Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሽኩ.ሹኳ ህግደፍ መዕረፊ ሲኢኑ: ወዮ ዝሓለምዎስ ኩሉ ተበታቲኑ!

ስምስም ኣለኒ ሰሊጥባ ናበለዩ ዘታለለኒ ወርቂለኒ ብሩርባ ነሓሲባ ናለ ኣዐሹውኒ ህግደፍ ነብሱ ዘይካኣለስ ንዓይ ኩኾነኒ እነሆንዶ ድሮ ተመሊሱ ሓገዝ ይልምነኒ ብጋህዲ ኣጡሚኒ ምባል ኣሕፊርዎሲ ዕሉም ለማኒ ሊኢኹ ወሓለ ኣምባሲ ከይጠፍኡዎ ሰብ ቀርኒ ኣብዑሩ ከጓሲ መሻርኽቱ ድማ እናፈጠ ንህዝቡ ክሃሲ ህግደፍ ዘባህረሮ ዘይተረኽቦ ፈውሲ ህግደፍ

ስምስም ኣለኒ ሰሊጥባ ናበለዩ ዘታለለኒ

ወርቂለኒ ብሩርባ ነሓሲባ ናለ ኣዐሹውኒ

ህግደፍ ነብሱ ዘይካኣለስ ንዓይ ኩኾነኒ

እነሆንዶ ድሮ ተመሊሱ ሓገዝ ይልምነኒ

ብጋህዲ ኣጡሚኒ ምባል ኣሕፊርዎሲ

ዕሉም ለማኒ ሊኢኹ ወሓለ ኣምባሲ

ከይጠፍኡዎ ሰብ ቀርኒ ኣብዑሩ ከጓሲ

መሻርኽቱ ድማ እናፈጠ ንህዝቡ ክሃሲ

ህግደፍ ዘባህረሮ ዘይተረኽቦ ፈውሲ

ህግደፍ ሓቂ ክዛረብዩ ኢልካ ምጽባይ

ይሕሸካ ኣትማን ኣራቢሕካ ምፍራይ

ህግደፍዶ ሓቂ ዛረብዩ ማሕበረህባይ?

ሓንጎልኩም ዘሪኡሉ ዘጋጩ ጸረ ጠባይ

ጨካናት ከም ትኾኑ እንስሳ ኣራዊት

ህዝብና እናተሸገረ ኢድ መጣቒዒት

ኣደታት እናነብዓ ናብ ጓይላ ሳዕሲዒት

ቀሺ ኽኣ ጸናጽሉ ሒዙ ምስ ተካላት

ነውራም ህግደፋዊ ዲያቆን ምእመናን

ፓትሪያሪክ ታኣሲሮም ክንዲ ምሕዛን

ቅሽነትካ ረሲዕካ ጸግዒ ሰበ ስልጣን

ብህዝቦም ዝጻወቱ ሃዋርያት ሰይጣን

እንዳ ህግድፍ ምዓሉ ከትክኽ ዕጣን

ህዝቢ ብህግደፍን ብኣኹምንዩ ሕዙን

ድጋሞም ዕረ ጾሎቶም ሕማም መርዘን

ርህራሄ ዘይብሎም መሳርሒ ሰይጣን

የለን ብዘይካኹም ድሕሪ ህግደፍ

ብዘይካ ሓደ ሓደ ጉጅለ ሃርገፍገፍ

ዕድመ ከናውሕ ንቓልስና ዘኳልፍ

ቁሉውላው መንነት ዘለዎም ዘጻድፍ

መሲሉዎም ዘሎ ተሓቢእካ ዝሕለፍ

ኣጽኒዑኩም ኣሎ ህዝቢ ኣቦቦትኡ

መን ምኳንኩም ጉድኩም ክትቕልዑ

ነብስኹም ሕተትዋ ከይትውጽዑ

ሰላም ከይተደወለት ብእዋኑ ተጸግዑ

ህግደፋውያን ተዋሪዶም ህዝቦም ዘዋርዱ

ጉዳይ ሲናይ ንዓለም ዘዛርብ ዘሎ ዝኻሓዱ

ሃገር ጽቡቕእንተላ ታይ ትጽበዩ ዘይትኸዱ

ኮቦሮኹም ሒዝኩም ኣስመራኹም ኣኹዱዱ

ብዓል እተጌ ዱንቁ ብህግድፍ ዝምሕላ

ቤተ መቕደስ ረሲዐን ዝዋጠጣ ንጓይላ

ኣበየሎ በዓል ፈስቲቫል ኢለን ዝምህለላ

ከይተፈለጠን ጥሒለን ኣብ ገሃነብ ዒላ

ኣብ ህግደፍ ዝኳዓቶ ጋህሲ ክጽምበላ

ኣለዉ ኻኣ ብዓል ኣያ ሳርያም ዝገደዱ

ሰብ ክልተ ጸጒሪ ኣብ እርጋኖም ዝዓበዱ

ምርኩስ ሒዞም ምስ ደቅደቆም ዘኹዱዱ

ክብረተ ከልቢ ልኹፋት ባዕሎም ዝዋረዱ

ወገን ብሃይማኖት ኣሳዊሮም ሓዊ ዝኣጉዱ

ዕረፍቲ ዝሳኣኑ ሹኩ.ሹካ ዝሓዞም

ኣላዪ ዘይብሎም ሕያዋይ ዝሕግዞም

ተሰኪሙ ማይጨሎት ዝወስዶም

እዚኦምስኳ ሓሚሞም ተጸሊሎም

ካልኦት ኣለዉና ንኽስልዩ ዝሰደዶም

ሓደስቲ ዕሱባት ዕቑበኛታት መሲሎም

ሓሶት ንዘሕልፉ ዘለዉ ንጠንቀቐሎም

ብዘለናዮ ኣይንሕመቕ ብእዋኑ ነጋልጾም

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ!

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

                          13/02/2012 Norway

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • A Iyasu February 14, 2012

    To the ‘king’ of Eritrea, his emissaries, the small or great, are sacrificials to (a) create smoke screen (b) create division and (c) to satisfy his desire to stay in power at any cost.

    This ‘king’ has no fear of God and no respect for man. Everyone in Eritrea is Mr(s) nobody to him. He has held the nation hostage by hook or by crook. Hence, everyone is his victim. I would therefore, say fight with no one small or great but only with the king…..

    To the wise person who has good will at heart for his/her people and country…the target should be the king himself. We should not be inadvertently his instruments to saw hatred etc….

    Allow me to share prayer of a Saint Francis which will surely help us overcome our circumstances victoriously.
    Lord, make me an instrument of your peace,
    Where there is hatred, let me sow love;
    where there is injury, pardon;
    where there is doubt, faith;
    where there is despair, hope;
    where there is darkness, light;
    where there is sadness, joy;
    O Divine Master, grant that I may not so much seek to be consoled as to console;
    to be understood as to understand;
    to be loved as to love.
    For it is in giving that we receive;
    it is in pardoning that we are pardoned;
    and it is in dying that we are born to eternal life.

    • ahmed saleh February 14, 2012

      amen, thanks A. Iyassu.

  • Seattelite February 14, 2012

    Oppsition worshiping in HIGDEF Tewahdo Church who do they oppose?who do they worship

  • Food Stamp February 14, 2012

    ጽብቕቲ ግጥሚ,ፈትየያ,መልእኽታ ፈትየዮ ። ካብ መጠን ንላዕሊ ካብ ምድናቐይ ዝተላዕለስ,ከይተፈለጠኒ ,ኣነ ክኸውን ኣለኒ ዝገጠምኩዋ ኢለ ሓሲበ .ሃ ሃ ሃ ቀጽለሉ ሓው ! ብራቮ

  • brikhti tekhle February 20, 2012

    ተስፋማርያም “ዕሉም ለማኒ”ስ ንስኻ ኢኻ፡፡ ጐይታኻ ድኣ ዘይ ኣብ ዓዱ’ዩ ዘሎ፡፡ ዘይ ዓድኻ’ዩ ዝሕሉ ዘሎ፡፡ ንስኻ ግን ዓዲማትካ ሰፊርካ ….. እንታይ’ሞ፡፡ እቲ ግጥሚ ድማ ንገጠምቲ ግደፈሎም፡፡ ኣይተባላሹ፡፡

    ብርኽቲ ጓል መንደራ

Post a Reply to Seattelite Cancel Reply