Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዳማይ ዓመት ናይቲ 368 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ላምፐዱዛ ሎሚ 3 ጥቅምቲ ኣብ ላምፐዱዛ ተዘኪሩ።

ቀዳማይ ዓመት ናይቲ 368 ኤርትራውያን ዘህለቐ ኣሰቃቒ ሓደጋ ባሕሪ ላምፐዱዛ ሎሚ 3 ጥቅምቲ፣ ገለ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ቤተሰብ ግዳያትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣብ ላምፐዱዛ ተዘኪሩ። ኣብቲ ዝኽሪ ዝተሳተፉ ቤተሰብ ግዳያትን ተሓጋገዝቲ ስድተኛታትን ብዝሃቡና ሓበሬታ

ቀዳማይ ዓመት ናይቲ 368 ኤርትራውያን ዘህለቐ ኣሰቃቒ ሓደጋ ባሕሪ ላምፐዱዛ ሎሚ 3 ጥቅምቲ፣ ገለ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ቤተሰብ ግዳያትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣብ ላምፐዱዛ ተዘኪሩ።

ኣብቲ ዝኽሪ ዝተሳተፉ ቤተሰብ ግዳያትን ተሓጋገዝቲ ስድተኛታትን ብዝሃቡና ሓበሬታ መሰረት፣ ቅድሚ ቀትሪ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዓዲ ጥልያንን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕርን ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋ ባሕርን ንምድሓኖም ዝግበር ጻዕርን ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ።

እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታትን ቤተሰብ ግዳያትን ዝርከቡዎም ኣጋይሽ ከኣ ብጃልባ እቶም ግዳያት ናብ ዝጠሓሉሉ ማያዊ ክሊ ብምብጻሕ ዕንበባታት ናብቲ ባሕሪ ብምንስናስ ሓዘኖም ገሊጾም።
እቶም ዝደሓኑን ስደተኛታትን ቤተሰብ ግዳያትን፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ልዕሊ ምስኣን፣ ሬሳኦም ከለልዩን ክወስዱን ብዘይምኽኣሎም ድርብ ሓዘን ኮይኑዎም ሰንፈላል ይብሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳታት ናይቶም ግዳያት ናብ ኤርትራ ከይምለስ ዝተፈላለየ ውዲታት ብምእላም ኣብ ኣብ ሲሲልያ ተዛሕዚሑ ከምዝተርፍ ኣብ ምግባር ኢሰብኣዊ ተራ ከምዝተጻወተ ይዝከር።

Relativesእቲ ቀንዲ ጠንቂ ጥፍኣት ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ብጅምላ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ግዳያትን ካልኦት ቅድሚኦምን ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ኣሽሓት ዜጋታትን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ከምቲ እቲ ሓደጋ ብውዑዩ ከሎ ‘ውን ናይ ኣፍሪቃውያን ጥፍኣት ኣምሊሱ ሸፊኑ ክሓልፎ ዝፈተነ፣ ነዚ ብዓዲ ጥልያንን ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜናን ተዘኪሩ ዝወዓለ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይዘከሮን።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ሓደ በቲ ሓደጋ ሓዉ ዝሰኣነ ካብ ሽወደን ላምፐዱዛ ብምጋሽ ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ህልቂት ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ነቲ ዝኽሪ ኣምልኪቱ ዝሃበና ሓበሬታ ኣብ ናይ ጽባሕ ቀዳም መደብና ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? October 3, 2014

    The stupid regime which was baptized by the water of lies is still blaming Italian government for creating obstacles on returning the corpses of our brothers and sisters and as always, the irony comes from the walking dead supporters of the fascistic regime who believe all the lies and repeat it.

    RIP to our brothers and sisters
    down with the mafia regime

    • Tamrat Tamrat October 5, 2014

      Let’s drive back ward with the lies of isaisians:

      isaiasians called the victims first illigal african refugees, then eritreans misled by CIA and Ethiopia, then italians are making problem for the bodies to come back, and for all the mass migration is the work of CIA and to empty Eritrea

      There was no coup, it is some banch of an experienced soldiers who just confused and after they were told how they are confused and invited to Nice shower and a good meal they went to their Barack.

      There was no border war with Djibouti only prisoners of war

      Eritrea is not helping alshabab but only allowed its leaders and key members to meet in Asmara with out destructed the chaos in Somalia

      The war 1998 was/is the CIA atempt to colonize Eritrea using Ethiopian army.

      Shabia got not help from no one to destroy derg/ethiopian army, and it ‘freed’ Eritrea by itself and put tplf on Power to lead ethiopia, and the story continued that shabians were destroying all other ethnic organization to facilitate for tplf.

      _________________

      But in Ethiopia the story is different. Derg had lost because all ethipians including eritreans opposed derg from day one through different national and regional organization for 17 solid yeras.

      And noboody talks about how eprdf and eplf together wiped out elf? Or was there no war between eplf and elf? If tplf and eplf on one side and elf alone, while tplf is ethiopians and eplf is … i just give up.

  • ZEGiRM October 4, 2014

    The regime is always lier. isayas does not care about eritreans. He cares only bout demhit .RIP Brothers and sisters.

  • B. Michael October 4, 2014

    ደቂ ሃገር፡ ንጥሉቃት ኣንፊ ደስየት ላምፐዱዛ ምስ ዘከርና ካልእ ንገብሮ ህጹጽ፡ ፍጹም ዘይሕለፍ ነገር ሓለዋ ስዱዳትን ግዙኣት ዓዲን ኣሎ፡ ናብኡ ንተኩር፡ ኣብ ቃልሲ ንስመር፡ ሓድሓድና ኣይንተሓናኆል፡ ከይንጠፍእ፡ ወይ ስምዕታ!

    በዚ እዋን፡ “ዝሞተ ሞተ ዘለና ንዛተ?” ተሪፉ፡ ኣብ ፍቕዲ-እዚ-ቁጽሪ ምውታትን ጥሑላትን ንውዕል ኣለና፡ ካብ ስታቲስቲክስ ኣብ ዘይተራ ኩነት፡ ከምዚ ሎሚ ህውጽ ኩነታት ሃገርና፡ ገምጋሙ ምስ ክውን ነገሩ ኣይነጽርን፡ ወገንነት ከም ናውቲ ፖሊቲካ ጉጅለ ሣዕቢያ ሓያል ምስ በደለ፡ ገሊኦም እንከሎ ሎሚ ወገንነት ንሕሙም ርእሳቶም ኪሓዝኡ፡ ኣብ ወይ ካብ ወገንነት ዝነትዐ ገድላዊ ቁስሎም ኪሓብኡ፡ ብሓዲስ ዲዮም ኪብለጹ ይፍትኑ፡ ክንዲ ነቲ ዚስደድ ብሰናይ መንገዲ ኣብ ዓዱ ዚሰናግሉ፡ ረሳኡ እክዋ ኣይፈቐዱ ኣይኣከቡ፡ ነውሮም ዘየሕፍሮም

    ነቲ ድንቁር ተበላጽ፡ ኣብ ረፋዒ ህልኅልኅ ዝጻወደ፡ ሕልና-ኣልቦ፡ መንደይ አምነትን ትውፊትን፡ ዓንዳሪ ፈስቲቫል ዚብሉዎ ዘይግዋላ፡ ኣኣብ ዘይሰዓቱ፡ መደምሰስ ተስፋ ቅርጸት ዲዩ፡ መበረዝ እከያቶም፡ ወገናዊያን ወገን ሣዕቢያ ዛንታ ብሓቃ ከይትደምቕ እሞ ፈውሲ ወገንነትን ዕሙት እምነትን ገበን ድሑር ፖሊቲካን ኣደባዊ ገፈጥን ካልእ ቀጣፊ ብልሓት ከየናድዩ፡ ጾታዊ ለላ-ጉለላ ብፍላይ ነተን ደቂንስትዮና ሕሱም ዚብድል ከየዐርዩ፡ ዘጋድዱ ናብ ምንዘራ ንርእሳቶም ዚፍነዉ ንኣታተን ዚደፍኡ፡ ስኩሕ ዝወለደን ዝወለደትን ምስ ዕሊ ዓንተቦኦም ዘለዉ እናረኣዩ፡ ምስ ነውራም እዚ ጉጀለኦም ብካልኡ ዘይምዕብል በዚ፡ ኣብ ምታልል ውዒሉ ይሓድር፡ ገሊኡ ኣብዚ ዓውዲ ኢንተርነት እውን፡ ናቱ ኣቐሚጡ፡ ወገናዊ ማሕበር ተኀለ ዲዩ ዚበሃል፡ መደለሓቒ ነገራትን ክሲታትን ይተፍእ

    ወገናዊ ብዙሕ ይመስል ገጻቱ፡ እቲ ብሃይማኖት ወይ ዓለት ምስ መበቆል፡ ወይ ሣራ ፖሊቲካ ምስ ጥቕሚ መደብ ማሕበር ዝባንደራኡ ንካልኡ ዚግዋኒ ዝሓለፈ ወገናዊን ምጥፍእ ምድሪን ይኀውን፡ ንገርሂ፡ ጽፉፍ አሪትራዊ ዘጋ፡ ተወፋይ-ገድሊ-ናጽነት፡ ከም ብዓል ገበን፡ ናብ ሓዊ ዚጠብስ ጉጅለ መዳ ናውቱ እናሐደሰ ሎሚ’ውን ይብለጽ ኣሎ፡ ዕስራ ዲዩ ኣርብዓ ዓመት ከመይ ኢዩ ዝገርገረ ግዋና እሪትራዊያን ዚሰኣል ግጅለ ንህዝቢና ኪጻወተሉ ኣብ ውሥጢ መግዛእቱ መኣስ ተደረተ፡ ስላ ለቕለቕቲን ጉሓሉ ኣገልገልቲን ኣብ ባዕዲ እውን ይጽይቐልና እነሀ፡ መዘዛቱ ኣብ ፈቐዶኡ

    ንኣዳም ገረሞ! ዲዮም ዚብሉ፡ ካብ ህልቂት መዲተራነያን ባሕሪ ድሮ ዓመት ቆጸርና፡ ምስኡ ሰንሰለት ቅተለት ስዱዳትና ከኣ ቀጸለ ደኣ፡ ኣደ ቆልዑ ኪሕንብሳ ዶ ተሰደዳ፡ ሰብ እዚ አሪትራዊ ኣፍሪቃዊ ዘይረኅቦ የብሉን፡ ሩሕ ዛጊት ሕሱር መጻወት ባዕዳንዶ ኮነ፡ ናትና ዘሕምመና፡ ነቶም ናትና ኣይረዳእናን፡ ፍቕዶም አክዋ ተሓዋወሰና፡ መሰል እንስሳ ኪሕልዉ ዚምክሑ ወገናት አውሮጳ ንኣፍሪቃዊ ሰብና ኪልክሙን ኪኀትሩን ሥግራት ኪፍሕሱሉን ብሕልና ሰብ መርከባቶም እውን ዚጻወቱ ፖሊቲካ ዓውዶም ብፍላይ እቶም ዘይሓልፈሎም ጣልያን ከጥፍኡና ዓይኒ መኣስ ይሓስዩ፡ እምበር ነዚ መንጎ ሊቢያን ሲሲሊያን ዚርበብ ቅትለት ብጥሕለት መኣስ መፍትሕ ምተሰኣኖ

    ዓዘራ ዲዮም ዚብሉዎ፡ ዘይሓቂን ነውሪን ዘረባ ከይቁጸረለይ ደቂ ሃገር፡ ገለ ሕያዎትን ደንገጽቲን ሰብ ሕልናን እነከሎ ካብ ዘርኢ ጣልያን ከም ዘለዉን ከም ዘይነለለዮምን ከኣ ንመዝግብ፡ ዋላክዋ እቶም ማፍያን ሠፋቱ ሰብ ፖሊቲካ ስርዓት በተንቲን ዝነውረመን ኣነነታዊን ነገር ወሰንቲን እንተኆኑ፡ ብመዋዕላዊ ስንፍናኦም ዚሓፍሩ ዘጋታት ኣለውዎም

    ኣብ ኣፍሪቃኦም ኮፍ ዘይብሉ፡ ኣብኡ ጸገሞም ዘይፈትሑ፡ ወይ ኣብ ጸገማቶም ዘይጥሕሉ፡ እንታይ ኪገብሩ ናባና ይስደዱ፡ ኣብ መኣዲና ይቃጸጹ ዚብሉ ኣካላትን ጉጅለታትን ብቀሊል ይስዕሩ ኣብ አውሮጳ ኮነ ምዕራባዊ ዓለም፡ ርግጽ፡ ትማሊ-ትማሊ ንኣፍሪቃና ብጽንፋ ዝወረሩ-ዘጥፍኡ ሎሚ ቅዱሳት ኣህዛብ ኣይኮኑን፡ ደቂ አሪትራ እዚ ክንፈልጥ የድለየና፡ እዚ ግሁድ ነገር ናብራን ዛንታን ኣይጠፍኣናን፡ ክንፈልጦን ፈሊጥና መዘዙ መዚና፡ ካብ ሓደጋ ክንድሕን ግድን ኢዩ፡ እቶም ነፍሲና ናብ ሓደጋታት ስደት ነውፊን እቶም ብባዕዲ ህንካ ካብ ማሕዩር ረሰሓት ዓረብ ዲዮም በደው ተናገፍ፡ ንዋይ ንሠፋቱ ሲና ሃቦም፡ ንደለልቲ ሊቢያ ከኣ መንጡዎም ንብል ብህይወት መቕርብ ንኡስ ወለዶ ንጻወት

    ኣቱም ገንዘብ ዘሎኩም ዘመድ ነቶም ትሕግዙዎም ናብ ምድሪ ጂቡቲ-ሶማል … ኣቢሎም ዚነፍጹ ን ኣብነት እንተለዉ፡ኣብቲ ሕግዋ ዓዲ ገለ በትዕዮ ኪተኅሉ ምሕጋዝዶ ኣይምሓሠኩምን፡ ንገሊኦም ፈውሲ ስደት-ሞት ስግር ባሕሪን እንተኆነ፡ ኣሥሓት ምስ ሃብኩም ሰብ ኪጠፍኣኩም፡ ንኩሉ አሪትራ ኪጠፍኡና ዲኁም ትደልዩ፡ ብኩሉ ክሳራ ዶ ኣይኮነን፡ እዚ ኣይጠፍኣኩምን፡ ወጽዓን በደልን ንብሃገሩ እወ፡ ይዋእ አሪትራ! ዓደየ ዓዲ-ጀጋኑ! ጥልመትን ህድማን ተደራረባ ደኣ፡ ደራፋይና ኣይርአ፡ ካብ ሞት ክትንስእን እዚ ኪርእየለይን ኣይምነን ኣነ

    ደቂ ሃገር፡ መጻወዲያታት ይሳፋሕ፡ ይራባሕ ኣሎ፡ ንጠንቀቕ ደኣ፡ ነቶም ደለልቲ ነለልዮም፡ ኣብ መዳያቶም፡ ማሕበራት ሰባዊ መሰላት ካብ ዝኆነ ሠራሕቲ ፖሊቲካ ኣየድሕኑን ኢዮም፡ ሥርሒ ከተርቲ ንገንጽል፡ ዕሱባት እዚን እቲን ኪኆኑ ቀሊል ኢዩ፡ ፖሊቲካዊ ቅጥፈት ሰፊሕ ኢዩ፡ ሰብና ከይለከሙ ኣብታ ጃልባኦም ንቐይዶም፡ ንቐደም ንኣታቶም ከነጥሕሎም ኢዩ ተሪፉና፡ ድሮ መንግስቲ ኢጣልያ ሓያሎ ምኣሰረ እሞ ምፈረደ እሞ ምኆነነ እሞ መፍገደ፡ ከይድገም መራኅብ ውግእ እውን ኣብቲ “ራብዓይ ደንደስ” ዝበሉዎ ምሰርዐ፡ እነሀ ግን ፖሊቲካ ጣልያን ምልጦ፡ ይመልጥ፡ ብሓደጋ ሞት ደቂ አሪትራ ኣሥካዕለል ይጻወት፡ እታ ሲኞራ ከንቲባ ላምፐዱሳ ትሕሠሉ፡ ብግህዶ እሞ ንጹሕ ክሳ ዘመልከተቶ ዘይመሓር ሠለለታ ሕልናን ሓላይ ጳጳስ ሮም ዝሓፈረሉ ጅምላ ጥሕለትን ኣይነከየን ገደደ ደኣ ጅምላ ጥሕለት

    ሰብ ሕልና እንተለዉ እውን፡ እቲ ድሕነትናሲ ካብ ርእሲና ኢዩ፡ ባዕሊና ኢና ኣጻምእ ሳሃራ ንረግጽ፡ መፍቶት በደው ዶ ዓረብ ኣብ ሱግሚ ስደትና ንሕለኅ፡ ብዘይ መደብ ንህንደፍ፡ ንጥፍኣት፡ በዘይ መሓለውታ፡ ኣብ ስደት መተክእ ሃገር ረብሓት ከምዘሎ ናብ ባሕሪ ንድፋእ ዘለና፡ ነፍሲና ዘይሓለውና፡ ዘይሰተርና፡ መን ኢዩ ዚሕልወልናን ዚሰትረልናን፡ መን

  • wedi selam October 4, 2014

    ደም ንጹሃት ሰቲዩ ዚመጸ ርሕራሔ ኣይመካይዱን ኢዩ

  • wedi selam October 4, 2014

    አዚ ኩሉ ግፎዒ አናተገብረ ከምዘይራኣካ ሙኻን ጽባሕ ንግሆ ዘሕፍር ኢዩ

  • Abrhet October 4, 2014

    PFDJ the curse of our people is in your head and in your evil leaders, the time will come you all of will say ” ayteredanan or Tegagina” Well I will tell you something “God Sees the truth but waits” God is waiting for you all to change before it is too late. Believe me the curse of our people will pass on to your children.
    Abrhet from London

  • ahmed saleh October 4, 2014

    Not only about the dead but I feel sorry
    while thinking about their loved once
    particularly their mothers and fathers
    back home .
    Hgdf mendef INSHAALH idkum tirekhbu
    Id halafit shendahit kem zibeluwo
    Merghem weledi dma hayal mukhanu aytires’ou
    Amlakh kab ghibre shetawnti yedhnena -AMIN

    • ahmed saleh October 4, 2014

      EID MUBAREK TO YOU ALL
      Keep focused on good intentions ,
      love and respect to one onother ,
      help the poor and the weak .
      MAY GOD GIVE US STRENGTH TO SAVE ERITREA !

  • Simon G. October 4, 2014

    I don’t think God will help Eritrea, until its people try to do something. If I am not mistaken, God told us to work and then ask for help.
    Let’s look at the diasporas:
    . Old people supports isayas
    . Priests are with him, even after the continuous drownings
    . Most educated citizens are either quiet (on the side lines – ጻዕዳ በለጽ) or with isayas
    . Many youth who had paid dearly, you see them at isayas’s events (so called festivals)
    . Most women are with isayas (married or unmarried – you can guess the reason why)
    . For all these reasons and more, God probably will decide to do nothing about us (truly, don’t pull one of the verse on me. OK?)

    • Tamrat Tamrat October 5, 2014

      I disagree on the part of the youths. All the adults and anyone under 40 who have been most of his Young age in Eritrea is a victim of pfdj in Eritrea. These Young generation are thought what Eritrea has achived is not witnessed in the Whole world despite the Whole world conspired against Eritrea. I saw one strange flim Clip how eritea won all the super Powers and on that Clip one Young gril was asked why Eritrea got so much trouble and the girl replied ‘they are jelous about us’. Simple and to the poing. Since Young age they are told how Eritrea was a horrible Place upto 1991 and how pfdj turn that land to the now relative happy land. The eritrean youth are not satisfied With what they achived despite their enermous participation but they are conditioned that horrible story before 1991 is around anytime.

      So leave the Young alone. They are the reslut of the system. For them and now they are the majority in Eritrea, this is what Eritrea means. No more No less. The confusion arrised how we absorb what 24 years With pfdj means. For some it is a short period but for many it can change a generation.

      From now on wheather you like it or not you build Eritrea on this base/background and you work Your way upwards slowly With out creating havock.

      • Tamrat Tamrat October 5, 2014

        *All the adults and anyone under 40 who …*

        I mean All youths and any one under 40…

        A 16 year old in 1991 is now 40, we shouldnt forget tha.

  • ERITRAWIT October 4, 2014

    R.I.p OUR BROTHERS AND SISTERS.

  • ahmed saleh October 4, 2014

    Simon
    Have a faith and hope not to let the few evils destruct
    your belief . Make sure to understand life will go on
    regardless all obstacles .
    At time of turning point obviously people will say
    enough is enough to rise-up , I mean those inside
    the country whose daily life affected . But to those
    in diaspora I prefer to ignore them because they
    are bunch of hypocrites who sold out their integrity.
    And tomorrow when change come they will the first
    loud supporters . Simple example of weak society who
    say ” zibereke xihayna zineghese nighusna ” . In fact
    that weakness of unreserved praise spoiled ISSAYAS
    to despise the whole .

Post a Reply to Tamrat Tamrat Cancel Reply