Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስካሪኮ – 3

ብ ኣወልኼር ዓ/ሕፊዝ ንሓደ ንደርሆ ምሕራድ ዝኸውን ጭካነ ዘይብሉ ሰብ፤እንተዳኣ ኣብ ኣእምርኡ ብሾቨንያ ዝተላዕጠጤ ጽልእን ፍርሕን ክትዘርእ ኪኢልካ ቀታሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቀታትላ ዘኽፈኤ ሰብ ንምግባሩ ዘይከኣል ነገር ኣይኮነን። ፍሬ ዘርኢ ጽልእን ፍርሕን ካብ ስካሪኮ ታሪኽ ዝተኣርየ ወይ`ውን

ብ ኣወልኼር ዓ/ሕፊዝ

ንሓደ ንደርሆ ምሕራድ ዝኸውን ጭካነ ዘይብሉ ሰብ፤እንተዳኣ ኣብ ኣእምርኡ ብሾቨንያ ዝተላዕጠጤ ጽልእን ፍርሕን ክትዘርእ ኪኢልካ ቀታሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቀታትላ ዘኽፈኤ ሰብ ንምግባሩ ዘይከኣል ነገር ኣይኮነን።

ፍሬ ዘርኢ ጽልእን ፍርሕን ካብ ስካሪኮ ታሪኽ ዝተኣርየ ወይ`ውን ኮነ ኢልካ ዝተኣልመ ፈጠራ ክኸውን ይኽእል። ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ናጽነት ዘይጸነሖ ድሑር/ዕቡስ ሕብረተ ሰብ ከኣ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዘራእቲ ዝቅበል ስቡሕ መሬት`ዩ።

ዑቡስ ሕብረተ ሰብ ዝኾነ ምስኮነ፤ ዝዓነወ ምስ ዓነወ፤ ዝተወስደ ምስተወስደ`ዩ መንገዲ ውሕጅ  ዝጸርግ ! እቲ ምዕቡል ሕብረተሰብ ከኣ ንናይ ጽባሕ ግምታቱ ንኣጽናዕቲ ትካላት ሂቡ መሔለውታ ዝገብር`ዩ።

“ተስፋጽዮን” ይኹን ካለኦት ዝዘርእዎ ዘራእቲ ጽልእን ፍርሕን ምኽሻሕ ከም ንዖኦም ዝናን ረብሓን ምሃብ ገይሮም ዝርእዩ፤ ዘይ ምምላስ ዝድግፉ ኣሕዋት ኣለዉ። ግና ኩሉ ነገር ብሸለል ይቅተል ማለት ኣይኮነን። ናይ ጽልእን ፍርሕን/ ፎፕያ ጎሽጓሽ ከምቲ ነቀዝ ሶሊኹ ነቲ ኸርሲ ፍሬ ዘዕንዎ መጠን`ዩ። ብኣንጻሩ እምበኣር እዚኦም ደወል ተጠንቀቅ ስለ ዝደወሉ ንህዝብና ከነዕጥቅ ስለ ዝሓገዙና ካብቲ ዘለዎም ናውቲ ዕንወት ዘለና ናውቲ ህንጻ ስለ ዝበዝሕ ክንምክት ይግባእ፤ ልክዕ`ዩ  እቲ ዘቋሰልዎ ክንድቲ ክኸውን ኣይክእልን፤ ይኹን`ምበር ንንእሽቶ ቁልዒ`ውን ኣጥፊእካያ ደቅስ ! ካብ ሕማም ጽልእን  ፍርሕን ንምክልኻል ንኹሉ ወዲ ሰብ ዘድሊ ክታበት ስለ ዘሎ። ንቅሓት።ሰብነት።

ፍርሕን ጽልእን ኣብ ደቂ ሰባት ክነግስ ምግባር ፤ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ዘመንን ቦታን ብሃገራዊ ደረጃ ይኹ ኣህጉራዊ ደረጃ ብሕጊ ዘቅጽዕ ገበን`ዩ። ናይ በዳልን ተበዳልን ዛዕባ ኣብ ዝኾነ  ይኹን ህዝቢ ብዘይካ ፍትሒ ዝፍውሶ ዝኾነ ይኹን መድሃኒት የለን። ነዚ መድሃኒት`ዚ ዘይ ምውሳድ ከኣ ነፍሰ ቅትለት`ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ክዝክሮ ደስ ዝብለኒ ኣብ ተሓኤ ይወሃበና ካብ ዝነበረ ንሾቨንያዊ ጽልኢ ዝጻረር (ክታበት)  ኣስተምህሮ ንኣብነት፡- ንኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ጎንጺ ብዝምልከት፡ ጸላኢና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት እምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘይኮነ፤እቲ ስርዓት ብተወላዶ ኣምሓራ ይምራሕ ማለት ዝኾነ ኣምሓራይ ጸላኢና ማለት ከም ዘኮነ ………… ወዘተ ። ብጣዕሚ ኣገዳስሲ ነይሩ፤ ነዚ መሰረት ገይሮም ኣተሓሳስበኦም ዝነደቁ ከኣ ብዙሓት`ዮም። ንደቆምን ከባብኦምን ጸልዮም ክኾኑ ኸኣ ተስፋ ኣሎኒ።

AAHafiz (212)14/02/2017

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • PH February 16, 2017

    Fithawi ብዘይ ፍትሒ!!!
    Scarico -3 ንዓኻውን ጠሓኒት ኢያ ። እስኪ ኣስተውዕል፡ኣብ ልዕሊ ረሳ-ተስፋ ናይ ጺዮን ኮንካ ምዝምባይ ውሕሉል ኣምራ ኣይትምሰል ። ጽሑፈይ ብምቅጻል፡ሓው ኣወልኽየር ዘቅረቦ ሓሳብ ኣሎ።ንመዓል ንስኻ ካብ assenna forum ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሊም ፕላስቲክ ጠቅሊልካ ናብታ famossa scarico -3 ምድርዳይ ኢዩ።

  • PH February 16, 2017

    ኩቡር ሓው ኣወል ኽየር፡
    ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፡ብእንፈልጦ ሙቅሉል ባህሊ ዝምራሕ ሙኻኑ ከይረሳዕኩ ንዘጋጥም ጸገማት ንምእላይ “ሕማቅ ዘረባ ጎደፋ ክደን “ይበሃል ኢዩ።ባንጻር ኣሻፈረኝ ንዝብል ይምዕድ።ምዕዶ ምስዘይሰልጥ ሙኹናን ይስዕብ።ኣብ መጨረሽታ ናብቲ ናይጎሓፍ scarico ይድርበ።ኣብ ታሪኽና ብዙሕ ዘየድሊ ጉሕፍና’ውን ኢና።ማዕረማዕሪኡ ጽቡቅና ዓቀብቲ’ውን ኢና።ስለዝኾነ፡ኢዛ ኣልዒልካያ ዘለኻ scarico ከም ዓብይ ታሪኻዊት መጽሓፍ ክሳብ ምድርባይ ኢሰያስን ምጭባጥ ኩቡር ኤሪትራዊ መንነት ተበስር ናይ መጨረሻ scarico -fine! ዘርእስታ መጽሓፍ ክትጽሕፍ ተዳሎ።

Post a Reply to PH Cancel Reply