Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ መራሒ ሃገር ናብ መራሒ ሃይማኖት

ኣብ እዋን ገድሊ፡ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንንጉስ ሃይለስላሴን ቀሺ ዲሞጥሮስ ገብረማርያምን፡ “ንሃይማኖት ተሃህዶ ንፖለቲካ መሳርሒ ይጥቀሙሉ ነይሮም” ብምባል ይኸሶምን ብተግባራቶም ይምካሕን ነይሩ። እቲ ንነብሱ ኣበር ኣልቦ ዝቆጽራ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ቀደም ኣብ

ኣብ እዋን ገድሊ፡ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንንጉስ ሃይለስላሴን ቀሺ ዲሞጥሮስ ገብረማርያምን፡ “ንሃይማኖት ተሃህዶ ንፖለቲካ መሳርሒ ይጥቀሙሉ ነይሮም” ብምባል ይኸሶምን ብተግባራቶም ይምካሕን ነይሩ። እቲ ንነብሱ ኣበር ኣልቦ ዝቆጽራ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ቀደም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሃይለስላሴን ቀሺ ዲሞጥሮስን ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ምእታዎም ዘቅርቦ ዝነበረ ምውርዛይ ሎሚ ኣብ ልዕሊ መራሕትን ኣመንትን ኣብያተ ክርስትያን ተውህዶ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅልውላው፡ ምእሳርን ምፍርራሕን፡ ንሕሉፍ መርገጺታቱን መግለጺታቱን ነብሱ ክመዝን ኣእምሮ እንተዝህልዎን እንተዝስቆሮን፡ “ኣይ-ዓሻ ኣይ-ለባን ማእከላይ ገልዳም” ምተባህለ ነይሩ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘለዉ ኣመንቲ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ካብ ኣታዊታቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ቀረጽ እንተድኣ ዘይከፊሎምን መራሕቲ ወይ ሓለፍቲ ሰበኻ ጉባኤ ህግደፍ ብዝደልዮ ቅጥዒ እንተዘይመሪጾምን፡ ከምዝውገዙን መንፈሳዊ መቅጻዕቲ ከምዝጽበዮምን፡ ገደብ ግዜ ብምሃብ ኣጠንቂቁ’ሎ። ወዮ ድኣ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ኮይኑ’ምበር፡ ዝኾነ መንግስቲ ወይ ምምሕዳር፡ ንህዝቢ ግብሪ ወይ ቀረጽ ንመንግስቲ ክፈል ኢሉ ክእዝዞ እንከሎ፡ መንግስቲ በቲ ካብ ህዝቢ ዝእክቦ ገንዘብ ይኹን ካልእ እቶት፡ ንህዝቢ ዝገልግልን ዘርብሕን ከም ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምምዕባል ሕርሻን ፋብሪካታትን ከምኡ’ውን ምሕያል መሰል ጥሮታን ማሕበራዊ ውሕስነትን ዝኣመሰሉ ቁምነገርን ኣገልግሎትን ክትግብር ይግባእ። ህዝቢ ካብ ኣታዊኡ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ቀረጽን ግብርን፡ ኣብ ምምሕያሽን ምምዕባልን መነባብሮኡን ኣገልግሎትን ፋይዳ ዘይብሉ እንተኾይነ ግን ምዝራፍን ዓመጽን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ይሕመቅ ይጸብቅ ከም መንግስቲ ስለዝቁጸር፡ ኣገልግሎት ምሃብ ይትረፍ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ይሕሰሞ ይርሃዎ ኣበይ ከምዘሎ ሓቲትሉ ዘይፈልጥ፡ ካብ ኣታዊኻ ግብሪ ወይ ቀረጽ ክፈል ኢሉ ከገድዶን ከፈራርሖን እንከሎ፡ ንዕቀትን ብድዐን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓቢኡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ምግባት ንብረት፡ ምምዝማዝ ጉልበትን ንሃይማኖትን ቅርስታቱን ምብካልን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምእታዉን ከይዓጅቦ፡ ንሃይማኖት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም፡ ኣብዘይ ዓዱን ምምሕዳሩን መጺኡ ከጉባዕብዕ እንከሎ ዘገርም’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ እንኮ ኣብ ስልጣኑ ንኽጸንሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሕሱርን ሓደገኛን ሜላ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምልሕላሕ ሓድነትን ሓድሕድ ዘይምትእምማን ምፍጣርን’ዩ። ስለዝኾነ ህግደፍ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማሕበረኮም መስሪቱ ባህሉ፡ መንነቱን ክብሩን ክዕቅብን ንመሰላቱ ክጣበቅን ምርኣይ ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዝነብር ኤርትራዊ፡ መንፈሳዊ ንጥፈታቱን እምነቱን ዘሰላስለሉ፡ ካብቲ ጨቆቕ ኢሉ ዘጠራቀሞ እቶቱ ብምውጻእ’ዩ ኣብያተ ጸሎትን ህንጻታትን ንምግዛእ ወይ ንምክራይ ተባዕ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ። ነውራም ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ ክጥርነፍ፡ ብመንነቱ ክኾርዕን ህጻናቱ ተመልሚሎም ክዓብዩን ዝሕግዝን ዘተባብዕን፡ ጽሩይ ማይ ክዘርግን ውህከት ከሳውርን ከይደቀሰ ይሓድር ኣሎ። እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ዜጋ፡ ብቀደሙ’ውን ብሰሪ ምትእትታው ስርዓት ህግደፍን ስሙርን ተሪርን ተቃውሞ ህዝቢ ዘይምህላውን ተመቃቂሉ ዘሎ ኣማኒ ተዋህዶ፡ ነዚ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ትእዛዝን ምፍርራሕን ስርዓት ህግደፍ፡ ብሕብረት “እምቢ ንዘራጊ ውጥን” ዝብል ግብረ-መልሲ እንተዘይሂቡሉ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእሲ ኣመንትን ኣገልገልትን ክዕንደር’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስርዓት ህግደፍ ቆቢዕ፡ ካባን ልብስን ጳጳስን ካህንን ለቢሱን መስቀል ዓቲሩን ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ከማሓድር ሕፍረትን ሞራላዊ ሓላፍነትን ኣይስምዖን’ዩ። እቲ ቤት ጸሎትን ጽድቅን ቦታ ድማ፡ ቤት ሓጥያትን ኣረሜናውያንን ክኸውን’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ እቶም ብፍርሒ ወይ ብግዝያዊ ረብሓ፡ ካብ መንፈሳዊ ሞያኦም ወጺኦም መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን፡ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ፡ ካብ መንገዲ ሰይጣን ተኣልዮም ናብ ኣምላኽ ዝፈትዎ ጎደና ክመርጹን ንመንፈሳዊ ክብሮም ክስየፉን ኣለዎም። ብስም ሃይማኖት፡ ኣብ ቤት እግዝኣብሄርን  ጸሎትን ስራሕ ሰይጣን ምክያድ ግን፡ ሓጥያት፡ ንቅዱስ ቦታ ምርኻስን ናብ ገሃነብ እሳት ዘእቱን ተግባር’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • teklit n July 25, 2017

    what is the difference b/n Isayas and Hitlor, the only difference we found is that Isays doesnt have enough power and fame to exercise fully his criminal activities. Furthermore, Isayas criminal activity is aginst his people while Hitlor respects his people and exercise his criminal activities to other citizens 

    • k.tewolde July 29, 2017

      Even though I agree on the character similarities between the two,the tyrant doesn’t own the Eritrean people and never will.Many moons ago in boot camp during the guerrilla years as boy soldier I voiced to my fellow combatants at the time ‘this guy is not one of us, at least his ideals’ hopefully some of them are still around to come forward. The venue was Togoruba,never was and never will,but his sold himself skillfully to the largest vulnerable segment of our population alienating the small enlightened one,the rest is history.

  • Simon G July 25, 2017

    “እንዳ የለን”

    መዓልቲ መጸት: የለን
    ባኒ የለን: ማይ የለን: ኤለክትሪክ የለን
    ብጀካ ሐሕማቑ: ካልእ የለን
    ካብ ጽጋብ ናብ ጥሜት: ካብ ሓጎስ ናብ ሓዘን
    እዋይ ተካል: ናይ ህግደፍ ዘመን
     
    ካብ ቤት ትምህርቲ: ቤት ማእሰርቲ ዝህነጽ
    ካብ ቤት ፍልጠት: ናይ ቤት ሕስረት ዝምረጽ
    ኣብ ክንዲ ትግሃት: ፋብሪካ ናይ በለጽ
    ካብ ሩፍታ ቅሳነት: ናይ ሲኦል ረመጽ
    ኣየ ዓመጽ!
     
     
    እንዳ የለን: መጥፋእቲ ሰብ
    ብጀካ የለን: ኣሎ ዘይፍለጥ፥ ጠሪሱ ዘይሕሰብ
    ክብ ህግደፍ እንታይ ጽቡቕ ክርከብ
    ‘ዞም ስሚ ሕብረተስብ
     
     
    ኣብ ክንድ ጥልፍታት: ነገር ክኣልሙ
    ጽቡቕ ክሰምዑ ዝሓሙ
    ካብ ጽቡቕ ክሰምዑ: ዝመርጹ ክጸሙ
    ናይ ዘመንና በሃማት
    ናይ ሓንጎል ድኻታት
    ሰብ ክልብም: ዘይልብሙ

    ሰተይቲ ደም: እኽብካብ ናይ ገበን
    እንታይሞ ክንጽበ: ካብ እንዳ የለን
     
    ብሕማም ናይ ሰቦም: ዝፍስሁ: ዝፍንጭሑ
    ኣብ ዘይብሎም: ዝምክሑ
    ብቶንኮል ዝበልሑ: ብህውከት ዝረብሑ
    ካብ ጽፍሮም ስጋዕ ጨጉሪ ርእሶም: ብክፍ ኣት ዝተሰርሑ
    ጋንታ ስኵኒታት: ኣምላኽ ዘይፈርሑ
     
    “እንዳ የለን” ሎሚ የለን: ጽባሕ የለን
    ኣብ ጥራይ ኢድካ: በጥረንረን
     
    ብታሪኽ ጀጋኑ ክኾርዑ
    ስድራ ጀጋኑ ደም እንዳንብዑ
    ኣዕጽምቲ ስውኣት ይበልዑ

    የለን! ክብሉ ኣሪጎም: ሰብ ኣእሪጎም
    ወዲ ሃገር: ካብ መሬቱ ቦንቊሮም
    ዜግነት ደምሲሶም
    ብምልእታ ሃገር ኣብሪሶም
     
    የኽፈኣልና ዘይፈልጡ ወዲኒታት
    ጸረ ጸጽብቑ: ሽዶናት ናይ ጥፍ ኣት
    እንዳ የለን: ነጋውስ ናይ ጸልማት
    ሕጂ ግን: ኣኺላ ‘ያ ናትኩም ሰዓት

    Simon G.

    • k.tewolde July 26, 2017

      Simon,What a poetic depiction! you can’t canonize them any better.My mom used to call those kind of people ‘TSEWA’ETI SHIGAR’.

      • Simon G July 26, 2017

        Thanks brother k.tewolde!

  • amanuel July 25, 2017

    Higdf has no legitimacy to rule the country let alone impose diaspora tax. Thanks to the internet, activists and the media, every body know where these instructions are comming from under disgise of synod that was already condemned by our patriarch. No one will support the 3 things higdf wants us to accept. 15% of the chutches income- we are ready to break 15 jaws of hgdf. Sebeka gubae to be lead by priests and not be elected by people. We will break 15 nakes ofhigdf priests

  • k.tewolde July 25, 2017

    ‘ ስርዓት ህግደፍ ቆቢዕ፡ ካባን ልብስን ጳጳስን ካህንን ለቢሱን መስቀል ዓቲሩን ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ከማሓድር ሕፍረትን ሞራላዊ ሓላፍነትን ኣይስምዖን’ዩ። እቲ ቤት ጸሎትን ጽድቅን ቦታ ድማ፡ ቤት ሓጥያትን ኣረሜናውያንን ክኸውን’ዩ።’ The book of revelations,’..the wolfs will approach you wearing a sheep’s skin,beware my children….’ HGDEF is the ominous sign of our time.It is a sobering article Tsilal,you never fail to amaze me.

  • Nahon July 25, 2017

    ስርዓት ህግደፍ፡ እንኮ ኣብ ስልጣኑ ንኽጸንሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሕሱርን ሓደገኛን ሜላ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምልሕላሕ ሓድነትን ሓድሕድ ዘይምትእምማን ምፍጣርን’ዩ።

    ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

  • adhanom July 25, 2017

    Hgdf knows it can not control diaspora. It has given up on us to the point of saying diasporans are not eritreans. It has ever dwindling blind aged uneducated supporters. Its camp is diminishing every day. So it has to try to disrupt our unity by interfeering in our churches to weaken us. This is a reflection of its desperation and hopelesness. It will suffer another humillation for the church money is neither for higdf nor any opposition party but the church and only the church. We the believers own the church and the money. Any arm of hgdf that try to stretch into our churches shall be cutt off.

  • meretse July 27, 2017

    ሰላም ሓው ሳይሞን — ብመልክዕ ግጥሚ ዘቀምጥካዮ ሓሳብ ሙሉእ ስእሊ ግዜን፣ ባይታን፣ ሕሉፍን ህሉውን፣ ታሪክ ቃልሲ ህዝብና ኢዩ። ሓጺር ጽሑፍ ግን ከኣ ሙሉእ ትሕዝቶ። ግሩም!
    ድምጽካን ድምጺ ካልኦትን ከኣ ኣይትሓባእ።

    • Simon G July 27, 2017

      Thanks brother Meretse!
      We want to see you more at this forum. Few old time commentators are missing from Assenna forum lately.

  • meretse July 28, 2017

    Thanks brother Simon
    I think you are right. We can not hide from the heat/harsh weather forever.

  • AMAN July 28, 2017

    How do people criticize a thing they do not know
    or have no clue about or is it an outright denial and
    rejection of the truth no matter what ?
    >
    I do not see any reason when people deny, reject or
    criticize the ideas and political platforms raised by this
    individual named the Rev. Nibure id Keshi Demetrious
    when it is the same and very idea the USA hailed in the
    mid 80″s and as guiding blueprint for all of its friendly
    Nations in particular and the world in general.
    Among the first beneficiaries of this unique political blueprint
    developed by the above mentioned individual Demetrious in the
    1950’s or 1960’s and who applied it correctly as his student was
    none but the meticulous politician Hassan Turabi and the neighbouring
    African Nation of the SUDAN with the full blessings of the USA and
    the George W Bush Administration and the US republican party.
    Now, where is the sin or the fault for this man rev. Demetrious for
    articulating a political platform that prevents the world from being
    overrun by Bolshevism or communism and meticulously applied it
    to the Eritrean and Ethiopian Nations well before any body saw the
    dangers of communism and fully augumented and empowered the
    republican agenda of the ever descending African horn region similar
    to the political curse and destiny the Middle East had to meet.
    If it was not for Hassan Turabi who mastered his mentors political lecture
    later in the mid 1980″s the Republic of Sudan itself would not have saved from
    this political fallout .
    So let us learn to appreciate and acknowledge good ideas and give due respect
    to those who own them before being judgemental.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply