Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስቱር መገሻ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ናብ ሽወደን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ፈተነታት ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውዲት ዘጠቓለለ ተልእኾ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዘካየዶ ንኣባላት ሰልፍን ኣገደስቲ ዝበሎም ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ዓዲ እንግሊዝ ከይተርፈ ዝተዓደሙ ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ስቱር ኣኼባ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ሓዱሽ

ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዘካየዶ ንኣባላት ሰልፍን ኣገደስቲ ዝበሎም ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ዓዲ እንግሊዝ ከይተርፈ ዝተዓደሙ ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ስቱር ኣኼባ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ሓዱሽ ፈተታት ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውዲት ዝሓዘ ተልእኾ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ፣ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ምስጢራዊ ኣኼባ፣ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣፈታትሓ ሽግር ባድመን ዝተኣሳሰረ እዩ።

ንሱ ኣብቲ ኣኼባ፣ ከም ራሻን ቻይናን ዝኣመሰሉ ዝርካቦም ደገፍትና ነዚ ብሰንኪ ባድመ ምስ ኢትዮጵያ ዘለኩም ጸገም ብዘተ ፍትሑዎ ዝብል ጸቕጢ ይገብርሉና ኣለዉ ብምባል፣ ፈቲና ዘይኮነ ከይፈተና ክንትግብሮ ንሓስበሉ ኣለና ኢሉ።

ብኣበሃህላኡ፣ እቶም ናይ ምብራቕ ሓያላን ሃገራት ነዚ ሻቕሎት ‘ዚ ኣልዒሎምሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ተኽእሎ ምብትታን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ዘለዎ ኣስጋእነትን እዩ። “ኢትዮጵያ እንተፈሪሳ፣ ንዓኻትኩም ንኤርትራውያን ‘ውን ሰላም የብልኩምን፣ ስለዚ ብዘተ ምፍታሕ የርብሓኩም እዩ” ከምዝበሉዎም እዩ ኸኣ ዝጠቅስ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ምስዚ ኣተሓሒዙ፣ “እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወያነ ኣብ 2015 ከብቅዕ እዩ፣ ንሕና ኸኣ ብማዕዶ፣ ብመንገዲ ደምሓትን ግንቦት 7 ን ካልኦት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ኣቲና ንምብትታኑ ክንሰርሓሉ መደብ ሒዝና ኣለና” ክብል ምስቲ ከምዝተቐበሉዎ ኣመት ዝሃበሉ ሻቕሎት ራሻን ቻይናን ዝጋራጮ ነጥቢ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ መግለጺኡ ካብ ትሳተፍቲ ንዝቐረበሉ፣ “ስለምንታይ ‘ዮም ደምሓት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ዝሳተፉ ዘለዉ?” ዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፣ “ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንደምሓትን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ክትፈልዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብቛንቍኡ፣ ታዕሊሙን ልብሱን ከይተረፈ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሜዳ ዝሃነጽናዮ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ። ምሉእ ዕጥቅን ኣጽዋርን ኣለዎም። ንሕና መሬትን መንቀሳቀሲ ፍቓድን ጥራይ ኢና ሂብናዮም ዘለና። ምሉእ ሓገዝ ዝገብራሎም ሃገራት ኣለዋ” ኢሉ።

እቲ 2014 እንተረጊጹ ‘ውን ከገርም ዝግብኦ፣ ንርእሱ ነቕነቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ 2015 ክፍጸም ኢዩ ኢሉ ብዛዕባ ዝተነበዮ ምብቃዕ ወያነ ዝተኣማመን እንተኾይኑ፣ ካብ ወጻኢ ንዝመጾ ጸቕጢ ዘተን ሰላምን ክቕበል ምግዳዱ ተጋራጫዊ ምዃኑ ብምጥቃስ ንዘልዓልናሎም ሕቶ ኣመልኪቶም እቶም ምንጭታት፣ ብመሰረቱ ብልቡ ስርዓት ወያነ ኣብዚ ዝበሎ ግዜ ክወድቀሉ ካብ ዘለዎ ተስፋ፣ ንርእሱ ብህጹጽ ከይወድቕ ዘለዎ ስግኣት ከምዝዓቢ ብምምልካት፣ ዘተን ሰላምን ክቕበል ዝግደደሉ ምኽንያት ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ብምትህድዳእ ንግዚኡ ዕድሚኡ ንምንዋሕ፣ ብሰላምን ዘተን ተሸፊንካ ከኣ ነቲ ንቐጻሊ ውሕስነት ክኾነኒ ይኽእል’ዩ ዝብሎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሳተላይት ክኾኑዎ ዝኽእሉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ናይ ምትካእ ውዲት ምስልሳል ኣሚቶም።

እቲ ን13 ዓመት ንባድመ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ተዛቲና ማለት ዓለም ተገልቢጣ ማለት እዩ እናበለ “ኣሻፈረኝ” ዝበለ ኢሳይያስ፣ ካብ ማንም ልኡኻቱ፣ ነዚ ዕማም ‘ዚ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክፍጽመሉ ዝሓረየሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ ኸኣ፣ ኢሳይያስ ይኹን እቶም ነዚ ዝሓለፈ 13  ዓመታት ዘዝበሎ ቓላት ዝደጋግሙ ዝነበሩ፣ ከም ብዓል የማነ ማንኪ ዝኣመሰሉ ልኡኻት፣ ነዚ ምዕጻፍ መልሓስ ኢሳይያስ ዘንጸባርቕ ኣንፈት ንደገፍቲ ‘ቲ ስርዓት ከእምኑዎም ኣይክእሉን እዮም ዝብል መረዳእታ ስለዘለዎ፣ ነቲ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ጀነራል ከምዝምመዘዞ ኣገንዚቦም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ነቲ ምስጢራዊ ኣኼባ፣ ኣብ ጀርመን፣ ፍራንክፈት፣ ካብ ሆላንድ፣ ዓዲ ጥልያን ስዊዘርላንድ ዝተዓደሙ ደገፍቱ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዘካየዶ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
118 COMMENTS
  • demena negoda December 4, 2013

    hi all opposition group do thing essayas on the long run what he wants to do? he whants to returned eritrea back to put under colony of ethiopia isnot it my people what did u understand from your observation just what we only know is our daily life eating and sleeping essayas said on 2012 massawa meeting aggressively we the one who brought eritrea and itis under us itis another option to submit to family

  • ኣይበልናን'ዶ December 4, 2013

    ዘሕዝን’ዩ።ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት፡ካብ ኩሉ ዚበለጽና ኮይኑ’ዩ ዝስመዓና።ነዚ ሃቂ ዝገብሮ ጌጋና ፈጺምና ዘይንር ኢ፡ጌጋ ካልእ ንቆጽር በላሕቲ ኢና።እዚ ከብለኒ ዝኸኣለ፡ኣብ ዓዲ ካልእ ተቐሚጥና፡ኣብዘሰናደዩልና ገዛን ብዝሰዱልና ናይ ቆልዓን ናይ ስንክልናን ናይ ሕቶ ዑቕባ እናበላዕና፡ነቲ ዝገደፍናዮ ነቲ ካብ ዓዲ ክንስደድ ዝገበርና መንግስቲ ነጣቕዕ፡ነቲ ዝግበረልና ዘሎ ተመሊስና ከም ምቑሳሽ ምጽራፍ’ዩ ዝቑጸር።ኣብ ክንዲ ዝረከብናዮ ዕድል ተጠቂምና ኣረኣእያና ነግፍሕ፡ክንፈልጥ ንጽዕር ናብታ ኤርትራውነት ንምለስ’ሞ፡ኣብ ኤውሮጳ እናሃለወ ኣካልና እቲ ናይ ዓድና ኣተሃሳስባ ንሓስብ።ኣብቲ ክሊ ናይ ባህሊ ኮለል ስለንብል ክንስደድ ዝገበረና ኣተሃሳስብ ንነብር።ንሕና ኤርትራውያን ዝብል ባዶ ስሚዒት ብፍላይ ምስዚ ናይ ሕጂ ምውድዳብ ዚረኣዩ፡እቲ ኤርትራውነት ከኣ ስደትን ምእሳርን ሽግርን ይፈጥር ይርእዩዎ’ሞ፡ካብ ኩሉ ክሃድሙ ዝገብሩዎ ፈተነ ናብዘየድሊ ጽገም ይወድቁ።…..እቲ ዝከፍ አ ኣብ ፖለቲካ ናይቲ ዝገደፍናዮ ይኹን ካልእ ንሳተፍ ኣባልነት ንሕዝ ወርሃዊ መዋጮ ንከፍል፡ንጽባሒቱ ከኣ ናይ ቆልዓ ይኹን ካልእ ክንወስድ ወይ ንነብረሉ ዘሎና ሃገር ንወቅስ ንጸርፍ። ጸገምና ንሶሻል ሰርቪስ ክንዛረብ ንኸይድ።…….ናይ ኤርትራ ፖለቲካውያን ብፍላይ ህግደፋውያን ከኣ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዚነብር፡ናይቲ ዚነብረሉ ሃገር ዜጋ ምዃኑ ዘንጊዕም ድዮም ወይስ ሕልፍ ዝበሉ ጨለታት ኮይኖም ምውዳብ ታሴራ ምዕዳል ስራሕና ኢሎም ሒዞሞ፡ብል ኡኻቶም ገይሮም ከኣ ሰባት ክፈላልዩ ጸግዒ ዝኾኖም ከናድዩ ዜጋታት የጋጭዩ።….እዚ ማለት ህግደፋውያን መንግስቲ ኣብዘለዎ ካልእ ሃገር ኣትዮም ፖለቲካዊ ውድብ፡ንዘይነብርሉ ስርዓትን ኩነታትን ዘጣቕዑ ዜጋታት ምፍጣር’ዩ።…..ካብ ዘለኹዎ ሃገር ንኤሜሪካ ብምዃድ ነቶም ኣብ ኡ ዝርከቡ ዜጋታት ፖለቲካዊ ኣባል ንምጥራይ ታሴራ ክዕድል ዝጓዓዝ ጀርመናዊ ፖለቲካዊ ኣካል ኣይረኣኹን።ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት ከኣ፡ኤርትራውያን ክስልዩ፡ናይ ነጻ ሓሳቦም ግዙ ኣት ከይኮኑ ለይትን ቀትርን ሜላ ምምሃዝ’ምበር ኤርትራዊ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸገም ዝከላከሉ ኣይኮኑን።ን ኣብነት፡ኣብ ኢጣልያ ዝርከቢ ኤርትራውያን ክሳብ ሎሚ ብፓስፖርት ኤርትራ ዚነብሩ ኣለው።ኤምባሲታት ኣብዚ እዋንዚ፡2 ካብ ሚኢቲ ምእካብ፡ኣባልና ድዩ ኣይ ኣባልናን ኢሎም ካብ ምፍልላይ ሃሊፎም ነቲ ኤርትራዊ’የ ዝብል ዜጋ ተሓሊቖም ኣይፈልጡን።ኣይግድሾምን’ዮም።……. ጀነራል ስብሃት፡ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ካልእ ሃገር ብምእታው ፖለቲካዊ ጎስጓስ ይኹን ካልእ ክገብር ዘሕፍር ወይ ዘነውር’ዩ።ንዓና ንኤርትራውያንግን ምስ ህዝቦም ዝዋስ ኡ ፍሉያት መራሕት’ዮም።ብደረጃ ወተሃደራዊ ሃላፊ፡ኣብ ግዝ ኣት ካልእ ሃገር ከም ተራ ሰብ ከይዱ ኣኬባ ከካይድ፥ከምዚ ዝብሃል ዘሎ ኢሳያስ መራሒ ሃገር ምኳኑ ረሲዑ ከም ተራ ሰብ ብዝደለዮን ስምምዕ ብዘይተገብረሉ መንገዲ ዛዊኑ ፖርት ሱዳን ምእታው፡ምልክት መንፈዓትን ጭዋነትን ዘይኮነ ቅለት’ዩ።

  • Eritreawit December 4, 2013

    WHAT A SHAME TO HAVE A GENERAL WHO HAS NO REGARD FOR HIS OWN PEOPLE, I WONDER WHAT HE AS BEEN DOING IN THE GEDLI, KILLING OUR BROTHERS right? what else? bastard regionalist he has nothing. sebhat ephrem anta mestrefi adi.

  • Asghedom Woldeghiorghis December 4, 2013

    Wait and see who is integrsting befire and after.
    Eritrea is more important to USA than ethiopia.
    we shall see even this.
    Weyane will be colapsed by eritrean kurkur wsit and see.
    we know thst id the work of Arabs And Egyptians, but all of them thry will fsil.
    not them even the coloinalistes has been difited in this vountry.
    We know eritreans sre used by forien forces like Ras Micharl, but
    faild with his egiptian masters,
    I am sure eritrea eill vanish eith rgipt and arabs, they have b
    never ein the war since otman impaire.

  • temie December 4, 2013

    He’s a rat. he always cous the problem supporting the dictator. I never liked him what an idiot!!!

    • simret nismer December 4, 2013

      Hake men yifetwo. hakena silezikone rat tebahilu.Nsu zigeberon zigebro zelon ab Ertrea imo intay tifeltu.

  • tewoldemedhin December 4, 2013

    ኣይተጋገኻን ኣይበልናንዶ…………..ጀነራል ስብሃት፡ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ካልእ ሃገር ብምእታው ፖለቲካዊ ጎስጓስ ይኹን ካልእ ክገብር ዘሕፍር ወይ ዘነውር’ዩ።ንዓና ንኤርትራውያንግን ምስ ህዝቦም ዝዋስ ኡ ፍሉያት መራሕት’ዮም።ብደረጃ ወተሃደራዊ ሃላፊ፡ኣብ ግዝ ኣት ካልእ ሃገር ከም ተራ ሰብ ከይዱ ኣኬባ ከካይድ፥ከምዚ ዝብሃል ዘሎ ኢሳያስ መራሒ ሃገር ምኳኑ ረሲዑ ከም ተራ ሰብ ብዝደለዮን ስምምዕ ብዘይተገብረሉ መንገዲ ዛዊኑ ፖርት ሱዳን ምእታው፡ምልክት መንፈዓትን ጭዋነትን ዘይኮነ ቅለት’ዩ።

    • simret nismer December 4, 2013

      Ab Sweden akeba geru Urumn Mekeret zelewon Zeagibn akeba akaydu. Kindu zeytiaklus buu tizarebu Weygud !!!!

  • Mike December 4, 2013

    Thank you Assena for your report.
    Currently, the Regime of Issayas is shaking not the Ethiopian government.
    So Isseyas has no principle or value, he cares on how to stay in POWER. His survival is first from Day ONE. Sebhat Efrem and others are Useless and are just messengers of Issayas

    But, I can say Majority Eritreans know this and we need to keep pushing in weakening further the regime.

    Kinewet kea Ena!!

  • Abdu December 4, 2013

    Trust me later on they will accept another proposal without any hesitation if China and Ruassia propose for the unification of Eritrea and Ethiopian by giving any justification for the sake of their safety .

  • tekeste December 4, 2013

    These are a bunch of useless officers. They all are incompetent and good for nothing. Our hope is from thenew blood.

  • Keren December 4, 2013

    ጀነራል ስብሃት ኤፍረም ክንደይ ኤርትራውያን ንበደዊን ረሳሕ ዓረብ ሸይጡ ይኸውን፧

    መንግስቱ መቸም ብሙሉእ ኣስናኑ፤ ኣይበልናንዶ፥ እናበለ ይስሕቕ ይህሉ።
    ዋእ፥ ኤርትራ ንዓረብ ኣይት ሽየጥን። ይብል ኔሩ፣ ዓያሹ ከምዚኸማይ ድማ ንላገጸሉ ነበርና።
    ቋንቋ ኤርትራ ብጀብሃ ብሓዊ እንዳተሃሞኸ፤ ሕጂ ድማ ቆልዑ ኤርትራ ካብ ሳዋ ንባርነት ረሳሕ ዓረብ እንዳተሸጡ፣ ከመይ ዘይገርመና።

    Eritrean Military Trafficking Youngsters?
    Tenadam December 4, 2013 Eritrea, Top Stories

    Eritrean youths are being kidnapped by senior military officers, smuggled into Sudan and held to ransom, according to a report by Dutch and Swedish researchers, the guardian.com has reported.

    The captives are threatened with being sold to traffickers if they do not raise tens of thousands of dollars. Some are freed if they raise the ransoms, while others are sold off to Bedouin traffickers in Sinai–where they are reportedly tortured to extract further cash from their relatives.

    Basing their findings on interviews with 230 Eritreans who suffered this fate, the researchers conclude that between 2007 and 2012, some 25,000 to 30,000 people were trafficked.

    The report, by Meron Estefanos, a Swedish human rights activist, and Professor Mirjam van Reisen and Dr Conny Rijken of Tilburg University in the Netherlands, estimates that $600m has been extracted in this way.

    In the report, The Human Trafficking Cycle: Sinai and Beyond, published on Wednesday, researchers accuse Eritrea’s Border Surveillance Unit, under the command of General Teklai Kifle (alias Manjus), of being at the heart of these operations.

    The UN has named the general and several of his senior officers, as being involved in human trafficking, but this is the first time accounts from victims have been published.

    The Eritrean government requires every pupil to complete their final year of high school by serving in Sawa Military Camp, in the desolate, semi-desert region of eastern Eritrea. This means that most 16- and 17-year old children go there to complete their studies.

Post a Reply to MightyEmbasoyra Cancel Reply