Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርሒት ዓብደረቦ!

ስርሒት ዓብደረቦ! ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡

ስርሒት ዓብደረቦ!

ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ከመዛዝን ዘይክእል ህጻን እየ ነይረ፡፡ ግን ከኣ እቲ ዝዝረብ፡ ዝበሃል፡ ዝውረ ዝነበረ ኣይርሰዓንን፡፡ ከምቲ ብነኣሽቱና እንከለና፡ ዝንገረና መፍረሒ ዓይነት ጽውጽዋይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ንብረት ገዛ ዝተንከፎ ዘይብሉ ባዕሉ የንቀጥቅጥ፡ ጸኒሑ ይወድቕ ይሰባበር፡፡ ቢኬሪ ቡሽ መስተይ ሻሂ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ ከለኻ ዝተንከፈካ ዘይብልካ ወዲቑ  ሸዋሕዋሕ ይብል ይሕምሸሽ፡፡ መኣዲ ክትበልዕ ቅርብ ምስ ኣበልካዮ ባዕሉ ቁልቁል ዝኣፉ ግልብጥ ይብል ይድፋእ፡፡ በዚ መጸ ዘይበልካዮ ኣይሂ ደናጉላ ሓነግነግ የብለካ፡፡ ግን ከኣ ዝገርም ደም ዝበሃል ኣይትፈስስን ኣይትሓብጥን እውን፡፡ እቲ ዘረባ እቲ ዝበሃል ብዙሕ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ተግባራት ዓብደረቦ ተኣምራት ኢዩ፡፡ ክዓልብ እምበር ክስንዶ ብፍጸም ኣይትርእዮን፡፡ ስራይ ዓይነት ኢዩ፡፡ መን ይፈልጥ ዓብደረቦ ሓወን ወይ ውን ወዲ ሓወቦአን ንደቂ ሕድርትና ክኸውን ይኽእልʼዩ፡፡

ነገር ዓብደረቦ ደሓር ምስ ዓበኹ ካብ ቤትምህርቲ ሰውራ ናብ ገድሊ፡ ካብ ገድሊ ነጻነት ኮይኑ ዳግማይ ናብቲ ዝዓበኹሉ ሕብረተ-ሰብ ምስ ተጸንበርኩ እየ ብዝግባእ ፈሊጠዮ፡፡ እንተኾነ ንሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን እቲ ገና ንእሽቶ እንከለኹ ዝሰምዖ ዝነበርኩ መፍርሒ ተግባራት ዓብደረቦ ጎኒፉንን ብዓይነይ ርእየን ኣይፈልጥን እየ፡፡ እቲ ብዛዕባ ዓብደረቦ ዝበሃል ሓቅነት ኣለዎዶ ወይስ ጽወጽዋይ ዝዓይነቱ ፈጠራዊ መፍርሒ ፊልም ኢዩ እንድዒ፡፡ ነገር ዓብደረቦ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ድዩ…? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ከምቲ ንዓርከቦይ ዘጋጠሞም ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሲንጋፖር ከ ኣጋጢሙʼዶ ይፈልጥ ይኸውን ንተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ክገድፈሎም፡፡ እቲ ንዓርከቦይ ዕረፍትን ቅሳነትን ከሊኡ ካብ ቤቱ ዝፈናቐሎ ዓብደረቦ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ገለ ዘኪረዮ፡፡ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ዘየዘኻኽር፡፡ ነቲ  ሰለስተ ዓሰርተ ድፍን ዓመታት ዘሕለፈ ናይ ህጻንነተይ ዝኽሪ ኣዘኻኺሩኒ፡፡ ክላእ ግደፈና ናትካ ግዳ ናይ ትማሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ ዘበነ እኒ እኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ንዘበነ ውበ፡ ዘበነ ቱርኪ፡ ዘበነ ጥልያን፡ ዘበነ ዓፋኝ፡ ዘበነ ኩቦን፡ ዘበነ ይለፍ፡ ዘበነ ተፍትሽን ርጂላን ቀርዒዶን ከማን ኣዘኻኺሩና ኣሎ፡፡ እህህህህ……..

ገሌኹም ድማ ኣየ ኣራንቺ አብኣ ኣላትካ፡፡ ካብ መአስ ኢኻ ብዛዕባ ዓብደረቦን ዓንደረቦን ዝጸሓፍካ፡፡ ነዚ ጎሮርኡ ተሓኒቑ ኣፉ ዝለኸተ ምእዋይ ዝሰኣነ ሕሉቕ ዝበኸተ ስርዓት ድኣ ክትሳሃሎ ደሊኻ እምበር ከም ትብሉኒ ኣይሰሓትኩን፡፡ ኣይተጋገኹምን! የግዳስ እቲ ገና ህጻን እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ባዕሉ ተሳሂልዎ ኣሎ፡፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 መጋቢት 2015 ዓብደረቦ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋን ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ተራእዩ፡፡ ካብቲ ኣነ ንእሽቶ እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ግን ዝተፈለየ ኢዩ፡፡ ብወተሃደራዊ ተዕሊም ዝሰልጠነ ዝታኾስ ዘመናዊ  ዓብደረቦ ኢዩ፡፡  ከከከከከ ስሓቕ!

 

ዓብደረቦ ንመዓደኒ ውርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካን ነቲ ከባቢ ብዘናወጸ ከቢድ ድምጺ ቡምባታት ተሳሂልዎ፡፡ እንድዒ ኸ ዓብደረቦ ይሰብር፡ የውድቕ፡ ደም ብዘይ የውጽእን ዘየሕብጥን ደናጉላ ይፋጋእን እምበር፡ ቡምባ ይድርብን ፈንጂ የጻውድን ባርዕ ይፈጥርን የንድድን ዝብል ንእሽቶ ከለኹ ኣይሰማዕኩን ኣነ፡፡ ንኺድʼዶ…ህግደፋውያን..? ንኺድ …ክሳብ ጠቕሊልና ንጸድፍ!

ዝገርም ክስተት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣዮን እቲ ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ብእዝኑ እናሰመዖን ተተልቲሉ ንላዕሊ ዝዓርግ ብርቱዕ ቃጸሎን ትክን እንዳተዓዘበ፡ ካብ ሚሒር ምሕማሙ ክሳብ ትድንዝዝ ተደሲቕካን ተሰሊቕካን ክንስኻ ኣፍካ ዓቢስካ ጥርቅም ድኣ እንታʼዩ እቲ ሚስጢር…? ዓብደረቦ እንተ ተዛሪብካሉን ያዕ ያዕ ኢልካ እንተ ኣእዊኻሉን ይደግም ይደጋግም ኢዩ ዝብል ስግኣትʼዶ ንህግደፍ ኣፉ ከም ዝልክት ገይርዎ ይኸውን….? እንድዒ፡፡ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስርሒት ዓብደረቦ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብልክዕ ኣብቲ ዘሕምሞ ኣካሉ ከሲኡ፡ ዓባስ ከም ዝኸውን ዝገበረቶ ብርትዕቲ ማሕጎማ ኢያ፡፡ ኣሜሪካን ወያነን ሓምሻይ መስርዕን እቲ ኣብ መልሓስ ህግደፍ ንዓመታት ዝተሰቑረ ስቑሬን፡ ዘይከም ትማሊ ንእለቱ እኮ ጠሚሙ፡፡ እዚ ኣሽንካይʼዶ ተደሲቑ ከይተደሰቐ እውን ብኻዕቦ ሓሶቱን ምድንጋራቱን ዝልለ በዓል ወረቐት ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ስለምንታይ ስቕ ጥዑም ምስ መኽደኑ መሪጹ….?

ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ፡፡ ከም ነገር ፈሊጡ ዝደቀሰስ ነውኒውካዮ ነይሰምዕ ኢዩ፡፡ እዚ ውዱቕ ስርዓት ንድስቒት ዓብደረቦ ከም ደም ኩርምቲ ንውሽጢ ክውሕጦን ክሰትሮን ኢዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ኤእ ዓሻ ድዩ ህግደፍ ዕደ፡፡ ሎሚ ከም ዓምን ቅድሚ ዓምን ከም ዘይኮነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ንዝወደቐ ገረብ ሓኽሊ ይበዝሖ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ከመይ ቢሉ ክጠፍኦ፡፡ ከምቲ ቅድሚ ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት፡ ተወረርካ ምስ ተባህለ፡ ህዝቢ ግንባሩ ክህብ ናብ ግንባራት ዝወፈረ፡ ሎሚ ዓንደረቦ ኣብ መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ደሲቑና፡ ተመለሊሱ ኣብ መኸዘኒ ኣጽዋር እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋ ሰሊቑና እንተ ኢሉ፡ ህዝቢ ምሳሩ ሒዙ ናብ ግንባራት ዘይኮነ፡ ገጹ ገልቢጡ ናብ ቤተ መንግስቲ ግብን ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ካምፖፖሎን ከም ዘቕንዕ ኣይጠፍኦን ኢዩ፡፡ ኤእ ጨቆቕ ኢሉ ዘጥረዮ ገዛውቱ ተደናጊሩ ናተይ ብዝበሎ ስርዓት ብዶዞርን ግሬደርን ከፍርሰሉን ዓነውነው ከብለሉን ብዓይኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ቂምትኡን ጽልኡን ግዜ ኢዩ ዝጽበየሉ ዘሎ፡፡ ስለዚ ምርጫ ህግደፍ መ መልሲ የለን ኢልካ ነገራት ዓቢስካ ስቕ ኢያ ተዋጽኦም፡፡

ኣብ መጠረሽታ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ስርሒት ዓብደረቦ ክብል ንኹሉ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ሓሊፈዮ ኣለኹ፡፡ የግዳስ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል እውን ኣሎ፡፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ኣብ 20 መጋቢት 2015 ዘጋጠመ ደቒቕን ዝርዝራውን ሓበሬታ ከስዕበልኩም እየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • AHMED SALEH April 3, 2015

    Aranchi
    We were kids to scare on hearing about Abdurobbo night sleepless night activities
    in section of ghezabanda . Yet we do not have an answer to understand who is
    Abdurobbo . And now this Abdurobbo in Bisha and other Eritrean lands comes
    late night with similar tactics to awoke people from their bed .
    Some say he came from across the border and others say he resides inside the
    country . Since nobody can identify him it is Eritrean GHOST job in concern his
    remarkable activities without trace left behind .

    Well at present period with advanced technology, here we are again our head
    bewilindered and confused to observe ABDUROBBO revisited for HGDF nightmare .

  • YERHWO April 3, 2015

    aranchi,

    Abotatna kedem wediOmo iyom. TeAnTatai wedakay! izi kulu gura, jahra, hasot dea bkemei kfdE.

  • Stefanos Temolso April 4, 2015

    እቶም ኢፒዲፒ ዝብሃሉ ኢትዮጵያ ብሚሳይ ሃሪማቶ ኢሎም ይብሃል ከኣ ሰሚዕና። 2015 ገለ ክተርእየናን ክተስምዓናን እያ። ህግደፍ ዝኽተሎ ሜላ ትም ክንብል መሪጽና እዩ። ሜላና ኣይግበሮ። ደስ ክብሎ ከሎ ድማ ብዛዕባ ዓዲ ሃገር ዓንገረር ክብል ሰብ ኣጽሚሙ እዩ ዝውዕል ኢሎሞ። ኢሎሞ እዩ እምበር ኣነስ ይትረፍ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ከለኹኳ ሰሚዐዮም ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ነቲ ንሳቶም ዘደልዩዎ ጥራይ ከስምዑ ስለ ዝደልዩ። ብዝኾነ ምሕረት የውርደሎም።

  • Truly Truly i say to you April 4, 2015

    ኢሳያስን ሰኣብቱን ብሃፈሻ ሕግደፋውያን፣ እምነቶምን ስርሃቶምን ዘበለ ኩሉ፡ ብሓቂም ምስ ኣብድረቦን ደቅሕድርትናን ስረሓት ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ምኳኑ እቲ ሸይጣናዊ ባሕሪዖምን ተግባራቶምን ባእሉ ዕለታዊ ሕያው ምስክር ከምድኾነ ዋላዃ እንተዘይሰሃትናዮ፣ እዛ ናይዝሓለፈ ሰሙን ስርሒት ግን ብናይ ኣብድረቦ ስርሂት ተመሲላ ጥራይ ብቀሊል ሕጨጫ ክትሓልፋ ዝከኣል ኣይመስለንን።
    ብኣንጻሩኳ´ድኣ ኣይተ ኢሳያስ ባዕሉ ብመደይ ኮን ኢሉ ዝሰረሓ ትያትሮ ከምድኾነ ሕዝቢ ኣጸቢቁ ክነቅሓላ ኣለዎ እንበር። ገለ ለዋሓት ኣንታ ትሩሊ፣ ኢሳያስ´ድኣ ከመይ ኢሉ ኣብቲ ናይ ሃገር ሓብቲ ባእሉ ሓዊ ይልኩስ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ኣነ ግን ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፣ ኢሳያስ ኣሽኻይ ናይ ሕዝቢ ንብረት ጠፊኡ ክኣጦ፣ ነቲ ዝተረፎ ሕዝቢ ኣጽኒቱ፤ ነቲ ዝተረፈ ግዝኣት መሬትና ደሴትና ኮነ ባሕርና ንኢትዮጵያ እንተረከበ´ኳ፣ ክሳብ ስልጣኑ፣ ውልቃዊ ረብሕኡን ሕልውናኡን ደይተተንከፈ፣ ዋላ ሓንቲ ዝኣጦ ነገር ከምዘየለ ኣርጊጸ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። እንታይ ክጥቀም ኢሉ ባዕሉ ሓዊ ይልኩስ ንትብሉ ለዋሃት፣ ከምትፈልጥዎ ኢሳያስ በቲ መወዳእታ ዘየብሉ ወፍሪ ሓገራዊ ኣገልግሎት(ባርነት) ምክንያትን በቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሰብዓዊ መሰላት ግሕሰት፣ ብዓለማዊ ሕብረተሰብ ጸቅጢ ነቲ ሓገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክገብረሉ፣ ናይ ሰብዓዊ መሰላት ክሕሉን ብቅዋምን ብሕግን ከማሓድር ጸቅጢ ይግበረሉ ስለዘሎ፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽኩልኩም፣ will continue

  • Truly Truly i say to you April 4, 2015

    “እዚ ሓደጋ ብደያኣፍልጦ ኢሳያስ፣ ምኽሪን ሰናይ ፍቃድን ዝተገበረ ከይመስለኩም። ከምትዝክርዎ ኢሳያስ ኣብ ሃድሽ ዓመት ኣብዝገበሮ ቃለመጠይቅ፣ እቲ ብህዝቢ ምይይጥ ተገርሉ ክጸድቕ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ቅዋም ብግብሪ ከይተተግበረ ከምዝሞተ ኣርዲእኩም ነሩ። ግናስ እንተ ሞሊቅዎ ድዩ ካልእ ሰይጣን ኣጋግይዎ ኢሳያስ ከይተፈለጦ ሓድሽ ናቱ ቅዋም ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝቀውም ኣተንቢሁ ስለዝነበረ፣ እቲ ምዓልቲ ግን ዋላዃ ዘይቀርብ መሲልዎ ተተዛረበ ግናስ ቀስ እናበለ ደበኽ ስለዝበለ፣ ከምትፈልጥዎ ኢሳያስ ብዝኾነ ቅዋም ሕግን ፍትሕን ኣብስልጣን ክቅንይ ከምዘይክዕል ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ፣ ነቲ ሰኪሩ ዝተዛረቦ ሓዲሽ ቅዋም ሕዝቢ ኣበይ ኣሎ ዝተተግበረ ኢሉ ምእንቲ ከይሃቶ፣ ነቲ ጉዳይ ንከይለዓል ገለ ምስምስ ምኽንያት ከምልማዱ የግድን ከምጽእ ስለዘለዎ፣ በዚ ምኽንያት ባእሉ ምስ ደማሒት ተስማሚዑ ዝወለዖ ሓዊ እንበር ካልእ ከይመስለኩም። ምኽንያቱ እቲ ክቀውም እዩ ዝበልካዮ ቅዋም ስለምንታይ ዘይተተግበረ ተባሂሉ እንተተሃተተ፣ የግድን ከምልማዱ ወያኔ ኮሊፎምና ክብል ስለዝደለ እዩ። ኢሳያስ ብቅዋም ብሕጊ ኣብ ኣበይቲ ከተማታት መንእሰይ ተኣኪቡ ክመሓር፣ ክሰርሕ ዋላ ንክዘናጋዕ፣ ከምኡውን ጸጋ ዘለዎም ኤርትራውያን ትካላት ተኪሎም ንብዙሕ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ንክከፍቱሎም ኢሳያስ የፍቅድ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እነተሎ፣ ገና ናይ ኢሳይስ ባሕሪ ዘይፈለጠ ሰብ ክከውን ኣለዎ። ኢሳያስ ብምንም ተኣምር ሰራሕተኛን ተማሓሪ ኣብ ማዕከል ከተማ በዚሁ ምዕቡል ትምሕርቲን ናይ ቴክኖሎጂ መራኸብያታት ከም ኮምፒተር ዝኣምሰሉ ዋላ ንትምሕርቲ ምዕባሌ የፍቅድ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ ገለ ሕዝባዊ ናእቢ ከየላእሉ ስልዝሰግእ” ኢለ ገሊጸልኩም ነረ።

  • Mesinas April 4, 2015

    ርእይቶ ንሓው ሚኪኤል እምባየ።

    ዝኸበርካ ኣራንሺ፡ ወትሩ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ንእትገብሮ ቃልሲ ኣዝየ አድንቐካ። ብቕጻል፥ ኣብዛ ሎሚ “ዓብደረቦ” ብዚብል ኣርእስቲ ኣቕሪብካያ ዘለኻ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘሎኒ ናይ ኣጸሓሕፋኻን ምልከት ቋንቋኻን፡ ተመስጦን ኣድንቖትን እገልጸልካ። ኣዝዩ ጽፉፍ ትግርኛን ኣቀራርባን! ሓው ኣራንሺ፡ ከምዚ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ ነቲ ብሉጽ ኣጸሓሕፋኻን ብቕዓትካን ይድርዕ’ዩ ዝበልኩዎ ገለ ሓበሬታን መመላእታን ወስ ከብለልካ ፍቐደለይ?

    ዓብደረቦ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዓንደረቦ ወይ ሓንደረቦ ምባል

    ኢዩ ኣብ ክንዲ ምባል፡ እዩ ምባል

    ነጻነት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ናጽነት ምባል

    ሓቅነት ኣለዎዶ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ሓቅነት ኣሎዎዶ ምባል

    እንድዒ። ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ፡ እንድዒ! ምጽሓፍ፡ ‘እንድዒ’ ቃል ኣጋንኖ ስለ ዚኾነ

    ኣጋጢሙዎ’ዶ ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ፡ ኣጋጢሙዎዶ ምጽሓፍ

    ሲንጋፖር ዶ ምጽሓፍ ግን ትኽክል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሲንጋፖር ስም ስለ ዚኾነ።

    ‘ቀርዒዶን’ ትርጉማ ስለ ዘይፈልጣስ እንተ ትሕብረኒ?

    ዝበኸተ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዝበተኸ ምባል

    ቡምባታት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ቦምባታት ምባል፡ ምኽንያቱ፡ ቡምባ፡ ማይ ዝጭንጓዓሉ ቱቦ ኪኸውን ከሎ፣ ቦምባ ድማ ተተኳሲ ወይ ድማ ተፈንጃሪ ነገር ማለት ስለ ዚኾነ።

    በዓል እከለ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ብዓል እከለ ምባል፡ ምኽንያቱ፡ በዓል ማለት ድግስ ወይውን ውራይ ማለት ስለ ዚኾነ።

    ብጣዕሚ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ኣዝዩ ምባል

    ብዶዘር ኣብ ክንዲ ምባል፡ ብደግዳጊት ማኪና ምባል

    ግሬደር ኣብ ክንዲ ምባል፡ ሓራሲት ማኪና ምባል

    ቂምትኡ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ቂምታኡ ምባል። የቐንየለይ።

    *ክቡር ሓው ኣራንሺ፡ እዚ ርእይቶ ካልኦትውን ምእንቲ ክመሃሩሉን ጌጋ እንተሎዎ ድማ ምእንቲ ክእርሙዎን፡ ኣብ መሶብ ርእይቶ ኣሰና ክዝርግሖ’የ። ሓውካ መሲናስ።

    • ኣርዓዶም April 4, 2015

      መሲናስ
      እዚ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ዝርዝራት፡ ገሊኡ ካብ ስሕተት ፊደል እንተዘይኮይኑ፡ ኩለን እተን ጠቒስካየን ዘለኻ ኣብ ጽሑፋት ቝንቝ ትግርይና ክጽሕፉ ንቡር ኢዩ።

      ንስኻ `እዩ’ እምበር ‘ኢዩ’ ኣይብሃልን ኢዩ ትብል ኣለኻ። ብወገነይ እቲ ቕኑዕ ግን `ኢዩ` ክብል ኢዩ ቕኑዕ፡ እዚ ክኣ ነቲ ቓል ኣደማምጻ የትርሮ ንማለት ኢዩ።
      `እዩ` ውን ክትብል ትኽእል ኢኻ ግን ልምሉም ልሃጃ ኢዩ። መብዛሕትኡ ክኣ ብወገን ትግራይ ወይ ዶባት ኤርትራ ዝነብሩ ኣህዛብ ዘዘውትርዎ ዓይነት ኣጸሓሕፋን ኣደማምጻን ዝመጸ ኢዩ።
      `ብጣዕሚ` ውን ይብሃል ኢዩ፡ እቲ ቓል ናበይ ከተብሎ ትደሊ? ኣምሓርኛ ተኾነ `በጣም` ክብሉ ይኽእሉ፡ ኩሉ ኣምሓርኛ ካብ ትግርይና ተዳቒሉ ከም ዝመጸ ኣብ ቝንቍ ትግርይና ፌስ ቡክ ተዘሪብሉን ብምስክርነት ተጻሒፍሉን ኢዩ። ስለዚ `ብጣዕሚ` ኣይጽሓፍን ኢዩ ክትብል ግቡእ ኣይኮነን።

      ትርጉም `ብጣዕሚ` ድማ ኣዝዩ፡ ምሒር፡ልዑል ነገር፡ ኣደናቒ፡ ገዚፍ ወዘተ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝስሕቶ ሰብ የለን። እቲ ተጋጊኻ ንሰብ ምግጋይ ግን ክትእረመሉ ዝሓሸ ይመስለኒ፡ `ሓጺራትኒ እንተበልኩስ ተደቢራ ትስዕስዕ` ኣይትግበሮ፡፡ ንሕናን ቝንቍና ብሰፊሑ ስኣን ኣላዩ ሓንሳብ ኣምሓራ ይኸውን ሓንሳብ ኣይ ኣምሓራ ኣይ ትግርይና ክኸውን ባብ ኣርሒና ቓላትና ብኩሉ ተዘሪዙ ውሒዱ እንዳበልናን፡ ንስኻ ድማ `ብጣዕሚ` ኣይትበሉ፡ ወይ `እዩ` በሉ ኢልካ ጌጋታትካ ምምሃር ጽቡቕ ኣይኮነን። ንርእስኻ ክትእረም ይግባኣካ።

      ብኻልእ ወገን ኣብ`ቲ ቐንዲ ኩነታት ናይ`ቲ ኣርቲክል ኣቲና ክንላዘብ ዝሓሸ ኮይኑ ይርኣየኒ፡ ምኽንያቱ ኣብ ዘይቦትኡ ኮይንካ፡ ነቲ ኣገዳሲ ጥረ-ነገር ገዲፍካ፡ ኣብ ቝንቍ ኣቲኻ ክትእርም ምፍታንካ ዘይጽላእ እኵ እንተመሰለ፡ ንተኸታተልቲ ካብቲ ቐንዲ መደብ ይኣልየና ስለዘሎ፡ ኣብ ፌስ ቡክ ኣብ ናይ ቝንቝ ትግርኛ ኣቲኻ፡ ክትእርም ክትእረም ዝሓሸ ኮይኑ ይርኣየኒ።

      ምክኤል እምባየ፡ የቐንየልና ስለቲ ጽሑፍካ፡ ግን እዛ ጽሒፍካያ ዘለኻ እኽልቲ ኢያ፡ ካብ`ዚ ንንዮ ትጽሕፎ፡ ንምስጢራት ቓልሲ ህዝቢ ዝዓናቕፍ ከይከውን ብኣግኡ ሕሰበሉ፡ ሕጂ`ውን ሓጺራትኒ እንተበልኩስ ተደቢራ ትስዕስዕ ከይትገብሮ፡ ንሕናን ምስጢር ሒዝና ብኸመይ ንህግደፍ ንወቕዕ ክንሓስብ እምበር፡ ዝተገብረ መስርሕ ኣገባብ መጥቓዕቲ ምዝርዛር ዝስእን ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ሕጂ`ውን ነቲ ብደቒቕ ኣጽኒዔ ክጽሕፍ ኢየ ዝበልካዮ፡ ዝተገብረ ተገይሩ ስለዘሎ፡ ደቒቕ መጽናዕትኻ ይጽናሓልና ኣብ ሓርነት ይኹን፡ ከምኡ ዳግማይ ዝጥቓዓሉ ኣገባብ ኣናዲ እምበር፡ ንዝተገብረ ከተጽንዓልና ኣይንደልን ኢና።

      ኣሰና ብዝገበርክሞ ኩሉ ትምስገኑ እኵ እንተኾንኩም፡ ክሳብ ኣብ ደገ ዝሃለና ምስጢራውያን ክንከውን ዝሓሸ ስለዝኾነ፡ ነዚ ብደቒቕ ዶ ዋላ ብገለ ዶ ዝብል ዘሎ ምኪ ኤል ጽሑፋቱ ተቐቢልኩም፡ ምስጢራት ዝቕጽል ተኮይኑ፡ ምእንቲ ውሕስነትን ቐጻልነትን ቓልሲ፡ ጽሑፋቱ ንኸይወጽእ ይላወበኮም።

      • haddish April 4, 2015

        ሰላም ኣርዓድም፡

        ኣጸሓሕፋ /እዩ ዶ ኢዩ/ ምስ ላህጃ ወይ ምስ ከም`ዚ ዓይነት ተርእዮ እተተሓዘ ኣይመስለንን። እቶም /ኢዩ/ ይጸሓፍ ቢሎም ዝመጐቱ ደገፍቲ “ይጸሓፍ ከመ `ዋቓቕራኡ“ ማለት (morphological principle) ስለ ዝኾኑ`ዮም። ከም ኣብ ኢኻ/ኢኺ፡ ኢና፡ ኢኹም/ኢኽን እንርእዮ፡ እታ ሓቛፊት ደቃቕ ግን ቀንዲ መቘሚት /ኢ-/ ካብ ኮነት፡ ካብ 1ይ ኣካል ክሳብ 3ይ ኣካል ንጽልን ብዝሕን ከይተቐየረት ትጽናዕ ዝበሉ ይመስሉ። ስርዓተ `ዋቕራ ክሕልዉ ክብሉ ግን ምስ ኣደማምጻ ባእሲ ክፈጥሩ ይረኣዩ። ማለት ሓደ ተዛራባይ ትግርኛ /እዩ//እያ/ /እዮም/ /እየን/ እምበር /ኢዩ//ኢያ//ኢዮም/ /ኢየን/ ከድምጽ ኣይርከብን`ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ፡ ሓውሲ ኣድማጺት (semi vowel)ዝኾነት ድምጺ /y/ ናይ ትግርኛ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ /i/ ብሰሪ ባህሪኣ ትጻወር ኣይትረአይን`ያ። ኣሳሳይ ዶ ኣሳሳዪ? ኣላዪ ዶ ኣላይ? ከመይ ክድመጹ ከመይ ክጸሓፉ ንረኽቦም? እታ ክትዕ ኣብ`ዚ`ውን ክትላዓል ምረኸብናያ። ብርእቶይ፡ ኣብ ኣደማምጻ ትግርኛ /y/ ን /i/ ብዘይካ ኣብ /ኢየሱስ/ ኣብ ካልእ ልሳናዊ ክስተት linguistic realization ከጋጥም ሰሚዔ ኣይፈልጥን።

        ዝኾነ ኾይኑ፡ ካብ ሓሳብ ኣራንሺ ከይኣልየኩምን ካብ ውራይኩም ከየዘናብለኩም።

        ሓዲሽ ተወልደ

      • robelbereketab@gmail.com April 9, 2015

        ንሕናን ምስጢር ሒዝና ብኸመይ ንህግደፍ ንወቕዕ ክንሓስብ እምበር፡ ዝተገብረ መስርሕ ኣገባብ መጥቓዕቲ ምዝርዛር ዝስእን ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ሕጂ`ውን ነቲ ብደቒቕ ኣጽኒዔ ክጽሕፍ ኢየ ዝበልካዮ፡ ዝተገብረ ተገይሩ ስለዘሎ፡ ደቒቕ መጽናዕትኻ ይጽናሓልና ኣብ ሓርነት ይኹን፡ ከምኡ ዳግማይ ዝጥቓዓሉ ኣገባብ ኣናዲ እምበር፡ ንዝተገብረ ከተጽንዓልና ኣይንደልን ኢና።
        ato aradom eza tshftka akbrot zgodelan nametatt zedenorena nfelt ina zayne gguy meredaeta koynu ysmeani. neti ztegebre metkaeti haberetu zrzr zsen aymeslenn . nmntay zeytnegruna nmntay moral zeytwsukulna. nmntay aytshafkalun ezi metkaeti . bzuh mhatetkuka. michael aranchi eti kdmi zkone kemzi tefetsimu ao ilu zebeserena eyu . hji dma eti znebere knegrena ndeli . ksab ab asena keytewtso men tbehal nska .kemzi aynet tsekati akayda ina ntselo zelena,

  • ብመጀመርያ ንኹሉኹም ነበብቲ ጽሑፋተይን ተኸታተልቲ ኣሰናን የመስግነኩም፡፡ ቀጺለ ዝኸበርካ ሓው ኣርዓዶም፡፡ ብዓቢኡ እቶም ፈጸምቱ ከመይ ከመይ ምኻኑ እቲ ዝተፈጸመ ስርሒት መግለጺ ሂቦምሉ ኣልዉ፡፡ ልዕሊ እቶም ፈጸምቱ ኮይነ ክገልጸን ምስጢራቱ ክዝርዝሮን ኣይክእልን እየ፡፡ ንሶም ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪቦሞ ኣለዉ፡፡ ኣብ ኣዝማሪኖ ኣለካ ኣንብቦ፡፡ ኣብዚ ውን ክዘርግሖ ርኣየ፡፡ የግዳስ ጸሓፋይ እየ ኢለ እኳ ኣይሓስብን፡፡ ግን ይፈታትን፡፡ ብመገዲ ጸሓፋይ ክጸሓፍ እንከሎ ድማ ቁሩብ መቐረት ስለ ዘለዎ እየ፡፡ ዝርዝር ናይቲ ዝተፈጠመ መጥቃዕቲ ምግላጽ ዝወረደ ዕንወት ነቲ ፍትሕን ምድዕማኽ ስርዓት ህግደፍን ክርእን ከረጋግጽን ዝሰርሕ ዘሎ ውዕሉኡ ምግላጽን ድማ ሚስጢር ምቅላዕ ኣይኮነን፡፡ ድኽመታትና ንዝተሰርሑ ስራሓት ከምቲ ዝግበኦም ከነቃልሖም ዘይምኽኣልና ኢዩ፡፡ ምስ ኣኽብሮት፡፡
    ሚኪኤል ኣራንቺ

  • Micheal Embaye
    April 2 at 7:48pm ·

    ኣግእዞ 14 by ፈዳይን on 01 April 2015 in ድሃይ ካብ ኤርትራ 1 Print Email ናብ ዕለት 20/03/15 ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ሰዓት 04፡30 ኣብ ክልተ መኣዝናት ሃገርና ንጸላኢ ዘርዓደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። እቶም ታርጌት ዝኾኑ ቦታታት ድማ፡_ 1. ኣብ ውሽጢ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ከባቢ ትኹል ብልሙድ ኣጸዋውዓ እንዳ ኣመሪካ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መደበር /ተኮስትን ተተኮስትን/ ዝተኸዘነሉ ሃንገርን ኣብ ወተሃደራዊ መካይን ዝተሰቕለ ሓድሽ ማለት ኣብ ግብሪ ዘይተፈተኑ ከበድቲ ኣጽዋርን ናይቲ ጉጅለ ምስ ተሽከርከርቱ ተሃሚኹ። 2. ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ውሽጢ ዞባ ጋሽ_ባርካ ተደኪኑ ዝርከብ መጻረዪ ወርቂ ዕደና ቢሻ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ዓንዩ። ፈጸምቲ ናይቲ ስርሒትን ኣፈጻጽምኡን ብዝምልከት፡ ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ቀንዩ ኢዩ። ነቲ ስርሒት ኣብ እዋኑ ሰራሒ ኣካል ዘይምግላጽ ብመንጽር ሚስጥራውነት ስለዝተራእየን ንፈጸምቲ /ፈዳይንና/ ተኣፋፊ ብምንባሩ ተዓቂቡ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ሰዓቱ ኣኺሉ ነቲ ዝተፈጸመ ስርሒት ወግዓዊ መግለጺ ክንህበሉ ናይግድን ይኸውን። ፈጸምቲ’ዚ ስርሒት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝርከቡ ምዑታት ኤርትራውያን መንእሰያት’ዮም። ብመሰረቱ ነዚ ዕዉትን ንጸላኢ ዘሰንበደን ስርሒት ቀጺልና ንእንወስዶም ተመሳሰልቲ ተበግሶታትን ስጉምትታን ንምትግባር ጽፉፍ ውጥን ወጺእሉ ዓመታት ብዝወሰደ መጽናዕትታትን ኣዝዩ ኣድካሚ ወተሃደራዊ ልምምዳትን ብምውሳድ ነዊሕ መስርሕ ሓሊፉ’ዩ ሀ ኢሉ መደቡ ጀሚሩ ዝርከብ። ብመሰረት ክብ ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ ውሑዳት ኣባላት ብትብዓቶምን ተወፋይነቶምን ዝተመርጹ ኣካላት ሰራዊት ኤርትራ ብምንባሮም ዉህሉል ተመኩሮ ዘጽንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ንስርሒታት ዘድሊ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ማለት ኣካላዊ፡ ስልታዊ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ስልጠናታት ወሲዶም። እቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብክልስ ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ ኢዩ ኔሩ። ምስ ናይ ውሽጢ ሕቡኣት ፈዳይን ዝተወሃሃደ፡ ብኣዝዩ ሓያል ድስፕሊንን ጽፉፍ ፕላንን ዝተመርሐ ስልጥናን ምድላዋትን ድማ ተኻይዱ። ድሕሪ’ዚ ተሪርን ኩሉ ዓይነት ጸገማት ናይ ምጽዋርን ንምርግጋጽ ብወተሃደራዊ ኣጸዋውዓ ም.ም.ም /ምምስሳል ምስራር ምስዋር/ ዝበሃል ስልጠና ወሲዶም። ብኹሉ ዓይነት ስልጠና ደረጃ ብቕዓቶም ኣብ ዘተኣማምን ኩነት ከምዘለዉ ድሕሪ ምድምዳም፡ ወፍሪ ንናይ መጀመርያ ተልእኾ ተወሲኑ። ቀጺሉ ድማ ነቲ ዕለት ናይ ስርሒት ኣብ ግምት ብምእታው ብኣግኡ ናብ ክልቲኡ ኣንፈት ከምዝንቀሳቐሱ ተጌሩ። በዚ መሰረት ምዑታት ጉጅለ ፈዳይንና ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ብጸቶም ኣብ ዘዝተወሰነሎም ቦታታት ድሕሪ ምርኻብ፡ ንመዓልታዊ ኩነታት ብደቂቕ እንዳ ኣጽንዑን እንዳ ገምገሙን ምስ ማእከላይ ኣወሃሃዲኦም በብወገኖም እንዳተራኸቡን ድሕሪ ምቕናይ፡ ብኣወሃሃዲኦም ዝተወሰነሎም ዕለትን ናይ ዜሮ ሰዓትን መሰረት ዕዉት ስርሒታቶም ፈጺሞም። ተዓዊቶም ድማ። ኩሉ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ ክርደኦ ዝግባእ ጉዳይ እንተሃልዩ፡ ውጽኢት ናይዚ ዕዉት ስርሒት ሂወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንምኽፋል ምዩቕ ዘይበሉ ውፉያትን ታባዓትን ጀጋኑ ኤርትራውያን ጉጅለ ፈዳይን መወዳድርቲ ኣልቦ ኢዩ። ሓያሎ ውልቀ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ናይ ወረ ማዕከናትን ዝተፈላለየ ዜና ከቃልሓ ቀንየን ኢየን፡ ሕጂ ግን በዚ ክብ ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ ክውንነት ክርደኣን ነዚ ሓቂ’ዚ ከቃልሓ ከምዝግበአን ንገልጽ። ጸላኢ ጸላኢ ስለዝኾነ ግን ሕፍረቱን ስዕረቱን ንምሽፋን ነቲ ስርሒት ንምኽሓድ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ምግባሩ ኣይገርመናን ኢዩ። ስለዚ ኣይኮነንዶ እቲ ተሳዒሩ ስዒረ፡ ወሪሩ ተወሪረ፡ ሃሪሙ ተሃሪመ እንዳበለ እልቢ ዘይብሉ ሓሶት ዝነዝሕ ጉጅለ ኢሰያስ ካልእ ጸላኢ’ውን እንተኾነ ንስዕረቱ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል የለን። ጨንፈር ፈዳይንና ጀሚሮሞ ንዘለዉ ውሁድ ስርሒት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣባይቲ ኣብ ክንዲ ዝሃንጽ ዝተሃንጸ ብደዞራት ዘዕኑ ጉጅለ ኢሰያስ ሕነ ዝፈዲ ፍጻመ’ዩ። መንእሰያት ተማሂሮም፡ ሰሪሖም፡ መሲሎም ከይነብሩ ብገደብ ኣልቦ ዕስክርናን ባርነትን ተፈሪድዎም ካብታ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ፍቱዋት ስድራቤቶምን እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ከምዘለዉ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ’ዩ። ግዳይ ነጋዶ ውሽጣዊ ኣካላት /በደዊን/ን እንስሳታት ማእከላይ ባሕርን ኮይና ነሕልፎ ዘለና እልቢ ዘይብሉ መከራን ስቓይን ከይኣክል፡ ጉጅለ ኢሰያስ ናብ ስደት’ውን ደድሕሬና እናሰዓበ ይህውኸና ኣሎ። ብጭቡጥ እቶም ነዚ ኩሉ ጸገማት ሓሊፎም ዕድለኛታት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጸጊዖም ሰሪሖም ንዘጥረይዎ ንብረት ብመንገዲ ስድራቤቶም ዘስርሕዎ ኣባይቲ በቲ ጉጅለ ከም ገበን ተቖጺሩ በልማማ የዕንዎ ኣሎ። ነቶም ብዘይ ጠዋሪ ዝተረፉ ኣረጋውያን ወለዲ’ውን እንተኾነ፡ መባድልቲ ደቆም 50.000 ናቕፋ ክኸፍሉን ራሕሪሕናዮ ዝኸድና ጠበናጁ ክዓጥቅዎን ይግደዱ ኣለዉ። ካብዚ ዝሓስም ግፍዒ የለን፡ ነዚ ሕነ ዝፈዲ ስጉምቲ ምውሳድ ድማ ሓላል’ዩ። እዚ ስርሒት’ዚ ሕጂ ብኣና ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኩሉ ከምዝፈልጦ ቅድሚ ክልተ ዓመት 21 ጥሪ 2013 ብጅግና ወዲ ዓልን ብጸቱን ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ተኻይዱ’ዩ። ጡርኑፍ’ኳ እንተዘይኮነ ካለኦት ዝተፈላለዩ ጸረ እቲ ጉጅለ ምንቅስቓሳት ከምዘለዉ’ውን ይፍለጥ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ ደላዪ ለውጢ ንዝኾነ ህዝብናን ተቓወምቲ ውድባትናን ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ’ዩ። ፍልልያትና ብምጽባብን ዱልዱል ስምረት ብምፍጣርን ቀዳምነት ነዚ ሰታዪ ደም ዝኾነ ብኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ከም ተመን ዕዳጋ ጠፋዕ ጠፋዕ ኣቢልና፡ ነታ ኣብ ሞንጎ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን እትርከብ ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን። ጉጅለ ኢሰያስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምውዳቑ ኣይተርፎን’ዩ። እቲ ክሕሰበሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን ኪንዮ ውድቀት ጉጅለ ኢሰያስ ንዝህሉ ኩነት’ዩ። ምሁርን ፖለቲካኛን ኤርትራዊ ዜጋ ሕሰብ። ንዘረባ ናብ ግብሪ ናይ ምቕያር ባህሊ ነማዕብል። ነዚ በሪ ዝኸፈተ /ዘግኣዘ/ ማንታ መጥቃዕቲ ንዕሰሎ። ሕድሪ ሰማእታትና ናይ ምዕቃብን ለበወኦም ናይ ምፍጻምን ግዴታ ስለዘለና። ዓወትና ብደምና!!! 31/03/2015

  • እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ በቶም ሰራሕቲ ቅያ ዝተጻሕፈ እዩ፡፡ ልዕሊዚ ኣይክጽሕፍን እየ፡፡
    ሚኪኤል ኣራንቺ

  • ዝኸበርካ መሲናስ ከምቲ ኣብ ርእሲ ሽሮስ ጠስሚ እንተተወሰኾስ ዝያደ መቀረ ዝበሃል፡፡ ንርእይቶኻ ብምሉእ ልበይ ተቐቢለካ ኣለኹ፡፡ ቀርዒዶ ሓደ ዓይነት ቆጽሊ ኢዩ፡፡ ምርር ዝበለ ድማ ኢዩ፡፡ እንተዘይ ተጋግየ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ኣላኺት ዝበሃል ኮይኑ ይስማዓኒ፡፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብቲ ናይ ጥሜት ወቕቲ ነጋደልቲ ጠጢቖም ይምገብዎ ከም ዝነበሩ ይፍሌጥ፡፡
    ሚኪኤል ኣራንቺ

    • Mesinas April 9, 2015

      ዝኸበርካ ሓው ኣራንሺ፡ ብቐዳምነት ትርጉም ቀርዒዶ ገሊጽካ ናይ ቃላት ኣፍልጦይ ስለ ዝደራዕካለይ ብልቢ ኣመስግነካ። ብተወሳኺ ንርእይቶይ ብእወታ ምቕባልካን ምምስጋንካን ድማ ምልክት ንቕሓትካን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ኪኾኖ ዘለዎ፡ ማለት ንነቐፌታን ርእይቶን ክፉት ሸውሃት ከም ዘልሎካን ክግንዘብ ክኢለ ኣለኹ። በዚ ድማ ደጊመ ኣድንቐካን አምስግንነካን ክቡር ሓው።

POST A COMMENT