻ በቲ ንመንእሰያት ህግደፍ ዘቕረብካሎም ዕድመ ዘተ ተዓዚብናዮን ተዓዚበሞን ኣለናን ኣለዉን። ንሳቶም ንግዚኡስ ኣይክቀርቡኻን ኢዮም። ወይ ጉድ! ንምንታይ ዲዮም ዝምልመሉ ዘለዉ? ንዕግርግር፡ ንዕንቅፍቲ፡ ክሳብ ወረ ነንሕድሕድ ከራጽሙኹም ኢዮም። መንእሰያት ጀብሃን ሻዕብያን’ውን እኾ ዘራጽም ኣይነበ ረናን። ግን ኮይኑ። ሎሚ ግዳ ከምቲ ቀደም ኣይኮነን እሞ ክትዕገስ ወሳኒ ኢዩ። ትዕግስቲ ከኣ ምልክት ሓይሊ ስለዝኾነ ዘይፈትሖ ሽግር ድማ ስለዘየለ ተዓገሶም። ስለዚ ነብስኻ ንስለያን ጸረ-ስለያን ኣዳልዋ። ናይ ባዕልኻ ናጻ ፖለቲካ ዊ ህላወ ምስትሰርሕ ብዘይጥርጥር ክትምርሽ ኢኻ። ብሓጺሩ ፖለቲካ ክትሰርሕ ንተላጋቢ ሕማም ወጊድካ ንነብስ ኻን ንሃገርካን ምሰል።

ይቕጽል

ጎደፋ፡

05-04-12

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • mikael tekle April 5, 2012

    BORING TO READ. AMAN YOU BETTER FILTER IT OR TELL THE GUY TO SEEVE THE CONTENT. TYPICAL TEGADALAY TALKING ONLY WITH HIS OWN SELF.

    • Zeray April 5, 2012

      Boring indeed: Why so much jargon when he can simply say, “The older folks like Issays and the like have messed-up and destructive politics. They are a liability. The younger generation should think outside this destructive ideology and come up with constructive system for the sake of the coming generation”. End of story.

  • Abnet Tesfai April 6, 2012

    test one

  • berhe April 6, 2012

    kexlwo

  • asmeret April 6, 2012

    when someone writes important article read it or leave it dont make silly comments please try to repect eachother.
    mehari zkone aytenashwu entezeykonu aytenbebu

    • asmeret April 6, 2012

      sorry read respect

      • Kokhob Selam April 11, 2012

        This are the people who do nothing and don’t want to see people doing things. forget about those guys and just read read read and if you can write and teach. don’t worry about those useless guys.

  • MIKIELLE April 6, 2012

    HE IS SAYING ‘WHERE IS THE VISION THING?’ THAT IS ALL. THE QUESTION IS ADDRESSED TO ‘SMER’

  • ahmed saleh April 6, 2012

    asmeret
    The background of our up-bringing Eritrean artists in general were respected for their
    contribution to the society. HGDF to prolong it’s agenda except for the selected started
    to degrade others. At this moment Eritrea stands against intellectuals and thinkers. As
    the result we see people react the same as their masters. The sad part they live in
    western countries within advanced society.

    • Kokhob Selam April 11, 2012

      ended the bad part is they are living in comfortable and democratic countries and they want our country to stay in hell forever.

  • Senait April 6, 2012

    what is the article about this stuff?? this article don’t make sense at all? Just curious who was the writer of this trash article? Can some one explain what the article was saying hatawotawi

    • Kokhob Selam April 11, 2012

      how will you know if you don’t read it by your peaceful mind? if such nice article don’t make sense then what type of article make sense? come with one and show us.

      this is very good article wrote with great wisdom.

  • makakakaka April 8, 2012

    lllllllllllllllll

  • makakakaka April 8, 2012

    mnkskas meneseyat elka do mahber ymsret eyu ab sdet,,ab eritrea konka eyu lewti nfelt

Post a Reply to Senait Cancel Reply