Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልሲ መስዋኣትን ስራሕን እምበር ትምኒት ኣይኮነን ዝሓትት።

ህዝብናን ሃገርናን ዘለዎ ኩነታት ንማንም ስውር ኣይኮነን። ህግደፍ ዝሓበጠ ይተኮስ መን ኣብ ቅድመይ ሰብኣይ ኮይኑ እሕሕ ይብል? ዝብል ትምክሕቲ ተዓጢቑ ክሳብ ደቂ 70 ዓመት ኣብ ዘይዓቕሞምን ኣብ ዘይዕድሜኦምን ጠበንጃ ኣሰኪሙ ብወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዝብሎ ንሱ ጅሆ

ህዝብናን ሃገርናን ዘለዎ ኩነታት ንማንም ስውር ኣይኮነን። ህግደፍ ዝሓበጠ ይተኮስ መን ኣብ ቅድመይ ሰብኣይ ኮይኑ እሕሕ ይብል? ዝብል ትምክሕቲ ተዓጢቑ ክሳብ ደቂ 70 ዓመት ኣብ ዘይዓቕሞምን ኣብ ዘይዕድሜኦምን ጠበንጃ ኣሰኪሙ ብወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዝብሎ ንሱ ጅሆ ሒዙ ካብ ስድርኦም ኣርሒቑ የከላብት  ኣሎ፡፡

ክእለት ዝረኸበ ምስ ጥሪቱን ንብረቱን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ ይግዕዝ ኣሎ፡” ከም ጭርቃን ዝመስል ኣብ ቀረባ እዋን ሓንቲ ሆላንዳዊት ፕሮፈሰር ናብ ኢትዮጵያ ናብቲ ኤርትራውያን ተሰዲዶምሉ ዘለው ቦታ ምስ ከደት ዘጋጠማ ተረኽቦ ኣብ ሓደ ቀዳም ናይ ቅሉዕ ዘተ ራድዮ ኤረና ዝሰማዕክዎ እቲ ቃላታ ክሳብ ሕጂ ኣብ እዝነይ ይድውል ኣሎ፡፡ ንሳ ትብል“`ሓደ ኤርትራዊ ዝዕቆባሉ ሕጊውን ከድልየና ኢዩሞ ክንሕንጽጾ ኢናምስ ከብቱን ጥሪቱን ዑቕባ ክሓትት ምስ መጸ እቲ ተቐባሊ ዕቕባ ኢትዮጵያዊ ሙኻኑ ኢዩ፡ ብሓውሲ ጭርቃን ዝመስል ጌሩ” ክሳብ ሕጂ ናይ ሰብ መዕቆቢ ሕግታት ኢዩ ጸኒሑና ካብ ሎሚ ግን ናይ ከብቲ  “` ኢሉ ክትብል ምስ ሰማዕኩ ወይ ኤርትራዊ ሙኻን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብምባል ከርምመኒ እንከሎ ክሳብ ሕጂ እቲ ደወል ይድውል ኣሎ ኣብ እዝነይ፡፡

ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ጽምብል ኢዮቤል እቲ ካልእ ዓጀወጀው ገዲፍካ “ኣብ ወርቃዊ ጽምብል የራኽበና“` ኢሉ ምዕጻው ጌና 25 ዓመታት ክረጸክን ኢየ “፡ ኢዩ ኢሉና፡፡ ክሳብ ወዲ 96/7 ዝኸውን ካብኡ ኸኣ ናይ ድያመንት ክብል ዘይምነ ኣይኮነን፡፡

ነዛ ንእሽቶ ዓንቀጽ ክጽሕፍ እንከለኹ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ ንምባል መእተዊ ንምግባር ክኸውን እንከሎ ምኽንያቱ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ህሉው ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ብምንጽጻር ዘሎ ፍልልይን ድሌትን ብምግንዛብ ኢየ፡፡

ዓሚ ሰነ 26 2015 ኣብ ጀነቫ ድሙቕን ኣንጸባራቕን ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ እዋንቲ`ውን/ ክልተ ውዕሎታት ጀነቫ/ ዝብል ሓጺር ዓንቀጽ ነቲ ብደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተገብረን ብደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ዝተገብረን ክልተ ዘይራኸብ ዕላማን ትሕዝቶን  ዝነበሮ ሰለማዊ ሰልፍታት ዝምልከት ኮይኑ ነቶም ደገፍቲ ንሳቶም እውን ካብ ህግደፍ ዝረኽብዎ ጉንዖን ሓለፋን ከምዘይብሎም እታ በትሪ ምልኪ ዘይትፈላሊ ሙኻና እሞ ኣንጻር ነፍሶም ምስላፎን ጌጋ ምንባሩ ንምሕባር ኢዩ ተፈቲኑ፡፡

ነቲ  ውጽኢታዊ  ሰላማዊ ሰልፊ ዘዳለውዎ ውሑዳት ኮይኖም እቲ ስራሕ ምስ ንኣሽቱ ጉድለታቱ ምስ ዝነበረ ብዝሒ ተሳታፍቲ ውጽኢታውን ጽቡቕ  ኢዩ ኔሩ፡፡ ነቲ ናይ ዓሚ ጽቡቕ ብምርኣይ ኢዩ ዝመስል ናይ ሎምዘበን ናይ ዕለት 23 06 2016 ንኽግበር ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ግን ኣዳለውቲ ኮይነን ቀሪበን ዘለዋ ኣስማት ናይ 15 ውድባት ድየን ምንቅስቓሳት ተዘርዚረን ኣለዋ፡፡

  ወልቃዊ ድሌተይን ትዕዝብተይን፡

ክንዲዝኤን ዝኣኽላ ውድባት ድየን ማሕበራት እንከለዋና እምባኣር ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ካርቱም ካብ ካርቱም እንዳሓነቐ ናብ በላዒ ህግደፍ የረክቦም ኣሎ፡ እሞ  እዘን ዓሚ ኣብ ጀነባ ብዘይ ኣዳላውነትና ድሙቕ ኔሩ ሕጂ ግን እቲ ድምቀት ንዓናውን ክጸልወና ኣለዎ ድዩ እቲ ሕቶ? ክሰርሕ ዝደልን ዝኽእልን ዜጋ እንተሃልዩ ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ዝምልከት ቁጽሪ ዘይብሉ ስራሓት ኣሎ፡፡

ከምቲ ኣሓ ሕማቕ ጓሳ ይህረማን ድሕሪ ኹለን ይሰትያን ዝብሃል ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዘራይ ስለ ዝሰኣነ  ይዋረድን ይግፋዕን ኣሎ፡፡ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራያን ኣዝዩ ዘስካሕክህ ኢዩ፡፡ እሞ  እዘን ኣስማተን ተዘርዚረን ዘለዋ 15 ዝጠጠርነፋ ኣብ ክንዲ ንጀነቫ ናብ መንግስቲ ካርቱም ሓደ ስምዕታ ክገብራ ጽቡቕ ኢዩ፡፡ ናብ ጀንቫ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ኢዩ ዝብል ሓበረታ ኢዩ ዘድሊ፡፡ ናይ ዘዳልውዎ ሊስታ ኣይኮነን ዘድሊ፡፡ስለ ዝኾነ ኩልና ኣብ ኤውሮጳ ዘሎና ከምንሳተዎ ይተኣማመን ኢየ፡፡

ኣነ ብመሰረቱ ኣንጻር ውድባት ኣይኮንኩን፡ እተን ውድባት ግን ዜጋታት ኣብ ጎድነን ከዕስላ ከምዘይካኣላ ናይ ካብ 1981 ክሳብ ሕጂ እቶም ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ድማ ካብ 2001 ክሳብ ሕጂ ዘካየድዎ ዘለው ቃልሲ ካብ መመሊስካ ምርባሕን ምፍልልላይን ከምቲ ዝድለ ውጽኢት ኣየመዝገበን፡፡ እዚ ሓቂዚ ቀለዓለም ሓዲሩካን ሒዙካን ብንሕፈት ዝሕለፍ ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ለውጢ ዝደሊ ዝሕተተሉ እውን ኢዩ፡፡

እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን ዝተገብረሉን  ምንቅስቓስ ስምረት ንድሕነት ሃገር ዝብል ናይ መንእሰያት ውዳቤ`ውን እቲ ሕማም ዓበይቲ ኣይገደፎን፡፡ ኣብ ኽንዲ ሓላፍነቱ ዝወስድ  ኣብ ምፍልላይን ኣባላቱ ንሕሉፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ምቁንጻብን ንስዋኣት ኣብ ምዝንጣልን ተዋፊሮም እንዳረኣየ ዲስፕሊናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ፡፡ ዝገደደ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ንባዕሉ “ህዝብና ኣይነቐሐን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ “ ኣየጥረየን ዝብል ክልሰ ሓሳብ ከም መምርሒ ክጥቀመሉ ንሰምዕ ኣሎና፡፡ ብፍላይ እዛ ኣበሃህላ እዚኣ ንዕቀት ህዝቢ ስለ ትገልጽ እቲ ምንቅስቓስ ክእርማ ኣለዎ፡፡ ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ዘመናት ንቕሓትን ተሞክሮን ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንሕና ደቁ ምናልባት ዘመን ዘምጽኦ ኢንተርነት ፌስ ቡክ ብምራኣይ ክንቅድሞ ንኽእል ንኸውን ከም ልቦናን ፍልጠትን ተሞክሮን ግን ኣይክንዳኡን፡፡

ኣብ መወዳእታ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ዕለት 23/06/2016 ናይ መወዳእታ ቅላዕን ጽፍዒትን ንህግደፍ ስለ ዝኾነት መን ኣዳልውዎ ብዘየገድስ ኩሉ ዜጋ ክሳተፎን ዝኽእሎ ከበርክትን ሙኻኑ ብሩህ ኮይኑ ተሳትፎና ከነዕዝዝ ኢዩ ዝድለ፡፡ ኣብቲ ከምጸዋዒት ኮይኑ ወጺኡ ዘሎ ዝርዝር  ጀነቫ ዘይበለ ካባን ይፈለ ዝምሰል ግን ሰሓቢ ኣይኮነን፡፡

ፍትሒ ይንገስ

ምልኪ ይፍረስ

 

ዓ.ብርሃነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Semhar Emun May 27, 2016

    This is amazing analysis without looking at the internal problems of wudubat. I wouldn’t mind your analysis if you are a member of wudubat. Bzaeba niqhat hizbna simret zelewa aredadia minalbat tigage keytihlu. Neti ziqales zelon zerio bahriatn iyu simret gudlet niqhat iyu zible. Eti zirie zelo haqi dma kemu iyu. Hizbawi hto alielka kindi timagot tibeas kabey da mexiu ezi.

  • Semhar Emun May 27, 2016

    Awrajawi endabelka nteqalesti mwinjal ke kabey iyu zimexie. Bzaeba suwuat zizreb zelo ke meseretu gudlet niqhat do aykonen. Ato Berhane zeytewedebka entekonka zigerim iyu hasabka. aqmika tewedibka gber ebleka. zeytewedebe qalsi ayiwetin iyu.

    • AHMED SALEH !!! May 27, 2016

      Your criticism looks it came from jumping quick to respond before you
      understand the contents of the article . Issues of awrajenet brought
      only from your side for a reason that doesn’t make a sense . And I
      can read negative comments directed to brother A . Berhane . Why ?

  • Berhe Tensea May 27, 2016

    Excellent points.The Eritrean youth in the past paid dearly to hand the Eritrean people a democratic and a country that is going to be governed by a constitution, and or rule of law .
    Unfortunately, here in Eritrea, any official for any reason be it political or personal can put you in jail and put you there like some kind of shipping or a hen or goat and forget about it entirely.

    We the people are therefore, treated like animals and goods, by the regime.
    Death to the worst enemy of the people.

  • AHMED SALEH !!! May 27, 2016

    Ab hadas Eritrea nay bihaki hagherawi gigninet zemeskeru beal
    Wedi Ali ms bixotu iyom . Itom ziterefna afna khefitna nikuzum
    ab tihti aser poloticawi hashewye kholel kinbl meryet aribatna
    nighebro zitefeana dukhumat hizbi ina .
    Izi do iti inabelka ghizye mebikhan zemxeo wurdet zikehad aykonen.
    Bidhri higi ewen intekhone ita meftihi ab Eritrawian tirah iya timurkes
    bifilay netom nikhunetat menebabreom zitinkef neberti ita hagher .
    Biweghena siga koynatna imber ab Adi selam ina ninebr zelona.

  • DEATH in VAIN May 27, 2016

    ባዕሉ ኣይወግሕንዩ፣_______ ሃለውለው ኣይንበል
    ጊዜ ኣይክዕረን ዩ___ ኣይንድከም ብጸሎት ብጸበል
    ካብ ወላዲት ሃገርና ዝበሃግናዮ____ ሽፍታዊ ገበል
    ባዕልና ብዘዕበናዮ____ ፍቕሪ ኢትዮጵያ ከይንቕበል
    ሃብትን ነጻነትን ከይጎደለና______ ባዕላትና ንብደል
    ቻው ባሕረነጋሽ፣ ወጻኢ መሪጽና ምርጫ ካብ ንዕደል
    ንስኺሞ ብባርያዊ ሜንታሊቲ____ መሪጽኪ ንገደል !!!

    • AHMED SALEH !!! May 27, 2016

      Weyo halewlew mebeghesi zelowo negher
      meftihiou ms terekhbe iyu ziaref Wedi hagher
      Iti nay kedem fikri Ethiopia
      Ni hizbi Oromo aytekeme ni hizbi Amhara
      Kindey ghizye kemzi kemakha ketaluluni
      Amlakhey lemine kab tigrai-tigrini keghelaghleni
      Dem zifesese bikelilu inte ziwesduwo khoynom yigherimena
      Kab zihalefe temokro zeymehar gorebet koynu xeghemna
      Bebizelenayo selam yewridelna ilna nighber gudayna
      Kulu halafay iyu emo xubuk tirah bihabar yereiyena .

      • DEATH IN VAIN May 28, 2016

        Dearest Ahmed ,

        Ethiopia was never fair to Oromos and the Amharas only got fake pride ,So, I agree with you ,We the Eritreans were the chosed kids but ….telit min Hilbeya chemqeya tifete say the tigre of our Eritrea.

    • wedi Toronto May 28, 2016

      Dearest brother Death in Vain,

      Well said and thank you for the beautiful and short poem. Please continue with your positive contributions.

      • DEATH IN VAIN May 30, 2016

        Dearest Wedi Toronto ,

        I used to be wedi Edmonton ,now I am wedi San diego ..as long as Assenna keeps on printing my comments ,I have been consistent for years since I learned I the 50+++ yrs old is responsible fer the plight of young Eritreans ,I saias is mere symptom.And I am a he.

        Thanks Wedi Toronto
        Thanks Assenna

  • Haile .B May 28, 2016

    ሰምሃር እሙን ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ደጊምካ/ኪ ኣንብቦ/ ኣንብብዮ፡፡

    እቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ነተን ኣስማተን ደርዲረን ዘለዋ 15 ብተርታ ተሰሪዐን ዘለዋ ዓደምቲ ሰለማዊ ሰልፊ ጀነቫ ኮይነን ክቀርባ ዝፍትና ዘለዋ ዝምልከት ኢዩ፡፡ ኣቶ ብርሃነ ዝበለ ነዚስ ባኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓን ተሓቢርና ክንከዶ ኢና ዓቕሚ እንተለኩምስ ኣብ ሱዳን ዘለው ዜጋታት ብሂወቶም ይጻወትሎም ኣለው`ሞ ኣብኡ ገለ ግበሩ ኢዩ ዝበለ፡። ንምንቅስቓስ ስምረት ትምልከት እንተኣሕሚማትክ/ካ ግን ካብ ሓቂ ምህዳም ኢዩ፡፡ እሞ ጎርዳዕ ምባላ ኢዩምበር ንንቕሓት ምቁንጻብ ዘይምንቃሕካ ኢዩ ዘረጋግጽ፡፡

  • Haile .B May 28, 2016

    Again Semhar I think you have Problem with Tigrinia? where do you bring Awrajawian? I read the Artikle he did not menstion awraja. He wrote only dont Insult People by saying is not conciou.

  • Desalegn May 29, 2016

    ኣብ ቤትና ዘሎ ግዕዘይ ከየጽረና ንግዳም ቑሊሕ ምባል ንግደፍ !

    ኣብ ጊዜ ደርግ ይኹን ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ህግደፍ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ብኢድ ሃሱሳት ደቂ ሃገር እዩ ሃልቑ።

    ጊዜ ደርግ

    ሃሱሳት ደቂ ሃገር እንዲዮም ንኑጹሃን ኤርትራዊያን ብካድራት ደርግ ከምዝርሸኑ ተገይሩ።

    ኣብ ጊዜ ደርግ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ብካድረታትን ኣባላት ኢሰፓ ዝተኻየደ ናይ ምእሳርን ምቕታልን ተግባራት መብዛሕትኡ ብኤርትራዊያን ዜጋታት ዝተማሓላለፈ ናይ ሓሶት ሓቤሬታታት እንድዩ ነይሩ። ነዚ ደፊረ ክዛረበሉ ዝኽእል ምኽንያት ከኣ ህግደፍ ኣብ ዳህላክ ኣሲርዎም ንዝነበሩ ኣባላት ኢሰፓ ነበር ናብ ናይ ጉልበት ስራሕ ኣብ ዲጋታት ንኽሰርሑ ተወዚዖም ዝነበሩ ኤርትራዊያን እኮ እዮም ከም ሓንቲ ኣድጊ እንዳተቐጥቀጡ ዝሰርሑ ዝነበሩ።

    ኣብ ጊዜ ደርግ ህዝብን ገጠራትን ንብረትን ኤርትርዊያን ዝነደደን ዝዓነወን ብከዳዓት ምሊሻ ስርናይን ስለያንዶ ኣይኮነን እዩ።

    ግዜ ህግደፍ

    ድሕሪ ደርግኸ ኣብ ጊዜ ህግደፍ ንዝተኻየደን ዝግበር ዘሎ ገበናት ካብ ንኤርትራዊያን ሓሊፍና ናብ መን ኢና ክነጸግዖ።

    በብእዋኑ ካብ ከተማን ገጠራትን እንዳተጨዉዩ ዝተኣስሩን ድሃዮም ዝጠፍአን ከምኡዉን ሞይቶም ዝዉረየሎም ዘሎ ብኢድ ሃሱሳት ህግደፍን ብህግደፍን ብኢድ ዜጋ ኤርትራዊያን እንድዩ ተኻይዱን ዝካየድ ዘሎን።

    ንስድራቤት ናብ ወጻእ ሃገር ንዝወጽዎም ደቆም ናብ ህግደፍ ሓሶት ዘቀባብልን 50% ስድራቤት ከምዝኸፍሉ ዝገብር ዘሎ ሃሱሳት ናይ ህግደፍ ኤርትራዊያንዶ ኣይኮኑን ድዮም።

    ካብ ወጻእ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዜጋ ብህግደፍ ዝእሰር ዘሎ [ከም በዓል ኣስቴር በዓልትቤት ጴጥሮስ ሰሎሞን] ብናይ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ዘለዉ ሃሱሳት ኣባላት ህግደፍ ዝመሓላለፍ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መሰረት እንድዩ ዝትግበር ዘሎ።

    ከምዚፍለጥ እዚ ናይ ስግረዶብ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ኢድ ሃሱሳት ኤርትራዊያንን ገለ ሓለፍቲ ዝተሳተፍዎዶ ኣይኮነን እዩ።

    እዚ ዘርዚረዮ ዘለኹ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከምዝበሃል ኣዝዩ ዉሑድ እዩ እዚ ከም መዘኻከሪ ኢለ ዘምጻእክዎ እንተዘይኮይኑ ንሽግርን ጸገምን ኤርትራዊያን ዘይፈልጥ ዜጋ ኣይክህሉን እዩ። ስለዚ ንነብስና ንዉቀስ እምበር ንኻሊእ ክንዉንጅል ኣይንፈትን ምኽኒያቱ ሓቅነት ክህሊዎ ኣይኽእልን እዩ። ሕመቕና ተረዲእና ንሕመቕና ብምፍዋስ ግዝያዊ ረብሓን ስሰዐን ሓሶትን ኣወጊድና ሓቅን ቅንዕናን ተሞርኪስና እንተሰራሕና ዝሓሸ አዩ። ከምዚ ምስ እንኸዉን ጥራሕ ኢና ሓፋሽ ህዝብናን ሃገርናን ነርብሕን ነሓንጽን።

  • Khaled May 29, 2016

    “ካብ ወጻእ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዜጋ ብህግደፍ ዝእሰር ዘሎ [ከም በዓል ኣስቴር በዓልትቤት ጴጥሮስ ሰሎሞን] ብናይ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ዘለዉ ሃሱሳት ኣባላት ህግደፍ ዝመሓላለፍ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መሰረት እንድዩ ዝትግበር ዘሎ።”

    Desalegn

    Eng. Desalegn, you said it all.
    It’s true that solutions to our problems start, by starting to look inward.
    I have a lot of sympathies for Aster who lost every thing in life after scarifying her young age servicing Eritrea. As for her husband, there are so many people who grew orphaned in Sudan, because of his assassination campaign of former ELF veterans.

    What will say Petros Solomon’s kids to them ??

  • Desalegn May 30, 2016

    ዕለት: 30/06/2016

    ሕጂዉን ቃልና እወ ንሕግን ፍትሕን እያ!

    ኤርትራዊያን ናይ ሱቕ ምባል ጊዜ የብልናን ንሓቂ ከይመስከርና ከቶ ኣይክነብርን ኢና !

    እወ ንናጽነት ከምዝበልና ኹሉ ሕጂዉን ብህግደፍ ተመንዚዕናዮ ንዘለና ሕግን ፍትሕን ኣብ ጀነቫ [እወ] ብምድማጽ ሙሉእ መሰልና ክነኽብር ኢና።

    እወ ንናጽነት ኣድሚጽና ባንዴራና ኣብ ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ከምዓለምና ኣምበልቢልና ኢና። ኣብዚ ጊዜዚ ኤርትራዊ ተነፊግዎ ንዝጸንሐ “ሕግን ፍትሕን ብሪፈረንደም” ንኽዉሰን ሕቶ ቀሪቡሉ ኣሎ።

    ሕግን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ክነግስ ትደሊዶ ?

    1. እወ { √ }

    ንዕለት: 23/06/2016

    2. ኣይፋል {x}

    ንዕለት: 20/06/2016

Post a Reply to Haile .B Cancel Reply