ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም ብዕለት 26 ሕዳር ብሓደጋ መኪና ዝተሰውኡ 2ተ ዕሸላት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ተኻይዱ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝተንከፈ ዘሐዝን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክልተ ኮዋኽብቲ ስነ_ጥበበኛታት መርሃዊ ቀሺ ስብሃት-ለኣብን ዮናስ ዮውሃንስ ወዲ ኪኮን ብሓሙስ 01 ታሕሳስ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝተንከፈ ዘሐዝን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክልተ ኮዋኽብቲ ስነ_ጥበበኛታት መርሃዊ ቀሺ ስብሃት-ለኣብን ዮናስ ዮውሃንስ ወዲ ኪኮን ብሓሙስ 01 ታሕሳስ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብክብ ዝበለ ኣገባብ ተፈጺሙ።
እዞም ድሕሪ ዕለተ መስዋእቶም ክሳብ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰቦም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኣብ መጽንሒ ቦታ ንኣርባዕተ መዓልታት ብኽብሪ ተቐሚጦም ዝጸንሑ ዕሸላት ስዉኣት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊ ስደተኛታትን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትጵያውያንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰፊሕ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።
ኣብ’ቲ ህሞት ኣብ ነፍስወከፍ ናይ’ቲ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፈ ቀባራይ ናይ ምእማኑ ዘጸግም መሪር ሓዘን ገጻ-ባህርያት ይንጸባረቕ ኔሩ። ዝርንዛሕ ንብዓት፡ ዋይዋይታ፡ መሪር መልቀስ. . . ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን ብዝመልኦ መንፈስ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ።
ንመወትቲ መንግስተ ሰማይ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ንምነየሎም።
በዚ ኣጋጣሚ እቶም ኣጉል ብድዐ ዓብሊልኩም “ሕማቕ ተረኺቡ፡ ጽንዓት ይሃብኩም. . ወዘተ ክትብሉ ዝግባኣኩም፡ ኣብ ክንድኡ እዞም ዕሸላት “ስዉኣት” ስለ ዝተባህሉ ሕማም መርዘን ዝሓዘኩም፡ ኣብ ገጻት ኢንተርኔት ኣብ ዘይእዋኑ ኣብ ዘይጠቅም ሓሸውየ ኣቲኹም ዘይጠቅም ስነ-ሞጎት ኣልዒልኩም ትህውቱቱ ዘለኹም ባሃማት፡ ኪንዮ ምቅዋምን ምድጋፍን “ሰብኣውነት” ዝባሃል ኣምር ከምዘሎ ነዘኻኽረኩም ኣለና’ሞ ዓይንኹም ክፈቱ።