Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ ጎስጓስ ዝለኣኾም ሓሙሽተ ደረፍትን ሙዝቀኛታትን ንሓደ ሰሙን ኣብ ፍራንክፈርት ተታሒዞም ከምዝቐነዩ ተፈሊጡ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምኽንያት ብዓል ልደት ንፖለቲካዊ ጎስጓስ ናብ ወጻኢ ዝለኣኾም፣ ኣሚነ ተ/ስላሰ፣ ኢሳያስ ደበሳይ፣ ፋጥማ ኢብራሂም፣ ሳሙኤል ተዓገስ፣ ሄኖክ ተኽላይ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ደረፍቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈርት ተታሒዞም ከምዝቐነዩ ምንጭታት ኣሰና

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምኽንያት ብዓል ልደት ንፖለቲካዊ ጎስጓስ ናብ ወጻኢ ዝለኣኾም፣ ኣሚነ ተ/ስላሰ፣ ኢሳያስ ደበሳይ፣ ፋጥማ ኢብራሂም፣ ሳሙኤል ተዓገስ፣ ሄኖክ ተኽላይ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ደረፍቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈርት ተታሒዞም ከምዝቐነዩ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

በዚ ምኽንያት፣ እቲ ኣብ ሆላንድ፣ ሮተርዳም፣ ን25 ታሕሳስ ከቕርቡዎ ሒዞሞ ዝነበሩ መደብ ፈሺሉዎም፣ ብኻልኦት ኣብ ኤውሮጳ ዝጸንሑ ደረፍቲ ከምዝተተክአ ተፈሊጡ።

ንሳቶም ብቐጥታ ናብ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ዘይብሎም ክንሶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈት ክወጹ ስለዝፈተኑ እዮም ተታሒዞም ቀንዮም። እቲ ኣብ ኤምባሲ ጥልያን ኣስመራ ዘህረሙዎ ናይ ሸንገን ቪዛ ናብ ሃገራት ኤሮጳዊ ሕብረት ዘንቀሳቕሶም ‘ኳ እንተኾነ፣ ቅድሚ ናብ ዝኾነ ሃገር ምኻዶም፣ ፈለማ ግን ናብታ ቪዛ ዘውቁዑላ ዓዲ ጥልያን ክበጽሑ ነይሩዎም።

ሓደ ካብቲ ነዞም ስነጥበባውያን ንኽንድዚ ዝኣክል እዋን ዘደናጎዮም ምኽንያት፣ ከምቲ ሰበስልጣን ህግደፍ ብልሙድ ዝገብሩዎ፣ ምእንቲ ገዲፎሞም ከይከዱ ብጉድለት ሓበሬታ ክቋጽጸሩዎም ክብሉ ምሉእ ሓበሬታ ስለዘየስንቑዎም እዩ። ካብ ኣስመራ ከም ኣቕሓ ኣፋንዮም ዝቕበሉዎም መሓዮታት ከኣ ይገብሩሎም፣ እምበር እቶም ገያሾ ተዓጻጺፎም ንዘጋጥሞም ዋላ ናእሽቱ ጸገማት ክፈትሑ ናጽነት ኣይህቡዎምን እዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተው ኤርትራውያን ብብዝሒ ናብ ጀርመን ብኡ ኣቢሎም ‘ውን ናብ ካልእ ሃገራት ይኣትዉ ስለዘለዉ፣ ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጽዑቕ ምክትታል ይገብሩ ከምዘለዉ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Cheru December 29, 2013

    ክትበልዓ እትደሊ ኣባጉምባስሲ ዛግራ ትብላ ኢዩ ናይ ኣሰና ወረ። ንኣየናይ ወረ ከይኸዶም እዮም ህግደፍ ሓበሬታ ጨራሪሞም ስለ ዝህብዎም እዩ ኣብ ሓደጋ ዝኣትዉ፡ ዘይየለ ወረ። ጌጋ ተጌይሩ ነቲ ጌጋ ምእላዩ ድማ ሰሙን ወዲኡ። ሰሙን ዘወድኦ ምኽንያት ከኣ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ እንበር ፖሊስ ጀርመን በታ ዝመጽዎ ነፋሪት ክመልስዎም እዮም ዝደልዩ ዝነበሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ዲፕሎማሲያዊ መዝነቱ ተጠቂሙ ነቲ ጉዳይ ፖሊስ ጀርመን ክወስድዎ ዝሓሰቡ ስጉምቲ ጠጠው ኣቢሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዛተን በዕል ልደት ስለ ዝኣተወ ድማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ተዓጺዩ ምስጸንሑን ብድምር ነቲ ጉዳይ ብኣጋ ንኸይውዳእ ዓንቂፍዎ።

    ብሰንኪ ብልብያ ዝመጹ ስደተኛታት መንግስቲ ጀርመን ጥቡቅ ምቁጽጻር ይገብር ከም ዘሎ ምንጭታትና ይሕብሩ ይብለና ኣሎ ወዮ ሃብሮማይ ኣሰና። እዝግሄር የርኢኻ በልሲ እቶም ካብ ሊብያ ዝመጹ ብኢንተርናሽናል ቦርደር ናይ ፍራንክፎር ኤውሮፖርት ድዮም ዝመጹ ኮይኖም ነዞም ደረፍቲ ምስኦም ተመሳስሎ ዘሎኻ?

    ሕግን ቅጥዕን ኣማልኡ ክትኣትዉ ኣብ ዓድና እኮ እዮም ኢሎሞም። እዚ ከኣ ንጀርመን የብሉ ንባንግላዲሽ የብሉ ዝኾነት ሃገር ክትገብሮ ዝግብኣ ምቁጽጻር እዩ። ደሓር ድማ ኣነ ዝሰናዕክዎ ስእሊ ቀዲሕካ/ሰሪቅካ እቲ ሓቂ ጽሓፍ፡ ምንጭታትና ኣናበልካ መሽጎራጉር ሓሶትን ጽልእን ኣይተካውስ።

  • Genet January 2, 2014

    What kind of Eritrean sings with the dictator? or for the dictator? Those artist are noting but opportunistic. If they go back and keep singing to keep the ruthless dictator in power, they are the worst enemy of our people. How about the other artists already in diaspora? Where are they? How come they are not getting together with “wed Tekabo” to support our unity for change?
    Genet

Post a Reply to Genet Cancel Reply