Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ጎደና ሽኩሽኳ – 2ይ ክፋል – ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

ብስም ኩሉ ደላይ ሰላመን ደሞክራሰያዊ ለውጥን ኣገናዕ ምንቅስቓስ መናእሰያት  E.Y.G.M. ኣመሪካ፡፡እቲ ኣብ ልዕሊ ማፍያዊ  መሪሕነት ህ.ግ. ደ.ፍ. ኢሳይያስን መሰልቱን ዝወሰድኩሞ ተባዕ ተበግሶ፡ ውጹዓት ወገናት ጸባ ዘስተየን ባብ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ንኽርሓው ንዝተታኸስና ዘበራበረን እዋናዊ ጉዳያትና

ብስም ኩሉ ደላይ ሰላመን ደሞክራሰያዊ ለውጥን ኣገናዕ ምንቅስቓስ መናእሰያት  E.Y.G.M. ኣመሪካ፡፡እቲ ኣብ ልዕሊ ማፍያዊ  መሪሕነት ህ.ግ. ደ.ፍ. ኢሳይያስን መሰልቱን ዝወሰድኩሞ ተባዕ ተበግሶ፡ ውጹዓት ወገናት ጸባ ዘስተየን ባብ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ንኽርሓው ንዝተታኸስና ዘበራበረን እዋናዊ ጉዳያትና ኢዩ፡፡ኢሳይያስን መሳስይቱን ድሕሪ ደጊም ገጽ ኒውዮርክ ኣይክርእዩን ኢዮም፡፡ ዘይከም ሓሶታዊ ኣተኣታትወኦም ወጮ ተጎመጊሞም ኣድጊ ተወጢሖም ከም ዝምለሱ ኮይኖም ኣለዉ፡፡ ኣብ ዘይ ውጻእ ጎደናታት ሽኩሽኳ ተሸሚሙ ዝርከብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ቅድሚ ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን  ጉልባቡ ቀሊዕኩም ዕርቃኑ ኣውጺእኩሞ ኢኹም፡፡ ደጊመ ብስም ኩሉ ደላይ ደሞከራስያዊ  ለውጢ ኣበጀኹም ምንቅስቓስ መናእሰያት ኣመሪካ፡፡ ለውጢ ብውሑዳት ብውፉያት ብተባዓት ኢዩ ዝብገስ፡፡ ከምቲ ንጣር ቁልዒ ንሰፋሕትን ዑሙራትን ጫካታት እተባርዕን እትሁምኽን ሰዓብቲ ለውጢ ውን ዓሰርተታት ኣማኢት ኣሽሓት ኢዮም፡፡ ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ደላይ ለውጥን  ናጽነትን ስለ ዝኾነ፡፡ድሮ ውን ኣዝዮም ዓበይቲ ደሞክራስያውያን ምንቅስቓሳት መናእሰያት ኣበየ ኩርንዑ ክፍጠሩን ክተኣኻኸቡን ጀሚሮመ ኣለዉ፡፡ ነቲ ኣብ ጽምዋ በረኻታት ሳሕል ንቑሓት ንጹሃን ኤርትራውያን ተጋደልቲ እናበለዐ ዝመጸ፡ ኣብዚ 20 ዓመታት ነጻነት ብእዉጅ መልክዕ ብተመከቱለይ ዝደጋገሞ በዓል ደም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓለቓ ሸፋቱ ኦሜርታ ኢሳይያስ ምሕረት ኣይግበኦን ኢዩ፡፡

ኣብ ወርሒ ሓምለ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራውያን ኣብ ታንዛንያ ኢዶም ዝሃቡሉ ዕለታት ኢዩ፡፡ዓሰርተው ሰለስተ ኣባላት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሃገርና ፍጹም ኣይንምለስን ብምባል ኣውያቶም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ዘቃልሑሉ ግዜ፡፡ሹዑ ስለምንታይ? ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ‹‹ኤርትራ እታ ካብ ዓለም ዝዓበየት ቤት ማሕቡስ ኢያ፡፡ ብዙሓት  ቤተሰብና፡ መታዓብይትና፡መማህርትና፡ ኣረ ኩሉ ንጹህ ዜጋ ብኣልማማ ዝተኣሰረላ ገሃነም ኢያ፡፡››ብምባል ብቕጽበት ዑቕባ ክወሃቦም ተማሒጺኖም፡፡ብርግጽ ሓቆም ኢዮም፡፡ ኣብታ ንኣስታት 20 ዓመታት ብዘይ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ብሃሳሰ ለባም ትጓዓዝ ዘላ ሃገርና ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. መን ዘይተኣሰረን ዘይተጨፍጨፈን፡መን ብሕታዊ ናጽነቱን መሰላቱን ዘይተመንዘዐ፡፡መን ልሳኑ ብጽኑዕ ተቖሊፉ አእዳዉ ዘይተኣስረ፡፡መን ኢሳይያስን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊተን ኣብ ዝደልይዎን ኣብ ዘርብሖምን ከም ጊልያ ክሰርሕ ዘይተስገደደ፡፡ቶታሊተረያን መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንኹሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላትና ገቢትዎ ኢዩ፡፡ንኹቡር ሂወት ዜጋታትና ከይተረፈ ከም ግላዊ ንብረቱ ወሪስዎ ኢዩ፡፡ክትዛረብ ክትጽሕፍ ኣይትኽእል፡ ክትእከብ ክትቃወም ኣይትኽእል፡ጉቡኣትካ ፈጺምካ መሰላትካ ከትሓትት ኣይትኽእል፡ ክትምረጽ ክትመርጽ፡ኣይፋል ዓገብ ከትብል  ኩሉ ሕሩም ኢዩ፡፡ከም ዝዓወረ ገመል ብሕሻል ተወጢጥካ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናብ ዝበለካ ምኻድን ምጽዳፍን ጥራይ ኢያ፡፡ሽዑ ሓደ በቲ ጉዳይ ሚሒር ዘተሓሳሰቦ ሪፖርተር ‹‹ኤርትራ  ዜጋታታ ተገዲዶም ክርስዑዋ ዝተቓረበት ሃገር›› ክብል ልቢ ለባማት ዝተንከፈ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ ብዙሓት ንኣበሃህልኡ ብሰንኮፍ ዝተረድኡ ኣሕዋት ተጋጊኻ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣይትፈልጦምን ኢኻ፡፡ክብሉ ግብረ መለሲ ሂቦሞ፡፡ የግዳስ እቲ ጸሓፊ ካብ ክውንንት ኤርትራን ኤርትራውያንን ወጻኢ ኣይነበረን ኣይጸሓፈን ውን፡፡

ብዘይ ቀልዓለም ኤርትራውያን ሃገርና ንፈቱ ጥራይ ዘይኮነ ሕልፊ ውን ኣለና፡፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን ጽንኩር  ኩነትን ውን ነታ በኹቡር መስዋእቲ ዝተገዘምናያ ሃገርና ኤረና ኣይክንርስዓን ኢና፡፡እንተኾነ ብሰንኪ ኢሰብኣዊ መሰክሕ ተግባራት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተገዲድና ካብቲ ቁኑዕ ሃገራዊ ጉዳያትና ተጓኒና ተኣሊና ዝጸናሕና ሒደት ኣይኮናን፡፡እቲ ምንታይ  መደንጾ ኣነዋሪ ተግባራት  እዚ ገባቲ ስርዓት ኣሽንኳይ ኣበፍንጭኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ርሑቕ ስግር ባሕሪ ስደት ኮይና ውን ክም ንሹቕረርን ከም ንርዕድን ገይሩና ጸኒሑ ኢዩ፡፡ብደሆ ኣንጻር ግጉይ ኣረኣእያናን ኣተሓሳስባናን ክንብል ግዜ ውሲዱልና፡፡ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ  ብቐረባ ዝረኽቦም ዜጋታትና ጥራይ ዘይኮነ ኣደስኪሉ ንዓና ውን ብማዕዶ ብወንጭፍ  ኣረኻኺቡልና ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ሓቢርና ከይንቃለሶ ፡ ምልኪ ውሑዳን ይፍረስ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ ብዓውታ ከይነቃልሕን ዕድመ ስለጣኑ ንምንዋሕ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ፍጹም ከተኣማምኑና ዘይክእሉ ፈላለይቲ መርዝታት ነስኒሱልና፡፡ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድርኽ ንዝተበገሱ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ንህዝቢ ከሰንብዶን ከርሕቖን ዝኽእል ቅጽል ኣስማት እናተጠቐመ ናህርታቱ ዓቂቡ ንኸይቅጽል ሓሊኽዎ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ልኡኻት ወያነ፡ ማሕበር ኣንድነት፡ሃሱሳት አመሪካ፡ምንቅስቓስ ናይ ሓደ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት——–ወዘተ፡፡ተወጺዐ ዝበለ ኣካል እቲ ይኹን እቲ ብዘየገድስ ኣውያቱ ከስምዕ እንታዩ ወጽዑኡ በቲ ሓቀኛ ዲሞከራስያዊ መገዲ ጉዳያቱ ክሓትት ሓጥያት ኣይኮነን፡፡ መብጽዓ እቶም ልዕሊ 65 ሽሕ ሰማእቲ ንናጽነት መሬት ጥራይ ዘይኮነ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሳ፡መሰላት ህዝቢ ዝኽበረላ፡ ነጻ ህዝባዊ ደሞከራስያዊ መንግስቲ ኣብ  ኤርትራ ምትካል ኢዩ፡፡

ዕሙታት እምነታት ልዕሊ እቲ ኣብ ኣደባባይ ዝወጸ ርካሽ ሓሶት ንሓቂ ከቢድ ሃስያ ኢዩ፡፡ዕፉን ብሽፉኑ ኣብ ከምዚ ዓይነት እምነት ዝኣመኑ እናረኣዩ ዝዓወሩ እናሰመዑ ዝጸመሙ ኣቦታት ፡ኣዴታት፡ ኣሕዋት፡መተዓብይቲ፡ መማህርቲ፡ ፡ ከም ዘለዉና ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ሓደ ኣብነት ጥራይ እኹል ኢዩ፡፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ (Manhattan center)  ዝተራኣየ ኣካይዳ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ በሰላታቱ ውን ዘንተእለት ዘይሃስስ ኢዩ፡፡ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ክልተ ካብ ሚእቲ (2 )ዘይከፈለ ሬሳታት ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ዜጋታተና ኣብ ገዛእ ሃገሮምን ዓዶምን ንኸይቅበሩ ዝኽልክልን ዝግዝትን ስርዓት ክንሱ እናረአና፡ ዓገብ ኣብከንዲ ምባል ዓይንና ብጸሊም ጨርቂ ዓሚትናዮ፡፡ኣቦኦምን ኣዲኦምን ንስለ ነጻነት ዝኸፈሉ ዘኽታማት ደቂ ስዉኣት ዝኣስርን ዝቐትልን ፍንፉን ንዐዓና ዘይከውን መላኺ ስርዓት፡  ዝበኣሰ ነገራት ደጋጊሙ ንኽፍጽም ኣጣቒዕናሉ፡፡ ካብ ማእሰርትን ግፋታትን ህ.ግ.ደ.ፍ. ሪሕቕና ውግእን ወረ ውግእን ኣብዘይስማዓሉ ርሑቕ ስደት ኣብ ዲያስፖራ ኮይና መቕተሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግነዖ ዶላራት ለጊስናሉ፡፡ ዜጋታትና ሃገር ፍጹም እተንድድ ረመጽ ኮይናቶም ክትኣምኖ ውን ዘጸግም ገንዘብ ከፊሎም ንጠያይቲ እዚ ጽዩእ ስርዓት ፈንጢሶም ብጅምላ ንዝተሰደዱ ‹‹ቱሪስት›› ኢዮም ንዝበለ ገባቲ ኢሳይያስ ዓገብ ኢልና ክንውግዞ ስለ ዘይከኣልና፡፡ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ውን ዘይረኣዮ ብቑጽሪ ሓንቲ ባኒ ንመዓልቲ ተወሲንሉ ብመቑነን እናተዓደለ ‹‹ሓንቂቑ›› ጥሜት የብሉን ንዝበለ ትዕቢተኛ ኢሳይያስ ፎእ ኢልና ክንክዕቦ ስለ ዘይከኣልና፡፡ኤርትራውያን መናእሰያት ብዓሰርተታት ኣማኢት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እናጠሓሉ፡ ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ናውቲ ከብዶም ብኣስገዳድ ተዘሪፉም ሬሳታቶም ተደርብዩ ንኣሞራ ሰማይ እናኾነ እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ሕልናና ንውሽጣዊ ስሚዒትና ዓፊኑ ስለ ዝሓበኦ፡፡ ኣመና ኣመና በዚሑ፡፡ልቦናና ናብ ዕሽነት፡ ትዕግስትና ናብ ፍርህን ልኡምነትን ተቐይሩ፡፡ስቕታና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዶብ ሓሊፍዎ፡፡ነዚ ፍጹም ክጽወርን ከስገርን ዘይክእል ኣዝዩ ከቢድ ጉዳይ ተዓዚቡን ኣጽኒዑን ከኣ ኢዩ እቲ ሪፖርተር‹‹ኤርትራ ዜጋታታ ተገዲዶም ክርስዕዋ ዝተቃረበት ሃገር›› ኢሉ ንኽጽሕፍ ዝተደረኸ፡፡ኣብ ግዜ ቀውዒ ርግበ ሰለሙን ተመሲሉ ኣብ ቤትና ዝኣተወ ርጉም ተመን ሓግዩ ስለ ዝኸረመ ገቢሉ ንኹልና ከውሕጥን ከሳድደናን ኪኢሉ ኢዩ፡፡ይኣከል! ሎሚ ከም ደርሆ በምዑት ደቅና ምጽዋት የብቅዕ፡፡ ዝረሰነ ማሕረሻ ነቲ ሃህ ዝበለ ኣፉ ንምለሰሉ፡፡

ህ.ግ.ደ.ፍ. ፍጹም ኣብቂዑ ኢዩ፡፡ ክሰተባህለሎም ኣብ ዘይክእል ጎደናታት ሽኩሹኳ’ዩ ተሸሚሙ ዘሎ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ሎሚ ኣይገብሮምን’ዩ ኣይፍጽሞምን ኢዩ ዝበሃሉ ነገራት የለዉን፡፡ኣብ መጠረሽታ ሰዓታት በጺሖም ነፍሲ-ሄር ተባሂሎም ናብቲ ሲኦላዊ መቓብሮም የምርሑ ምህላዎም ኣይተኸወሎምን፡፡ኩሉ ዝገብርዎ ዘለዉ ከም ፍርገጥገጥ ኣውደኣመት ወጦጦ ኢዩ፡፡ስሑል ካራ ዝጨበጠ ኣእዳው ውጹዓት ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ኣብ ክሳዶም ኣንጸላልዩ ኣሎ፡፡ ከቢድ ጸቕጥን ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ውን ኣብ ነውጺ ከምዝኣትዉ ገይርዎም ኣሎ፡፡ ኣብዚ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ሰዓቶም ነቶም ሰብ እናተቐትለ ሓሲኹም፡ እናተኣስረ፡ቦግ ኣቢልኩም ዝበሉ ዕሙት እምነት ዝሓዙ ወገናትና ደም ክጽይቖም መዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፡፡ ከመቲ ንሓንቲ እምንቲ ከልቡ መንፍዓታ ንምግላጽ፡ወኻርያ ትሕዝ፡ነብሪ፡ ኣንበሳ፡ቶኽላ፡ኩሉ ትሕዝ ፡፡ ኢሉ ብኣጋንኖ ምስተዛረበ‹‹ፋሕ-ኢላ››ምስበሉ ብዘይ ስክፍታ ፋሕ ኢላ ውን ትሕዝ ኢያ ዝበሎም፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ፋሕ ኢላ ኣብ ምሓዝዩ ዝርከብ ዘሎ፡፡ ነቶም ከም ጸያቒ ማዕጺድ ንዝሸወተ ፍረ ከርግፉን ከጥፉኡን ካበየ ከተማታት ኣመሪካ ናብ ከተማ ኒውዮርክ ኣደራሽ ማንሃተን ሰንተር ተመሪሖም ዝመጹ ላኼማ ኤርትራዊ ሕልናኹም ነቲ ሓቀኛ ውሽጣዊ ስሚዕታትኩም ይርኣዮ ክብሎም እደሊ፡፡ እታ ኣቡኣን ኣዲኣን ክሕየሩ እንከለዉ ሕንጢት ጓል ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረት ማኣዛ ጴጥሮስ ሰለሙን ወያነ ወይ ውን ማሕበር ኣንድነት ኣይኮንትን፡፡ ወዲ ስዉእ ሓርበኛ ጀርማኖ ናቲ ኢትዮጲያዊ ወይ ውን ሃሱስ መንግስቲ ኣመሪካ ኣይኮነን፡፡

መበገሲ ኣርእስትና ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ጎድና ሽኲሹኳ ምዃኑ ኣይረሳዕኩን፡፡የግዳስ ብዜካ እቶም እናፈለጡ ዝሞቱ ገለ ወገናትና ብሰንኪ ዕሙት እምነት ኣብቲ ናይ ለኻኺምካ ጥፋእ ጎደና ይሽመሙ ስለ ዘለዉ፡ ኣንፈቶም ንምፍላጥ ኢዩ፡፡እምነት ከቢድ እዩ፡፡ልዕሊ ምእማን ግን ከቢድ ጥራይ ዘይኮነ ሓደገኛ ውን እዩ፡፡ጓል መገዲ ከይንሕዝ እምበር እስኪ ሐንቲ ንእሽቶ ጆክ ካብ ዕላላት ገድሊ ብዛዕባ እምነት ከካፍለኩም፡፡ተጋዳላይ ንመሪሕነት ውድብ ህ.ግ. ሕሉፍ እምነትን ኣምልኾን ኢዩ ነይርዎ፡፡ ነፍሱ ምሉእ ብምሉእ ረሲዑ ላዕለዎት ኣዘዝቱ ብሓለፋ ዘቕቢቦም ክፉእ እናሰርሑ ኣቶኪሩ እናጠመቶም የስተባህለሎም አይነበረን፡፡ ንሱ ቦጅቦጅ ወዲ ዓኸር እናተዓንገለ መዓልታዊ ጤለ በጊዕ ክሐርዱ ግቡእ እምበር ከም በለጽን ሓለፋን ኣይረኣዮን፡፡ህ.ግ. ክሳብ ክንድዚ ኣእምሩኡ ነቲ ውድብ ዝለገሰ ፍጡር’ዩ ፈጢሩ፡፡ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ተጋዳላይ መሃይምነት ንምጥፋእ ብካርቶን ናይ ጸባ ሳልሳይ ዓለም ዝማሃረሉ ዝነበረ ሕሱም እዋን’ዩ፡፡ብመሰረት ውድብ ህ.ግ. ዘዳለዎ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ መጽሓፍ ንዓበይቲ፡፡መምህር ንተማሃሮ ቀዳማይ ዓመት ምድማር እንታይ ምዃኑ የላልዮም ነበረ፡፡ብስእልን ጭቡጣት ነገራትን ኣረዲኡ ምስ ወደአ ናብቲ ናይ ኣሃዝ ቁጽርታት ኣተወ፡፡ሽዑ 1+2=3 3+2=5 3+5=8 ኢሉ እናቐጸለ ሐደ ካብ ተማሀሮ ተገደልቲ ኣብዚኣ ብምባል ኮሎፎ፡፡ስማዕ ህ.ግ. ኣብ ክውንነትን ውድዓውነትን እምበር ብይኸውን ኣይተጓዕዘን፡፡ሕጂ ድማ እታ ይኸውን ትብል ቃል ኣጥፋኣያ፡፡1+2=3 ዘይኾነስ 1+2 5 አዩ በል በሎ ይባሃል፡፡እቲ ተጋዳላይ ብኡ ኣቢላ ይኸውን ትብል  ሳጓ ለገበቶ፡፡ሽዑ ተጋዳላይ ብሕሉፍ እምነት ኣዒንቱ ብገዛእ ኢዱ ከንቁር ከሎ ልቡ ብፍቕሪ ሃገር ነዲዱ ንናጽነት ክቱር ባህጊ ስለ ዝነበሮ ኢዩ፡፡እንተ እዚ ናይ ሎሚ ዕሙት ዕውር እምነት ግን ንኽትጸውየሉ ውን ዘሰክፍ ጥራይ ዘይኮነ ሕልናኻ ብዋጋ ክቡር ሂወት ወገናትካ ምሻጥ እዩ፡፡

ማፍያዊ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣብ ኣዳራሽ ማንሃንተን ሰንተር ‹‹ዓሰርተ ዓመት እኳ እንተተፈላለና ልበይ ወትሩ ምሳኹም  ኢያ ነይራ›› ክብል ተሰሚዑ’ዩ፡፡ወሲኹ ውን ካብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንላዕሊ ዘገድስ ምስቶም ተመሪሖም ዝመጹ ላኼማ ምዃኑ ኣተንቢሁ’ዩ፡፡ ቅኔ ኣዘራርባ ኢሳይያስ ቁሪ ናበይ ደሊኻ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባኦን፡፡እቲ ብጽኑዕ ተታሒዙ ን20 ዓመታት ዝድህኮ ዘሎ ህዝብና ናብ ዝኸዶ የብሉን ማለቱ ኢዩ፡፡ህግደፍ ካብ ዝኾነ ይኩን ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ኣብ ክወጾ ዘይክእል ረግረግ ዓዘቕቲ ተሸሚሙ ኢዩ፡፡ እታ ንኢሳይያስ ተሪፋቶ ዝነበረት ሓንቲ ንእሽቶ ፈቃቕ ብመገዲ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ምስቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ዕሙት እምነት ዝጎልበቦም ደገፍትን ላኼማን ተወላወልትን ምርኻብ ጥራይ ኢያ ነይራ፡፡ነዚ ረቂቕ ድራማዊ ሽርሒ ንምስራሕ ድማ ኢሳይያስ ህዝቢ ንምድንጋር ቀዲሙ ናብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምብጻሕ’ዩ ወሲኑ፡፡ ብመሰረት መደናገሪ ድራማታቱ ሃገረ ኡጋንዳን ጊኒን በጺሑ ኢዩ፡፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ከም ሓደ ታሪኻዊ ዓወት ተቖጺሩ ኣብ ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን እቲ ስርዓት ከም ዝዓበደ ተጋዊሑ፡፡እንቶኾነ እቲ ዝተገብረ ምብጻሕን ዑደትን ዕውት ዘይኮነ ፍሹል ኢዩ ነይሩ፡፡ዑደት ንሃገረ ኡጋንዳ ነቲ ብመገዲ በይነ መንግስታዊ ንልምዓት  IGAD  ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዳግማይ ከቢድ እገዳ ዝጽውዕ ሓሳብ ንምስራዝ ኢዩ፡፡ብተመሳሳሊ ዑደት ናብ ሃገረ ጊኒ ውን ግዝያዊት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃና ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ንዝፍጠር ጸቕጢ ንምብራድ ዝዓለመ ኢዩ፡፡ኩሉ እዚ ፍሹል ፈተነታት ፍረ ይኹን ዓወት ኣይረተረኽቦን፡፡ብአንጻሩኳ ድኣ እታ ኣብ ክሳድ ኢሳይያስ ዝአተወት መሸንቖቓ ክትጸብብ ኢያ ተራእያ፡፡ኢሳይያስ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግቲ ኣመሪካ ንኽራኸብ እግዚሄር የርእኹም ኣምላክ የመልክትኩም ኢሉ ንኽልምን ዘቕረቦ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ተነጺጉ  ኢዩ፡፡ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ከተማ ዋሽንግንተን ንኽበጽሕ ዝለመኖ ልመና ውን እርዳእካ ዘይኮነስ መልሲ ውን ኣይተዋህቦን፡፡ካብዚ ዝኸፍእ ፖለቲካዊ ውርደትን ሕፍረትን የለን፡፡ ኢሳይያስ ቀዲሙ ውን ናይ ፖሊሲ ጽገናታት ክገብር ምዃኑን ምስ መንግስቲ ዋሽንግተን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ከማሐይሽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓገብ በሉልና ዝብልን ስቱር ደብዳቤ ናብ ባራክ ኦባማ ሰዲዱ’ዩ፡፡ነዚ ዝፈሸለ ውዲታቱ ንምሕባእ’ዩ ድማ ወግሐ ጸብሐ ነቲ ጭውነት ዝጎደሎ አኼባ ማንሃተን ሰንተር ኣብ ተለቪጅን ኤርትራ ቲቪ ኤረ ከም ሓደ ዝተባረኸ ታቦት ከርእዮ ዝፍትን ዘሎ፡፡

ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝብኢ ዕርክነት ክሳብ ዝጠምዮ ጥራይ እዩ፡፡እቲ ሓደ ጊዜ መገዲ ጥፍኣት ዝሓዘ መሪሕነት ስርዓት ህ.ገ.ደ.ፍ. ካልእ መንገዲ ፍጹም ቁኑዕ ኣይመስሎን እዩ፡፡ ወዲናያ ዘለና መነጽር ነቲ ብደም ንጹሃን ዜጋታትና ዝጀብጀበ ደመኛና ዝተቐደሰ መልአኽ ገይራ ከይተርእየና ወግሐ ጸብሐ ክንውልውላን ረስሐታ ክንአልዮን አለና፡፡ሓንሳብ ብደም ንጹሃን ወገናትና ኢዱ ዝጠልቀየ ቶታሊተሪያን መሪሕነት ስትዓት ህ.ገ.ደ.ፍ. ዋላ ውን ኣብ ኣሲድ እንተተዘፍዘፈ ማክያታቱ ክጸርን ክእለይን አይክእልን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ዕድመ ልከዑ ህዝብና ንኽጭፍጭፍ ዓው ብዝበለ ድምጺ ብኮንትራት ዝሰርሕ ሰብ ኣይኮንኩን ክብል ቁርጹነጊሩና ኣሎ፡፡ኢሳይያስ ካብቲ ንሃገረ ጀርመን ንጥፍኣት ዝመረሐ ንማሕበረሰብ ዓለም ጠንቂ ዕግርግርን ህልቂትን ዝኾነ አዶልፍ ሂትለር ዝፈልዮ እንትሃለወ ዜጋታትና ኣብ ፎርኖ ምጥባስ ስለ ዘይጀመረ ጥራይ ኢዩ፡፡ኣብ ባህርያት ምልኮም ግን  ሓደ ካብቲ ካልኣይ ፍልልይ የብሎምን፡፡  ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብዝቕጽል፡፡ ቅድሚኡ ግን ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምነዋሕ ግዜ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብልቢ ኩሉ ደላይ ለውጢ ከመስግኖ እደሊ፡፡ትርግታ ህዝቢ ሰሚዑ ተባዕ ስጉምቲ ብምውሳዱ ልቦና ዝመለኦ ውሑሉል ስራሕ ኢዩ፡፡ብዙሓት በሲሎም ክወጹ ዝግበኦም ጉዳያት ስለ ዘለዉ ዝነኣድ ቁቡል ውሳነ ኢዩ፡፡ብተወሳኺ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዕቱብ ከስተባህለሎም ዘለዎም ጉዳያት ከቢድ ቁጽጽርን ውሳነን ክግብረሎም ከዘኻኽር እደሊ፡፡ንረብሓ ውልቀ ሰባት ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ምትኹታኻት ብንጹር መገዲ ብርዕና ከነልዕል ምዃና ምፍላጥ ከድሊ ኢዩ፡፡

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Aranchi03 yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Senait October 7, 2011

    To the Webmaster,
    Please, please, format this article so that it easy for the eye to read. You can easily insert free space and lines in between paragraphs. I strongly think the way it is formatted, is a disservice to the brave and astute author.
    Thank you for your cooperation.

    • Dawit October 7, 2011

      Senayt! You put the fault squarely on Assenna’s webmaster. Has it occurred to you that the error might have been originated from the writer himself. This is not to say that Assenna should not have fixed it; they should .

      • Senait October 8, 2011

        Dear Dawit,

        I respectfully disagree with your gross assumptions. To think that a person who can write such interesting series of articles would be careless about the format of his articles, is simply stupid.
        Michael is spending or investing his time so that you and I can learn about events of historical proportions. His writtings are about his efforts to educate us so that we can make informed personal decisions about Eritrea and Eritreans. As far as I thought of his writtings are very important, I also wanted many of us to read his articles.

        Simply put, they are very enlightening articles. As such, their format or appearance to the reader is as important as their content.

        By the way, I am wondering what happened to the article “ሚስጢረ ምብራዕ ኩናት ባድመ – 4ይ ናይ መወዳእታ ክፋል — ብሚኪኤል እንባየ (ኣራንቺ) ” Posted on August 10, 2011 by Assenna.
        I do not know from your end, but from my side, the article does not exist. Is it classified as confidential? Or not desirable one? Or some how dissappear into the cyper space.
        I hope you might have noticed that too.

  • Justice October 7, 2011

    @ Michael Embaye( Aranchi)

    You points are good. But, you MUST announce the team work of other movements in New York city. The demonstration was made by EYSC, EYGM, EYC, Civic groups and opposition groups. You MUST maintain their CREDITs. If you try to give all the credits to EYGM you are against the movement then. Thankyou!

    • micheal embaye October 8, 2011

      azye zekbreka kubur haw rietoka blbi tekebilyo aleku . ekreta mszelni xegemat mchuenet wala wn website nay mray edl eti mluenet kemxeo aykealkun emo kab lbi ekreta . azye dma tehagise kemom mnkskasat menaeseyat bmhlawom .nkexali kemu aynete gegatat ktnkekelome kften eye . btewesaki ab mxhaf gele gab wey gegatat yhlwo eyu . nkulu gn abey koyne kxhfo eftn aleku azyu kebid eyu . neu wn kearyo kftn eye . kulu mlue aykonelkan eyu . eti mentay mchuenet yedlyeka eyu zelekuwo kurub hxretate alewo

  • Tzeggai Y Deres October 7, 2011

    Beautiful and highly articulated paper. I love reading it.

  • emma wedi calgary October 7, 2011

    Hey, MICHAEL Embaye, your tigrina is unique. you articulated is very well. proud of you. i like ur style of writing. u r very well focused and to the point. ajoka wedi hzbi,the game is over. no more PFDJ no more deception

  • rora October 7, 2011

    habromay I gave u chento per chinto ,btami xibukin agenae xba setina

  • The Bee October 7, 2011

    The young generation are mostly paying for the stupid decisions the Eritrean government is making. They are the ones who are asked to carry the burden of the country and yet they are not allowed to have a say on how to carry the load. They are forced to obey or else the torturous prison system awaits them. It is one thing to discipline if one does not obey the law, but it is completely unacceptable to face the most cruel “Pit Bull” type of government that punishes severely no matter how small or big your deviation from the law is. The alternative for the young generation has been to do what any living thing would do and that is struggle to survive. The survival options have become either a broken spirit who says “Yes” to everything, or find an exit plan. Therefore, they are exiting the country in droves and the neighboring countries are welcoming these young minds. Many of those who are fearless have made it to the US or Europe against all odds.

    If this shameful mistreatment of the young generation is to end, the young better unite, organize, be bold and say NO. Again the only hope Eritreans have will only depend how the young generation organize themselves and demand their rights.

  • ahmed Saleh October 8, 2011

    We have to learn a lesson from our patriots in the past and present. In their fight , they did want anything close to
    selfishness. They did their best to prevent someone with powers of dominance ever sitting on future ERITREA .
    Some of them paid their life dearly by standing firm on their beleive in moral decency . It didn’t stop then and it didn’t stop
    now the alleged crimes imposing to our brothers/sisters by the government . As a result we are loosing our youths
    scattering at all direction of the world. Perhaps they become easy targets for those with rigid polititical agenda of the
    high-ups. We as ERITREANS have strong feeling for social justice,lets recognize the problem and act on those beleiefs
    and decry hatred anytime it shows itself. Let us be strong and open-minded not like those empty-headed , foul and loud
    mouths.

    • Ahmed Saleh October 8, 2011

      Aranchi Hawey
      Your article has a good taste like your given name (aranchi)
      keep writing and encouraging, thank you very much.

  • rora October 8, 2011

    @Mr. Michael aranchi and others, The succesful demonstration held in New York city is the result of team work by youth organizations, poletical groups and civic societies. The particular monkey chasing is done by members of one organization called EYC bay area. We membres of EYC bay area believe, what we did isn’t done for EYC particular purpose or fame rather for all Eritreans starving freedom and justice. That is why when different websites menstioned as it is done by all youth organizations, we didn’t have any problem as we have respect for all the youth fighting on our side. Since giving wrong information is not helpful for our struggle, we need to becareful in writing articles. Dear my brother Mr. aranchi so please correct that the chasing of monkey which is in the you tube is not by EYGM members, it is by EYC. If it is said by EYGM , EYC and EYSC it is fine with us but to exclude our organizations name and give our achivement to different organization is not fair at any cost.

  • micheal embaye October 9, 2011

    ናብ ዝኸበርኩም ተከታተልቲ እዚ ጽሑፍ
    ብመጀመርያ ኣብ ኩሉ ተካይድዎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብሓያል ናህሪ ትስጉሙ ክትህልዉ እምነተይ እዩ፡፡ ብምቕጻል ብመገዲ አሰና ይኹን ብኢመይለይ ትሰዱለይ አራሚ አተባባዒ ጽሑፋት ምንባብ ጥራይ ዘይኮነስ አብ መዓልታዊ ጉዕዞይ እውን እጥቀመሉ ምዃነይ የዘኻኽረኩም፡፡
    ኣብዚ ካልአይ ክፋል ጽሑፍ ብመገዲ አሰና ዝመጻኒ መእረምታ ክሰግሮ ኣይከአልኩን፡፡ ከምቲ ክቡር ተኸታታሊ ዘዘኻኸርካኒ ምንቅስቓስ EYGM ጥራይ ምጥቃሰይ እቕሬታ ፡፡ ብዓይኒ ካልእ አይረኣኹዎን፡፡ እቶም ኣብቲ ናይ ሓባር ውራይ ዝተሳተፉ ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ክጥቀሱ ይግብኦም፡፡ ብወገነይ ዝተማለአ ሓበሬታ ክረክብ ስለ ዘይከኣልኩ እየ፡፡ ካልኣይ ካብ ሓደ ሑጥበ ጽሑፍ ናብቲ ካልኣይ ዘሎ ቦታ ሰፊሕ ፍልልይ ገይሩ፡፡ እዚ ካብ ምጽሓፍ ዘጋጠመ ኣይኮነን ፡፡ ምናልባት ኣብ ናይ ተክኒክ ነገራት ክኸውን ይኽእል፡፡ ደጊመ የመስግነኩም፡፡
    ሚኪኤል እምባየ

    • Senait October 9, 2011

      ዝኸበርካ ሚኪኤል
      ነቲ ከይተሓለልካ እተበርክቶ ዘሎኻ ኣዝዩ ኣገደስቲ ጽሑፋት፡ ካብ ልቢ የመስግን። እታ “ሚስጢረ ምብራዕ ኩናት ባድመ – 4ይ ናይ መወዳእታ ክፋል ” ትብል ጽሑፍካ፡ ብዘይካ፡ ርእሲ እቲ ጽሑፍን ሓንቲ መእተዊ ዓንቀጽን፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጽሑፍካ ክሳብ’ዛ ሰዓት’ዛ ስለ ዘይወጽአት፣ ከነንብባ ዕድል ኣይረኸብናን።

  • micheal embaye October 14, 2011

    zkeberki senait aranchi03@yahoo.com eyu adresey . bzi kulu zhalfeki ksedelki ekel eye .
    dgime yemesgneki.
    aranchi

Post a Reply to ahmed Saleh Cancel Reply