Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣

ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ብድፍኢትን ተጽዕኖን ናይ ገዳማትን ኣድባራትን ነቶም ክልተ ካድራት ድሕሪ ምብራሩ፥ እቲ ናታቶም ቦታ ካልእ ጥቕሚ ህግደፍ ዝሕሉ ኣብ ቦታ

ስርዓት ህግደፍ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃያማኖት ካብ ቁጽጽሩ ንከይትወጽእ፥ ንጳጳሳት ኣብ ዕጽው ግዛ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ፣

ስርዓት ህግደፍ ብድፍኢትን ተጽዕኖን ናይ ገዳማትን ኣድባራትን ነቶም ክልተ ካድራት ድሕሪ ምብራሩ፥ እቲ ናታቶም ቦታ ካልእ ጥቕሚ ህግደፍ ዝሕሉ ኣብ ቦታ ዮፍታሄን ሃብቶምን ክትክእ፥ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ቀደሙ ክቆጻጸራ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ፣

ብተወሳኺ ነቶም መጋበርያታቱ ኮይኖም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሄን ሃብቶምን ካብ ተነጽሎ ናይ ህዝብን ቤተ ክርስትያን ንምክልኻልን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝገበርዎ ጉዶም ከይቅላዕን፥ ውግዘት ገዳማት ንኽለዓለሎም ጻዕርታት የካይድ ኣሎ፣ ነቶም ጳጳሳት ንምርዓድን ንምምብርካኽን፥ ዝመሓዞ መፈራርሒ ድማ፥ ኣብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ፥ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ውግዘት ኣብ ርእስኹም ኣሎ ነጻ ኣይኮንኩምን፣ ስለዚ ነቲ እቶም ገዳማውያን ኣብ ርእሲ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶምን ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ኣገድድዎም፣ ብዝተረፈ ፓትርያርክ ዝወገዝኹም ንኣኻትኩም ኣብ ሓደጋ ከውድቐኩም እዩ፣ መንግስቲውን እቲ ንሱ ዝፈትዎ እንተዘይገርኩም ደሞዝኩም ደው ከብሎ እዩም ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ክትወድቁ ኢኹም፣ ብምባል ኣብ ከቢድ ስክፍታን ራዕድን ኣእትይዎም ይርከብ። መብዛሕትኦም ጳጳሳት ብዕድመ ሽማግለታት ስለ ዝኾኑ፥ ኣብ ዳግማይ ጌጋ ንኸይወድቁ ንኣማኒ ተዋህዶ ከቢድ ሓሳባትን ጾርን ኮይንዎ ኣሎ፣

ብኣንጻሩ እቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝገበርዎ ውግዘት ድሕሪ ውደቅት እዞም ክልተ ካድራት ኣብ መላእ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብብዝሒ ተዘርጊሑን ተፈሊጡን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፣

በዚ መሰረት ድማ፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት እቶም ጳጳሳት ጸዊዖም ነቲ ውግዘት ከልዕሉ የገድድሞም ኣለዉ። ገዳማውያን ኣቦታት በዚ ተጽዕኖ ተሰናቢዶም ሓሳባቶም ንኸይቅይሩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ትዕዝብቲ ንኸይወድቁ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ፣

ንብዙሕ ሰብ ኣገሪሙን ዘሎ ድማ ስቕታ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኣማንን ብፍላይ ድማ ነቲ ንነውሕ እዋን ብዓውታ ክቃለስ ዝጸንሐ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን እዩ፣ ምስቲ ዘለዎም ኣፍልጦን ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልስን ዘይሳነ ስቕታ ምምራጾም፥ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ሰብ ኣብ ረመጽ ኮይኑ እናተዋግአን መስዋእቲ እናኸፈለን፥ ኣብ ኣፍደገ ዓወት ምስ ተበጽሐ ስቕ ምባሎም ሕቶ ዝፈጥር እዩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እምበርዶ ኣብ ቁጽጽር ህግደፍ ኣይወደቐን ዘብል ጥርጣረውን ዘሕድር እዩ፣

ስለዚ ዘሎኩም ናጽነትን ናይ መራኸቢ ዕድላትን ኩነታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ህዝብና ክትዝርግሑ እዋኑ ስቕታ ዝሕረዮ ኣይኮነን።

ህዝቢ ተዋህዶ ፓትርያርኩ ኣብኡ ተሃይሮሞ ኣብ ውግዘትን መርገምን ወዲቑ ዘሎ፣ ኣስተውዒልና ምርዳእ ከድልየና እዩ፣ ስርዓት ህግደፍ ብጀካ ንተዋህዶ ሃይማኖት ንኻልእ ሃይማኖታት ኣይደፍረንን እዩ፣ ካቶሊክ ጳጳሳቶም ብሓቅን ብፍትሕን ደው ኢሎም ብልሒ ካራ ረጊጾም እናኸዱ ክቡራት እዮም፥ ከኒሻ ጸገም የብሎምን ፕረሲደንቶም ብምልኣት ልቦም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ፥ ሙፍቲ ኤርትራ ኣይተኣስሩ ኣይተሓየሩ ቃሕ ብዝበሎም ንህዝቦም ይመርሑ ኣለዉ፣። ቀኒእናሎም ዘይኮነ ኣንቋዕ ፈጠረሎም ንኣና ከምኡም ከማስለና ድማ ንምነ፣

ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ኣትዩ ኣብ መርዓ፥ ቀብሪ፥ ሓዘን ዝንከራተት፥ ሕልፍ ሓሊፉ ረይሳ ወለዱ  ዝተጓሕፎ፥ ዓዲ ኣቤቶ ከይዱ ብሃይማኖቱ ዝምርመርን ዝእሰርን ወዲ ተዋህዶ ሃይማኖት ጥራይ እዩ፣

ኣቦ ኩልና ኣመንቲ ተዋህዶ ሃይማኖት ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር እናበለዩ ስለምንታይ ኣቦ በይንና እዚ መከራ ይወርዶም? ኢልና ዘይምእዋይና ጥራይ ዘይኮነ፥ ንስርዓት ህግደፍ መናውሒ ኢዱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኮናዮ ኢና፣

ስለዚ ህግደፍ ካብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ ክሳብ ዘውጽእን ፓትርያርክና ክሳብ ዝምለሱን  ቃልስና ዝያዳ ክሕይልን ክብርትዕን ኣለዎ ንብል፣

ግዱሳት ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Yemane October 16, 2014

    Tewahdo bekedema nay zemetse gezaie ab Ertra mesarhi eya.
    Zebereke tsehayna zenegese negusna eyom.

    Yemane

  • haile October 16, 2014

    ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ይብል ኣብድ በልቡ ኣልቦ እግዚአብሔር” ይብል። እወ ኣምላኽ ብጊዘ ሰሌዳ ስለዝሰርሕ ብኽያትን ሓሳረ-መከራን ህዝቡ ዘይርኢ ዝመስለና ውሑዳት ኣይኮናን። ግናኸ “ቦ ጊዜ ለኩሉ!” እዩሞ እኒሄለይ እቶም ንቲ ሃዋርያዊ ኣቦና ኣባ እንጦንዮስ ናብ ቤቱ ደፊሮም ኣትዮም ልብሰ ፕትርክነኦም ቀንጢጦም ዝወሰዱ ፈያት(ሸፋቱ) ሎሚ እዋን ትፅልምቶም እላ። ኢትዮጵያ ንኣቡነ ቴዎፍሎስ ብገመድ ሓኒቃ ቀተለቶም ግናኸ አይጠዓማን። ደርጊ እዩ፤ ህዝቢ እንታይ ጌሩ? ትብሉ ትህልዉ ግናኸ ጎይታ ህዝበይ ዝብሎ ፍቃዱ ንዝፍፅም ጥራሕ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ኻብዚ ክማሃር ይግባእ። አብ ምድሩ ከምዚ ዘኣምሰለ ግፈዒ እናተፈፀመ መብዛሕተኡ ኸበሮ ተሓንጊጡ ዝሕንብጥ እንድሕር ኮይኑ ኣምላኽ ገፁ ኻባና ከግልስ ግድን እዩ።

  • Hazhaz October 16, 2014

    ዝኸበርኩም ግዱሳት ካብ ኣስመራ፤

    ዝበልኩሞ ኩሉ ኣብ ቦትኡ እዩ። እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ድማ ድፍረትን ሓቦን ጌሩ ክዛረብ ይግባእ። ነተን ን ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ሰዓብቱን ዝድግፋ ኣብያተ ቤተክርስትያን ናይ ድያፖራ ህዝቢ ኤርትራ ክንጽለን ይግባእ፣ ነቶም ኮራኩር ናይ ዮፍታሄ ድማ ካብ ኣብያተ ጽሎት ክሰጎም ይግባእ።

    “ስለዚ ህግደፍ ካብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ ክሳብ ዘውጽእን ፓትርያርክና ክሳብ ዝምለሱን ቃልስና ዝያዳ ክሕይልን ክብርትዕን ኣለዎ ንብል፣
    ግዱሳት ካብ ኣስመራ።”

  • ahmed saleh October 16, 2014

    Well at this time all righteous Tewahdo followers should show solidarity to their
    initiatives by identifying the unlawful churches created on the last ten years
    under the leadership of those corrupted leaders . To divide the people in places
    of prayer through political displays is a shameful act , immoral and an offence
    against God . It requires courage to recognize the surroundings contaminated
    atmosphere before a clean-up attempt .
    And Eritrean Tewahdo church must disconnect themselves from the expired inherited
    feudal culture of Ethiopia to meddle with government political affairs . Because
    political ideologies are changeable at any stage while religion is a strong unique
    permanent spiritual belief .
    To reach for national unity , we should start to bring unity inside our houses .
    communities and other gathering places then we can progress to the higher level
    inclusively to the whole people of the country .

  • Debasse October 17, 2014

    North america orthodox should lead demonstration. Weak up.

  • Yeman October 17, 2014

    “…ከኒሻ ጸገም የብሎምን ፕረሲደንቶም ብምልኣት ልቦም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ፥ ሙፍቲ ኤርትራ ኣይተኣስሩ ኣይተሓየሩ ቃሕ ብዝበሎም ንህዝቦም ይመርሑ ኣለዉ”

    ከመይ ድኣ ነዚኦም ኣሲርዎም?

    http://morningstarnews.org/2014/05/eritrea-again-persecutes-christians-of-officially-recognized-faith/

  • Agaze 2014 October 17, 2014

    “ንብዙሕ ሰብ ኣገሪሙን ዘሎ ድማ ስቕታ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኣማንን ብፍላይ ድማ ነቲ ንነውሕ እዋን ብዓውታ ክቃለስ ዝጸንሐ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን እዩ፣ ምስቲ ዘለዎም ኣፍልጦን ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልስን ዘይሳነ ስቕታ ምምራጾም፥ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ሰብ ኣብ ረመጽ ኮይኑ እናተዋግአን መስዋእቲ እናኸፈለን፥ ኣብ ኣፍደገ ዓወት ምስ ተበጽሐ ስቕ ምባሎም ሕቶ ዝፈጥር እዩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እምበርዶ ኣብ ቁጽጽር ህግደፍ ኣይወደቐን ዘብል ጥርጣረውን ዘሕድር እዩ፣”

    አይትተሃወኹ ኢኹም… መርበብ ተዋህዶ ተኸታተሉ….ከምዚ ይብል….

    “…ሕጋዊ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም፡ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ድማ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ ምእንቲ፥ ክቡራን ገዳማውያን ኣቦታትን ካህናትን፥ ብጸሎትን ብትብዓትን ስለ ቤተ ክርስቲያን ዝጀመርክምዎ መንፈሳዊ ውግእ፡ ብፍቕርን ብሓድነትን ብጸሎትን ክትቅጽልዎ እናኣተሓሳሰብና፡ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜርካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝቅጽል ግዜ መግለጺ ከውጽእ ምዃኑ ንሕብር።
    እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ይባርኽ።
    መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።”
    http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1513:2014-10-09-16-26-53&catid=63:2008-08-24-02-53-16&Itemid=75

  • daniel October 17, 2014

    Kulu hezbi krestian orthodox patriark abune antonios abey alewu kehatet ygba eyu

    • Ermias October 17, 2014

      Abey emo ezi mushmush hizbi

  • hermon sem October 17, 2014

    Hgdef mendef

  • Bilen October 17, 2014

    kulu hzbi christian bhabar ktnsE alewo behalay iye. ezi srAt ezi Hgn moraln zeyblu mEnti slTanu nmluE hzbi eritrea yeTfE alo. lomi ab tewahdo tsbah dma abten zterefa. slezi dma catholic tewahdo mbal terifu etom aslam ertitrawyan ewn bhabar ms christian dew kblu alewom.

1 2 3

POST A COMMENT