Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ናይ ሰላም ተበግሶ ተኾኒኑ: ዓገብ – ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ  ናይ ሰላም ተበግሶ  ተኾኒኑ: ዓገብ ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ ኣብ  መስከረም. ኮም   ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ! ወያነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምዕባሌን ኣገዲሱዎም ኣይፈልጥን’ዩ! ዘርእስቱ ክቡር  ቀለታ ኪዳነ- ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ  ጽላል/ጸግዒ

ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ  ናይ ሰላም ተበግሶ  ተኾኒኑ: ዓገብ

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ኣብ  መስከረም. ኮም   ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ! ወያነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምዕባሌን ኣገዲሱዎም ኣይፈልጥን’ዩ!

ዘርእስቱ ክቡር  ቀለታ ኪዳነ- ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ  ጽላል/ጸግዒ  ረኺቦምሉ ዘለዉ ሃገረ ኢትዮጵያ  ምስ   ኢትዮጵያውያን ሰላም ምጽውዖም ኮኒንዎ።  ንገሊኦም ንጡፋት  ከደዓት ዝብል ስም ኣጠሚቁዎም። ኢሪትራውያን ሰላም ምጽውዖም  ናይ መንግስቲ ኤትዮጵያ ኣጀንዳ – ከም ዘማልኡ ገይሩ ወሲድዎ።  ንሰላም ምጽዋዕ  ንረብሐ ክልቲኡ ህዝብታት ምኻኑ ተሪፉ ንረብሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ገይሩ ወሲድዎ።  ሰላም ምጽዋዕ እንታይ እያ እታ ሕብእቲ ኣጀንዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ እስኪ ብሲሚዒት ዘይኮነስ ብመርትዖ ኣብርሃያ፥ ክቡር ቀለታ?

ህግደፍ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ  ጥራሕ ኣይኮነን ኩናት  ዘካየድ ዘሎ  እቲ ዝኸፋኤ ዝሑል ኩናት ኣንጻር ህዝቢ ኤሪትራ እዩ። ብዕለት 18/09/2001 ኢሳያስ   ናይ ህዝባዊ ግንባር መራሕቲ ዝነበሩ  ከም ጀግና  ጀነራል ዑቅበ ኣብረሃ  ኣብ ሰመናዊ ሳሕል ዓስኪሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ ገዚፍ ሐይሊ ውቃው እዝ ምደምሳስ ዝመርሔ ፥ ጴጥሮስ ሰሎሞን – ሐላፊ ናይ ሚሊታሪ ኢንተሊጀንስ – ናይ ስለያ 72  ዝነበረ፥  ማሕሙድ ሸሪፉ  ሐላፊ ዞባዊ ምምሕዳርን  ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ 8 ካልኦት ሰበስልጣን ሐዊስካ  ምስ ኣሰረ – ስልጣን  ሙሉእ ብምሉኡ ቢሒቱዎ። እዚ ዕልዋ  ኣብ ትካል  ህግ-  ኤሪትራ ኣብ መንግስቲ ገና ከይተሰጋገረት ከላ እዩ – ክሳብ ሕጂ እውን ኣይተሰጋገርን – ሽዑ ኢሳያስ ኣበርዒንዎ ።  ቀጺሉ ምስቲ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ዝተሰማምዕሉ ጉዳያት ዝደናገጽ ተጋዳላይ እናተሀድነ ተኣሲሩ። እተን ብቓጻ ዘእሰረኦም መንግስቲ ከቁማ ዝነበረን ታሪኻዊ  ዛዕባታት/ጠለባት-   ኣብ   ኣኬባ ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ  ዝጸደቃ  እየን ነይረን።  እሰን ከኣ  ኣብ መጀመርያ 2001 ናይ ህግደፍ ወድባዊ ኣኼባ ክካየድ – ኣብ ኤሪትራ  ብዝሒ ፖለቲካዎ ወድባት ክቖማ ንዓታተን ዝገዝእ  ሕጊ ክንደፍ። ንዓኣ  ዝመርሕ ኣቦ ወንበር – ኣብቲ ኣኼባ ማሕሙድ ሸሪፎ ተመሪጹ – ብ ሕግታት ቑዋም ተገዚኡ   ኩሉ መሳላጥያታት ምስ ተማልኤ  ኣብ መጨረሻ 2001 ናይ ሀገር ምሉእ ምርጫ ክካየድ እሞ ብወግዒ መንግስቲ ኤሪትራ ክቐውም።  እዚ ከይከውን እዩ  ኢሳያስ   ነዞም  መራሕቲ ህግ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊቲካ ቢሮን፣ ማእከላይ ሽማግለ ዝኣሰረ። እዚ ሐቒ ምኽንያት ግን ካብ ህዝቢ ከም ዝሕባእ እዩ ተገይሩ።

ነዚ ሐቂ መታን ከየቓልሑ ከኣ እዩ ነቶም ካብ ህዝቢ ኣድናቆት ረኺቦም ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ብቑልጡፍ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎም ። ምስ ምእሳሮም ናጽነት ሐሳብካ ምግላጽ ኣብ ኤርትራ ተከልኪሉ። በዚ  ህግደፍ ብዓለም ደረኛ ኩንንቲ እያ። እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለው ደገፍቲ ህግደፍ ጋዜጠኛታት ጥራሕ ኢዮም ብነጻ ክጽሕፉ ዝኽእሉ። ተኣሲሮም ዘለዉ ብጾትና ጋዜጠኛታት ይፍፈትሑ ግን ኣይበሉን ክሳዕ ሕጂ – መንጠሊና በለጽ ስለዝለበሱ።

ብድሕሪኡ በቲ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን ዝተባሕተ መራኸቢ ብዙሐን ኤሪ-ቲቪን ጋዜጣ ሐዳስ  ኣሪትራን ገይሮም ነቶም ሰበስልጣናት ብሐሶት ብትሕቲ ሀገራውነት ኣናኸሰሱ ህዝቢ ከም ዝደናገር ገይሮሞ። ቁሩብ ኣዋርሕ  ጸኒሖም ዝኾነ ይኹን ተጻብኦ ካብ ህዝቢ ከይመጾም ብምፍራሕ ንህዝቢ፣ ብሕልፊ ንመንእሰይ፣  ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ከእትውዎ ናይ ግድን ኮይኑ። እዚ ክገብሩ ግን  መሰል ህዝቢ  ምግፋፍ  ተተሐሒዞሞ።

እቶም ናይ ብሐቂ ናይ ገድሊ  ህግ መራሕቲ ኣብ ጸልማት ቤትማእሰርቲ ኣትዮም ምስሐቀቁ ናይ መሪሕነት ተራ ዘይነበሮም ከም የማነ ገብረኣብ / ሐጎስ ክሻ/ ዓብደላ ጃበር – የማነ ገብረመስቀል በትረ መንግስቲ ወሪሶም- ንህዝቢ የሳቕዩ ኣለው።  ኢሳያስ ኣብ ምግሃስ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ መሳርሕቱን  ተሐባበርቱን ገይሩዎም።  ንየማን ገብረኣብ/ማንኪ  ኣብ ሮማ ኢጣልያ  ዝወረደ መጥቕዕቲ ትም ኢሉ ዝመጸ ኣይኮነን፡ ናይ ህዝቢ ሐያል ጽልኢን ተቛውሞን  መስትያት እዩ፡፡ እቶም ሕጂ ንህዝቢ ዝሳቅዩ ዘለው እዚ ተርእዮ እዚ ከም ዘተሓሳስቦ ጥርጥር የልቦን።

ኢሳያስ ኣይለበመን እምበር – ህዝቢ ንዓመታት ናይ መራሕ መንግስቲ ቦታ ክህቦ ብዙሕ ዕድለ ነይሩ። ንቡዙሓት ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲ እዝጊሄር ኢሳያስ እዩ ነይሩ፥ ነቲ ሽግ  ናጽነት መሪሑ ስለዝአተዎ። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓዲን ኣብ ወጻኢን ህቡብ ስለ ዝነብረት። ከም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መራሒ ማንደላ ምኾነ፥ ሐወልቲ ምተሰርሐሉ። ከምዚ ሕጂ  ህዝቢ ኤርትራ ሐፍ ዘይበል መርገም ንሰማይ ኣይመዕረገሉን።

ሐው ቀለታ፥ እዞም   ልዕሊ 160,000 ዝኾነ ኤሪትራውያን   ኣብ ኢትዮጵያ መዕቖቢኦም ምኽንያት ኣብ ሀገሮም ብሰላም ከነብሩ ብዘይምኽኣሎም ዶ ከይኮነን?   ኣብ ልዕሊ  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩናት ዝኸፍእ ሰላሕታ ኩናት ይካየድ ምህላዉ ጠፊኢዎ ዶ ይኸውን? እሞ ስለምንታይ ደኣ ብዙሓት  ደገፍቲ ህግደፍ ዑቅባ ሐቲቶም ካብ ሀገር ተሰዲዶም ኣብ ወጻኢ  ዝነብሩ ዘለው።   ኤሪትራ ብዙሕ ጉልበት ሰራሕተኛ ታት  ንስደት ተረክብ ኣላ  ስለምንታይ  ዓዲ ከይዶም ዘይትክእዎም ።

ኣብ ኤሪትራ ዝኸይድ ዘሎ ጭቖና ህዝቢ ዓለም ፈሊጥዎስ ምስ ስደተኛታት ካብ ዝደናገጽ ብዙሕ  ዓመታት ሐሊፉ።  ኣብተን መሰል ወዲ ሰብ ዘኽብራ ምዕራባውያን ሀገራት – ዑቕባ ረኺቡ ። ካባኡ ሐሊፉ – ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሐደ ኣቦ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ ካልእ ሀገር  እንተሊዮም- ቀይሕ መሰቀል ናይ ነፋሪት ቲከት ከፉላ ተምጻኣሉ።   ዝተበታተነ ስድራ ቤታት ስድተኛታት  መታን ክተኣኻኸብ ብሕጊ  – መንግስቲ እንግሊዝ ቪዛ ትህብ ኢያ። በዚ  መገዲ  ብዙሐት ስድራ ቤታት ኢሪትራውያን  ተሰቲረን እየን።እዚ  ተመኩረይ ናይ ዓዲ እንግሊዝ እዩ እምብር ካላኦት ምዕራባውያን ሀገራት ከምኡ ከይገበራ ኣይተርፋን እየን።

እወ ኣብ ኤሪትራ ህዝቢ ብነጻ ሂወቱ ክመርሕ ኣይከኣለን፥ ግዝኣተ ሕጊ የለን ናይ ጸጥታ ሰባት ንዝኾነ ሰብ – ኣንጠልጢሎም- ክኣስሩ መንኢኻ ዝብሎም የለን፥ ኣሲሮም ከብቁዑ – ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡዎምን። ኣሸሐት ሰባት ኣብ ልዕሊ 360 ቤት ማእሰርቲታት  የበልዩ ኣለዉ። ናይ ቑጠባ ምዕባለ የለን። እቲ ኣዋፋርን ሰብ ሞያ ኤርትራዊ – ናይ ምንባር ውሕስነት ስለ ዘይብሉ – ኣብ ደብብ ሱዳን- ኡጋንድ  ወዘተ- ገንዘቡ የዋፈር – ይሰርሕን ኣሎ። እቲ ዝኸፍኢ ምኽናያት ዋሕዚ መንእሰያት ንስደት ኮይኑ ዘሎ ግን  መንእሰይ ብሐይሊ   ብስም  ቑጠባዊ ምዕባላ  ሃገር ኣብ ህንጻን – ጽርግያታትን  ብኮረነላት ዝውነን ሕረሻታትን ኣብ  ብነፍሱንን ካላኦት ናይ ኣህጉራውያን ኩባንያታት  ማዕደን ከም ወርቒ፥ ነሓስን ፖታሽን ንዘይተወሰነ ዓመታት  ከም ከዘገልግሉ ስለ ዝተገብረ እዩ።    መጻኢ ዕደሎም ዘርሞ ዘርሞ ኮይኑ ተሪፉ። ሃጽ ኢሎም ብሰላም  ክሰርሕሉ ዝኽሉ ሃገራት ክኸዱ መሪጾም።  ብሐይሊ  ንሰብ ኣብ ስራሕ ምቑራን ባረነት እዩ። እዚ ግህሰት ሰብኣዊ  መሰል ህዝቢ ኤሪትራ ምዝርዛር ኣየድልየንን እዩ፡ ዓለም ምሉእ ዝፈልጦ ስለ ዝኾነ። ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ኣዳም ዝፈጸመት ሀገር -ኮይና ጸሊም ታሪኽ ኣብ ዓለም ዘመዝገበት እያ። እዚ ከኣ መለለይኣ እዩ ። ህግደፍን ሰዓብቱን ንባህሪያዊ ሃብታ ክምዝሙዙ ዝመጹ ኣዕሩኽቶምን፥ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዑሱባትን  ሰፊሕ ፕሮፖግፖጋንዳ እንተገበሩ ነዚ ሐቂ ክልውጥዎ ከቶ ኣይኩእሉን እዮም።

ምርጫ ስደተኛታት ናብ ሃብታማት ሃገራት  ኢሮጳን፣ ኣመሪካን፣ ካናዳን- ኣውስትራልያን  ምኻድ እዩ።  ስደተኛታት ኤሪትራውያን ናይ ግድን ብጎረበት ሀገራት፥ ብኢትዮጵያን ብሱዳንን ክሐልፉ ኣለዎም። ኽሳዕ ዝሰልጦም ግን ኣብ መዓስከር ስደተኛታ ይጸንሑ። ብዙሐት ኣይሰልጦምን እዩ፡ ብሕልፊ ኣብ ወጻኢ ዘመድ ዘይብሎም ሰባት። ኣብዚ ግዜ እዚ  እዘን ምዕራባውያን ሀገራት  ንሰደተኛታተ ማዕጾኤን እናዓጸዋ ይኸዳ ኣለዋ። ስለዚ ሂወት ኣብ መገዲ ዘለዉ ኣሸሐት ኤሪትራውያን ኣብ ሐደጋ ይርከብ። ሎሚ መሰል ስደተኛታት  ይተሐሎ ኢልካ ብሐይሊ ኣቤት ዝበሃለሉ ዘመን እዩ። ኣብ ኤሮጳ እቶም መሰል ስደተኛታት ዝቓለሱ ኤሪትርውያን –  ንድሕነት ኤሪትራውያን ሐያል ስራሕን ጎስጋስን ዘካይድሉ ህሞት ኮይኑ ኣሎ።

ኤሮጳዊ ሕብረት ደጊም ስደተኛታት በዚሖሙና ዋሕዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ  ኢሎም -ኣብ ኤርትራ ዝካያድ ምግሃስ መሰል ሸልል ኢሎሞ ኣለዉ።    መንግስቲ ጣልያን  ነቲ ሐያል ሐጋዚ ስደታኛታት፥ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ክብረ ወሰን ሽልማት ሕጹይ  ዝነበረ (candidate of noble peace price) ፥ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ተሐባበራይ  ናይቶም ዘሳጋግሩ   ኢኻ ኢሎም ኣብ ቤት ፍርዲ ምኽሳሶም  ካብ ዓቅሊ ጽበት እዩ።  ኣባ ሙሴ ነቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጣልያን ብመርከብ ዝጎዓዙ ኤሪትረውያን ናይ ምጥሐል ሐደጋ ምስ ዘጋነፎም ነተን ኣብ  ባሕሪ መዲተራንያን  ተዋዲደን ዘለዋ ናይ ኣድሕን መራኽብ – እናደወለ ክንቃሳቀሱ እናዛኻኸረ  ክንደይ ሂወት ኤሪትርውያንን ካላኦት ኣፍሪቃውያንን ኣድሒኑ እዩ ። መንግስቲ ጣልያን ግን እዚ ስራሕ ኣይደለይዎን። ኣባ ሙሴ  ሂወቶም ወፍዮም ንዝተጭቖነ ህዝቢ ኤርትራ  ክጣበቁሉን ካብ ክንደይ ጸበባ ከድሕንዎን ምኽኣሎም  ሂያው ኣብነታዊ ጅግና እዮም።

ኣብ ዝሐለፈ ጊዜ ከምቲ ዓመት ዓመት  ናይ ስደተኛታት መዓልቲ ዝበዓለሉ  ዓሚ  ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት- ኣብ ፓርሊያመንት ስኮያር (Parliament square – in front of the Parliament)- ናይ ሐሙሽተ ሚእቲ ካብ ምጥሐል ዘድሕን ጃከት – ጸጢሖም – ስደተኛታት- ከይጥሕሉ  ንኣባላት ፓርላማ ክግደስሉ ኣለዎም ዝብል  ሙሉእ መዓልቲ ጎስጋስ ኣካይዶም። ኣብታ መዓልቲ ኣሽሐት ህዝቢ ሪኢዎ። ኣነ እውን ንመዘከርታ ንበይነይን ምስተን  ምስ ማሕበርና  ዝተሐባበራ  3 ኣባላት ማሕበር ሚይግራንት ቮይስ Migrant Voice  ተጣበቅቲ መሰል ስደተኛታት  ዝተሰኣልኩሉ ጊዜ እዩ። ስእሊ ተመልከት

እዚ ጊዜ እዚ ኩሉ ኣብ ዲያስፖራ መሰሉ ተሐሊዩሉ ሰሪሑ ዝነበር ኤራትራዊ ንስደተኛታት ኣሕዋቱ  ዝሕግዘሉ ህሞት ክኸውን ምተገብኤ። ደገፍቲ ህግደፍ ብዝያዳ ይምልከቶም እዩ። ንሶም ንህግደፍ – ሀገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ወርሒ ይኹን ክብሉ ካብ ኤሮጳውያን ንላዕሊ ብዝያዳ ምተሰምዑ ፡፡ ከምኡ ዘይምባሎም ግን ኣይግድን።  መብዝሕትኦም ደገፍቲ ካብ ራዕዲን ፍርሕን  ከም ዝተበገሰ ጋዜጠኛታትን ተመራመርትን ይገልጹዎ እዮም።

ሎሚ  ስደተኛታት ዝጽልኣሉ ጊዜ  ሂወቶም ኣብ ሐደጋ ኮይኑ ኣሰቃቒ ጊዜ ኢና ዘለና፡፡

ኣብ ሱዳን ኤሪትራውያን ብዘይ ፍቃድ ኣትዮም ተባሂሉ ይእሰሩን  ናብ ኤርትራ ይጥረዙ ን ኣለዉ።

እስራኤል ነቶም ሰሪሖም ዘበልዑ ስደተኛታት – ናብ ሩዋንዳን ፡ ኡጋንዳን – ትጥርዞም ፡፡

ሕብረት ኤሮጳ – ንሊብያ ገንዘብ ሂቦም – ስደተኛታት – ኣብ ፍሉይ ቦታታት – ብዘስካሕክሕ ኣተሐሕዛ – ሒዞሞም ኣለዉ። ኣብኡ ምቅጥቃጥን – ምዕማጽን የጟንፎም  ኣሎ። ብዙሐት ኣህጉራዊ ማሕበራት ከም ቀይሕ መስቀል- ተጣበቅት መሰል ህጻናት – ተቓውመኤን ይገልጻ ኣለዋ፡ ከማኡ እውን ብኤሪትራውያን ዝቖማ ማሕበራት።

ኣብ የመን ዝረከቡ ኤሪትራውያን  ኣብቲ  ናይ ሱዑዲያ ነፈርቲ ካብ  ወደብ ዓሰብ ነቂለን ንየመን ዝደብድባ ዘለዋ – ግዳይ ኮይኖም- ካብ የመን ካላኦት ሀገራት ዜጋታተን ከውጽኣ ከለዋ – ኤሪትረውያን ግን  ዝግደሰሎም  መንስግስቲ ሲኢኖም   ኣብ ምዕራብ ዘለው ኤሪትራውያን ሐጉዙና፣ ካብ የመን ኣውጽኡና ይብሉ ኣለው።  ሎሚ ብምኽንያት ኩናት ኣብ የመን ካስብ 7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ጥምየት ይረከብ- ብጥምየት መዓልቲ መዓልቲ ብዙሐት ሕጻውንቲ ይመቱ። ኣብዚ  ኩናት ህግደፍ ኢድ ስለ ዘለው  ዕዳ  ንህዝቢ ኤሪትራ ተምጽኣሉ ኣላ።

ኣብዚ ንሰደተኛታት ኤሪትራውያን ዝኸፋኤ ጊዜ ኣብ ክንዲ  ንምሕጋዞም ምብርባር – ናይ ሰላም  ድምጾም እንተስምዑ ምኹናን እንታይ ይበሃል፡፡  ንቡዙሐት ደገፍቲ ህግደፍ – ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ከም  ቁጽሪ እምበር – ቤተሰብ  ኤርትራውያን ምኻኖም ኣይተረድኦምን።  ነጊሱ ዘሎ ዘረባ – እንታይ ገደሰካ- ኣይትቐደም-  ስድራኻ ካብ ኤሪትራ ኣውጺእካ  ኣብ ወጻኢ ዘይትነብር እንታይ ዝኸውን ፖለትካ እዩ።

ኤሪትራውያን ኣብ ግብጺ ፣ ሊብያ ክእሰሩ ከለዎ ፡ካብ እስራኤል  ክስጎጉ ከለዉ፡ ኤሮጳውያን ማዕጾኦም ክዓጽዉዎ ከለዉ  ኣብ ኢትዮጵያ ግን ከምዚ ዓይነት ግፍዕታት ኣይተራእየን፡ ኣብ ዩኒቨርሲታቶም ስኮላርሽብ ንብዙሐት ይህቡ። እዚኣ እያ እታ መራር ሐቂ  ንበዓል መስከረም ተሓባበርቶምን ክትዋሐጠሎም ዘይትኽእል። እዞም ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ዝመሃሩ ዘለዉ ስደተኛታት   – ኣብ ዲሚክራስያዊት ኤርትራ- ኣብ ምምዕባል ሃገር ዓቢ ተራ ክህልዎም እዩ። ንሰላም  እንተዓየዩ  ዝድገፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብምህላዎም ዓቢ ብልጭ ኣለዎ ፥ ምኽንያቱ   ናይ ሰላም ድልድል ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ክኾነ ስለዝኽእሉ።  እዚ ቁዱስ ተበግሶ እዚ ነቶም ኣብ  ወጻኢ  ንነበር ዘለና ኤሪትራውያን ኣብነትን  ብድሆን እዩ።

ርግጽ እዩ ኢትጵያን ኤርትራ ኣብ ዘየድሊ ኩናት ኣትየን እየን- ሰላም ግን ምስ መባእስትኻ ኢዩ ዝግበር።  ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣብ ኤሪትራ መሰል ህዝቢ ዝሕሉ መንግስቲ ጸሊኦም እዮም፡ ከምቲ ኩሉ ወዲ ኣድም ኣንጻር ግፍዔ ዝተንስኤ  ንህግደፍ – ከነልግስ   ብረት ኣቀቡሉና  ክብሉ ምኸኣሉ ነይሮም። ልክዕ ከምቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያውያን ተቃወምቲ ብህግደፍ ምሉእ ናይ ገንዘብ ናይ መሳለጢ ናይ  መነባብሮ – ናይ ወታሃደራዊ ስለጥና ሐገዝ — ኣናረኸቡ- ሰሊኾም ኣትዮም  ቡምባ ክገብሩ ምኸኣሉ ነይሮም። ግን ኣይበሉን።   ናይ ሰላም መገዲ  መሪጾም።

ንሰላም ምኹናን ኣብ መስከረም.ኮም ኣይገርመንን እዩ።  ኣብ ህዝቢ ኤርትራ  ብህግደፍ ወሪዱ  ዘሎ ኩቱር ግፍዕን -ምብታታን ህዝብን ምቅላዕ ከም ኣሳሔታ ስለዘፍርሖም ኣብ ጽሑፎም  ኣይገልጽዎን እዮም። እታ መህደሚት ዝጥቀሙላ ሜላ ኣብ መንጎ ተቕዋውምቲ ውድባት ኢሪትራውያን ዘሎ ዘይምርድዳእ  መዝሚዝካ ምርባሕን ምንሻውን  እያ። ካልኣይ  ኩሉ ብመንግስቲ ኤሪትራ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ጭቖናን  ነቲ ወያነ- ኢሎም ከም  ዲያብሎም ዝውስድውዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሐላፍነት ምስካም እዩ።   ብኣታቶም  ህግደፍ ገበነኛ ኣይኮነን  እቲ ድያብሎስ/ወያነ  እዩ።    ናይ መንግስቲ ኤርትራ ገበን ክሽፍኑ  ወግሔ ጸብሒ ኣንጸር መንግስቲ ኢትዮጵያ  ምስቶም ተቋወምቶም ኮይኖም ፕሮፖጋዳ ከካይዱ ኣለዎም።  እሱ ከኣ ኣንጻር ድልየት ህዝቢ ኤሪትራን ኢትዮጵያን እዩ – ኣብ ስደት ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ ስለዝኾነ።   ኣብ መስከረም.ነት  ስሕት ስሕት ኢለ ይኣቱ  እየ ። ብዙሕ ጊዜ  ናይታ ብህግደፍ ትምወል  ኣብ ኤርትራ ዘላ ናይ ግንቦት 7 ፥ ኢሳት ትበሃል ቲቪ  ናይ ፕሮፖጋንዳ  ቲቪ የእንግዱ።  እዚኦም ልዑላውነት ኤሪትራ ዘይፍልጡ  ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዮም። እቶም ናይ ትግራይ ናይ ኦሮሞ ተቛወምቲ እኳ ካብ ኤሪትራ ዘየዋጽኦም ፈሊጦም ጠንጢኖሞም ወጺኦም እዮም።

ስለዚ ሰላም ምጽዋዕ ምስዚ ናይ መስከራም ሜላ ስለ ዘይከይድ ክኹነን ኣለዎ።  ኣነ  ኤሪትራውያን ስደታኛታት ምስ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ክሕቱ ከለዎ የገናዕ እብሎም። እዚ ከኣ ዝኣምነሉን ዕላማን  ናይ  ማሕበረይ – ዜጋታት ን ሰላም ኣብ ኢሪትራ-   ስልዝነበረ ። – ትዝታ እውን  ፍጢሩለይ  የሕጊሱኒ – ሙሉእ ብሙሉእ ደጋፉኡ እዩ። ብዛዕባዚ ሃብታም ተመክሮ ኣለኒ፥ ብሕልፊ ክጋነፍ ዝኽእል ዕንቅፋታት። ዊዕሉ ሐዲሩ ንህዝቢ ኤርትራን፣ ኢትዮጵያን፣ ጅቡትን፥ሶማልን  ዝተረፋ ቀርኒ ኣፍሪቓ ሃገራትን -ካብ  ድኽነትን ድንቁርናን ኩወጻ እንተኾይነን ንሰላም ክቃለሳ ኣለወን። ነዚ ኣውራ ክደፍኣሉ ዘለወን ሲቪካዊ ማሕበረ ሰባት እየን ኣምበር ፖለቲከኛታት ኣይኮኑን። ኩናት እንተወሊዕካ – ብረት ብለቕሓ ዝህባኻ ብዙሐት ዓበይቲ ሃገራት ኣለዋ። ገንዘብ ካብ ኣፍ ድኻ ህዝብኻ  መንጢልካ ኣብ ሸመታ  ብረት ይውዕል። ህዝብካ ከኣ ይመውትን  ይደክን  እቶም ነጋዶ ብረት ከኣ ዘይተኣደነ መኽሰብ ይገብሩ። ዕድል ህዝቢ ኣፍሪቃ ክንደይ ይኸፍእ። ነንሕድሕዶም ይዳመዩ – ሃብቲ ሀገሮም ከኣ ብሐያላት ናይ ማዕደን ኣህጉርውያን ኩባንያታት ይምዝመዝ።  ኣብነት ኮንጎ እያ ። ኮንጎ እታ ብማዕድን ዝሃብተመት ሀገር እያ – ኣብ ሀገራ ኩሉ ጊዜ ውግእ ሕድ ሕድ ኣሎ ፡ ሃብታ ግን ብወጻእተኛታት ይምዝመዝ ህዝባ  ከኣ ውትሩ ጥሙይ። ኤሪትራ ኣብኡ ገጻ ተምርሕ ኣላ። ኢሪትራዊ  ኣንጻር መግዛእተን ጭቆናን ቃልሲ ተመክሮን ባህልን ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ ክምክቶ ጀሚሩ ኣሎ – ደለይቲ ፍትሒ ኤሪትራውያን እና ዓንበቡ ይኸዱ ኣለው።

እቲ ንዓይ ትዝታ ዘሕደረለትለይ ግን ልክዕ ኣብ 1998 ኢትዮ-ኤርትራ ኩናት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ልዕሊ 70,000 ኤሪትራውያን መብዝሕታኦም ጽቡቅ መነባብሮ ዝነበሮም፥ ካብ ኢትዮጵያ  ምስ ተሰጉ ዜጋታት ንሰላም- ካብ ሕቡራት መንግስታት  ናይ ስደተኛታት ሐገዝ ክግበረሎም – ከማኡ ኣውን  ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ከተበጋግስ እዩ ነይሩ።  እዚ ናይ ቀለታ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ  ንዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤሪትራ ዝተጋነፍና ተጻብኦታት  ኣዘኻኺሩኒ። ተወሳኺ መብርሂ ኣብ ዝቅጽል። ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤሪትራውይን ገዛ ስለዝይብሎም ኣብ   ናይ ሕቡራት መንግስታት ተንዳታት ከሰፍሩ ነይርዎም።  ኣብ መንደፍፈራ – ኩነታቶም ክንፈልጥ ኣብ ዝበጻሕናሉ ጊዜ – ሐንቲ ኣደ  3 ሕጻውንቲ ሒዛ   ዝሐደርሉ ተንዳታት ንድሕሪት ገዲፋ ክትናፈስ ከላ ክትራኢ  ከብድኻ ይበልዓካ።  ፎቶግራፋ ተመልከት::

ኣድላይነት ሰላም ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ካብ ዝተፈላለየ ወግናት ይቃላሕ ኣሎ። ሰላም ይምጸኣልና – ዝብል ቃል – ኣብ ካሉ ናይ ኤሪትራውይን ዝተ ኣኻከብሉ ኣጋጣሚታት  ከም  ኣብ ሐዘን ፥ ከምኡ እውን  ኣብ መዓልታዊ  ጸሎት ይቃላሕ እዩ።

ኣብ ማንቸስተር ዝነብሩ  ቀሺ ዮሃነስ ገብረሂወት ፣  ቤተክርስትያን ጽግዒ ውጹዓትን እሱራትን ድኻታት እዮም ዝበል ዓቢ መል እኽቲ ኣመሐላሊፎም እዮም።

ኣብ ጊዜ ሐድሽ ዓመት   ጻውዒት ናይ ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን ፥  ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ፥ኣብ በዓል ሐዲሽ ዓመት  ብኸፊል እንሆ።

“ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ሓዲሽ-ዓመት ድማ ይግበረልና ኣሜን-

ስለዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ፥ ንዓና ከም ሕዝቢ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየና ዘሎ፥ ሰላምን ፍትሕን’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ተመጺዊትካ ዝርከብ መሰል የልቦን። ንሕና ግና ከም ደቂ-ሃገርን፥ ከም ደቂ’ታ ዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንን መጠን፥ እዚ ኩሉ ናይ ሕጊ ግህሰት እናተፈጸመ ከሎ፥ ተሰማሚዑና ኣሎ ብዘስምዕ ዓይነት፥ ከነጣቕዕ ደኣ ኢና ዝጸናሕና እምበር፥ ዓገብ-!! ክንብል ዘኽእለና ትብዓት ኣርኢና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለዚ’ውን እቲ ክሳብ ሕጂ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን፥ ቀንጢጥና ብምድርባይ “-ይኣክል-!! ክንብል እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ ብምኽንያት’ዚ ሓዲሽ-ዓመት “-ዮሓንሰየኣቶ ኣብሪሁዋ ንባይቶ” ስለ-ዝበልና ጥራይ፥ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ካብ ዝባንና ክወርድ ይኽእል’ዩ ዝብል ሰንኮፍ ኣተሕሳስባ ክህልወና ኣይግባእን።ብዝተረፈ በዓል ቅዱስ-ዮሓንስ፥ ከም ናይ ሓዲሽ-ዓመት መጀመርታ-ዕለት መጠን፥ ጽቡቕ ምምናይና ኣይተርፍን እዩ። ሠናይ ዘመን ይኹነልና ኢልካ ምምናይ’ውን ጌጋ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብጥዑስ-ልቢ ብንስሓ ኣቢልና፥ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ከይከኣልና፥ ብትምኒት ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ስለዚ’ውን እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ፥ ምስ ከበሮን ጓይላን ክንገብሮ ንርአ ዘለና ዕብዳን፥ መወዳእታ ክንገብረሉ እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ እቲ መከራን ጸበባን ክውዳእ ከም-ዘይክእል ምርድኡ ከድልየና እዩ”

ይቅጽል

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
47 COMMENTS
  • Simon G September 15, 2017

    The reason Keleta Kidane acting this way is because his parents are from Tigray (like many people who settled in many hamassien villages during Alula’s time – refer to one of Haile G. article from few months ago) but he doesn’t want to admit that. This was explained by ALENA few years ago when he was working very hard to uncover the identity of Alena.
    Same thing for Isayas and few others with identity crisis.

    • AHMED SALEH !!! September 15, 2017

      For some reason I noticed many Tigray origins who grow up in Eritrea show extreme hatred
      either against Eritrea or against Tigray . I do not know the reason behind it .

      • Simon G September 15, 2017

        Agree. Identity crisis! You don’t see that much hatred from people who grew up in their country.
        BTW, on the arrest of Saho tegadelti, you don’t see any criticism to the Woyane regime from the so called opposition. Why aren’t they asking them to be released?
        Real Woyane and hidden Woyane (HGDF) are killing our people.

        • Natu September 16, 2017

          @imon G !

          correct,

          ” …and hidden Woyane (HGDF) are killing our people. …”

          Have we already given up in the against Agame&co ?

          • Simon G September 17, 2017

            @Natu,
            I really have nothing against the ordinary people from Tigray. Really. Why would anyone hate the whole people?
            My problem is with those Woyane who are in power and working hand with hand with the hidden Woyane (hgdf) to destroy Eritrea and its people.
            I hope this is clear.

      • Danilo September 15, 2017

        Ahmed, i know two things to answer your question. One is self inferiority. The next is they want to be eritreans.

      • Sammy September 17, 2017

        Are you one of Ahmed Saleh? You have the same if more hatred against Tigrians like me. I don’t know why but hatred will get you nothing but hatred. If you hate me I will hate twofold if not more. Is it ok in your little brain to insult the whole people of Tigray simply because you might have a dispute with individuals of Tigray Origin?
        Anyways it is pointless to try to dialogue with you as you are born and bred in hate and hatred.
        Good luck with your blind hatred –

  • Danilo September 15, 2017

    Ahmed, i know two things to answer your question. One is self inferiority. The next is they want to be eritreans.

  • Habenhager September 16, 2017

    ኣቶ ጴጥሮስ ፡ እንታይ እዚ ኹሉ ኮለል ኣበለካ። መሬትካ ጎቢጡ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ካብ መሬትካ ከይወጸ ሰላም ብኸመይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ነዚ መሬት ገቢቱ ሒዙ ዘሎ ኣካል ኣብ ክንዲ ምኩናን ንሱ ኣብ ዘዳለዎ ጓይላ ከተኩ ድ ትደሊ ኣለኻ። መሰልካ እዩ። ግን ኤርትራውያን ነዚ ብስሚ ዝተጠመዓዐ ሽኮር ክ ውሕጡልካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ጥልመት መለለይ ኦም ዝኾኑ፥ ሕጂ ምስጸገሞም ሰላም ምባሎም ተንኮል እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን። በዚ ዝዕሾ ኤርትራዊ የለን።

    • Sammy September 17, 2017

      We have it since time immemorial and we will never leave it – kill yourself or take it by force simple.
      We are doing fine with you or without you guys – Don’t pretend as if you have the means and manpower to take it. Badme has always been Tigray and will remain part of Tigray- It won’t be part of the negotiation even if we continue to fight for the next 10000 years.

    • Gugisa September 17, 2017

      Your are lost with your perception. There are total of 10-kilils since 1991, as a result there happens to be occasional border conflicts between Eritrea-Djibouti, Eritrea-Tigray, Tigray-Amhara, Aamhara-Belshangul, Amhara-Oroma, Amahara- Kimant, Oromo-South, and now Oromo-Ethio Somali The Amhara Legacy is getting cleaned and tranquility will reign every where very soon!!!

  • HABTEK September 17, 2017

    Dear Habenhagher,
    Looking for peace had never been wrong any time in history.
    Looking for peace is not subjugation or sign of weakness but a sign of maturity. Would the regime in Eritrea had accepted the US and Rwandan peace proposal we would have saved not less than 1/4 of a million innocent souls from Eritrea and Ethiopia.. You said “ጥልመት መለለይ ኦም ዝኾኑ፥ ” Telemti Sirat Higdef iyom.
    Who has betrayed the Eritrean martyrs, their families and the whole Eritrean people?
    Is the freedom of the Eritrean under the Mafia “HIGDEF” a freedom?
    If this is freedom for you then you have a slave mentality or you are a stooge!
    Actually you are opposite to your pen name, you are “WIRDET HAGHER”. Please let us not write for the sake of writing. Please put yourself in the shoe of the refugees and say what you want to say. NEWRI, BIIDEEE AITIZAREB.

    Thank you Petros for the great article. Good articles are like poison for those ጥልመት መለለይ ኦም ዝኾኑ ” ERITRAWYAN!!??”

    • Beraki T. September 17, 2017

      Indeed, very well said brother/sister HABTEK.
      Please don’t be confused with the so called fake “Habenhagher” crap!!!
      The old sick goHaf Hatella Keleta Kidane is actually who is posing as habenhagher shit.
      Since the Tigreans/Ethiopians dumped him as a piece of garbage on Eritrea, he has been a bitter and resentful garbage old man who will be going to his graves as a bitter garbage shit.
      So lets not be fooled by shitty habenhagher crap, it is all Keleta the sick old warmongering.

  • Gezae September 18, 2017

    PART I

    Dear older brother I read your article cautiously. I believe it’s important to recognise that whilst much of the discussion and debate in relation to the peace in that context, as well as even the campaign focused almost entirely on a number of specific issues, such as the immigration, the question of reconcillation which requires a much broader, and much deeper consideration. I understand the topic is huge, but the need is great since peace is among the most difficult challenges. But I aware that your article baised and doesn’t seem have a very progressive position.
    Sure, peace is the desire of every beating heart and the hope of every nation and citizen, the promise of every politician, the pulse of every religious tradition, the goal of every prayer. But finding peace is a difficult task [specially between the Woyane regime of Ethiopia and Eritrea ] : because the killings that accompanied the war perpetuate hatreds, stimulate vengefulness, and fueling enemity. Thus, such emotions not only hinder efforts to settle the conflict, but produce conditions that make the renewal of war always more possible.
    To my best knowledge there is no handy roadmap for peace. There is no short cut or simple prescription for healing the wounds in the aftermath of sustained war/violence. Creating trust and understanding between former enemies is a supremely difficult challenge. It is, however, an essential one to address in the process of building a lasting peace. Examining the painful past, acknowledging it and understanding it, and above all transcending it together, is the best way toguarantee that it does not – and cannot – happen again.

  • Gezae September 18, 2017

    Part II

    Big brother, Eritrea and the Eritrean government understand the price of peace all too well. Thus why too quick from the very begnning the Eritrean government had accepted the US and Rwandan peace proposal as well as an OAU peace plan under which both countries would withdraw their armies from disputed territory, but Ethiopia has questioned the technical arrangements, thereby continuing to sabotage the peace process. Even after Algeries peace agreement and the Hague decission Eritrea’s position has been for a quick demarcation of the border by a mutually acceptable technical team in the presence of a third party to witness the process and to act as a guarantor of the outcome to avoid nonsense confrontation.
    Sir, you pretty much know that always peace is not the absence of war or conflict or enmity, but also respecting the mutual adhere for each other’s territorial integrity and sovereignty and….. Thus if you really admitting the truth, it is not the Eritrean government who impeding the process of peace and peaceful co-existence. It is as the result of Ethiopian refusal to abide by the Hague-based Boundary Commission’s demarcation to indefinitely delay the physical demarcation of border. The reasons are cloudless: the Woyane Ethiopian regime was waiting for Eritrea and Eritrean to bleed to dead and was might hoping it will be the end of PIA government. However, ironically the destructive war and no war no peace has strengthened the position of Eritrean government and PIA as logically wars usually unifies nations.

  • Gezae September 18, 2017

    Part III
    Last not least – this is not so much a principled stand as a pragmatic one; in a very important sense, true stability can only come Eritrea and Ethiopia in particular and in the Horn of Africa in general if the Woyane Ethiopia regime will show real commitment to peace and stability of the region, because the failed Ethiopian Woyane regime project, desire of /to be a regional power and trying to impose its will on its neighbors is very difficult and impossible on an empty stomach waiting Western handouts.
    Furthermore, I hold the firm view that democracy is about both the right to differ as well as the acceptance difference by all. Thus I do not believe democracy to be a concept devoid social justice, social reform, economic empowerment of the majority and seek to defend the status quo at all cost. S I suggest to be tolerant as much as we are responsible; and be critical, as much as we are constructive. however, I believe most of the so called oppositions are confused bunch a force of evil that stealthily wants to manipulate the political landscape; though that their ideas often unacceptable. .

Post a Reply to Gezae Cancel Reply