ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣
ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ብድፍኢትን ተጽዕኖን ናይ ገዳማትን ኣድባራትን ነቶም ክልተ ካድራት ድሕሪ ምብራሩ፥ እቲ ናታቶም ቦታ ካልእ ጥቕሚ ህግደፍ ዝሕሉ ኣብ ቦታ
ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣
ስርዓት ህግደፍ ብድፍኢትን ተጽዕኖን ናይ ገዳማትን ኣድባራትን ነቶም ክልተ ካድራት ድሕሪ ምብራሩ፥ እቲ ናታቶም ቦታ ካልእ ጥቕሚ ህግደፍ ዝሕሉ ኣብ ቦታ ዮፍታሄን ሃብቶምን ክትክእ፥ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ቀደሙ ክቆጻጸራ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ፣
ብተወሳኺ ነቶም መጋበርያታቱ ኮይኖም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሄን ሃብቶምን ካብ ተነጽሎ ናይ ህዝብን ቤተ ክርስትያን ንምክልኻልን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝገበርዎ ጉዶም ከይቅላዕን፥ ውግዘት ገዳማት ንኽለዓለሎም ጻዕርታት የካይድ ኣሎ፣ ነቶም ጳጳሳት ንምርዓድን ንምምብርካኽን፥ ዝመሓዞ መፈራርሒ ድማ፥ ኣብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ፥ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ውግዘት ኣብ ርእስኹም ኣሎ ነጻ ኣይኮንኩምን፣ ስለዚ ነቲ እቶም ገዳማውያን ኣብ ርእሲ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶምን ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ኣገድድዎም፣ ብዝተረፈ ፓትርያርክ ዝወገዝኹም ንኣኻትኩም ኣብ ሓደጋ ከውድቐኩም እዩ፣ መንግስቲውን እቲ ንሱ ዝፈትዎ እንተዘይገርኩም ደሞዝኩም ደው ከብሎ እዩም ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ክትወድቁ ኢኹም፣ ብምባል ኣብ ከቢድ ስክፍታን ራዕድን ኣእትይዎም ይርከብ። መብዛሕትኦም ጳጳሳት ብዕድመ ሽማግለታት ስለ ዝኾኑ፥ ኣብ ዳግማይ ጌጋ ንኸይወድቁ ንኣማኒ ተዋህዶ ከቢድ ሓሳባትን ጾርን ኮይንዎ ኣሎ፣
ብኣንጻሩ እቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝገበርዎ ውግዘት ድሕሪ ውደቅት እዞም ክልተ ካድራት ኣብ መላእ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብብዝሒ ተዘርጊሑን ተፈሊጡን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፣
በዚ መሰረት ድማ፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት እቶም ጳጳሳት ጸዊዖም ነቲ ውግዘት ከልዕሉ የገድድሞም ኣለዉ። ገዳማውያን ኣቦታት በዚ ተጽዕኖ ተሰናቢዶም ሓሳባቶም ንኸይቅይሩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ትዕዝብቲ ንኸይወድቁ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ፣
ንብዙሕ ሰብ ኣገሪሙን ዘሎ ድማ ስቕታ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኣማንን ብፍላይ ድማ ነቲ ንነውሕ እዋን ብዓውታ ክቃለስ ዝጸንሐ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን እዩ፣ ምስቲ ዘለዎም ኣፍልጦን ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልስን ዘይሳነ ስቕታ ምምራጾም፥ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ሰብ ኣብ ረመጽ ኮይኑ እናተዋግአን መስዋእቲ እናኸፈለን፥ ኣብ ኣፍደገ ዓወት ምስ ተበጽሐ ስቕ ምባሎም ሕቶ ዝፈጥር እዩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እምበርዶ ኣብ ቁጽጽር ህግደፍ ኣይወደቐን ዘብል ጥርጣረውን ዘሕድር እዩ፣
ስለዚ ዘሎኩም ናጽነትን ናይ መራኸቢ ዕድላትን ኩነታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ህዝብና ክትዝርግሑ እዋኑ ስቕታ ዝሕረዮ ኣይኮነን።
ህዝቢ ተዋህዶ ፓትርያርኩ ኣብኡ ተሃይሮሞ ኣብ ውግዘትን መርገምን ወዲቑ ዘሎ፣ ኣስተውዒልና ምርዳእ ከድልየና እዩ፣ ስርዓት ህግደፍ ብጀካ ንተዋህዶ ሃይማኖት ንኻልእ ሃይማኖታት ኣይደፍረንን እዩ፣ ካቶሊክ ጳጳሳቶም ብሓቅን ብፍትሕን ደው ኢሎም ብልሒ ካራ ረጊጾም እናኸዱ ክቡራት እዮም፥ ከኒሻ ጸገም የብሎምን ፕረሲደንቶም ብምልኣት ልቦም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ፥ ሙፍቲ ኤርትራ ኣይተኣስሩ ኣይተሓየሩ ቃሕ ብዝበሎም ንህዝቦም ይመርሑ ኣለዉ፣። ቀኒእናሎም ዘይኮነ ኣንቋዕ ፈጠረሎም ንኣና ከምኡም ከማስለና ድማ ንምነ፣
ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ኣትዩ ኣብ መርዓ፥ ቀብሪ፥ ሓዘን ዝንከራተት፥ ሕልፍ ሓሊፉ ረይሳ ወለዱ ዝተጓሕፎ፥ ዓዲ ኣቤቶ ከይዱ ብሃይማኖቱ ዝምርመርን ዝእሰርን ወዲ ተዋህዶ ሃይማኖት ጥራይ እዩ፣
ኣቦ ኩልና ኣመንቲ ተዋህዶ ሃይማኖት ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር እናበለዩ ስለምንታይ ኣቦ በይንና እዚ መከራ ይወርዶም? ኢልና ዘይምእዋይና ጥራይ ዘይኮነ፥ ንስርዓት ህግደፍ መናውሒ ኢዱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኮናዮ ኢና፣
ስለዚ ህግደፍ ካብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ ክሳብ ዘውጽእን ፓትርያርክና ክሳብ ዝምለሱን ቃልስና ዝያዳ ክሕይልን ክብርትዕን ኣለዎ ንብል፣
ግዱሳት ካብ ኣስመራ።
ERITRAWIT October 17, 2014
Anta nezey Gebele do resew chefchefew zetfo tesane.
Gemel October 17, 2014
You guys talking about the North American Orthodox, they are opportunists. They pretend they service their God and their people while their house of God and their people are burning in Eritrea.
The least they can do is speak up and they can’t even do that.
concerned Eritrawi October 17, 2014
Please stop blaming anyone, The Eritrean Orthodox of North America was the first victim of all. The Church struggled since 2005 and work hard to come a long way. The Church split into two. One of the churches opposed the removal of Patriarch Antonius from their God Given position and other other church just went along with the illegal replacement of abb Doskorius. For the last 9 years Church members were called all kind of names but the never gave up. Churches that are along with Patriarch Antonius never stopped openly talking about the illegal removal. So let all Pray and work for peace for the reunification of the split of one church into two. All Orthodox members should work as one to make sure that no government has in the Church’s business. Church and state should be separate, I am sure a lot of people will have issue with this but this is the only ways we can move forward. Let the Church be a Church and the government mind its business.
concerned Eritrawi October 17, 2014
Just to clarify when I said the first victim, I was just discussing since the split of the Orthodox Church.
Zeray October 17, 2014
ከኒሻ ጸገም የብሎምን ፕረሲደንቶም ብምልኣት ልቦም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ፥ ሙፍቲ ኤርትራ ኣይተኣስሩ ኣይተሓየሩ ቃሕ ብዝበሎም ንህዝቦም ይመርሑ ኣለዉ፣። ቀኒእናሎም ዘይኮነ ኣንቋዕ ፈጠረሎም ንኣና ከምኡም ከማስለና ድማ ንምነ፣
Can some one explain to me what the writer is saying? On the one hand the writer is saying Kenisha do not care about ሙፍቲ and then wishes to be like them. I don’t get it. Please help!!
ahmed saleh October 17, 2014
Bilen
If the Tewahdo majority inside and outside spoke up
against oppression toward others believers in 1990’s ,
I think it might send a warning sign to officials but
the silent reaction was our main fault to come on to
this kinds of scenario . It was our people’s choose to
act with blindness until it reached on everyone’s
house door steps . Many innocents condemned to
rot at prisons while the general public wonder for
years in silence . Unfortunately, it is something
strange and unheard to reputation of Eritreans .
merhawi October 17, 2014
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያናት ብሰንኪ ህግደፍን ልኡኽ ህግደፍ ዝነበረ ዩፍታሄን ካብ 2005 ጀሚራ ኣብ ክልተ ተኸፊለን ከም ዘለዋ ንኹሉ ተኸታሊ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ኢዩ።ንሰን ከኣ እታ ንምውራድ ማዕርግ ቅዱስ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ እትቃወምን ንማእሰርቶምን ስቓዮምን ብግልጺ ዓው ኢላ ንዓለም ዘፍለጠትን እተእዊ ዘላን ሃገረ ስብከት ክትከውን ከላ፣
እታ ካልኣይቲ ብስማዊ ጳጳስ ሽኖዳ ዝበሃል ብውጉዙ ከሎ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ እትምራሕ ሃገረ ስብከት፣ከምኡ’ውን ንቀኖናኦም ክሒዶም ነብሶም ብዝፈተዉ፣ናይ ስጋኦም ግዙኣት ብዝኾኑ ካህናት ዝቖመት ሃገረ ስብከት ኢያ። ንሳቶም ነቲ ሓቂ እናፈለጡ፣ንስጋኦም ክብሉ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣጫፈርቲ ኮይኖም ብጽቃት ግዜኦም ዘሕልፉ ዘለዉ ኢዮም።
እምበር እታ ናይ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ምውራድ እትቃወም ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኩሉ ኣንባቢ ኣብ ዝተፋላለዩ ወብሲታትን ጽሑፋትን ከም ዝዕዘቦ፣ስቅያት ናይ ቅዱስ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ፣ኣብ መንእሰያት ኤርትራ በብግዚኡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ማህለቕትን፣ኣብ ኣባላት ካህናትን ሊቃወንትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ በቲ ዘሎ ስርዓት ኣብ ርእሲኦም ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ማእሰርትን ንህዝቢ ካብ ምግላጽ ኣጽቂጣ ኣይትፈልጥን።ነቲ ብጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝተመሓላለፈ ተባዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብቀዳምነት ናይ ደገፍ ቃላ ናብ ህዝቢ ዝዘርገሐት እዛ ሕጂ ቅቡል ንዘይኮነ ኣጽቂታ እትበሃል ዘላ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ሃገረ ስብከት ከም ዝኾነት ክፍለጥ ይግባእ።
Ermias October 17, 2014
Thank you Merhawi for stating the truth plainly.
Kebreab October 17, 2014
Yes indeed .. Here is the lattes press release of the Diocese of the Eritrea Orthodox Church
http://tewahdo.org/
Well done Abotat ..
Father mussie Shishay October 17, 2014
True Answer God Bless you dear Brother Merhawi,thi is reallity.ኣምላኽ ሓቂ ይሃብካ፡፡
እቶም ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣጽቂጡ ዝብሉ፡ይካታተሉ ብዘይ ምጽንሖም ኮይኑ ይስምዓኒ።ግን ናትና ሃገረ ስብከታት ዘይኮና ኣጽቂጠንሲ ወብሳይታትት ኤርትራ ንብሎን ንጽሕፎን፡ነውጽኦ መግለጽን ስለዘይዝርግሕኦ ኢዩ።
ኣቡነ እንጦንዮስ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ ኣሎ፡ዘቃልሐኦ ወብሳይታት ግን ዘለዋ ኣይመስለንን፡፡ህዝቢ ንሶም ዝሰደዱዎ መልእኽቲ ኣይበጽሖን ከም ግቡእ እዚ ድማ ብሓንቲ ኢድካ ከተጣቅዕ ስለዘይከኣል ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ወብሳይታት ክዝርግሕኦ ብዘይ ምኽኣለን ኢዩ።
እቶም ኣጽቂጦም ዝብሉ ግን ምናልባሽ ኣብ tewahdo.org ስለዘይኣተዉ ኢዮም ዝኾኑ።እንበር ምጽቃጥ ደኣሞ መዓስ ኢዩ !!??፥፥ለይትን መዓልትን ብ tewahdo.orgን ብ fecebookን ለይትን መዓልትን እንበር ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ኣሎ።ክሳዕ ብ ፓልቶክ ከድና ተዛሪብና ኢና።ብዛዕባ እዚ ዓዲማ ቃለ መጠየቅ ገይራ ኣፍልጦ ህዝቢ ሓፍ ክብል ዝሰርሐት ኤርትራዊት ወብሳይት የላን!፥፡ኣቦታትና ክዛረቡ እኮ መዛረቢ ቦታ ሬድዪ ዲዩ፡ዋላ ወብሳይት ክዕደሙ ነይሩዎም፡፡ግን ዝገበረቶ ወብሳይት የሎን።መሕልፎ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ነቦና ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዓዲማቶም ንህዝቢ ኣብሪሆም ነይሮም።ኤርትራውያን ሬድዮታት ይኹና ወብሳይታት ግን ብፍላይ እተን ንጽበየን ደለይቲ ለውጢ ኢና ዝብላ ወብሳይታት ፈዓራ ኣይገበራሉን ዘለዋ።ስለዚሲ ክንዕወት ንተሓባበር ደኣ እንበር፡ካልእ ኣይሃንጽን ኢዩ።
ነዚ ሃገረ ስብከት እዚ፡ኸኣ ተኸኣልናስ ነተባብዕ ደኣ እንበር፡ኣጽቂጦምስ ኣይፍርድን፡ኣምላኽ ከይሰምዓና። ህጂ እውን መግለጺ ወጺኡ ኣሎ፡ብኣህጉረ ስብከታቲና ኣንቢቡዎ ንህዝቢ ዘርግሕዎ፡፡
ሓውኹም ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ኢየ ሰላም ኩኑ።
semere 2 October 17, 2014
Thank you Merhawi
Now the true Orthodox Church on North America should expose and dismiss all those priests who betrayed their sacred vocation of standing for the truth.
semere 2 October 17, 2014
We should now that the basic strategy of any communist regime is “divide et impera” (divide and rule). Unity is always a serious threat. To continue to oppress the people they need people divided in all aspects: religious, ethnic, regional, etc. If people are united they fear resistance. They managed to divide the Christian denominations. Those who resisted were arrested or eliminated. They infiltrated inside the Orthodox Church and fragmented its leadership. They also attempted with the Catholic Church, but failed due to the diplomatic status of the Vatican. Stalin did it, Mao did it, Menghistu did it. And of course Isayas is doing it right under our nose!
After the pastoral letter of the Catholic Bishops “Where is your Brother”, HGDEF is shaken to its foundations. Our Orthodox Monks continued and now it is a clear sign that the resistance from “WITHIN” is wide open. We in Diaspora should support the resistance “inside”. I invite everybody to suspend our ideological differences and topple the common enemy. Let us ignore the supports of HGDEF and concentrate on the noble cause. As they decided not to see the reality, they will never accept the truth.
ኣርዓዶም October 17, 2014
ስርዓት ህግደፍ ንኦርቶዶስ ዝጸቕጣ ዘሎ፡ ኒ የፍታሄ ዘመዱ ንኽብል እምበር ካልእ ኣይመስለንን። የፍታሄ ፈሪሃ ኣምላኽ ዘይብሉ ዕሱብ ትግራዋይ ብምዅኑ፡ ኣንጻር ኤርትራውያን ተላዒሉ ድማ ንጥፍኣትና ዝሰርሕ ዘሎ ሓደ ከልቢ ኢዩ። እተን ካል ኦት ሃይማኖታት ዘይትንከፍ ምኽንያት፡ እስላም ናዕቢ ከየልዕሉ ስለዝሰግእ ኢዩ። ኦርቶዶክሳውያን ሓያላት ግን ክኣ ፈሪሓ እግዚ ኣብሄር ዘለዎም ምዅኖም ስለዝፈልጥ፡ ፋሕ-ፋሕ ንኸብለና፡ ክሳብ ንገዳማት እንዳኸደ መሳኪን ኣረግቶት ፈለስቲ መጻወቲ ህጻውንቲ ወትሃደራት ክገብሮም ከሎ፡ ካን ብደውና ሞይትና ምህላውና ጥራይ ኢዩ ዘርኢ። ከምዚ ዝበለ መንግስቲ ፍጹም ኣይተራእየን። እግዚኣብሄር ከም ኢዱ ይፍደዮ፡ መርገም እቶም ኣረግቶት ብጹኣት ኣረገውቲ ፈለስቲ ኣይክሰዶን ይኸውን። ኣምላኽ ይድንጊ እምበር፡ክፈድየሎም ይኸውን ! ብጣኦሚ ኢዩ ዘሕዝነኒ። ንሕና ንመሰልናን ሃይማኖትናን ዘይንጣበቕ ምዅና ስለዝፈልጥ ካ ኣ ኢዩ፡ ክሳብ ክንድዚ ንህዝበ ኦርቶዶክስ ዘበሳብስ ዘሎ። ኣምላኽ ምዓልቱ ኣየንውሓያ።
Bilen October 17, 2014
ኣሕመድ ሳልሕ፥
ዝበልካዮ ሓቂ ኢዩ። ኤርትራውያን ጎረበትና ክሽገር ከሎ ኣባይ ኣይትምጻእ ደኣበር ኣይግድሰንን ኢዩ ዝብል ሕማቅ ባህሊ ኣለና።
እንተኾነ ግን ድቂ ሰባት ብገጋኦም ይመሃሩ ኢዮም አሞ፣ ንሕና ድማ ክንመሃር ኣለና።
ኣብ ተስዓታት መጀመርያ ኣስላም ዶ ጀሃድ ዶ ጸኒሒ ድማ ጴንጠ ዶ መንፈስ ዶ ክብል ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ኣብልይዎምን የብልዮም ኣሎን።
ሎሚ ግን ኩልና ሜላኡን ሽርሑን ስለዝፈለጥናዮ ሓደ ኢድ ንኹን። እዚ በስም ኣብ ወይ ድማ ብስም ኣላህ ኢልካዮ ዘይከይድ ሸይጣን ኢዩ ኣብ ዓድና ሰፊሩ ዘሎ።
ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽ
ahmed saleh October 17, 2014
Bilen
I agree , most of the time the few principled men/women inspire the majority to join
for noble cause against evil deeds .
AMLAKH YIMHARENA – HAGHERNA YIBAREKHELNA
ZIFESESE DEM NUXUHAT DIMA HATYATOM YIHXEBELNA
Father mussie Shishay October 17, 2014
BREAKING NEWS FROM THE Office Eritrean Tewahdo Orthodox Church
Diocese of North America.Diocese Europe. Dioceses Middle east.16/10/2014::
BREAKING NEWS BREAKING NEWS .
ህጂ ዝመጸና (ዜና ) ዉዑይ ሓበሬታ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካን፡ኣውሮጳን ማእከላይ፡ምብራቅን ብዛዕባ እቲ ተኸሲቶ ዘሎ ሓድሽ ኩነት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ሓድሽ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ ።ነዚ መግለጺ ናብ ኩሉ ክትዝርግሕዎን ሻር ክትብልዎን ንምሕጸነኩም፡።እቲ መግለጺ ኣብ ታሕቲ እንሆሎኩም።
መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ።
ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብ13 ጥሪ. 2006፥ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ዝበልዎ ረዚን ትንቢታዊ ቃል ብግብሪ ክፍጸም ንርእዮ ስለዘሎና ንኣምላኽ ነመስግን።
ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንኹነታት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምምዝማዝ፥ “ዋና ኣማሓዳሪ፥ ፈጻሚ ኩሉ ጉዳያት” ዝብል ስም ተጠቒሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ጅሆ ሒዞማ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ዝነቐለ፥ ንልዕሊ ዓሰርተ (10) ዓመታት፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ዘውረድዎ ሃስያ፥ ኣብ ውሽጢ ምእመናን ዘስረጽዎ ምፍልላይ፥ ዘውረድዎ ግፍዒ፥ ዕንወት፥ ውግዘትን ምፍልላይን ብዓቕሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን።
እዞም ክልተ ውልቀ-ሰባት፥ ካብ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ደረት ኣልቦ-ስልጣኖምን ተኣልዮም ኣለዉ። እዚ፥ ጽቡቕን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክትድበስ፥ ምስ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኮነ ምስ ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ብኽብሪ ክትስራዕ፥ ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምስግን እንተኾይኑ ግና፥ እቲ ቀኖናዊ ግህሰት ምስ ዝዕረን ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ምስ እትኸውንን ጥራይ እዩ። እዚ ዝኸውን ድማ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ።
በዚ መሠረት፥ ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ነቲ ገዳማውያን ኣቦታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብኣድናቖት እናኣመጎሰ፥ እዚ ዝስዕብ ለበዋታትን ጻውዒትን ብኣኽብሮት የቕርብ፣
1. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ዘለዉዎ ማሕዩር ብህጹጽ ነጻ ውጺኦም ናብ ሕጋውን መንፈሳዊን መንበሮም ይመለሱ።
2. እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ይፈትሑ።
3. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይና ብቀኖናዊ ፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ትመሓደር።
4. ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሰንሰለታ ሓልያ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም ውግዘታዊ-ፍትሓት ክህቡን ወግዓዊ-ዕርቂ ክግበርን።
5. ስምረት ገዳማውያን ኣቦታት ዝጀመርክሞ ዝነኣድ ስጉምትን መንፈሳዊ ትብዓትን ክትቅጽልዎ፥ ስለ ሓቂ፥ ፍትሕን ርትዕን ድማ ወትሩ ብጸሎት ክትነቕሑ ንምሕጸን።
6. ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታት ብኦርቶዶክሳዊ ሓድነት ተጠርኒፍኩም ንዝጸንሐ ከቢድ ውግዘትን ምፍልላያትን ብምሕረትን ዕርቅን ንኽውዳእ ክትጽዕሩ ንላቦ።
7.ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ “ዓገብ” ብዘይምባልና ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ስደትን ሞትን ተረዲእና “ኣቦና ይፈትሑ” ኢልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክንቀርብ ይግባእ።
ልዑል ኣምላኽ መዓልቲ ሓቂ፥ ዕርቅን ሰላምን ይሃበና። ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሂቡ፥ ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላምን ምሕረትን የውርደልና። ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
16 ጥቅምቲ 2014 (፮ ጥቅምቲ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ)
SHARE
Smerrrrrrrr October 17, 2014
Please let’s forget the Orthodox Church and it’s believer, they are just opportunist. I don’t really see them differently from hgdef or Issaias. They are the majority and they will never ever do anything but when we overthrow the government they will try to take it over again. So let’s not expect anything from them even though there are split but still they act the same.
ahmed saleh October 17, 2014
The newly created country missed to form a workable
government which can organize and develop social
affairs issues to leave the people stranded at an old
religious cultures with little understanding on the
subject . When you educate people to gain knowledge
on vast topics of life through institutions or media ,
you might have a society with balanced state of mind .
Progressive politics require the process of finding some
equilibrium between theories of great values .
Regarding arrogance we Eritreans must reset the
balance to develop a fairly reasonable outcome .
Sadly I mentioned arrogance but in fact it manuever
in our heads out of little poccessed knowledge .