ስጋ ፎርቶ
03-22-2013 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ማሕላ ተቐይሩ ስጋ ፎርቶ መርሖ ዝኸፈትካ ድሓን እቶ ስጒምቲ ጃጋኑ ኣየ ሾቶ ቦዂሪ ዓወት ፎርቶስ ተደይባ ድሕሪኣኸ መን’ያ ተመዲባ ዘይነጽፍ ቀለሙ ድሃይ ሃባ ሰራዊትና ቅያ እኮ’ዩ ገይሩ ጋምባለ ጅግንነት ኣምባር እግሩ ስጋ ፎርቶ ማሕረላ ተቐይሩ ኣየ ዕጥቂ ዘገርም ንቕያ ምሉእ ሃገር አነቓኒቕካያ ናትካ ስረስ
03-22-2013
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
ማሕላ ተቐይሩ ስጋ ፎርቶ
መርሖ ዝኸፈትካ ድሓን እቶ
ስጒምቲ ጃጋኑ ኣየ ሾቶ
ቦዂሪ ዓወት ፎርቶስ ተደይባ
ድሕሪኣኸ መን’ያ ተመዲባ
ዘይነጽፍ ቀለሙ ድሃይ ሃባ
ሰራዊትና ቅያ እኮ’ዩ ገይሩ
ጋምባለ ጅግንነት ኣምባር እግሩ
ስጋ ፎርቶ ማሕረላ ተቐይሩ
ኣየ ዕጥቂ ዘገርም ንቕያ
ምሉእ ሃገር አነቓኒቕካያ
ናትካ ስረስ ኣለዎ መጠልያ
ብዓል ለምለም ብዓል እዝገሃርያ
ኣስፍያ’ምበር ፎርቶ ሽሙ ዙረያ
ዋላ ዅላ ትወዳእ ምሃያ
ደቂ መርየም በጃኽን ስምዓና
ንዒድ ፈጥሪ ፎርቶ ተኸደና
መዘከርታ ወዲ ዓሊ ጅግና
ደቂ ደብረ-ሲና ደቂ ማርያም
ደቂ ደምበ ደቂ ፈራይት ላም
ፎርቶ በላ ክርስትያን ምስ’ስላም
ስሚዕኪዶ ቍናንኣ ላዕሊ?
ተሪፉኮ ኣፖሎ ትማሊ
ፎርቶ ኰይኑ ጸዲቑ ብዕሊ
ነጋዳይ ሃገረይ ክመኽረካ
ፎርቶ በሎ ኩሉ ክሰልጠካ
ሰብኣይን ሰበይትን ክገዝኣልካ
ስሳን ሓደን መስከረም ዝያዳ
ከይትርሳዕ ንፎርቶ ወሊዳ
ዘይምነዎ ህዝቢ ከፋል ዕዳ
ኣቱም ብሰውራና ተሽካዕልሉ
ደገምናኩም ሕጂኸ ’ታይ ትብሉ?
ትኣምኑዶ ትቕጽሉ ኣሉ?
ጀማሚርኩም መዝሙር ክትቅይሩ
ዘይንኽእሎ መሲሉኩም ነይሩ
ርእስኹም ኣድንኑ ንሓዋሩ
ደይከውን ግምጥልጥል ነፋሒቶ
ሓዳር ዘየግብር ዘራጊቶ
ምሳና ’ሕሸኩም ስጋ ፎርቶ
መንእሰይ ተበገስ ተበራበር
ስጋ ፎርቶ ኰይኑ ማሕላ ሃገር
ኣይትውዓል ኣይትሕደር ሕጂ ስመር
ዋላ ቆብዕ ኣብ ርእሲ ትቕመጥ
ኩሉ ንብረት ዝግዛእ ዝሽየጥ
ፎርቶ ተጠሚቑ ኩሉ ሸቐጥ
ገንዘብ ኣዋጽኡ ’ይትበሉና
ፎርቶ ሽሙ ንብረት ኣግዝኡና
እንኩም ቅርሺ ኢድና ዊጥ ኣቢልና
ክንደይ ሳዕ ኣለኩም ሃባ-ሃባ
ፍረ ኣልቦ በዚሑ ዘረባ
ፎርቶ በሉ ክትክፈት’ያ ጁባ
ስጋ ፎርቶ ኰይና ኩላ መሬት
ዘይትርሳዕ ታሪኻዊት ዕለት
ዘይትብተኽ ናይ ቃልሲ ሰንሰለት
መንእሰይ ሃገረይ ፍረ-ወይኒ
ስጋ ፎርቶ ደስ ’ኻ ትብለኒ
ፍሩታዶ ’ጽላእ መንደሪኒ
ተልዓል መንእሰይ ወደ’ምበሳ
ዝናር ጠበንጃኻ ተተርኣሳ
ስጋ ፎርቶ እንዳበልካ ተኲሳ።
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
YEMANA March 22, 2013
redie nay bihaki tsibiqti gitmi bejakum eba forto zibil malya asruhulna kingezialkum ab europa zelena hay e nezia zigbera
Selamawi March 22, 2013
Simply beautiful! Thanks you.
Kombishitato March 22, 2013
Taken from asmarino pages
ካብ ሳምሶን ወዲ ገብረ ዝጸሓፎ፣ ዘገንፎ ዘዳግማዊ ከዝተርጎሞ ፤
ሲና
ምሉእ ስእልና፣
ናይ ሉሕሉሕ ምስልና፤
ሓደ ይደሚ፣
ኣብ ባዕዲ፤
እቲ ኻልእ ይስበኽ፣
ብልሳን ሽምዲ።
…
ከምቲ ጠቃር ወርቂ ዱባይ፣
ቀይሕ ደም ወርቂ ሲናይ፣
እቲ ሓደ ካብ ሓማድ ባይታ፣
እቲ ካልእ ልቢ መመዝሒቕካ፣
መሓውር ከርቲምካ፣
ኣፍ ዓቢስካ፤ ሎጒምካ።
ዓረብኛ
ወግዓዊት ተደንጊጋ፤
ኣብ ሲና፣
“እንተ ብሞትካ ወይ ብህየትካ፣”
ብመትኮሳ ተሓሊግካ* ።
* ሕላገት (ስም) ፤ ሓለገ (ግስ)
These poems recently appeared in Samson Ghebre’s Facebook.
Sinai
A picture perfect.
Our disjoint reality.
One bleeds in alien land.
The other – preaches of the said tongue.
*********************
Arabic
Declared official
In Sinai
Dead –
Or alive?
*****
As the black gold – in Dubai.
Blood gold – in Sinai.
One from the dirt ground.
The latter – a heart torn, gagged and bound.
ኣምበሳ እቶን March 23, 2013
ፎርቶ ዶ ክብለኪ ኤርትራዊት ፎርቶ
ጣልያን ክዓርደሉ ኣስመራ ዝሰረቶ
ጥሪ 21 ወዲዓሊ ተጠሊሙ ሂወቱ ዝሓለፈቶ
ጅግንነቱ ምእንቲ ህዝቢ ንህግደፍ ዘሰምበደቶ
ድያስፖራ እኳ ክልተ ወርሒ ኣዛሪባቶ
ግን ሓቅነት ኣይነጥፍእ ንምግናን ንመክቶ።
ንጎቦ፣ ጻጸ እምባሶይራ እንዳእከሉ
ንማንቲለ ፣ሓርማዝ ጌሮም እንዳስኣሉ
ንነብሪ፣ብጭርኡ ወጢጥናዮ እናበሉ
ንሕንጣጦ፣ ዕልዋ መንግስቲ እናምሰሉ
ኣየድህሩና፣ ዘይከውን ተስፋ እናዓደሉ
ሕጅስ በዚሑናስ፣ከድጕሓና እኳ ´ይሉ
ኣይንበልዕን፣ናይ እንጀራ ሕልሚ መኣዲ ኣልዕሉ።
ህዝብና ቀደም ዝትዓሸዎ ይኣኽሎ
ሕስረት ዝወልድ ቃልሲ ተጋድሎ
ዝጠጅኦ ህዝቢ ምስደቁ ደገ ኣሎ
ውሽጢ ዘሎ ሓፋሽ ይስሕኖ ከም ሞቕሎ
ናይ ሓሶት ተስፋ በዚ ኣይነቐብሎ
ክሳቐ እዩ ካብዚኣ ዝኸደሉ ስለ ዘየሎ
ብግጥሚ ዝተዓልወ ስርዓት ክሳዕ ዝቕልቀሎ።
MAIAYNI November 8, 2013
THE PEOPLE OF ERITREA ARE STILL DO NOT HAVE FULL INFORMATION OR THEY ARE BLINDING THEM SELVES NOT TO KNOW WHAT,WHO…SHAEBIA IS .ALL OF US WE ARE SUPPORTING ,NOT ONLY THE ONE WHO IS AT HOME BUT ALSO WHO LIVES ABROAD..WAKE UP …follow what the Ethiopians doing they are constructing their country